Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰይጣውንቲ ዓዲ ውዕል ኮይኖም

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ነቲ ቅቡል ባህሊ፡ ልምድን ክብርን ጥሒሱ ዘይንቡርን ጽዩፍን ተግባራት ንዝፍጽም ሰብ፡ ሰይጣን፡ ዲያብሎስ፡ ኣራዊት፡ ኣረሜን፡ ብዓለገ ዝብሉን ካልኦትን ቅጽላት ኣስማት ይወሃቦ። እዞም ኣነወርቲ ተግባራት ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዝተሰከመ ሰብ ምስዝፍጸም ድማ ተወሳኺ ሚዛንን

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ነቲ ቅቡል ባህሊ፡ ልምድን ክብርን ጥሒሱ ዘይንቡርን ጽዩፍን ተግባራት ንዝፍጽም ሰብ፡ ሰይጣን፡ ዲያብሎስ፡ ኣራዊት፡ ኣረሜን፡ ብዓለገ ዝብሉን ካልኦትን ቅጽላት ኣስማት ይወሃቦ። እዞም ኣነወርቲ ተግባራት ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዝተሰከመ ሰብ ምስዝፍጸም ድማ ተወሳኺ ሚዛንን ኣቃልቦን ይወሃቦ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ጽቡቅ ተግባራት ዝፍጽሙ’ዶ ሕማቅ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ይበዝሑ ዝብል ሕቶ ዝምልስ ጽጹይ መጽናዕታዊ ጽሑፍ የለን። ይኹን እምበር ዝበዝሑ ሰባት ብተፈጥሮኦም ጽቡቅ ብዝገበርዎ ክንየቱን ክፍለጡን እምበር ንሕማቅ ተግባራቶም ክኣምኑን ድፍረት የብሎምን። ኣበሮም ኣብ ክንዲ ዝርዕሙ፡ ሰይጣን ኣስሒቱኒ ኢሎም ንሰይጣን ዝውንጅሉ’ውን ብዙሓት ‘ዮም። ገለ ድማ ጉድለታቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ብምስካም ክሃድሙን ሕነ ክፈድዩን ንዕዘብ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንፉጽ ሰብኣይ ምስ ሳእኑ ነዊሕን ጨናፍር ኣብ ዘይነበሮን ገረብ ክሓኩር እንከሎ ሰይጣን ተዓዘቦ’ሞ፡ “ርኣዩለይ ስምዑለይ እዚ ሰብኣይ ሳእኑ ከይኣውጽአ ናብ ሰማይ ጠቀስ ገረብ ይሓኩር ኣሎ፡ ኣብ መሬት ጻሕ ኢሉ ምስተሰብረ ወይ ምስ ሞተ፡ ኣይ ብኢደይ ኣብ ብእግረይ ሰይጣን ኣስሒቱኒ ወይ ኣጽዲፉኒ ክብል’ዩ” ኢሉ ንተዓዘብቲ ስምዕታ ኣቅረበ ይብሃል። ደቂ ሰባት ንነዊሕ ዓመታት ሕማቅ መዓልቲ ውዒለ ሰይጣን ኣስሒቱኒ ወይ ደፊኡኒ ኢልና ጉድለታትና ክንክሕድን ንኻልኦት ክንጥቅንን ጸኒሕና ኢና። ሎሚ ግን እዚ ምስምስን ተግባራትን’ዚ ዘብቅዐ ይመስል። ኣብ ዝሓለፈ በዓል ዓመት ፋሲካ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብመሰረት ሓደ ካህን ንኣመንቶም ዝሃብዎ ስብከት፡ “ሎሚ ሰይጣን ስርሑ ገዲፉ ዓዲ ውዕል ኮይኑ ኢዩ። ምኽንያቱ ዘበን ከፊኡ፡ ኣምላኽ ዝፈትዎ ጽቡቅ ነገራት ንሰርሕ ስለዘየሎና፡ ግብርና ስለዝኸፍአ፡ ሃይማኖትናን እምነትናን ስስዕን ገንዘብን ኮይኑ። ብእከይ ተግባራቶም ካብ ሰይጣን ዝሓለፉን ስራሕ ሰይጣን ዝፍጽሙን ብዙሓት ሰባት ስለዝተፈጥሩን ስለዝፈረዩን ድማ ህላወ ሰይጣን ትርጉም ስኢኑ’ሎ“ ክብሉ መረርኦም ገሊጾም። ብህሎ ናይዞም ለባም ካህን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ መዳይ ዘተኩር’ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ቁልጭ ኣቢሉ’ዩ ዝገልጽ። እስከ ኣብ መዋእልና ካብ ዝፍጸሙ ዘለው ሰይጣናውን ዘይልሙዳትን ተግባራት ገለ ኣብነታት ንጠቅስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሰባት ብሕጋውን ዘይሕጋውን ኣገባብ ንብረት ብምሻጥን ብምልዋጥን ጥራይ ኣይኮኑን ዝነግዱን ዝህብትሙን ዘለዉ።  ገለ ፋሪሓ እግዚኣብሄርን ሕልናን ዘይብሎም ሰባት፡ ብምትላል፡ ብሓሶትን ብንነብሰይ ይጥዓመንን፡ ንኸምኦም ሰባት ብገንዘብ ይልውጡን ይሸጡን ብኣቛራጭ ሃብቲ ክድልቡን ይፍትኑ ኣለዉ፡፡ ሰባት ንኸምኦም ፍጡራት፡ ብምድንጋርንን ብምግዳድን፡ ኣብ ዓው ኢልካ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ጸምጸም በረኻን ማያትን ወሲዶም፡ ብካራሩ ጎይሖም ብጠያይት ቀቲሎም ኮላሊቶም ይወስዱን ንገንዘብ ይልውጡን፡ ደቂ ኣንስትዮ ይጋሰሱ፡ ኣብ ምድረ በዳን ማእከል ባሕርን ደርብየሞም ይዕዘሩ። ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ብሰሪ ምልካዊ ምምሕዳር ህግደፍ ናብ ስደት ከምርሑ እንከለዉ ግዳይ ናይዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ሰይጣናውን ኣረሜናውን ተግባራት ከምዝኾኑ ብዓይንና ንዕዘቦን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ዘስካሕክሕ ጉዳይ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት፡ ምስቲ ብዓለም ደረጃ ብባርባርነቱ ዝፍለጥ “እስላማዊ ጥሩፍነት” (ISIS)፡ ዝዳረግ ጭካነ’ዩ። እቶም ብህግደፍ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ካብ ስድራቤቶምን ወለዶምን ተነጺሎም ኣብ ጎዳጉዲ ተደርብዮም ዝሳቀዩ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት፡ እቲ ኣብ 1984፡ ኣብ ጽርግያ ነፋሲት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ’ቶም “ናብራ ሓሲሙና ጸገምና ይሰምዓልና” ዝበሉ፡ ምእንቲ ህዝቦም ዝሰንከሉ ጀጋኑ ብትእዛዝ ኢሳያስ ዝተፈጸመ ቅንጸላ፡ እቶም ቅድሚ ናጽነት ብስም “መንካዕ፡ የሚን፡ ከድዓት፡ ሃሱሳትን ካልእ ኣስማትን ኣናተዋህቡ ብኢሳያስ ዝሓቀቁ ኤርትራውያን ስራሕ ሰይጣን ኢልካ ክትገልጾ’ውን እናውሓደ’ዩ።

እቲ ንነብሱ ከም ሕጋዊ መንግስቲ ዝቆጽራ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣረሚናዊ ስርሑ ንሰይጣን ኣብዚ ጽናሕ ካብ ዝብሎ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ንኣብነት ህዝቢ ኣስመራ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኣብ መደብ ህዝብን መንግስትን ጸጋማቱ ክፍትሓሉ ምስሓተተ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ “ህዝቢ ንግሆ-ንግሆ በጊዕ ክንሓርደሉ ይደሊ’ሎ’’ ኢሉ ሓጪጩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ነቶም “ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን” ተባሂሎም ንብረቶም ተዘሪፎም ብግፍዒ ካብ ኢትዮጵያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ምሕጋዞምን ኣብ ክንድኦም ምጥባቅን “እዞም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ዜጋታት ንህዝብና ሕማቅ ይምህሩልና ኣለዉ” ክብል ወንጂሉ። ብዘይ መተካእታ፡ ህዝቢ ዝነብረሉ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን ኣፍሪስካ ቆልዓ ሰበይቲ ግዳም ሓደር ክኾኑ ምቅሳብ፡ ሰባት ገንዘቦም ካብ ባንክታታት ኣውጺኦም ክይዕንገሉ ምኽልካል፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ሓመድ ከይለብሱን ስድራቤቶም ከይሓዝኑን ምእጋድ፡እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ወዮ ድኣ ሰይጣን ምሩር ስም ተዋሂብዎ እምበር፡ ካብ መራሒ ሃገር’የ ዝብል ኢሳያስ፡ ጽዩፍን ብናይ ብድዐን ቃላት ንህዝቢ ምውንጃልን ምግፋዕን፡ ካብ ስራሕ ሰይጣን ንላዕሊ’ዩ።

ኣብ ዘለናዮ መዋል፡ ይሕመቅ ይጸብቅ፡ ገለ ንድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቅ ወይ ድማ ንረብሓ ውሑዳት ዝሕሉ፡ ብቅዋም ዘይትመሓደር ሃገር የላን። ኣብ ኤርትራ ግን ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ንቡርን ስርዓት የለን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ቆጺሩ ክሸጦ፡ ክቀትሎ፡ ከዕንዎ፡ ከባርሮ፡ ጸሙ ከውዕሎ፡ ቃሕ ዝበሎን ዘይንቡር ክፍጽምን ስልጣን ኣለዎ። ብዙሓት መራሕትን ሰበስልጣንን ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ስልጣኖም ተጠቂሞም ንብረት ህዝብን ሃገርን ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ከውዕልዎ ምርኣይ ልሙድን ሕዱር ሕማምን’ኳ እንተኾነ፡ ተግባራት መላኺ ኢሳያስ ግን ሓለፋ ኣለዎ። ንኣብነት ካብቲ ኢሳያስ ደስ ከብሎ ዘቁሞን ዘስርሖን፡ እተን ዘይዓበያ ክመጽኦ ከለዋ ድማ ዘደስክሎን ዝበታትኖም ሚኒስትሪታትን ጨናፍራትን መንግስቲ ከየፍለጠ ሓንሳብ ኣብ ዓዲ ሃሎ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ምጽዋዕ ብምሽራብ፡ ንመዓልታት ካብ ቤተ መንግስትን ስድራቤቱን ይሕክል። ኢሳያስ ኣብቲ ዝሕብኣሉ እዋን እንታይ ይገብር ብርግጽ’ኳ ዝፈልጦ ሰብ እንተዘየለ፡ ዝተሓርያ ደቂ ኣንስትዮን መስተን ከምዘይፍለዮ ግን ምስጢር ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ምስ ስድራቤቱ ዝተዃረየ ቆልዓ ጥራሕ’ዩ ንግዚኡ ካብ ወለዱን ቤቱን ብምህዳም ናብ ቀረባ ኣዝማዱ ዝዕቆብ። መራሒ ሃገር ኣብ ዝመሰዮ ክሓድር’ ብደምን ስቃይን ንጹሃት ዜጋታት ክስወድን ግን፡ ጨካን እንስሳ’ምበር ሰብ ኣይኮነን። ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ፡ ኣብ ክንዲ መራሒ ሃገር፡ “መራሒ ሰይጣውንትን ኣጋንንትን” ዝብል ስም ምጥማቕ’ዩ ዝያዳ ዘምሕረሉ።  ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብ ሞትን ስቃይን ዘድሕኖ ንሰላም ዝዕድም መልኣኽ ዝኾነ መራሒ ይብህግ ኣሎ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (6/4/16)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Yohannes June 5, 2016

    አቲ ቀንዲ ሕቶ ኮይኑ ዘሎስ እንታይ ንገበር ወይ እንታይ ክግበር ኣሎዎ ካብዚ ስርዓት እዚ ንምግልጋል እዩ። ሳላዚ ማፍያ ስርዓትን ክፉኡን ድሕርቱንሲ ኣብ ኤሪትራ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ ስለ ዘዬሎስ ኣብቲ እንታይ ንግበር ጸቒጥና ሓሳባት እንተንቃባበል ኣይማሓሸንዶ? ኣብኡ ንጽቀጥ እሞ ንመፍትሒ ዝኸውን ርእይቶ ነቕርብ። ጽሑፍካ(ኪ) ዝወጾ ዬብሉን ግን ኣብ ፍታሕ እንተ ኣተኮርና ይሓይሽ ይብል። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ንሱ እዩ። እንታይ ንግበር እዩ ኣብዚ ናይሎሚ ውድዓዊ ኩንታት።
    ዮሃንስ

  • Berhane June 5, 2016

    Why is the calender and other civil values of Eritrea different of Ethiopia? Or similar to the European/western countries? Which one tells us the real history of Eritrea? As some tells us the mind set up of Eritreansome is of the colonalists, could this has some influence on the new make up? I know this is not part of your topic but this also seems another complexity of the regime.

