Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስጊንጢር

ስጊንጢር   ካብ ብርሃን ጸልማት ካብ ጽጋብ ጥሜት ካብ ራሕሲ ድርቀት ካብ ህንጸት ዕንወት ካብ ሰላም ህውኮት ካብ ኣብ ዓድኻ ስደት ካብ ሓቂ ሓሶት ካብ ሓጎስ ንብዓት ካብ ስሓቅ ብኽያት ዘለዎ ጸልእቲ ሰናያት ። ጉድ ሪኢና ኮክፉኡ ዝፈቱ ሃገር ደፊኑ ኣጸልሚቱ                                                                             ህዝቢ የህሊቁ ኣጽኒቱ ትሕቲ መሬት ኣስፊሩ ብጾቱ

ስጊንጢር  

ካብ ብርሃን ጸልማት

ካብ ጽጋብ ጥሜት

ካብ ራሕሲ ድርቀት

ካብ ህንጸት ዕንወት

ካብ ሰላም ህውኮት

ካብ ኣብ ዓድኻ ስደት

ካብ ሓቂ ሓሶት

ካብ ሓጎስ ንብዓት

ካብ ስሓቅ ብኽያት

ዘለዎ ጸልእቲ ሰናያት ።

ጉድ ሪኢና ኮክፉኡ ዝፈቱ

ሃገር ደፊኑ ኣጸልሚቱ                                                                             ህዝቢ የህሊቁ ኣጽኒቱ

ትሕቲ መሬት ኣስፊሩ ብጾቱ ፣

ንሱስ ኣእምርኡ ሲሓቱ

ዝገርመካ ግን ናይቶም ስዓብቱ

ፍጹም ዘይስተብህሉ ምስኡ ዝህውትቱ ።

 

ዎግዓዊ ከልኪሉ ንግዲ ብጻዕዳ

ክነግድ ጀሚሩ ብጸሊም ኮንትሮባንዳ

ቁጦብአ ዓኒዩ ሃገር ኣትያ ኣብ ዕዳ

ዓዲ ብብልሹው መግቢ ሕማም ተለቢዳ ።

 

ብዓል ሓምራ ኣጥፊኡ ቢዶኒ ዝሕለባ

ካብ የመን ኣምጺኡ ዝወደቀ ጸባ

ህዝበይ ኢላቶ ንዓይ ሃባ ! ንዓይ ሃባ !!

ጥሜት ጽኒሕዋ ኣብይ እሞ ኣቅሊባ

ንጽባሒቱ ሓሚማ ከብዳ ልባ ።

ሕጂክኣ ዘርጊሑ ዕቋር ዘይቲ

ቅርጥማት ወዲኡዎም ንኣሽቱ ዓበይቲ

ሓደ ካብቲ ሜላ እዩ ንህዝቢ መጽነቲ

ይዕንድር እዩ ደሎ ሲኢኑ ሓታቲ

ሰቡኡት ዝነበሩ ተቀይሮም ኣንስቲ ።

ሃገር ነጺልዋ ዝምድናታት በቲኹ

ቁኑዓት ሓዲጉ ምስ ሽፋቱ ዓሪኹ

እቶም ኮራኹር ንዕዑ ዝላኣኹ

ሓቁ ኣሎ ይብሉና ቁሩብ ከይሓነኹ

ዝገርም’ዩ ናይዚኦምስ ንሳጥናኤል ዘምልኹ ።

 

ደቂ ሃገር ኣጥፊኡ ኣባሪሩ

ነቶም ዝተረፉ ቀቲሉ ኣሲሩ

ንመተካእታ ምስ ደምህት ሓቢሩ

ስልጣን ሂብዎም ድላዮም ክገብሩ

‘ተደልዮም ይቀትሉ ‘ተደልዮም ይምሕሩ

መጻወቲ ኮይኑ ህዝብና ሓሲሩ

ዘይሃስስ በሰላ’ዩ ፍጹም ንሓዋሩ ።

 

ሚልዮናት ዶላራት ንደምህት መመወሊ

ህዝቢ ሓሪምዎ’ኮሎ ባኒ መዐንገሊ

ሕሰም ኮይንዎ ናብራ ፍጹም ዘይበሊ

ሎምስ ካብ ልቡ ኣማሪሩ ወዲኡ ዓቅሊ

ክቅጽሎ ይዳሎ ኣሎ ትልሚ ወዲ ዓሊ

ብጅግንነት ኣብ ፎርቶ ዝተለሞ ትማሊ ።

 

ስርሑ ዘበለ ኩሉ ስጊንጥር

ብዘይበደል ጌጋ ዜጋታት ዝኣስር

ብቀጥታ ብተዘዋዋሪ ወዲኡዋ ሃገር

እቶም ዘለና ንስመር ንሕበር

እዚ ዓማጺ ሕቁኡ ንክስበር።

 

ምሳና ኣሎ እቲ መርሖ

ሓቢርና ንስራሕ ህዝብና ክሮሖ

ጨፍላቂ ስርዓት ካብ ሱሩ ክሞሖ

ህዝብና ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ክንመርሖ።

ተ.ደ.ባ    06.08.2013.

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tewelde belay August 6, 2013

    Tesfamariam u are really a great poet and a nationalist who suffers greatly With his People. Keep it Brother!

  • bieza August 6, 2013

    he is not Tesfamariam

POST A COMMENT