Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስነጥበባውያን ሃገርና ሕጂኸ ናበይ?

ህግደፍ ንስነጥበብ ሃገርና ከም ካልእ ዓውድታት ስነፍልጠት ይኹን ሞያ ጅሆ ሒዙዎ ነይሩን ኣሎን። ስነጥበብ ክብሃል ከሎ፡ ንስእሊ፡ ቅብኣ፡ ካይላ፡ ሙዚቃ፡ ተዋስኦ፡ ስነጽሑፍ ወዘተ ዝምልከት’ዩ። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንስነጥበብ ንሓፋሽ ኣብ ምብርባርን ምንቕቃሕን ብኣድማዒ ይጥቀመሉ

ህግደፍ ንስነጥበብ ሃገርና ከም ካልእ ዓውድታት ስነፍልጠት ይኹን ሞያ ጅሆ ሒዙዎ ነይሩን ኣሎን። ስነጥበብ ክብሃል ከሎ፡ ንስእሊ፡ ቅብኣ፡ ካይላ፡ ሙዚቃ፡ ተዋስኦ፡ ስነጽሑፍ ወዘተ ዝምልከት’ዩ። ህግሓኤ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንስነጥበብ ንሓፋሽ ኣብ ምብርባርን ምንቕቃሕን ብኣድማዒ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ነጋራይ ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኮነን። ግንከ፡ ኣብ ዘመነ ገድሊ እንተ ኾነ’ውን፡ ስነጥበብ ንሓፋሽ ከገልግል ኣለዎ ዝብል ውድባዊ መምርሒ ስለ ዝነበረ፡ ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ንባህሪ፡ ንፍቕሪ፡ ንሰብኣውነት፡ ንስነጽባቐ ወዘተ ናጻ ኮይኖም ክግለጹ ዕድል ከም ዘይነበሮም ርዱእ ክኸውን ይግብኦ። ካብዚ ዝተበገሰ (ንምንቃፉ ዘይኮነ) ዝርካቡ ስነጥበባዊ ስራሓት ክኢላታትና፡ ንተኣምራታዊ ቅያ ሰራዊት ህግሓኤ፡ ንጭቈና ገዛእቲ፡ ንቕሓት ሓፋሽ ዝፈጥሮ ሓይሊ ወዘተ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ። ስነጥበብ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ዝነበሮ ተራ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ግን ናጻ ናይ ምምዕባል ዕድል ክወሃቦ ከም ሓጢያት ክሕሰብ ኣይነበሮን። ናጻ ኮይኑ ክምዕብል ዕድል ተዋሂቡዎ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ክሰጋገር ምኸኣለ ነይሩ።

Adonaiህግደፍ ዝሓለፈ ግፍዕን በደልን ከይኣኽሎ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ንዅሉ ስነጥበባዊ ስራሓት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ፍሕት ምባል ከሊኡዎ እዩ ጸኒሑ። ዝተፈላለዩ ስነጥበባውያን ሃገርና ንኸይምዕብሉ ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጕዳያት ዝብል ልሙስ ኣሃዱ ብምጥርናፍ ብትእዛዙ ከም ዝኸዱ ጥራይ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብ 1995 ማሕበር ስነጥበባውያን ዝብል ጥርናፈ ናጻ ናይ ደረፍቲ ማሕበር ሓንቲ ቍምነገር ከይገበረ ብውዲት ከም ዝቕህም ገይሩዎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝነጥፉ ስነጥበባውያን ድማ ብዝተዋህቦም ቴማ ጥራይ እናነጠፉ ኣብ ፌስቲቫላት፡ በዓል ናጽነት ጥራይ ከም ዝንቀሳቐሱ ይግበር ነይሩን ኣሎን። ብፍላይ ኣብ ተዋስኦታትን ፊልምታትን ዝርአ ዘሎ፡ ንክዉንነት ኤርትራ ዘየንጸባርቕ ኵነታት ስነጥበብ ሃገርና ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ድማ ብፍላይ ፊልም፡ ድራማን ስነጽሑፍን ክሳብ ክንደይ መሬት ዘቢጡ ከም ዘሎ ንጹር መርኣያ እዩ።

ብወገነይ ስነጥበባውያን ሃገርና ክሳብ መዓስ’ዮም ነቲ ስርዓት ከገልግሉዎ እናበልኩ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ከለኹ ምስ ብዙሓት ስነጥበባውያን እራኸብ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ዕጹው ስርዓት ናጻ ኴንካ ክትዛረብ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ገለ በጻብዕ ዝቝጽሩ ስነጥበባዊ ጥራይ ዓው ኢለ ክዛረብ ክኢለ ነይረ። ሓደ ካብኣቶም ድማ ሚካኤል ኣዶናይ ነይሩ። ብበዅሪ ልብወለዳዊት መጽሓፈይ ሮዛን ሰሌን ዝተላዕለ ኣጋጣሚ ብኣካል ምስ ተላለና ድማ ጽቡቕ ርክብ ፈጢርና። ምቕሉልነቱ፡ ህዱእ ጠባዩ፡ ተወፋይነቱ ምስ ተዓዘብኩ ድማ ርክብና ዝያዳ ክድልድል ክኢሉ። ንሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ዝተጐዓዝናሉ እዋን ነቲ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ተፈላጥነት ዝረኸበ ስነጥበባዊ መበቈላዊ ስራሓቱ ክዕዘብ ክኢለ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስራሓቱ ብኸመይ ይጅምሮ፡ ነቲ ምንጪ ሓሳብ ናይ ቅብኣታቱ ብኸመይ ከም ዝረኽቦን ከም ዝጅምሮን፡ ነቲ ብርቱዕ ትዕግስቲ ዝሓትት ዕማም ብኸመይ ከም ዝፍጽሞን ንምዕዛብ ድማ ዕድል ረኺበ። ብዙሓት ሰባት ህቡባት ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ገለ ግሁድ ዝኾነ ኣነነት ገለ ድማ ስቱር ትዕቢት ከርእዩ ትዕዘብ ኢኻ። ወዲኣዶናይ፡ ግን በንጻር’ቲ ዘለዎ ተፈላጥነትን ህቡብነትን ንዝኾነ ሰብ ብትሕትና ዝቐርብ ምዃኑ ልዕል’ቲ ሞያኡ ዝስራዕ ብልጫ እዩ።

እዚ ኾይኑ ግን ጭፍራ ህግደፍ፡ ኣንጻር’ቶም ዘይንብርኹ ስነጥበባውያን ብምዕጣቕ፡ ነቶም እግሩ ዝሳለሙዎ ደረፍቲ ትካላትን ገዛውትን ክሽልሞም ከሎ፡ ንሚካኤል ኣዶናይ ግን ዓለም ዝመስከረሉ ስነጥበባዊ ክነሱ ጥልዕ ጕምብስ ስለ ዘይበለ ጥራይ፡ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ብዛዕባኡ እናቃልሓኦ ከለዋ፡ ኤሪቲቪ ትኹን ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባኡ ብጭቝ ከይበላ ሓሊፈናኦ። ናብ ወጻኢ ክዕደም ከሎ’ውን፡ ጭፍራ ህግደፍ ገለዶ በቲ ስራሓቱ ስም ንረክብ ብምባል እንተ ዘይኮይኑ ክኽልክሉዎ ዘይተደናደኑ ኣይነበሩን። ንጹር መታን ክኾነልና ነቲ ጕዳይ ብጭቡጥ መርትዖታት ከቕርቦ።

ናብቲ ዝነበረ ኤግዚቢሽናት ቅድሚ ምእታወይ ግን ነቶም ዘይትፈልጡዎ ምስ ሚካኤል ኣዶናይ ከላልየልኩም። ወዲኣዶናይ ኣብ 1962 ዝተወልደ፡ ኣብ 1977 ድማ ኣብ ህግሓኤ ዝተሰለፈ ህቡብ ስነጥበባዊ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህግሓኤ ቅብኣ ክብሃል ከሎ ሚካኤል ዝብል ስም ቅልቅል ክብል ግድንዩ። ስነጥበባዊ ሚካኤል ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ናይ ቃልሲ ህይወቱ ዘፍረዮ ኣገዳሲ ናይ ቅብኣ ስራሓት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሲንጋፖር፡ ኣመሪካ፡ ዱባይ፡ ኢጣልያ፡ ዓዲእንግሊዝ፡ ኣቡዳቢ፡ ደቡብፍሪቃ፡ ኩወይትን ስዊድንን ኣብ ዝተገብረ ምርኢታት ከም ዝተሳተፈን ቅብኣዊ ስራሓቱ ዓቢ ናእዳ ከም ዝተረፈን ክፍለጥ ይግብኦ። ጭፍራ ህግደፍ ግን ንዅሉ ሰብ ከንበርክኽ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ነዚ ንምርዳእ ነዝስዕብ ፍጻሜ ንተዓዘብ። ሚካኤል ኣብ ኣብ ሓምለ 2012 ኣብ ኣንዶራ ኣብ ዝተገብረ ሳልሳይ ኣህጕራዊ ውድድር ስነጥበብ፡ ኣምባሳደር ስነጥበብ ብምዃን ንሃገሩ ወኪሉ ምስ ካልኦት 29 ህቡባት ናይ ዓለም ስነጥባውያን ተሳቲፉ። እዚ ውድድር’ዚ ብዩነሰኮ (UNESCO) ዝተዳለወን ዝተመወለን ዓቢ ምርኢት’ዩ ነይሩ። እንተ ኾነ፡ ህዝቢ ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ኣፍልጦ ክህልዎ ስለ ዘይክእል ጭፍራ ህግደፍ ነቲ ዜና ኮነ ኢሉ ብምዕፋን ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ከቕርቦ ኣይተራእየን። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ተሳታፊ ንሃገሩ ወኪሉ’ኳ እንተ ተሳተፈ ብህግደፍ ዘይድለ ባእታ ስለ ዝነበረ ዝብል መልሲ ንረክብ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ኦክስፎርድ ፕረስ ሽዱሽተ ቅጺ ዝሓዘ፡ DICTIONARY OF AFRICAN BIOGRAPHY (DAB) ዝብል መጽሓፍ ንህቡባት ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን፡ ደረስቲ፡ ኣትለታውያን፡ ደረፍቲ ወዘተ ዝምልከት መጽሓፍ ኣሕቲሙ። ኣብቲ ዝነበረ ናይ (DAB) ሕርያ ካብ ኤርትራ፡ ሰለስተ ስነጥበባውያን ማለት፡ ነፍስሄር ኣቦና ኣቶ ኣለማየሁ ካሕሳይ፡ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይን ቀባኣይን ደራሳይን ሚካኤል ኣዶናይ ተመሪጾም። እቲ ብዛዕባ 2100 ህቡባት ኣፍሪቃውያን ዝትርኽ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ምሁራት ዝተዳለወ ነይሩ። ጭፍራ ህግደፍ ግን ነዚ ዜናዚ’ውን ኮነ ኢሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክቃላሕ ስለ ዘይደለዮ ተዓፊኑ ከም ዝተርፍ ገይሩዎ። ብዓንተቦኡ ኤሪቲቪ ትኹን ሓዳስ ኤርትራ (ድምጺሓፋሽ) መደበራት ሓሶት ስለዝኾና ነቲ ሓቂ ቦታ ኣይረኽባሉን እየን። ጭፍራ ህግደፍ ግን ነቶም ዘየጣቕዑሉ ህቡባት ሰባት ብጐቦ ዓይኑ ስለ ዝጥምቶም ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ምጕናይ ኣመሉ እዩ። ንኣለምሰገድ ዝኣክል ውሩይ ደራስን ዓቢ ናይ ታሪኽ ተመራማርን ከይተረፈ ኣይንፈላለ ዝብል መጽሓፉ ክምረቕ ከሎ ብመደብ ኣብ መስኮት ኤሪቲቪ ኣየቐልቀሎን። ካልኦት ኣብነታት’ውን ክጠቅስ ምኸኣልኩ ነይረ ንሎሚ ግን እዚ እኹል ይመስለኒ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እዞም ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ወጻኢ ንነብር ዘለና ሰባት፡ ነቶም ካብ ሃገር ድሕረና ክወጽኡ ዝግደዱ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ሞራል ብምሃብ ኣጆኹም ክንብሎምን ክነተባብዖምን ደኣ’ምበር ስለምንታይ ደንጕኹም ብምባል ክንድህሎምን ክነጕባዕብዓሎምን ግቡእ ኣይመስለንን። ብቐዳምነት ዝኾነ ሰብ ተገዲዱ እንተ ዘይኮይኑ ብሰናይ ድሌቱ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ ከም ዘየሎ ክንፈልጥ ኣለና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገር ንጭፍራ ህግደፍ ጠንጢንናያ እንተ ወጺእና፡ ንጃንዳ ህግደፍ ከምቲ ናይ ዝብኢ ምራኹት ንበይንኻ ሓሉ ዝተባህለ እዩ ክኾነሎም። ሃየ ሃገር ድላይኩም ግበሩዋ ብምባል ዜግነት ንቕይር ከም ዘለና ንፍለጥ። ድሕርዚ ዝተርፍ ከምቲ ፓይሎት ዝበሎ ናብ ገዛእ ሃገርና ብቪዛ ምእታው’ዩ። ስለዚ፡ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብሞያኦም ይኹን ፍሉይ ክእለቶም ንሃገር ዘጸውዑ፡ ስነጥበባውያን፡ ስፖርታዉያን ወይ ጋዜጠኛታት ብዝከኣለና መጠን ክንሕብሕቦምን ኣጆኹም ክንብሎምን ዝግብኣና ኮይኑ ይስምዓኒ።

ድሕሪ ናጽነት እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ፡ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን፡ ሰፍኢ ዘቐበለን ዘየቐበለን፡ ተዓዛባይ ዝነበረ ይኹን ጸረ ህዝቢ ዝነበረ መምሳሉ ይዛረብ ኣሎ። ኣብዚ ዝለናዮ ግዜ’ምበኣር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጸኒሑ ነቲ ስርዓት ብምርሕራሕ ዝወጽአ ሰብ፡ ‘እንቋዕ ደሓን መጻእካ!’ ብምባል ኢድና ዘርጊሕና ክንቅበሎን ኣንጻር’ቲ ስርዓት ክነቃልሶን ክንፍትን ደኣ’ምበር፡ ክነቈናጽቦን ኣብ ርእስቲ ዘለዎ ጸገም ክነጻግመሉን ግቡእ ኣይኮነን። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ማንም ሰብ ንዝኾነ ሰብ መራሕ መስርዕ ወይ ሓለቓ ክኾነሉ መሰል የብሉን። ከም ኣገባብ ቃልሲ’ውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ብፍላይ ንሓደ ንእስነቱ ኣብ ሰውራ ዘብለየ ሰብ፡ ዘመድካ ተቓዋማይ እዩ ተባሂሉ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክሳቐን ሕማቕ ህይወት ከሕልፍ ንዝጸንሐን ህቡብ ሞያዊ፡ ምስ እከለ ርክብ ነይሩካ’ባ፡ ምስ እከለ ተዕልል ኔርካ’ባ ኢልካ መርማሪ ፖሊስ ክትከውን ምፍታን ቅኑዕ ኣይመስለንን። እቶም፡ ‘ክሳብ ሎሚ ኣበይ ኔርካ?’ ዝብሉ ሰባት ንስኻትኩምከ ኣበይ ኔርኩም ክብሃሉ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ኣለዎም። እቲ ኣገዳሲ ግን ንሱ ኣይኮነን።

በዚ  ኣጋጣሚ፡ ንሓው ወዲኣዶናይ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ስለ ዝጸናሕኩ እዛረብ ኣለኹ’ምበር፡ ብዙሓት ከምኡ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ርዱእ ይመስለኒ። ብፍላይ ነዞም ንዕድመኦም ምሉእ ዝተቓለሱ ሰባት ኣብ ክንዲ ምሕብሓቦም ክነርሕቖም ኣይንፈትን። ምኽንያቱ፡ እዚ ተግባር’ዚ ነቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝሃሲ’ምበር ዝሕግዝ ኣይኮነን። በንጻሩ ንወይጦታት ህግደፍ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ኵነታት እዩ። ምናልባሽ ብኣታቶም ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ጥርጥር የብለይን። ተቓወምቲ ዝፍንዉዎ ዘለዉ ኣምሲሎም ከቕርቡዎ ድማ ይፍትኑ። ነዚ ተንኰል’ዚ ክነስተውዕለሉን ኣሎ ዝብሃል ግብረ መልሲ ክንህበሉ ዝግባእ ኮይኑ ድማ ይስምዓኒ። ከም ተቓለስቲ መጠን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቃልሲ ክሳተፉ ንዝኽእሉ ኣሕዋትና ምውንጃልን ምውቃስን ንኣቱ፡ ብኸመይ መንገዲ ነተባብዖምን ነረጋግኦምን፡ ቀስ ኢልና ድማ ናብ ደምበ ቃልሲ ንስሕቦምን ክንሓስብ ኣለና። ብፍላይ እዛ፡ “ኣበይ ነይሩ ክሳብ ሎሚ?” ትብል ዘረባ ክነጥፍኣ ኣለና። ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ክጅመር ከሎ፡ እቶም ነባራት ነቶም ብሰንኪ ዕድመ ይኹን ካልእ ምኽንያት ደንጕና ዘርከብና፡ “ኣበይ ኔርኩም?” ኣይበሉናን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ንክቡር ስነጥበባዊ ሓው ወዲኣዶናይ፡ “እንቋዕ ኣምላኽ ካብ መንጋጋ በላዒ ኣውጺኡ ኣብ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ኣብጽሓካ፡” እናበልኩ፡ ኣብ ዝተረጋጋእካሉን ኣብቲ ዝጠዓመካን ግዜ ንህዝብኻ ተሞክሮኻ ክተካፍሎ እላበው። ነቶም ካልኦት ስነጥበባውያን ሃገርና ድማ ኣብነትካ ብምኽታል ነቲ ስርዓት ክርሕርሑዎን ከጸምዉዎን እምነ።

ዓወት ንህዝቢ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT