Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ( ስ.መ.ኤ.ለ) ራኢና ንሱሉጥ ዓወት

ራኢ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብምስዓር ሓንቲ ብቅዋምን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ምርኣይ’ዩ፡፡ ንሕና ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ልዕሊዑ ዝጽሒ ዘሎ ኣደራዕን ፡ መግደራን፡ ሑሱም መግዛእትን፡ ንህልው

ራኢ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብምስዓር ሓንቲ ብቅዋምን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ምርኣይ’ዩ፡፡
ንሕና ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ልዕሊዑ ዝጽሒ ዘሎ ኣደራዕን ፡ መግደራን፡ ሑሱም መግዛእትን፡ ንህልው ኵነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ተነቓፊ ኵነታት ስለ ዘብጽሖ፡ እዚ ኵነታት እዚ ድማ በዚ ዘለዎ ናህሪ እንተቐጺሉ፡ ህላወ ሃገርናን ሕዝብናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ብሙዃኑ፡ ንሕና መንእሰያት ነዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሓላፍነት ክንስከም ጕቡኡና ስለ ዝኾነ፡ እቲ ካባና ዝጥለብ ነገራት ንምግባር ተበጊስና ኣሎና፡፡ ዓስርታት ዓመታት ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክቓለሱን፡ ክብድሁን ዝጸንሑ ኣብ ኵሉ ጽላታት ሕብረተሰብና ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ዘለና ኣኽብሮትን ኣድናቖቱን ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡ ኣቲናዮ ዘሎና ወሳኒ መድርኽ ቃልሲ፡ ቍልጡፉን ሱሉጡን ለውጢ ዝጠለብ ብሙዃኑ፡ መንእሰያት ሃገርና ብዘይ ወዓል ሕደር፡ ሓላፋነቶም ክዋጹኡ ሞራላውን ሕልናውን ሓላፍነት ኣለዎም፡፡
ኤርትራ ሃገርና፡ ሕዝባ ብቕሳነትን ምዕባለን ዝነብረላ፡ ነጻ፡ ርትዓዊት፡ ደሞክራሲያዊት፡ ፍትሓዊት፡ ማዕረነት ዝነገሳ ሃገር ከይትኸውን፡ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ጅሆ ገይሩ ሒዝዋ ስለ ዝርከብ፡ እቲ ዝዓበየ ማሕንቖን ጸገምን ሙዃኑ ንኣምን፡፡ ሕዝቢ ኤርትራ ባህጕን፡ ሕልሙን፡ ድሌቱን፡ ሃንቐውቱን ብዘይ ዝኾነ ይዅን ምትእትታው ሳልሳይ ሓይሊ ባዕሉ ዓሚሙ ክጭብጦ ከም ዝኽእል ዝሓለፈ ጅግነነቱን ታሪዅን ምስክር ኢዩ፡፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር፡ እቲ ብሉጽ መስርሕ ሓደ ሕብረተሰብ ክሓልፎ ዘለዎ ደሞክራሲያዊ ክብርታት ዝህነጸሉ ጎደና ብሙዃኑ፡ ሕዝቢ ብነጻ ሓሳባቱ ዘፍስሰሉ  መድረኽ ምኽፋት፡ ፉቱን ደሞክራሲዊ ኣምራት ዝዕንበበሉ ባይታ ሙዃኑ ዘተሓትት ኣይኮነን፡፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ( ስ.መ.ኤ.ለ) ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላሙኡ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ልዕሊኦም ብገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝተጻዕነ ፍርሒ ቐንጢጦም ንመሰሎም ደው  ኢሎም ክምኵቱን፡ መኪቶም ክስዕሩ ምብርታዕን ምትርናዕን ኢዩ፡፡በዚ ድማ ስ.መ.ኤ.ለ ራኢኡ ናብ ጽባሕ ዘቛመተ እንተኾነ ዘገረም ነገር ኣይኮነን፡፡ እምበኣር መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዝባኖም ዝተሓንገጥዎ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዑቱብነትን ብሓያል ጽንዓትን መኸተን ንምግጣም እዞም ዝስዕቡ መትከላት ጹኑዓት መትከላት ስ.መ.ኤ.ለ ኢዮም፡፡
1.    ቅድም ቀዳድም ድሕነት ሕዝብን ሃገርን፡

ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝፈጠሮ ዓዘቕትን ቍልውላውን ቅልጡፉን ሱሉጡን ፍታሕ ዝጠልብ  ውዓል ሕደር ዘይደልዮ ሃገራዊ ሓላፍነት ሙዃኑ ንኣምን፡፡ ፈትሊ መላቕቦ ክብሪታት ሕብረተሰብና ብዘገርም ናህሪ ክመናናህን ክበታተኽን ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ዓስርተ ዓመታት ኣሻሓት ዝቝጽሮም ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ሰደት ሃጽ ኢሎም ጠፊኦም ገና እውን ይጠፉኡ ኣለው፡፡ ዝፈትዎም ስድራቤቶምን  ሃገሮም ሓዲጎም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዝቐሰቦም ብዙሓት ረቛሒታት  እኳ ክጥቐስ ዝከኣል እንተኾነ፡ እቶም ፉሩያት ጎሊሖም ዝረኣዩ ጠንቅታት ንምጥቓስ፡ ሃገርና ኤርትራ ብዘይ ቅዋም እትመሓደር ሕጊ ኣልቦ ሃገር ብሙዃና፡ ስልጣን ብሓደ ውልቀ መላኺ ዝተባሕተ ብሙዃኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዘይክበረላ ሃገር ብሙዃና፡ መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ባርነት ስለ ዝተቖረኑ ወ.ዘ.ተ….ክጥቐስ ይከኣል፡፡ እዞም ጠንቕታት እዚኣቶም ከይተኣለዩ ስደት መንእሰያትና ደው ክብል ስለ ዘይኮነ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ስለሚ ተሸሚማ ህላዊኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ከይኣተወት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነቱ ክውጻእ ግዜ ይጽውዖ ኣሎ፡፡ እዛ ኣሽሓት ቡሉጻት ደቓ ከፊላ ዝተጠረየት ሃገር፡ ካብቲ ተሸሚማቶ ዘላ ናይ ጥፍኣት ጎደና ክትድሕን እንተደኣኮይና፡ ቍልጡፉን ሱሉጡን ለውጢ ዘምጽእ እስትራተጂ ብምሕንጻጽ ኣብ ባይታ ግብራዊያ ስጕምታት ብዘይ ውዓል ሕደር ክውሰድ ኣለዎ፡፡

2.     ጠለባት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ( ስ.መ.ኤ.ለ)

ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ኵነትናዊ ቅልውላው ካብ ዝሸመሙ ቀንዲ ጠንቕታት እዞም ዝስዕቡ ሙዃኖም ንኣምን፡፡ ቀዳማይ ብዊንታ ሓደ ገባቲ ውልቐ-ሰብ ስለ እትመሓደር፡፡ ካልኣይ ቅዋም ኣልቦን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽበረላ ሃገር ብሙዃና፡ሳልሳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንፉ ዝተበገሰሉ ዕላማ ዝሰሓተ፡ ሃብቲ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ንከንቱ ዘህልኽ፡ ወርቃዊ ዕድሚኦም ዘባኽን ናይ ባርነት ትካል ብሙዃኑ፡ ፡ ካብዚ ክውን ሓቂ ብምንቓል ስ.መ.ኤ.ለ ነዞም ዝስዕቡ ሰለሰተ ጠለባት ቀዳምነት ሰሪዑ ይቓለስ፡፡

ሀ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ስልጣኑ ንሕዝቢ ከረክብ፡፡

ለ. ናይ ሕልና ይዅኑ ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክፍትሑ፡፡

ሐ. እቲ ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝፍለጥ ወፍሪ ባርነት ብቅጽበት ደው ክብል፡፡

3.    ወነንቲ ዕጫና

ሓንቲ ሃገር ዕጭኣ ባዕላ ክትውንን እንዘይኪኢላ፡ ደሞክራሲዊ ምሕደራኣ፡ ፖለቲካዊ ይዅን ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባሊኣ፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን ሕጋዊያን ትካላት ክትሃንጽ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ካብዚ ስርወ-ሓሳብ እዚ ብምንቓል ስ.መ.ኤ.ለ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ምእላይ ይዅን፡ ብድሕሪኡ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ዝዕንበበሉ ትካላት ምህናጽ፡ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ዝበዝሔ ክፋል ሕዝብና ዝተሳተፎን ድምጹ ዝሕውሰሉ ኤርትራዊ ዕማም ሙዃኑ ንኣምን፡፡ ሕጋዊ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኣብ ነካይደሉ እዋን ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ሙዃኑ ኣይንጠራጠረሉን፡፡ እንተኾነ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ደገፍ ሓሊፉ ኣብ ጕዳይና ኣትዩ ክውስን ኣይነፍቕድን፡፡ ሽግር ኤርትራዉያን ብኤርትራዉያን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መትከልና ኢዩ፡፡

4.    ውልቓዊ-ሓርነት

እምኒ ኵርናዕ ህንጻ ደሞክራሲ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ነብሱ ሙሉእ እምነት ኣሕዲሩ፡ ብነጻ፡ ብዘይ ዝኾነ ይዅን ተጽዕኖ ሓሳብን ስሚዒቱን ክገልጽ ውልቓዊ ሓርነት ምስ ዝውንን ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ሓደ ዘስተውዓልናሉን ዝተመሃርናሉን ነገር እንተሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ዘተኣታተዎ ጕልቡጥ ስነሞገት እንተሃለወ፡ ውልቃዊ ሓርነትካ ሙሉእ ብሙሉእ ወፊኻ፡ ጊላነት ከም ቍቡል ወሲድካ፡ ከም በሃም እንስሳ ኪድ ናብ ዝበሉኻ ብዘይ ዝኾነ ይዅን ሕቶ ምኻድ ዝብል ፍልስፍና ኢዩ፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ኮይኑ፡ ካባ ሃገራውነት ብምጥላቕ፡ ውልቃዊ ሓርነት ሓደ ዜጋ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝራዕ፡ ኣብ ብዙሓት ዜጋታትና መንፈስ ጊላነትን ወይ ሙኡዙዝነትን ብምድርቛቕ ንረብሓ ውሑዳት ምግልጋል ኢዩ፡፡ወዲ-ሰብ ነጻ ኮይኑ ከም እተፈጥረ፡ ሓርነቱ ድማ ኣብ ውሽጡ ከም እትነብር፡ ዝኾነ ይዅን ማሕበር፡ ዉዱብ፡ ሰልፊ ወይ እውን ዘይሕጋዊ መንግስቲ ክውነኖ ከም ዘይክእል ጽኑዕ እምነትና ኢዩ፡፡ ነዚ ስነ-ሓሳብ እዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ስ.መ.ኤ.ለ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንዑዑ ልክዕ መሲሉ ዝረኣዮ ስነ-ሓሳብን፡ ፍልስፍናን፡ ቅዲ ህይወትን ክስዕብ፡ ኣቡኡ ኣትዩ ንደሞክራሳዊ ለውጢ ክቃልስ መባእታዊ መሰሉ ሙዃኑ ይኣምን፡፡

5.    ቀዳምነትካ ምስራዕ

ስ.መ.ኤ.ለ ብድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ከገልግሉ ዝዳለው ሰነዳት ከም መሰጋገሪ ንድፊ ቅዋም፡ መሰጋጋሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ህንጻ ሕጊ ባይቶ ይዅኑ ካልኦት ንትካላት በርጌሳዊያን ማሕበራት ዝምልከት ንድፊ ሕጊ፡ ሃገራዊ ዕርቒ ይዅን ዳግማይ ህንጸት ቝጠባ ኤርትራ፡ ካብ ሓልዩት ሕዝብን ሃገርን ዝነቕል ሰናይ ተበግሶታት ሙዃኑ እኳ ዘስምረሉ እንተኾነ፡ ህልው ኵነታት ሃገርናን ሕዝብናን ዝጠልቦ ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ሓጺር እዋን ኣሊኻ፡ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ዝካየድሉ መድረኽ ወይ ባይታ ምፍጣር ኢዩ፡፡ ስለዚ ቀዳምነት ክመጽእ ዘለዎ ቀዳምነት ክመጽእ ስለ ዘለዎ፡ ኵሉ ሓይልናን ጸዓትናን፡ ዓቕሚ ሰብናን ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ፡ ንገባቲ ስርዓት ኣብ ሓጺር እዋን ክንኣልየሉ እንኽእል ህልው ኵነታት ሃገርና ብደቒቕ ዝገምገመ ፖለቲካዊ ንድፊ ሓሳብ(Action oriented political road map ) ብምውጻእ ሕዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ስራሕ ክንጽመድ ይጽውዕ፡፡

6.    ሕቶ መሰል ሃይማኖት፡ ብሔር፡ ኣውራጃ

ኤርትራ ሃገርና ብዝተፈላለዩ ብሔርን፡ ባህልን፡ ሃይማኖትን፡ ቋንቋን ፡ጽባቐ-ምድሪ ዝወቐበት ሃገር ኢያ፡፡ ምንቕስቓስና ነዚ ጽባቐ እዚ ከንጸባርቕ ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ኢዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ኣብ መስርሕ ዝውለድ ኣብ ምትእምማንን ጕሉጹነት ዝተሞርከሰ ጥምረት ድኣ እምበር ብምዅሑሓል ዝቐርብ ቐልዓለማዊ ክኸውን የብሉን፡፡ ስ.መ.ኤ.ለ ንዅሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓቍፉ ክኸይድ ኣለዎ ዝብል መትከላዊ እምነቱ’ዩ፡፡ሃገርና ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሃማኖትን ብሔራትን፡ ኣውራጃን ዝተደኮነት ሃገር ብሙዃና፡ ጸጋ እምበር ጸገም ገይርና ኣይንርድኦን፡፡ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖትን፡ ብሔርን፡ ኣውራጃን ንመሰሉ ክቓለስን ንቐጻልነቱ ክማጎት መባእታዊ መሰሉ ሙዃኑ ንኣምን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት፡ ብሔር፡ ኣውራጃ ብፍላጥ ይዅን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖትን፡ ብሔርን፡ ኣውራጃን ልዕልነት ተሰሚዕዎ ጽቕጢ ክገብር ቅቡል ዘይሙዃኑ ነስምረሉ፡፡ እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ፡ ሃይማኖት፡ ብሔር፡ ኣውራጃ ከየፈላለየ ብኣልማም ዘጥፍእ ዘሎ ጕጅለ ስለ ዝኾነ ኵሉ ኤርትራዊ ወገን ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ብሔር ከይፈላለይ ኣብ ሓደ ብምዕሳል ሳቦያ ኢሉ ሃገሩን ሕዝቡን ካብ ጥፍኣት ዘድሕነሉ ወቕቲ’ዩ፡፡

7.    ሕዝባዊ ተሳታፍነት

ዝብዝሕ ኣብ ስደት ዝቕመጥ ሕዝብና ብዝተፈላላየ ምኽንያታት ስቕታ መሪጹ ከም ዘሎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ ብርግጽ ፍርሕን ራዕድን ካብቶም ቀንዲ ነዚ ስቕታ ዝወለዱ ጠንቅታት ኢዮም ክበሃል ይከኣል፡፡ ኮይኑ ግና ብወገን ደምበ ተቋውሞ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት እንተኾነ ነቶም ድሮ ንፍርሕን ራዕድን ስርዓት ኢሰያስ ሲዒሮም፡ ጕልባቦም ቐሊዖም ዝቃለሱ ዘለው ዜጋታት ዱልዱል ሰረት ዘለዎ ባይታ መቃልሲ ፈጢርሎም ኣሎ ክትብል ኣይድፍርን፡፡ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ፡ መንእሰያት ኤርትራ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣለዎም ዝብል እምነትና እኳ እንተኾነ፡ ኣበርክቶ እቶም ምእንቲ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዑዙዝ ተራ ዝተጻወቱ ሓርበኛታት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሙኳኑ ነስምረሉ፡፡ ስ.ም.ኤ.ለ  ብስርዓት ኢሰያስ ክደሃኽ ጀሚሩ ዘሎ ባህልናን ክብርናን ኣብ ቦቱኡ ንምምላስ ፡ ባህልን ስነ-ምግባርን ዝዅስኵሱ፡ ገጠምቲ፡ ኣዝየምቲ፡ ሰኣልቲ፡ ተዋሳእቲ ኵታ ኵሎም እቲ ስነ-ኪነት ዝሓቝፎም ንጽባቐን ያታን ኤርትራዊ መንነት ዘበራብርን ዝድርዕን መድረኽ ክኸፍት ዘይሕለል ጻዕርታት ከካይድ ኢዩ፡፡

8.    ምእላይ ስርዓት ኢሰያስ

ስ.መ.ኤ.ለ ስርዓት ኢሰያስ ምእላይ ብኸመይ ኣገባብ? ዝብል ሕቶ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን ንዓመታት ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ሩሱን ክትዓት ኣገዳስነቱ እኳ እንተኣመንሉ፡ እቲ ጎነጻውን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ሓደ ካብ ሓደ ነጽሊካ ክትርእዮን ዘጸግም ኣብ ርእሲ ሙኳኑ፡ ከም መፋለልየ ዛዕባ ኮይኑ ክቐርብ ቍቡል ገይሩ ኣይወስዶን፡፡ ንርዱእ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ስደት ዝግበር ቃልሲ፡ በተን እትነብረለን ሃገራት ሕጊ ዝምእዘዝ ስለ ዝኾነ፡ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ከተካየድ ኵነታትን ሕግን ከም ዝድርተካ ሩድእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ስ.መ.ኤ.ለ ኣብ ስደት ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝገበር ቃልሲ ዘይጎነጻዊ ክኸውን መትከላዊ እምነቱ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግና ስ.መ.ኤ.ለ ውዱዕ ኵነታት ሃገርናን፡ ድሕሪ ባይታን፡ ባህርይ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስርዓት ኢሰያስ ብዘይጎነጽ ስልጣኑ ክሓድግ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት የብሉን፡፡ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ እዱድ ኵናት ካብ ዝእውጅ ዓመታት ኣሕሊፉ ኢዩ፡፡ ኵሉ ሰላማዊ ሕቶታት ሕዝቢ ብጎነጽ እንዳፈተሔ ዝመጸ ስርዓት ብሙዃኑ፡ ዛጊት ብቍጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ዜጋታትን ከም ዝቐዘፈን፡ ኣሻሓት ዝቝጸሩ ዜጋታትን ኣብ ቤት-ማእሰርታት ዳጕኑ የሳቒ ምህላው ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ፡፡ ስርዓት ኢሰያስ ዘተ ከም ድኻም ስለ ዝቖጽሮ፡ ዝኾነ ይዅን ናይ ዘተ እንፈታት ክርግጥ ድሕር ኣይብልን’ዩ፡፡ ሕዝቢ ኤርትራ ጠለባቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘተግብረሉ ትካላት ይዅን ባይታ ንከይፍጠሩ ደይመደይ ኢሉ ኣቐድሙ ዝምልዕስ ሕሱም ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሰለማዊ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ መሰላቱ ክሓትት ብቕዓትን ሓይልን ዘለዎ መንእሰይ ኣብ ጕዱድ ዕስርክና ብምጽማድ፡ ኣብ ወታደራዊ መሸንቖቛ የእትይዎ ስለ ዝርከብ፡ ሕዝቢ ኤርትራ ኵሉ ዓይነይ ኣገባብ ተጠቒሙ ነብሱ ካብ መጥቕዓቲ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ክከላኸል መሰሉ ሙዃኑ ንኣምን፡፡ እቲ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ከም ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሰራዊት ሕዝቢ ሙዃኑ ብመትከል ስለ እንኣምን፡ እዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ጎኑ ሕዝቡ ደው ኢሉ፡ ኣብ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ጕቡኡ ክዋጻእ ስ.መ.ኤ.ለ ዘይሕለል ጻዕሪ ከካይድ ኢዩ፡፡

9.    ብዙሑነት

ኤርትራ ሃገርና ብዝተፈላለዩ ብሔርን፡ ባህልን፡ ሃይማኖትን፡ ቋንቋን ፡ጽባቐ-ምድሪ ዝወቐበት ሃገር ኢያ፡፡ ምንቕስቓስና ነዚ ጽባቐ እዚ ከንጸባርቕ ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ኢዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ኣብ መስርሕ ዝውለድ ኣብ ምትእምማንን ጕሉጹነት ዝተሞርከሰ ጥምረት ድኣ እምበር ብምዅሑሓል ዝቐርብ ቐልዓለማዊ ክኸውን የብሉን፡፡ ስ.መ.ኤ.ለ ንዅሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓቍፉ ክኸይድ ኣለዎ ዝብል መትከላዊ እምነቱ’ዩ፡፡

10.     መንገዲ ንሱሉጥ ዓወት
ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣሰራርሑ ከመዓራርን፡ ሕዝብን ሃገርን ብሕግን ቅዋምን ከመሓድር ዝኣክል ግዜ ተዋሂብዎ ከብቕዕ መንገዱ ከቕንዕ ከምዘይከኣለ ካቡኡ ሓሊፉ እውን ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቖላ ዝዓይነቱ ቀይደ-በተኽ ዕንደሩኡን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቐት ብቃልዕ ይቕጽሎ ኣሎ፡፡ ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ “ በቃ ይኣክል” ኢሉ ኣብ ሓደ ብምስማር ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ንምእላይ ሳቦያ ኢሉ ዝለዓለሉ ወቕቲ’ዩ፡፡ ነዚ መብጽዓ ሕዝቢ ጠሊሙ ዝሃልል ዘሎ ገባቲ ስርዓት፡ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክኣልዮ ዓቕምን ብቕዓትን ከም ዘለዎ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን፡፡ ስ.መ.ኤ.ለ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ክዕወት እንተኾይኑ፡ እዞም ዝስዕቦ ነጥብታት ፈለማ ከም ዕላማ ክህርሙ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን፡፡
ሀ. ሱር-ነቐል ዝኾነ ጥርናፈ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ምስልሳል
ለ.  ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብሓያልት መንግስታት ዓለም ዝግብር ጸቕጢ ንቐጻልነቱ ምስራሕ
ሐ. ሰራዊት ኤርትራ ጎኑ ሕዝቢ ሒዙ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ደው ክብል ምጕስጓስን ምብርታዕን
መ. ፓለቲካውያን ውድባት ይዅና ሰልፍታት ከምእውን በርጌሳዊያን ማሕበራት ሕዝብና ሃገርን ናይ ምድሓን ተልእኾ ቀዳምነት ሰሪዔን፡ ፍልልያትን ብምጽባብ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ደው ክብላ ምጽዋዕ፡፡
ብርግጽ ክንዕወት ኢና
ንሕና ናይ ሕዝቢ ሕዝቢ ናትና
መብጽዓ ሰማእታትና ብቃልስና ክረጋገጽ ኢዩ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ( ስ.መ.ኤ.ለ)
መስከረም/ 2011
እዚ ንድፊ ራኢ   መንእሰይ ኤርትራ ክሳብ ኣብ ጕባኤ ኣትዩ ዕላውን ሕጋውነትን ዝለብስ ከም መበገሲ ክንጥቐመሉ ዝተነድፈ ሙዃኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT