Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስቱር መገሻ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ሽወደን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ፈተነታት ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት ዘጠቓለለ ተልእኾ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዘካየዶ ንኣባላት ሰልፍን ኣገደስቲ ዝበሎም ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፈ ዝተዓደሙ ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ስቱር ኣኼባ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ሓዱሽ

ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዘካየዶ ንኣባላት ሰልፍን ኣገደስቲ ዝበሎም ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፈ ዝተዓደሙ ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ስቱር ኣኼባ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ንዝህንድሶ ዘሎ ሓዱሽ ፈተታት ባይታ ንምንጻፍ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ውዲት ዝሓዘ ተልእኾ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ፣ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ምስጢራዊ ኣኼባ፣ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣፈታትሓ ሽግር ባድመን ዝተኣሳሰረ እዩ።

ንሱ ኣብቲ ኣኼባ፣ ከም ራሻን ቻይናን ዝኣመሰሉ ዝርካቦም ደገፍትና ነዚ ብሰንኪ ባድመ ምስ ኢትዮጵያ ዘለኩም ጸገም ብዘተ ፍትሑዎ ዝብል ጸቕጢ ይገብርሉና ኣለዉ ብምባል፣ ፈቲና ዘይኮነ ከይፈተና ክንትግብሮ ንሓስበሉ ኣለና ኢሉ።

ብኣበሃህላኡ፣ እቶም ናይ ምብራቕ ሓያላን ሃገራት ነዚ ሻቕሎት ‘ዚ ኣልዒሎምሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ተኽእሎ ምብትታን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዘለዎ ኣስጋእነትን እዩ። “ኢትዮጵያ እንተፈሪሳ፣ ንዓኻትኩም ንኤርትራውያን ‘ውን ሰላም የብልኩምን፣ ስለዚ ብዘተ ምፍታሕ የርብሓኩም እዩ” ከምዝበሉዎም እዩ ኸኣ ዝጠቅስ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ “እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኣብ 2015 ከብቅዕ እዩ፣ ንሕና ኸኣ ብማዕዶ፣ ብመንገዲ ደምሓትን ግንቦት 7 ን ካልኦት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኣቲና ንምብትታኑ ክንሰርሓሉ መደብ ሒዝና ኣለና” ክብል ምስቲ ከምዝተቐበሉዎ ኣመት ዝሃበሉ ሻቕሎት ራሻን ቻይናን ዝጋራጮ ነጥቢ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ መግለጺኡ ካብ ትሳተፍቲ ንዝቐረበሉ፣ “ስለምንታይ ‘ዮም ደምሓት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝሳተፉ ዘለዉ?” ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፣ “ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንደምሓትን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ክትፈልዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብቛንቍኡ፣ ታዕሊሙን ልብሱን ከይተረፈ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሜዳ ዝሃነጽናዮ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ። ምሉእ ዕጥቅን ኣጽዋርን ኣለዎም። ንሕና መሬትን መንቀሳቀሲ ፍቓድን ጥራይ ኢና ሂብናዮም ዘለና። ምሉእ ሓገዝ ዝገብራሎም ሃገራት ኣለዋ” ኢሉ።

እቲ 2014 እንተረጊጹ ‘ውን ከገርም ዝግብኦ፣ ንርእሱ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ 2015 ክፍጸም ኢዩ ኢሉ ብዛዕባ ዝተነበዮ ምብቃዕ ወያነ ዝተኣማመን እንተኾይኑ፣ ካብ ወጻኢ ንዝመጾ ጸቕጢ ዘተን ሰላምን ክቕበል ምግዳዱ ተጋራጫዊ ምዃኑ ብምጥቃስ ንዘልዓልናሎም ሕቶ ኣመልኪቶም እቶም ምንጭታት፣ ብመሰረቱ ብልቡ ስርዓት ወያነ ኣብዚ ዝበሎ ግዜ ክወድቀሉ ካብ ዘለዎ ተስፋ፣ ንርእሱ ብህጹጽ ከይወድቕ ዘለዎ ስግኣት ከምዝዓቢ ብምምልካት፣ ዘተን ሰላምን ክቕበል ዝግደደሉ ምኽንያት ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ብምትህድዳእ ንግዚኡ ዕድሚኡ ንምንዋሕ፣ ብሰላምን ዘተን ተሸፊንካ ከኣ ነቲ ንቐጻሊ ውሕስነት ክኾነኒ ይኽእል’ዩ ዝብሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሳተላይት ክኾኑዎ ዝኽእሉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ናይ ምትካእ ውዲት ምስልሳል ኣሚቶም።

እቲ ን13 ዓመት ንባድመ ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ተዛቲና ማለት ዓለም ተገልቢጣ ማለት እዩ እናበለ “ኣሻፈረኝ” ዝበለ ኢሳይያስ፣ ካብ ማንም ልኡኻቱ፣ ነዚ ዕማም ‘ዚ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክፍጽመሉ ዝሓረየሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ ኸኣ፣ ኢሳይያስ ይኹን እቶም ነዚ ዝሓለፈ 13  ዓመታት ዘዝበሎ ቓላት ዝደጋግሙ ዝነበሩ፣ ከም ብዓል የማነ ማንኪ ዝኣመሰሉ ልኡኻት፣ ነዚ ምዕጻፍ መልሓስ ኢሳይያስ ዘንጸባርቕ ኣንፈት ንደገፍቲ ‘ቲ ስርዓት ከእምኑዎም ኣይክእሉን እዮም ዝብል መረዳእታ ስለዘለዎ፣ ነቲ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ጀነራል ከምዝምመዘዞ ኣገንዚቦም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ነቲ ምስጢራዊ ኣኼባ፣ ኣብ ጀርመን፣ ፍራንክፈት፣ ካብ ሆላንድ፣ ዓዲ ጥልያን ስዊዘርላንድ ዝተዓደሙ ደገፍቱ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዘካየዶ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
118 COMMENTS
  • GOJAM December 6, 2013

    Pleas check hes star in hes sholder he got extra stars since he manege DEMHIT so from now we have to coll hem general nay demhit.

  • Kabbire December 6, 2013

    ተስፋይ ተክኤ፣ ጸባ ስተይ።

    Tesfai Tekie on December 5, 2013 said:

    ተደርብያ ዝነበረት ኮንዶም፡ ኣብ በለዛ ዘልዐላ ስኢና ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ብኣረቂ ዝጨቀወት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ተባሂላ ክንዲቶም ጀነራላትን ኮሎነላትን ኢሉ ዝሰመዮም ኢሳያስ ዝኸውን ተሰማዐነት ዘይብላ ስማዊት ጀነራል፡ ሕጂ ያኢ ብዛዓባ ኣድማሳዊ ፖለቲካ፡ ብዛዐባ ሩስያን ቻይናን፡ ብዛዐባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ 2015ን ምምቕቓል አታ ሃገርን ክትዛረብ!! ሩስያን ቻይናን ውራይ ስኢነን ምስ ሓደ ንኽቕበር ኣብ ሎሚ.ጽባሕ ዝርከብ፡ ንሓንቲ ንአሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝባን ጅሆ ሒዙ ብኽቱር ዘሳቒ ዘሎ ጃንዳ ኣድማሳዊ ፖለቲካ ክዝትያ። ዘይሓፍር ድሙ ገረዝጊሀር ሽሙ።
    ኣሽንካይ ብዛዐባ ገዚፍ ኣድማሳዊ ፖለቲካ፡ ሎሚ ጃንዳ ህግደፍ መዳፍዐ ዝትኩስ፡ ሮከታት ዝውንጭፍ፡ ታንክታት ዝዝውር፡ ነፈርቲ ዘብርር፡ ሎጂስቲክ ዝቕርብ ሰራዊት ዘይብላ፡ ንሃገርስ ይትረፍ ነዛ ንነብሳ ክትከላኸል ዘይትኸአል ጋንታ ቆራያት ኢያ ኮይና ዘላ። ዓሚ ወያነ ንዓዲ ተኽላይ ብዘይ ሓንቲ ጥይት ምትካስ ከምዝሓዘታ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ።
    ስለምንታይ ግን ሎሚ ስብሓት ኤፍረም ናብ ኤውሮጳ? ደኾን ተባሂሉለይ፡ ደኾን ንማዐበል ተቓውሞ ትገጥመለይ ትኸውን ተባሂሉ፡፡ ብዓል ማንኪ ኣብቂዐን’የን፡ ኩሉ መብጽዓታተን ባዶሽ ኮይኑ፡ ደጊም ቁም.ነገር ዝቖጽረን ጃለ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዳርጋ የለን። ስለዚ ኢሳያስ ነቶም ሰዓብተይ ዝብሎም ኣብ ግዳም ዘለዉ ሰለይቱን ጃለታቱን፡ በዛ ናይ ቀደም፡ ግን ከም ሓዳሽ መኾስተር ክጥቀመላ ደልዩ ዘሎ ኣቢሉ፡ “ኣጆኹም ኣለኹ፡ ሓይለይ ገና’ሎ፡ ኣሽንካይ ክመውትስ ረአኹም ብዛዐባ ምግምማዐ ኢትዮፕያ ከማን ምስ ርአሰ.ሓያላን አናዘተኹ ኢየ” ዝብል ንመቐነዪ ዝኾኖ ናይ ሓሶት ጥሩምባ ንኽትነፍሓሉ ልኢኹዋ ። ብተወሳኺ፡ ኢሳያስ ንውጩ ቀቲልዎ አናተባህለ ኣብ ኣስመራ ይዝረብ ስለዘሎ፡ ኣተኩሮ ናብ ካልአ ንምጥምዛዝ አውን ይኸውን። ሽሕ ጊዜ ክተታልልን ዘይኮነቶ ክትከውንን ደኣ ትድለምበር፡ ዐድመ ጃንዳ ህግደፍን ሓለቓኣን ኣብ ቀረባ ከምዘብቅዔ ህዝቢ ኤርትራ ክብሰር ኢዩ።

    • kidane December 6, 2013

      Haye bi bret tegadel bi computer zirkeb awet ayreanan.

  • MightyEmbasoyra December 7, 2013

    I believe if General Sibhat had a 2nd chance, he would have done it different way. I would think that he had hard time to get away from all the crimes he had witnessed. If we get another Mandella, some of these guys would repent their sins and try to repay the Eritrean people. Should we give them another chance? May be we should, for the sake of the country.

  • waEro December 7, 2013

    His nick name is arios.

    • Truth December 7, 2013

      His Nick Name is Equo’t. Arios is his Brother.

  • Rahel December 7, 2013

    http://www.sudantribune.com/spip.php?article49078

    eritrean militery sells ertireans… read the link

  • kalsi nfthi December 7, 2013

    Btam zgerm sbhat eseyas flipos alamin hagos(ksha)many others kdus SM zelewom gn srah seytan zserhu sebat aniwey sbhat kulatna kem nfelto jgnnetu zetfea nab wekarya ztekeyer EU nshmu general tbahilu smawi tsurura teshekimu neti hanti tyt zeutekose eseyas yegelgl Alo mshknay kelbi EU ztfeo zbrelr ember seb truf sebat tewediom sbhat ab ergana mhayo eseyas joins zgerm EU wet ab aynom zelo gundi zeyreaus ab ayni weyane zelo beser mrayom EU zgerm khadti

  • Solomon December 7, 2013

    Anta eziom si Ezi Electric abyu zelo ab Ertra
    May wehidu zelo.
    Eti mes gorebabti quinat mewielae.
    Etom 15 zeaserwom.
    Etom gazetegnatat zeteasru.
    N Ertrawian ab bediewin meshat.
    Demhit ab asmera gefefu mebal.
    china Rashan azizomna keybluna.

    Solomon

  • sara gual eritra December 7, 2013

    ministry of WSHATE enda hishkshuk

  • open your mind December 7, 2013

    Kidane what is wrong with you. Cant you see how the country is falling apart. Have you ever thought we Eritreans will be the way we are now ? Think for a second .how can you have the gut to support these mafia gangs? I mean think again why is it what you think inside is different from what you are writing here.HILINA YIHALUWKA .it looks you have no brain that functions like your master Esayas.Esayas has no choice. No turning point .he will continue his way to hell till he dies but you are innocent person who have nothing to do with this criminals. Why you dont come out from the yoke of sslavery .not only you but all the people who support these mother fuckers are sick and chickens. They cant even talk what they see bravely.Esayas is human is gonna go ttomorrow like human but you will be ashamed of your words tomorrow.

  • Mesinas December 11, 2013

    ኣየናይ ጀነራል!?

    እዚ መጋድልቱ ሓስዩ ዘእስር
    ህዝብናን ሃገርናን *ብኣባይ ዘድፍር *ብጸላኢ
    እዚ ቃል መላኺ ከም ዳዊት ዚዝምር
    እዚ *ኣሩኤል ድዩ’ታ ኣብ በለዛ ዝነብር *ወኻርያ
    ጀነራል ትብሉዎ መዓርግ ከሕስር!

    ህዝቡ ዓቕሊ ኣጽቢቡ እናተበታተነ
    ብምሕደራ ምልኪ ወትሩ *እናመቀነ *እናተጨነቐ
    እዚ ምስ መላኺ ንስልጣኑ ዚወገነ
    ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ምሒር ዚጨከነ
    ካብ ከንቲባ ኣስመራ ሚኒስተር ዝኾነ
    ጀነራል ክሰምዮስ ኣይደፍርን ኣነ!

    ጀነራል ከመይድዩ!?

    ህይወት ሰራዊቱ ብግቡእ ዘይፈልጥ
    ትዕበ ትንኣስ *ሓጀት ፍጹም ዘየስልጥ *ጉዳይ፡ ስራሕ
    ኣውያት ውጹዕ ህዝቢ ሰሚዑ ዘጽቅጥ
    *ንሻን ናይ ጀጋኑ ብሓሶት ዚቕንጥጥ *ሽልማት ኣገልግሎት
    ብድምጺ መላኺ ባህሪሩ ዘንቀጥቅጥ
    ካብ ጠለብቲ ለውጢ ከዲዑ ዘምልጥ
    ጀነራል ኣይኮነን *ጽቁንቁን እዩ ጻቕጥ! *ምጹጹላይ እዩ

    እዚ *ንሓወርቲ ከዲዑ ዘሐንኩል *ንገስገስቲ
    ህይወት ዜጋታቱ ብዓመጽ ዘቖምስል
    እቲ’ኳ ብኾፉ ወትሩ *ዝዕም ዚብል *ትኽስ
    ንኽድመት መላኺ ወረ ዘቀባብል
    ጀነራል ኣይትበሉዎ መዓርግ ከይብልል
    ካልእ ድለይሉ ንእኡ ዚመስል!

    ኣየ ጀነራል ህግደፍ!

    ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተሰውኡሉ
    ዓለም ብምልእታ *ዝማህተትሉ *ዝመስከረትሉ
    እቲ ስቡሕ መሬትና *ርእሶ ዝፈርየሉ *ኣርባዕተ ዝጠሬሩ ሓዋይ ስርናይ
    *ጠሪሩዎ እንከሎ ወያነ ብሓይሉ *ገቢቱዎ
    ዶባትና ጥሒሱ እናዓንደረሉ
    ጀነራል ህግደፍ ግን መላኺ ኪሕሉ
    ዶባትና ከኽብር ኣበይ ኣርኪቡሉ!

    በል ደሓን ጀነራል!

    እቶም ጀጋኑና ንህዝቢ እተዓጥቁ
    ድምብርጽ ዘይብሎም ፍጹም ዘይጭነቑ
    ከማኻ ምስ ምልኪ ዘይተጨማለቑ
    ሎሚ ብጥልመትካ ዋላ እንተ ሓቐቑ
    ሽርሕታት መላኺ ምስ ተገልጸ ሓቁ
    እቲ ህያው ታሪኾም ከም ፈልሲ ጸዲቑ
    ወትሩ ክነብር’ዩ ከም ጸሓይ ደሚቑ!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 11-12-2013

1 6 7 8

Post a Reply to Solomon Cancel Reply