Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ጻዕሪ ህዝብን ኣብ ሚላኖ ዕርቂ ወሪዱ፣ ታቦት ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ።

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ ፖሊሲ ተሳዒሩ ዕርቂ ወሪዱ። ድሕሪ ደጊም፣ ህዝቢ ሚላኖ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን፣ ልደታ ማርያም ክሳለምን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረክብን እዩ።

እዚ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ተጓናጺፍናዮ ዘለና ሰናይ ናይ ዕርቂ ዓወት ንኻልኦት በብኸተምኡ ተኸፋፊሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብነት ምእንቲ ክኸውን ግን እንሆ ነቲ ሓቅታት መንገዲ ዕርቅን ብሕጽር ብዝበለ መንገዲ ነቕርበልኩም።

ኣብ  ከተማ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን  ኣመንቲ  ክሪስትና  ተዋህዶ  ጽበት   ቤትክርስቲያን ሰለ  ዝነበሮም ድሕሪ  ናይ  ነዊሕ  ሕቶ ብምምሕዳር ካቶሊክ ሚላኖ  ቅድሚ 10 ዓመት  ቤተክርስትያን ምስ ተዋህበ ህዝቢ  ብምሉኡ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ  ቤትክርስትያን ተለሚጹ  ጽባቒኡ ኣራጋጊጹ።  ኣብ  ንዋት (ንብረት)  ምግዓዝ  ‘ውን ተበጽሑ ።

እንተኾነ ግን ቀሺ ኤፍረም፣ “እቲ ቤተክርስትያን  ርሕቀት ሰለ ዘለዎ  ቆረብቲ  ኣዴታት ድማ  ኣይንኽይደን ኢና  ሰለ ዝበላ፣  ኣይክይድን  ኢየ  ቆረብተይ ገዲፈ ብ ምባል ካብ ዝተሳማማዓሉ ውዕል  ሳሓበ ። አቲ  ምቕያር ቤትክርስትያን ግዚኡ ሰለ ዝኣኸለ  እቶም ንብረት ኣብ ምግዓዝ ዝመልክቶም  ሽማግለታት  ንብረት ንምግዓዝ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤተክርስትያን ምስ ከዱ  ታቦት ናይ  ቅድስቲ ማርያም ስለዘይረኸቡዎ ብጓሂ ሓሪሮም ተመሊሶም። ብድሕሪ’ዚ ተቐማጣይ ሚላኖ ታቦቱ ከም እተሰርቀ ብዕላል ዕላል ፈለጠ።  እንተኾነ ግን መን ሰሪቑዎ ዚብል ሕቶ ን10 ዓመታት መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ህግደፍ፣ ኩሉ ተቐማጣይ ሚላኖ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ንኸይጥርነፍ ምእንቲ  ትካል  ጋራጅ  ዝነበረ ብ  40.000 ይሮ (ኣሪባዓ ሽሕ ይሮ)  ንዓመት ዝግምት ገንዘብ ብምኽፋል ንተቐማጦ ሚላኖ  ኣብ ክልተ ከምዝግማዕ ገይሩዎ።  እቲ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ገፊሕ ክኾነሎም  ተባሂሉ ዝተዋህበ ቤተክርስትያን ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ ታቦት ስለ ዚተሰረቐ ከም ኣማራጺ ካብ እስራኤል ልደታ ማሪያም ታቦት ከምዝመጽእ ተገብረ። ይኹን’ምበር ቆንስላዊ  ቤት ጽሕፍት  ህግደፍ  ኣብ ሚላኖ ንኤርትራውያን “ናብ ቤተክርስትያን አንዳ ማርያም  ናይ ቀሺ ታደሰ  ክይትከዱ/  ከይትኸዳ” ብምባል፣ ሕጻን  ዘጠመቐ ከይተረፈ  ቅቡል  ከምዘይኮነ  ኣፈራሪሑ። ሕሉፍ ሓሊፎም፣ ብሞት ዝተፈልየ ከይተረፈ፣  ኣብዚ ቤተክርስትያን ‘ዚ ፍትሓት ዝተግብረሉ ሰብ  ንኤርትራ ኣይኣቱን ኢዩ  ብምባል  ንተቓማጣይ ሚላኖ ራዕዲን ፍርሕን ከም ዝሓድሮ ገበሩዎ ።

ክፍኣት ህግደፍ ኣብዚ ኣይየብቅዐን።  ንቤት ተክርስትያን እንዳ  ማርያም  ሚላኖ   ናይ ተቓወምቲ  ‘ዩ ዝብል  ስም  ብምጥማቕ ንኣመንቲ ተዋህዶ ኤርትራውያን ኣብ ሚላኖ ንምፍልላይ  ምእንቲ  ኪጥዕም ብቐጻሊ ሰሪሖሙሉ።  ካብ’ዛ ቤትክርስትያን ዝመላለሱ ዝነበሩ ንሃገር ኤርትራ ኪበጽሑ ዚኸዱ  ሰለስተ ሽማግለታት ካብዚኣ ቤክርስትያን ሰለዝኾኑ ጥራይ  ብዘይንሕስያ በብመዓልቱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳጎኑዎም።  ገሊኦም ንኣዋርሕ  ንገሊኦም  ድማ ንዓመት ተኣሲሮም ንሓደ ካብዚኦም  ንሚላኖ ምስ ተመልሰ ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ኢሎም ዘጠመቑዎ ቤተክርስትያን ከይትከይድ ኢሎም ስለዘጠንቀቑዎ፣ ሰንቢዱ ንሓደ ዓመት ቤክርስትያን ከይተራኣየ ናይ ገዛ ሑዩር ኮይኑ የሕሊፍዎ። ኣስማት ናይቶም ግዳያት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን እዞም ዚስዕቡ እዮም ።

  1. ደሳለ

2 . ኢሳቕ ሃይለስላሰ

  1. ተወልደ

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ህግደፋውያን እቲ ገዛ ክራይ ኣብ ዘይከፍሉሉ ደረጃ ስለዝበጽሑ ደጋጊሞም  ዕርቂ ሓቲቶም። እንተኾነ እቶም  ሓቀኛ ኣቦ ቀሺ ታደሰ፣ ምስ ሽማግለታት ኮይኖም፣ “ንዕርቂ ቅሩብ እየ፣ ቤተክርስትያን ማለት ዕርቒ ማለት አዩ እንተኾነ ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይገበን ስለዝኣሰርኩም ጌጋኹም ‘ሞ ተኣመኑ ዕርቂ ክግበር” ኢሎሞም።

ብድሕሪ ‘ዚ ብዕለት 25 ሚያዝያ 2016  ነተን  ዚፈለዩወን  ኣዴታታን  ሽማግለታት  ህግደፍን፣ ኣብ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ቤትክርስቲያን ኤርትራ ልደታ ማርያም ብምእታው፣  ቀሺ ታደሰን ሽማግለ ኣብርሃም ሓጎስን ትዕግስትን ሓቅነትን ሒዞም፣ ንህዝብን ታቦትን ጠርኒፎም ከምዝጸንሑ ብዘይቶግላባነት መስኪሮም ።

እዚ ጠለብ ‘ዚ ስለዝተመለሰ ከኣ እንሆ፣ ትማሊ 7 ግንቦት 2016፣ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ታቦት ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ልደታ ማርያም ሚላኖ ኣትዩ ኣብ ዕርቂ ተበጺሑ። ሎሚ ሰንበት 8 ግንቦት 2016 ድማ ፖለቲካዊ ፍልልይን መርገጽን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ሚላኖ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካብ ካልኦት ከተማታት ዝገሹ ደለይቲ ዕርቅን ሰላምን ተሓዊሶሞ፣ ህዝቢ ኣብ ቤተክርስትያን ሰሚሩ ብሓባር ክሕጎስን ክምርቕን ውዒሉ።

ኣብ ካልኦት ሃገራትን ከተማታትን ስደት ተኸፋፊልኩም ኣብ በበይኑ ቤተክርስትያን እትሳለሙ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣምላኽ ንዓና የማስልኩም።

ሰላምን ዕርቅን የውርደልና

ዓወት ንህዝቢ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ደለይቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሚላኖ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • sara May 8, 2016

    HGDF will never stop interfering on the church issues, its main motive is to disintegrate the people of Eritrea. I don’t think hgdf changes its heart but they prefer to be part of the committee and take over the church. This was tried in other countries by hgdf dogs. Aba Tadess must be wise and vigilant. Next year we will hear the church is split, they will definitely try in the coming few months. If the church has money, they have to be careful. This is the main motive of hgdf, money, money….

    • dawit May 8, 2016

      Sara your read my mind. PFDJ can not give what it did not have peace,justice and unity. If they did it must have ulterior motive to control the church, specialty the money- the PFDJ’s opioid. Buyer be ware. It the same party that is distorting the basic fabric of our country.

  • Semere May 8, 2016

    Abet kindey ytiem zena nay bihaki des zibil

  • ኣርዓዶም May 8, 2016

    ኣቤት ኣበት፡ ንነግር ወኢንዘብጥ፡ ይብሉ መምህራን ግእዝ፡ ማለቶም ንሕና ንነግረኩም እምበር፡ ኣይንወቕዓኩምን ኢና፡ኢዮም ዝብሉ፡ ዝወቕዓኩምስ ባዕሉ እቲ ዝል ኣኸና ኣምላኽ ኢዩ፡ ንዕኡ ፍርሁ ማለቶም ኢዮም።

    ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ክኣ፡ `ተግባራት ህደፍ ዘይፈልጥ ዘይርዳእ ኣይተቓዋማይ፡ ኣናፍራ ቖቓሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይ`፡ ይብሉ። ከይበዝሓኩም ድኣ እምበር፡ ሓንቲ`ውን ኣላ፡ ` ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ` ኢሎም ኢዮም።

    ሕጂ ድማ፡ ህግደፍ ክሳብ ብሂወት ሃልዉ ኣይትሃልው ከምዘይተጣልዑን ህዝቢ ከምዘይከፋፈሉን፡ ሎሚ ክራይ ስለዝኸበሮም፡ ኣዳራሽኩም የሕሊፍኩም ሂብክሞም።
    ` ዘኣስሃታ ከይሲ ለሄዋን` ዝብል ዓሰርተ ግዜ ኣብ ቤተክርስትያን ትነብዋ ኢኹም፡ ኣበይ`ሞ ኣምላኽ ኣይፈቐደለይን እምበር፡ ቐሺ ኮይነ ተዝኸውን፡ ፍጹም በዞም ኣትማን ህግደፍ ኣይምስሓትኩን። እሞ ሕጂ ትኽእልዋ ዶ ኣባ ቐሺ ተቐርቒርኩም ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ካድራት ህግደፍ፡ ሰላም ፍጹም ዝጸልእ የለን፡ ንሰላም`ውን ኢና ንቓለስ ዘለና፡ እዚ ግን ግዚኡ ኣይኮነን። ጽባሕ ሰንበት ` ተዘከር ለኣቦነ ኣንጠንዮስ` ኢልኩም ተቐዲስኩም ድማ፡ ንርኢ።

    ክቡር ኣቦና ኣንጦንዮስ ብካድራት ኣቕሽሽቲ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ ትፈልጡ ኢኹም፡ ህግደፍ ስጋ ዝርኣየ ዝብኢ ከም ምኵኑ፡ ሕጂ ወይ ናቱ መሳርሒ ክገብረኩም ኢዩ፡ ወይ ድማ ከባ ኣሰኩም ኢዩ፡ ካብ ኡ ቤተ-ክርስትያን ክትገድፍሎም ስለዝደለዩ፡ ግድን ክትብኣሱ ኢኹም። ምኽንያቱ ህግደፍ ከም ልምዱ ሞባእ ቤተ ክርስትያን ክገፍፍ ክመጽእ ምኵኑ ርጉጽ ንገር ኢዩ።

    ብዝኮነ ዝስዕብ ቐስ ኢልና ክንከታተለኩም ምኵና ኣይትዘንግዑ፡ ከምኡ`ውን ሰላምኩም ይብዛሕ።

  • Haben Angosom May 8, 2016

    Elllllllll ellllllllll elllllllllll enqae abzi abkakum fkrn snitnyadlena ember ezi zgber zelos dehan (Nhna gina hagerna ab semay iyu””flipisyos 3:20″”)ab ab zelenayo egziabihierna nemesgen elamana nflet

  • Andebrhan Ekube May 8, 2016

    ናይ በሐቂ ጽቡቕ ዜና ፣
    አብ ኩሉ ክፍለ ዓለም በተንኮል ሕግደፍ ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ዘለና ሕዝበ ክርስያን ልቢ ነዕቢ ፣ስርዓት ሐላፉይ እዩ ፣ሃይማኖትና ንዓቅብ ።
    ብዝተረፈ አነ አብ በይ ኤርያ ሳንታሮዛ ካሊፎርኒያ ይነብር ፣ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝገበረ ሐዱሽ ቤተክርስያን ቅዱስ ሚካኤል ቃና ዘገሊላ አለና ።አዙ ቤተክርስትያን ተቓወምትን ደገፍትን ናይ ሐባር እዩ ፣ሐደ ሐደ ሰባት ካብ ኩሉ ሸነኽ ብዘይ ምርዳእ ዘይተጸምበሩና ስለ ዘለዉ ጌጋ ይብለኩም ፣አብ ልብኹም ተመለሱ ሐድነት ሐይሊ እዩ ንዛተ ኢህን ሚህን ንበሃሃል ።ዝኾነ ዓይነት ግርጭት ብዘተ እዩ ዝፍታሕ ።
    በዓል ሙሉእ ተስፉ እየ ኩልና ሕዝበ ክርስቴያን ተቐማጦ ሳንታ ሮዛ አብ ሐደ ቤተክርስቲያን ክንሳለም ።
    እንተ ተጋግየ ዝያዳይ ዝግደስ ብሐድነት ክሰምዕ ድሉዊ እየ ።
    ዓንደብርሃን ዑቕበ
    ሳንታ ሮዛ ካሊፎርኒያ ።

  • lemlem May 8, 2016

    The speciality of PJDF have been to sneak to churches and infest their hidden agenda. There is a reason never to trust them because priests were instrumental to pjdf.

  • AHMED SALEH !!! May 8, 2016

    ” After they found hardships to afford rent expenses of the property
    they start to talk about reconciliation ” . A statement that sends a question mark .
    Forgiveness is Godly work but they should learn a lesson not to fall
    victims of political conspiracies again because holy places strive
    when holy people take charge of it’s affairs .
    The first step they should do is to identify unwanted people and to
    restrict them not to have any role in their church activities .

  • Berhe Tensea May 8, 2016

    PFDJ is actively working hard to control churches everywhere. The Tewahdo church in the West must stop the interference by PFDJ operatives, and must stand firm in safe guading its independence.
    In Eritrea they are looting church offering and disrespecting its leaders, and holly sites.
    In North America their influence is diminishing year after year. Their puppets come from time to to time to beg people to attend meeting and to participate in their ghayla and dankera.
    The regime’s people are getting restless and very unhappy with the thousands of crowds that they encounter on many community and church related occasions compared with about fifty to a hundred people that attend on their festas and meetings.
    The representatives of the regime are resorting to BEGGING people to participate on their functions.
    The days of blind worship of the Satan is almost over.
    Good job fathers and mothers in Milano and remain vigilant as Satan or the snakes are still active till you hit its head hard and have made sure that it is dead.
    Tewahdo followers/ the remaing few/ wash your hands and sanitize it from being contaminated by Satan’s hands.

  • Mokie May 8, 2016

    Higdef is against any form of gathering, even if that is in Churches and Mosques, because they think in any large gathering of people there is a potential risk of dissent. Therefore dividing people in anyway possible is a major strategy of the regime.
    They have infiltrated in all religious groups in the country and continue to spread mutual suspicion among followers them.
    That is more dangerous is their attempt to do the same among followers of the two major religions in the country. Be aware of that, because that is their ultimate game to dismantle Eritrea.

  • Mokie May 8, 2016

    Corrected:

    What is more dangerous is their attempt to do the same among followers of the two major religions in the country.

1 2 3

POST A COMMENT