Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስደት ድሕሪ ናጽነት ናይ መን መርገም’ዩ?

ስደት ድሕሪ ናጽነት ናይ መን መርገም’ዩ? ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ብተደጋጋሚ ዘተምባህኩዎን ካልኦት ኤርትራውያን ’ውን  ብተመሳሳሊ ዝሓበርዎን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ሓሳረ መከራ፡ ፈወስቱን ፈታሕቱን ንሕና ባዕልና ኤርትራውያን ኢና። ዋላ’ኳ ኣካል ማሕበረ ሰብ

ስደት ድሕሪ ናጽነት ናይ መን መርገም’ዩ?

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ብተደጋጋሚ ዘተምባህኩዎን ካልኦት ኤርትራውያን ’ውን  ብተመሳሳሊ ዝሓበርዎን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ብህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ሓሳረ መከራ፡ ፈወስቱን ፈታሕቱን ንሕና ባዕልና ኤርትራውያን ኢና። ዋላ’ኳ ኣካል ማሕበረ ሰብ ዓለም ስለዝኾና “ዓለም ዘርያትና፡ ጸማም እዝኒ ሂባትና” ኢልና ክንጠርዕ ወይ’ውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኣብ ኤርትራውያን’ውን ብዝግባእ ክሰርሕ ኣለዎ ኢልና ክንማጎት መሰልና እንተኾነ፡ እጃምና ከይፈጸምናን ካባና ዝጥለብ ከየማላእናን ከነማርር ግን፡ ሕልናዊ ተቀባልነትን መልክዕን የብሉን። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ተገዲዶም ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ፡ ኣብ ጎዕዞኦምን ዝኣተውዎ ቦታን ዘጋጥሞም ዘሉ መስገደል ብዙሕን ጸዊኻ ዝውዳእን ኣይኮነን።

እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት’ዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዘረጋግጾ፡ እስራኤላውያን ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ተገፊዖምን ሰብእዊ መሰላቶም ተነፊጎምን ክንሶም፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ሕሰም ረሲዖም፡ ነቶም ካብ ሞት፡ ማእሰርትን ጥሜትን ኣምሊጦም ኣብ መሬት እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን የከላብቱ ኣለዉ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዘቅርቦ ምኽንያታት ብዘየገድስ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝቅየድ እንተድኣ ኮይኑን ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት እንተድኣ ርህራሀ ሃልዩዎን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኽብር ይግባእ፡፡ መንግስቲ እስራኤል፡ “ኤርትራውያን ኣብ ሃገርኩም ጸገም ስለዘይብልኩም ዓድኹም ተመለሱ” ኢሉ ከስገድድን ብዘይ ድሌት ኤርትራውያንን ብዘይ ብቁዕ ምቅርራብን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥርዞም ዝገብሮ ዘሎ መደብን፡ ዓሌታዊ ትምክሕትን ኢሰብኣዊ እሰራርሓን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ከም ምትሕብባር’ዩ ዝቁጸር። ኤርትራውያን ጸገም ኣለዎምን የብሎምን ድማ፡ ኤርትራውያን እምበር መንግስቲ እስራኤል ኣይኮነን ዝፈልጥ።ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ድርብ ኣደራዕ ስለዝወረዶምን ካልእ ኣማራጺ ስለዝሓርበቶምን ድኣ’ምበር ኣብ እስራኤል መዓርን ጸባን ተዳልዩ ኣሎ ኢሎም ኣይኮኑን ተሰዲዶም። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ተጸባይነትን ልመናን ንኽናገፉ ብዝትሓተ  ክፍሊት፡ ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነ  ትንፋስ ዘይብሉ ስራሕ፡ ከም ሰራሕተኛታት መሰሎም ተጋሂሱ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ብኣባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ንእሰር እናበሉ ብሽቁርርታ ከምዝነብሩን ከም ካልኣይ ዜጋ ከምዙጸሩን ስዉር ኣይኮነን። ብመሰረት ዓለማዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓንቀጽ 14.1፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ፖለቲካ ዑቁባን፡ ዶብ ካልእ ሃገር ሰጊሮም ክነብሩን ከም ዜጋታት’ታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ጉዳይ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣኣንጋዲት ሃገር ዶባታ ክትከፍትን ብዘይ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታን ዕድመን፡ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ክትቅየድ ትጽቢት ይግበረላ። መንግስቲ እስራኤል ግን ንኹሉ ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሱ፡ ንኤርትራውያን ብዘይ ገበን ምእሳሩን ምብራሩን ይቅረ ዘይብሃሉ ገበን’ዩ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ድማ፡ ነዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት  ደው ንኽብል ተሪር ስጉምቲ ዘይምውሳዱን ብስቅታ ምሕላፉን ድማ ፡ ሕቡራት ሃገራት ምስ ዝሓየለ’ምበር ብድኻን ሓቀኛን ከምዘይግደስ ሎሚ’ውን ደጊሙ የረጋግጽ ኣሎ። እቲ ምንታይ፡ ዓሎቅን ዘይፍትሓውን መርገጽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ዘይወለንታውን ዘይሚዛናውን ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ከምኡ’ውን ዘይዕቱብን ልሙስን ተራ’ቲ ውድብ ኣብ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕዱር ሕማም ውድብ ሕቡራት ሃገራት መድሃኒት ከምዘይተረኽቦ’ዩ ደጊሙ ዘነጽር። እቲ ሓቂ’ኳ፡ ኤርትራውያን  ኣብ ጎድንዃ ኣለኹ ኢሉ ዝማጎተሎም ብክብሪ ዜጋታቱ ዝሕለቅ ሓቀኛ መንግስቲ ስለዘይብሎም እምበር፡ ካብ ማሙቅ ገዝኦም ወጺኦም  ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክብሉን ሃገር ኣልቦ ክኾኑን እዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንጃህራን ትምክሕትን ዘይኮነ፡ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ  ከቢድ መስዋእቲ ስለዝኸፈልና፡ ዝተደራረበ ሕሰም  ስለዘጋጠመናን ስለዝበዳህናን፡ ባህልናን መንነትናን ዓቂብና ብኽብሪ፡ ጸጋን ሰላም  ኣብ ሃገርና ክንነብር እምበር  ኣሽሓት ህይወት ዝወሓጠት መሬት ሕቆና ሂብና ድሕሪ ስማዊ ናጽነት ናብ ስደት ከነምርሕን ኣብ ዓዲ ጓና ምዕራፍ ሕሰም ክንከፍት መርገም ናይ መን ምዃኑ ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይረከብኩሉን። ኣንበብቲ’ኸ?

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሚያዝያ 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Lingo April 19, 2015

    The young and not so young residing outside Eritrea has important role to play in effecting change in his/her homeland. They can intensify their advocacy on behalf of the oppressed, agitate for mass uprising, expose the regime for what it is, build bridges across Eritrean societies abroad, chart and strategize on the future governance of the country and cultivate good neighborliness with the Sudan and especially more with Ethiopia.
    In particular the Diaspora, those with education endowment can go step further to debunk certain myths and legends surrounding Eritreanism. This is must do in order to assist in the fresh start based on equality and individual freedom. It is known that ghedli in particular the ghedli managed EPLF has well oiled machine set up to hoodwink all those who come close to it. It intimidates, terrorizes and finally disarms its own members to think freely; effectively handicapping them to distinguish between bad and good or moral and immoral.

  • UNCLE SYE April 19, 2015

    ክቡራት

    ንኢሳያስ ኣይንሕመ ንህግደፍ፣እቲ ቅጫ ኣብ ሞቕሎ ከሎ እዩ ሓሪሩ፣እቲ ሞቝሎ ድማ ካብ ግብጺ ዝተለቃሕናዮ እዩ ኔሩ።ገድሊ ካብ ዝፍጠር ኣይቀየረን።

  • Paulos April 20, 2015

    ብሕይወት ምንባር ተመንዩኒ እዩ፥
    ስለዚ ኽጠርዕ እየ፥ ስቕ ኣይክብልን እየ፥
    ስለ ዝመረረኒ ኽኣ ኽዛረብ እየ።

    ኦ ኣምላኽ ኣይትኾንነኒ፥
    ብምንታይ ትኽሰኒ ከምዘለኻ ንገረኒ።

    ነቲ ዝፈጠርካዮ ስለምንታይ ትጭቁኖ፥
    ንተግባር ኢድካኽ ስለምንታይ ትንዕቆ፤
    ስለምንታይ ብምኽሪ ኽፋኣት ሰባት ባህ ዝብለካ፥

    ዓንኻ ከም ዓይኒ ሰብ ድዩ፥
    ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻኽ እትርኢ፥
    መዓልትታትካ ከም መዓልቲ ሰብ ድየን፥
    ዓመታትካኽ ኽም ዕድመ ወዲ ሰብ ድየን፥

    ስለምንታይ ዳኣ ኃጢኣተይ እትምርምር፥
    ብኣበሳይ ክኣ ትጸባጸብ ኣለኻ፥

    ኣነ ንጹሕ ከም ዝኾንኩ፥
    ካብ ኢድካ ግና ዜናግፈኒ ኽም፥
    ዘየልቦ ትፈልጥ ኢኻ።

    መጽሓፍ ኢዮብ ም 10 1-7

  • redae April 21, 2015

    Issayas said in his iyerveiw The black peopple go to church instead fighting Against discrimination.he is not right.he is making fan of Eritreans

POST A COMMENT