    • INDEPENDENT SLAVE June 5, 2016

      Brilliant Berhane,

      You must be young ..let me explain to you as I am almost as old as Dinasours…Secessionist Jebha and Shaibiya bandits ,spècially the socalled hizbe Tigrinya(fortmerely known as baHre negash Tegaru) like me ,when we were under Italian colony ..The Italian rulers used to call Eritreas “Brutta Razza s”/dirty race …kick them on the ass whip their asses with face down..many fathers of this Jebha & Shaibiya bandits were proud to have been whipped by a white Italians..and thye beñlieved as they were eating spaghetti left in Italian garbages..plus Italians told them ” You brute Razze Eritreans are special and civilized ,unlike the Agame Tegaru that put on tire saldals ,and the raw meat eating backward amHaras..this mentality is that sent bandits from towns ,specially Asmara..,We just lived with Ethiopian brothers and sisters for about 3000 years as backbone of Abbysinyans..So in short Eritreanism is hatred ,fake pride ,fake country,fake identity and fake humanity as a result of all fake stuff..So we decided to use European calander not our ancestors “backward” Calander..

      • Tesfazighi June 6, 2016

        Highly respected the most brilliant IS,

        Thank you very much for the great laugh and joy you keep giving us, truly great educational and entertaining observations and please keep it up. May the almighty God keep you healthy and more wiser as usual. You are truly an added warmth and light in the great Assenna house and thank you to Assenna as well.

        Indeed, the so-called fathers of Eritrean all-alien-loving banditry shefatu’s revolution, abona ato W.W/mariam, A.Kebire and sheikh Ibrahim Sultan were driven by “extreme hate” towards Christian Ethiopia and Amara respectively. The evil ghedli banditry was used by EPLF/PFDJ as a joker to lull the poor Eritrean people (80% non-elite) into confused suspense while they get cleaned out in broad day light.

        Banditry Ghedli and Eritreanism wouldn’t have meant nothing without the demeaning campaign that was directed towards the people of Ethiopia and particularly the Tigrayans. If ever Higdefs has since the so-called independence (slavery) reduced its badmouthing and degrading of Ethiopians, it is only because there is no more ground on which it can claim any of the mythical Eritrean speciality or invincibility. There is nothing to brag about Eritrea any more and no more empty pride of unique identity of former slave masters.

        • Independent Slave June 6, 2016

          Dearest Tesfazghi ,

          What could I add ,you get it ,and contrary to the so called super Eritreans believe that it comes easy to us ,it does not I lost lots of relatives in banditry and I wish it was worthwhile gedli as opposed to banditry.
          Derghi used to take one’s life, bandits specially shaIbiya ,kill one’s pride ,culture,humanity ,identity, manhood and womanhood, and inspite of the guy who called me Tigrean (he meant wedi tigray) as we all are tegaru who is opposed to Eritreanism ,if you listen to Eritrean young paltalks they get it too. Gedli Romantism is dead. Amen

          • AHMED SALEH !!! June 7, 2016

            I blame Eritrean opposition leadership weakness to give opportunity for
            inviting another anti Eritrean independence forces . At the same time
            the silent majority refuse to learn a lesson on the price we paid for
            not resisting sooner at early stage . Deleyti Fithi movement had been attacked by a virus which requires critical observation to find cure .

  • Sol June 5, 2016

    ሓደ ወዲ ኣስመራ ንሰይጣን ክበጽሕ ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ ሰፈር ከደ። ኣቶ ሰይጣን ንብረቱ ክጠራንፍ ጸነሖ። እዚ ዝስፅብ ፅላል ኣብ መንጎኦም ከደ፥
    ወዲ ኣስመራ ፤ ኣቶ ሰይጣን እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ
    ኣቶ ሰይጣን ፥ ንብረተይ እጥርንፍ
    ወዲ ኣስመራ ፤ ናይ ደሓን ድዩ
    ኣቶ ሰይጣን ፤ በቃ ካብዛ ሃገር ክወጽእ እየ
    ወዲ ኣስመራ ፤ እንታይ ደኣ ኾንካ ካብዛ ሃገር ትወጽእ
    ኣቶ ሰይጣን ፤ ስራሕ ስኢነ
    ወዲ ኣስመራ ፤ ሰይጣንዶ ስራሕ ይስእንድዩ
    ኣቶ ሰይጣን ፤ ዋእ ከመይ ደይስእን እዚ ኤሰያስ ዝብልዎ ርጉም ፍጥረት ኩሉ ስረሕይ ባዕሉ እንዳ ሰረሖ። ብሰንኩ ወላ እታ መዓልታዊት ስርሕይ ስኢነያ።
    ወዲ ኣስመራ ፤ እንታይ ነራ ከመይከ ኢልካ ስኢንካያ
    ኣቶ ሰይጣን ፤ መዓልታዊ ስራሓይ ንደቒ ሰባት ቑርሲ ምሳሕ ድራር ኽቅርቡ ከለዉ ፈጣሪኦም ከይዝክሩ መታን ከታልሎም እያ ነራ ሕጂ ግን ብሰንኪ እዚ ወዲ እንተቆረሱ ኣይምስሑ እንተተመሰሑ እይድርሩ ዝገብሮ ጠፊኡኒ ብቃ ባህርያዊ ናብራ ዝነብሩ ህዝቢ ከናዲ ክኸይድ እየ።
    ወዲ ኣስመራ ፤ ደሓን ኩን ነዓና ድማ ካብዚ ርጉም ፍጥረት ፈጣሪ ባዕሉ የገላግለና።

    • Raki June 5, 2016

      Sol, please also tell us in what language they were communicating? What was the communication language between wedi Asmara & ato seyitan?
      Was it in tigirigna or arabic the two official languages of the Eritrean mafia killer organisation always supported and financed by its terrorist moslem Arab world.
      Poor Eritrea would be the worst place to live in on the earth after the higdef mafia killer organisation is gone and replaced by the other cruel killers the moslem Arabs as they are waiting to take over Eritrea after the higdefs.

      • Sol June 6, 2016

        Raki this time you chose very nice and great name, for your question I have only this to tell you, Dear really you are a sick person, go and see psychiatrist it might help you to cure yourself from ethno-religious obsession.

        • Geladios June 6, 2016

          Wrong assumption guys My Eritrea will rule by law abiding citzens after the devilish rule of Isaias. Whoever comes next time will be guided by the “RULE of LAW”, Then the name wouldn’t bother me any more. Get away from my way You rifrafs of the devil. No more foolong tactics I am the young with a clear vission of my country!

  • Selam June 5, 2016

    Great article! brief and to the point as usual.

  • Tesfazighi June 5, 2016

    There is only one devil evil diablos aremiyen in Eritrea and that is the all-alien-loving Eritrean Ghedli, and the havoc it rained on the defenseless Eritrean peasants and civilians is immense indeed. If there is anything that this evil ghedli had accomplished, it is the destruction of highland Eritrea’s way of life and culture.

    A revolution that makes the means (itself) its terminal end is a revolution devoid of any vision. And without a vision to guide it, a revolution resorts to unnatural means to provide meaning to its goals (madness) and survival. As a result, those goals (alien-loving madness) end up being exactly of evils mission. To the mad ghedli elites, the land was more important than the Eritrean people living on the land.

  • INDEPENDENT SLAVE June 5, 2016

    Brilliant Tesfazghi,

    Tsilal just analysed the branch of the problem ,while you wisely pointed it out it was the Gedli that is the root of our problem.
    If you got the milk from a ZIKA virus infected cow and made youghurt of it ..you do not reason ,…if the cow was only milked on FRdAY OR SUNDAY, or it is the fault of the woman that made the youghurt..while the root of the problem was the cow (gedli) with zika virus,,,and to make matters uglier ,we had 14 cows and sheep ,the cow with Zika Virus killed them to liberate us from healthy Habesha milk.

  • AHMED SALEH !!! June 6, 2016

    *** HAPPY MONTH OF ROMODAN ***
    MAY GOD THE ALMIGHTY AND MERCIFUL LISTEN TO OUR PRAYERS .
    FORGIVE US AND SHED LIGHT THAT LEADS FOR RIGHTEOUS BELIEFS .
    WE PUNISHED ENOUGH FOR OUR SINS PLEASE ALLAH WE ASK YOU FOR MERCY .

  • PH June 6, 2016

    ብትመና ለ’ኩም ኣል ሮመዳን ኣል ከሪም ወ’ኢንሻ-ኣላህ…ኢል ምኣሙኒን ሑሪያ ወ’ኣልዓዳላ ትኩኑ ቃሊቢን ሃዛ ሽሃር ኣል ዓዚም!!!

POST A COMMENT