Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነጥበባውያን ሃገርና ሕጂኸ ናበይ?

 ህግደፍ ንስነጥበብ ሃገርና ከም ካልእ ዓውድታት ስነፍልጠት ይኹን ሞያ ጅሆ ሒዙዎ ነይሩን ኣሎን። ስነጥበብ ክብሃል ከሎ፡ ንስእሊ፡ ቅብኣ፡ ካይላ፡ ሙዚቃ፡ ተዋስኦ፡ ስነጽሑፍ ወዘተ ዝምልከት’ዩ። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንስነጥበብ ንሓፋሽ ኣብ ምብርባርን ምንቕቃሕን ብኣድማዒ ይጥቀመሉ

 ህግደፍ ንስነጥበብ ሃገርና ከም ካልእ ዓውድታት ስነፍልጠት ይኹን ሞያ ጅሆ ሒዙዎ ነይሩን ኣሎን። ስነጥበብ ክብሃል ከሎ፡ ንስእሊ፡ ቅብኣ፡ ካይላ፡ ሙዚቃ፡ ተዋስኦ፡ ስነጽሑፍ ወዘተ ዝምልከት’ዩ። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንስነጥበብ ንሓፋሽ ኣብ ምብርባርን ምንቕቃሕን ብኣድማዒ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ነጋራይ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኮነን። ግንከ፡ ኣብ ዘመነ ገድሊ እንተ ኾነ’ውን፡ ስነጥበብ ንሓፋሽ ከገልግል ኣለዎ ዝብል ውድባዊ መምርሒ ስለ ዝነበረ፡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ንባህሪ፡ ንፍቕሪ፡ ንሰብኣውነት፡ ንስነጽባቐ ወዘተ ናጻ ኮይኖም ክግለጹ ዕድል ከም ዘይነበሮም ርዱእ ክኸውን ይግብኦ። ካብዚ ዝተበገሰ (ንምንቃፉ ዘይኮነ) ዝርካቡ ስነጥበባዊ ስራሓት ክኢላታትና፡ ንተኣምራታዊ ቅያ ሰራዊት ህግሓኤ፡ ንጭቈና ገዛእቲ፡ ንቕሓት ሓፋሽ ዝፈጥሮ ሓይሊ ወዘተ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ። ስነጥበብ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ዝነበሮ ተራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ግን ናጻ ናይ ምምዕባል ዕድል ክወሃቦ ከም ሓጢያት ክሕሰብ ኣይነበሮን። ናጻ ኮይኑ ክምዕብል ዕድል ተዋሂቡዎ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ክሰጋገር ምኸኣለ ነይሩ።

Adonaiህግደፍ ዝሓለፈ ግፍዕን በደልን ከይኣኽሎ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ንዅሉ ስነጥበባዊ ስራሓት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ፍሕት ምባል ከሊኡዎ እዩ ጸኒሑ። ዝተፈላለዩ ስነጥበባውያን ሃገርና ንኸይምዕብሉ ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጕዳያት ዝብል ልሙስ ኣሃዱ ብምጥርናፍ ብትእዛዙ ከም ዝኸዱ ጥራይ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብ 1995 ማሕበር ስነጥበባውያን ዝብል ጥርናፈ ናጻ ናይ ደረፍቲ ማሕበር ሓንቲ ቍምነገር ከይገበረ ብውዲት ከም ዝቕህም ገይሩዎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝነጥፉ ስነጥበባውያን ድማ ብዝተዋህቦም ቴማ ጥራይ እናነጠፉ ኣብ ፌስቲቫላት፡ በዓል ናጽነት ጥራይ ከም ዝንቀሳቐሱ ይግበር ነይሩን ኣሎን። ብፍላይ ኣብ ተዋስኦታትን ፊልምታትን ዝርአ ዘሎ፡ ንክዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ኵነታት ስነጥበብ ሃገርና ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ድማ ብፍላይ ፊልም፡ ድራማን ስነጽሑፍን ክሳብ ክንደይ መሬት ዘቢጡ ከም ዘሎ ንጹር መርኣያ እዩ።

ብወገነይ ስነጥበባውያን ሃገርና ክሳብ መዓስ’ዮም ነቲ ስርዓት ከገልግሉዎ እናበልኩ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ከለኹ ምስ ብዙሓት ስነጥበባውያን እራኸብ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ዕጹው ስርዓት ናጻ ኴንካ ክትዛረብ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ገለ በጻብዕ ዝቝጽሩ ስነጥበባዊ ጥራይ ዓው ኢለ ክዛረብ ክኢለ ነይረ። ሓደ ካብኣቶም ድማ ሚካኤል ኣዶናይ ነይሩ። ብበዅሪ ልብወለዳዊት መጽሓፈይ ሮዛን ሰሌን ዝተላዕለ ኣጋጣሚ ብኣካል ምስ ተላለና ድማ ጽቡቕ ርክብ ፈጢርና። ምቕሉልነቱ፡ ህዱእ ጠባዩ፡ ተወፋይነቱ ምስ ተዓዘብኩ ድማ ርክብና ዝያዳ ክድልድል ክኢሉ። ንሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ዝተጐዓዝናሉ እዋን ነቲ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸበ ስነጥበባዊ መበቈላዊ ስራሓቱ ክዕዘብ ክኢለ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስራሓቱ ብኸመይ ይጅምሮ፡ ነቲ ምንጪ ሓሳብ ናይ ቅብኣታቱ ብኸመይ ከም ዝረኽቦን ከም ዝጅምሮን፡ ነቲ ብርቱዕ ትዕግስቲ ዝሓትት ዕማም ብኸመይ ከም ዝፍጽሞን ንምዕዛብ ድማ ዕድል ረኺበ። ብዙሓት ሰባት ህቡባት ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ገለ ግሁድ ዝኾነ ኣነነት ገለ ድማ ስቱር ትዕቢት ከርእዩ ትዕዘብ ኢኻ። ወዲኣዶናይ፡ ግን በንጻር’ቲ ዘለዎ ተፈላጥነትን ህቡብነትን ንዝኾነ ሰብ ብትሕትና ዝቐርብ ምዃኑ ልዕል’ቲ ሞያኡ ዝስራዕ ብልጫ እዩ።

እዚ ኾይኑ ግን ጭፍራ ህግደፍ፡ ኣንጻር’ቶም ዘይንብርኹ ስነጥበባውያን ብምዕጣቕ፡ ነቶም እግሩ ዝሳለሙዎ ደረፍቲ ትካላትን ገዛውትን ክሽልሞም ከሎ፡ ንሚካኤል ኣዶናይ ግን ዓለም ዝመስከረሉ ስነጥበባዊ ክነሱ ጥልዕ ጕምብስ ስለ ዘይበለ ጥራይ፡ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ብዛዕባኡ እናቃልሓኦ ከለዋ፡ ኤሪቲቪ ትኹን ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባኡ ብጭቝ ከይበላ ሓሊፈናኦ። ናብ ወጻኢ ክዕደም ከሎ’ውን፡ ጭፍራ ህግደፍ ገለዶ በቲ ስራሓቱ ስም ንረክብ ብምባል እንተ ዘይኮይኑ ክኽልክሉዎ ዘይተደናደኑ ኣይነበሩን። ንጹር መታን ክኾነልና ነቲ ጕዳይ ብጭቡጥ መርትዖታት ከቕርቦ።

 

ናብቲ ዝነበረ ኤግዚቢሽናት ቅድሚ ምእታወይ ግን ነቶም ዘይትፈልጡዎ ምስ ሚካኤል ኣዶናይ ከላልየልኩም። ወዲኣዶናይ ኣብ 1962 ዝተወልደ፡ ኣብ 1977 ድማ ኣብ ህግሓኤ ዝተሰለፈ ህቡብ ስነጥበባዊ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህግሓኤ ቅብኣ ክብሃል ከሎ ሚካኤል ዝብል ስም ቅልቅል ክብል ግድንዩ። ስነጥበባዊ ሚካኤል ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ናይ ቃልሲ ህይወቱ ዘፍረዮ ኣገዳሲ ናይ ቅብኣ ስራሓት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሲንጋፖር፡ ኣመሪካ፡ ዱባይ፡ ኢጣልያ፡ ዓዲእንግሊዝ፡ ኣቡዳቢ፡ ደቡብፍሪቃ፡ ኩወይትን ስዊድንን ኣብ ዝተገብረ ምርኢታት ከም ዝተሳተፈን ቅብኣዊ ስራሓቱ ዓቢ ናእዳ ከም ዝተረፈን ክፍለጥ ይግብኦ። ጭፍራ ህግደፍ ግን ንዅሉ ሰብ ከንበርክኽ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ነዚ ንምርዳእ ነዝስዕብ ፍጻሜ ንተዓዘብ። ሚካኤል ኣብ ኣብ ሓምለ 2012 ኣብ ኣንዶራ ኣብ ዝተገብረ ሳልሳይ ኣህጕራዊ ውድድር ስነጥበብ፡ ኣምባሳደር ስነጥበብ ብምዃን ንሃገሩ ወኪሉ ምስ ካልኦት 29 ህቡባት ናይ ዓለም ስነጥባውያን ተሳቲፉ። እዚ ውድድር’ዚ ብዩነሰኮ (UNESCO) ዝተዳለወን ዝተመወለን ዓቢ ምርኢት’ዩ ነይሩ። እንተ ኾነ፡ ህዝቢ ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ኣፍልጦ ክህልዎ ስለ ዘይክእል ጭፍራ ህግደፍ ነቲ ዜና ኮነ ኢሉ ብምዕፋን ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ከቕርቦ ኣይተራእየን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ተሳታፊ ንሃገሩ ወኪሉ’ኳ እንተ ተሳተፈ ብህግደፍ ዘይድለ ባእታ ስለ ዝነበረ ዝብል መልሲ ንረክብ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ኦክስፎርድ ፕረስ ሽዱሽተ ቅጺ ዝሓዘ፡ DICTIONARY OF AFRICAN BIOGRAPHY (DAB) ዝብል መጽሓፍ ንህቡባት ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን፡ ደረስቲ፡ ኣትለታውያን፡ ደረፍቲ ወዘተ ዝምልከት መጽሓፍ ኣሕቲሙ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ (DAB) ሕርያ ካብ ኤርትራ፡ ሰለስተ ስነጥበባውያን ማለት፡ ነፍስሄር ኣቦና ኣቶ ኣለማየሁ ካሕሳይ፡ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይን ቀባኣይን ደራሳይን ሚካኤል ኣዶናይ ተመሪጾም። እቲ ብዛዕባ 2100 ህቡባት ኣፍሪቃውያን ዝትርኽ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ምሁራት ዝተዳለወ ነይሩ። ጭፍራ ህግደፍ ግን ነዚ ዜናዚ’ውን ኮነ ኢሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክቃላሕ ስለ ዘይደለዮ ተዓፊኑ ከም ዝተርፍ ገይሩዎ። ብዓንተቦኡ ኤሪቲቪ ትኹን ሓዳስ ኤርትራ (ድምጺሓፋሽ) መደበራት ሓሶት ስለዝኾና ነቲ ሓቂ ቦታ ኣይረኽባሉን እየን። ጭፍራ ህግደፍ ግን ነቶም ዘየጣቕዑሉ ህቡባት ሰባት ብጐቦ ዓይኑ ስለ ዝጥምቶም ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ምጕናይ ኣመሉ እዩ። ንኣለምሰገድ ዝኣክል ውሩይ ደራስን ዓቢ ናይ ታሪኽ ተመራማርን ከይተረፈ ኣይንፈላለ ዝብል መጽሓፉ ክምረቕ ከሎ ብመደብ ኣብ መስኮት ኤሪቲቪ ኣየቐልቀሎን። ካልኦት ኣብነታት’ውን ክጠቅስ ምኸኣልኩ ነይረ ንሎሚ ግን እዚ እኹል ይመስለኒ።

 

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እዞም ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ወጻኢ ንነብር ዘለና ሰባት፡ ነቶም ካብ ሃገር ድሕረና ክወጽኡ ዝግደዱ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ሞራል ብምሃብ ኣጆኹም ክንብሎምን ክነተባብዖምን ደኣ’ምበር ስለምንታይ ደንጕኹም ብምባል ክንድህሎምን ክነጕባዕብዓሎምን ግቡእ ኣይመስለንን። ብቐዳምነት ዝኾነ ሰብ ተገዲዱ እንተ ዘይኮይኑ ብሰናይ ድሌቱ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ ከም ዘየሎ ክንፈልጥ ኣለና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገር ንጭፍራ ህግደፍ ጠንጢንናያ እንተ ወጺእና፡ ንጃንዳ ህግደፍ ከምቲ ናይ ዝብኢ ምራኹት ንበይንኻ ሓሉ ዝተባህለ እዩ ክኾነሎም። ሃየ ሃገር ድላይኩም ግበሩዋ ብምባል ዜግነት ንቕይር ከም ዘለና ንፍለጥ። ድሕርዚ ዝተርፍ ከምቲ ፓይሎት ዝበሎ ናብ ገዛእ ሃገርና ብቪዛ ምእታው’ዩ። ስለዚ፡ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብሞያኦም ይኹን ፍሉይ ክእለቶም ንሃገር ዘጸውዑ፡ ስነጥበባውያን፡ ስፖርታዉያን ወይ ጋዜጠኛታት ብዝከኣለና መጠን ክንሕብሕቦምን ኣጆኹም ክንብሎምን ዝግብኣና ኮይኑ ይስምዓኒ።

 

ድሕሪ ናጽነት እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ፡ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን፡ ሰፍኢ ዘቐበለን ዘየቐበለን፡ ተዓዛባይ ዝነበረ ይኹን ጸረ ህዝቢ ዝነበረ መምሳሉ ይዛረብ ኣሎ። ኣብዚ ዝለናዮ ግዜ’ምበኣር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጸኒሑ ነቲ ስርዓት ብምርሕራሕ ዝወጽአ ሰብ፡ ‘እንቋዕ ደሓን መጻእካ!’ ብምባል ኢድና ዘርጊሕና ክንቅበሎን ኣንጻር’ቲ ስርዓት ክነቃልሶን ክንፍትን ደኣ’ምበር፡ ክነቈናጽቦን ኣብ ርእስቲ ዘለዎ ጸገም ክነጻግመሉን ግቡእ ኣይኮነን። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ማንም ሰብ ንዝኾነ ሰብ መራሕ መስርዕ ወይ ሓለቓ ክኾነሉ መሰል የብሉን። ከም ኣገባብ ቃልሲ’ውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሓደ ንእስነቱ ኣብ ሰውራ ዘብለየ ሰብ፡ ዘመድካ ተቓዋማይ እዩ ተባሂሉ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክሳቐን ሕማቕ ህይወት ከሕልፍ ንዝጸንሐን ህቡብ ሞያዊ፡ ምስ እከለ ርክብ ነይሩካ’ባ፡ ምስ እከለ ተዕልል ኔርካ’ባ ኢልካ መርማሪ ፖሊስ ክትከውን ምፍታን ቅኑዕ ኣይመስለንን። እቶም፡ ‘ክሳብ ሎሚ ኣበይ ኔርካ?’ ዝብሉ ሰባት ንስኻትኩምከ ኣበይ ኔርኩም ክብሃሉ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ኣለዎም። እቲ ኣገዳሲ ግን ንሱ ኣይኮነን።

 

በዚ  ኣጋጣሚ፡ ንሓው ወዲኣዶናይ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ስለ ዝጸናሕኩ እዛረብ ኣለኹ’ምበር፡ ብዙሓት ከምኡ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ርዱእ ይመስለኒ። ብፍላይ ነዞም ንዕድመኦም ምሉእ ዝተቓለሱ ሰባት ኣብ ክንዲ ምሕብሓቦም ክነርሕቖም ኣይንፈትን። ምኽንያቱ፡ እዚ ተግባር’ዚ ነቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝሃሲ’ምበር ዝሕግዝ ኣይኮነን። በንጻሩ ንወይጦታት ህግደፍ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ኵነታት እዩ። ምናልባሽ ብኣታቶም ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ጥርጥር የብለይን። ተቓወምቲ ዝፍንዉዎ ዘለዉ ኣምሲሎም ከቕርቡዎ ድማ ይፍትኑ። ነዚ ተንኰል’ዚ ክነስተውዕለሉን ኣሎ ዝብሃል ግብረ መልሲ ክንህበሉ ዝግባእ ኮይኑ ድማ ይስምዓኒ። ከም ተቓለስቲ መጠን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቃልሲ ክሳተፉ ንዝኽእሉ ኣሕዋትና ምውንጃልን ምውቃስን ንኣቱ፡ ብኸመይ መንገዲ ነተባብዖምን ነረጋግኦምን፡ ቀስ ኢልና ድማ ናብ ደምበ ቃልሲ ንስሕቦምን ክንሓስብ ኣለና። ብፍላይ እዛ፡ “ኣበይ ነይሩ ክሳብ ሎሚ?” ትብል ዘረባ ክነጥፍኣ ኣለና። ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ክጅመር ከሎ፡ እቶም ነባራት ነቶም ብሰንኪ ዕድመ ይኹን ካልእ ምኽንያት ደንጕና ዘርከብና፡ “ኣበይ ኔርኩም?” ኣይበሉናን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ንክቡር ስነጥበባዊ ሓው ወዲኣዶናይ፡ “እንቋዕ ኣምላኽ ካብ መንጋጋ በላዒ ኣውጺኡ ኣብ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ኣብጽሓካ፡” እናበልኩ፡ ኣብ ዝተረጋጋእካሉን ኣብቲ ዝጠዓመካን ግዜ ንህዝብኻ ተሞክሮኻ ክተካፍሎ እላበው። ነቶም ካልኦት ስነጥበባውያን ሃገርና ድማ ኣብነትካ ብምኽታል ነቲ ስርዓት ክርሕርሑዎን ከጸምዉዎን እምነ።

ዓወት ንህዝቢ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • kiflemariam April 26, 2013

    selam istifanos,kulu tsubuk aloka kab kulu zehzinaka gn wetsi-om ksab menberi fkad zwesdu km tekawemti ymeslu memberi fikad ms wesedu ab inda hgdef kegheglu tiriom zehzin iyu (Aklabat ykonu)imber izi tblo zeleka kulu tik-kl iyu, tsib aflto aleka kemaka ybzhu,keep-it up!!!!!

  • Hazhaz April 26, 2013

    There are some Eritreans web sites that never post any article on the current slavery of Eritreans in the Arab world and the miserable and humiliating life of young Eritreans in Libya, Egypt and Sudan, not different from the Hgdef regime.
    On a different subject, the astute political observer and the best thinker and writer of our time – Yosief Gheberehiwet – wrote a thought provoking article titled “Let the Eritrean Masses Eat Pride and Dignity!”
    “Indeed, it seems that whenever the team feels there is a major crisis to be averted, the pride and dignity of Eritreans has to be invoked no matter what; no doubt, appeal to the nationalism of the readers being the driving motive behind this strategy. The team can always count on some of the reluctant nationalists to line up behind it if the tricolored or blue patriotic card is waved high enough for everyone to notice. And, what is more, such a wielding never fails to rile up the rabid nationalists if the underlying, not-so-subtle message that goes with it is the call-to-arms, “The Ethiopians are coming!”

    If so, the pride-and-dignity strategy is meant to work at two different levels: at the nationalists level and at the invokers level. In the latter case, what they say on “pride and dignity” should not be looked at its face value only, even as the manipulators themselves sometimes subscribe to such a mantra; for there is invariably an ulterior motive behind such invocation.”
    For full article read:

    http://www.asmarino.com/articles/1489-le7-the-eritrean-masses-eat-pride-and-dignity

    ——————————–

  • Hahabe April 28, 2013

    ሓው እስጢፋኖስ፡ መጀመርያ ነዚ ዓቢ ኣገድስነት ዘለዎን፡ እዋናዊን ኣርእስቲ ወሲድካ ብምጽሓፍካ ምስጋና ንኣኻ።
    ኻብቲ ጠቂስካዮ ዘለኻ ሓደ ሓደ ነጥብታት ግን ሓቅነት ዘለዎ ኣይመስልን። ከም ወዮ ሰብ ዓዋተ ወብሳይት ድማ: መሓዛኻ ወይ ዘመድካ ትከላኸል ዘለኻ ትመስል። ህቡብነትን ክእለትን ሚኪኤል ኣዶናይ ዘማትእን ዘዛርብን ኣይኮነን። ምኪኤል ኣዶናይ ግን ካብቶም ከም ድላዮም ዝወጽኡን ዝኣትውን ዝነበሩ ውሑዳት ስነ-ጥበባውያን፡ ምናልባት ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንስለ ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ካብቶም ፍርያቶም፡ ገና ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና (ተጋደልቲ ወይ ሃገራዊ ኣገልግሎት) ዕዳጋ ከውዕሉ ዘይፍቀደሎም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብቶም ካብ ፈለማ ፍሉይ ሓለፋ ተገይሩሎም ፍርያቶም ዝሸጡ ሓደ’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣይግብኦን’ዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ይግብኦን ፈረቃን። እቲ ገባቲ ስርኣት ካብ መጀመርያ ልዕሊ መዛንኡ ከምዝተጻብኦ ጌርካ ምቅራቡ ግን ቁኑዕ ኣይመስልን።
    ንኣብነት፡ መስኮት ቲቪ ኤርትራስ ሳላ እቲ ምስኡ ጸጸር ተዋሓሒጦም ዝተዓራረኹ ዓሊ ዓብዱስ፡ ከም መስኮት ገዝኡ እነናሻዕ ይቅልቀልን ይጥቀመላን ነይሩ’ዩ። ሓቂስ ኣይንዕበጥ ደኣ። በዓል መጽኣ፡ ቃለ-መሕትታት ክገብር፡ ኣረ እንሓሳብስ ኣዳላዊ ኮይኑ ክቀርብ፡ እንርእዮ ዝነበርና ካልእ ወዲ ኣዶናይ ዶ ደኣ ኾይኑ? ምናልባት እቶም ሰብ ቅብኣ፡ ደረስቲ፡ ኮታ ኩሎም ስነ- ጥበበኛታት ክብልዎ ዝኽእሉ ሰልዘሎስ ደሓን ንእዖም ንገድፎ። ምኽንያቱስ ኣብ ባህላዊ ጉዳያትን ህግደፍን ዝነበረ ቢሮክራሲያዊ ጠነግ፡ ንመናእስያት ስነጥበበኛታት ሓኒቅካ ቀቲልካ፡ ኩሎም ስነ-ጥበበኛታት ተጋደልቲ መታን ክረብሑ ዝግበር ዝነበረን፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ዘብጽሖ ዕንወትን ንስኻውን ትስሕቶ ኣይመስለንን። እዚ ግን ንግዜ ክንገድፎ ደሓን።
    ኣብቲ ፖለቲካ ሃገርና ኣይተጨማለቀን ከምቶም ካልኦት ኢልካ፡ ክትሙጉት ትኽእል ትኸውን፡ እቲ ስርኣት ህግደፍ ዶቂስዎ፡ ኣብ ተለቭዝን ምውጻእ ኣብይዎ ኢልካ ሃፈስ-ቀደስ ግን ሓቂ ምእባጥ ጥራይ’ዩ። እቲ ነገር ኣብ ሓውኻን ኣርክኻን ምስ በጽሐ ሓባቢልካ ምጽሓፍ ኣይግድን። ዓዋተ ዶት ኮም ንሓዎም ዓሊ ዓብዱ፡ (ትኽ ትንፋስ ሚኪኤልን መሳርሕቱን) ክከላኸሉ ሓቂ ዓቢጦማ ደቂሶም ይርከቡ። ካብዚ ንላዕሊ ንህዝቢ ምብዳል ድማ ክህሉ ኣይክእልን። ፍትሒስ ንኹሉ ብማዕረ ደኣ። ሓቂ ከኣ እታ እንኮ ሓራ ተውጻኣና ቅድስቲ ነገር ንሳ ጥራ’ያ።
    ደሓር ከኣ፡ ህዝቢ ኣበይ ነይሩ ኢሉ እንተሓተተስ ዘኽፍእ ኣይኮነን። እዚ ድማ ካበይ’ዩ ዝነቅል መስለካ ሓውና እስቲፋኖስ፡ እቶም ነዚ ስርዓት መሓውርን ትንፋስን ኮይኖም፡ ሂወት ሰዂኡ ተተይ ክብል ዝገብርዎ ዘለዉስ እቶም ኣብ ላእለዋይ ጽፍሒ ዘለዉ ኩሎም ተላኣኣኽቱ ከምኒ ዓሊ ዓብዱን ካልኦትን እዮም’ሞ፡ ምናልባት ንሶም ተዝሕንግዱስ እዚ ስርዓት ትማል ምስ ፈረሰ ነይሩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ። ሓደ ብከምዚ ጽፍሒ ኣገልጋሊ ህግደፍ ዝነበረ ሰብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ራሕሪሑ ስለዝወጸ፡ ኩሉ ክርሳዕን፡ ውግሕ ኢላ ይቅረ ክዋሃቦምን ማለትካ እንተኾይኑ፡ ኣይፋልካን ኣብ ምድሪ ኢና ዘለና። ደሓር ከኣ ካብ ዝወጽኡስ ማኣስ ውሒዱ፡ ነቲ ስርኣት ንምቅላዑ ግና ብዙሕ ዝረኣናዮን ዝሰማእናዮን የለን እሞ፡ “ስለምንታይ?” ኢልና ድማ ንሓትት። ተዘይኮነ በዚ ሞገተኻስ ኩሉ፡ በደል ዘውረደን ዘየውረደን፡ (ሚኪኤል ኣውሪዱ ኣይብልኩኻን) ህዝብና ዘጋፈዓን ዘየጋፈዓን ኩሉ፡ እዚ ስርዓት ኣብ ምኹርማሹ ራሕሪሕዎ ስለዝወጽኣስ፡ ኩሉ በደላት ከምዘይተገብረ ክንርስዖ ማለት ኣይኮነን። ወዳሓንካ።

    • Stefanos temolso April 29, 2013

      ክቡር ሓው፡ ስለቲ ተገዲስካ ርእይቶኻ ምጽሓፍካ ከመስግነካ እፈቱ። ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሰልካ ግን፡ ንሕና ኤርትራውያን ምሉእ ዓቕምና ኣብ ምድንፋዕ ቃልሲ ክንዲ ንደፍእ፡ ኣብ ኣምንቺ ምንቺን ውልቀሰባት ኣብ ምጥቃዕን ነተኵር ምህላውና ክሕብር እፈቱ። ዝኾነ ሰብ ብዝገበሮ ገበን ተሓታቲ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፡ ምስ እከለ ተዛሪብካ ወይ ዓርኩ ኔርካ ብዝብል ምስምስ ክቃለሱ ንዝኽእሉ ሰባት ክንውግኖም ቅኑዕ ኣይመስለንን። እዚ ንጭፍራ ህግደፍ ድሉው መኣዲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ረብሓ የብሎምን። ንሕና ሎሚ ይትረፍ ናይ ቃልሲ ተሞክሮ ዘለዎም ሰባት፡ ወላ እታ ኣዝያ ደቃቕ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት ክንሓ`ፍ ክንክእል ኣለና። ብኸምኡ’ኳ እንተ ክኢልናዮ። ስለዚ፡ ሓይልና ቃልሲ ኣብ ምድንፋዕ’ምበር ሰባት ኣብ ምርሓቕ ከተኵር የብሉን። መስሓቕ ጭፍራ ህግደፍ ኢናኮ ንኸውን ዘለና። ብወገነይ ዝኾነ ሰብ ካብ ሃገር እንተ ዘይወጽአ ዝሓሸ እዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለኒ። ኣብ ዘይከኣለሉ ግዜ ግን ካብ ጽፍሪ ህግደፍ ከም ድላይካ ምውጻእ ዝከኣል ኣይኮነን። ሰብ ኣብ ዝጠዓሞ ግዜን ቦታን ጥራይ እዩ ክወጽእ ዝኽእል። ጽባሕ ንግሆ ምናልባት ተቐዳደምቲ ብቺክለታ ወይ ናይ ፍርቂ ማራቶን ተቐዳደምቲ ክወጽኡ ይኽእኩ ይኾኑ። መርሓባ! ኣጆኹም ኢልና ክነቃልሶም ክንጽዕር’ምበር፡ ንፕረሲደንት ሰላም ኢልኩሞ ኔርኩም ወይ ምስ ሮሞዳን ኣውሊያይ ተዕልሉ ኔርኩም ኢልና ክንውግኖምን ክነርሕቖምን ዲና? ኣይፋል! ንሕና ብዝከኣለና ኣንጻር ጭፍራ ህግደፍ ክቃለስ ይኽእልዩ ንዝበልናዮ፡ ሓንቲ እምኒ ዝድርቢውን ክንጥርንፎን ክንቀርቦን እዩ ዘለና። ተስፋ እገብር ነጥበይ ተረዲእካዮ ክትከውን። ካብዚ ወጻኢ እንተ ተዛረብና ትርጕም ዝህልዎ ኣይመስለን።

  • Mesinas April 29, 2013

    ዝኸበርካ ሓው እስቲፋኖስ ሰላም። ጽሑፍካ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣነውን ዝሰማማዓሉ ህሉው ተርእዮ እዩ። ብርግጽ ንልቦና ዘሎዎን ኣብ ባህሉን ቋንቋኡን ዓሚቚ ኣፍልጦ ዘሎዎን ሰብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይምግናን ንቋንቋናን ባህልናን ከም ሕሱም ይቐትሎ ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እቶም ለላህመቱ ርእዮም ማለት ብቛንቋና ክንዛረብን ክንጽሕፍን ስለ ዝተፈቕደልና ጥራይ ጅር ህግደፍ ንምዕባለ ስነ ጥበብ ባብ ከም ዘርሓወ ጌሮም ዝዛረቡ ሰባት ግን ኣብቲ ዓውዲ’ሞ ጥለቑ ባህልናን መሳርሒኡ ቋንቋኡን ካብ ናይ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብከቢድ ተሃስዩ ከም ዘሎ ክርደኣኩም’ዩ ጥራይ እየ ክብሎም ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ሽዑ ቋንቋናን ባህልናን ብገዛእቲ ክጽቀጥን ክህሰን ከም ዝኽእል ኣሚንና ዓቢ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ንህላወኡን ምዕባለኡን ብዝከኣለና ንቃለስ ኔርና ኢና። ሎሚ ግን ኩሉ ነገር ንጃንዳ ህግደፍ ስለ ዝደርበናሉ፡ በቲ ንሱ ዝመረሓና መገዲ ጥራይ ክንጽሕፍን ክንዝይምን ንቕሰብ ስለ ዘለና ኣዝዩ ተሃስዩ ኣሎ። እዚ ሕጂ ብጋህዲ ንርእዮ ዘለና ብዙሕ ድኹም ፍርያት ከኣ ናቱ ውጽኢት’ዩ።

    ሎሚ ‘ናይ ቀደም ጥዑም ኔሩ!’ ዘይብል ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን! ስለምንታይ ብኣንጻሩ ፍርያት ስነ ጥበብ ካብ ኣብ ግዜ ናጽነት ኣብ እዋን መግዛእቲ ይጥዕምን ይድንፍዕን ኢሉ ዝሓትት ሰብ ግን የለን! ምኽንያቱ፡ እዚኣውን ብዓይኒ ገንዚ ህግደፍ ወንጀል ስለ ዝኾነት! ሓቅታት ናይዚ ንምርግጋጽ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ፈነወን ጋዜጣን ማዕከናት ህግደፍ ቁጽሪ ዘይብሉ ናይ ቋንቋን ባህልን ጉድለታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ስነ ጥበበኛታት ሃገርና ነዚ መዘና ኣልቦ ሕሰም ህዝብና ብኸምቲ ዝድለ ክንገልጾን ዓገብ ክንብሎን ዘይምኽኣልና ኸኣ ስንፍናን ነፍሰ ፍትወትን ጥራይ እዩ ኪብሃል ዚኽእል። ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ወጻኢ ብውሕዱ ይሕመቕ ይጸብቕ ፍርያትና ኣብ ጽንብላት ህግደፍ ካብ ምቕራብ ክንእድም ይግብኣና ኔሩ። ነዚኣውን ክንገብር ኣይከኣልናን። ብኣንጻሩ ህዝቢ ጾሙ እናሓደረ ‘ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ!’፣ ስብ ብሕሰምን መከራን እናተጣርዐ ‘ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!’፣ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ስጉሚ ንኸይንቀሳቐስ ኣብ ፈቖዶ ኬላታት ‘መንቀሳቐሲ?’ እናተሓተተን ናብ ደገ ከይወጽእ እናተኸልከለን ከሎ ‘ካልእ ሓርነት የለን!’ ወዘተ. ኢልና ከንዝይም ንስማዕ ኣለና።

    ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
    ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
    ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
    ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
    ብጓይላን ደበላን ተጥፍእዎ ኣለኹም!

    ብሕሱም ኣራዊት ህዝቢ ተዘሪዑ
    ብርኪ ከይሰበሩ ደቁ ተመንዚዑ
    ብጥሜትን ጽምእን ምዕጉርቱ ጠልቂዑ
    ኣብ ክንዲ ጽን ኢልኩም ቃንዛኡ ትሰምዑ
    ፈቐዶ ጽንብላት ዜርኩም ተጣቕዑ!

    ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
    ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
    ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
    መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
    *ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾ ጽቡቕ ነገር
    ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!

    ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
    ንውልቀ መላኺ ኣይትቀባጥሩ
    ደጊም ነቒሉ እዩ ናብታ መቓብሩ
    ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ *ኣርሓ መፍለስ
    ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
    ህዝቢ’ዩ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!

    ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
    ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
    ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
    ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
    ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!

    ካብ ሓደጋ ጥሜት ከድሕና ንነብሲ
    ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ክዃሲ *ብማይን ብበርበረን ጥራይ ዝስራሕ ጸብሒ ድኻታት
    ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም የምሲ፡
    ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
    ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!

  • Mesinas April 29, 2013

    ዝኸበርካ ሓው እስቲፋኖስ ሰላም። ጽሑፍካ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣነውን ዝሰማማዓሉ ህሉው ተርእዮ እዩ። ብርግጽ ንልቦና ዘሎዎን ኣብ ባህሉን ቋንቋኡን ዓሚቚ ኣፍልጦ ዘሎዎን ሰብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይምግናን ንቋንቋናን ባህልናን ከም ሕሱም ይቐትሎ ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እቶም ለላህመቱ ርእዮም ማለት ብቛንቋና ክንዛረብን ክንጽሕፍን ስለ ዝተፈቕደልና ጥራይ ጅር ህግደፍ ንምዕባለ ስነ ጥበብ ባብ ከም ዘርሓወ ጌሮም ዝዛረቡ ሰባት ግን ኣብቲ ዓውዲ’ሞ ጥለቑ ባህልናን መሳርሒኡ ቋንቋኡን ካብ ናይ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብከቢድ ተሃስዩ ከም ዘሎ ክርደኣኩም’ዩ ጥራይ እየ ክብሎም ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ሽዑ ቋንቋናን ባህልናን ብገዛእቲ ክጽቀጥን ክህሰን ከም ዝኽእል ኣሚንና ዓቢ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ንህላወኡን ምዕባለኡን ብዝከኣለና ንቃለስ ኔርና ኢና። ሎሚ ግን ኩሉ ነገር ንጃንዳ ህግደፍ ስለ ዝደርበናሉ፡ በቲ ንሱ ዝመረሓና መገዲ ጥራይ ክንጽሕፍን ክንዝይምን ንቕሰብ ስለ ዘለና ኣዝዩ ተሃስዩ ኣሎ። እዚ ሕጂ ብጋህዲ ንርእዮ ዘለና ብዙሕ ድኹም ፍርያት ከኣ ናቱ ውጽኢት’ዩ።

    ሎሚ ‘ናይ ቀደም ጥዑም ኔሩ!’ ዘይብል ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን! ስለምንታይ ብኣንጻሩ ፍርያት ስነ ጥበብ ካብ ኣብ ግዜ ናጽነት ኣብ እዋን መግዛእቲ ይጥዕምን ይድንፍዕን ኢሉ ዝሓትት ሰብ ግን የለን! ምኽንያቱ፡ እዚኣውን ብዓይኒ ገንዚ ህግደፍ ወንጀል ስለ ዝኾነት! ሓቅታት ናይዚ ንምርግጋጽ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ፈነወን ጋዜጣን ማዕከናት ህግደፍ ቁጽሪ ዘይብሉ ናይ ቋንቋን ባህልን ጉድለታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ስነ ጥበበኛታት ሃገርና ነዚ መዘና ኣልቦ ሕሰም ህዝብና ብኸምቲ ዝድለ ክንገልጾን ዓገብ ክንብሎን ዘይምኽኣልና ኸኣ ስንፍናን ነፍሰ ፍትወትን ጥራይ እዩ ኪብሃል ዚኽእል። ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ወጻኢ ብውሕዱ ይሕመቕ ይጸብቕ ፍርያትና ኣብ ጽንብላት ህግደፍ ካብ ምቕራብ ክንእድም ይግብኣና ኔሩ። ነዚኣውን ክንገብር ኣይከኣልናን። ብኣንጻሩ ህዝቢ ጾሙ እናሓደረ ‘ሽሻይኪ ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሑ!’፣ ስብ ብሕሰምን መከራን እናተጣርዐ ‘ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!’፣ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ስጉሚ ንኸይንቀሳቐስ ኣብ ፈቖዶ ኬላታት ‘መንቀሳቐሲ?’ እናተሓተተን ናብ ደገ ከይወጽእ እናተኸልከለን ከሎ ‘ካልእ ሓርነት የለን!’ ወዘተ. ኢልና ከንዝይም ንስማዕ ኣለና።

    ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
    ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
    ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
    ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
    ብጓይላን ደበላን ተጥፍእዎ ኣለኹም!

    ብሕሱም ኣራዊት ህዝቢ ተዘሪዑ
    ብርኪ ከይሰበሩ ደቁ ተመንዚዑ
    ብጥሜትን ጽምእን ምዕጉርቱ ጠልቂዑ
    ኣብ ክንዲ ጽን ኢልኩም ቃንዛኡ ትሰምዑ
    ፈቐዶ ጽንብላት ዜርኩም ተጣቕዑ!

    ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
    ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
    ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
    መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
    *ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾ ጽቡቕ ነገር
    ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!

    ካብ ሓደጋ ጥሜት ከድሕና ንነብሲ
    ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ክዃሲ *ብማይን ብበርበረን ጥራይ ዝስራሕ ጸብሒ ድኻታት
    ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም የምሲ፡
    ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
    ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!

    ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
    ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
    ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
    ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
    ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!

    ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
    ንውልቀ መላኺ ኣይትቀባጥሩ
    ደጊም ነቒሉ እዩ ናብታ መቓብሩ
    ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ *ኣርሓ መፍለስ
    ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
    ህዝቢ’ዩ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!

    ሓው መሲናስ

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply