Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰማይ ነቢዑ

ሰማይ ነቢዑ ብኽያተይ  ሰሚዑ ሰማይ ነቢዑ ነዊሕ ተገዚአ ትንፋሰይ ሞሊቑ ቈርበተይ ተናዒቑ ስጋይ ተዓሚጹ ዓጽመይ ደቒቑ መንነተይ  ተጓዕጺጹ ታሪኸይ ተሰሪቑ ቋንቋይ ተናዒቑ ናብ መሬት ወዲቑ ተዋሪደ ተሓሪደ ተሰዲደ ኣብ ገዛእ  ቤተይ ተዓሚጸ ኣብ ገዛእ መሬተይ ተረጊጸ ተዃዒተ ተፋሒረ ተበሲዐ እወ፡ ተመዝሚዘ  ለፊዐ ሽንቲ ርሂጸ ደም ነቢዐ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ በልኩ ሓመድ በሊዐ ንሱ  ከኣ

ሰማይ ነቢዑ

ብኽያተይ  ሰሚዑ

ሰማይ ነቢዑ

ነዊሕ ተገዚአ ትንፋሰይ ሞሊቑ

ቈርበተይ ተናዒቑ

ስጋይ ተዓሚጹ ዓጽመይ ደቒቑ

መንነተይ  ተጓዕጺጹ ታሪኸይ ተሰሪቑ

ቋንቋይ ተናዒቑ ናብ መሬት ወዲቑ

ተዋሪደ

ተሓሪደ

ተሰዲደ

ኣብ ገዛእ  ቤተይ ተዓሚጸ

ኣብ ገዛእ መሬተይ ተረጊጸ

ተዃዒተ ተፋሒረ ተበሲዐ

እወ፡ ተመዝሚዘ  ለፊዐ

ሽንቲ ርሂጸ ደም ነቢዐ

እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ በልኩ

ሓመድ በሊዐ

ንሱ  ከኣ ሓለፈ

እንክሓልፍ ብዙሕ ትንፋስ  ኣሕለፈ

እንትኾነ ሓለፈ

ሓሊፉ ግን ኣይሓለፈን

ደጊሙ ተመልሰ

ከም’ቲ ወርትግ  ካብ’ቲ ዝጸንሐ ዝበኣሰ

ረቒቑ፡ በሊሑ፡ ነዲሩ፡ ሓሲሙ

እቲ ምረት ተመልሰ ደጊሙ

ገዛእ ወደይ ሓረደኒ፡ ኣሰረኒ

ገዛእ ወደይ ኣሕሰረኒ፡ ዓመጸኒ

ሽንቲ ኣርሂጹ ደም ኣንባዓኒ

ኣሳደደኒ፡ ካብ ገዛይ ሰጎጔኒ

ምድረ በዳታት ሰንጠቕኩ ናብ ስደት

ኣብ ባዕዲ ሃገር ‘ተሐሸ’ቲ ምረት

ኣብ ባዕዲ ሃገር ‘ተሐሸ’ቲ ቅትለት

እንተኾነ ኣይሓሸን ኣይሓሸን ዋይ ኣነ

ኣብ ፈቐዶ ባሕርታት ምሳሕ ዓሳ ኴይነ

ሰብነተይ ተሰሪዙ ናብ ኣቕሓ ተለዊጠ

ብህይወተይ  ተሰጥዬ  ተጎዝዬ

ልበይ ኵሊተይ

እዝነይ ዓይነይ

 ንዕዳጋ ቀሪቡ

ተሓረጀ  ንዝበዝሐ ዝሃቡ

ኣውያተይ ሰሚዑ

ሰማይ’ውን ነቢዑ

ጸሓይ’ውን ሓዚና

ጸሊም ካባ ደመና ተኸዲና

ኣንታ ወደዬ ውጻእ ማሕጸነዬ

ኣይሰማዕካን ብኽያተይ  ኣውያተዬ

ሰማይ’ዶ  ቀሪቡኒ ካባኻ?

ጸሓይ’ዶ ቀሪባትኒ ካባኻ?

ተንስእ ኣልዕ በትርኻ

በትሪ ኢድካ በትሪ ልሳንካ

በትሪ ልብኻ በትሪ ነፍስኻ

እዚ’ውን ይሓልፍ

ክሳብ ዝሓልፍ …

 ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

ጀርመን

8.12.2011

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Daniel Tesfayohannes December 13, 2011

    Daniel (moksi)
    Fantastic art. keep on cultivating this talency.

  • habrom koreda December 14, 2011

    This is the most i a ever hear good peom that express humanity and those who doing agressive action stealing human organ and killing honesnt people telling their action.

  • Agazi December 15, 2011

    ዳኒ ዝገርም ጥበብ ! ዝገርም ግጥሚ ! ብኣዝዩ ሓጺርን ገላጺን ቃላት ንኹሉ ተረኽቦታት ኤርትራ ዘግሃደ፡ ዘቃልዐ፡፡ ብሕድሕዶም ቃላት ብዙሕ ሓሳብ ምፍልፋል ዝካኣል፡፡ ክልተ ሻዕ ንዝሓስብ ወዲ ኣባት ኩሉ ንቃልሲ ዘነሃህር፡፡ ንዓመጽቲ ዘሕፍር ንኡድ ጥበብ!፡፡
    በርትዕ! ክትቅጽለሉ ሓደራ እብለካ!

  • truly, Truly i say to you December 17, 2011

    “ሽም ይመርህ ጧፍ የብርህ” Brother, ብግጥምኻ ኣጊቤ! ኣጊቤ! ኣጊቤ! This is one of the most fantastic poem i ever
    heard in Tigrina too.

POST A COMMENT