Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ጎደና ሽኩሽኳ – 3ይ ክፋል

ብመጀመሪያ ነዚ ኣዝዩ ንእሽቶ ጽሑፋዊ ኣበርክቶይ ግዜኦም ወፍዮም ዘንብብዎ ተኸታተልቲ ከመስግኖም እደሊ፡፡ ምንባብ ጥራይ ዘይኮነ ንዝረኣዮም ጉድለታት ብኹፉት ልቢ ንኽእርሞ ዘዘኻኽሩኒ፡ምኽሮም ዝልጉሱለይ፡ዘተባብዑኒ ብምዃኖም ደጊመ ብልቢ የመስግኖም፡፡ኣብ ዝሓለፈ ካልአይ ክፋል ጹሑፈይ ነቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣንጻር

ብመጀመሪያ ነዚ ኣዝዩ ንእሽቶ ጽሑፋዊ ኣበርክቶይ ግዜኦም ወፍዮም ዘንብብዎ ተኸታተልቲ ከመስግኖም እደሊ፡፡ ምንባብ ጥራይ ዘይኮነ ንዝረኣዮም ጉድለታት ብኹፉት ልቢ ንኽእርሞ ዘዘኻኽሩኒ፡ምኽሮም ዝልጉሱለይ፡ዘተባብዑኒ ብምዃኖም ደጊመ ብልቢ የመስግኖም፡፡ኣብ ዝሓለፈ ካልአይ ክፋል ጹሑፈይ ነቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣንጻር ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተገብረ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓቕመይ ንእሽቶ ካብቲ ብዙሕ ከቕርብ ፈቲነ ነይረ፡፡አብቲ ናይ ሓባር ኤርትራዊ ውራይ ዝተሳተፉ ተቓለስቲ ንዲምክራስያዊ ለውጢ ንኹሎም ብዝርዝር ብዘይ ምጥቃሰይ ውን ኣብ ግዚኡ እቕሬታ ኢለ አለኹ፡፡እቲ ምኽንያት ብትኽክል ዝተማለአ ዝርዝር ናይ ዝተሳተፉ ምንቅስቓሳት ክረክብ ዘይምኽኣለይ ጥራይ ኢዩ፡፡ደጊመ ነቶም ኣብቲ ሓያል ጻዕርን ትብዓትን ዝሓተተ ዝተወሃሃደ ስራሕ  ዝተሳተፉን ዝወደቡን ኣካላት ብምሉኦም ዝወሰድኩም ተባዕ ስጉምቲ ዘንተ እለት ክዝከር ክነብርዩ ክብሎም እደሊ፡፡ንኢሳይያስ ካብ ዘሰንበድዎ ሒደት ፍጻመታት ሓደ ምዃኑ ድማ ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡ብደሆ!ኣንጻር ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ጾት ንጾት በዓውታ ከነቃልሕ መድረኽ በጺሑ ኣሎ፡፡ድሮ ውን ከም መቐጸለታ እቲ ዝተወሃሃደ ስሙር ታቓውሞና ኣሽሓት ደለይቲ ለውጢ  ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ተቃለስቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ደጊሙ ዘባህረረ ዓቢ ሰላማዊ ሰለፊ ተኻይዱ ኣሎ፡፡‹‹ሰዓት ኣኺሉ ባቡር ነቒላ ሰላም ንኤረይ እናበለት ትሕንበብ ኣላ፡፡››ብዓውታ ተቓሊሑ፡፡ብርግጽ ሰዓት ኣኺሉ፡፡ኩልና  ዘዝዓቕምና ጸጸር ኣንጻር እዚ ንማንም ዘይውክል፡ ሕድሪ ሰማእታትና ዝጠለመ 20 ዓመታት ሃገርን ሃገራውነትን ዘባደመ ቶታሊተርያን ስርዓት ክንድርቢ ግዜ ባዕሉ የድህየና ኣሎ፡፡እቲ ርሑቕ ዝመስል ዝነበረ ቀረባ መዃኑ ብግብሪ ርኢናዮ ኣለና፡፡ንኺድ! ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ ብዓውታ ነቃልሕ!!!

       ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብሒደት ጥቅስታት ካብቶም ዓለምና ብመለኽትን ጨቖንትን ኣብ ጸሊም መዝገብ ዘስፈረቶም ፋሽሽታውያን መራሕቲ እየ ክጅምሮ፡፡እዞም ቶታሊተርያን መራሕቲ ክሳብ ክንደይ ጨካናት ርህራሀ ዝረሐቖም ምንባሮም ቃለ-ልሳኖም ንባዕሉ ምስክር ኢዩ፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብዞም ኣብ ጸሊም መዝገብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝሰፈሩ ስርዓታት እንታ’ዩ ዝፈልዮ ውን ኣነጺሩ ከርእየና ይኽእል ኢዩ፡፡

*ደቂ ሰባት ንኽነብሩ ጥራይ ምፍቃድ እኹል ዲሞክራሲ ኢዩ፡፡ካብኡ ንንየው ግን ዕሽነት’ዩ

ኣዶልፍ ሂትለር

*ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ከም ድሌቱ ንኽነብር እንተገዲፍካዮ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ነብሰ ቅትለት

ምፍጻም እዩ፡፡

          ናፖሊዮን

*ንደቂ ሰባት ምሉእ ናጽነትን ዲሞክራሲን ካብ ምሃብ ንግዜ ሓሪደ ኣብ ጎደናታት ሮማ

ክዝሕዝሖ እመርጽ፡፡

          ቬኑቶ ሞሶሊኒ

*ደቂ ሰባት ዲምክራሲ ኣይጸግቡን ኢዮም፡፡መጀመርያ ብንእሽቶ ቢያቲ ድሒሮም ብዓቢ

ዘንቢል ስለ ዝሐቱ፡፡

ኢድኣሚን ዳዳ

*ደቂ ሰባት መገዲ ዲሞክራሲ እንተርኢኻዮም መጀመርያ ንመንግስትኻ ቀጺሎም ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝፈታተኑ ኣይትዘንግዕ፡፡

ጆሴፍ ስታሊን

እዚ ንብሕታዊ ናጽነትን መሰላትን ደቂ ሰባት ፍጹም ዝግህስን ኣትሒቱ ዝርእን ትምክሕታዊ ኣባሃህላታት ኣብዚ ዘለናዩ ምዕቡል እዋን መበል 21 ክፍለ ዘመን ፍጹም ኣይሰርሕን’ዩ፡፡ እቲ ምንታይ ድምጺ ህዝቢ ንሸምብቆ መዳፍዕ መለኽቲ ዝጉዕጽጸሉ ግዜ ስለ ዘለና፡፡ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዝያት እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይኹን ኢትዮጵያውያን ጸሊም ታሪኽ ዝገደፈ መራሒ ስርዓት ደርግ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም ሓደ ዘስደምም ዘረባ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ፋሽሽታዊ መራሒ ስርዓት ደርግ ብፍላይ ኣብ ኤርትራውያን ፍጹም ዘይሃስስ ስንብራት ዝገደፈ ስርዓት ኢዩ፡፡ጥኑሳት ኣዴታት ብብልሒ ሳንጃ ዝተሳሃለ፡ኣጥባት ኣሓትና ዝቖረጸ፡ ዜጋታትና ብስልኪ ዝሓነቐን ብሰንሰለት ታንክ ዝጨፍለቐን ብምዃኑ፡ካብ ዝኽርታትና ዝሃስስ ኣይኮነን፡፡እቲ ዝገርም መንግስቱ‹‹ኣነ ሃገራዊ እምበር መላኽን ፋሽሽታዊን ኣይነበርኩን፡፡››ክብል’ዩ ተሰሚዑ፡፡ ቀጺሉ ውን ‹‹መለኽቲ ዝበሃሉ ከም መራሒ ሊብያ ሙዓመር ቃዛፊ ዝኣመሰሉ ሰባት ኢዮም፡፡ኣብ ገለ እዋን ንሃገረ ልብያ ኣብ ዝበጻሕኩሉ ንሕልናይ ዝተንከፈ ነውራም ስነምግባር እየ ተዓዚበ፡፡ ንመራሒ ሊብያ መዓመር ቀዛፊ ዝብላዕ ዝስተ ዘቕርቡሉ ሰባት ተወለድቲ ርሑቕ ምብራቕ ኮይኖም ተምበሪኪኾም ብፍሑኽ ፍሑኽ ኢዮም ዘኣንግድዎ፡፡››ክብል ተዛሪቡ፡፡ ኣዝዩ ዝገርም ኢዩ፡፡ ነገር መለኽቲ ሚስጢራቶም እንክቅላዕ ዘይትሰምዖ የብልካን፡፡ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ብስርዓት ደርግ ‹‹ወንድም›› ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቀዛፊ፡ኣብ ነጻ ኤርትራ ‹‹ሓው›› ትኽ ትንፋስ ዓርኪ ኢሳይያስ ምዃኑ ኢዩ፡፡ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ዝበሃል ከምዚ’ዩ፡፡

ሎሚ ሓደ ካብቶም መወልትን ጎይቶትን ኢሳይያስ ዝኾነ መላኺ ስርዓት ብሓይሊ ህዝቢ ሃደሽደሽ ኢሉ ፈሪሱ ኣሰራቱ ጠፊኡ ኣሎ፡፡እዚ ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት ዕርበቱ ንሰላማውያን ህዝቢ ብነፈርቲ ዝተሳህለ ስርዓት ሓደ ነገር ንኽንመሃር ቀሲቡና ኣሎ፡፡ብመንጽሩ ድማ ሓይሊ ህዝቢ ፍጹም ዓጋቲ ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹልና፡፡ሙዓመር ቀዛፊ ብጭኩናት ደለይቲ ለውጢ ህዝቢ ልብያ ተሳዒሩ ደሙ ደመ ከልቢ ኮይኑ ተዃዕዩ፡ ሬስኡ ኣብ ጎደናታት ልብያ ተገቲቱ ርኢናዮ ኣለና፡፡ነገሩ ኣብኡ  ከይዓረፈ ናብቶም ደም ንጹሃን ዝጸየቖም ደቁ ውን ሰጊሩ ኣሰራቶም ፍጹም ኣብ ምጥፋእ ይርከቡ ኣለዉ፡፡እቲ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ዝትኩስ፡ንዜጋታት ብሕታዊ መሰላቶም መንዚዑ ማዕረ ጤለ-በጊዕ ቆጺሩ ዝሓርድን ዝቐትልን መጠረሽታ ፍርዱ ንሱ ኢዩ፡፡ደም ሰራምዩ፡፡

እዚ ኣብ ገለ እዋን ላዕለዋይ መራሒ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ቀጺሉ ንጉሰ ነገስታት ሃገራት ኣዕራብ፡ድሒሩ ጎይታ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኸውን ዘይክውንነታዊ ሕልሚ ዝሓለመ ቀዛፊ፡ ምስቲ ንቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝመርሕ ዘሎ ገባቲ ኢሳይያስ ዘመሳስለዎ ረቛሒታት ብዙሓት ኢዮም፡፡ክልቲኦም ሕሉፋት መለኽትን ጨቆንትን ኢዮም፡፡ንምቕታልን ምእሳርን ድሕር ዝብሉ ፍጡራት ኣይኮኑን፡፡ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን ክህሉ ፍጹም ኣይደልዩን ኢዮም፡፡ ብዝጨበጥዎ ኣኽል ታርፍ ናይ ምልኪ ስልጣኖም ከይዓገቡ ስልጣን ጎረባብቲ ሃገራት ዝምነዩ፡ህውከትን ዕግርግረን ንምልዓል ድሕር ዘይብሉ ኢዮም፡፡ዶብ ዝሓለፎ ስልጣን ኣብ ትሕቲ  ቁጽጽሮም ብመእታው ፕረሲደንት ልዕሊ ሕጊ’ዩ ዝብሉ ኢዮም፡፡እቲ ልዕሊ ዝኾነ ዘመሳስሎም ግን፡ዘይውርዙይ ገስረጥ ቃለ-ልሳኖም ኢዩ፡፡እቲ ካልእ ይጽናሓልና ንህዝቢ ምጽራፍን ምንሻውን ግን ነውርን ውጉዝን ኢዩ፡፡ቀዛፊ በዓውታ ንህዝቢ ኣናጹ ከብል መን ዘይሰመዖ፡፡ብመንጽሩ ኢሳይያስ ነቲ ምልኪ ህ.ግ.ደ.ፍ. መሊኡ ዝፈሰሶ’ሞ እግሩ ናብ ዝወሰዶ ብጅምላ ንስደት ዘምረሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ‹‹ቱሪስት›› ነቲ ብመቑነን ሓንቲ ባኒ ንመዓልቲ ዝተበየነሉ ህዘቢ ጥሜት የብሉን ‹‹ሓንቂቑ›› ክብል ብኣሽካዕላል ዓው ኢሉ ዳሕዲሕዎ ኢዩ፡፡ትጽቢት መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ግን ከምኡ ኣይነበረን፡፡

ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ መራሕቲ ሰሜን ኣፍሪቃ ነበር ብምንጽጻር ብርቂ ኣወዳድቡኡን ግናይ ሽርሕታቱን ኣዝዩ ሓደገኛን ተኣፋፍን ኢዩ፡፡ሽሕኳ መዋጽኦ ኣብዘይርከቦ ጎደናታት ሽኵሹኳ ተዘፊቑ እንተሃለወ፡ነቒሕና ክንከታተሎም ዝግባኣና ነገራት ከም ዘለዉ ግን ክዝንጋዕ የብሉን፡፡በትረ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ. ምሉእ ብምሉእ ዝመንዘዐ ኢሳይያስ ብቐጥታ ሕርያን ምልመላን ናቱ ኣብ ኣገደስትን ተኣፈፍትን ቦታታት ንዕኡ ዝመስሉ መጋበርያ ሰዂዑ ኢዩ፡፡እዞም ልክዕ ናቱ ኣምሳል ዝተላበሱ ደቂ ውሻጠ መጣፍእቲ ዕርበቱ መዃኖም ክንስሕቶ የብልናን፡፡ብዜካ’ዚኦም ረብሓ ዘስደዖም፡ዕሙት እምነት ዝጎልበቦም፡ኤርትራ ንሶም ጥራይ ዝሕልዉዋን ዝከላኸሉላን ዝመስሎም መጋበርያ ውን ኣለዉ፡፡ኢሳይያስ ክሳብ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብዘይ እኹል ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ምስኡ ካብ ዝዓበዩ ሰባት ፓይለታት ኣምሂሩ ኢዩ፡፡ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ገለ እዋን (sky teyror) ኢሎም ዝጽውዕዎም ዝነበሩ ኢዮም፡፡ገጢሙና ዘሎ ቶታሊተርያን ስርዓት ብወጃሃላይ ዝረአይ ኣይኮነን፡፡እዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ ግናይ ስርዓት’ዚ ክሳብ ንኣሽቱ ትሕቲ ዕድመ መናእሰያት ብመገዲ ማሕበር መንእሰያት ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ብሕመረትን መሪሕን ዝተወደቡ ስለያታት ዘዋፈረ ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ብመገዲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ውን ብስም ቁዱሳን መላእኽቲ ማሕበር ስላሴ፡ ገብርኤል፡ ማርያም፡ ኣቡነ-ኣረጋዊ ………… ዝተወደባ ኣዴታትና ኣሓትና ሒደት ኣይኮናን፡፡ኣብ ተሕቲ ሓንቲ ናይ ንኡስ ዞባ ሓላፊት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ብኸምዚ ዝተሰርዓ  ኣስታት  ሓደሽሕ(1000) ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፡፡እዚኤን ቀጥታዊ ድጎማ ብማእከላይ ቤ/ጽ ህ.ግ.ደ.ፍ.ዝግበረለን ኢየን፡፡እተን ተሓኒነን፡ተቖኒነን፡ዙርያ ወድየን፡ ጭማራን ዋልታን ዓቲረን ክድብላን ክዘላን እንርእየን እዚኤን ኢየን፡፡መሳኪን ደቂ ገርሂ ልባ ድማ በዚ ዝተቀናበረ ድራማ ተታሊልና ክሳብ ንደክም ነጣቕዕ፡ንዕልል፡ንዘልል፡፡ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ውን እቲ መስርሕ ገና እግርና ሱዳን ምስ ዓረፈ ኣስተብሂልናሉ ኢና፡፡ ብዜካ’ዚ ኣብ ውሽጢ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል እቲ ስራሕ ተመሳሳሊ ኢዩ፡፡እቲ እሙን ነቲ ዘይእሙን ይሕልዎ፡፡ማዕረ ደም ዝኽዕዉ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር እሙንን ዘይእሙንን ክበሃሉ ዘሕዝን’ዩ፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብታ ዝተሓተት ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ዝርከብ በዓል-ስልጣን ናይ ስለላ ሃሱሳት ዘርጊሑ ኢዩ፡፡ኣብኡ ከየብቀዐ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ፈቃቕ ዝፈጥር፡ሰብኣይን ሰበይትን ከይተኣማመኑ እናተሓላለዉ ከም ዝነብሩ ዝገብር፡ብወገን፡ ዓሌት፡ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ዓዲ…… ዘይነበረ ነቓዓት ፈጢሩ ፈላላይ መርዝታት ከም ዝንስንስ ክንነቕሓሉ ይግባኣና፡፡ግዜ ክእመን ዘይክል ነገራት ኣርእዩና ኢዩ፡፡ኣደ ደቆም ዘእስሩ፡ሰብኡተን ኣብ ዒራዒሮ እናሓቐቑ ነቲ ስርዓት ዘጣቕዓ፡ኣቦታቶም መቕርቦም ተሞቒሖም እቲ ስርዓት ይንበር ዝብሉ ብዙሕ ርኢና፡፡ ንልቦና እንተኾነና ሓንቲ ካበተን ገዲም ድምጻዊ ኣቦና ግርማይ ሰለሙን ምውቕ ምስበሎም ደጋጊሞም ካብ ዘዘውትሩወን ሕቡኣን ደርፍታት ከካፍለኩም፡፡

ሃገር ንደቂ ሃገር ማዕረ’ያ ትብጸሖም

ሃገር ንደቂ ሃገር ሓደ’ያ ትብጸሖም

ኣለዉ ስሱዓት ናይበይኖም ትመስሎም

ኣለዉ ዓያሹ ናይ ግሎም ትመስሎም

ህ.ግ.ደ.ፍ. ብርግጽ ከምዚኦም ሰባት ፍጢሩን ሰሪሑን ኢዩ፡፡ኣብ ርሑቕ ስደት ህይወቶምን ህይወት ቤተሰቦምን ኣቐሚጦም ትእዛዝ እግዚኣብሄር’ዩ ዝበሉ ዓበይቲ ወራዙት ማዕዶ ኣለዉ፡፡2% ከፊሎም ግነዖ ሓለፋ ነቲ ስርዓትሂቦም ዓዲ እንተበጽሑ ሓለፋ ዘለዎም ዝመሰሎም ለባማት ዓያሹ ኣለዉና፡፡ብቐዳምነት ንሕና ኤርትራውያን ሕልፊ ካልኦት ዝሰራሕናዮ ሓጥያት እንታይ ኢዩ?ካልኣይ ህ.ግ.ደ.ፍ. መላኺ’ዩ ምባል ኣንጻር ብርእዮ ዝፍጽሞም ኢሰብኣውያን ተግባራት ብትሪ ምቅዋም ንኤርትራውነትካ በኸመይ’ዩ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዎ? ን ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝደገፈ ኤርትራዊ ዝተቓወመ ድማ ብኣንጻሩ ፈልሲ ማሕበር ኣንድነት፡ ወያነ፡፡ዘሕዝን ግጉይ ስነ-ሓሳብ ኢዩ፡፡ኤርትራውንት እኮ ትማሊ በትረ ምልኪ-ስልጣን ዝጨበጠ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዕድሎ ሓለፋ ኣይኮነን፡፡ኤርትራውነት ብዘርእን ሓረግን ትውልድን ኢዩ፡፡ኣቡኣን ኣዲኣን ዝተኣስርዋ ክይሓንቀቐት ዘኽቲማ ዝዓበየት ማኣዛ ጴጥሮስ ሰለሙን ብኸመይ’ያ ነቲ ስርዓት ክትድግፎ? ተምሳል ማኣዛ በቲ ስርዓት ዝጸነታ ኤርትራውያን ስድራቤታት ከኣ ሒደት ኣይኮናን፡፡

ኣብ ቀዳማይን ካላኣይን ክፋላት እዚ ጽሑፍ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ መጠረሽታ ሰዓታት ውድቀቱ በጺሑ፡ኣብ መዋጽኦ ዘይርከቦ ጎደናታት ሽኵሹኳ ተሸሚሙ ከም ዝርከብ ኣንፊተ ኣለኹ፡፡ሎሚ እዚ ስርዓት’ዚ ክገብሮም ኣይክእልን ኢዩ ዝበሃሉ ነገራት ፍጹም የለዉን፡፡ድሮ ውን ጸላም ተጎልቢቡ ዕረቑና ኣብ ምባል በጺሑ ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ኢድ እሙናት ኣሕዋት ቀጠራውያን ኣትዩ ኣሎ፡፡ ዝተባህለ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ጫሌዳታት ከም ዝገበረ ላሕኩታቱ ተሰሚዑ ኣሎ፡፡ነባሪ ዕርቂ ነባሪ ሰላም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት መን ይጸልኦ፡፡ብርግጽ ውን ልዕሊ ዝኾነ ኲናትን ወረ ኲናትን ንዓና ንኤርትራውያን ዒፍ ኢሉና ኣሎ፡፡ኮይኑ ግን ዕርቂ ብዋጋ መን? ንረብሓ መን ከ? ቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ? ፍጹም ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጌጋታት ክድገም ኣይግበኦን፡፡ባህርያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነባሪ ሕዱር ሕማም ‹ኣመል ምስ መግነዝ ኢዩ›፡፡ሎሚ ዓበይቲ ተቓውሞታት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ወገን፡ጸቕጥን ተነጽሎን ማሕበር-ሰብ ዓለም ከቢድ መርዘን ፈጢሩሉ ምህላዉ ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ስም እዚ ስርዓት’ዚ ፍጹም ደብዚዙ ኢዩ፡፡ማዕረ እቶም ቀዲሞም ብማዕበል ህዝቢ ተጸሪጎም ኣብ ጸሊም መዝገብ ዝሰፈሩ ሕሉፋት ጨቆንቲ መምሃሪ ታሪኽ ክኸውን ኢዩ፡፡

የግዳስ ነዚ ኣብ ኣፋፌት ሞት ዝርከብ ቶታሊተርያን ስርዓት እንተስ ብፍላጥ ሓደው ብሃውሪ ትንፋስ ክሶኽዑሉ ዝደልዩ ወገናት ኣለዉ፡፡ሎሚ በዚ ፍጹም መላኽን ጨቋንን ስርዓት ዘይተተንከፈት ኤርትራዊት ስድራቤት የላን፡፡ምናልባት ሒደት ቁንጣሮ ቀዲሞም ዝነቕሑ መላእ ቤተሰቦም ንስደት ዘግዓዙ እንተዘይ ኮይኖም፡፡ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ወገን ብፍላይ መንእሰይ ዕድመ ልክዕ ናጽነት ተጨፍጪፉ ኣይ ትምህርቲ ኣይ ሓዳር ኮይኑ መጻኢኡ ጸልሚቱ ኢዩ፡፡ዓው ኢሎም ከእውዩ ርድኡና ክብሉ ግን ባህሪ እቲ ስርዓት ዘፍቅድ ኣይኮነን፡፡ንስንኩላን ናጽነት ብኣድራጋ ጠያይቲ ዝተሳህለ ነዚ ሓድሽ ወለዶ መልሱ መዳፍዕ ከም ዝኸውን ክንስሕቶ የብልናን፡፡በዚ መንጽር ኣተሓሕዛና ዕቱብን ጥንቁቕን’ዩ ክኸውን ዝግበኦ፡፡እቲ ውዱዕ ኩነታት ህዝብን ሃገርናን እዚ’ዩ፡፡ውሽጣዊ ኣውያት ወገናትና ኣለኹኻ ዝብል ሓው ሓፍቲ የድሂ ኣሎ፡፡ኣብ ፈቖድኡ ዝፈስስ ዘሎ ንጹህ ደም ዜጋታትና ኣብ ኣእዛን ሕድሕድና እጠርዕ ኣሎ፡፡ደም ከይነጥረካ ርሑቕ ስደት ሰፊርካ ብእንዳማትካ ኩርምቲ ሑጻ ምቑርጣም ግን ካብ ሕልናዊ ወቐሳ ኣይከናግፈናን ኢዩ፡፡ብዝበለየ ፈላላይ ሜላ ክንደናገር ኣይግባእን፡፡ንሃሉዶ ኣይንሃሉ ናብ ምባል ገጽና ነምርሕ ምህላውና ነስተባህለሉ፡፡

እዚ ጽሑፍ ቁሩብ ስለ ዝነወሐ ከሕጽሮ ክፍትን እየ፡፡ድሕሪ ዑደት ሃገረ ኡጋንዳን ጊንን ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ክልተ ዕሙራት ጓይላታት 03 ተዘይሞም ኢዮም፡፡እቲ ቀዳማይ ኢሳይያስ ፍሉይ መሎኮታዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ንምምሳል፡፡ማዕቀብ ተገይሩሉዶ ተኸልኪሉ ዝበሃል ሕጂ እንተ ኸልኪሎሞ ንርኢ፡፡ንሃገራት ምዕራብ ስለ ዝኣበዮም እምበር ዶብና ኣብ ሓደ መዓልቲ ምተሓንጸጸ፡፡ ብዙሕ ትምክሕታዊ ፈጠራታት ኢዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ምኽሳስ ንኣምነስት ኢንተር ናሽናል ኢዩ፡፡ኣምነስት ኢንተር ናሽናል ብግነዖ ኢትዮጲያ ሰዲዑ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ናዕቢ ከለዓዕል ይፍትን ኣሎ ዝበል’ዩ፡፡እዚ መዝሙር’ዚ ነዊሕ ዓመታት ተደጋጊሙ ኣሰልችዩና ኢዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ምስ B.B.C.ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰባት ብዘይ ሕጊ ብምስግጋር (human trafficking} ስራሓት እሰርሕ ኣሎ፡፡ ክብል ተዛሪቡ ኢዩ፡፡ቀጺሉ ውን ገለ ገለ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰለላ ልኡኻት ኢዮም ከብል ወሲኹ ኢዩ፡፡እዚ ግዳ ቀቀሊሉ ነቶም ኣስታት 65 ሽሕ ኤርትራውያ ሰደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኣምባሳደር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ስርዓት ግርማ አስመሮም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ክብል ክሒዱ ኢዩ፡፡ስመራ ናይቶም ኣብ ኣስመራ ዝተመስርሑ ናይ ሐሶት ጓይላታት ግን ኣብ ኒው ዮርክን ሎንደንን ኣይጸበቐን፡፡ኣይ ሰሙን ኣይ ክልተ ቅነ በርዒኖም፡፡ብዜካ እቶም ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓተቱ ቅሉዓት ተቃውሞታት ኣብ ውሽጢቲ ናትና’ዩ ዝበልዎ ኣዳራሽ ዝወረዱ ሕቶታት ውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦም ኣይነበሩን፡፡ሽሕኳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኰሓሒሉ ከም ዓወት ከቕርቦም እንተፈተነ ንዓቕሊ ኢሳይያስ ዝተፈታተኑ ምንባሮም ግን ርኢናዮም ኣለና፡፡ካብ ልቢ ዘይነቐለ ጭቡጥነት ዘይብሉ ሃውታቲ መልስታት ንኽህብ ውን ተቐሲቡ ኢዩ፡፡ገለ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ከም ኣብነት ንምርኣይ፦ ኣበየናይ ዓውዲ ብጭቡጥ ከነውፍር ንኽእል? ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ሃገርና እንታይ ለውጥታት ንጽበ? ትድቅስ’ዶ?ዝብሉ ኢዮም፡፡

ኣብቲ ሽፍንፍን ዝበለ ዕንኪላሎ መልስታት ኢሳይያስ ደጊሙ ኣጥቢቑ ዝሓትት ኣይተረኽበን፡፡ኣይፋሉን ኣብርሃያ ድኣ ዝብል እንተ ዝርከብ ግን፡ከቢድ ቁጠዐን ደሃሊ ትመክሕታዊ ቃላትን ምተሰምዐ፡፡ኣብዛ ብሕጊ ጫካ እትምራሕ ዘላ ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን ዝተነፍጋ ሃገርና፡ኣየናይ በዓል ገንዘብ’ዩ ደፊሩ ሃብቱ ከፍስስ፡፡ወናኒ ፋብሪካ ኦሞ ነፍስሄር መሓመድ፡ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ዝተቐዝፈ መንእሰይ ፍቕረ እኮ መምሃሪ ለባማት ኢዮም፡፡ቀዲሞም ሃብቶም ዘፍሰሱ ክሰርሑ ዝተበገሱ ዜጋታትና ናብ ሱዳን፡ኡጋንዳ፡ ኣንጎላ፡ኢትዮጲያ ብሰላሕታ ዝገዓዙኸ እንታይ ምስኮኑ ኢዮም፡፡ናብቲ ካልኣይ ሕቶ ምስ እንምለስ ፖለቲካዊ ለውጢ ንቶታሊተርያን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግብኣተ መቓብሩ ኢዩ፡፡ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ፖለቲካዊ ለውጢ ምጽባይ ርግቢ ካብ እንቋቍሖ ተመን ኢዩ፡፡ምናልባት ካብ ዝኣተዎ ዓዘቕቲ ንምግልጋል ናይ ይምሰል መብጽዓታት ክወሃብ ይከኣል’ዩ፡፡ባህርያት ኣመጻጽኣ እዚ ስርዓት ግን፡ትማሊ ይኹን ሎሚ ዋላ ውን ጽባሕ ኣብ ምቕታልን ምእሳርን ምሉእ መሰላት ህዘቢ ረጊጽካን’ዩ ዝነብር፡፡እቲ ምንታይ ቀዲሙ ብደም ኣሽሓት ንጹሃን ዜጋታትና ኣእዳዉ ተጸይቑ ኢዩ፡፡እቲ ሳልሳይ ትድቅስ’ዶ? ዝብል ከቢድ ሕቶ ኢዩ፡፡እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2004 ኣብ ቀዳማይ ፈስቲቫል መናእሰያትን መበል ዓሰራይ ዓመት ምምስራት መዓስከር ሳዋን ኣብ ኣዳራሽ ቤ/ት መኮንናት ተሓቲቱ ዝነበረ ኢዩ፡፡ሽዑ ንብምሉኡ መሬት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክተኮልል ካልእ ስራሓት ብኸመይ ተርክበሉ?ውን ተወሲኽዎ ነይሩ፡፡ሽዑ ኢሳይያስ ኮፍ እንተኢለየ ዘይሰርሕ ከብል መሊሱ፡፡ሓቀኛ መልሱ ግን ኣይነበረን፡፡ ተሓታትነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብዘይብሉ ሃገር፡ምዱብ ኣኼባታት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ሚንስተራትን ኣብ ዘይካየደሉ መንግስቲ፡ንጹር ፖሊሲ ኣብዘይብሉ ስርዓት፡መዓልታዊ መምርሒታት ብኳደረ እናተዓደለ እንታይ ኢና ክንጽበ ንኽእል፡፡ከም ውለቀ ርእይቶይ ኢሳይያስ እድቅስዶ ንዝብል ሕቶ ግን፡ኣይፋሉን ምበልኩ፡፡እቲ ምንታይ ዘደቅስ ኣይሰርሕን ኢዩ፡፡ኣብ ሕድሕዶም ዘይተኣማመኑ ናይ ሽርሒ ጉጅለታት ንዲቕካ ልዋም ዝዓሰሎ ድቃስ ክትረክብ በየናይ መገዲ፡፡

ኣብ ጎደናታት ሽኵሽኳ ተሸሚሙ ዝርከብ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዓና ንኤርትራውያን ባዕሉ ጸላእቲ ፈጢሩልና ኢዩ፡፡ብመላእ ማሕበረ-ሰብ  ዓለም ከምንህደን ነዊሕ ዓመታት ንኣእሙሮና ኣቃንይዎ፡፡ወትሩ ኣብ ዘይውዳእ ከበባ ኲናት ከም ዘለና ኮይና ከም ንሓስብ ገይሩና፡፡ኣመሪካ እንግሊዝ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ኢትዮጲያ፡ጅቡቲ፡ኬንያ፡ ሱዳን ፍጹም ጸላእቲ፡፡ሕቡራት ሃገራት፡ሕብረት ኣፍሪቃ፡ባይቶ ጸጥታ፡ኢጋድ ደለይቲ ሕማቑ ዓመጽቲ፡፡ሂዩማን ራይትስ፡ኣምነስተ ኢንተር ናሽናል፡ዩኤንኤች ሲኣርን ካልኦት ናይ ኤንጅኦ ትካላትን ፈጠርቲ ራዕዲ ዘረግቲ መኣዲ ሃሱሳት፡፡እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ፡፡እቲ ለባም፡ሓላል፡ መስተውዓሊ፡ደላይ ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ ዘይክውንነታውያን ጸላእቲ በቲ ስርዓት ተፈጢሮምሉ፡፡ያእ! ዓገብ! ኣይፋሉን! ዝበለ ኩሉ መላሹ ጥይት፡ምእሳር፡ኣሰራትካ ከይተፈልጠ ምጭዋይን ምሕቃቕን ኮይኑ፡፡ነገራት ልዕሊ ዓቐን ተጠናኒጎም ከቢድ ስቕታ ተፈጢሩ፡፡ህዝቢ ካብ ከርሲ ማህጸኑ ዝወጻ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንቲ ደቁ፡ኣብ ሳዋ እንስሳዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክዕመጻ ምዃነን እናፈለጠ፡ ሕማቕ ወረ ኣብ ኣእዛኑ እናሰመዐ ዕፉን ብሽፍኑ ተቐቢልዎ፡፡ጽባሕ ንግሆ ግን ቃለ ምስክርነተን ዝህባ ግዳያት ክንሰምዕ ኢና፡፡እቲ ክቢድ ስቕታ ዝትኮሰሉ እዋን ስለ ዘለና፡፡ኣብ መደምደምታ ሓርበኛ ኣቦና ኣቶወልድኣብ ወልደማርያም ኣብ ኣርብዓታት ኮይኖም  ኣርሒቑ ዝጠመተ ልቦና ብዝመለኦ ኣዘራርባ ከምዚ ኢሎም ነይሮም፡፡‹<<ናጽነት ማለት ናጽነት ሃገርን ህዝብን እምበር ናጽነት መሬት ጥራይ ኣይኮነን፡፡ሓደ ካብ ክልትኡ እንተዘየለ ናጽነት ክበሃል ኣይክእልን፡፡ስለዚ በይኑ ሉኡላውነት ናጽነት መሬት ጥራይ  መዓቀኒ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ>>ብርግጽ ጎደሎ ናጽነት ኢዩ፡፡ዝኸፈልናዮም ልዕሊ 65 ሽሕ ስዋኣት ውን ንናጽነት መሬት ጥራይ ኣይነበረን፡፡

 

ተ  ፈ   ጸ   መ

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚካኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03 yahoo.com

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT