Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳዋ፡ ብሉጽ ወለዶ ኤርትራ ዝበልዐት ገሃነብ

ሳዋ፡ ብሉጽ ወለዶ ኤርትራ ዝበልዐት ገሃነብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንኹሉ’ቲ እከይ መልክዓትን ዕንወትን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀቢሩ፡ ሳዋ መንእሰያት ዝመልመለት፡ ሓድነት ብሄራትና ዘረጋገጸት፡

ሳዋ፡ ብሉጽ ወለዶ ኤርትራ ዝበልዐት ገሃነብ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንኹሉ’ቲ እከይ መልክዓትን ዕንወትን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀቢሩ፡ ሳዋ መንእሰያት ዝመልመለት፡ ሓድነት ብሄራትና ዘረጋገጸት፡ ልኡላውነት ሃገርና ዘውሓሰት፡ ታሪኻዊት ስፍራ ከምዝኾነት ገሊጹ። እቶም ሳዋ ቀታሊት ራኢን መጻኢ ዕድላትን መንእሰያት ከምዝኾነት ሓቢኦም፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተኸቲሎም ብዛዕባ ምዕባለታት ሳዋን ብልጫታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣተኩሮም መደረታት፡ ሰሚናራትን ጸብጻባትን ዘቅረቡ የማናይ ኢድ ኢሳያስ፡ ሃብቲ ህዝቢ ዝዘመቱ፡ ስድራ ቤቶም ካብ ኤርትራ ዘህድሙ፡ ጠላማትን ብገበን ዝሕተቱን’ዮም። እቶም ዝተረፉ ከም መጉልሒ ድምጺ ህግደፍ ኮይኖም ዝተባህለ ክደግሙ ዝተራእዩን ዝተሰምዑን ጃለታት ግን፡ ይዋእዮም ጽባሕ ናብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ።

ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ይዕበ ይንኣስ ውራይ ከካይድ እንከሎ፡ ማይ ዘይጥዓመን ግብራውነት ዘይብሉን ጭርሖታትን ሓረጋትን ምጥማቅ ዝወዳደሮ የብሉን። ነቲ ካብ 2 ክሳብ 4 ነሓሰ፡ ኣብ ትሕቲ “ሳዋ ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ስም፡ ን3 መዓልታት ዝተኻየደ ዳንኬራ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ባህታ ዝፈጥረሉን ንኽብሩ መንእሰያት ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሶም ብረት ጸይሮም ብሰልፊ እናበሉ ብቅድሚኡ ዝሓልፉ፡ በብዓይነቱ ኣጽዋርን ነፈርቲ ኩናትን፡ ደርፍታትን ድራማታትን ተራእዩ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብድኽነትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናተሳቀ እንከሎ፡ ሚልዮናት ዶላር ወጻኢ ተገይሩሉ ዝተኻየደ ድግስ ድማ መብዛእቶኦም ምልካውያን ስርዓታት፡ ሓንጎል ሰባት ንምጥዋይን ንመፈራርሕን ዝጥቀሙሉ ሜላታት’ዩ።

ንሃገርካን ህዝብኻን ምግልጋል ናይ ዝኾነ ዜጋ ግቡእን ግዴታን ስለዝኾነ፡ ኣብ 1994 ኣብ ጸምጸም በረኻን ብዘይ ብቁዕ ምቅርራብን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጅመር እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ተሳተፍቲ መንእሰያት፡ ብሓጎስን ብወለንታን’ዮም ተቀቢሎሞ። ይኹን እምበር እቲ ብምሩጻት ኣዋጃትን መግለጺታትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቀረበ መደብን መንፈስን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነዊሕ ከይጽድንሐ፡ ኣንፈቱን ዕላምኡን ስሒቱ ናብ ባርነት፡ ምብትታን ስድራቤታት ምኹላፍ መጻኢ ሕልምታት መንእሰያት፡ ድኽነትን ስነ ኣእምሮኣዊ ቅልውላውን ኣኸቲሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ደረት ኣልቦ ግዱድ ውትህድርና ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝተጸልአን ብዘይካ ዕንወት ረብሓ ዘይብሉ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

ንምዃኑ ስለምንታይ ኢዩ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንህዝብና ብሓፈሻ ንመንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ገሃነብ እሳትን ዕንወትን’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሓና። እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝብሃል ዓጀውጅውን መሬትን ሰማይን ዘላግብ ሓሶታትን ንጎድኒ ገዲፍና፡ ሒደት ንፍሽለትን ስቃይን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘብርህ ነጥብታት ንመልከት።

ቀዳማይ፡ ምንቁልቋል ስርዓተ ትምህርቲ

ወተሃደራዊ ስልጠናን ኣካዳምያዊ ትምህርትን ብሓደ ኣጣሚርካ ከተካይድን ዓወታት ከተመዝግብን ከምትኽእል ምሕላም፡ ብዘይካ ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍልስፍና ይኹን ብተግባር ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ኢዩ። ናይ ብሓቂ ተማሃራይ እንተኾይንካ ኣንጊህካ መጽሓፍካ ገንጺልካ ወይ ኮምፑተርካ ከፊትካ ተጽንዕን ናብ ቤትምሀርቲ ክትብገስ ምቅርራብ ተካይድን።  ኣብ ሳዋ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ግን፡ ሰዓት 5 ብፊስካን ዘርዕድ ድምጺ ወተሃደራትን “ተዳሎ ተበገስ” ተባሂልካ ብረት ተሓንጊጥካ ክትዕለም፡ ናብ ናይ ጉልበት ስራሕ ክትዋፈርን ጉዕዞ እግሪ ክትገብርን፡ ተመሊስካ ድማ ምስ ገበታ ርሃጽካን ድኻምካን ብተብተብ ቁረስ ተባሂልካ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣቲኻ ተማሃር ኢኻ ትብሃል፡፡ እቶም ንኡስ ዕድሚኦምን ምሕብሓብ ስድራቤት ዘድልዮምን መንእሰያት ኤርትራ ግን፡ ካብ ስድራቤቶም ተመንጢሎም፡ ኣብ ዝተነጸለ ቦታን ኣሰቃቂ ኩነታት ኣየርን ብዘይ ብቁዕ መሳለጥያ፡ ንመምሃራን ደሞዝ ከይከፈልካ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ቀይዲ ስለዝነብሩ ጽልኣት ትምህርቲ እምበር፡ ድሌትን ፍቅርን ትምህርቲ ክሓድሮም ኣይክእልን’ዩ። ከምውጽኢቱ ድማ ኮነ ኢልካ፡ “ናብ ዩንቨሪስቲ መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን” ተባሂሎም ኣብ ግዱድ ውትህድርና ከምዝኣርጉን ብሩህ መጻኢ ስኢኖም ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይግደዱን። በዚ መንጽር’ዚ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ሳዋ ብወተሃደራዊ ስልጠና፡ ብሞያዊ ክእለትን ብኣካዳምያዊ ትምህርትን ዓወታት ምምዝጋብ ይትረፍ፡ ብዘይካ ናብ ስደት ምምራሕ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓንን ብዘይ ስራሕ ቀንፈዘው ምባልን፡ ኣብ ኤርትራ በዓል ተስፋ መንእሰይ የለን።

ካልኣይ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው፡

መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሰሪ ቀይናን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ንቡር ትምህርቶምን መጻኢ ዕድሎምን ጥራይ ኣይኮኑን ተሰናኺሎም። ብዓቢኡ ምብትታን ስድራቤት፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ድኽነትን ኣብ ነፍስ ወከፍ ስድራቤት ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ይርከብ። ብተግባር፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራቤታት ደቆም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ስለዝተቆርኑ፡ ሓጋዚ ዓያዪ ጉልበት ሓርቢትዎም፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይ ኣቦ ተሪፎምን ዘኽቲሞምን፡ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሓዲጎም ክስደዱ ተቀሲቦም። ዜጋታት ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይፈጸምኩምን ኣብ ጓይላታት ኣይሳዕሳዕኩምን ተባሂሎም፡ ዝሕረስ መሬት ተሓዲጎምን ትካሎም ተሃጊሮምን ከምኡ’ውን፡ ኣብ ከተማ ዝቅመጡ ኩፖን ብመቁነን ካብ ዱኳናት ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝሽየጥ መግዝኢ ሃለኽቲ ኣቁሒት ተኣጊዶም። ብኣንጻሩ መንእሰያትና፡ ብዘይ ክፍሊትን ሞሳ ኣብዘይብሉን፡ ንጹሃት ዜጋታትና ዝሳቀዩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሃንጹ፡ ህግደፋውያን ውልቃዊ ሃብቶም ዘኻዕብትሉ ትካላትን መንበሪ ኣባይቲ እሙናት ጓሓላሉን ጊላታት ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ህዝብና ብጥሙይ ከብዱን ዕሩቅ ዝባኑን ንመጸንበሊ መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋ ዝወጸ ገንዘብን ዝሃለኸ ጉልበትን እንተዝጽብጸብ፡ ኣማኢት ሚልዮናት ከምዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።

ሳልሳይ፡ ስእነት ክኢላዊ ዓቅምን ምጽናት ወለዶን

ስደት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራን ግን ብቀሊሉ ዝሓዊ ቁስሊ ኣይኮነን። ንዓመታት ዝቅጽል ሰለሎን ኣሉታዊ ስምብራትን ኣለዎ። ብስነስርዓት ዝተመልመለ ትምህርቲ ዝሰነቀ መንእሰይ ዘይትውንን ሃገር ብሩህ መጻኢ የብላን። እቲ ሞተር ቁጠባዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ለውጥን ዝኾነ መንእሰይ ኣይ ካብ ትምህርቲ ኣይ ካብ ስራሕ ብሰንፈላልን ተስፋ ምቁራጽን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እኽሊ ረዲኤት ብመቁነን ክዕደልን ግዚኡ ኣብ ፍርያት ዘይብሉ ከሕልፎን ንቡር ኮይኑ’ሎ። ቀንዲ ድሌትን ተንኮልን መላኺ ኢሳያስ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ክጠፍእ ወይ ኣብ ትሕቲ ምልኩ ክግዛእ’ዩ። ኤርትራውያን ሞያውያንን ሰብ ጸጋን ስርዓት ህግደፍ ምስራሕ ስለዝኸልኦም ኣብ ስደት ካብ ዝቅመጡን ርእሰማሎም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝስርቱን ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ሃብታም፡ ምሁርን ክኢላን ዓቅሚ ሰብ ዘይብላ ሃገር ክትከውን፡ ብሕጽረት ዓያዪ ጉልበት ክትሳቀን ናይ ግዳም ተጸባይት ክትከውንን’ያ። እዞም ኣብ ስደት ዝዓብዩን ዝውለዱን ዘለው ተካእቲ ወለዶ ኤርትራ ድማ ዘርሚ ዘርሞ ክጠፍኡን ብቅልውላው መንነት ከጥቅዑን ርእሰ ተኣማንነት ከጥፍኡን ቅሉዓት’ዮም።

ንምጥቅላል፡ ሎሚ ኤርትራ፡ ሰራዊት ዝፈርየላ፡ መቅተልን መሰለይን ዜጋታታ ኣጽዋር ዝሽመተላ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝህነጸላ፡ ብልሽውና ዝዓንበበላ፡ መሰል ሰብ ዝግሃሰላን ህዝባ ብድኽነት ዝሳቀየላን ሃገር እምበር፡ ሃናጺት መንእሰያትን ቁጠባዊ ልምዓትን ኣይኮነትን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ጽቡቅ ሳዋ እምበር፡ እተን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዓመጻን ዝጠነሳን፡ ናብ ከደምቲ ገዛ ዝተለወጣ፡ ዝተኣስራን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ገስረጥ ምምሕዳር ዝባኸነ ገንዘብን ንብረትን፡ ብሕማምን ጭንቀትን ህይወቱ ዝሓለፈን ሕዱር ሕማም ዘጥረየን መንእሰይ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዙርያታት ዝተዓለመ መንእሰይ ሎሚ ኣበይ ኣሎ?  ብሕሱር ጉልበት ኣባላት ሃህገራዊ ኣገልግሎት ተሃኒጹ ዝብሃል ዲጋታት፡ ጽርግያታትን ካልእ ትሕተ ቅርጽን ሕርሻዊ ልምዓትን እንታይ ጸገማት ኣቃሊሉ ነጊሩና ኣይፈልጥን’ዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ በቲ ንሓንቲ ሕቶ ክምልስ ልዕሊ 30 ደቂቅ ዝወስድ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ዓጀውጀዉ፡ ንርብዒ ዘመን “ዓለም ዘርያትና ሽርሒ ወያነ” ክብል ኣሪጉ። እቲ ክውንነት፡ እታ ብውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ብካድራቱን ከም መራኸቢት ቀለቤት ሕሉፍን መጻእን ታሪኽ ኤርትራ፡ ኮስኳሲት መንእሰያትን መረጋገጺት ልኡላውነትን እናተባህለት ዝዋጠየላ ሳዋ፡ ህይወት ብሉጽ ወለዶና ትብልዕን ተንፍጽን ገሃነብ፡ ቁጠባና ተማስን ስድራቤታት ትበታትን መዓስከር ምልኪ፡ ጭንቀትን መሰል ሰብ ግህሰትን’ያ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነሓሰ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Suleiman August 15, 2019

    የቐንየልና ክቡር ሓው። ንዓይ ዝዉክል ትንታነ ኢኻ ኣቕሪብካ።

    ሓውካ ኣባል ታሽዓይ ዙር

  • k.tewolde August 15, 2019

    ‘ንምጥቅላል፡ ሎሚ ኤርትራ፡ ሰራዊት ዝፈርየላ፡ መቅተልን መሰለይን ዜጋታታ ኣጽዋር ዝሽመተላ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝህነጸላ፡ ብልሽውና ዝዓንበበላ፡ መሰል ሰብ ዝግሃሰላን ህዝባ ብድኽነት ዝሳቀየላን ሃገር እምበር፡ ሃናጺት መንእሰያትን ቁጠባዊ ልምዓትን ኣይኮነትን።’….Tsilal sums it up eloquently,simply put ,it is a miserably failed state especially to the young segment of the population who dreams to live large,produce and reproduce and carve out a life which fits their needs and wants at the same time give back to their community proudly what it gave them,instead we have a bunch of pickle heads and their capo who continue to rob the cradle, pervert sociopaths who abduct kids from the safety of their homes for their personal services and call it (agelglot),it is a moribund parasitic system which eats its own young and robs them of their childhood,in a nutshell,it is un Eritrean!! If it is…..@$#&!

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply