Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስልጣን፡ ቅትለት፡ ሓሶት

ኣማኑኤል ሳህለ ዝኾነ መንግስቲ ብባህርይቱ ጨቋኒ እዩ። ፍልልዩ ኣብ መጠንን ኣገባብን እዩ። ገሊኡ ገዚፍ በሰላታት ዚገድፍ ጭቆና ኣርእዩ ኪጠፍእ ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ወድሰብ ኪስከሞ ዚኽእል ዓይነት ጭቆና ኣካዪዱ ይሓልፍ። ሓድሓደ እምባገነናት ነቲ ኣብ ህዝቦም ዘካይዱዎ ግፍዒ

ኣማኑኤል ሳህለ

ዝኾነ መንግስቲ ብባህርይቱ ጨቋኒ እዩ። ፍልልዩ ኣብ መጠንን ኣገባብን እዩ። ገሊኡ ገዚፍ በሰላታት ዚገድፍ ጭቆና ኣርእዩ ኪጠፍእ ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ወድሰብ ኪስከሞ ዚኽእል ዓይነት ጭቆና ኣካዪዱ ይሓልፍ። ሓድሓደ እምባገነናት ነቲ ኣብ ህዝቦም ዘካይዱዎ ግፍዒ ብናይ ልምዓትን ቁጠባዊ ትልምታትን ገይሮም ኪሽፍኑዎ ይረኣዩ። ገሊኣቶም ድማ ንህዝቦም ብግሁድ ኪጭፍጭፉን ብዝኾነ መገዲ ከም ዘይርህዎን ገይሮም ኪገፍዑዎን ዚነብሩ ኣለዉ።

ሓደ ህዝቢ መንግስቲ ዚምስርት መታን ከመሓድሮን ኪመርሖን ኣብ ህይወቱ ለውጢ ንኸምጽኣሉን እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ ልኡላውነቱ (ውልቃዊ ናጽነቱን ተፈጥሮኣዊ መሰላቱን) ንመንግስቲ ብምርካብ፡ ካብቲ መንግስቲ ድሕንነትን ሰላምን ቁጠባዊ ምዕባለን ይጽበ። ኣብዚ ግን ሓደ ጸገም ይፍጠር እዩ። እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ብሓደራ ዚርከቦ ኣብ ውዕል እተመርኮሰ ህዝባዊ ኩንትራት ንኸፍርሶ ግዜ ኣይወስድን፡ ከመይሲ ስልጣን ብመሰረቱ መበቆል ጭቆና እዩ።

ኣብዚ እውን ፍልልያት ይረአ እዩ። ገሊኡ መንግስቲ ነቲ ኩንትራት ከፍርስ ከሎ ከም ካሕሳ ድማ ብመጠኑ ናብ ደሞክራሲ ዚጽጋዕ ዓይነት ምሕደራ የተኣታቱ እዩ። ገለ መንግስቲ ግን፡ ነቲ ኩንትራት ብዓንዱ ብምፍራስ፡ ነቲ ውዑል ዝኣተወሉ ሓደራ ድማ ብምድርባይ፡ ነቲ ህዝቢ ከም ባርያኡ እምበር ከም በዓል ውዑሉ ገይሩ ምርኣይ ይገድፎ፡ ከም ኣመሓዳሪ ዘይኮነስ ከም ወናኒ ባሮት ኮይኑ ድማ ንገዛእ ህዝቡ ከሳቕን ከዋርድን ይነብር።

ስልጣን መወዳእታ ኣይፈልጥን እዩ። ስልጣን መበላሻዊ እዩ። ከምቲ ገለ ኣመሪካውያን ዚብሉዎ ድማ፡ ዘይተኣደነ ስልጣን፡ ዘይተኣደነ ምብልሻው እዩ ዚፈጥር።

ሓደ እምባገነን፡ ሰብ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ ዚደሊ። ናብ ሰማይ ደዪቡ ኪገዝእ ስለ ዘይክእል ግን፡ ምድራዊ ኣምላኽ ኮይኑ ኪነብር ይደሊ። ግን ስጋ ዝለበሰ ብምዃኑ ድማ ኣዚዩ እዩ ዚፈርህ፡ ከመይሲ መዋትን ተነቃፍን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ካብ ውሽጢ ዝመጾ ሕማም ንበይኑ ኪዋግኦ ስለ ዘይክእል ብሓከምቲ ተኸቢቡ ይነብር። ካብ ጊላታቱ ንዚመጾ ፈተነ ንነፍሱ ንምድሓን ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ። ካብ ወጻኢ ወይ ጎረቤት ሃገር ንዚመጾ ብድሆታት ንምክልኻል ድማ ኣእምሮኡ ብውግእን ብወረ ውግእን ከይቀሰነ እዩ ዚነብር። ገሊኡ ናይ ሓቂ ብድሆ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግን እቲ ርዑድ ኣእምሮኡ ዚፈጥሮ ናይ ብህረራ ውጽኢት እዩ።

ፍርሂ ምስ ወድሰብ እተፈጥረ መበቆላዊ ባህርይ እዩ። ኣብ ህይወታዊ ንጥፈታትና ክልተ ዓይነት ፍርሂ ክንዕዘብ ንኽእል፣ ጥዑይ ፍርህን ሕሙም ፍርህን። ጥዑይ ፍርሂ ንነብሰ ምክልኻልን ንሓለዋን ይጠቅም። ወድሰብ ዘይፈርህ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ በቶም ኪጸናተውዎ ዚውዕሉ ስዉራት ይኹኑ ወይ ግሁዳት ጸላእቱ ኪጥቃዕ ምነበረ ነይሩ። ኪቃለስ ወይ ኪሃድም ነቲ ኩነታት ብምግምጋም ይውስን። ሕሙም ፍርሂ ግን ካብ ርቡጽን ርዑድን ኣእምሮ ዚነቅል፡ ነገራት ዘይግምግም፡ ኩነታት ዘይመዝን ምስ ሓዘ ዘይገድፍ ኣዕናዊ ባህርይ እዩ።

ስልጣን ጥዑምን ምዉቕን እዩ። ንሓደ እምባገነን ስልጣኑ ምግዳፍ ማለት፡ ንሓደ ህጻን ጡጦኡ ምግዳፍ ማለት እዩ። ስልጣን፡ ሕሙም ፍርሂ ስለ ዚፈጥር፡ ነቲ እምባገነን ሰምባድን ረዓድን ከይቀደሙኒ ክቕድሞም ከም ዚብል እዩ ዚገብሮ። ስልጣን ኣብቲ እምባገነን ነዊሕ ምስ ገበረ፡ ከበላሹዎ ይኽእል እዩ። ብልሹው ኣእምሮ ድማ ህዝበይ ሰበይ ምባል ኣይፈልጥን።

ወድሰብ ክቡር እዩ። ብሰብ እኳ እንተ ዘይከበረ ብኣምላኽ ክቡር እዩ። ኣብዛ ዓለም ሓንቲ ህይወት ስለ እትውሃቦ፡ ንኣኣ ዚህብን ዚኸልእን እቲ ፈጣሪኡ እዩ። ውልቀለመኽቲ ግን ሰብ ኪቐትሉ ድምብርጽ ኣይብሎምን። እቲ ብልሹው ኣእምሮኦም፡ ክልተ ነገራት ጥራይ እዩ ዘርእዮም፣ ደጋፊኦን ተጻራሪኦምን። እቲ ዘይድግፎም ጸላኢኦም እዩ። እቲ ካብ ኣጻፍሮም ከምልጥ ዚደሊ ድማ ደመኛኦም እዩ። ጽላሎቶም እኳ ኣሚኑ ምሳታቶም ዚጎዓዝ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር፡ ኪድምስሱዎ ኣይምጸልኡን። ነቲ ብልሹው ኣእምሮኦም ንምዕንጋል፡ ደም ኪፈስስ እንተ ነበረውን ግዲ የብሎምን። ናይ ሰብ ሓደራ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ እዝጊ ሓደራ እውን ኣፍሪሶም እዮም።

ሓደ ጸሓፋይ ከምዚ ይብል፡ ንሓደ ሰብ ክትቐትሎ መታን ኪጥዕመካ፡ መጀመርያ ዋጋ ከም ዘይብሉ ጌርካ ነቲ ኣእምሮኻ ኣእምኖ። ሂትለር ንኣይሁዳውያን ብኣሌፍ ኪውድኦም ከሎ፡ መጀመርያ ሰብ ከም ዘይኮኑ እዩ ከረጋግጽ ዝፈተነ። ደሓር ንምቕታል ቀሊል ይኸውን። ሃመማ ክንቀትል ንውዕል እንዶ ኣየሎናን፡ ንሰብ ከም ሃመማ ሓሲብና ንምቕታሉ ደኣ እንታይ ይእግመና?

ኣብዘን ዝሓለፉ መዓልታት ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእከል ኣስመራ እተረሸኑ ኣሕዋትና ሰሚዕና ኢና። ንሓደ ህዝቢ ከም ዘይህዝብኻ ክትርእዮ ምስ ጀመርካ፡ ኣብ በረኻታትን ኣጻምእን ከርተት ከተብሎ ምስ ጸናሕካ፡ ዋጋ ከም ዘይብሉ ሓሲብካ ካብ ስድራቤት ምትካልን ትምህርትን ስራሕን ክትክልክሎ ምስ ጀመርካ፡ ብመጠኑ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጽካ ኢኻ። እሞ ንምቕታሉ ደኣ እንታይ ይጽግመካ። ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ረጊጽካዮ ምእዛዝ ካብ ዘየቋረጸ፡ ገዛውቱ ኣፍሪስካሉ ብትዕግስቲ ካብ ተጸበየካ፡ ኩሉ በዲልካዮ ከም መንግስቲ ክጓየየልካ ካብ ወዓለ፡ ብንዕቀት ተዋሒጥካ ንኽትርሽኖ ሕልናኻ ኣይኣብየካን እዩ።

ኣብ ጨቋኒ መንግስቲ፡ ምቕታል ሓደ ካብቲ ናይ ብድሆታት መፍትሄ እዩ። እንታይ ገደሰካ ብዛዕባ ኣኼባታትን ጠበቓታትን ኣብያተፍርድን ክትሓስብ ግዜኻ ትቐትል። ህዝቢ ዓለም እንታይ ይብለኒ ብምባል ከይደቀስካ ኣይትሓድርን። ዓቕሚ እንተ ዚህልወካ እኮ ንህዝቢ ዓለምውን ክትውድእ ኣይምጸላእካን!

ብድሕርዚ ሓሶት ይመጽእ። ደሓንዶውዒልኪ ሓሶት! ውልቀመላኻዊ መንግስቲ ዓቢ ናይ መሐሰዊ ትካል ኣለዎ። ሚኒስትሪ ዜና፡ ወይ ሚኒስትሪ ፕሮፓጋንዳ ዚብል ስም ድማ የጠምቕዎ። እዚ ትካልዚ፡ ነቲ መንግስቲ ከም ሃገራዊ ዕርዲ እዩ። ንሱ ምስ ዚፈርስ፡ እቲ መንግስቲ ድማ ምስኡ ይፈርስ። ብሓሶት እተነድቀ መንግስቲ፡ ሓቂ ኪግሃድ ከሎ ከም ዕርዲ ያሪኮ እዩ ገማዕማዕ ኢሉ ዝፈርስ።

ንምንታይ ደኣ ኣብ ማእከል ኣደባባይ መንእሰያት ረሺንኩም? ዋእ! መን ረሺኑ፡ ባዕላቶም እንዳኣሎም ካብ ማኪና ወዲቖም። ንሕናስ እባ ደኣ ተሰኪምና ናብ ሆስፒታል ወሲድናዮም….።

ስልጣን ንፍርሂ ትወልዳ። ፍርሂ ድማ ንሓሶት ትፈጥራ። ቀደም ዘመን ክትሕሱ ምስ እትደሊ ዓዲ ኢኻ እትርሕቕ ኔርካ። እንተ ሎሚ ግን ሚኒስትሪ ዜና ዚብሃል መጺኡና። ኣብኡ ቃሕ ዝበለካ ትዛረብ። አረ እንሓንሳእስ ብእምብዛ ምሕሳው ነቲ ዝሓሰኻዮ ትርስዖ ኢኻ። ሽዑ ኩሉ ይደራበሸካ። ንባዕልኻውን ኣየናይ እዩ ሓቂ፡ ኣየናይ እዩኸ ሓሶት ኪጠፍኣካ ይጅምር። ግን ብዙሕ ኣይትጭነቕን። መንዶ ዚዛረበካ ኣሎዩ? ኩሉ ኣብ ኢድካ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ኣእዳውካ እንሓንሳእ ትኹልሰሉ እንሓንሳእ ድማ ትበኣሰሉ። ገለ መንግስቲ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቀት ወሰን የብሉን!

እሞኸ ክንመውት ክንቅጽል ዲና? ብግዜ ትሩቡሊ፡ በብሓደ ሰብ ወሓደ ይብሃል ነይሩ። ገለን ዶብ ብምስጋር፡ ገለን ብግፍዕን ሕሰምን፡ ገለን ኣብ ማእሰርቲ ዝተረስዑ… መወዳእታ የብሉን። ነዚ ከረስዕ ዚፍትን ፕሮግራማት ግን ተዳሊዩ ኣሎ፣ ጓይላን ሚኒስትሪ ዜናን። ጓይላ ንልቕሶ ኪትክእ ጀሚሩ ኣሎ፡ መናፍሕ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ምስቲ ናይ 25 ኢዮቤል በዓል ዚኸይድ ሓሶታት ሒዞም ተዳሊዮም ኣለዉ።

እቲ ሓዘን ኣብ ቦታኡ እዩ። ግን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ነቲ እንዳ ሓዘን ከም እንዳ መርዓ ኣምሲሉ ኣውሎ ዝበሃለሉ ዳስ ክንርእይ ኢና። ብዙሓት የውሃት ድማ ናብኡ ገጾም ኪውሕዙ እዮም። መኣስ እዮም ግን ልቢ ዝገብሩ?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Miriam Yacob April 11, 2016

    ሓጻር መልእኽቲ ንዶክቶር ምሕረትኣብ ገብርሂወት (Chicago)
    ይቕረታ ድማ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ።

    ዝኸበርካ ዶክቶር ምሕረትኣብ ገብረሂወት።
    ብመጀመሪያ ሰላምን ጥዕናን ነዓኻ፤ ንበዓልቲ ቤትካ፡ ንድቕኻን ንዞማታትካን ይምነየልካ።
    ምሳኻ ፍልጠተይ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኢዩ። ኣብ ሰብዓታት በብግዜኡ ኪንራኸብ ከሎና ብዛዕባ ሀገር ዝነበረካ ስምዒትን ተገዳስነት ኣዝዩ ዚለዓለ ምንባሩ ይዝከረኒ። ኣባኻ ዚነበረኒ ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ድማ ኣዚዩ ልዑል እዩ ኔሩ። ትምህርትኻ ብናይ ቲዮሎጂ (ቅሽነት) ስለዝነበረ ድማ ብሞራል ኩሉ ጊዜ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ትርከብ ኔርካ። በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ኣዋልድን ዚኾንካ ሕጉስ ናብራ ከምዘሎካ እየ ዚፈልጥ። ፈቃርን ፈታዊ ስድራኡን ስለ ዚኾንካ ድማ ንዞማታትካ ኩሎም (ዳኒኤል፡ ክብረኣብ፡ መስፍን፡ ዳዊት፡ ኖህ) በብሓደ ናብ እዚ ዓዲ ኣምጺእካዮም። ደቅኻ ዓወት፤ ስምረትን እምነትን ጸለምቲ ኣመሪካውያን (African Americans) ተመርዕየን ጽቡቕ ሓዳር ከም ዘለወን ኢሰምዕ። ኣብ ናይ መነን መኻኑ ኣይዝክርን እምበር ኣብ ናይ ሓዲኤን መርዓ እውን ተኻፊለ ኔረ።
    ሕጂ እዛ መልእኽቲ ክጽሕፈልካ ዚገደደኒ ምኽንያት፡ ብመጀመሪያ፡ ቃለ መሕትት ናይ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ኣብ “ሂወትና” ዚብል ናይ ኣሰና ፕሮግራም ምስ ሰማዕኩ ቀጺለ ድማ በዓል ነጻነት ኣብ ከተማ ሽካጎ ኢልካ ዚጸሓፍካዮ መልእኽቲ ምስ ኣንበብኩ እየ። ክሳብ ሕጂ ዘይመጽሓፍየይ ድማ እቲ ዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ከምዘሎዎ ክሓትት ስለ ዚደለኹ ኢየ። ንዶክቶር ኣርኣያ ኣይፈልጦን እየ። እንተኾነ ግን ንሱ ሓደ ካብቶም G13 ምንባሩ ከይተረዳኣኒ ብኪቱር ስሚዒት ኣብ ልዕለኡ ጽቡቕ ኣረኣያ ኣይነበረንን።
    ንእግሪ መንገደይ ግን ብመጀመሪያ ንዶክቶር ኣርኣያ ደበሳይ ይቕረታ ኪሓትት ይፈቱ። በቲ ንሃገርና ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ድማ ኤመስግኖ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኪሰርሕ እየ ጥራይ ምባሉ ዘይኮነስ ንጌጋታት እውን ኪእርም ፈቲኑ። ኣነ ግን ብፍላይ እታ ኣብ ጊዜ ኩናት እተጻሕፈት ብናይ በርሊን ማነፈስቶ እትጽዋዕ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ብክቱር ስሚዒት ጸሊኤዮ ኔረ። ሕጂ ግን ጊዜ እንዳ ሓለፈ ምስ ከደ፤ ኩነታት ምስ በረሀ ኩሉ እቲ ዚጸሓፉዎ ቅኑዕ ምኻኑ ተረዲኤዮ። ደጊመ ድማ ይቕረታ ክሕቶ ይደሊ።
    ናብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ክምለስ፡
    ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ሀገርና ናብ ሕማቕ ኩነታት ኪትክይድ ርኢና። ክሳብ 2001፤ ዋላ እካ ሃገርና ኣብ ውግእ ትንበር፡ ኩላትና (ኣብ ውሽጢ ሀገርን ኣብ ወጻኢ ዚነበርናን) ሓቢርና መኪትና። ብድሕሪኡ ግን ዓመት ዓመት ኩነታት እንዳ ከፍኤ ከምዝኸደ ንኩሉና ብሩህ እዩ ኔሩ። መርሒና ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ስልጣን እንዳገበተን ከደ። ንብጾቱ ከሓደ። ናብራ እንዳ ከፈኤ ከደ። ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ኣደታትና ጠምየን፡ ኣቦታትና ዝሕግዞም ሲኢኖም ደቕና ብብዝሒ ተሰዲዶም። ገሊኦም ኩሊቶም ተመንዚዖም፡ ገሊኤን ክብረተን ተደፊረን፡ ገሊኤን ኣብ ቀላይ ሓሪሰን። ትማሊ ትማሊ ድማ ቆልዑ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተመንጢሎም። ዶክቶር ምሕረትኣብ እዚ እንዳረኣኻ እንታይ ኮንካ ጨኪንካ? ኣቦ ሰለስተ ኣዋልድ እንዶ ኣይኮንካን? ንስኻ ሎሚ ዓገብ ምበልካ ኢምበር ንስኻዶ ሎሚ ንጋይላ ምተቃራረብካ? እስኪ ንነብስኻ ኣብ ቦታ ናይ ዞም ዝተጎድኡ ስድራ ቤት ግበራ። ካብተን ደቅኻ ሓንቲኤን ማለት ዓወት ስምረት ወይ እምነት እንተ ዝምንጠላስ ንሳዕስዒት ምኸድካዶ? እዞም ደቆም ሲኢኖም ዘሎዉ ስድራቤታት ከማኻ ደቆም ከምዝፈትዉዎም ትዝንግዕ ኣይመስለንን። እዚ እንዳረኣኻስ ነዚ ኣብ ጉጉይ መገዲ ዘሎ መራሒና ክትድግፍ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።
    ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓቢ ኢኻ፡ ናይ ዓበይቲ ስራሕ። ቀሽነት ተማሂርካ ኢኻ፡፤ ግፍዒ ክትርኢ ከሎኻ ተገፍዑ ምበልካ እምበር ንስኻ ሕጂ ሳዕስዒት ኣይምተራእየካን።
    ዓገብ ዶክቶር ምሕረትኣብ ዓገብ። ናብ ልብኻ ተመለስ።

    ሚሪያም ያቆብ

  • Semur Ghenbar April 11, 2016

    ዝኸበርኻ መምህር አማኒኤል፤

    ብሐቒ ስለቲ ጺዒርኻ ተማሂርኻን አንቢብኻን ካብቲ ውቅያኖስ ዝኾነ አፍልጦኻ ምስዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት አዛሚድኻ ብስፊሕን ማራኺ ብዝኾነ አቐራርባ ዝጸሐፍካዮ ደጋጊመ አንቢበዮ ምጽጋብ አብዩኒ ምስቶም አብ አስመራ ዩንቨርስቲ ቓንቓ ፈረንሳ ትምህረና ዝነበርካ አብ ልዕሌኻ ዝነበረናን ዘለናን አብ እብ ዝተፈላለየ ክፍለ ሀገር አሜሪካ ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ተደዋዊልና አድናቐትና ገሊጽና። ብፍላይ አነ እንታይ ቃላትን ሐረግን መሪጸ ከምዘድንቐኻ ጠፊኡኒ።
    አብ መጨረሻ ግን ሽግርና ብቑልጡፍ ክፍታሕ ብከመይን ምስመንን ሰሪሕና ነዚ ስሚ ኤርትራውያን ምስ ኾራኹሩ አሊና አብ ኤርትራ ሀገርና ልዕላውነት ሕጊ ሰፊኑ ሕዝብና እፎይታ ዝረክበሉ ብልሐትን መንገድን ክትልግሰልና ሐደራ ይብለኻ።

  • Semur Ghenbar April 11, 2016

    መምህር አማኒኤል፤

    አብ ልዕሌኻ ዝነበረናን ዘለናን አኽብሮት ንምባል እዩ።
    ብተወሳኺ ክትሕጎስ ነቶም ፤ ንሱ ንሕና ፤ ንሕና ንሱ ፤ ዝብሉ ውሑዳት ንድንግጸሎም ኹላሕና ደቕኻን የሕዋትኻን ግን አብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ከምዘለና ከነረጋግጸልኻ እፈቱ ።

  • nefasit April 11, 2016

    Dear Deki Bahri Negassi,
    The former 30 years struggle for independence and the last 25 years on fake independence needs to revise genuinely.
    1. Who was the first founder for independence? it is clear the founders was the secret interest of colonies Britain,Egypt and Italy they establish and fabricated the mind of that era youth for their own interest.But in actual in that time almost all Eritrean was preferred to live with their own identity.
    2. The doctrine of Jebha and Alwahda clear indicates with menka for nothing with the interest of salh sappe. Even the doctrine of Ibrahim Sultan was initially from one of the founders of fkri hager but in the mean time colonies changed his mind for the funds contributed by Arab league. The same is true with tessema ablelom, weldeab weldmariam and so on.naming pro Italian liberal progress, al isalamia and soon.
    3. So, from the above statements, struggle for independence of Eritrea was not originated by native and interest of honest Eritrean. If any interest emanates from foreign concept, it couldn’t see the actual output or the real independence. By-default it has been shown us garbage in garbage out.
    Therefore, first of all we have to analyses the past interest of our people, what had been the consequence of the struggle and the situation after independence. Then we will come-up to the right solution, unless that by hiding our actual history, it is very difficult to come-up on the right solution. No more solution and reality by singing a song with the fake identity. Be pioneer for the reality of our identity.
    With Regards,

  • Berhe Tensea April 12, 2016

    Excellent points Keep up the good work, thank you again.

  • Semur Ghenbar April 12, 2016

    ክብርቲ ሚርያም ፤

    ስለቲ ትብዓትክን አብ ጎኒ ሐቕን ደለይቲ ፍትሕን ምውጋንኺ። ክብረትን ኹርዓትን ይሰመዓኺ። እንተ እተን ብዙሐት አሕዋትና ደቒ አንስትዮ ምሽክኖት አሕዋተን ከይቐበራ ቖምሽሽተን ነዊሕወን አብ ፈቐዶ ጓይላ ህግድፍ ዝስዕስዓ ዘለዋ ንዑቓትን ፍኾስትን መጽረፍ ስድራቤተን ይብለን ። ከምኡውን ዶ/ር ምሕረትአብ ምሕረት የውርደልኻ ። ርአዮም ተባዓትን ፈተውቲ ሀገሮምን በዓል ብሮፈሴር አርአያ ደበሳይ።
    እቶም ምሁራት ኢና ብሀልቲ ተሐቢእኩም አስቒጥኩም ዘለኹም ሕዝቢ ኤርትራ ተዓዚብኹምን ንዒቑኹምን እዩ።ለባማት እንተኹም ግን ሕጅውን ጊዜ አለኹም።
    ሚርያም ደጊመ የመስግነኺ።
    ይንዋሕ ይሕጸር ለውጢ ክመጽእ እዩ ውይለኹም ምስ ሽፍታ ኢሳያስ ዝወገንኹም።ካብ ክብርቲ ሀገርኹምሲ ሽፍታ እሳያስ ሕዝብን ሀገርን እናጥፈኤ ምድኡ ዝወገንኹም።

  • Ambabi April 12, 2016

    I know did u hear how the eritrean embassy in London denied the allegation or the murder? Pure lies. Thanx Amanuel Sahle keep wrighting i always recomend some of your former students and your admirers to read your articles. Because i feel like reading good article is better than food itself

  • Adal April 13, 2016

    መምህር ኣማኑኤል ናይ ብሓቂ ዓሚቅ ፍልጠት ከምዘለካ ካብ ጽሑፋትካ እምዘን ኢዩ። ብፍላይ ንኹሉ ሰብ ብኽርዶኦ ዝኽእል ብቀሊል ዓይነት ኣገባብ ስለእትጽሕፍ ኢየ ድምሰጥ ። ሎሚ ግን ብዙሓት ካብቶም ንሕና ንሱ ክንደይ ምዓልቲ ኢና ዓይኒ ሓበላ ክንሽፍን ኢሎም ጹሑፋትኩም ብምምባብ ይምለሱ ኣለዉ እሞ ቀጽል ክብለካ እፈቱ ።ብጣዕሚ ዘድንቀካ።

Post a Reply to Semur Ghenbar Cancel Reply