Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ

ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ                     ታደሰ ኪዳነ       (በርሚንግሃም)      08/01/2017 ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ስኑ ነኺሱ ክቃለስን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ክኸፍልን ከሎ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንመግዛእታዊ ሰራዊትን ኩሉ ናይ ጭቆናን ዓፈናን መሓውራቱ በታቲኹ፡ ደቃ እትጥርንፍ፡

ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ

                    ታደሰ ኪዳነ       (በርሚንግሃም)      08/01/2017

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ስኑ ነኺሱ ክቃለስን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ክኸፍልን ከሎ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንመግዛእታዊ ሰራዊትን ኩሉ ናይ ጭቆናን ዓፈናን መሓውራቱ በታቲኹ፡ ደቃ እትጥርንፍ፡ ስደተኛ ዝምለሰላ፡ ፋሕ – ፋሕ ዝበሉ ዜጋታታ ተመሊሶም ዝተኣኻኸቡላ፡ ውሉድ ምስ ወላዲኡ ዝተሓቛቖፈላ፡ ዓበይትን ናእሽቱን ዝከባበሩላ፡ ዝባደሙ ኣግራብን ዝጸነቱ እንስሳታትን ዳግም ዝምለሱላ፡ ኤርትራ እትበሃል ብልጽግትን ርሕስትን ሃገር ክትህልዎ ብልቢ ስለ ዝተመነየ ጥራይ ኢዩ። ምእንቲ`ዚ ከኣ ኢዩ፡ ጨቐቕ ኢሉ ዘዕበዮም ደቁን – ላዕልን ታሕትን ኢሉ ዘጥረዮ ንብረትን ከይበቐቐ ንሰውርኡ ወፍዩ። ሓቢሩን ብሓደ ድምጽን ስለ ዝመከተ ድማ ኢዩ፡ ንካብኡ ዝዓብዩን፡ ሰብ ብዙሕ ዓቕምን ትሕዝቶን ስዒሩ፡ ነጻ ሃገር ከም ትህልዎ ዝገበረ።

መግዛእቲ ተባሪሩ፡ እቶም ኩለንትንኡ ጸንቂቁ ዝሓብሓቦም ደቁ በትረ – ስልጣን ምስ ሓዙ ግን፡ ኮር ተገምጠል ኮይኑ፡ ካብቲ ትማሊ ክኣልይዎ ዝተቓለስዎ መግዛእታዊ ናይ ጭቆናን ዓፈናን መሓውራት ንላዕሊ፡ ኣብ ማእገሩ ተሰቒሎም፡ ኣብ ዓንቀሩ ተሽኺሎም፡ ኣብ ምድሪ – ቤቱ እሾኽ ዘሪኦም፡ ናብ ዘይልወጥ ዕረ – ናብ ዘይርገጽ ጓህሪ ተቐይሮም የሳቕይዎ ኣለዉ። ድሕሪ ገለ ስቓይ ተመሊስካ ራህዋን ጥዕናን ትረኽበሉ እንተ ዝኸውን`ውን ኣይምኸፍአን። ነቲ ኩነታት ዝያዳ ሕማቕ ዝገብሮ፡ ካብ ስቓይን ጭውያን፡ ካብ ዓፈናን ጭቆና ሓሊፋ – ሃገርና ናብ ብርሰት ተሰጋጊራ ምህላዋ ኢዩ።

ሎሚ ኤርትራዊ ወለዶ ይበርስ ኣሎ። ኤርትራዊ ሰብ ተበቲኑ፡ ክቡር ባህሊ ኤርትራ ተበሪዙ ይጠፍእ ኣሎ። ኣግራብና በሪሱ፡ ልሙዕ ሓመድና ተባሕጒጉ፡ ጥሪትና ጠፊአን፡ ሃብትን ገንዘብን ኤርትራዊ ንጓኖትን ነጋዶ ደቂ-ሰብን ይዝሮ ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና፡ እታ ትማሊ ምእንትኣ ዝሞትናን ዝሰንከልናን ሃገርና – ኣብ ቅድሚ ዓይንና ትበርስ ኣላ። ቀሊል ዘይኮነስ ኩለንተናዊ ብርሰት ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብርሰት ጸብጺብካን መጻሕፍቲ ቀሚርካን ዝውዳእ ኣይኮነን። ንኣዝዩ ውሑድ ካብኡ ግን ብኣዝዩ ምጡን ቃላት ትንክፍ ትንክፍ ኣቢልካዩ ምሕላፍ ዝከኣል እመስለኒ። ንሎሚ ድማ ብኣጋጣሚ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ካብ ብርሰትን ምብትታንን እንድሕነላ ዓመት ክትኮነልና እናተመነኹ፡ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል “ኤርትራን ብርሰት ደቃን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ቁሩብ ወስ ከብል ኢየ።

ኤርትራን ብርሰት ደቃን

ኤርትራዊ ወለዶ፡ ኣብ ዓዱን ርስቲ ኣባሓጎታቱን፡ ጤሳን ግብርን እናተማስሐ፡ ብናይ ነዊሕ ናይ ዘርኢ ሓረግ ንሓድሕዱ እናተዋሰበ ዝነብር ክቡር መለለዪ ባህሊ ዝውንን ህዝቢ ኢዩ። ዓመጽቲ መግዛእታዊ ሕግታትን ግዝይኡ ሓልዩ ዝመጽእ ባህርያዊ ደርቅን ብዙሕ እዋን ተፈታቲኖማ`ኳ እንተኾኑ፡ ናብ ብርሰት ገጹ ዘምርሓሉ እዋን ግን ፈጺሙ ኣይነበረን። ብሰንኪ ኲናትን ግዝያዊ ስደትን ዓያዪ ኤርትራዊ ጉልበት ኣብ ዝውሕደሉ እዋን`ውን እንተኾነ፡ ህዝቢ ካብን ናብን ናይ ምንቅስቓስ መሰል ስለ ዝነበሮ፡ ወርቁን ገለ ካብ ጥሪቱን ሸይጡ፡ ዝተረፋ ከብቱን ጠለ-በጊዕን ከፍሪ፡ ግራውቱ ሓሪሱ ምህርቱ ክሓፍስ ተሸጊሩ ኣይፈልጥን። ዝተወልደ ቆልዓ ክሳብ ዓቕመ ኣዳም /ዓቕመ ሀዋን ዝበጽሕ ምስ ወለዱ ዝጸንሓሉ እዋን ስለ ዝነበረ`ውን፡ ብጽምዋ ትብላዕ ስድራ ኣይነበረትን ንምባል ዘየድፍር ኣይኮነን።

እቶም ክሳብ ዕለተ ናጽነት ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ዝመጹ ናይ ቃልሲ ብጾት ዝነበሩ፡ ድሕሪ ምብራር መግዛእቲ – ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ቆርበት ኣልዮም ብቕሉዕ ናብ ጎይቶት ዝተቐየሩ፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥሩ ጨካናት በትረ ስልጣን ምስ ጨበጡ ግን፡ ብእኡ ንብኡ ኢዮም ብርሰት ኤርትራዊ ሰብ ኣዊጆም።

ንብዙሓት- እዚ ንብርሰት ኤርትራዊ ወለዶ ዘንቀደ ፖሊሲ ህግደፍ፡ ድሕሪ ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ዝጀመረ ይመስሎም ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። ቀደም ዝተጠጅአን ድሕሪ ናጽነት ዝተጋህደን በታኒ ፖሊሲ ኢዩ። ነዚ መረጋገጺ እትኾነና ሓንቲ ኣብነት ካብ ብዙሕ ከቅርብ ኢየ።

ኣብ 1995 ዓ.ም (4 ዓመታት ድሕሪ`ቲ ናይ ናጽነት ፈንጠዝያ) ብስራሕ ምኽንያት፡ ምስ ገለ ብጾት፡ ናብታ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ እትርከብ ብመባእታ ሸኽ ኣልኣሚን እትፍለጥ ቤት- ትምህርቲ ንኸይድ። ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ምስ በጻሕና፡ ክልተ ንበይነን ፍልይ ኢለን ኮፍ ዝበላ ጎራዙት ተማሃሮ ከይደ ካብ ዝገበርኩዎ ዕላል ቆንጭለ ከቕርበልኩም።

ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ “ትምህርቲ ከመይ ኣሎ? . .  ንፉዓት ዲኽን? . . . ተማሂርክን እንታይ ክትኮና ትደልያ? . . . ገለ ካብ ዘቕረብኩለን ሕቶታት ነይሩ። ኣብ መጀምርታ፡ ንዓይ ዘሐጉስ ጽቡቕ መልሲ ኢየን ሂበናኒ። ቀጺለ ንዓይ ንምሕጓስ ዘይኮነስ፡ ሓቀኛ ስምዒተንን ድልየተንን ክገልጻለይ ምስ ሓተትኩወን ግን ፡ –

“ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾይንና፡ ናብዚ ቤት-ትምህርቲ ንመጽእ ንስድራና ከይነቐይም ጥራይ ኢና። ትምህርቲ . . ገለ . . ሳክት ኢዩ። ሓንቲ ኣይጠቕመካን ኢዩ። ንወጻኢ ጥራይ ኢና ክንከይድ ንደሊ . . ” በላኒ። ሕጂ`ውን ውሽጣዊ ስምዒተይ ሓቢአ – ክምስ እናበልኩ “ንወጻኢ ድኣ . . ከመይ ገይርክን ክትከዳ? . . ድሒረ ዘቅረብኩለን ሕቶ ኢዩ።

“እዚ ድኣ ቀሊል! . .” ድሕሪ ምባል፡ ካብ ወጻኢ ምስ ዝመጹ ኤርትራውያን ወይ ደቂ ወጻኢ ተመርዕየን ወይ ናይ ምድንጋር መርዓ ገይረን ንወጻኢ ክኸዳ ከም ዝደልያ ኢየን ገሊጸናለይ። . . .  “ተጣፊእና ንዕኦም ንሽውዶም። ሒዞሙና ንወጻኢ ከም ዝኸዱ ንገብር። ኣብኡ ምስ ከድና ከኣ ንጥልጎም . .”  በላኒ።

ፍረን ጻማን ናይቲ ዝሰንከልኩሉን ምልሙላት መንእሰያት ቀቢረሉ ዝኣተኹ ገድሊ ከስተማቕራን፡ ብታሪኽና ኮሪዐን ሃገር ክርከባናን ምስ እንጽበየን ጨላቕዕ ተማሃሮ ኢየ ዘዕልል ዝነበርኩ።

ኣብዚ ቃላተን ኣይኮነን ዘገድገስ፡ ዓቕሚ ሀዋን ዘይበጽሓ ደቂ 13/ 14 ዓመት ቆልዑ፡ ኣብቲ ዝመሃራሉ ቤት-ትምህርቲ ይኹን፡ ኣብቲ ተወሊደን ዝዓበያሉ ሃገር – ተስፋአን ዝተጸንቀቐ ምዃኑ ኢዩ። ኣብታ ሓጻር ናይ ትምህርቲ ዕድሜአን፡ ካብ ወጻኢ መጺኡ ብገንዘብ ዝጻፋዕ`ምበር፡ ምእንቲ ሃገር ተጋዲሉ ወይ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ ዝሓለፈሉ፡ ወይ ተስፋ ዘሕደረ ሰብ ኣይረኣያን። እዚ ድማ ፍሽለት ናይቲ ድሮ ተኣታትዩን ብቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ማሕዩር ተታሒዙ ዝነበረ ትምህርታዊ ፖሊሲን፡ ፍሽለት ማክሮ ፖሊሲ ኤርትራ ድማ ብዓቢኡን ኢዩ። ፍሽለት ኢልካ ምሕላፉ`ውን እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ናይ ብርሰት ፖሊሲ እንተበልኩዎ ንዕኡ ዝበቅዕ ኢዩ።

እነሆ ድማ ሎሚ፡ እቲ ቅድሚ 21 ዓመታት ካብ ናእሽቱ ተማሃሮ ዝሰማዕኩዎ ዘረባን ትምኒትን፡ ኤርትራዊ ናይ ትምህርቲ ተስፋ ዘይኮነስ – ናይ ምንባር ተስፋ ስኢኑ ይስደድ፡ ኣብ ጉዕዞ ይመውት ኣሎ። ኤርትራ ድማ ብርሰት ደቃ ትርኢ ኣላ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። እቶም ግዝያዊ መንግስቲ ዘቖሙ ልኡኻት ጥፍኣት፡ ብስእነት ገንዘብን ሓዳስ ሃገርን ኢዮም ዘመኽንዩ ዝነበሩ። ኣካይዶኦምን ዘረብኦምን ግን ፍጹም ዝቃዶ ኣይነበረን። ኩነታቶም ዝተዓዘበ ህዝቢ ድማ፡ ካብ ተወሳኺ ደምን ኲናትን፡ ካብ ካልእ ጥሜትን ድኽነትን ክሃድም ናብ ስደት ጠሚቱ። እቶም ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ከም ሱዳንን ሃገራት ኣዕራብን ዝዝንብዩን ንጉዕዞ ናጽነት ዝተሓጋገዙን ዝነበሩ ኣሕዋት`ውን ዝነበሮም ተስፋ ተጸንቂቑ፡ ገጾም ገምጢሎም ናብ ርሑቕ – ንሓዋሩ ዘይትምለሰሉ ስደት ጠሚቶም። ውሑዳት “ንግዝይኡ ኢዩ እምበር ክዕረ ኢዩ!” ኢሎም ኣብ ምህናጽ ሃገሮም እጃሞም ከበርክቱ ዓዶም ዝተመልሱ ዜጋታት ድማ፡ ካብቲ ዘይተጸበይዎ ናይ ጎይታን ጊላን – ናይ ግበር ኣይትግበር ዝምድናታት ንምህዳም፡ ዝነበሮም ክብርን ሃብትን ኣረኪቦም፡ ከም ሰረቕቲ – ጥራይ ኢዶም ምሉቕ ኢሎም ክወጹ ተገዲዶም። ኤርትራ ሃገርና ድማ ዝበልዓን ሕቆኡ ዝህባን`ምበር፡ ኣለኹዂ ዝብላ ሰብ ስኢና።

ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ሰብኣዊ ብርሰት ዝረኣየላ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ክነብረላ ዘይክእል ሃገር ኮይና ኣላ። እግሪ ዘውጽአ ቆልዓ መምሎቚ ቦታ እንተረኺቡ ወይ ኣሽሓት ከፊሉ `ሽርብ` ኢሉ ይጠፍእ። ዑናን ጤሳን ኣባሓጎታቱ ዝወርስ፡ ርስትን ግብርን ኣቦታቱ ዝሓርስ ወለዶ ጸንቂቑ ይወጽእ ኣሎ። ብሰንኩ ዝሓርሶ ዝሰኣነ ግራውቲ ቃዲሩ፡ ዝወርሶን ዝሰፍሮን ዝሰኣነ ኣባይቲ ተዓጽዩ ይርከብ። ደቆም ተበታቲኖም ዝጥውሮም ዝሰኣኑ ሽማግለታት ኣብ ዕጹው ኣባይቲ ክቑዝሙ ይሓድሩ ኣለዉ። ኤርትራ ባዲማ፡ ህዝባ ኣብ  ምሉእ ዓለም ተበቲኑ – ካልእ ዜግነትን መንነትን ሒዙ ኣማዕድዩ ይጥምታ ኣሎ። እቲ ዋሕዚ`ውን ገና ይቕጽል ኣሎ።

መዓስ እዚ ጥራይ። ኣብቲ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ፡ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ብሆሎኮስ ዝፍለጥ መቕዘፍቲ ደቂ-ሰብ ብዝመሳሰል መንገዲ፡ ብሃሩርን ጥሜትን ማሲኖም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሕዋት ብዙሓት ኢዮም። ከርሲ መሬት ኤርትራ`ውን ናብ መቕዘፍቲ ደቂ-ሰብ ካብ ዝቕየር ውሑድ ኣይገበረን። ኤርትራዊ ጥፍኣት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ህልቂት ኣብ ባሕሪ፡ ኤርትራዊ ስቓይ ኣብ ሰሃራን ኣብ ኢድ ዳዕሽን። ኩሉ – ብርሰት ኤርትራዊ ወለዶ ጥራይ ኢዩ ዝነግር። ኤርትራ ሃገርና ቆሪራ “እሔው !!” ትብል ኣላ።

ብሰንኪ`ቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥሩ ናይ ጭውያን መቕዘፍትን ጎይቶት፡ ክንደይ ዝኣክል ኤርትራዊ ዓዱን መረበቱን ገዲፉ ናብ ስደት ከም ዘምርሐ ብንጹር ንምፍላጥ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝደልዮን ዝምነዮን ግን፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝሓቐቑን ብቃጻ ዝጠፍኡን ዜጋታትና ተረሲዖም ክተርፉ፡ ሕሉፍ ታሪኽናን ክብርናን ሃሲሱ ዝነብር ኣይኮነን። መሬት ወጊሑ ብነጻ ክንኣቱን ክንወጽእን ምስ ከኣልና፡ ኩሉ ሰነዳት ገናጺልና ንጹር ቊጽሪ ናይቶም ዓዶምን መረበቶምን ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ ዜጋታትናን፡ ብጭውያን ኣብ ማእሰርትን ዝጠፍኡ ኣሕዋትናን ክንፈልጥ ዘጸግም ኣይመስለንን።

መጽናዕትና ብቐሊሉ ከረኻኽበሎም ዘይክእል ዜጋታትና እቶም ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ኣብ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከይኣተዉ፡ ካብ ከብቶምን ማሎምን ሸለው ኢሎም ዝጠፍኡ ዜጋታትናን፡ እቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እናነበሩ፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት ናይቲ ውድብ ከይተመዝገቡ፡ ንካልኣይ ወይ ሳልሳይ ስድት ዘምርሑ ዜጋታትና ጥራይ ኢዮም።

ሎሚ ዝተጻፈፈን ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸን ኣሃዛት`ኳ እንተ ዘይብልና፡ ሰብ ዘይብላ ዝባደመት ሃገር ገዲፍና ከም ዝመጻእና ግን፡ ነብሲ ወከፍና ክንግምግሞ ንኽእል እመስለኒ። ንድሕሪት ተመሊስና ንዘዝነበርናዮ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተመሊስና`ሞ ንጠምት። ካብ 1991 ዓ. ም ጀሚሮም፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ዝተመዝገቡን ዝተመረቑን መንእሰያት፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም ክሳብ ሕጂ ካብ ሃገር ዘይወጹ !! ካብ ቀድማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ሎሚ – ሳዋ ወሪዶም በብዓመቱ ካብ ዝተመረቑ መንእሰያት፡ ኣብተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ውሑዳት ኮለጃት ካብ ዝተመዝገቡን ዝተመረቁን ዜጋታት፡ ካብ ዕለተ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝተመዝገቡን ዝወድኡን ተማሃሮ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንግስታውን ብሕታውን ትካላት ንስራሕ ካብ ዝተመዝገቡ ዜጋታት . . . . መሳርሕትና፡ መማህርትና፡ ደቂ – ታዕሊምናን ደቂ ኣሃዱናን ዝነበሩ`ሞ ንዘክር !!!! ክንደይ ካባና ኢዮም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገር ተሪፎም ዘለው !! ብርግጽ ዝተረፉ ቁንጣሮ፡ ሃገር ገዲፍና ዝወጻእና ግን ኣሽሓት ኢና። እዚ ከኣ ኢዩ መርኣያ ናይቲ ንጹር ግን ከኣ ኩሉ ዝርድኦ ምስክር ብርሰት ኤርትራዊ ወለዶ። መሬት ምስ ወግሐ፡ ኣብ መቓብር ጨካናት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ንእንገብሮ መጽናዕቲ ብርሰት ኤርትራዊ ወለዶ ድማ መበገሲና ንሱ ኢዩ ክኸውን።

ህዝባዊ ግምባር ኮነ ንሱ ዝወለዶ ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ዝርዝር ኣስማት ይሕዝ ስለ ዝነበረ`ውን፡ ክንደይ ካብቶም ኣብ 1991 ዓ.ም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ`ሞ፡ ንካልኣይ ወይ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታትና፡ ሽዑ ዝነበረ መዛግብቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ህዝባዊ ግምባር ተወኪስካ ክፍለጥ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ኩሎም`ቶም በዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ትካላት ዝሓለፉ ዜጋታትና፡ ኣስማቶም ኣብ ሰነዳት ናይ ነብሲ-ወከፍ ትካል ስለ ዘሎ፡ ኣሃዛት ንምቕማር – ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ዘሎ ዝተጀለሐን ዝተበወዘን ሰነዳት መዓስከር ስደተኛታት ዘድልየና ኣይኮነን።

በዚ ኮነ በቲ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ኤርትራ ጎዲሉ፡ ዓያዪ ጎልበት ጠፊኡ ጥራይ ኣይኮነን። ስድራ-ቤታት ጸኒተን፡ ዝተርፈ ገዛ ዓጽዩ፡ ማዕጾ ዝኸፍት ዘይብሉ፡ ማይ-ቤት ብምሉኡ ወጺኡ ኢዩ። ገለ ክፋሉ ኣብ መንገዲ ጠፊኡ ዝተረፈ ድማ ዓዲ ቀይሩ፡ ካልእ ዜግነትን መንነትን ኣብ ምንዳይ ይርከብ። ህግደፍ ድማ ብርሰት ኤርትራዊ ሰብ ዘረጋገጸ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • hidat January 10, 2017

    Teclay ………..YEKENYELEY KIFITNO EYE

    • Teclay January 10, 2017

      ህድኣት
      ገንዘብኪ ። ቐሊል እዩ–ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ትኸተሊ–እታ ገጽ ምስ ከፈትክያ …1,.. ብ ኪ-ቦርድ ወይ ብ ኣንጨዋ (mouse) እናለቐምኪ ትጽሕፊ ….2,,ንዝጽሓፍክዮ ብየማናይ ሸነሕ ናይ mouse ምስ ጠወቕኪ select ዝብል መሪጽኪ ተጸልምዮ ….3,,እንደግና በየማናይ ሸነኽ ናይ ኣንጨዋ ትጥውቒ cut ወይ copy ዝብል ትመርጺ ….4,,ናብቲ ዝደልኽዮ, ናብነት ናይ ኣሰና ገጽ ትኸዲ እሞ ነታ ኣንጨዋ ናብታ ዝደልኽያ ቦታ ወሲድኪ paste ትብልያ —ወዲእኪ.
      ክምዚ ገርኪ ድማ ነዞም ኢትዮጵያ- ኣንድነት ዝብሉ ከም ብዓል ተኽላይ ሰላጣ ትገብርዮም ። ነዞም ዲሞክራሲ ዶ ቅዋም ዶ ዝብሉ ድማ ሓምሊ ትገብርዮም ማለት እዩ።
      ወድሓንኪ።

Post a Reply to hidat Cancel Reply