Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስብሓት ፤ ዝመጻካ ኣይትስሓት – 2ይ ክፋል ፤ ለካቲት 2017 ካብ ቅያታት ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፤ ካብ ሰነዳት ታሪኽ

መእተዊ እዚ ጽሑፍ ትርጉም ናይቲ ብይን ቤት ፍርዲ ናይ ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፥ ኣባል እቲ ምስጢራዊ ውድብ ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ዝምልከት እዩ ።  ኮይኑ ፤ ክሱስ ቁ፡2 ስብሓት ኣበራ ብጥቅምቲ 1961

መእተዊ

እዚ ጽሑፍ ትርጉም ናይቲ ብይን ቤት ፍርዲ ናይ ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፥ ኣባል እቲ ምስጢራዊ ውድብ ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ዝምልከት እዩ ።  ኮይኑ ፤ ክሱስ ቁ፡2 ስብሓት ኣበራ ብጥቅምቲ 1961 ፡ ኣብ ፈተነ ቅትለት መልኣከሰላም ዲሜጥሮስ ማለት ምክትል መራሒ መንግስቲ ኤርትራ (1955 – 1962) ዝነበሩ ፤ ክሱስ ውዲት ኣሊሙን ፡  ኣብቲ ገበን ተኻፊሉን ፤ ተባሂሉ ፤ ተኣሲሩ ፤ ብሕጊ ሽፍትነት (ዓንቀጽ 2 ንኡስ ዓንቀጽ 3 ፣ ናይ 1957) ብመንግስቲ ምስ ብጾቱ እተኸሰሰሉ ነገር እዩ ።
ብኣዝዩ ሕጽር ዝበለ – ነቲ ፖለቲካዊ ፡ ሕጋዊ ኣቃውማን ታሪኻዊ መንቀሊ ናይዚ ጉዳይ ንርአ ፥

ኣብቲ እዋን ፡ እቲ ፈደራላዊ ርክብ ኤርትራ – ኢትዮጵያ ሱሩ ማህሚኑ ፤ ቅዋም ኤርትራ ጽላሎቱ ጥራይ ተሪፉ ፤ ጸቕቲ ፖሊስ መንግስቲ ተሪሩ ፤ መራሒ መንግስቲ — ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ፡ ምክትል መራሒ መንግስቲ — ቀሺ ዲሜጥሮስ ፡ ከምኡ እውን ኮምሽነር ፖሊስ — ተድላ ዑቕቢት ነበሩ ። እዚኦም ሰለስቲኦም ፡ ኣብ ኤርትራ እቶም ዝሓየሉን ዝፍርሁን ፡ ገበርትን ሓደግትን ሰባት ኮኑ ። ነቲ ተረፍ መረፍ መትንታት ናይቲ ፈደረሽን ምሕዮም ንምቕባር ድማ ድሉዋትን ህንጡያትን ነበሩ ። ነዚ እዋን ንምግላጽ ፡ ናይቲ ግዜ ቆንስል ብሪታንያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ከምዚ ክብል ይዝግብ ፥ “እቲ ብባይቶ ኤርትራ እተመርጸ መራሒ መንግስቲ – ዋና ወኪል ሃጸይ ሃይለስላሴ ‘ውን ስለዝኾነ ፤ ነቲ ቅዋም ኤርትራ መላገጺ የምስሎ ።”

ካብዚኣቶም ኣብ ባይቶን መንግስትን ኤርትራ ፡ እቲ ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮም ፡ ኣብ ፖለቲካ ቀጽሪ ኣንድነት – ካብ ተራ ክሳብ መሪሕነት ዝበዝሑ ሰዓብቲ ፡ ኣብ ስነ ሓሳቦምን እምነቶምን ጽኑዕ ፡ ኣንደበተ ርቱእ ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜላኦም ሓያል ፡ ባህርያዊ ጥበብን ብልሃትን ዝተላበሱ ፤ ክኢላ ፖለቲከኛ ናይቲ ዘመን ከም ዝነበሩ ዝንገረሎም ፡ ቀሺ ዲሜጥሮስ እዮም ።

 

ኣብ መወዳእታ እዋን ፈደረሽን ፡ እቲ ኩሉ መትንታቱ ዘይተበትከ ፡ ኣስናኑ ኩሉ ዘይረገፈ ፡ ሓደ ካብ ዓንድታት ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ ፡ እቲ ፈራዲ ኣካል ጥራይ እዩ ። እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሕግን ፡ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪታንያ ዝተኣታተወ ሕግታትን ፡ ገበናዊ ስርዓተ ኣገባብ እንግሊዝን ሕጋጋትን ፡ ቅዋም መንግስትን ናይዚ ኣካል ነበሩ ። ነዚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፡ ከም ዳኛታት ኮይኖም ዝከታተሉ ፡ ዝሕልዉን ዘማኽሩን ዝነበሩ ዋና ዳኛታት ከም እኒ እንግሊዛዊ ዳኛ ጀምስ ሽረር ይርከብዎም ። እዚ ፡ ነቲ ምሕደራ ዳንነት ብውሱን ዓቕሚ ውን እንተኾነ ብገዛእ ርእሱ ደው ከም ዝብል ፤ ንህላወ ሻራ ዘይብሉ ፈራዲ ኣካል ኣብ ብዙሕ ኩነታት ከምዝሰፍን ጌሩን ፤ ኣኽኢሉን እዩ ።

 

በዓል ተድላ ዑቕቢት ፤ “እዚኣቶም ደፊሮምና ፤ እዚ ከይድገም መምሃሪ ክኾኑ ኣለዎም” ፤ ብምባል ነቲ መርመራ ፖሊስ መዓልታዊ ተኸታተልዎ ፡ ንኽሱሳት ውን ብሞት ንምቕጻዕ ተጓየዩ ። ኣብዚ ስብሓት ኣበራ ከም ቀንዲ ጠርናፍን ኣላይን ናይዛ ዋሃዮ እዚኣ ምዃኑ ፖሊስ ስለዝደምደመ ፡ እቲ ነገር ኣብ ክሳዱ ተጠምጠመ።

 

እቲ መበገሲ ባእስን ጽልእን ኣብ መንጎ ቤተሰብ ስብሓት ኣበራን ቀጽሪ ኣንድነትን ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ ኣብቲ ኮሚሽን ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት ኣብ መጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ንምውሳን ፡ በብኸባቢኡ ዘዘራርበሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ኣብቲ ግዜ ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝተቐበለቶ እማመ በቪን-ሲፎርዛ  ማለት ፡ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ንምምቃል ፡ ደግያት ምራጭ ጉድም ፡ ኣባሓጎኡ ንስብሓት ኣበራ ፡ ብትርን ብቑጥዐን ስለ እተቓወምዎ ፣ ምስ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ሰዓብቶምን ኣብ ጎንጺ ኣተዉ። ሽዑ ድማ እዮም፥ “ከመይ እግሩ ትቆረጽ! … ” ዝበሉ ።

 

እቲ ምኽንያት ድማ ፡ ቀንዲ መነባብሮን መሰረታዊ ቁጠባዊ ህይወቶም ኣብ ጉስነት እተሞርኮሰ ኮይኑ ፡ ከምተን ካለኦት ጎዶቦ ዓድታት ንምዕራባዊ ማይ ኩዖ ዘዋስና ፡ ኣብ ቆላዊ ምዕራባዊ ጎላጉል ኤርትራ ዘሳግሙን ዝጓስዩን እዮም። በዚ ድማ ምስ ቀጽሪ ኣንድነት ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን እተፈጥረ። ቀጽሪ ኣንድነት ነዚ ቤተሰብ ደግያት ምራጭ ጉድም ፡ ካብ ኩሉ ናይ ወረዳ ኣውራጃ መዝነት መንዘዖም ፤ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ እተኻየደ ፡ ካልኣይ ሓፈሻዊ ምርጫ ንባይቶ ፡ ኩሉ ኣማሊኦም ሕጹያት ኮይኖም ምስ ተዳለዉ  ድማ ፡ ቀጽሪ ኣንድነት ስልጣኑ ተጠቒሙ ካብ መዝገብ ምርጫ ሰረዞም። ኣብ ባይቶ ይኹን ኣብ ካልእ ጽፍሕታት ክወከሉን ክካፈሉን ድማ ተኣገዱ ። ብዘይሕጋዊ መስርሕ ተዓጽዉ ፤ በዚ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ፡ ፖለቲካዊ ባይታኦም ጸበበ ፡ እቲ መጻኢ ዕድላቶም ተደረተ ። ንመሰሎም ክመልሱ ፡ ንኽብሮም ክሕልዉ ድማ ምስ ካለኦት ደፋራት ደቂ ሃገር ብረት ኣልዓሉ።

 

መቓልሕ ናይዚ እምቢታ ድማ ስዒቡ ፡ 30 ዓመትን ከቢድ መስዋእትን እተኸፈሎ።

 

እዚ ሕጋዊ ጉዳይ ኣኽባር ሕጊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ስብሓት ኣበራ ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ማእከል ኣስመራ ፡ ኣብ ልዕሊ ምክትል መራሒ መንግስቲ ኤርትራ እተፈጸመ ፤ ሕጋዊ መስርሑ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ንሓደ ዓመተ እተጋብኤ ፤ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ማእዝናት ዝበዝሖ ፤ ውጽኢቱ ዓቢ ፖለቲዊ ሚዛን ዝነበሮ — ብይን ሞት ንተኸሳሲ ወይ ዓቢ ውርደት ንመራሕቲ መንግስቲ — ከስዕብ ዝኽእል ፤ ናይ ዳዊትን ጎልያድን ዝመስል ግጥም ፤ በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ ሰብ ዝጸሓፎ ትያትራዊ ትራጀዲ ዝመስል ባህርያት ዝሓዘለ ፤ ንብዙሓት ሰባት ካብ ተራ ተምሃራይ ክሳብ ሰራሕተኛ መንግስትን ብሕትን ዘዛረበን ዘካተዐን ፡ ናይቲ እዋን ቀንዲ  ኣርእስተ ዕላል ነበረ ።

 

ክሱስ ቁ፡1 ዮውሃንስ ዑቕባዝጊ ፣ ክሱስ ቁ፡2 ስብሓት ኣበራ ፣ ክሱስ ቁ፡3 ጸሃየ ኣብራሃ ፣ ክሱስ ቁ፡4 ተስፋይ በራኺ ፤ተጠርጢሩ እተለቀ ግርማይ ምራጭ ፡ ፖ. ም. ቁ. ማለት ፡ ፖሊስ ምስክር ቁጽሪ  — እዮም ።

 

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ፤ ጽምዋቕ ናይቲ ልዕሊ 60 ገጻት ዘለዎ ፡ ቃለ ጸብጻብ ቤት ፍርድን : ስብሓት ኣበራን ፈተነ ቕትለት ቢተወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ጥቓ ቺቸሮ-ኣስመራ ፡ ይቕጽል ።

ጠበቓ ቪኬቲ ምስ ሰብሓት ኣበራ ፤ ድሕሪ ብይን ቤት-ፍርዲ ንመዘከርታ እተስኣልዎ ስእሊ ፤

ቃል ስብሓት ኣይዕጸፍን እዩ ። ካብቲ ሓጺን ኣቻዮ ናይ መገዲ ባቡር ድማ ይጸንዕ ።

ጠበቓ ሲኞር ቪኬቲ ።

ብስድራ ስብሓት ኣበራ ምራጭ

 

እቲ ትርጉም ብይን እነሆ ፤

 

ብይን ቤትፍርዲ ቅድሚ ዝኣገረ ኣረኣእያ

 

ጉዳይ ኣንጻር ክሱስ ቁጽሪ2

 

ኣብ ወጋሕታ 29 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ንኹሉ ህዝቢ ፍሉጥ እዩ ። እቲ ህዝቢ ዘይፈልጦን : ንመርመራኡ ድማ ብኣብያተ ፍርድን ፖሊስን ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረሉ ግና ንመንነት እቶም ኣብ ጥቓ ቤት ክቡር መልኣከ ሰላም ዲሜጥሮስ ንሕልፈት ህይወቶም እተዋስኡ ሰባት እዩ ።

እቲ ኣብታ መዓልቲ ዝወረደ ነገር : ሰብ ዘሰምበደ እኳ እንተኾነ : ንምድጋሙ ዝኣክል : ከምዚ ይመስል ፥

ንምብራህ ዝኣክል ክጥቀስ ዘለዎ : እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ንኽሱስ ቁጽሪ፡2 ጥራይ ይምልከት ።

እዚ ኣኽባር ሕጊ ከም ዝበሎ : መሰኻኽሩ ድማ ከም ዘዘንተውዎ እንተኾይኑ : ክሱስ ቁ፡2  ምስ ክሱስ ቁ፡1ን ገብረመድህን ሃይሉን ማለት ህይወቱ ብነታጒ ሽዑ ዝሓለፈ : ብሓደ ኮይኖም : ንክቡር መልኣከሰላም ዲሜጥሮስ ንምቕታል ውዲት ኣሊሞም : ዝብል እዩ ። ነዚ ክስታት ፈተነ ቅትለት ንምድጋፍ : ኣኽባር ሕጊ 20 መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ዳኛ :  14 ድማ ኣብዚ ቅድሚ እዚ መጋባእያ ጸዊዑ ።

ኣብ ፈለማ : እዚ ጉዳይ ብ 4 ክሱሳት ጀሚሩ : ስዒቡ ክሲ ኣንጻር ክሱስ ቁ፡4 ብኣኽባር ሕጊ ተኣልየ : ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ዳኛ ናይ ቀቅድሚ ዝኣገረ ኣረኣእያ : ንኽሱስ ቁ፡3 ብናጻ ፈነዎ ። ከም ውጽኢቱ ድማ ክሱስ ቁ፡1 ን 2 ጥራይ ንፍርዲ ቀረቡ ።

እዚ ሎሚ እንርእዮ መርትዖታት ኣንጻር ክሱስ ቁ፡2 ኮይኑ : ናይ ገዛ ክሱስ ቁ፡1 ዝኾነ ናይ ጣውላ ጨርቂ ፣ ብኽሱስ ቁ፡2 ተወሲዱ : ካብ ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ኣብ ክሳዱ ተጎምጊምዎ ኔሩ : ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ ።

እቲ ካልእ ኣንጻር ክሱስ ቁ፡2 ዝቐረበ መርትዖ ናይ ፖ. ም. – 6  ተኽለንኪኤል በራኺ ኮይኑ : ንሱ ብድሮ እቲ ፈተነ ቕትለት : ኣብ ቤት ጽሕፈት መዋቲ ገብረመድህን ሃይሉ ተራኺቦም ኔሮም ፤ ዝብል እዩ ።

እዚ እቲ ዝቐረበ ኩሉ መርትዖ ኮይኑ ፤ ሕጂ ነቲ ቁምነገሩ ንርኣዮ ።

ክሱስ ቁ፡1 ንፖሊስን ንዳኛን ኣብ ዝሃቦ ቃል ከም ዝበሎ ፥

“ብሰንበት 29 ፡10 ፡1961 ሰዓት 03.30 [ለይቲ] ደቂሰ እንከለኹ : ገለ ሰባት ኣብ ማዕጾይ ኳሕኵሑ ፤

መን ምዃኖም ምስ ሓተትኩ ፤ ‘ ኣነ ስብሓት ኣበራ እየ ።’ መለሰ ።

ደጊመ እንታይ ከምዝደሊ ሓተትኩ ፣ ‘ገለ ሰባት ኣብዚ ይደልዩኻ ኣለዉ ።’ መለሰ ።

ብድሕሪ ‘ዚ : ጋቢየይ ተጎልቢበ : ስረ ከይገበርኩ ወጻእኩ ።

ኣብ ግዳም ድማ ገብረመድህን ሃይሉ : ስብሓት ኣበራን ካለኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ቢጫ ዝዓይነታ ቦልክስዋገን መኪና ጸንሑኒ ። እንታይ ከምዝደልዩ ሓተትክዎም ። ገብረመድህን ሃይሉን ስብሓት ኣበራን ድማ በሉ ፤

‘ስራሕ ኣለና እሞ ፣ ምሳና ክትከይድ ክንዛራረበሉ ኢና ።’

ብለይቱ ደኣ እንታይ ክገብር ክወጽእ ? ኢለ ምስ ሓተትኩ ፤

መልሲ ናታቶም ‘ዘፍርህ ነገር የልቦን ፣ ተቐረብ እሞ ፣ ሽዓ ክንምለስ ኢና ።‘ በሉኒ ።

ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ድማ ተመልሱ ። ተቐሪበ ነበርኩ እሞ ፣ በታ መኪና ከድና ። ”

ክሳብ ሕጂ ዘሎ ቃለ-ጸብጻብ ፣ ብሓደ ካብ ክሱሳት : እሞ ኸኣ ግብረ-ኣበር ተባሂሉ ዝቐረበ ሰብ ኮይኑ ፤ ብመሰረት ጽኑዕ ኣሰራርሓ ስርዓተ ገበን : ኣብ ልዕሊ ናይ ገበን መኻስስቱ ከም ምስክር ኮይኑ ክቐርብ : ብጥዑይን ጥቁውን ንቡር ሕጋግ ናይ ገበናዊ ኣገባብ : ቕቡል ኣይኮነን ፤ እንተዘይኮነ ብዘይዝዉግ ጭብጥታት ብጽኑዕ ይድገፍ ።

ከም ቃለ ምስክርነት ሰርጌንቲ ፖሊስ ቁ፡6ን ትልንቲ ቁ፡7 እንተኾይኑ ፣ ክሱስ ቁ፡2 እተጎምጎሞ : ናይ ክሱስ ቁ፡1 ዝኾነ ጨርቂ : ደሓር ምስታ ቶሚጋን ዝዓይነታ ጠበንኛ መትረየስ ድማ እተረኽበ : እሞ ኸኣ : ሰይቲ ክሱስ ቁ፡1 ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ተረኺባ : ንብረታ ምዃኑ ዘረጋገጸቶ ፤ ስብሓት ድማ በታ ለይቲ ወሲዱ ኣብ ክሳዱ ከም ዝገበራ : ቃል ሂቦም ። እንተኾነ እዛ ምስክር እዚኣ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቐሪባ ከም ፖ. ም. ቁ፡20 ፣ ንሳ እዛ ጨርቂ ንብረታ ከምዘይኮነት ነጊራ ። ኣብ ልዕሊ ዋንነት ናይዛ ጨርቂ  ዘይምርግጋጹ ፣ ምስ’ዚ ዝራኸቡ ጉዳያት ምልዓል የድሊ ፥

ሀ. ኣብ ቃል ክሱስ ቁ፡1 ዘይተገልጸ ፣ ክሱስ ቁ፡2 : ኣብ ቤት ክሱስ ቁ፡1 በታ ለይቲ ፈተነ ገበን ምእታዉ ፤

. ፖሊስ ምስክር ቁ፡6 ከም ዝበሎ ፣ ክሱስ ቁ፡2 ነታ ጨርቂ ካብ ሕሱም ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ኣብ ክሳዱ ምግባሩ ፤ ይኹን እምበር : ስለምንታይ ደሓር ኣብ ቃልዕ ግዳም ከምዝተደርበየትን ንገዛ ዘይኣተወትን ።

እዚኣቶም ኣደለይቲ ነጥብታት ክነሶም ብኣኽባር ሕጊ ክረጋገጹ ዝግበኦም እዮም ።

ኣብ መወዳእታ ክጥቀስ ዝግበኦ : ጭብጢ ናይ ፖሊስ ምስክር ቁ፡6 ኮይኑ ፤ ክሱስ ቁ፡2 ናብ ቤት ጽሕፈት ገብረመድህን ሃይሉ ከይዱ ፤ ብዕለት 28-10-61 : ሰዓት 7 ናይ ምሸት ረኺብዎ ፤ ዝብል እዩ ።       ብዛዕባ እዚ : ፖሊስ ምስክር ቁ፡7 ትልንቲ ሱሌማን ከም ዝበሎ ድማ : ኣብ ግዜ ፍተሻ : ናይ ክሱስ ቁ፡2ን ናቱን ዝኾነ ወረቓቕቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ገብረመድህን ሃይሉ ረኸበ ። ከም ኣገላልጻ ናይ ተኸላኸልቲ ጠበቓ ድማ : እዚ ወረቓቕቲ እዚ ንዉልቃዊ ጉዳይ ቤተሰብ ክሱስ ቁ፡2 ዝምልከት ኮይኑ : ገብረመድህን ሃይሉ ዝከታተሎ ዝነበረ እዩ ። ዝኾነ ኮይኑ : እዚ ፖ. ም. ቁ፡6 ዝበሎ : በዓል ገብረመድህን ሃይሉ : ስብሓትን ካለኦትን ዝራኸብሉ ዝነበሩ ኩነታት ከም ዘርእዮ : ኣብቲ እዋን ንሳቶም ነዚ ውዲት ይኣልምዎ ከምዘይነበሩ እዩ ።

ክሱስ ቁ፡2 ፣ ኣብ እዋን መርመራ : ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል : ንኹሉ ኣንጻሩ ዝቐረቡ ክስታት : ኣይኣመነሉን ።

ኣብ ገበናዊ ሕጊ : ከም ወርቃዊት ሕጋግ እትውሰድ ድማ : እቲ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ጉዳይ : ፍጹም ብዘየጠራጥር መርትዖ ምስ ዘቕርብ እዩ ።

ነቲ ኣብ ኢድና ዝቐረበ ጭብጥታት ብጥንቃቐ ድሕሪ ምምማይ : ድምር ውጽኢት  ጭብጥታት ናይ ኣኽባር ሕጊ : ኣንጻር ክሱስ ቁ፡2 ከም ዘይበቅዕ : ብኣብዛሒ ቁጽሪ ዓጊብና ኢና ።

ስለዝኾነ ድማ ፤ ክሱስ ቁ፡2 ካብ ገበን ናጻ ኮይኑ ፤ ብቕጽበት ይለቐቕ ።

 

ኣስመራ ፣ 27 ጥቅምቲ ፣ 1962

 

ተፈሪሙ ፥ በርሀ በየነ

ዳኛ

S/District Court of Eritrea

 

ረጂስትራር

S/District Court of Eritrea

 

E Copia conforme all’originale che si

Rilascla —————————

A richiesta di Sig Sebhat Aberra

Asmara, li 28 NOV 1962

 

ተፈሪሙ ፥

IL CACELLIERE

 

ማሕተም ፥

Government of Eritrea — Court of Justice

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • gelu Habtom March 12, 2017

    Amazing history that has to be documented for the new generation.

  • Taezaz Woldemichael March 12, 2017

    Wuba Raesi Woldemichael is Degyat Mirach Gudum’s mother. That explains Degyat Mirach Gudum’s stand against the Andnet forces as well. A great historical record for all of us to learn from.

    • The Raesi Woldemichael clan March 12, 2017

      The Raesi Woldemichael clan from 1800 until now we are pro- Erirea. Not traitors

  • wediyat March 12, 2017

    It looks like the only part of the government that was independent was the supreme court because it still had colonial western experts. The then Andnets were not able to touch its integrity. A good lesson for the future of Eritrea.

  • PH March 12, 2017

    It may sound one man history but not limited on that. very clear that the Andnet conspiracy had bad impact on the Eritrean ussues at that time. It is occasional to learn more and more. I do expect also collective others history hence, good job for the author and see you.

  • Behane March 12, 2017

    Was keshi Dimetros ever the the vice chief executive of Eritrea ?.
    Was there, such a position, in the then Eritrean government?.
    My understanding is, if I am not mistaken, Keshi Dimetros was the vice president of the Eritrean Assembly. .

  • Rafael March 12, 2017

    To me the main question that this article raises is about the modern legal history of Eritrea. If the legal history was this much advanced, how did it die a sadden death?

    • k.tewolde March 13, 2017

      Great question Rafael,the answer is lounging around in his fortress ab adi halo,the one who introduced the rule of the jungle to the land which enjoyed the western legal system before its African peers,from representation,due process to persecution.Today they throw into the dungeon,lock you up and throw the key and go to the neighborhood end siwa as if they just tossed a leftover himbasha in the cupboard for later consumption.

    • k.tewolde March 13, 2017

      Great question Rafael,the answer is lounging around in his fortress ab adi halo,the one who introduced the rule of the jungle to the land which enjoyed the western legal system before its African peers,from representation,due process to persecution.Today they throw into the dungeon,lock you up and throw the key and go to the neighborhood enda siwa as if they just tossed a leftover himbasha in the cupboard for later consumption.

  • Hagherawi March 12, 2017

    This story in an important chapter of Eritrean nationalism, hitory of great men who heroically defended their nation.
    The new generation should learn this history of heroism of their grandfathers and feel proud about it instead of looking at Pushkin’s statue, put in place by those who want an Eritrea without it’s true identity and past.

    • Habeshawi March 12, 2017

      Indeed Agazawi, without history, language, culture and tradition of their own these Arab dogs and pigs must just be garbages and scum bags of shitty islam planet.
      And these identity less history moslim cockroaches should never be talking about our original proud Habesha Christian histories.

    • k.tewolde March 12, 2017

      Indeed Hagerawi,instead the kids are looking at a white dud who remotely don’t look like them,that is how you rob a nations true identity.Those early heroes of our struggle as a nation were bold ,selfless,low key,humble self deprecating,stood for what they believe and died for it,they didn’t hide behind a boulder or gave orders a light year away from the front line, they stuck out their neck first and became an example for the rest of the nation to follow.Only the good die young,the leftovers got old and fermented into unpalatable local brew giving the nation a bad taste.

    • ታህሰስ March 13, 2017

      hagherawi, እዞም ሰብ ታሪኽ ቀዳሞት ኣሽንኳይ ዶ ከም ዘብልካዮ ከም ናይ ሓወልቲ ፑሽኪን ስሞም ውን ከምቶም ካለኦት ጀጋኑ ኣብ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ኣይመስለን። ሓቕኻ ኢኻ ብዙሕ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ። መን እሞ ቁሊሕ ክብሎ። ሰብ ራህዋ ኣይረኽበን።

  • AHMED SALEH !!! March 12, 2017

    M.L.KING said ‘ in the end we will remember the silence of our people than words of enemies ‘ .
    The question which bothers me the most is the way Eritrean political movements history of 1950s
    and 1960s had been suppressed from reaching on people’s awareness .
    No wonder Issayas Afewerki took all the credit for himself . The lies and the doubts destroyed
    our fundamental principle to social equality . And anytime we read history about forgotten unsung
    heroes , it become hard to accept easily the TRUTH because it hurts .
    They started to play games with national history then it wasn’t difficult to bring down general public
    particularly the youngsters for their playing field .
    Eritreans patriotism history goes back to our great grandfathers struggle for independent Eritrea and
    if we can’t fight to honor their legacy we can’t fight for our own rights .
    Issayas and his clique are worthless compatriots after their true identities exposed . Let the fools act
    like retards in mental institution to get fooled repeatedly .

  • Abi.negash@hotmail.com March 13, 2017

    Eritrea had the best functioning justice system in those days. The legistlative, Judiciary and. Excecutive bodies were practicing their powers right.
    Do you recall when general Tedla Ogbit was summoned to the court for beating a prisoner ?
    This was real justice at its practice in Erutrea at those days