Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰይጣን ናይ ክልቴና መኣስ’ዩ ዝሕረድ?

ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን  ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን

ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን  ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን ካሕሳን መዕለቢ ይግበረሎምን እቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስን። ሓደ ክልተ ጉዳያት ግን፡ ብሰሪ ድርቅና፡ ድንቁርናን ምትህልላኽን ብኡሳት፡ ፍታሕ ከይረኸቡ ንዓመታት ይጸንሑን ጠንቂ ብልጽግናን ሰላምን ይኾኑን። ብፍላይ ኣብ ሓደ ጆኦግራፍያዊ ኣከባቢ ንዝነብሩ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ንዘጋጥሙ ጸገማትን ዘይምቅድዳውን ብኢህን ምሂን ምፍታሕን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሞርኮሰ ዝምድና ምምስራትን ድማ ጥጡሕ ጎደና ምዕባለን ቅሳነትን ዘርሑ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን እዚ ዕድላት’ዚ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝተሓረሞም፡ ቀንዲ ሕላገቶም፡ ኩናት ዘስዓቦ መቅዘፍቲ ህይወት ሰብ፡ ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ድኽነት፡ ስደትን ተጻብኦን ኮይኑ’ሎ። እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ብብልጽግና፡ ብሰላምን፡ ብህይወት ዜጋታቶምን ዝሕለቁ እንተኾይኖን ልቦና እንተልይዎምን፡ “ዝሓለፈ ይኣክል” ኢሎም ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቀዳምነት ሂቦም፡ ነቲ ዘየሰማምዕ ጉዳያት ሕድገታት ክገብሩን፡ ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃበኒ ዝዓይነቱ ስነሞጎት ወጊዶም ገጽ ንገጽ ክዛተዩን ይግባእ። ከምቲ ቀዳሞት ወለድና “መባእስተይ ለባም ይግበረለይ” ኢሎም ዝመሰልዎ፡ መምዘኒ ብቅዓት ሓደ መራሒ፡ ቂም በቀል ተሰኪምካ ወይ ንዝሓለፈ ኣሉታዊ ተርእዮታት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ንዝመጽእ ወለዶን ሰላምን ዕድል ምሃብን ካባኻ ዝተፈልየ ሓሰብ ንዘለዎ ሰብ ከመይ ጌርካ ምስኡ ተሳኒኻ ትነብርን’ዩ። ፈቲና ጸሊእና፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከም ጎረባብቲ፡ ከም ገዛእን ተገዛእን ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር ስለዝተጓዓዝና፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ምትእስሳርን ረብሓታትን ስለዘሎና፡ ጉዳይ ሰላም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ እይግብኦን። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝብልዎ፡ ጠንቂ ኩናትን ዕንወትን ብሓቂ ባድመ እንተኾይኑ፡ ልቢ ብምዕባይን ንግስጋሰን ቅሳነትን ክልቲኡ ህዝብታት ብምሕላይን፡ ዝብላዕ ጭብጢ ሒዝካ ኣብ መኣዲ ዘተ ምቅራብ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ውዕል ኣልጀርስ ቀያድን ናይ መወዳኣታን ብይን ስለዝኾነ ከምዘለዎ ይተግበር ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ብይን ቅድሚ ኣብ ባይታ ምትግባሩ ዘተን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ጠሊቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብይን ኣልጀርስ ከምዘለዎ ክቅበሎ ፈሪሙን ተሰማሚዑን ከብቅዕ፡ ውሳኔ ምስሓለፈ ንብይን ኣልጀርስ ኣብ ክንዲ ምቅባል ዳግመ ግምት ክግበረሉ ሓቲቱ። ክልቲኦም መንግስታት፡ “ውዕል ይተግበር-ውዕል ይከለስ” ብዝብል ምጉት ነቂጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝፈረመሉን ዝተሰማማዓሉን ጉዳይ ዕረ እናጠዓሞ ምጉሳም እምበር ጣዕሳን ጓል መንገዲ ምፍጣርን ሕጋዊ ተቀባልነት የብሉን። በዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ዕንቅፋትን ጠንቅን ናይቲ ጸገም’ዩ።  ኤርትራ ብብይን ኣልጀርስ ከሲባ’ዶ ከሲራ ንሕቶ ገዲፍና፡ ንጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብንጹር ገደብ ግዜን ንምዕልባጥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብርዓንን፡ ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጹ ንዛተየሉ ዝብል ጠለብ ኢትዮጵያ ብስልቲ ተቀቢሉ በቲ ዘተ ኤርትራ ትረብሕ እንተኾይናን ዘላቂ ሰላም ዘምጽእ እንተኾይኑን ምፍታሹ ኣይምጎድአን። ክልቲኣም መንግስታት፡ ነዚ ኣማራጺታት’ዚ ዕሽሽ ኢሎም፡ ብቃላት መወዳእታ ዘይብሉ ዘለፋ፡ ቅርሕንቲ ምፍሓር፡ ተቃወምቶም ወድባትን ጉጅለታትን ምዕጣቅን ኣብ መሬቶም  መዓስከራት ምፍቃድን ንጽልኢ ሰማይ ዘዕርግ ተግባራት ካብ ምስዋር ኣይተቆጠቡን። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ፡ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ብጥሜት ሓለንጊ እናተግርፈን ናብ ስደት እናምርሐን እንከሎ፡ ሚልዮናት ዶላር ዝዋግኡ መጽነቲ ህይወት ሰብ ዝኸውን ዝተራቀቀ ኣጽዋር ምሽማትን፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ክንዲ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓትን መኣዲ ትምህርትን ዝዋፈሩ፡ ስልጣን ውሑዳት ንምሕላው ካብ ሰላማዊ ናብራኦምን ቤተሰቦምን ተነጺሎም ኣብ ቁርን ህሮርማ ጸሓይን ተዋፊሮም ምህላዎም’ዩ። ብተወሳኺ፡ ካብ ገለ ምሁራትን ፈላጣትን ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ክንዲ ንኽልቲኡ ህዝብታት ከተቀራርብ  ምጽዓርን ምምናይን፡ ምጉህሃርን፡ ጽልኢ ንምስዋር ከይደቅስካ ምሕዳርን “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ” ዝብል ዝቆንቆነን ናይ ዓያሹን ተበለጽትን ዘመተ ከካይዱ ይስምዑን ሕማም ናይ ዝሓለፉ ይደግሶምን ኣሎ።  ናይዞም ሰባት ምጉት፡ ማይ ዘይብልካ ዓሳ ምምናይ ስለዝኾነን ጸገም ኣእምሮ ስለዘለዎምን፡ ኣብ  ኣማኑኤል ሆስፒታል ክምርመሩ ኣለዎም። እቲ ሓቂ ግን ብዘይ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ዝነብራን ዝማዕበላን ብዙሓት ሃገራት ከምዘለዋ ዘካትዕ ኣይኮነን።  እቲ እንኮ ምርጫን ሓልዮት ህዝቢ እንተልዩናን ግን፡ ምትህልላኽን ጽልእን ብምውጋድን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ሰይጣን ብምሕራድን ኣብ ጎደና ሰላም ብምምራሽን’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሓምለ 11 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • yitbarek July 14, 2015

    ኣነስ ብጣዕሚ ዝገርመኒ ኤርትራ ሪፈረንደም ክተካይድ ካላ ናይ ባድመ ህዝቢ ኣብዚ ኣይተሳተፈን ኣብ ሪፈረንደም ዘይተሳተፈ ህዝቢ ንምነታይ እዩ እቲ ባታ ናይ ባዕልና ዝባሃል ዘ ሄግ እኮ ዕላምኡ ሰላም ንምንጋስ ዘይኮነስ ኣብ ኣፍሪካ ግጭት ንምፍጣር እዩ ዝሰርሕ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮን ሰላም ንክፍጠር ዘይኮነስ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ኩናት ንምፍጣር ዝሰርሕ ዕላማ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ
    ስለዚ ኢትዮ ስለ ወድበ ናይ ኤርትራ ንምውሳድ ምንም ዕላማ የብላን ኩሉ ዓለም ዝፈልጥ እዩ ኢትዮ ኩሉ ግዜ ክልቲኣዊ ምትሕግጋዝ እያ ትእምን
    ኢትዮ እኮ ናይ ጅቡቲ ወድብ እንትጥቀም ከላ ጅብቲ እውን ካብ ኢትዮ እትጥቀሞ ናይ መብራህትን ማይን ኣለዋ እዩ እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልተ ህዝብታት ዝግበር ምትሕግጋዝ እዩ ስለ ዚ ንሕና ምስ ኤርትራ ጥቡቅ ዝምድና ፈጠርና ማለትስ ዓሰብ ምውራር ገይርኩም ኣይትውሰድዎ ንስካትኩምን እውን ካብ ኢትዮ እትጥቀምሉ ከም ዘሎ ኣይተዘናግዑ
    ስለዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ኣይሰላም ኣይኩናት ዝተፈጠረ ብሰንኪ ሕማቅ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ እምበር ብሰንኪ ወያነ ኣይኮነን ወያነ ምስ ኩለን ጎሮቤት ብሰላም ክነብር ዝደሊ ውድብ እዩ ወያነ ናይ እማቱ ኣይደልን ናይ ባዕሉ ድማ ኣይህብን
    ውያነ እኮ ምስ ኩለን ጎረቤት ኩናት ዝእወጅ ኣይኮነን ብኣንፃሩ ድማ ኢሳያስ ምስ ኩለን ጎረቤት ሃገሩ ኩናት ዝኣወጀ እዩ
    ትማሊ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓርዱ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ደርጊ እኮ ብስም ኢሳት ቲቪ ፀዊዑ ኣብ ኤርትራ ቃለ መጠየቅ ዝገብር መንግስቲ እዩ ብሚለየን ዝቁፀር ዶላር እኮ ዓመታዊ ሓገዝ ዝገበር እዩ ብዓርሰ መሰል ወሰነ ኤርትራ ዘይኣምኑ ውድባት እዩ እኮ ሓገዝ ዝግበር መንግስቲ ዘለኩም ስለዚ ውያነ ካብ ምምራር ንኣቶ ኢሳያስን ሰዓብቱን ምቅላስ ይሕሸኩም ወያነ ናይ ኤርተራ ጉዳይ ኣብ በረካ ትሒዙ ኤርትራ ነፃ ሃገር ምኳኑ ዝኣወጀ ውድብ እዩ ስርዓት ደርጊ ምስተደምሰሰ እውን ምንም ዓይነት ሓሳብ እንተይቀየረ ኤርትራ ነፃ ሃገር ምኳኑ ውሳነ ዝሃበ ውድብ እዩ ሰለዚ
    ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘቦ ዝግባእ ነገር እንተሃለወ መጀመርያ ናይ ውሽጡ ኩነታት ከጠናክር ይግባእ ውሽጥካ ተንካራ እንተኮይንካ ናይ ደገ ኩነታት ምፍትሒ ንምቅማጥ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ

  • Dawit kflezghi July 16, 2015

    ባድመ ኣብ ዝነበረቶ ኣላ ስጋብ፡ውሽጥና፡ዝጸጺ ወይ፡ዝዕረ፡እዚ፡ማለት ባድመ፡ናይ ኤርትራ፡ኣይነበትን፡ኣይኮነትን፡ዘይኮነስ፡እቲ፡ቀንድን፡ዘቤታውን፡ሚንጪ፡ሕስመ፡መከራ፡ህዝቢ፡ኤርትራ፡ኮይኑ፡ዘሎ፡ዉሽጣዊ፡ቁልውላዋትና፡ብሰንኪ፡ጉጉይ ምሕደራ፡ስርዓት፡ህግደፍ፡ ዝፈጠሮ፡ርእሰ ነገር ምኻኑ፡ዓባቢጥካ፡ዘይ ሕለፎ፡ኣብ ቦቱኡ፡ዘሎ፡ናይ ኣዳባባይ ሚስጢር ኢዩ! ብሕጽር ዝበለ፡ባድመ፡ኣብ ትኸደና፡የብላን፡ኤርትራዊ ዜጋአ፡ኣብ መሬታ፡እንተሎ፡ ብዝኾ፡ብዕራይ፡ናብ ዝኸደ እንተኸደ ዕርፊ ኣጽንዕ ከም ዝተባህለ፡ ንሕናውን፡ከም፡ዜጋታት እዛ ሃገር ኤርትራና ዝተባህለ እተተባህለ ካብቲ ሓቁ ወይከ ፍልክት፡እቲ ዋና ነገር ግን ውህደትናን ሲኒትና ጥራሕ ኣብ ኑቡሩ ንምለሶ ቀዳምነት ምድርቤትና ነጽሪ

POST A COMMENT