Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ጻዕሪ ህዝብን ኣብ ሚላኖ ዕርቂ ወሪዱ፣ ታቦት ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ።

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ

ብሰንኪ ከፋፋሊ ውዲት ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሚላኖ፣ ዓዲ ጥልያን ን 10 ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተውህዶ፣ ሳላ ትዕግስቲ ኣቦታትን ድሌት ህዝቢ ንስምረት ዝገበሮ ጸቕጥን እቲ ናይ ምፍልላይ ፖሊሲ ተሳዒሩ ዕርቂ ወሪዱ። ድሕሪ ደጊም፣ ህዝቢ ሚላኖ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን፣ ልደታ ማርያም ክሳለምን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረክብን እዩ።

እዚ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ተጓናጺፍናዮ ዘለና ሰናይ ናይ ዕርቂ ዓወት ንኻልኦት በብኸተምኡ ተኸፋፊሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብነት ምእንቲ ክኸውን ግን እንሆ ነቲ ሓቅታት መንገዲ ዕርቅን ብሕጽር ብዝበለ መንገዲ ነቕርበልኩም።

ኣብ  ከተማ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን  ኣመንቲ  ክሪስትና  ተዋህዶ  ጽበት   ቤትክርስቲያን ሰለ  ዝነበሮም ድሕሪ  ናይ  ነዊሕ  ሕቶ ብምምሕዳር ካቶሊክ ሚላኖ  ቅድሚ 10 ዓመት  ቤተክርስትያን ምስ ተዋህበ ህዝቢ  ብምሉኡ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ  ቤትክርስትያን ተለሚጹ  ጽባቒኡ ኣራጋጊጹ።  ኣብ  ንዋት (ንብረት)  ምግዓዝ  ‘ውን ተበጽሑ ።

እንተኾነ ግን ቀሺ ኤፍረም፣ “እቲ ቤተክርስትያን  ርሕቀት ሰለ ዘለዎ  ቆረብቲ  ኣዴታት ድማ  ኣይንኽይደን ኢና  ሰለ ዝበላ፣  ኣይክይድን  ኢየ  ቆረብተይ ገዲፈ ብ ምባል ካብ ዝተሳማማዓሉ ውዕል  ሳሓበ ። አቲ  ምቕያር ቤትክርስትያን ግዚኡ ሰለ ዝኣኸለ  እቶም ንብረት ኣብ ምግዓዝ ዝመልክቶም  ሽማግለታት  ንብረት ንምግዓዝ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤተክርስትያን ምስ ከዱ  ታቦት ናይ  ቅድስቲ ማርያም ስለዘይረኸቡዎ ብጓሂ ሓሪሮም ተመሊሶም። ብድሕሪ’ዚ ተቐማጣይ ሚላኖ ታቦቱ ከም እተሰርቀ ብዕላል ዕላል ፈለጠ።  እንተኾነ ግን መን ሰሪቑዎ ዚብል ሕቶ ን10 ዓመታት መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ህግደፍ፣ ኩሉ ተቐማጣይ ሚላኖ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ንኸይጥርነፍ ምእንቲ  ትካል  ጋራጅ  ዝነበረ ብ  40.000 ይሮ (ኣሪባዓ ሽሕ ይሮ)  ንዓመት ዝግምት ገንዘብ ብምኽፋል ንተቐማጦ ሚላኖ  ኣብ ክልተ ከምዝግማዕ ገይሩዎ።  እቲ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሚላኖ ገፊሕ ክኾነሎም  ተባሂሉ ዝተዋህበ ቤተክርስትያን ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ ታቦት ስለ ዚተሰረቐ ከም ኣማራጺ ካብ እስራኤል ልደታ ማሪያም ታቦት ከምዝመጽእ ተገብረ። ይኹን’ምበር ቆንስላዊ  ቤት ጽሕፍት  ህግደፍ  ኣብ ሚላኖ ንኤርትራውያን “ናብ ቤተክርስትያን አንዳ ማርያም  ናይ ቀሺ ታደሰ  ክይትከዱ/  ከይትኸዳ” ብምባል፣ ሕጻን  ዘጠመቐ ከይተረፈ  ቅቡል  ከምዘይኮነ  ኣፈራሪሑ። ሕሉፍ ሓሊፎም፣ ብሞት ዝተፈልየ ከይተረፈ፣  ኣብዚ ቤተክርስትያን ‘ዚ ፍትሓት ዝተግብረሉ ሰብ  ንኤርትራ ኣይኣቱን ኢዩ  ብምባል  ንተቓማጣይ ሚላኖ ራዕዲን ፍርሕን ከም ዝሓድሮ ገበሩዎ ።

ክፍኣት ህግደፍ ኣብዚ ኣይየብቅዐን።  ንቤት ተክርስትያን እንዳ  ማርያም  ሚላኖ   ናይ ተቓወምቲ  ‘ዩ ዝብል  ስም  ብምጥማቕ ንኣመንቲ ተዋህዶ ኤርትራውያን ኣብ ሚላኖ ንምፍልላይ  ምእንቲ  ኪጥዕም ብቐጻሊ ሰሪሖሙሉ።  ካብ’ዛ ቤትክርስትያን ዝመላለሱ ዝነበሩ ንሃገር ኤርትራ ኪበጽሑ ዚኸዱ  ሰለስተ ሽማግለታት ካብዚኣ ቤክርስትያን ሰለዝኾኑ ጥራይ  ብዘይንሕስያ በብመዓልቱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዳጎኑዎም።  ገሊኦም ንኣዋርሕ  ንገሊኦም  ድማ ንዓመት ተኣሲሮም ንሓደ ካብዚኦም  ንሚላኖ ምስ ተመልሰ ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ኢሎም ዘጠመቑዎ ቤተክርስትያን ከይትከይድ ኢሎም ስለዘጠንቀቑዎ፣ ሰንቢዱ ንሓደ ዓመት ቤክርስትያን ከይተራኣየ ናይ ገዛ ሑዩር ኮይኑ የሕሊፍዎ። ኣስማት ናይቶም ግዳያት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን እዞም ዚስዕቡ እዮም ።

  1. ደሳለ

2 . ኢሳቕ ሃይለስላሰ

  1. ተወልደ

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ህግደፋውያን እቲ ገዛ ክራይ ኣብ ዘይከፍሉሉ ደረጃ ስለዝበጽሑ ደጋጊሞም  ዕርቂ ሓቲቶም። እንተኾነ እቶም  ሓቀኛ ኣቦ ቀሺ ታደሰ፣ ምስ ሽማግለታት ኮይኖም፣ “ንዕርቂ ቅሩብ እየ፣ ቤተክርስትያን ማለት ዕርቒ ማለት አዩ እንተኾነ ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይገበን ስለዝኣሰርኩም ጌጋኹም ‘ሞ ተኣመኑ ዕርቂ ክግበር” ኢሎሞም።

ብድሕሪ ‘ዚ ብዕለት 25 ሚያዝያ 2016  ነተን  ዚፈለዩወን  ኣዴታታን  ሽማግለታት  ህግደፍን፣ ኣብ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ቤትክርስቲያን ኤርትራ ልደታ ማርያም ብምእታው፣  ቀሺ ታደሰን ሽማግለ ኣብርሃም ሓጎስን ትዕግስትን ሓቅነትን ሒዞም፣ ንህዝብን ታቦትን ጠርኒፎም ከምዝጸንሑ ብዘይቶግላባነት መስኪሮም ።

እዚ ጠለብ ‘ዚ ስለዝተመለሰ ከኣ እንሆ፣ ትማሊ 7 ግንቦት 2016፣ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ታቦት ናብቲ ናይ ተቓወምቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ልደታ ማርያም ሚላኖ ኣትዩ ኣብ ዕርቂ ተበጺሑ። ሎሚ ሰንበት 8 ግንቦት 2016 ድማ ፖለቲካዊ ፍልልይን መርገጽን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ሚላኖ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካብ ካልኦት ከተማታት ዝገሹ ደለይቲ ዕርቅን ሰላምን ተሓዊሶሞ፣ ህዝቢ ኣብ ቤተክርስትያን ሰሚሩ ብሓባር ክሕጎስን ክምርቕን ውዒሉ።

