Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ሓላፋይ’ዩ፡ ታሪኽ ግን ነባሪ’ዩ

ኣብ ታሪኽ፡ መንግስታትን ውልቀሰባትን፡ ብኽቱር ስስዐን ቅርሕንትን ዓዊሮም፡ ንተቀናቀንቶም ንምጽላምን ህላወኦም ንምርግጋጽን፡ ሕልናን ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶታት ክነዝሑን ሓንጎል ሰብ ክምርዙን ተዓዚብና ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዘነውርን ሓጥያት ግን፡ ሰብ ሞያ፡

ኣብ ታሪኽ፡ መንግስታትን ውልቀሰባትን፡ ብኽቱር ስስዐን ቅርሕንትን ዓዊሮም፡ ንተቀናቀንቶም ንምጽላምን ህላወኦም ንምርግጋጽን፡ ሕልናን ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶታት ክነዝሑን ሓንጎል ሰብ ክምርዙን ተዓዚብና ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዘነውርን ሓጥያት ግን፡ ሰብ ሞያ፡ ንስ-ነምግባርን ክብርን ሞያኦም ረጊጾምን ሕብረተሰብ ዘሰከሞም ሞራላዊ ሕድሪ ጠሊሞምን፡ ኣንጻር ፍትሕን ህዝብን ደው ክብሉ እንከለዉ’ዩ። ጋዜጠኝነት ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ልዑል እጃም ዘለዎም ሞያታት’ዩ። ሓቀኛ ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ሕብረተሰብ፡ ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ምምሕልላፍ፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቢ ንፍትሒ ምጥባቅ፡ ሓድነትን ምክብባርን ህዝቢ ምሕላው፡ ዝተቀብረ ሓቂ ምቅላዕ፡ እሙንን ሓላፍነታውን ምዃን ከምኡ’ውን ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝሕግዝ፡ ዘዘናግዕን ዘተስፉን መደባት ምቅራብን’ዩ። ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ዋላ’ኳ፡ ኣብ መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን ዘይብሉ ዓምጸጽቲ ስርዓታት ሓቂ ንምዝራብ ፈታኒ ብድሆታት ዘጋጥሞ እንተኾነ፡ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ግን፡ ንሞያኦም ከየመራስሑን ብግዝያዊ ረብሓ ከይተታለሉን ብዋጋ ህይወቶም፡ ሓቅን ክውንነትን ከንጸባርቁ’ዮም ዝጽዕሩ። ኣብ ሃገርና’ውን፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ስለዝኣገዶን፡ ብዘይካ’ተ ንሱ ዝደልዮ ዝዛረባ ባዕሉ ዝውንነን ወይ ዝምውለን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ጋዜጠኛ ኮይንካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ከተንጸባርቅን ንስርዓት ህግደፍ ክትነቅፍን ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሓጺሩ፡ ሓቅን ስርዓት ህግደፍን፡ ዓይንን ሓመድን ስለዝኾና ሓቢረን ክነብራ ኣይክእላን’የን።

እቲ ክውንነት እዚ ስለዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ተዋፊርካ ወትሩ ሓቂ ከተንጸባርቅ ስለዘይትኽእል፡ ኣብ መንጎ ሓቀኛ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነትን፡ ህግደፍ ንምሕጓስ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ምርኻስን፡ ናይ ሕልናን ሞያን ቃልሲ ኢኻ ተካይድ። ወይ ድማ፡ ኣቡኡ ዘፍለጠ ሞያ ጋዜጠኝነት ክትገድፎ ኣለካ ማለት’ዩ። ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ክብሪ ሰብን ቅዋምን ዘይብለን ሃገራት፡ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብጉድለታትን ትምክሕትን ዝተነድቀ ስርዓት፡ ሓቂ ከተረጋግጽ ኢልካ ምህቃን ዕምርኻ ምሕጻርን ርእሰ ቅትለት ምፍጻምን’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገርና ዓንቢበን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ፈርዮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን፡ ብስርዓት ህግደፍ፡ እናተሃድኑ ግደ ማእሰርትን ስደትን ስለዝኾኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና ኣሽምባይ’ዶ ብግሁድ ሓሳቡ ክገልጽን ጉድለታት መንግስቲ ክእርምን፡ ዓው ኢሉ ምስ ጎረቤቱን መቅርቡን ክዛረብ’ውን ንጋዳ’ዩ። ብፈላላዪ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስወክፍ ስድራ፡ ዓዲ፡ ክፍሊ፡ ኣሃዱ፡ ከባቢ ገጠርን ከተማን፡ ቃርማታትን ናይ እዝንን ስለዝተዋፈሩ፡ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከይተለሊ፡ ኣብ ሓድሕድ ምትእምማን ከምዘይህሉ፡ ምጥርጣር ከምዝስዕርርን ኮይኑ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓሶትን ጃህራን ዘመተ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ዓወት ኣመዝጊበን ዓለም ዘርያትናን ኢሉ ዘቅርቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት መዋኣል መግዛእቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፈጸሞ ገበን፡ ዘስዓቦ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ስደት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ዘይምርግጋእን ብዙሕ ግምት ኣይሃቦን። እቲ ምንታይ፡ ካብ ግሉጽነት ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ሓቂ ይኹን ፍትሒ ምጽባይ፡ ካብ ብዕራይ ጸባ ምሕላብ ይቀልል። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ መዓልቲ ናጽነትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝምድበሉ እዋን ኣይኮነን ሓቂ ክዓብጥን ከሽካዕልልን ዝህቅን፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ጽልዋን ተፈላጥነትን ኣለዎም ንዝብሎም ሕልና ዘይብሎም ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን፡ ናይ መጓዓዝያ፡ መደቀሲ፡ መግቢ ይኹን ካልእ ወጻኢታት ከፊሉ፡ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ኣብ ዝተመርጸ ቦታታትን ምስ ናቱ ሰባት ብምርኻብን ዓቢ ባጀት ይስልዕን ካድራት የዋፍርን፡፡ እታ መንእሰያታ ብጥሜት፡ ግዱድ ዕስክርናን ራዕድን ናብ ስደት እናውሓዘ ትጽንቀቅ ዘላ ኤርትራ፡ መዓርን ጸባን ከምዝፈሳን ብዘይ ሓገዝ ናይ ደገ ብኽልተ እግራ ጠጠው ዝበለት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝኾነት ክገልጹ ይሕበሩ። ኣብ ቅድሚ ናይዞም መጋበርያ ህግደፍ ኮይኖም፡ ሚዛኑ ዝጎደሎ ሓበሬታ ዝህቡ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት፡ ገንዘብ እምበር ሓቅን ሰብኣውነትን ቦታ የብሉን። ብኣንጻር’ቲ እሩም ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት፡ ንሞያን ክብርን ጋዜጠኝነት ዘመራስሑን ካብ ካድራትን ፖለቲከኛታትን ስርዓት ህግደፍ ንላዕሊ፡ ካብቲ ስርዓት ዓስቢ ምጭምላቅ ሞያኦም ምቁሽሽ እናተቀበሉ ብብርዖም መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ሕሰም ህዝብና ዘናውሑን ፍትሒ ዝጥምዝዙን ኣይተሳእኑን። እቶም ንኽነብሩ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራን መጉልሒ ድምጽን ቀሪቦም፡ ዝተዋህቦም ጽሑፍ ከምዘለዎ ከንብቡ ጥራሕ’ዮም ዝኽእሉ። ነዞም ሰባት’ዚኦም ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ይነብሩ ስለዘለዉ፡ ሓቂ ዘይተዛረቡ ኢልካ ክትከሶም ጸገም’ዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ሓቂ ምዝራብ፡ ምእሳር፡ ምድስካል፡ ምቅታል፡ መቅጻዕቲ ስለዝጽበየካ። ንጽምብል መዓልቲ ናጽነት፡ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ስርዓት ህግደፍ ዓቀኑ ዝሓለፈ ሸፈነ ተዋሂብዎ፡ ብፍላይ እቲ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም፡ ፍትሕን ምዕባለን’ያ” ዝብል ንኽትሰምዖ ዝሕርክኸካ መግለጺታት፡ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ስለዝጻረር፡ ዓገብን ኣይፋልን ክትብል ትግደድ። ናይዚ ዓመት’ዚ መደረ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ትዕግስቲ ዝመልኦ’ዩ ነይሩ። ጃህራን ምዝላፍን ንጎረባብቲ ሃገራትን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣይነበሮም። ኣብ ኤርትራ ስማዊ ኣገልግሎት ኤለኽትሪክ ከምዘሎ ግን ዳግማይ ተኣሚኑ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ መልሓሶም ዘብልሑን ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳያት ሃለው ዝብሉን ሰባት ግን ነይሮም። ካብቲ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝቀረበ ብዙሕ ዳንኬራን ሸፈጥን ህግደፍ፡ ሓንቲ ፍጻመ ወስ ከብል። ብኣዳላዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ መድያ፡ ምስ “ጋዜጠኛ፡ ጽሓፍን ተማራማርን” ዝብሉ ቅጽላት ዝተዋህቦ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ዝሃቦ ቃለመጠይቅ፡ ንስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዘንዕቅ’ዩ። ዑመር ሸኽ፡ ካብቲ ብዙሕ ህውተታን ክውንነት ዘይምፍላጥን መግለጺታቱ፡ “ኤርትራ ንኸብዶም ዝተዓስቡ ቁንጣሮ መዋቃዕቲ እምበር ተቃወምቲ ዘይብላ ሃገር’ያ” ብምባል ኣዒንቲ ሰብ ኣንቁሩ። ኤርትራ ተቃወምቲ ዘይብላ ሃገር’ያ እንተተባሂላ፡ ብርግጽ ካልእ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ማለት’ዩ። ዑመር ሽኽ፡ ምናልባት ብስም ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብቲ መንእሰያት ህግደፍ፡ ህዝቦም ንምስላይን ነውራም ጎስጓስን ንምክያድ ዝስልጥኑሉን ቤት ትምህርቲ ብሞያ ሓሶትን ምጽላምን ስልጠና ካብ የማነ ማንኪ ምስክር ወረቀ ተቀቢልካ እንተኾይንካ ድማ፡ እታ ጋዜጠኛ ትብል ስም ንዓኻ ትምልከት ኣይኮነትን፡፡ ዑመር ሽኽ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ እስትራተጅያዊ ዞባ ስለእትርከብን ኣብ ከርሳ ጥንታዊ ቅርስታትን ስልጣነ ሰባትን ስለዘለዋን፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ከምዝጥምታኣን ኣንጻራ ሽርሕን ጸለመን ከምዘካይዳን ተንቲኑ። ሓታትን መላስን ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዱሊስ ጥንታዊት ስልጣነ ሰባት ከምዝነበረትን ንበጻሕትን ተመራመርትን ኣገዳሲ ተረኽቦ ከምዝኾነትን ኣይተረዳእንን። ንስለ ዘረባ “ኣብ ኤርትራ ወርቂ ተሓፊሱ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መስሕብ ብጻሕቲ’ዩ” እናተባህለ፡ ሃብቲ ኤርትራ ግን ኣብ ጁባ ውሑዳት ይኣቱን ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥሜትን ሕማምን ይማስንን’ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ጽምኡን ጥሜቱን ዘርውየሉ መግብን ማይን፡ ዝዕቆበላ ቤት፡ ሓሚሙ ዝፍወሰሉ ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ፍትሕን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልዮ ቀዳምነታት፡ እንታይነትን ኣገዳስነትን ኣዱሊስን ከባቢኣን ምፍላጥ ዘይኮነ፡ ምትካል ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ዓቢ ክፋል ህዝብና፡ ብኸመይ ናብ ሃገረ ተመሊሱ ሰላማዊ ናብራኡ ይመርሕን ብኽብረት ይነብርን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ጉዳያት፡ እቶም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ክፍትሑ ብርሃን ጸሓይ ክሪኡን፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ስድራቤቶምን ተነጺሎምን መጻኢ ህይወቶም ጸልሚቱን ጊላታት ኮይኖም ዘለዉን ኣሽሓት መንእሰያት ሰላማዊ ህይወቶም ክጅምሩ ምጽዓር’ዩ።

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ተቃውምቲ ከምዘለዉ ብዓውታ ኣይኣምንን ንመኣዲ ልዝብ’ውን ቦታ ኣይህብን። ኣብ ክንዲ ነቶም ንግዕዘይን ዓምጻጽን ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ዝተቃወሙን ንፍትሕን ናጽነትን ጠጠው ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ኣደዳ ሞት፡ ማእሰርትን ምብትታንን ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ምጥባቅን ቅኑዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን፡ ናይ ክሕደትን ንሞያ ጋዜጠኛ ዘቋሽሽን መልሲ ምሃብ ብገበን ዘሕትት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሓቂ ንምዝራብ ስርዓት ህግደፍ ዘየፍቅድ’ኳ እንተኾነ፡ ዑመር ሸኽ እቲ ኤምባሲ መድያ ዝሃበካ ምስሉይ ክብርን መዓርግን ወግዓውነት ክለብስን ሚዛን ክህልዎን፡ ናብቲ ኤርትራውያን ከም እንስሳ ተኣኪቦሙሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ እስራኤል ዝኣመሰላ ሃገራት ኬድካ መነባብሮ ኤርትራውያን ተዓዘብን ሞያዊ ሓላፍነትካ ኣመስክርን። ዕላማይ፡ ንዓኻ መልሲ ንምሃብን ንሕልኩስ ጠባያት ህግደፍ ንምእራምን ኣይኮነን። እታ ንጸልማት ብርሃን ኢላ ትማጎት መርፍእ ህግደፍ ስለዝተወጋእካ ብቀሊሉ ትሓዊ ኣይመስለንን። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተስፋ ምንባር ዝርሓቀቶምን ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያንን፡ “ጸጊቦምን ብወያነን ምዕራባውያን ሃገራትን ተታሊሎም” ኢሉ ከምዝጠቀኖም ኣይፈልጥካን ዝብል እምነት የብለይን። ናትካ መግለጺ ካብ ርእሲ ህግደፍ ብናትካ መልሓስ’ዩ ዝድገም ዘሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ፡ ንመደበር ተለቭዥን ኣልጀዚራን ቢቢስን፡ ዘይቅኑዕን ዝንቡዕን ሓበሬታ ከምዝዝርጋሓን ንፖለቲካዊ ረብሓ ብሃገራት ከምዝምወላን ገሊጽካ። ምስቲ ብልሕኻን ተሞኩሮኻን፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ከይኣለኻ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ መንገፍ ከተውጽእ ከምዘይትኽእል ኣይትስሕቶን ኢኻ። ክቡር ሞያ ጋዜጠኝነትን ብርዕኻን ሓቂ ንምምጓት እምበር፡ ልዕሊ’ቶም ብረት ዝዓጠቁ ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክትዝልፍን ንክውንነት ክትጥምዝዝን ኣየምሕረልካን’ዩ። ተስፋ እገብር ሓደ መዓልቲ እዛ ኣነ ዝጽሕፋ ዘለኹን ንስኻ ኣብ ኤምባሲ መድያ ዝገበርካዮ ቃለመጠይቅን ሒዝና፡ መን’ዩ ሓቀኛ ክንማጎት። ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል ዑመር ሸኽ ሕጂ’ውን ግዜ ኣለካ ናብ ልብኻ ክትምለስን ንሓቂ ጠጠው ክትብልን። ብጽሞና ኣስተውዕል ዑመር ሸኽ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነባሪ ኣይኮነን። ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ክጉሓፍ’ዩ። እቲ ንስኻ ትጽሕፎን ትዛረቦን ጸለኻ ግን ነባሪ’ዩ። ናብ ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ክሰጋገር’ዩ። ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ’ዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ስደትን ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍን ዘሎ ህዝብና ድማ፡ እዋን ምስርሃወ ክኽዕበካ’ዩ።

ወዮ ድኣ ስርዓት ህግደፍ ዘይስቆሮ ኮይኑ’ምበር፡ እዚ በብእዋኑ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ስለዝስኣነን ስለዝመረሮን እምበር ንስርዓት ህግደፍ ስለዘፍቅር ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ብትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ስለዝኾነ፡ በቲ ሓደ ኣብ ኤርትራ ሰላም ከምዘሎ እናተጃህረ፡ ግምጥል ኢሉ ድማ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ “መንግስተይ ንምዕላውን ኣብ ኤርትራ ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን ተቃወምቲ የዕጥቃን የሰልጥናን ኣለዋ” ኢሉ ይኸስስ። ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፡ ብፍትሓዊ ሕጊ ዘይምእዘዝን ልዕልና ሕጊ ዘየኽብርን ስርዓት፡ መሰል ህዝቢ ከኽብር ኣይክእልን’ዩ። ሓሶትን ሓርጭን እናሓደረ ይፎኩስ ከምዝብሃል ግን፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ እቲ መሰረት ዘይብሉን ኣብ ግዝያዊ ረብሓ ዝተመርኮሰን ምስ ሓቂ ተላቲሙ ከምዝሓፍርን ከምዝስዓርን ፍሉጥ’ዩ። ብስነ ምግባርን ሞያን ጋዜጠኝነት፡ እቲ ንኸብዱ ክብል ዘዋቅዕን ምስ ጨፍላቂ ህዝብና ስርዓት ህግደፍ ዝጭፍር ዘሎ ዑመር ሸኽ እምበር፡ ኣብ ግዳም ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን፡ ራድዮታት ኣሰና፡ ወጋሕታ፡ ኤረናን ካልኦትን ኣይኮናን። እቶም ብዙሕ ውረድ ደይብ ሰጊሮምን ናብራ ስደት ተጻዊሮምን፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ሞያን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኝነት ኣኽቢሮም፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና ቃንዛኡን ሕሰሙን ዓለም ንኽፈልጦ በወለንታዊ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣናብስ እምበር፡ ካብ ውልቀ መላኺ ጉንዖ እናተቀበሉ ወስለትለት ኣይበሉን። ስርዓት ህግደፍ ሓላፋይ፡ ታሪኽ ግን ነባሪ ምዃኑ ኣጸቢቆም ስለዝፈልጡ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ውጹዕ ህዝቦም በጃ ክሓልፉን ብርዖም ቀለማ ክሳብ ትጽንቀቅ ንሓቂ ክቃለሱን’ዮም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 25 ግንቦት 2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Degoli May 26, 2018

    Have you heard Issaias’ speech? I was watching the recent speech of the new Ethiopian PM Abiy to young Ethiopians at Millennium Hall Addis Ababa this week.

    PM Abiy said, “the Saudis and the Gulf Arabs are asking to give us money and support that we never asked them for, what I had asked them was to treat our people fairly and free them from the Arab prisons.”

    Do you know how much Arabs respect to people who respect their own languages, identity, ancestors and heritage? The Ethiopians, Iranians, Turkish, Americans, British, Germans, Russians, Japanese, Chinese … all respect their own languages and identity; they never ever burned their own languages to replace it by alien identity nor are they self hating people, as a result every Arab leader and nation respects them.
    Clear your eyes now and tell me how the Arabs treat self-hating and language burning slaves and Abeeds such as Omar al Bashir, Issaias Afeworki and the worthless Jebha leaders with fossilized brains.
    If one does not respect who he is, his own languages, identity and millennial history, he lives in delusional hypocrisy all his life to become a copycat of his disrespectful masters.
    Issaias and the servant Jebha elites should have known long ago that an Arab comes to your house to belittle your languages, burn your identity, snatch your kidney, enslave your sister and sell you to slavery. Every Arab slave Abeed knows this fact, including Omar al Bashir and the bankrupt self haters and language burners. See them below bark to protect the honour of their masters. such is the fate of slaves who disown themselves.

    • k.tewolde May 26, 2018

      Are you dyslexic Dog? this is Tsilal’s speech or you don’t read Tigrigna. Who are you trying to reach? may be I can help reroute where you need to go.

  • Simon G. May 26, 2018

    ኣብ ኤርትራ ‘ኳ ጋዜጥኛ የሎን እንተበልኩ ድፍረት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ: ናይ ፕርፖጋንዳ መናፍሕ ጥራይ’ዩ ዘሎ። እንድሕር ጋዜጠኛ ‘የ ትብል ኴንካ: ናብዛ ስጅንካ!

    እቲ ጸገም ግን ኣብ ህግደፍ ኣይኮነን። የግዳስ: ‘ቶም ንሕና-ንሱ ዝብሉ ሰባት ብሓንጎሎም ዘይሓስቡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰበ-እንስ ሳታት ‘ዩ።
    ከም ሰቡ ኣምላኽ ሓንጎል ዝዓደሎ ሰብ ዶ በደዉ ይድንቁር ‘ዩ? ኣየውርድ!

    • k.tewolde May 26, 2018

      Simon G.
      MAY 26, 2018
      “ኣብ ኤርትራ ‘ኳ ጋዜጥኛ የሎን እንተበልኩ ድፍረት ኣይኮነን።”……..spot on Simon,there isn’t,they are all locked up or in exile,all we have in there is advertising,uninterrupted lousy commercials,amateur photo shopping and murals plenty of them all geared to promote the brutal regime and its icon.

  • Gezae May 26, 2018

    WHO ARE NOT TSELAL YOU ARE TSELUL. An umbrella was designed to protect people from both rain and shine; because as far I know umbrella comes from the Latin word “umbra” which means shade or shadow or protect from. But you are not near to an umbrella. You are insane, blowing from east to west and from south to north like a wind. AND as we all understand a wind is also no friend of the umbrella.

    • Gezae May 26, 2018

      Correction
      YOU ARE NOT TSELAL YOU ARE TSELUL. An umbrella was designed to protect people from both rain and shine; because as far I know umbrella comes from the Latin word “umbra” which means shade or shadow or protect from. But you are not near to an umbrella. You are insane, blowing from east to west and from south to north like a wind. AND as we all understand a wind is also no friend of the umbrella.

      • Danilo May 27, 2018

        Gezae, if you read picture have a meaningful observation. Reading an image is also not than expressing your interpretation. Leave aside the meaning of ” umbra ” and tray to understand what does means ” protection ” to our beloved Eritrea. From the shadow that created by your boss and you.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply