Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰለስተ ወሎዶ ኣብ በረኻ

ሰለስተ ወሎዶ ኣብ በረኻ                    ዕለት 8.1.2015 ሪኢናዮ’ንዲና  ዋርሳይ ይካኣሎ ተዋሃሂዱን ተሳኒዩን ክራጋረግ ከሎ ናብ ጎይታን ፣ ጊላን ድኣ መን’ዩ ዝቐየሮ፧ እቲ ጠላም ስንኩላት ዝመልዓሰ.. ብጾቱ ዘሕቅቕ ዘሎ ኣብ ዒራዒሮ   ሕጂኸ እንታይ ኢና ክንሰምዕ፧ ዝኮበለለ ሽማግለ ብደቁ ክስላዕ ክሕየር ክዳጎን ክበኪ ክነብዕ ዘርሞ ዘርሞ

ሰለስተ ወሎዶ ኣብ በረኻ  

                 ዕለት 8.1.2015

ሪኢናዮ’ንዲና  ዋርሳይ ይካኣሎ

ተዋሃሂዱን ተሳኒዩን ክራጋረግ ከሎ

ናብ ጎይታን ጊላን ድኣ መን’ዩ ዝቐየሮ፧

እቲ ጠላም ስንኩላት ዝመልዓሰ..

ብጾቱ ዘሕቅቕ ዘሎ ኣብ ዒራዒሮ

 

ሕጂኸ እንታይ ኢና ክንሰምዕ፧

ዝኮበለለ ሽማግለ ብደቁ ክስላዕ

ክሕየር ክዳጎን ክበኪ ክነብዕ

ዘርሞ ዘርሞ ቀዉዒ ቅጫ ንከይብላዕ

ነቲ ትወን ዝሃበ ኣምላኽ..

ዶኮን መሲልዎ ምሳና ዝቅጻዕ

እኽሊ ደርቢኻዶ ንጢመት ትቃላዕ

 

ሰለሰተ ወሎዶ ብሓንሳብ ኣብ በረኻ

ኣባሓጎ ምስ ደቂ ደቅኻ

መንእሰይ ምስ ኣቦሓጎኻ

ብረት ታሓንጊጥካ

መንድዓት ኣብ ሕቖኻ

 

ሕጂ’ዉን ክብለካ’ዩ  ነቦሓጎኻ..

እሰሮ ቀጥቅጦ ቅተሎ

ወይ ንዉሉድ ዉሉድካ..

ቐጥቕጦ ቅተሎ

ሕልና ኣልቦ’ዩ ጋኔን ዝተሰቅሎ

ግራት ሓሶት’ዩ  ሓቂ ዘየበቅሎ

 

አየ !  ብስርዓት ዘይምእዘዝ ኣእምሮ

ስርዓት ክተኽለልና ያኣዪ እሻባሸብ ኣሎ

ሸየጢ ኮላሊት  እንዳዋፈረ ከሎ

አብ ሓዘን ላምባዱዛ ዝእዝዝ ከበሮ

ኣሽካዕላል ይእኽሎ ዕድምኡ ነሕጽሮ

 

 

 

ኣብሓንቲ ህመት ሰለስተ መልሓሱ

ሓንሳብ ይብል ተመለሱ ተጣዓሱ

ሓንሳብ እዉጅ ኩናትዩ መንእሰይ ፈሊሱ

ኣሮግቶት ናብ ታዕሊም እናጎሰሱ

ይብል ሰብ መሊኡ’ሎ መክቱ ገስግሱ

ስብና እናጠፍኤ ዝብል ቱሪስቲ ዝገሹ

ጥጂእ’ዮ ኣይትዘንግዕ አይትዓሹ

ዘርእና ከጽንት አዩ ተበጊሱ

ኣዳራሽ ህድሞና ኣፍሪሱ

ክቡር ደብርታትና ኣራኺሱ

ዝበለ’ኮ ኢዩ ናብ ባርካ ተጣየሱ

 

ሳኣን ድፍእ ዝኣረገ ዃና

ኣብ ደገን፣ዓድን፣ በረኻን ተጋሪድና

ንሳቶም ድኹማት ንሕና ምስዓቅምና

ንሳቶም ዉሑዳት  ብዙሓት ከሎና

ፈላሊዩ ሸይጣን ለይቲ ዝጻወተልና

ብስም ኣብ ብስም ኢላሂ  ኢልና

ናይ ሓባር ማኣዲ  እንተተቛዲስና

ምሉእ ዘይጉዱል ጸጋታት ኣለና

 

ኣንታ ክቡር ህዝቢ

ክሳብ ማዓስ’ኻ  መንድዓት ክትሮሩ

ኢሂን ሚሂን  ንባሃሃል  ተማኸሩ

ናይ መስገደል መቑሕኩም ክትሰብሩ

ኣባይና ክንሰጉግ ሓንሳብ ንሓዋሩ

ትዉልድና ክነብር ቀሲኑ ሰሲኑ

 

ሎሚ ዘመን ሓዲኡ ኣሎ

ኣምላኽና ሒዝና ኩሉ ዝካአሎ

ብግብሪ  ክንጅምሮ ተሳኒካ ንቅሎ

እወ !ሰሚርና ጸላኢና ሓሕ ክንብሎ

ህዝባዊ መንግስትና ከንተኽሎ

 

እስጢፋኖስ መንግስትኣብ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • sherer January 8, 2015

    Kubur Estifanos! Kulu gize yiketatelo iye tsihufka, you are one of the best.

  • Stefanos Menghesteab January 8, 2015

    ክብረት ይሃበለይ sherer
    ኤርትራዉያን ካብ ህልቂት ምድረበዳን ባሕርን ድሒና፡
    ራህዋን መስተርሆትን ረኺብና ሽግርና ንጸዉየሉ ዘመን ይገበረልና።

  • AHMED SALEH January 9, 2015

    Estifanos
    We Eritreans have to repent for our sins to bles Issayas
    sinister motives of national service . From the begining
    rounds we noticed the injustices and unfair treatments
    toward young recruits and we heard many sad stories.
    Our people’s deaf ears to their plight worsned their
    condition and the solution for saving them depends on
    our willingness to fight on their behalf .
    Truth to be told , they are part of us at the end of the day
    obliged to show compassion , love and support as Eritrean
    society.
    Have courage to escape from dark stage of life toward
    shining light sign for hopeful dream .
    NOBODY CARES EXCEPT US AS ONE PEOPLE & ONE NATION !

POST A COMMENT