ኣብ ካልኦት ሃገራትን ከተማታትን ስደት ተኸፋፊልኩም ኣብ በበይኑ ቤተክርስትያን እትሳለሙ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣምላኽ ንዓና የማስልኩም።

ሰላምን ዕርቅን የውርደልና

ዓወት ንህዝቢ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ደለይቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሚላኖ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! May 8, 2016

    Many Eritrean community centers in USA experienced difficulties once
    HGDF supporters infiltrated to take full control that invited tensions
    among members which led for financial bankruptcy . At the end of the
    day entire beneficiaries from the Center (PRO-CONS) end up empty-handed
    victims of their choice brought to themselves .
    I hope we learn about evil side of political negative influences in our daily life for the sake to serve common good interests . We are the sole owners of the life willingly prefer to lead where any failure excuses do not have merit for directing a blame to anyone except ourselves .
    Man made sinister motives for division , mistrust , insecurity can develop into confused and unstable mental disorder wondering up toward the cloud for answers . If we can’t take advantage to use our God given brain as supposed to balance right and wrong , we become worthless human beings .

  • k.tewolde May 9, 2016

    Finally the chips are falling in place, nobody trespasses the Holy sanctuary, the Lord does his thing at his own time ,in his own ways. We will witness more miracles.Keep the faith.You don’t put your hand in the church’s MOBA’E, NEWRI!!!!!!!!!

  • semere 2 May 9, 2016

    This is good news. I am proud that our Catholic Church always welcomes Orthodox believers all over the world. We belong to one household found on the Cross of our Savior.
    HGDEF is terrorized by “UNITY” because it always has political implications: unity is power.
    If we are united we can easily annihilate Isayas and his goons.

  • ሙሉጌታ May 9, 2016

    እንቃዕ ብሰላም ተወደአ ከምዝገለጽካዮ ሓደ ካብዞም ሰለስተ ተኣሲሩ ኣብ ኣስመራ 1 ዓመት ናብ እንዳ ፖሊስ ኣረጊት በዓልቲ ቤቱ ክትመላለስን ኣብ እስርቤትን ድሕሪ እስሪቤትን ዘጋጠሞ ብጣዕሚ ዘገርም ነግር እዩ ሂወቱ ምስዚ ኩሉ ሕማሙ ኣምላኽ ዝሓለዎ ተመስገን

  • Andat May 9, 2016

    elllllllllll nzterefa bet kirstyan kem zi natkum yfterelen .This is one step to wards peace,Love, development my God bless our churches!!!!!!

  • Tekle Haile May 9, 2016

    ሰላም ጽቡቕ ነገር እዩ ንሰላም ንፍትሒ ብቕንዕና ክንቃለስ ኣለና ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ህዝብና ፡ጎራሕ ፡ ተበላጺ፡ እንታይ ገደሰኒ ብሃላይ እዩ። እቲ ዘገርም በዚ ዓይነት ኣተሓሳስባና ንናጽነት ኣይምበቓዕናን ኔርና ፡ ግን ፈቲኹም ጸሊእኩም ኣምላኽ ሓጊዙና። ሕጂ ድማ ንስመር ንተሓቛቖፍ መንግስቲ ኣብ ቢተ ክርስትያን ኢዱ ከእትዉ የብሉን ። ቢተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ከዛእቲ ኮይኑ ይምብርከኽ እዩ ኔየሩ ፡ ሕጂ እውን ይምብርከኽ ኣሎ ፡ ብርእይቶይ ጌጋ እዩ ፡ ንመሰሉ ክስዋእ እውን ኣለዎ፡ ተገዛኢ ምልኪ ክኸውን የብሉን ። ብዝኾነ ንቕኑዓት ኣዴታት ኣቦታት ፡ ምንእሰያት ፡ ህዝቢ ሚላኖ እንቛዕ ሓጎሰኩም ይብል ። ከም ለበዋ ድማ ካብ ተበለጽትን ፈላለይቲን ተጠንቀቑ ። ብዙሓት ኮራኩር ፡ ሰነፋት ሰባት ፡ ተበለጽቲ ፡ ሰለይቲ ፡ መባጻጻሕቲ ዘረባ ኣለዉ ፡ ንንቅሓሎም። ህዝቢ እንተ ቢሩ ዝዓግቶ ሓይሊ የነን ። ሰላም ዎሰናይ ንኹልኹም ሰብ ሕልና ትብሉ ሰባት ናይ ብሓቂ ሕልና እንተ ሃሊዩኩም ፡ ንህዝብኩም ኣቕስንዎም ኣብ ብርሰት ገጹ የምርሕ ኣሎ ።

  • Hizbawi Maebel May 9, 2016

    Kemey da Hzbi nekihu eyu hji. Kab hji ndihar hgdf tenkolatom abkiu eyu. Hzbi ertra ka kem kedemu hadnetu adeldilu kikeyd eyu. Orthodox dma seabit kristos ember seabit hgdef aykonetn.

  • Tedla May 9, 2016

    I don’t think people need to be reminded that Hidgef may have changed their tactics but not its ultimate aim. Make sure you don’t hand them over your Church, under any circumstances.
    As we have seen them doing in many parts of the world, they control things, by first promoting to leadership positions, their agents.
    It’s not that they are more intelligent than the rest of people, but they are well organized (secretly) and smart in evil doing.
    Don’t think they are in Church to meet God, they are godless.
    Keep you eyes open.

  • kibri May 9, 2016

    ዕርቂ ጽቡቕ’ዩ። አንቋዕ ዕርቅን ሰላምን ኣውረደልኩም። ግን ገለ ገለ ዘይበርሀ ሕቶታት ኣሎ። ፍቓደኛ እንተ ኴንካ ጸሓፊ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትምልሰለይ ብኣኽብሮት እሓተካ።
    1. ኣብ መንጐ ክልቲኡ ኣብያተ ክርስቲያን ዝነበረ ፍልልይ እንታይ’ዩ? ንኣብነት ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ገለ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣቡነ እንጦንዮስ ክኽተሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ንዞም ቅድሚ ቁሩብ እዋን ዝዓረፉ (ኣቡነ ዲዮስቆሮስ) ይኽተሉ። በዚ መኽንያት ከኣ ይፈላለዩ። ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢኽ ከመይ ዝበለ ፍልልይ እዩ ጸኒሑ?
    2. ሕጂ ድሕሪ ዕርቂኽ እዚ ቤተክርስቲያን በየናይ ጳጳስ ወይ ፕትርያርክ ይመሓደር ኣሎ?

    የቐንየለይ።

  • Maranata May 9, 2016

    ፖለቲከኛታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ኢድኩም እናእተኹም ሰላም እትኸልእዋ ዘሎኹም’ኮ ኣይጠቀማን ኣይጠቀመኩምን። ኣብ ኩሉ ፍትሓዉያን እናመሰልና መሊስና ንዝተዓርቀ ነባእስ ከይንህሉ ንጠንቀቅ ኢድ እግዚኣብሄር ርሕቅቲ ኣይኮነትን፡ ስለዚ ነዚ ዕርቂ ንዝጸዓሩ እንቋዕ ሓጎሰኩም ነቲ ዝበደለን ዝተበደለን ድማ እንቋዕ ኣይትጣፋእኩም ለባማት ኮንኩም ኣርኣያ ነቲ ካልእ ኮንኩም ክንዲ ምባል ከም ናይ ሮተርዳም ተባህለ ኢልካ ዘየድሊ ጽሑፋት’ሲ ኣየድልን፡ ክቡር ሓሳብ ንሕሰብ ጽባሕ ምእንቲ ርእሳ ክትወግሕ እያ’ሞ ብምድርን ሰማይ ቦታ ከይንስእን፡
    ኣምላኽ ሰማይ ሰላሙ ይሃበና።

POST A COMMENT