Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ጻዕሪ ህዝብን ኣብ ሚላኖ ዕርቂ ወሪዱ፣ ታቦት ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ።

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ ፖሊሲ ተሳዒሩ ዕርቂ ወሪዱ። ድሕሪ ደጊም፣ ህዝቢ ሚላኖ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን፣ ልደታ ማርያም ክሳለምን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረክብን እዩ።

እዚ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ተጓናጺፍናዮ ዘለና ሰናይ ናይ ዕርቂ ዓወት ንኻልኦት በብኸተምኡ ተኸፋፊሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብነት ምእንቲ ክኸውን ግን እንሆ ነቲ ሓቅታት መንገዲ ዕርቅን ብሕጽር ብዝበለ መንገዲ ነቕርበልኩም።

ኣብ  ከተማ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን  ኣመንቲ  ክሪስትና  ተዋህዶ  ጽበት   ቤትክርስቲያን ሰለ  ዝነበሮም ድሕሪ  ናይ  ነዊሕ  ሕቶ ብምምሕዳር ካቶሊክ ሚላኖ  ቅድሚ 10 ዓመት  ቤተክርስትያን ምስ ተዋህበ ህዝቢ  ብምሉኡ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ  ቤትክርስትያን ተለሚጹ  ጽባቒኡ ኣራጋጊጹ።  ኣብ  ንዋት (ንብረት)  ምግዓዝ  ‘ውን ተበጽሑ ።

እንተኾነ ግን ቀሺ ኤፍረም፣ “እቲ ቤተክርስትያን  ርሕቀት ሰለ ዘለዎ  ቆረብቲ  ኣዴታት ድማ  ኣይንኽይደን ኢና  ሰለ ዝበላ፣  ኣይክይድን  ኢየ  ቆረብተይ ገዲፈ ብ ምባል ካብ ዝተሳማማዓሉ ውዕል  ሳሓበ ። አቲ  ምቕያር ቤትክርስትያን ግዚኡ ሰለ ዝኣኸለ  እቶም ንብረት ኣብ ምግዓዝ ዝመልክቶም  ሽማግለታት  ንብረት ንምግዓዝ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤተክርስትያን ምስ ከዱ  ታቦት ናይ  ቅድስቲ ማርያም ስለዘይረኸቡዎ ብጓሂ ሓሪሮም ተመሊሶም። ብድሕሪ’ዚ ተቐማጣይ ሚላኖ ታቦቱ ከም እተሰርቀ ብዕላል ዕላል ፈለጠ።  እንተኾነ ግን መን ሰሪቑዎ ዚብል ሕቶ ን10 ዓመታት መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ህግደፍ፣ ኩሉ ተቐማጣይ ሚላኖ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ንኸይጥርነፍ ምእንቲ  ትካል  ጋራጅ  ዝነበረ ብ  40.000 ይሮ (ኣሪባዓ ሽሕ ይሮ)  ንዓመት ዝግምት ገንዘብ ብምኽፋል ንተቐማጦ ሚላኖ  ኣብ ክልተ ከምዝግማዕ ገይሩዎ።  እቲ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ገፊሕ ክኾነሎም  ተባሂሉ ዝተዋህበ ቤተክርስትያን ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ ታቦት ስለ ዚተሰረቐ ከም ኣማራጺ ካብ እስራኤል ልደታ ማሪያም ታቦት ከምዝመጽእ ተገብረ። ይኹን’ምበር ቆንስላዊ  ቤት ጽሕፍት  ህግደፍ  ኣብ ሚላኖ ንኤርትራውያን “ናብ ቤተክርስትያን አንዳ ማርያም  ናይ ቀሺ ታደሰ  ክይትከዱ/  ከይትኸዳ” ብምባል፣ ሕጻን  ዘጠመቐ ከይተረፈ  ቅቡል  ከምዘይኮነ  ኣፈራሪሑ። ሕሉፍ ሓሊፎም፣ ብሞት ዝተፈልየ ከይተረፈ፣  ኣብዚ ቤተክርስትያን ‘ዚ ፍትሓት ዝተግብረሉ ሰብ  ንኤርትራ ኣይኣቱን ኢዩ  ብምባል  ንተቓማጣይ ሚላኖ ራዕዲን ፍርሕን ከም ዝሓድሮ ገበሩዎ ።

