Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሰላም ዘየልቦስ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ሕዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው” (ኤር 6፡ 14)

ኣብዚ ቕንያት ካብቲ ዓማጺ ሥርዓት ኣሥመራ ተላኢኾም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት፡ በቲ ክሕልፍዎን ክገብርዎን ዝቀነዩ ውዱቅ ፕሮፖጋንዳ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣጉሂዎም ዝቐነየ ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ንተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወኪልና ኢና መጺና እናበሉ፡ መሳርሒ ናይቲ ሑሱር

ኣብዚ ቕንያት ካብቲ ዓማጺ ሥርዓት ኣሥመራ ተላኢኾም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት፡ በቲ ክሕልፍዎን ክገብርዎን ዝቀነዩ ውዱቅ ፕሮፖጋንዳ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣጉሂዎም ዝቐነየ ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ንተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወኪልና ኢና መጺና እናበሉ፡ መሳርሒ ናይቲ ሑሱር ሥርዓት ኮይኖም ምርካቦም፡ ንቤተ-ክርስቲያና ምስ ክብራን ዕቤታን ዘይከይድ ኣነዋሪ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝመጹ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወዲቓን ሓሲራን እናሃለወት፡ ናይ ዕድጊ ወኪል ኮይኖም ዝተሸሙ ክመስሉ ብምሕሳር ማሸላን ተንዲኖን ጣፍን ክዛረቡ ምርኣዮም ንቡዛሓት ሳዓብቶም ከይተረፉ ልቦም ዝሰበረ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ። ኣባ ቄርሎስ በዚ ኣየብቅዑን፡ “ዋሓጥዮ እንተ-በልኩዎስ ትጎስሞ” ከም እተባህለ፡ ነቲ ብናይ ብዙሓት ደም ንጹሃት ደቂ ሃገር ተሓታቲ ዝኾነ ጨኳኒ ሥርዓት ኢሳይያስ ክውድስዎ ምርኣዮም ከየንዓቆም ኣይተረፈን።

 

ናይዚ ድምር ውጽኢት ድማ፡ ኣብ ዝኸድዎ ዓዲ፡ ሓያል ተቓውሞ ክገጥሞም ዝተራእየ። ገለ ካብቲ ሕቶታት፡ ኣቦና ቅዱስ እንጠንዮስ ኣበይ ኣለው? ቤተ-ክርስቲያን ስለምንታይ ነቶም ካብ ሃገርና ወጻኢ ዝዓረፉ ጸሎተ ፍትሓት ክትገብረሎም ዘይከኣለት? ስለምንታይ ከ ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ፓትርያሪክ ንኸይድ ኣሎና?  ዝብሉን ካልእን በዳህቲ ሕቶታት ክሕተቱ ዝተዓዘብና። እዞም ጳጳሳት እዚኣቶም መሳርሒ ሥርዓት ኢሳይያስ እምበር ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝውክሉ ብዘይ ምንባሮም። ነቲ ከም ዝናም ዝዘንቦም ዝነበረ ሕቶታት፡ ክምልስዎ ስለ ዘይከኣሉ፡፡ ከም ኣመሎም ድኹም ጎኒ ሕዝብና ሃሰስ ኣምባል እዮም ዝተራእዩ፡፡ መናፍቃን ተሃድሶ ዝበሃሉ ኣለው እናበሉ ንኹሉ እቲ ዝመጾም ዝንበረ ሕቶ ኣብዚ ተሓቢኦም ክሕልፍዎ ርኡይ ትዕዝብቲ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ዘይተዓደለ ሕዝብና ነቲ ሓቂ ክበጽሖ ደልዩ ብዙሕ ሃንቀውታ ይንበሮ እምበር ከምኡ ኮይኑ ግን ኣይተረኸበን። ካብ በዓል ኣባ ሉቃስን ኣባ ቄርሎስን  ትኽ ዝበለ ቅኑዕ  መልሲ ምጽባይ የዋህነት ጥራይ እዩ።

 

ነብይ ምክያስ ንኸምዚኦም ዝበሉ መራሕቲ ብኸምዚ ይገልጾም። “ተጠንቂቆም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፍኣት ድልዋት እየን። መስፍን ሀቡኒ ይብል ፍርዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩ’ውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጉንጎኑ። እቲ ካባታቶም ዝሔሸ ኸም ተኾርባ እዩ። እቲ ዝቐነዔ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾኽ ይገድድ” (7፡ 3-4)። ከምቲ ናይ ትግርኛ ኣባሃህላ ትኽ እንተበለ ከም ማዕጺድ ዝበሃል ከምኡ ዘስምዕ’ዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ፡ ጉዳይ ሃገርናን ቤተ-ክርስቲያናን ንምዕራዩን ንምጥርናፉን ኣኽቢድዎ ዝርከብ ዘሎ።

 

ኣባ ሉቃስ፡ ኣቦና እንጠንዮስ ተፈቲሖም ታዓሪቅና ሰላም ኮይኑ ኢሎም ዝበተንዎ ጽሑፍን ዘረባን ድሮ ረሲዖሞ ግዲ ኾይኖም፡ ተመሊሶም ንቅዱስ እንጥንዮስ ብመናፍቕነትን ክሕደትን ክኸስዎም ኣብ ማእከል ጉባኤ ምርኣዮም ከየርመመና ኣይሓለፈን። “ግዜ ዝሃቦ ሓምሓምሲ እምኒ ይሰብር” ክም እተባሃለ ኣባ ሉቃስ ኣብ ቅልጽም ፕሎቲካ ተደጊፎም፡ ነቶም ተባዕ ኣቦ ቅዱስ እንጠንዮስ ክወቅስዎም ብቅዓት ኮነ ሞራል ክህልዎም ኣይመተገብእን። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝበሎ “ሰላም ዘየልቦስ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ሕዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው” ከም እተባህለ ሰላም ዝባሃል ዘየተራኣያ ሃገርና ኤርትራ፡ ሥርዓት ህግደፍ ሰላም ኮይኑ ኢለ ስለ ዝዘመረ ጥራይ ሰላም ኩይኑ ማሸላ ረኺሱ ዝብሉና ውሑዳት ኣይኮኑን።

 

ይኹን እምበር ዑደት ናይቶም ክልተ ፈለስቲ፡ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዙሕ ለውጢ ጎሊሑ ዝተረኣየሉ መድረኽ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ሕዝብና ብትብዓት ተመሊኡ ክዛረቦምን ብጉዳይ ቅዱስ እንጠንዮስ ጸሚዱ ክሕዞምን ድሕሪ 13 ዓመት ናይ መጀመርያ ተርእዮ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ። ጸኒሑ ድማ ነቲ መናፍቃን ተሃድሶ እናበሉ ዝሽቅጥሉ ዘለው ምሕብኢ በዓቲ፡ ንቅሓት ሕዝብና እናበረኽ ይመጽእ ምህላው፡ ምሉእ ፍልጠትን ሰፊሕ ልቦናን ምስ ተሓወሶ፡ ምልኣት ዘለዎ ምስግጋር ክንርኢ ዘኽእለና መድረኽ ምምጽኡ ዘይተርፍ ኮይኑ ይረእ ኣሎ።

 

 

ብሓፈሻ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ድምጺ ሓርነት ካብ ሃገርና ወጻኢ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሕብርቲ ዓድና ክስምዓሉ ጀሚሩ ዘሎ ወቕቲ ምኻኑ’ዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ብርሃነ ኣብርሀ ተቢዖም ነቲ ዓማጺ ሥርዓት ክኹኑንዎ ከም ዝተራኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ። ሎሚ ድማ  መልእኽቲ ሓርነት ካብ ማእከል ሃገርና ብኣቦና ኣባ ተኽለ-ሚካኤል ተወልደ ኣቢሉ፡ ካብ ከተማ ሰገነይቲ ክስማዕ ተኻኢሉ ኣሎ። ንኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ።  ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ውጻዓትን ድኻታትን እምበር ምስ ዓመጽቲ ሥርዓታት ክትጽጋዕ ኣይግበኣን’ዩ። ምኽንያቱ ቤተ-ክርስቲያን መሰረታ ጽድቅን ቅንዕናን ሓቅን ፍትሕን ክኸውን ይግበኦ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፡_”እቶም ንሽጉራት ፍትሒ ኪኸልእዎም፡ ንድኻታት ሕዝበይ ከኣ መሰሎም ከግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎም  ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ ወይሎኦም” (ኢሳ 10፡ 1-2። እምበኣር እዞም ክልተ ፈለስቲ  ዓድና፡ ንፍትሕን ንሓቅን ገዲፎም፡ ኣብ ዓዲ ነጻነት ኣውሮጳ መጺኦም መንግስትና ዝገበሮ ጅግንነት እናተባሃለ ካብ ውዳሴ ማርያም ዘይንእስ ክውድስዎ ምስማዕና ንልብና ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን መሊእዎ ቀንዮ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ድማ ኣባ ተኽለ-ሚካኤል ልቦና ብዝመልኦ ኣበሃህላ ብትብዓት ነቲ ሓቂ ኣብ ማእከል ሃገርና ክትርትርዎ ምስማዕና ኣየ መንፈሳውነት ኣየ ትብዓት ዘየብል ኣይኮነን።

 

“ነቲ ብሰንኪ ድኹም ዝኾነ መሪሕነት ፖለቲካ ዝኸሰርናዮ ዝምድናን ሕውነትን ምስ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብመገዲ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክነሕድሶ ክኢልና ድሕሪ ምባሎም። ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ ግሉጽነት ኣሰራርሓን ድምጺ ሕዝቢ ዝሰምዕን” ምኻኑ ድማ ወሲኾም ገሊጾም፡፡ ነቲ ሕግን ቕዋምን ግሉጽነት ኣሳራርሓን ዘይፈልጥ ዓማጺ ሥርዓት ኣሥመራ ክማሃሮ ዘለዎ ዕዮ ገዝኡ ጽቡቅ ጌይሮም  ከዛኻኽርዎ ክኢሎም ኣለው።

 

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነትን ካብ ውሽጢ ሃገርና መልእኽቲ ሓርነት እተማሓላልፍ ዘላ። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል በቶም ተባዓት ኣቦታትና ጳጳሳት ምዝርጉሑ ታሪኽ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን፡ ሓወይ፡ ሓፍተይ፡ ወደይ፡ ጓላይ፡ ኣበይ ኣሎ፡ ኣበይ ኣላ፡ ምባል ከም ገበን ዝተቆጸረሉ ምስ ስራሕ ፖለቲካ ዝተደመረሉ መሪር ዘመን መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ኣበርኪቶም እዮም። ቤተ-ክርስቲያን ካብ ምጉሳይ ደቃ ሓሊፉ ካልእ ስራሕን ተልኦኾን ክህልዋ ኣይምተገባኣን። ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘሎና ሞባእ ምቁጻር ፈቀዶ ዝክርን ተስካርን ምብላዕ ምስታይ እንተዘይ ኮይኑ ነቲ ሞጓሰ ኣምላኽ ግዲ ዘይብሎም ጓሶት በሃልቲ ነጊሶምሉ ዘለው እዋን እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል።

 

እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሔር። ስለዚ ብዛዕባ          እቶም ንሕዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነባጊዔይ     ዝዘሮኽምወንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ   ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸኣ ነተን ኣባጊዔይ ኻብቲ             ዝበተንኩመን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓን        እየን።           ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን         እየን፡ ይብል እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት። (ኤር 23፡ 1_4)

 

 

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሃገርናን ንሕዝብናን ዝእክበሉን ዝጥርንፈሉን እዋን ርሑቅ ኣይክኸውንን እዩ። እዞም ሎሚ ሰብ ግዜ ኮይኖም ዘረፍትን ዓመጽትን ኮይኖም ዝርከቡ ዘለው፡ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ግደን ቦታን  ኣይክነብረምን እዩ። ከመይ ኣዛ ብዙሕ ተስፋ ዘለዋ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ኣብ ድኽነትን ባርነትን ኣትያ ድሕሪ ምጽናሓ። ሎሚ ድማ ወደባታ ይሽየጥ፡ ጸጋታታ ይዝረፍ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን ደጊምና ናይቲ ዓማጺ ሥርዓት ኣሳሳይቲ ኾይና ክንርከብ፡ ጸሊም ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።

 

ከመይ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ንኤርትራ ቤተ-ክርስቲያን ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ንኽልቲኡ ሲኖዶስ ናብ ሓደ ምድማር ዝዓለመ ኣባሃህላ በቶም ፓትርያሪክ ኣባ ማትያስ ኣቢሉ ምውጽኡ ስክፍታ ዘየሕድር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጳጳሳት ኤርትራ ነቲ ዝገበርዎ ገበን ኣብ ክንዲ ዝንስሕሉ፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ ይሳጋገሩ ምህላዎም፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያናን ሃገርናን ከቢድ በደል ከይፍጽሙ ዘየሰክፍ ኣይኮነን። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ኢትዮጵያ፡ ንጉዳይ ቅዱስ እንጥንዮስ ብወግዒ ምብጻሕ ጌይሮም፡ ኣብ ዕርቂ ኢዶም ማዓስ ይእትው ይኾኑ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረና። ካብቲ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ ግን ተስፋ ዝህብ  ኮይኑ ኣይተረኸበን።

 

ኣባ ቄርሎስ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ድሕሪ 27 ዓመት ሓደ ኮይና ኣላ፡ ንሕና ድማ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ክነብስረኩም ኢና ምባሎም ይፍለጥ፡፡ ንኽልቲኡ  ሲኖዶስ ብምድማር  ድዮም ከበስሩና፡ ንቅዱስ እንጠንዮስ ናብ ወንበሮም ክመልስዎም። እዝጊ ዋነኦም። ዝጣዓስ ልቢ እንተ ዝህልዎም፡ ኣባ ሉቃስ ክሳዕ ሕጂ ንቅዱስ እንጠንዮስ ኣፎም መሊኦም ብመናፍቕነት ክኸስዎም ኣይምተሰምዑን። “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ከም እተባህለ፡ ኣብቲ መልእኽቶም ሽርሕን ጉርሕን ከይሃለዎ ኣይተርፍን’ዩ። ጳጳሳት እንድዮም፡ ከመይ ገይሮም ዘይከውን ክዛረቡ ትብሉ ትኾኑ፡ ቅዱስ እንጠንዮስ ዘይተፈትሑ ተፈቲሖም፡ ዘይተዓረቑ ታዓሪቕና ዝበሉና ንሳቶም ዶ ኣይኮኑን!!!። ሕጂ ድማ ጌና ብመናፍቕነት እናኸሰስዎም፡ ነባ ሉቃስ ኣሚናዮም ክንድቕስ ሕልናና ዘይቅበሎ እዩ።

 

በቲ ዝገበርዎ ገበን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና፡ ካብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኦሬንታል ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጺሎም ምጽነሖም ኣብዚ እዋን ዘይፈልጥ ዳርጋ የልቦን ኣብ ምባል በጺሕናሉ ዘሎና እዋን’ዩ። ካብዚ ከቢድ ተነጽሎ ንምህዳምን፡ ኣጀንዳ ዲግታተርያዊ ሥርዓት ኢሳይያስ ንምምላእን ምስ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ከይድመሩ ከቢድ ቓልሲ ኣብ ቅድሜና ይጽበየና ምህላው ክነቅሓሉ ዘሎና እዋናዊ ዛዕባ’ዩ። ከም ኣባሃህላ ኣባ ቄርሎስ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ንሽግራ ፈቲሓቶ ዝባሃል ዘሎ እንተ ኾይኑ ድማ ፈቲሓቶ ዘይኮነትሲ ንግዚኡ ኣደስኪላቶ ክባሃል ይቐልል። “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” (ራኢ 2፡ 7)። ከምይ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ብድፍኢት ፖለቲካ ተደሪኻ ከም ዝተፋላለየት፡ ሎሚ ድማ ብመራሕቲ ፖለቲካ ተኣዚዛ ናብ ዕርቂ ምምጻኣ ንስራሕን ዕዮን መንፈስ ቅዱስ ክትእዘዝን ክትሰምዕን ዘይምኽኣላ ዘመልክት ዓብይ ኣብነት እዩ። እዛ ናትና ቤተ-ክርስቲያን’ውን ብፖለቲካ ምኽንያት ኣብ ምፍልላይ ኣትያ ከም ዘላ፡ እቶም ሰብ ፖለቲካ ተዓረቒ እንተበልዋ ከም ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ርእሳ ኣድኒና ንዕርቂ እንተ መጸት እንታይ ፋይዳ ኣለዎ። ንኣብነት ፓትርያሪክ ኣባ ጳውሎስ ምስ ዓረፉ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ንዕርቂ ፈቲና ኔይራ፡ እቲ ናይ ሽዑ ፖሎቲካ ጸቅጢ ግዲ ዘይገበረላ ኾይኑ ነቲ ዓብይ ዕድል ከም ዝኸሰረቶ ተዓዚብናዮ ኔይርና። ብተማሳሳሊ ቤተ-ክርስቲያና’ውን ኣባ ደስቆርዮስ ምስ ዓረፉ፡ ነቲ ዝነበረ ጌጋ ክትእርሞ ዕድል ኔይርዋ’ዩ፡ እቲ ዘሎ ፖለቲካ ሃገርና ስለ ዘይፈቀደላ፡ ነቲ ዓብይ ዕድል፡ ኣምላኽ ንንስሓ  ዝኸፈቶ ማዕጾ ዓጽያቶ ትርከብ ኣላ። ጽባሕ ንግሆ እቲ ፖለቲካ ምስ ፈቀደላ ንዕርቂ እንተመጸት፡ መንፈስ ቅዱስ  ሰሚርዎ  ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ምንም የብልናን። ምኽንያቱ እቲ ትኹል ቃል ኣምላኽ፡ እተን ማሕበራት ንመንፈስ ቅዱስ ይስማዓ ዝበሎ ገዲፈን፡ ንምድራውያን ነገስታት ክግዛኣ ምኽኣለን ዓብይ ውድቀት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘመልክት እዩ።

 

ኣብ መዛዘም ክብሎ ዝደሊ፡ ንሕዝብና ምሕሳር ማሻላን ቸሜንቶን  ዘይኮነስ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ቤተክርስቲያንን ሃገርን ክርኢ ትጽቢትናን ጸሎትና ምኻኑ’ዩ። ቅዱስ እንጠንዮስ ናብ ወንብሮም ተመሊሶም ክመርሑ። ብጉዳይ ሃገር ድማ ብሕግን ብቕዋምን ትማሓደር እምበር ብውልቀ መላኺ ትግዛእ ሃገር ክንርኢ ኣይንደልን ኢና። ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ርክባትን ውዕላትን ንሕዝቢ ኤርትራ ዘማእከለ እምበር ብውሻጠ ዝግበር ስምምዕ ኣይንቅበሎን ኣይንድግፎን ኢና። ንጉዳይ ሃገርናን ቤተ-ክርስቲያናን ዝምልከት ሕዝብና ብፍታው ዝገብሮ እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ዝተበየነሉ ከጣቅዕ ዝነብር ሕዝቢ ከም ዘይምኻኑ  ኣርጊጽና ክነፍልጦም ንደሊ።

 

ኣምላኽ ንሕዝብናን ሃገርና ሰላሙ ይሃብ። ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።

 
Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean orthodox Church, Manchester.

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde November 5, 2018

    “ቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሔር። ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንሕዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነባጊዔይ ዝዘሮኽምወንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸኣ ነተን ኣባጊዔይ ኻብቲ ዝበተንኩመን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓን እየን። ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት። (ኤር 23፡ 1_4)” >>>>Amen!!! 2 generation of Eritreans minimum.This experiment was done by the Nazi Germans over the Jews,they came roaring back to establish one of the strongest little nation in the middle east,the ultimate Sheppard,the Creator knows where His herd belong,He will eventually lead them home,the wolves can only try.Rev. Yohannes, God bless you and your parish.

  • Berhane Haile November 7, 2018

    ከማኹም የብዝሓዮ ኣባቴ። ኣብ ኤርትራ ገለ ዓሰርተ ካህናት ከማኹም እንተ ዝርከቡ ዓቢ ለውጢ ምመጽአ ነይሩ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም፡ ይሓግዘና። ኢሰያስ ከኣ መዓልቱ ዝኣኽለ እዩ ዝመስል።

  • Jor November 7, 2018

    Weldon Rev Yohannes. The truth will prevail and will never die. It was really heart breaking to listen what the fake “bishops” to say. Where is the conscience? Are they really Christians?

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply