Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስድራ እቲ ጅግና ወዲ ዓሊ ብቐዳም ነርወይ ኣትዮም።

እዛ ስድራ ድሕሪ ጥሪ 21 ፣ 2013 ክሳብ ኢትዩጵያ ዝኣተውሉ ቅድሚ 3 ወርሒ ኣብ ከልበትበትን ስቃን ዮም ኔሮም፡፡ በኺታ ኣብርእሲ ሰባኣያ ምስኣና ስብሓት ኤፍረምን ተኽላይ ማንጁስን ኣሽካዕሊሎምላ ዮም፡፡ ካብ ገዛኣ ብፓሊስ ኣውጺኦም ኣቁሑታ ኣብ ደገ

እዛ ስድራ ድሕሪ ጥሪ 21 ፣ 2013 ክሳብ ኢትዩጵያ ዝኣተውሉ ቅድሚ 3 ወርሒ ኣብ ከልበትበትን ስቃን ዮም ኔሮም፡፡ በኺታ ኣብርእሲ ሰባኣያ ምስኣና ስብሓት ኤፍረምን ተኽላይ ማንጁስን ኣሽካዕሊሎምላ ዮም፡፡ ካብ ገዛኣ ብፓሊስ ኣውጺኦም ኣቁሑታ ኣብ ደገ ደርብዮም ህዝቢ ከረን ብጓሂ ከንፈሩ ክመጡ ዝወዓለሉ ኩነታት ዩ ኔሩ ፡፡ እዛ ስድራ ናይ ኣስላም ምንቅስቃስ ብዝብል ሓደገኛ ዘረባ ከቢድ ተነጽሎ ‘ውን ኣጋጢምዋ ዩ፡፡ ህዝቢ ግን ከምቲ ስርዓት ኣኮነን ፡፡ ህዝቢ ኣስላምን ክስታንን ማይን ጸባን ኮይኑ ዝነብር ህዝቢ ዩ፡፡ ከም መርኣያ ከኣ ኣመንቲ ክርስትና ኣሕዋትና ካብ ከረን ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ሕውነታዊ ፍቅሮም ኣርእዮምናን ሓብሒቦምናን ዮም ትብል ፡፡ ካልእ ይትረፍ እዛ ርኤያ ዘይፈልጥ ኢትዩጵያ ኳ መግለጺ ዘይርከቦ ምሕብሓብ ጌራትለይን፡ መገሻይ ኣሳሊጣትለይን ብምባል ተመስጦኣ ትገልጽ፡፡ ብምቅጻል ንሕና ዝጎደለና ኣይነበረን ካብ ህዝብና ንላዕሊ ንነብር ኔርና ግን ስዒድ ናይ ህዝቢ ሕሰም የሳቅዮ ኔሩ፡፡ ሓድ ሓደ ግዜ በጨቅ ኢልዎ እንታይ እዚ ጉዳይ ናበይ ዩ ኣንፈቱ ክብል ብተደጋጋሚ ይሓትት ኔሩ፡፡ ካብዝታት ተበጊሱ ከኣ መዓልቲ 21 ጥሪ ውዒልዋ፡፡ ንዓና ከኣ ዛሕዝሒና ከይዱ፡፡ ሞት ደቂስካ ከለኻ ከማን ትመጻካ ንሱ ሽግር ኣይነበሮን ግን ኣነ ዘሕዝነኒ እዚ ኩሉ ሽግር እንዳወረደ ኣብ ኮምፒችታቶን ዝዛወር መንእሰይን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝውዕል ወታደር ክህሉ ብጣዕሚ የሕዝነኒ ትብል፡፡ ኣነ ኣይግድሰንን ዩ ዋላ ከምቲ ኢሳያስ ዝበሎ ናይ ሓደ ሰብ ጉዳይ ያ ኔራ ዝበላ ዋላ ከምኡ እንተኾነት ኣይግድሰንን ፡፡ ህዝቢ ባርነት ይሕሸኒ ዝብል እንተኾይኑ በቃ ስቅ ይበል ብምባል ድኹም ተወፋነት መንእሰይ ነቂፋ፡፡

ብረት ዘልዓሉ መንእሰያት ከምዘለው ምስ ሰምዐት ንኸራኽባ ብዝሓተትኒ መሰረት ምስ ገለ ኣባላት መደፍኤ ብምርኻብ ብተሌፎን ኣተባቢዓቶምን ብተበግሶኦም ተሓጉሳን፡፡

ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ዝተላእከ ጸብጻብ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
82 COMMENTS
  • tesfay March 24, 2014

    sleiman selim suk elka aytezareb halew lew aybelkun haki tezarebe . nehzbun besotun gedifu rahrihu kedio ab embassy kesereh gerimuni suleman kea kedai eyo. etom tefeltwo zehafu eba . aykeden yebl yebl alo ezi seb ezi . nejeganu zemelket kea haderakum atom embassy edel aytehabwo . god bless eritea and eritrean .

1 5 6 7

POST A COMMENT