ክፍኣት ህግደፍ ኣብዚ ኣይየብቅዐን።  ንቤት ተክርስትያን እንዳ  ማርያም  ሚላኖ   ናይ ተቓወምቲ  ‘ዩ ዝብል  ስም  ብምጥማቕ ንኣመንቲ ተዋህዶ ኤርትራውያን ኣብ ሚላኖ ንምፍልላይ  ምእንቲ  ኪጥዕም ብቐጻሊ ሰሪሖሙሉ።  ካብ’ዛ ቤትክርስትያን ዝመላለሱ ዝነበሩ ንሃገር ኤርትራ ኪበጽሑ ዚኸዱ  ሰለስተ ሽማግለታት ካብዚኣ ቤክርስትያን ሰለዝኾኑ ጥራይ  ብዘይንሕስያ በብመዓልቱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳጎኑዎም።  ገሊኦም ንኣዋርሕ  ንገሊኦም  ድማ ንዓመት ተኣሲሮም ንሓደ ካብዚኦም  ንሚላኖ ምስ ተመልሰ ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ኢሎም ዘጠመቑዎ ቤተክርስትያን ከይትከይድ ኢሎም ስለዘጠንቀቑዎ፣ ሰንቢዱ ንሓደ ዓመት ቤክርስትያን ከይተራኣየ ናይ ገዛ ሑዩር ኮይኑ የሕሊፍዎ። ኣስማት ናይቶም ግዳያት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን እዞም ዚስዕቡ እዮም ።

  1. ደሳለ

2 . ኢሳቕ ሃይለስላሰ

  1. ተወልደ

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ህግደፋውያን እቲ ገዛ ክራይ ኣብ ዘይከፍሉሉ ደረጃ ስለዝበጽሑ ደጋጊሞም  ዕርቂ ሓቲቶም። እንተኾነ እቶም  ሓቀኛ ኣቦ ቀሺ ታደሰ፣ ምስ ሽማግለታት ኮይኖም፣ “ንዕርቂ ቅሩብ እየ፣ ቤተክርስትያን ማለት ዕርቒ ማለት አዩ እንተኾነ ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይገበን ስለዝኣሰርኩም ጌጋኹም ‘ሞ ተኣመኑ ዕርቂ ክግበር” ኢሎሞም።

ብድሕሪ ‘ዚ ብዕለት 25 ሚያዝያ 2016  ነተን  ዚፈለዩወን  ኣዴታታን  ሽማግለታት  ህግደፍን፣ ኣብ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ቤትክርስቲያን ኤርትራ ልደታ ማርያም ብምእታው፣  ቀሺ ታደሰን ሽማግለ ኣብርሃም ሓጎስን ትዕግስትን ሓቅነትን ሒዞም፣ ንህዝብን ታቦትን ጠርኒፎም ከምዝጸንሑ ብዘይቶግላባነት መስኪሮም ።

እዚ ጠለብ ‘ዚ ስለዝተመለሰ ከኣ እንሆ፣ ትማሊ 7 ግንቦት 2016፣ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ታቦት ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ልደታ ማርያም ሚላኖ ኣትዩ ኣብ ዕርቂ ተበጺሑ። ሎሚ ሰንበት 8 ግንቦት 2016 ድማ ፖለቲካዊ ፍልልይን መርገጽን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ሚላኖ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካብ ካልኦት ከተማታት ዝገሹ ደለይቲ ዕርቅን ሰላምን ተሓዊሶሞ፣ ህዝቢ ኣብ ቤተክርስትያን ሰሚሩ ብሓባር ክሕጎስን ክምርቕን ውዒሉ።

ኣብ ካልኦት ሃገራትን ከተማታትን ስደት ተኸፋፊልኩም ኣብ በበይኑ ቤተክርስትያን እትሳለሙ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣምላኽ ንዓና የማስልኩም።

ሰላምን ዕርቅን የውርደልና

ዓወት ንህዝቢ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ደለይቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሚላኖ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Timnit May 9, 2016

    We need good news for a change. Hope the rest divided churches reconcile and make peace. Our community needs unity. Our churches are the only refugee in our community. There is no organized communities without politics anymore. That is why we losing a lot of our kids to drugs and not healthy acts. We need to organize and save our kids. Church is the only community we have left.

  • abreham May 9, 2016

    Eti haki komu aykonen Keshi Efrem ms kadrat hgdef weginu eti betelrstyan and eye zrkebo shmagle aymlketekumun eyu bmbal tabot seriquwa tefiu nruesu Keshi Efrem kadr hgdef eyu kkonolu aykealen wela konsl hgdef wn sle zeyeweto seguguwo ab Swiz ynebr alo

  • mbesrat@aol.com May 9, 2016

    I wish in any of North American Orthodox Church do the same as Milano thank you to those who bring peace

  • Zeray May 9, 2016

    Thank you Milano. A church should be a place where people show respect, truthfulness, helpfulness, peach and reconciliation. Especially these days people are frustrated and suffering the church can become the last resort for peace of mind and morality. I hope this continues and pervades the rest of the churches around the world. Thank you for this good news.

  • Fish May 10, 2016

    yaaa ,kigrmka gin nay bhaki xebuki u sebi weilu desi zebil u neru komu ilu seb habiru kiwel expo nay asemera yezkakirka ,izi komu ilu kolo gin serat hgdef hahalifka nay fermely bahri aygdefon ,dehri medeb seb mis zifeltom agaysh indalele kolo abiza ba na ferim yblu kem zinebru nay mintay u teblkas nay igeda,zehiniki u

  • kibri May 10, 2016

    I have sent my comment yesterday asking what the reason for conflict between the two churches was Which patriarch leads the church now. That is not posted. Why?

Post a Reply to abreham Cancel Reply