Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ

  ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን፡ ወትሩ ዝምድርዎን ህዝብና ንምድንጋር ዘቅርብዎ ብመዓር ዝተለበጠ መርዝን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣረሜናውን ኣዕናውን ተግባራቶም ብግብሪ የረጋግጾ ኣሎ፡፡ ኢሳያስን ደቂ መዛሙርትን፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ብዙሕ

 

ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ

ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን፡ ወትሩ ዝምድርዎን ህዝብና ንምድንጋር ዘቅርብዎ ብመዓር ዝተለበጠ መርዝን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣረሜናውን ኣዕናውን ተግባራቶም ብግብሪ የረጋግጾ ኣሎ፡፡

ኢሳያስን ደቂ መዛሙርትን፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ብዙሕ መርትዖታት ክቐርብ ዝኸእል’ዃ እንተኾነ፡ ነቶም “ኣይፋል ስርዓት ኢሳያስ ንጹህ ከም ጲላጦስ ኢዩ” ኢሎም ዝማጎቱ  ገለ ኤርትራውያን ንምብዳህን ንስርዓት ኢሳያስ ስለምንታይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ከምዝበልኩዎ ንምንጻርን፡ ኣብዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ነጥብታት ጥራይ ከተኩር።

ቀዳማይ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብሕጊ ዘይምእዘዝ፡ ገባቲ ኩሉ ስልጣንን ገባርን ሓዳግን’ዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ኤርትራ፡ ህዝብን መንግስትን ዝምርሓሉን ዝቅየደሉን ሕገ መንግስቲ የለን። ኣብ 1997፡ ገንዘብን ጉልበትን ፈሲስዎ ዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ ብኢሳያስ መኺኑ። ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስን መሰልቱን መታን ንህዝቢ ኤርትራ ከም ቃሕታኦም ክረግጽዎን ብሕጊ ከይሕተቱንን ዝመሃዝዎ ተንኮል’ዩ። ስልጣን ኢሳያስ ደረት የብሉን። ኢሳያስ ኩሉ’ዩ፥ መራሒ መንግስቲ፡ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ኣቦ መንበር ስማውን ዘየለን ባይቶ ኤርትራ፡ ሓጋግን  ፈጻምን ኣካል፡ ኣማሓዳሪ ሃማኖታዊ ጉዳያትን መራኸቢ ብዙሓን፡ሕሉፍ ሓሊፉ  ኣብ ዓድታትን  ትካላት መንግስትን ኢዱ ጣልቃ ብምእታው ሰባት ካብ ስርሖምን መዝነቶምን ከባርርን ክኣስርን ጸገም የብሉን ።

ካልኣይ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብሃል የሎን፡፡ እቲ እንኮ ጨካን ኢሳያስ ክቆጻጸሮ ዘይከኣለን ከም መሰል ዝቁጸር እንተኾይኑን፡ ህዝቢ ኤርትራ  ብሕማም፡ ብጓሂ ብጥሜትን ክመውትን ጥራይ ኢዩ ዕድል ዘለዎ። ህዝብና፡ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽ፡ ወከልቱ ክመርጽ፡ ኣብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ክዋሳእ ስልጣን የብሉን። ንምሳሌ፡ ወለዲን ስድራቤታትን ናይቶም ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንበሪ ኣባይቶም፡ ካብ ስርሖምን ካብ መገሽኦምን ተመንጢሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተደርበዩን ዝተሸርቡን ደቆምን ኣሕዋቶም ድሃይ ክፈልጡን መእሰሪ ምኽንያት ክንገሮምን መሰል የብሎምን። ኣብ ርእሲኡ፡ እሱራት ጠበቃ ኣውጺኦም ቃል ክሕደት ወይ እምነት ክህቡን ብስድራቤቶም ክብጽሑን ኣይክእሉን’ዮም፡፡

ሳልሳይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ጥራይ ኣይኮነን ተሓሪምዎ ዘሎ።  ክእለት፡ ጉልበትን ገንዘብን ዘለዎ ዜጋ ብርሃጹ ሰርሑ  ክዕንገልን ካብ ተጸባይነት ተናጊፉ ነብሱ ክኽእል ንዝገብሮ ፋሕተርተር ብስርዓት ኢሳያስ ተኸልኪሉን መሬቱን ገንዘቡን ተመንዚዑን። ንኣብነት፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዙሓት ዜጋታት ርእሰማሎምን ክእለቶምን ኣብ ሃገሮም ከዋፍሩ ጠቅሊሎም ምስኣተዉ ብሕጊ ዘይግዛእ ስርዓት ኢሳያስ ምስራሕ ስለዝኸልኦምን ብትካላት ህግደፍ ስለዝተዓብለሉን፡ መብዛሕቶኦም ብክሳራ ኢዶም ሓጺቦም  ውሑዳት ዕድል ዝገበሩ ዜጋታት ድማ፡ ገንዘቦምን ፍልጠቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከዋፍርዎ ተገዲዶም። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰሪ ገባቲ ቁጠባዊ ሜላ ስርዓት ኢሳያስ ብጥሜት ሓለንጊ ኣብ ዝግረፈሉ ዘሎ እዋንን ስእነትን ሕጽረትን መሰረታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን፡ ዘይሕጋዊ ንግድን ብላዕን(ጉቦ) ምስዕራሩ ድማ፡ መርኣያ ውድቀትን ብልሽውናን ስርዓት ኢሳያስ’ዩ ዘነጽር።

 

ራብዓይን ናይ መወዳእታን፡ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ምስ ጎረባብትኻን ዓለምን ብፍቅርን ስኒትን ምንባር እምበር፡ ከም ጭርናዕ እናተታኾብካን ከም ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል እናኣናቆትካን ዕድሜኻ ከተናውሕ ምፍታንን መን ከማይ ኢልካ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ምዕንዳርን ምስ ከውሒ ምርጻም ወይ ድማ ድንቁርና ኢዩ። ኣብ ጉዳይና ዓሎቕ ርእሰ ሓያላንን ተሻረኽተንን፡ ረብሓታተን ንምሕላው ዝፍጽምኦ ዘሕፍትሓዊ ኣሰራርሓ ክምዘሎ ፍሉጥ’ዩ። የግዳስ ንኽብርኻን ልኡላውነትካን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ፡ ንህዝብኻን ሃገርካን ዘርብሕ ሜላታት ምኽታል፡ ዘየሰማምዓካ ብዘተ ምፍታሕን ምስ ክውንነት ምጓዓዝን ምልክት ፍቅሪ ሃገርካን ህዝብኻን’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ብኣንጻር’ዚ ሓቅታት’ዚ፡ ብሰሪ ሕጊ በረኻ ምኽታሉ፡ በትሪ ምውጥዋጥን ንዕቅትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጎረባብቱን ዓለምን ነጺሉዎ ይርከብ። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታዊየይ ፖሊሲ ብምኽታል፡ ሓንሳብ ምስ ሕጋውያን መንግስታት ካልእ እዋን ድማ ምስ ተቃወምቶም ዝገላበጥ ዘይቅዱስ  ምትዕርራኽ ምፍጣር ኣመሉ’ዩ። ገለ ካብቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ምሕዝነት ወይ ተጻብኦታት ድማ ንህዝብና  ዝሓንቕ ኣምበር ዘርሁ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ናብራ ሓሲምዎምን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምቅዋምን ኣብ ሱዳን ፖሎቲካዊ ዕቁባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን  ጨዊኻ ናብ ኤርትራ ንምምላስን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንምስቃዮምን ኢዩ።

ስለዚ እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ዝባህርያቱ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዘየማትእ ጸላኢ እምበር ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኮቶ ኣይክእልን’ዩ። ኣይፋል፡ ስርዓት ኢሳያስ  ተቆርቛሪ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝብል ሰብ እንተሎ ድማ መርሓባ እብል ምስ ርእይቶይ ክራታዕ።

ጽላል

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Berhe Tensea February 24, 2015

    This dictator not only hats Eritrea and Eritreans it despises us too. He was and never has been a teghadalay.
    His main agenda is to destroy Eritrea and its people and reunite it with Ethiopia, his fatherland.
    The Eritrea we know will be history if the regime and its yes men aare or remain in power.

    • vanity rules February 24, 2015

      Berhe Tensea

      make sure eritreawit is not mad at you for saying exactly what i said.she is the only person that has monopoly on truth.

  • Barnabas Tekle February 24, 2015

    ብላሽ ዓዲ ዘየጋብር ሃጠው ቀጠው ኢሳያስ ከምዚ ዩ ትዉልዱ ዝብል ሓንሳብ እስከ ንብስናን ብፍላይ ኣብ ዳያስፖራ ዘሎና ህዝቢ ኩንታትና ከመይ ኣሎ? ብወረዳ በውራጃ ዓሌት ሃይማኖት ዶ ኣይኮነን ስራሕናን ግብርናን ሕጂዉን ሓድነት ኣሎና ኢልና ንምክሓሉ እዋናት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ምዕራብ ሃገራት እናተቐመጥና ብድሑር ዝንባለ ተውሪርና ፡፡ ብዓቢኡ እታ ዓባይ ሃገረ ኤርትራ ህያብ ስዉኣትና ብደም ዝጠልቀየት ትጥሕል ኣላ በዓል ጸቢብ ክመቃቅልዋ ይዉዕሉ ኣለዉ ወጊድ ንበሎም ብሓባር ብምንታይ ይፍለዩ ካብቲ እራዊት ኢስያስ? እቲ ዝገርም ድማ መብዛሕትኦም ናይተን ጓህማማት ዉዱባት ኣባላት እዮም ድሕሪት ንዓመታት ተመሊስና ኩነታትና ሃገራዊ ሓድነትና ኣብ መፋርቕ ከመይ ነይሩ ብሃገር እምበር ብወርዳ ኣውራጃ ዝዛረብ ኣይነበረን፡፡ እዚ ድሑር ዝንባለታት ክሳዕ ዘሎ መስኪን ህዝብና ኣብ ዉሽጢ ሃገር ክጸንት እዩ፡፡

  • Eritreawit February 24, 2015

    The truth is coming out day by day. Isayas and yemane (charli) his staff deputy are believed to be agents and their job is to destabilize our region, including Ethiopia. Eritrean people are paying the price. Now it makes perfect sense what HGDF leaders and some supporters they act the way they do. Why would a revolutionary party will kill/jailed and eliminate the brightest/educated people who could contribute to its society? How dumb can one be to destroy its future generation and didn’t even care?
    PLEASE ERITREANS WAKE UP. LET GET START THE GRASS ROOT REVOLUTION LET THE ENEMIES KNOW WE PAYED ENOUGH AND WE DON’T ALLOW THEM TO CONTINUE THIS, WHO EVER THEY ARE. LET TAKE CARE OF OUR PEOPLE EVERY WHERE.
    Eritrea will live , death to the dictator the lowlife psycho

  • Comment February 24, 2015

    Dear Ahmed Saleh:

    Please understand that I am not supporting Aiga forum. I am concentrating on the article as it has significance with our issue in Eritrea. Just read and hopefully you will learn something from it.

    If you hear names like Asrate Kasa and so forth, this article will give you an idea.

    Regards

  • Eritreawit February 25, 2015

    vanity rules,

    I take it back, SORRY. that i called you “cow face” , There was a peorson by that nick who came here and posts demoralizing and disrespectful comments about our people and country.

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply