Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“: ብህይወትካ ምጥላዕ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) መጋቢት(March) 5፡ 2016 ******** ``ግድነት ሽግር ኪህሉ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ግዜይ ይኹን፣ ውላደይ ሰላም ምእንቲ ኪህልዎ።``   (“If there must be trouble, let it be in my day, that my child may have

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

መጋቢት(March) 5፡ 2016

********

“ግድነት ሽግር ኪህሉ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ግዜይ ይኹን፣ ውላደይ ሰላም ምእንቲ ኪህልዎ።“   (“If there must be trouble, let it be in my day, that my child may have peace.”) –Thomas Paine (***ምስጢር ናይዚ ጥቕሲ ድሕሪ ናጽነት ብወለዲ ፍጹም ስለ ዝተዘንግዐ፡ ወለዲ ቀበርትና ይግበርኩም ዝብሉዎ ዝነበሩ ምርቓ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ፡ ደቂ ንወለዶም ክንዲ ዝቐብሩ፡ ወለዲ ንደቆም ዓው ኢሎም ዝበኽዩሉን ዝቐብሩሉን ዕድል`ኳ ዝተኸልከሉሉ ተካል ዘመን ስዒቡ።)

ምስ ግዜ ዘይኣርጉ ካብ ጭቡጥ ተመክሮ ህይወት ዝመነጩ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራና መምሃሪ ኪኾኑና ዝግብኦም፡ ሃብታም ባህላዊ ምስላታት ኣለዉና። -“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“  ሓደ ካብቶም ባህላዊ ምስላታትና ኢዩ። እቲ ንፍረ ሳግላ ዘስምዕ ግሉጹ መልእኽቱ ጌጋ ምዃኑ ብንኣሽቱና ከሎና ከም ዘሎዎ ብምትግባሩ  ብኣሉታ ዝተመኰርኩዎ፡ ማለት ንፍረ ሳግላ ኣብ ውሽጡ ዚርከቦ ጻጸታት ነጊፈ  ብዘይምብለይ ዘስዓበለይ ቅርጸት ከብዲ ኣደይ በርበረ በጽቢጻ ብምስታይ ዝፈወሰትኒ ትዝ እብለኒ፣ ከምኡ`ውን ካልኦት ከማይ ዘጋጠሞም ኔሮም`ዮም።

እቲ ግልጺ ኣበሃህላ ናይቲ ምስላ ጌጋ ከም ምዃኑ ብግብሪ እረዳእ እምበር  ኣብቲ ንኡስ ዕድመ ካልእ ምስጢር ደኾን ይህልዎ ብምባል ክፈልጥ ኣይፈተንኩን። ንኹሉ ግዜ ከም ዘሎዎ መጠን፡  ነቲ ዘይዓገብኩሉ ግሉጽ ኣበሃህላ ንምጽራዩ ንሓደ ናይ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቝ ፍልጠት ዘሎዎም ለባም ኣቦ ሓቲተ ዝረኸብኩዎ ዓሚቝ ምስጢር ከም ዘሎዎ ክርዳእ ክኢለ። እቲ ምስጢራዊ ትርጉሙ ከም ዝነገሩኒ፡ – ንሰብ ዝጐድእ ምስጢር ከይተውጽእ ብማሕላ ንዝግበር ምርድዳእ ዝሕብር ምዃኑ ገሊጾሙለይ። ብቓል ይኹን ብግብሪ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንሰብ ምጕዳእ ጌጋ ምዃኑ ዝሕብር፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ፍጹም ተዘንጊዑ ዘሎ፡ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ሰላም ዘስፍን ምዕሩግ ባህሊ ሓድጊ ቀዳሞት ኣቦታትና ምዃኑ`ዩ። ነቲ ክትዕቅቦ ዝተመሓሓልካሉ ምስጢር ካብ ዘይምዕቃብ ዝስዕብ ጕድኣት ኣብነት ታሪኻዊ  ሓቤሬታ እውን እቶም ኣቦ ብኸምዚ ኣስኒቖሙኒ። ኣብቲ መበቆላዊ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ  ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ  ኤርትራዊ ምሁር ንገለ ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣኪቦም ንኤርትራ ኣማሓራ ሓደገኛታት ምዃኖም ናይ ቀረባ ትዕዝቦቶም ምስ መጠንቀቕታ ኣካፈልዎም። ገለ ካብቶም ዝመሓሉ፡ ነቲ ብሓልዮት ዝተዋህቦም ምስጢር ኣብ ክንዲ ንረብሓኦምን ረብሓ ህዝቦም ምዃኑ ተረዲኦም ዝዕቅቡዎ፡ ብጸቢብ ግዜያዊ ረብሓ ዕማኾ ገንዘብን ሽመትን ንምርካብ፡ ከይዶም ናብ ሃይለስላሴ ኣብጽሑሎም። ኣብ ርእሲ`ቶም ለባምን ምሁርን ኣማኒ ኸኣ ሰፍ ሰይብል ጕድኣት ኣውሪዱሎም።“ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት“ ዝብሉኹም ከምዚ`ዩ።  እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘሕዝንን ኩነታት፡ ሎሚ ናይ ጥልመት ባህሪ ኣብ መላእ ሃገርን ወጻእን ሳዕሪሩ፡ ንሓድነት በኪሉ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን  ፍትሕን   ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ኢዩ።

ብዝኾነ፡ ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ከተኵረሉ ዝደለኹ፡ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ዘምጽኦ ሳዕቤን ንምብራህ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሓበርኩዎ፡ እቲ ምቁር ፍረ ሳግላ ጋሊህካን ኣጽሪኻን ኣብ ክንዲ ምብልዑ ብኽዱኑ ምስ ዝብላዕ ክርጸት ከብዲ ከም ዘኸትል መጠን፡ ውሽጡ  ከይመርመርካ ትቕበሎ ፖለቲካዊ ሳግላ ኸኣ ልዕሊ ክርጸት ከብዲ፡ ጥፍኣትን ዕንወትን ከም ዘኸትል ዝሓለፈ 55 ዓመታት፡ ኣብ ዝባን መሬትን ልቢ ህዝብን መዝጊቡዎ ዘሎ ሓቂ`ዩ። ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ፍጹም ስልጣን ኣረኪቡ፡ ኲናት ሓድሕድ ከባርዕ፡ ዝፈርሖም ንጹሃት ጀጋኑ ከጽንትን መስዋእቲ ከብዝሕን ዓወት ከርሕቕን ዝገበረ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ህግሓኤ ምዃኑ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ኣብ ናይ ሃይማኖት ወይ መንፈሳዊ ጉዳይ ብእምነት ኪኽየድ ግድን`ዩ፣ ብምምርማር ከተረጋግጾ ዝከኣል መርትዖታት ስለ ዘየለ። ኣብ ጉዳይ ምድራዊ ህይወት – ማለት ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ጉዳያት ግን ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ብእምነት ዘይኮነ ብምምርማር ካብ ምኻድ ካልእ ኣማራጺ የለን። ምጥቃም ኣገባብ ምርምር ርትዓዊ መርትዖታት ንምርግጋጽ ወሳኒ ተራ ኣሎዎ። እንተ ኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ መጠንቀቕታ ስለ ዝሰሓትናዮ፡ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ንጠባያትን ተግባራትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዝሓቘፈ ፖለቲካዊ ሳግላኡ ከይፈተሽና ምስ መርዙ ስለ ዝበላዕናዮ ብህይወትና ተጣሊዕና ብዙሓትና`ውን ገና ንጣላዕ ኣለና። እነሆ ኸኣ ብሰሪ – እንታይ-መዓስ-ኣበይ-ከመይ- ስለምንታይ – ኢልና ብዘይ ምምርማርና በልማማ ንጠፍእ ኣለና።

ፖለቲከይናታት ትኽ  እንተ በሉ ከም ማዕጺድ  ይበሃል፣ ኣብ ጭብጢ ህይወት ዝተመስረተ፡ ሓቅነት ዘሎዎ ብሂል ምዃኑ ኸኣ ዘካትዕ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ፡ ፖለቲካዊ መብጽዓታትን ትግባሬኦምን ተጻያት ኣንፈታት ሒዞም ስለ ዝጐዓዙ። ቃልን ግብርን ስለ ዘይወሃሃድ ኢዩ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ኩሉ ሽግር ዓለም፤ ብቐረባ ድማ ናይቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሽግር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኩሉ መዳይዊ ጸልማት ኣጐልቢቡ ኣብ ገምገም ፍጹም ጥፍኣት ደፊኡዎ ዘሎ። ኣብ ኣትኵሮ ብሕታዊ ረብሓ ዝተመስረተ ዝምባሌ ስለ ዝኾነ ኸኣ ንምፍትሑ ቀሊል ኣይኮነን፤ ኣይከኣልን ምባል ግን ንስዕረትን ውድቀትን ኢድካ ምሃብ ብምዃኑ ተመራጺ መንገዲ ኣይኸውንን። እቲ ምስጢር ፍታሕ ኣብ ክንዲ ኣብ ጸቢብ ርእሰ ረብሓ ኣብ ሰፊሕ ናይ ሓባር ረብሓ ምትኳር ዓወት ኩሉ ምዃኑ ብሕልና ምቕባልን ምስራሕን`ዩ። ኣነ ክመርሓኩም ኢሉ ንዝምድር ከኣ ብጠርጣርን መርማርን ኣተሓሳስባ፡ ሰንጠረዣዊ ሕቶታት ብምዝውታር ኣዕሚቝካ ምምርማሩ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ፡ ብእምነት ምቕባል፡ ተዓሚትካ ጉያ መወዳእትኡ ኣብ ህጉም ምውዳቕ ምዃኑ መሪር ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓለ ምስክር`ዩ።

ኣብዚ ቅርጺ ኣልቦ ዝኾነ ደምበ ተቓውሞ ዝበሃል፡ ክልተ ጐድኒ ንጐድኒ ዚኸይድ ነቐፌታት ይስማዕ`ዩ። እቲ ሓደ ናብ ውድባት ዝስንዘር ኮይኑ፡ – ናይ ህዝቢ ስቓይ ስለ ዘይዓጅበን፡ ድሕሪ`ዚ ኹሉ ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝህብ ጥርኑፍ ኣበርክቶ ኣብ ክንዲ ምግባር ነንሓድሕደን ብዘይተጨበጠ ስልጣን ተነፋፊገን ክማናጨታ ግዜአን የሕልፍኦ ኣለዋ ዝብል`ዩ። እቲ ካልኣይ፡ ካብ ደገፍቲ ውድባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝስንዘር ነቔፌታ ኮይኑ፡ ኣብ ግዳም ኴንካ ካብ ምንቃፍ ኣብ ውሽጠን ኣቲኻ ምስራሕ`ዩ ኔሩ ይብል። እዚ ካልኣይ ነቐፌታ ናይ ህዝቢ ኣንቴና ሓያል ምዃኑ ዝዘንግዐ ይመስል፤ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቝሎኣ ከላ እፈልጣ“ – ከም ዝበሃል ህዝቢ ተስፋ ዘይርእየሉ ኩነታት ሃንደፍ ኢሉ ኣይስዕብን`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዓለም ዘደንጸወ ዘይጽንቀቕ ተስፋን ዘይዕጸፍ ጽንዓትን ዝውንን ህዝቢ ብምንባሩዶ ከይኮነ፡ ዋጋ ህይወትን ንብረትን ከይበቐቐ ተቓሊሱ  እዚ ምስሉይን ፋሺስትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጨውዪዎ ዘሎ ናጽነቱ ዘምጽአ። ሕጂ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛቢ ኮይኑ ዝጠፍእ ዘሎ ተስፍኡ ዘባራብር፡ ንጹህን ቅኑዕን መሪሕነት ስለ ዝሰኣነ ጥራይ`ዩ።

እስከ ኪኖ`ዚ ኣብ ምዕራቡ ተገምጊሙ ዘሎ መርገም ኤርትራ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሰጊርና`ሞ ነቶም  ብልቦና ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡  ባህሊ ምክብባርን ምትሕልላይን፡ ባህሊ ስኒትን ሓድነትን ዘውረሱና ቀዳሞት ኣቦታትና`ሞ ብጕዞ ታሪኽ ምልስና ኢልና ንዘክሮም፣ ምስጢር ዓወቶም ንዳህስስ! እቲ ምስጢር ልባዊ ትሕትና፡ ካብ ሓሳበይ ናትኩም ይሓይሽ፡ ካብ ኣነ ክመርሕ ንስኻትኩም ትልብሙ ዝብል ምቕሉልነት ይውንኑ ስለ ዝነበሩ`ዩ። ካብ ምዕራባዊ ትምህርቲ ዝውረስ ብሕማም ኣነ እፈልጥ መርገም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣይተለኽፉን ኔሮም። ምዕራባዊ ትምህርቲ ጐዳኢ`ዩ ማለት ኣይኮነን። ምስቲ ኹሉ ኣዕናዊ ምህዞታት፡ ንዓለም ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ ዘብጽሓ ምዕራባዊ ትምህርቲ`ዩ።  እቲ ፍልልይ ኣብቲ ፍልጠት ዘይኮነ ኣብቲ ኣጠቓቕማ ፍልጠት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ኤርትራ ብሰሪ ተኻታተልቲ መግዛእቲታትን ኲናትን ብዝሒ ህዝባኳ ክስስን እንተ ዘይከኣለ፡ ብዓቕማ ብምሁራት ደቂ ካብ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ጀሚራ ዝተዓደለት ኢያ ኔራ ክብል እደፍር። ካብ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት ንምጥቃስ፡- ክቡር ብላታንጌታ ሎሬንሶ ታእዛዝ፡ ቀዳማይ  ሚንስተር ኮይኖም ክሳብ ዝጥለሙ ንስርዓት ንጉስ ሃይለ ስላሴ እግሪ ዘትከሉ፣ ብላታ ኤፍረም ተወልደመድህን (ሓዎም ንመምህር ይስሃቅ ተወልደመድህን) ኣብ መንጽር ኣቦና ዓብደል ቃድር ከቢረ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ዝመጐቱ፡ ኣብ ምህናጽ ዘመናዊ ህንጻታት፡ ኣብ መካኒካዊ ሞያ ምዕባለ ኣየር፡ ኣብ ኣገልግሎት መጐዓዝያ . . . ወ.ዘ.ተ. ምሁራት ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ምዝጉብ ታሪኽ`ዩ።  ኤርትራ ብጸጋ ፍርያት ምሁራት ደቅን፡ ህርኩትን መሃዝን ህዝቢ ዝተዓደለት ምዃና ኣብ ሕቶ ዝኣቱቶ  ኣይኮነን። እንተ ኾነ፡ እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ፡  እንተ ዝከኣል ካልኣይ ግዜ`ውን ምስ ተሰዋህናላ እናበሉ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ምእንቲ ሓርነትን ራህዋን መጻኢ ወለዶ ዝኸፈሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘይሰኣነት ክነሳ፡ ኣብ ጽኑዕ መትከል ረጊጾም ኣንጻር ኩሉ ብድሆታት ንፍትሒ ደው ዝብሉላ፡ ካብ ርእሰ-ረብሓ ምቕዳም ሓራ ዝኾኑ፡ ብሊቅነታዊ ንጽህና (intellectual integrity) ዝልለዩ ሓይሊ ምሁራን ብምስኣና ኣብ ጸልማት ትነብዕ ምህላዋ`ዩ። እዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ`ዚ ምስ እንፈትሖ ኸኣ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ድሙቕ ብርሃን ሓርነት፡ ቅዋማዊ ድሞክራሲይዊ መንግስቲ  እትምስርተሉ ዕለት ርሑቕ ኣይኪኸውንን`ዩ።

 እምበኣር፡ ንርእሰ ጥፍኣትና ይኣክል ንበሎ! ካብ ናይ ግዳም ጸላእቲ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ከም ዝኸፍኡ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ተመኲርናዮ ኢና`ሞ፡ ንድሕነትና ንበራበር! ኣብ ፖለቲካ ድሕነትካ ዘውሕስ ጠርጣሪ ምዃንን ምምርማርን ጥራይ ምዃኑ ኣስተውዒልና ብዕቱብ ንስርሓሉ። እቲ ዝኸፍአ መቑሕ ህይወት ፍርሃት ዝፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ጸልማት ኢዩ`ሞ፡ –ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ  ኣይሕደረን- ከም ዝበሃል፡ ዕድል ህይወትና ንፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣረኪብና ትም ብምባልና ሰናይ ዘመን ክመጸና  ከም ዘይኽእል እዚ ዝሓለፈ ናይ ርብዒ ዘመን ጸልማት-ናጽነት እኹል ትሩፍ መምህርና`ዩ።- ኣብ ዕለታዊ ህይወትና “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“: ብህይወትካ ምጥላዕ! ማለት ምዃኑ ንዘክር።

ዓወት ሓርነትን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ግብራዊ ክቡር ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Debre March 6, 2016

    ክቡር ኣቶ ዑቕባይ
    መልእኽትኻ ንጉዳይና ባዕልና ንተዓጠቀሉ ዝብል ኣለዎ።
    ዘረባ ጥራይ ፋይዳ የብሉን። ብተግባር ክስነ ኣለዎ። እቲ መፍትሕ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድና ‘ዩ ዘሎ። ቅድም ቀዳድም ንሕና ኤርትራዊያን ነንሕድሕድና ክንሰማማዕ ክንክእል ኣለና። ንኸይንሰማማዕ ዝዕንቅፈና ዘሎ ሓደ እቲ ዝበልካዮ ብሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ ዝመሰልካዮ እዩ። ብዘይረብሕ ብላዕ ኣሕሊፍካ ንሕዋትካ ምሃብ። ጃሱስ ናይ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ቦታ እዮም ዘለዉ። ከም ውጺኢት ከኣ ኩሉ ሰብ ተጣራጣራይ ኮይኑ።

    ኤርትራዊ ዜጋ ምዃን ዕዳ ‘ዩ። ንኤርትራ ንኸፍላ ዕዳ ኣሎና። ንጉዳይና ባዕልና ንተዓጠቀሉ። ሱቅ ታሪኽ ኣይሰርሕን ‘ዩ። ተዓዛባይ ማዕዶ ዘፍርዮ ነገር የብሉን። ብፍላይ እቶም ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለኩም ዓገብ። ኣብርክቶኹም ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሱቅ ምምራጽ ካብ ነፍሰ ፍትወት ንላዕሊ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን። ኣብዘለኹም ሃሊይኹም ኣካል እቲ ህዝቢ ስለዝኾንኩም ሕማሙን ጭንቀቱን ክትሓሙሉን ክትጭነቁሉን ግድን ‘ዩ። ኣቱም ከም ጃሱስ ህግደፍ እተገልግሉ ዘለኹም ስቃይ ህዝብኹም ካብ ምንዋሕ ንላዕሊ ተፍርይዎ ነገር ስለዘየለ ዓገብ። ህዝብኹም ትክሕስሉ እዋን ስለዝኾነ ናብ ልብኹም ተመለሱ።

  • k.tewolde March 7, 2016

    Ogbai, it is a powerful message you delivered in this article,unfortunately,the Eritrean audience has been numb for a long time from the traumatic,paradoxical,draconian,unorthodox…social and political experience, it needs to be defibrillated to life to respond to your resuscitative advice.This is the same audience that did’t flinch a muscle to the iconic AWYAT of an Eritrean mother in Italian piazza after the Lampedusa disaster.

    • ተስፉ ወድ ሰገን ጻዕዳ March 8, 2016

      Dear Dr OGBAI,
      Keep it up.We appreciate your rentless efforts. What ca I say. U r the light at the end of the tunnel

  • Henock hagos March 8, 2016

    Dear debre you are right talking is not good for us we must agree each other after that the solution is coming

  • mahta March 8, 2016

    very true!!!! I love Mr. Ogbai’s articles i never miss none.

Post a Reply to Henock hagos Cancel Reply