Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስዑዲ ዓረብያ – ድያብሎሳዊ መንግስቲ

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ። 

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ።  መንግስቲ ኣሜሪካ ንነፍሱ ከም ሓላዊ ሰላምን ዲሞክራስያን ኣብ ዓለም ክሸይጥ ይፍትን እዩ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። እቶም ካብ 6000 ዘይበዝሑ ንምሉእ ምጣነሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዓለም ዝቈጻጸሩ ሰራሕትን ፈንጣሕትን ንግስነታት ዓለም፡ ብዘይካ ብሕታዊ ረብሓታቶም ሰላምን ዲሞክራስያውን ፍትሕን ዓለም ፈጺሙ ኣይግድሶምን። ንጥቕሞም ዝሰርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ግን ይሃንጹ። ንውግእ ሰላም፡ ንዲክታቶርነት ከኣ ዲሞክራስያዊ ኢሎም ክገልጹን ከእምኑን ድማ ኣኽእሎ ኣሎዎም። ንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ውጽኢትን ኣገልጋልን ናይ’ዚ ሚስጢራዊ ስልጣን ዓለም እዩ።

ስዑዲ ዓረብያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም እያ። እንተኾነ እቲ ምሉእ ሃብቲ ሃገርን ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ስልጣንን ብካብ 600 ዘይበዝሑ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝተገበተ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ከኣ ካብ ምጽወታ’ቲ መንግስቲ ይነብር። እቲ መንግስቲ ብናይ ስልጣን ዓምጣርነቱን ጭከና ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ደቂ ሃገርን ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ዲክታቶራት ዓለም እዩ።  ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደለይቲ ለውጢ ደቂ ሃገር ብምክፋእ መንግስትን፡ ሽበራነትን- ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ- እንዳተኸሱ ኣብ ጨካን ቤት ማእሰርትታት ጠፊኦምን ሓሊቖምን እዮም።  ግፋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብ’ታ ሃገር ቕንጣብ እኳ ዲሞክራስያውነት የላን። እንተኾነ እቲ መንግስቲ እቲ እቲ ዝተኸብረን ዝተኣምነን መሓዛ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ’ቲ ዞና እዩ። እዝ’ስ ከመይ? ኣሜሪካን ኣውሮጳን ነቲ ምሉእ ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን ኣካይዳ መንግስቲ ዓረብ ግርም ይፈልጥኦ እየን እንተኾነ ኣንጻር’ዚ ሓንቲ ቃል’ኳ በጨቕ ኢላተን ኣይትፈልጥን። (እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘነድሮ ነጥቢ እዩ። ዓቢዪ ሓወይ ኢሳያስ ተሕዝነኒ ኣብ ሓንቲ’ኳ ዝውሰድ ዘይብላ ድኻ ዓዲ ነጊስካ እምበር ገለ ስትራተጅያዊ ማዕድናት ከም ፐትሮል፡ ኡራንዩም እንተዝነብረናስ ንኸማኻ ዝኣመሰለ ዲክታቶር ከመይ’ከ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣሚቘን ምሓቖፋኻ! ምሰዓማኻ! ዕድልና ከፊኡ ወይ ጸቢቑ ግን ኦዞም ማዕናት እዚኣቶም የብልናን።)

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ’ኳ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ሰብኣዊ መሰላት ዘብጽሐ ድያብሎሳዊ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ወጻእተኛዊ ሰራሕተኛታት ድኣ ከመይ ዘይሕምትል! ምስ’ቲ ኵሉ እትዋታ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝቢ ስዑድያ ኣብ ሓማቕ ምጣነሃብታዊ ኵነታት ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኣብ ማእቶታዊ ስራሓት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን። እቲ መንግስቲ ንእትዋት ፐትሮል ዝትክኡ ካሎኦት ምርጫታት ምጣኔሃብታዊ እትዋት ኣየማዕበለን። ክትዛረበሎም ኣትኽእል ነቲ እንኮኣዊ  ምጣነሃብቲ ሃገር  ክሕግዙ ዝኽእሉ እትዋታዊ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ኣየማዕበለን። እቲ ምሉእ ሃገር ብወጻእተኛታት እዩ ተሃኒጹ። እቲ ወዲ ሃገር ምጽዋት እንዳተደርበየሉ ሰሪሑ ክነብር ኣይተማህረን በዓል ክልተ ጸጋማዊ ኢድ እዩ። ናይ ቤት ስራሕ’ውን እንተኾነ ብሕሱር ስራሕ ወጻእተኛታት እዩ ክስራሕ ጸኒሑ ቅጫ ሰንኪታ ክትበልዕ እትኽእል ስዑድያዊት ሰበይቲ ዘላ ኣይመስለንን። ብዙሓት መንእሰያት ግን ተማሂሮም እንተኾነ ዝሰርሕዎ ስራሕ የሎን። ስእነተ ስራሕ ኣብ መንእሰያት ስዑድያ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ኣዩ። ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምእላይ፡ ነቲ ጌጋ መንግስቲ ናብ ካልኦት ንምድርባይ፡ መንግስቲ ስዑድያ ሓዲስ ሕገ ስራሕ ኣውጺኡ። ግርም። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ ሽግር ኣይክፈትሖን እዩ። ኣየነይቲ ጓል ስዑድያ እያ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዳ ቸመንቶ ክትፍሕፍሕ? ኣየናይ ስዑድያዊ መንእሰይ እዩ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዱ ሞታንታታት ክሓጽብ?

እቲ ብዱዕን ምስሉይን መንግስቲ ስዑድያ ብዱዓትን ምስሉያትን ተጸወርቲ ህዝቢ እዩ ሰሪሑ። እታ ኣብ ልዕሊ ሬሳ እቲ ዝተቐትለ ኢትዮጵያዊ ቈይማ ኣል ከልብ ማት! – እቲ ከልቢ ሞይቱ! ኢላ ዝተሓጎሰት ሰበይቲ ተደንግጽ። እቲ ዝሞተ ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን። እቲ ሓፋሽ ስዑድያዊ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወጻእተኛ- ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘሎዎ ኣሉታዊ፡ ኣስተናዓቒ ርእይቶ ዘንገብግብ እዩ። ኣብ ስዑድያ ቀታሊኦም ዘይፍለጥ ዝቕተሉ ወጻእተኛታት፣ ተዓሚጸን ተቐቲለን ኣብ ፈቐድኡ ዝድርበያ ደቂ ኣንስትዮ ቍጽሪ የብሉን። ሓደ’ኳ ካብ’ቲ መንግስታዊ ትካላት ብዛዕባ ቅትለትን ማህረምትን ወጻእተኛታት ዝግድሶ የሎን። ሓደ ስዑድያዊ ልዑል ንንግዳዊ መሻርኽቱ ፓኪስታናዊ ብህይወቱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ቀቲልዎ። መንግስቲ ነቲ ተቐታሊ በገንዘብ ኣሕዊዪዎ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ተሪፉ። ካልእ ልዑል ኣብ ስቪጰራ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ንሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሉ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይበጽሐ ብገንዘብ ደቂሱ። ገንዘብ ርግጽ ይገዝእ!

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ህዝቡ ዘርኣዮ ተሪር ተቓውሞ ዝነኣድ እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ ዝከላኸለሉ መንግስትን ዝምለሰሉ ሃገርን ስለዘሎዎ እቐንእ። ህዝቢ ድማ ተቛዉሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ስዑድያ ከርኢ ኣሎዎ። ኣብ ስዑድያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይገዝእ ከምዘሎን፡ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ህዝቢ ከኣ ከምዝሰርሐን ዓለም ክትፈልጥ ይግባኣ። ኣብ ሃገረ ነቢዪ መሓመድ- እቲ ሰላምን ትዕግስትን ምጽውዋርን ዘምሃረ ነቢዪ፣ ብሓለውቲ እምነቱ ኢና በሃልቲ ምስሉያት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ግፍዕን ቅጥለትን ድኻን ስዱድን ክፍጸም ዝኾነ ኣማኒ ክቃወሞ ይግባእ። እቲ ካብ ኵሉ ዘደንግጽ እቲ ወርትግ ኣብ ሞንጎ ሰይጣንን ባሕርን ዝተቐርቀረ ኤርትራዊ እዩ። ዝጣበቐሉ መንግስቲ የብሉን። ናብ ዝምለሶ ሃገር ድማ የብሉን። ኣሎሄ፡ ኣሎሄ ለማ ሰባቕታኒ!? 

ዳንኤል ተስፋይ

16.11.2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
59 COMMENTS
  • Paradiso November 18, 2013

    Read what the coward Arab-slave by the name Idris Awate wrote below. Only an Arab-slave can write this trash against poor Ethiopian and African migrant workers who suffered the worst in the racist Saudi Arabia and Arab world.
    This is not new, Eritreans and Africans have been on the receiving end of Arab racism, deportation and slavery under Arab hands for many years in Egypt, Libya and Saudi Arabia.
    There are many coward Eritreans who will never dare to open their stinking mouth against Arabs while the Arabs are raping and enslaving young Eritrean refugees and children in the Middle East nor would some post the Arab atrocities against Eritreans and Africans on their own web sites.

    Idris Awate on November 17, 2013 at 8:30 am said:

    “ኣብቲ ሕጊ እታ ሃገር ዘይፍቀድ ሓበሻ ኢትዮጵያውያን ዘካይድዎ ናይ መስተ ሓሽሽ ከሙኡውን ምንዝርና ንግዲ ቅቡል ኣይኮነን ብባሕሪ ዚኣተዉ ክንደይ ሰብ ሓሪዶም እዮም ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ሓበሻ ንሓንቲ ስዑዳዊት ህጻን ብኻራ ክትሓርዳ ከላ ዝተዛረበ ኣይነበረን እዞም ሰባት ዓዶም እዩ ወረቀት እንድሕር ኣለካ ትነብር ብዘይጸገም ከምቲ ንሕና ኤርትራውያን ቀንጠብጠብ ስለዘይንብል ብሰላም ሕጊ ኣማሊእና ብሰላም ንነብርን ስድራና ንሕግዝን ዘለና ማለት እዩ:::”

    Unlike the coward Eritreans who never raised their voices while Arabs were enslaving and raping Eritreans, I admire the brave Ethiopians who raised their voices allover the world in unity:

    http://ethiopianewsforum.com/viewtopic.php?t=66045&p=401429#p401429

    ——–

    • HGDEF November 19, 2013

      Before you call others “Arab slaves”, first save your people from Arab slavary in Saudi Arabia.

    • daniel s. tesfai November 21, 2013

      በጃኻ ኢድሪስ ዓዋተ ስምካ ቀይር። ርእይቶኻን ነቲ ጅግና ዓዋተ ዓቢዪ ጸርፊ እዩ።

  • Negash November 19, 2013

    Danieal Tesfay,

    How do you get time to write all this nonsense about Saudi Arabia, it is not fare to write
    things you don’t know, better to write about Germany or Eritrea if you know and better to
    waste you time in learning instead to write nonsense.

POST A COMMENT