Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ስጋ ሰብ በሊዑ ደም ሰብ ስለዘጉስዕ፡ ትናዚዙ’ውን ኣይጸድቅን’ዩ

ማዕከናት ዜና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምፍጻም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምርኻቡ ብምጥቃስ፡ “እቶም ‘ከነጥፍኣኩም ኢና፡ ኣይንፈትወኩምን ኢና’ ዝብሉና  ዝነበሩ ጸላእትና፡ ጽንዓትናን ሓቅነትናን

ማዕከናት ዜና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምፍጻም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምርኻቡ ብምጥቃስ፡ “እቶም ‘ከነጥፍኣኩም ኢና፡ ኣይንፈትወኩምን ኢና’ ዝብሉና  ዝነበሩ ጸላእትና፡ ጽንዓትናን ሓቅነትናን ስለዝሰዓረ፡ ‘በጃኹም ተዓራረኹና ፍተዉና’ ይብሉና ኣለው” ብምባል ዋጥየንን ኣቃጪጨንን። እንተኾነ “ንዓይ ነንጭዋ’ዶ ኣብ ለቆታ” ከምዝብሃል፡ መርገጽን ሜላን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ሃገራት ዝምስርቶ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባውን ወተሃደራውን መዳያት፡ ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ’ውን ዘይቅየር ፖሊሲ ኮይኑ፡ ምስ ሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓጺር  ወይ ኣብ ርሑቅ ረብሓ ዘይርኽበሉ ቀያሕ ሳንቲም ከምዘይህብን ንኸንቱ ከምዘይደክምን ምስጢር ኣይኮነን። መንግስቲ ኣመሪካ ብኹሉ መምዘኒታት ንሃገር ዘርብሕ እንተኾይኑ፡ ንውልቀ መለኽትን ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰልን መራሕቲ፡ ይሕብሕብ፡ ይውድስ፡ ይከላኸል ወይ ድማ ንኣውያት ውጹዓት ሰሚዑ ከዘይሰምዐ ርእዩ ከዘይርኣየ ስቅታ ይመርጽ። ንኣብነት ርሑቅ ከይከድና ኣብ 50ታት፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንመሰል ህዝብና ረጊጹ ኤርትራ ብሓይሊ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር እንከላ፡ ቀዳመይቲ ጠጃኢት ናይቲ ተንኮልን ተዋሳኢት ናይቲ ጎበጣን ኣመሪካ’ያ ነይራ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምትሕልላኽ ትፈጥርን ፍትሓዊ መርገጺ ዘይትወስድን ሃገር’ያ። ኣመሪካ ኣንጻር መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ስለዝበለት ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ንገበናቱ  መሕብእን ካብ ሓቂ ክሕክልን ኣይግባእን’ዩ። ሎሚ ልዕሊ ስቅታ ኣመሪካ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ስለዝዓዝዝ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ኣንጻር ኣመሪካ ወይ ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ምስ ኣመሪካ ብረብሓ ምስ ዝወዳደራ ሩስያ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን፡ “መንግስቲ ኤርትራ ረጋጺ ሰብኣዊ መሰል’ዩ” ኢለን ስለዘይኮነናን ወይ ድምጸን ስለዝዓቀባን፡ ህግደፍ ገበን ከምዘይብሉ ክጅሃረሉ ይፍትን። ሎሚ ወይ ጽባሕ ኣመሪካ ምስ ስርዓት ህግደፍ ሕግብግብ እንተበለት፡ ነቲ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዘለዎ ረብሓታት ንምኽሳብን ቀዳምነታታ ስለዝዓጣን እምበር ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ከምዘይተቀየር ትስሕቶ ኣይኮነትን። ወይ’ውን ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ከምዘይፍውሶ ኣይጠፍኣን።

ምስ ውጥም ቅልቅል ኣመሪካን ካልኦት ሰብ ዋኒንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባናን ክንጸር ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘቋስል፡ ንዕምሪ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ዘናውሕ፡ ንጸጋታትና ዝጉሕጉሕ፡ ንባህርያዊ ሃብትና ዝብክልን ንመንነትናን ክብርናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን’ዩ። ንስርዓት ህግደፍ፡ ገበነኛ ወይ ፍትሓዊ ስርዓት ምዃኑ እንኮ ዝፈርዶን ዝፈልጦን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ቁጠባዊ ድኽነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸገማቱ ብዓውታ ጥርዓኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ  ኣዎንታውን ፍትሓውን ግብረ መልሲ ክህብ ሞራላዊ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎ፡ ብዓል ጉዳይ እንከሎ መተካእታ ድሌትን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ግን ኣይግብኦን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክጭፍጨፍን ክርገጽን እንከሎ’ውን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ብሰብኣዊ መሰል ይሕለቅ’የ ትብል ኣመሪካን፡ ተባዕ ስጉምቲ ኣይተወሰደን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተፈንፈነ ጨካን ስርዓት ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ፡ ወትሩ ካብቲ መሰረታዊ ጉዳያት ብምህዳም፡ ኣብ ጓል መንገዲ ዕንክሊል ክብልን ማሕበረሰብ ዓለም ከደናግርን’ዩ ከይደቀሰ ዝሓድር። ህግደፍ እተን ፈጺመን ክልዓላ ዘይደልየን ሕቶታት፡ ማለት ኣብ ኤርትራ፡ ህላወ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ምምቅራሕ ስልጣንን፡ ብግቡእን ብድፍረትን ምስዝምለስ ጥራሕ’ዩ ንጽህናኡን ውርዙይነቱን ዝልካዕ። ስርዓት ህግደፍ ዋላ’ኳ ብህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት እንተኾነ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ግን ዝብኢ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጹፉለይ ክብል ዓይኑ ኣይሓስን’ዩ። ማሕበረ ሰብ ዓለምን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም ብዝጥዕመንን ምስ ረብሓታተን ኣተኣሳሲረን ክገልጽኦ ይኽእላን ምስቲ ስርዓት ኮሸምሸም ክብላን ይኽእላ’የን። እቲ ወናኒ ጉዳዩ ብዛዕባ ቃንዛን ራህዋን ዘስተማቅር ግን ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ኣካል የለን። ንኣብነት መንግስቲ ካናዳ፡ ስርዓት ህግደፍ ግሉጽነት ዘይብሉን መጻዪ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኑን እናፈለጠ፡ ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራ ኣዋፊሩ ሃብቲ ይግሕጥን ብስም ቁጠባዊ ሽርክነት ይመሓዞን ኣሎ። መንግስቲ ካናዳ ረብሓታቱ ስለዘገድሶ’ምበር ሕቶ ዲሞክራስን ልምዓትን ናይ ህላወ’ምበር ናይ ምርጫ ሕቶ ከምዘይኮነ ይግንዘብ’ዩ።

ስለዚ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ውልቀ መለኽቲ ስርዓት ህግደፍ ሰላምታ ክጨባበጥን ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክዘራረብን እንከሎ፡ መላኺ ኢሳያስ ንጡፍ ማሓዮምክኾኖ፡ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት፡ ኣብ ስደት ክከላበትን ዕድል ምሃብ እምበር፡ ፍታሕ ዘምጽእን ትርጉም ዘለዎን ኣይኮነን። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ፡ ብጸቅጢ ኣመሪካ፡ መዋጽኦ ምስ ስኣነን ንኸምስልን ጥምዓዊ ወይ ጽገናዊ ለውጥታት ክገብር ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ቅዋም ከምዘየድሊ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ውድብ ወይ ማሕበር ንኤርትራ ዝውክል ከምዘየለ፡ ኩሉ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ሃገራዊ ከምዘይቁጸርን ህዝቢ ኤርትራ ፈትዩ ጸሊኡ ህግደፍ ዝበሎን ሰጥለበጥ ኢሉ ክግዛእ ከምዘለዎን ብተደጋጋሚ ገሊጹ’ዩ። እቲ ክጎስሞን ክውሕጦን ከም ዕረ ዝጉምድዶ ሓቂ፡ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ክስደድ ምኽንያት እናኾነ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናኣሳቀየ፡ ንብረት ሃገር እናዘመተን እናዘረወን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰውኣሉን ዝደኸመሉን ናጽነት ጨውዩ ህዝቢ ዝረግጽ ዘሎ መንሽሮ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቂ ስደት፡ ምቅጻል ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምንዳፍ ቅዋምን፡ ምስ ምሕንጻጽ ዶብን እገዳን’ዩ ዘተኣሳስሮ። እቲ ክውንነት ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ዘይዓግብ ናይ ስልጣን ሸውሃት ንምርዋይ ዝፈጥሮ ምስምስ’ዩ። ንኣብነት ብፍልስፍና ህግደፍ፡ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኻልእ መደባት ዕንቅፋት እንተዝኸውን ነይሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብሃገርን ብከባብን ደረጃ ምርጫን ካልእ ንቡር ንጥፈታትን ኣይመካየደን ነይሩ ማለት’ዩ። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጋዊ መዕለቢ ረኺቡን ባድመ ናብ ኤርትራ እንተትውሃብን’ውን፡ ስርዓት ህግደፍ እዚ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ሜላታትን ዕንደራን ከቋርጾ ማለት ዘበት’ዩ። ምኽንያቱ ሓቀኛ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ምስ ሕቶ ባድመን ዶብን ዘራኽብ የብሉን። ስርዓት ህግደፍ፡ ስጋ ሰብ በሊዑ ደም ሰብ ዘጉስዕን ብሕሰም ካልኦት ዝድሰትን ፍጡር ስለዝኾነ፡ ትናዚዙን ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተጸጊዑን፡ ክሳብ ብህዝቢ ኤርትራ ተደፊኡ ናብ ገደል ዝጸድፍ፡ እታ ምስኡ ዝተፈጥረት ግናይ ኣመል ኣይክገድፋን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 26 ሚያዝያ 2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • sami April 27, 2018

    Tsilal, if there was a competition of fake writings and fake festivals then you would be winning all the trophies for your fake empty writings and fake Eritrea (fascist Italian manufactured bambulla/doll) would be winning all the festivals of fake guaillas. Indeed, as we all know from personal experiences there is no such thing as a permanent enemy or permanent friend but permanent interest, Similarly, with America, Russia or China, would only be after their interests, what’s new here??? Believe it or not, our freaking life long enemies of our Christian Habesha people are the savage evil muslim barbarian Arabs and their poisonous cancerous korakur muslims and their deQalu riffraffat.

    • sami April 27, 2018

      addition: America, Russia or China would also be after their ‘national’ interests. Period.

    • k.tewolde April 27, 2018

      Which monastery did you get canonized deacon sami?I want to know who is the christian version of Bin laden who radicalized you,don’t tell me in adi halo? that is not a monastery,it is a five star luxury resort complete with its micro dam,members only!!….You have the kuzba to ridicule one of the prolific literary contributors to this medium.I was about to say something that will put you in a coma,however it wont bail out the Eritrean people from their misery,so it is not worth saying it…..Tsilal,keep pounding the beast.

  • Danilo April 27, 2018

    Brother k. tewolde, leave this màd dog Sami. You know why he is barking up. Purchase him some calming drops if you can.

  • Abraham April 28, 2018

    Its shame to kbow there are still some pockets of apologists like Sami. Oh, may the Lord have mercy on such sycophant creatures who has to live a life against their conciences for crumbs of bread, Even they don’t cost pfdj that much. B/c they are ass-lickers.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply