Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስጋ ሰብ በሊዑ፡ ደም ሰብ ዝጎስዕ፡ ብዘይ ኲናት ዘይነበር መራሒ መገሻ ኢሰያስ ናብ ክሊ ኣምሓራ፡ ንስላም’ዶ ንሰራም ዕላማ

ስጋ ሰብ በሊዑ፡ ደም ሰብ ዝጎስዕ፡ ብዘይ ኲናት ዘይነበር መራሒ መገሻ ኢሰያስ ናብ ክሊ ኣምሓራ፡ ንስላም’ዶ ንሰራም ዕላማ ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም            11/11/2018   ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሰያስ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስ ረኣኹ ኢየ። እዚ

ስጋ ሰብ በሊዑ፡ ደም ሰብ ዝጎስዕ፡ ብዘይ ኲናት ዘይነበር መራሒ

መገሻ ኢሰያስ ናብ ክሊ ኣምሓራ፡ ንስላም’ዶ ንሰራም ዕላማ

ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም            11/11/2018

 

ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሰያስ ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስ ረኣኹ ኢየ። እዚ መገሻ’ዚ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ፡ ብመንግስቲ ክሊ ኣምሓራ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዝተገብረሉ ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ገይሩ ኢዩ። ዘምጽኦ ጸገምን ፖለቲካዊ ሕሜታን ንምኽዋል ከኣ ኢዩ፡ ኣብ ባህርዳር ናይ ሰለስቲኦም መራሕቲ ርክብ ክግበር ስለ ዝኾነ ንእግረ መንገዱ ዝገብሮ ዘሎ ዘምስል፡ ካልእ ውጥን ተማሂዙሉ። ኣብ መገሽኡ መራሒ ኢትዮጵያ “ኣባሓጎኡ ንኢሰያስ ዝተቐብሩላ ከተማ ኢያ” ዝበላ፡ ንታሪኻዊት ከተማ ጎንደር በጺሑ ናብ ከተማ ባህርዳር ከም ዝኸዱ’ውን ተዓዚብና። መገሻ ኢሳያስ ንሰናይ ጉርብትናን ምድልዳል ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ዝምድናታትን እንተ ዝኸውን ምተናእደ እምበር ኣይመዛረበን። ከምኡ እንተኾይኑ ከኣ ከም መጠን መራሕ ሃገር፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ እምበር ምስ ክልላት ዘዛርብ የብሉን።

እቲ ኣብ ሃገሩ ሰብ ዝበልዕ፡ ቀስ ኢሎም ተሳሒጎም ክሞቱ መታን፡ ሰባት ብህይወቶም ናብ ጎዳጉዲ ዝድርቢ ጨቃን ሰብ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ከይዱ ንሰላም ክመክር ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንባዕሉ ምስ ህዝቡን ናይ መዋእል መቓልስቱን ዘይተዓርቀ፡ ንሽምግልና ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ። ቂምታ ኢሰያስ፡ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ከም መቐናቕንቲ ፖለቲካዊ ጥሙሕ ዝወሰዶም፡ ኣብ መቐለ ተኣኻኺቦም ዘለዉ ሽማግለታት ዝተኣልየት ኣይትመስልን።

ኣብ ክልላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ወጥሪን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ቀሊል ኣብነት ንምግላጽ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ከም ናይ ጸጥታ ሓላፊ ናይቲ ክሊ ገይሩ ሸይሙዎ ዘሎ፡ ንጀነራል ከማል ገልቹ ኢዩ። ጀ/ል ከማል ንወያኔ ብምቅዋም ናይ ኦሮሞ ትውልዲ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሒዙ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታው፡ ተቓዋሚ ውድብ መስሪቱ፡ ክሳብ ምምጻእ ዶ/ር ዓቢይ ኣስመራ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ’ውን ሓደ ብወያኔ “ዕልዋ ክትገብር ደሊኻ” ተባሂሉ፡ ማዕረጉ ተቐንጢጡ ንሕልፈት ተኣሲሩ ዝነበረ ጀነራል ኢዩ ከም ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክሊ ተሸይሙ ዘሎ። ሹመት ናይ’ዞም ክልተ ናይ ቀደም መኮነናት ፡ ምስ ተጋሩ ኮነ መራሕቲ ህወሓት ንዘለዎም ውልቃዊ ጽልኢ መሰረት ዝገበረ ይመስል። መንግስቲ ክሊ ትግራይ’ውን ከም መልሰ ግብሪ፡ ጌታቸው ንዝተባህለ፡ ኣብ እዋን መለስን ሃይለማርያም ደሳለኝን ቅድም ብደረጃ ላዕለዋይ መኮነን፡ ድሓር ድማ ናይታ ሃገር ናይ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዝነበረ፡ ብቕትለትን ምስዋርን ዜጋታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝኽሰስ ሰብ፡ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ጸጥታ ክሊ ትግራይን ኮይኑ ተሸይሙ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣወዳድባ ውሽጣዊ ክፍሊ ጸጥታ ከኣ ኢዩ፡ መርኣያ ጥርዚ ውሽጣዊ ዘይምትእምማን ዓበይቲ ክልላት ኢትዮጵያ።

እቲ ውሽጣዊ ዘይምትእምማን ግን፡ ካብ ስልኳታት ንምጥንቃቕ እምበር፡ ናብ ውግእን ግጭትን ዘምርሕ ኣይመስለን። እቲ ኣብ ሰለስቲኦም ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን ተመጣጥኒ ኢዩ። ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ – ኦሮሞ 36.6%፡ ኣምሓራ ከባቢ 28%፡ ተጋሩ ድማ ከባቢ 6% ኣቢሎም የቑሙ። ናይ ተጋሩ ብልጫ ግን፡ ካብ ህወሓት ተኣሳሲሩ ዝመጸ – ኣብ ትሕቲ ሓደ መሪሕነት ዝተጠምረ፡ ተሪር ዲሲፕሊን ዘለዎ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ቀልጢፉ ዝለዓል መንእሰይ ስለ ዘልዎም ኢዩ። ስለያዊ መርበብ ተጋሩ’ውን ኣብ ኩለን ክልላት ከም ሰኪዐት ተጠናኒጉ ዝተዘርገሐ ምዃኑ ይንገሉ። እዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ኢዩ ክልላት ኢትዮጵያ ተኸባቢሮም ክነብሩ እምበር፡ ናብ ውግእ ክኣትዉ ዘየኽእሎም።

መገሻ ኢሳያስ ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝገብሮ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ወጥሪ ኣብ ዝተጋህደሉ እዋን ይግበር ምህላዉ ኢዩ። ክልቲኦም መንግስታት ከም ቀንዲ ዘሰሓሕብ ኢሎም ዘቕርብዎ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ወሎን (ከባቢታት ራያ) ዘሎ ግዝኣትን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ (ከባቢታት ጸለምቲ፡ ወልቃይትን ጸገደን) ዝርከብ ንልሙዕ መሬት ከባቢታት ሑመራ ዘጠቓልል ግዝኣትን ኢዩ። ገለ ክፋል ናይዚ  ከባቢታት’ዚ ቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝዛረቡ ኣህዛብ ሓቢሮም ዝነብርሉ ኢዩ። ጠንቂ ናይቲ “ንሕና ኣምሓራ ኢና” ዝብሉን “ኣይፋልናን ተጋሩ’ባ” ዝብሉን፡ ብኽልቲኡ ዝረአ ምጉት ከኣ ንሱ ኢዩ።

ስርዓት ሃይለ ስላሴ፡ነታ ንኤርትራ ሓዊሳ ኣብ 14 ጠቕላይ ግዝኣት መቓቂሉ ንኢትዮጵያ ዝገዝኣሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከባቢታት ራያ ምስ ናይ ወሎ ጠቕላይ ግዝኣት ኢዩ ዝመሓደር ዝነበረ። እቲ ንከተማ ሑመራ ዘጠቃልል ጸለምቲ፡ ወልቃይትን ጸገደን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢታት ከኣ ምስታ በጌምድር ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ጠቅላይ ግዝኣት ኢዩ ዝመሓደር ዝነበረ። በቲ ሃይለ ስላሴ ዝገበሮ ኣከፋፍላ ጠቕላይ ግዝኣት ትግራይ ማለት ብሰሜንን ምብራቕን ብኤርትራ፡ ብምዕራብ ብበጌምድር፡ ብደቡብ ብጠቕላይ ግዝኣት ወሎ ዝተኸበት ኣዝያ ንእሽቶ ግዝኣት ኢያ ዝነበረት፡ ናይ ሎሚ መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ከኣ፡ ትግራይ ኣብታ ሃይለ ስላሴ ዝሰርሓ ካርታ ተሓጺራ ክትተርፍ ዝደልዩ ይመስሉ።

ተጋሩ በወገኖም ኩሉቲ ኣብ እዋን ሃይለ ስላሴ ኮነ ንጉስ ሚኒሊክ ዝተገብረ ኣመራርሓ ኮነ ኣሰራርሓ፡ ኮነ ኢልካ ንተጋሩ ንምህሳይን ተዛረብቲ ትግርኛ ንምክፍፋልን ዝተገብረ ዓመጽ ኢዩ ብምባል፡ ኣምሓሩ ንዘቕርብዎ ናይ ታሪኽ ሙግት ይነጽጉ። ብኣንጻሩ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ምምሕዳራዊ ኣከፋፍላ ህዝብታት ናይዚ ዞባ ኣብ ግዜ ዮውሃንስ 4ይን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት ከም መርትዖ የቕርቡ። ነዚ ድማ ብኣስማት ዓድታትን ቦታታትን ናይቲ ዘካትዕ ከባቢታት የሰንይዎ። ነቶም “ብዂናት ዝተሳዕሩ ሓይልታት ትምክሕቲ” ኢሎም ዝጽውዕዎም ሓይልታት ኣምሓራ ድማ “ኣቦታትኩም ዝዓመጹናን ዘድመዩናን ይኣክል፡ ሎሚ ማዕረኹም ወይ ልዕሌኹም እምበር፡ ትሕቴኹም ኣይኮናን” ዝብሉዎም ይመስሉ። እዚ ናይ ማዕረ ኢና ሙግት ግን ናይ ተጋሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም ክልላት ናይ መሰል ሕቶ ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ከኣ ኢዩ፡ ዝያዳ ስግኣት ናይቶም “ዝያዳ ካልኦት ኣብ ምስፋሕ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝሰራሕና ኢና” ዝብሉ ፖለቲኬኛታት ኣምሓራ።

እዚ ናይ ክልቲኡ ክልላት ወጥሪ፡ ብግልጺ ዝተራእየሉ ግን፡ ሬሳ ናይቶም ኣብ ክሊ ኣምሓራ ብጭካኔ ዝተቐትሉ ክልተ መንእሰያት መቐለ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ኢዩ። ነቲ ሬሳታት ኣብ ምቕባልን ኣብ ቀብሮምን ዝተራእየ ነድርን ሕርቃንን፡ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተገብረሉ ምድላዋትን ዝተዋህቦ ክብ ዝበለ ስነ-ስርዓትን፡ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ተቐሪጹ ንኽዝርጋሕ ፍቓድ ምርካቡ፡ መርኣያ ዝለዓለ ወጥሪ ናይ ክልቲኡ ክልላት ኢዩ። እቲ ሽዑ ኣብ ምቕባል ሬሳታትን ኣብ ቀብሮምን ዝተራእየ ነድሪ ዝተሓወሶ፡ ኣብ መቐለ ዝተራእየ ሰልፊ “ንጎነጽ ብጎነጽ ክንምልስ ኢና” ዝብል መጠንቐቕታ ንምሃብ ይመስል።

እዚ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ እምበኣር፡ ካብቲ ብወግዒ ዝካሰስሉ ናይ ዶብን መንነትን ሕቶ ዝሓልፍ፡ ዓሚቊ ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ። ምሁራትን ሰብ ጸጋን ኣምሓራ ነቲ ኣብ ዘመነ ደርግ ብህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ተወሲዱና ዝብልዎ ክብርን ስልጣንን ክመልሱ ዝደልዩ ኢዮም ዝመስሉ።  እዚ ሕቶዚ ምስ ኩሉ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ዋላ ምሳና -ምስ ኤርትራውያን – ዘባእሶም ምዃኑ ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎ”ኳ እንተኾኑ፡ ከም ቀዳማይ ጸላእን፡ ቀንዲ ዕንቅፋት ናይቲ ናይ ነዊሕ ትልሚን ሕልምን ዘቐመጥዎ ግን፡ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝተጠርየ ኒሕ ህዝቢ ትግራይን፡ ነቲ ቃልሲ ዝመርሐ ህወሓትን ምዕናው ኢዩ። ንሳቶም ክብርን ዝናን ኣምሓራ ምስ ምድኻም ህዝቢ ትግራይን ስዕረት ህወሓትን ዘተኣሳስርዎ ይመስሉ።

ፖለቲከኛታት ኣምሓራ፡ ነቲ “ወያኔ ዝሃንደሶ ኢዩ” ዝብልዎ፡ መንግስቲ ኢህወደግ ዘተኣታተዎ ኣብ ዘርእን ቋንቋን ዝተሞርኮሰ ምፍልላይ ኣይቅበልዎን ኢዮም። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ኢዮም፡ ኩሉ’ቲ ኢህወደግ ዘተኣታተዎ ጅኦግራፍያዊ ክልላት ኮነ፡ “ናይ ወያኔ ኢዩ” ዝብልዎ ሕገ-መንግስቲ ክቕበልዎ ዘይደልዩ። ካብ ብዙሕ መግለጺታት ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ከም ዝስማዕ፡ ምቕያር ሕገ-መንግስትን ዘርኢ ዝሰረቱ ክልላዊ ምምሕዳራትን፡ ምድኻም ተጋሩን ንሶም ዘተኣታተዩዎ ፖለቲካዊ ሰረተ እምነትን ምዃኑ ዝኣምኑ ይመስሉ።

ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ነቲ ቀያሕቲ ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ልዑላውነትን፡ ብልግሲ ተጋሩ ዝተዋህበና ጉንዖ ገይሮም ክጉስጉሱሉ ይስምዑ ኢዮም። ነታ ንሶም ዝመርሕዋ ዝነበሩ ብናይ ብሀራት ቤት ማእሰርቲ እትፍለጥ ኢትዮጵያን ዓምጻጺ ፖሊሲኣን ስዒርና ዘምጻእናዮ ምኻኑ ጠፊኡዎም ዘይኮነ፡ ከም ተጋሩ ዝጽልእሉ ካልእ በትሪ ክጥቀሙሉ ስለ ዝደልዩ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ዝኾነት ኣንጻር ወያኔ እትቐንዕ ፖለቲካዊ ጎስጓስ “ገንጣይ ኣስገንጣይ . . . ንኢትዮጵያ ብዘይ ወደብ ዘትረፈ ሸያጥ ሃገር ወዘተ” እናበሉ ክምድሩን ክኸስዎምን ንሰምዕ ኢና። ኣብ ኩሉ’ቲ ድሕሪ ምውዳቕ ደርግ ብኣምሓርኛ  ዝጸሓፍ መጻሕፍቲ’ውን፡ ነዘን ክብ ኢለን ዘለዋ ሓረጋት ከየንበብካ ምሕላፍ ዝከኣል ኣይኮነን።

ፖለቲከኛታት ትግራይ ብወገኖም፡ እቲ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዓሚቚ ጽልኢ፡ ነቲ 17 ዓመት ተቓሊሶም ዘረጋገጽዎ ፖለቲካዊ ጸብለልታ ዝቐትል ምኻኑ ኣይሰሓትዎን። ኣብዛ ነጥቢ’ዚኣ ስብሓት ነጋ ኣብቲ ዶ/ር ዓቢይ ስልጣን ዝሓዘሉ እዋን ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጥይቕ “ጥልያን ወራሪ ስለ ዝኾነ ጸላኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቱርኲ ባዕዳዊ ስለ ዝኾነ ጸላኢ ክኽውን ይኽእል ኢዩ። ቀንዲ ጸላኢና ግን ምሳና፡ ኣብ ውሽጥና ኢዩ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ቃላት’ዚ ብቐጥታ ናብ መን ዘንቀለ ምኻኑ ብዘየገድስ፡ ስግኣት ተጋሩ ኣብዚ ሓድሽ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኢዩ ዘነጽር። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፌደራላዊ ምምሕዳር ካብ ስውር ምርጋሕ ዝሓልፍ፡ ከበድቲ ፖለቲካዊ ቃላትን ዘለፋታትን ይለዋወጥ’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግን ዓቢይን ደብረጽዮንን ክቀራረቡ፡ ተጋሩን ኣምሓሩን ግን ክፋጠጡ ኢና ንርኢ ዘሎና። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከኣ ኢየ፡ ናይ ኢሰያስ መገሻ ናብ ክሊ ኣምሓር ዝነቅፍ ዘለኹ።

ኢሰያስ ብባህሪኡ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዝነብር ሰብ ኣይኮነን። ነዚ መረጋገጺ ዝኸውን ጭብትታት ምቕራብ ጸገም ዘለዎ ኣይመስለንን። ኣብዘን 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ብግብሪ ዝረኣናዮ ስለ ዝኾነ። ገለ ጭብጥታት ምቕራብ እንተ ተደልዩ ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ፍሩያታ ባህርያቱ ከቕርብ ጽቡቕ ኢዩ።

  • ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ኲናት ተወዲኡ ሓጎስናን ፈንጠዝያናን ከይወዳእና፡ ተጋደልቲ ኤርትራ ንካቢላ ንምሕጋዝ ክሳብ ኮንጎ ከይዶም ተዋጊኦም። ኮንጎ ዘይትነጽፍ ጸባው ላሕሚ ሃገራት ምዕራብ ስለ ዝኾነት ከኣ፡ ገና ኣብ ምጅማሩ – ምስ ከም ፈረንሳን ኣመሪካን ዝበላ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ምፍጣጥ ኣትዩ።
  • ቀዳማይ መጋበርያ መንግስቲ ኣመሪካ ብምዃን፡ ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኡጓንዳን ኮይኖም፡ ኣብ ሱዳን ስርዓት ዝቕይሩ ተጋደልቲ ኤርትራ ናብ ደቡብ ሱዳን ተላኢኾም፡ መንእሰያትና ኣብ ዘይመሬቶም ተሰዊኦም። እቲ “ተቓወምቲ ሱዳን ንምሕጋዝ” ተባሂሉ፡ ብኸባቢ ከሰላን ቃሩራን ዝተገብረ ወፍሪ’ውን ገና ካብ ዝኽርና ኣይሃሰሰን።
  • ምስ የመን ንደሴታት ሓኒሽ ዝቑር ኣመኽኒኻ ዝተገብረ ሃንደበታዊ ረጽሚ’ውን ካልእ ኣብነት ኢዩ። ኣሕዋትና የመናውያን ግን ዋላ’ኳ ከቢድ ሕፍረት እንተ ወረዶም፡ ልቢ ኣዕቢዮም፡ ናብ ሕነ ምፍዳይን ግብረ መልስን ኣይተጓየዩን። ሳላ ለባም ውሳኔኦም ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ክፈስስ ዝነበሮ ደም ሃዲኡ። ሎሚ ግን ለባም ሕውነታዊ ውሳኔ የመናውያን ተረሲዑ፡ ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን ብስቓይ ህዝቢ የመን ይነግዱ ኣለዉ። ነፈርቲ ኲናት ስዑድያን ኢማራትን ካብ መሬት ኤርትራ ተበጊሰን ንየመናውያን ኣሕዋትና የድምያን ይቐትላን ኣለዋ።
  • እቲ ኣብ ግምቦት 1998 ዓ.ም ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰብ ዝበልዐ ናይ ዶብ ኲናት’ውን ኣበጋሲኡ ኢሰያስ ኢዩ። ብሽነኽ ተጋሩ፡ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝወጸ፡ ምስ ተሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዘይከይድ፡ ዘይብሱልን ቆልዓዊ ኣተሓሕዛን ምጥራርን ዶባት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እዚ ግን ብነዊሕ ዲፕሎማስያዊ ስራሕን ሽምግልና ፈተውቲ ሃገራትን ዝፍታሕ እምበር፡ ናብ ደም ምፍሳስ ዘብጽሕ ኣፈርኩቡ ኣይነበረን።
  • ገና ጠንቁ ብልክዕ ዘይፈለጥናዮ፡ ምስ ጅቡቲ ዝተገብረ ውግእ’ውን ብዝኾነ መልክዑ ቅኑዕ ኣይነበረን። እታ ዘይሻራዊ መርገጺ ክህልዋ ዝነበራ ጅቡቲ፡ ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ወጊና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣፍ ደገኣ ክፉት ብምግባራ ኩሉ’ቲ ህይወት መንእሰያት ኤርትራ ዝቐዘፈ፡ ኣንጻርና ዝቐንዐ ኣጽዋር ኢትዮጵያ ብመሬታ ክሓልፍ ብምፍቃዳ ዝሰረቱ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ክኽወን ከም ዝኽእል ግን ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን፡ ካብ ኲናትን ደም ምፍሳስን ወጺኡ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ነቲ ን30 ዓመታት ኣብ ኲናት ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብውልቁ ውሽጣዊ ባህታ ስለ ዝህቦ ጥራይ፡ ቀለልቲ ምኽንያታት እናፈጠረ፡ ኣብ ግጭት ክጠብሶ ኢዩ ጸኒሑ። ነዚ ዘስተውዓሉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ተደጋጋሚ ንውልቃዊ ዕግበት ውልቀ-ሰብ ዝካየድ ኲናት ነብሶም ክኣልዩ ስለ ዝነበሮም፡ ብረቱ ደርብዮሙሉ ነናብ ዝጥዕሞም ፋሕ ኢሎም። ኢስያስ ኣገዲዱ ናብ ኲናት ዘእትዎ መንእሰይ ምስ ሰኣነ ጥራይ ከኣ ኢዩ ካብ ኲናትን ደም ምፍሳስን ተዓጊሱ። ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ንኢሰያስ ክወግእ እምበር፡ ብኢሰያስ ተላኢኹ ናብ ኲናት ክጥበስ ድሉው ኣይኮነን። ኢሰያስ ግን ናይ ኲናትን ደም ምፍሳስን ሽውሃቱ ኣይዓገበን። እታ ተሪፋቶ ዘላ ናይ መጨረሻ ካርታ ከኣ ብኢድ ኣዙር ኢዱ ዘእትውሉን ውልቃዊ ዕግበት ዝረኽበሉን ናይ ተጋሩን ኣምሓሩን ኩናት ምስዋር ኢዩ። እዚኣ ምናልባት ነቶም ከም ባህርያውያን ጸላእቲ ዝወሰዶም ወያኔ፡ ከተዳኽመሉን ኢድ ከንስኦምን ይጽበያ ይኸውን። ግዜ ግን ምስኡ የሎን።

መገሻ ኢሰያስ ናብ ክሊ ኣምሓራ እምበኣር፡ ምስዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ናይ ክልቲኡ ክልላት ወጥሪ ኣዛሚድካ ንጽቡቕ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ።

ኤርትራውያን ካብ ግጭት ጎረባብትና ንረኽቦ ጉድኣት እምበር ረብሓ የልቦን። ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ውሽጣዊ ግርጭት ብዘተን ምርድዳእን ክፈትሑ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኲናት – ሰብን ሃብቲ ሃገርን ከም ዝበልዕ ካብቲ ምእንቲ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክብሉ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሕዎ 30 ዓመታት ክመሃሩ ይግባእ።

እንተኾነ ከምቲ ኤርትራውያን ሕማቕ ናቶም ዘይንደሊ፡ ንሳቶም’ውን ናብ ወደባትናን ባሕርናን ዘለዎም ምምብሃቚ ከዐግሱ ጽቡቕ ኢዩ። መሬት ኤርትራ ረጊጹ ንኢትዮጵያ ዝወርር ሓይሊ ከም ዘየለ እናፈለጡ፡ እቲ ንምንታይ ዕላማ ምዃኑ ገና ዘይነጸረ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክንሃንጾ ኢና ዝብልዎ ዘለዉ ሓይሊ ባሕሪ’ውን፡ ኤርትራውያን ብዓይኒ ጠርጠራ ከም እንርእዮ ክፈልጡ ኣለዎም።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ዝኾነ ዘረብኦም “ሓውና ህዝቢ ኤርትራ!!” እናበሉ ክምድሩ እንሰምዖም ተጋሩ’ውን፡ “ንሓቀኛ ሕውነት ስርሑ” ክብሎም እፈቱ። ክሳብ ሎሚ ትግራይ ከም ዓባይ ናይ ኤርትራውያን ናይ ስደት ኮሪዶር ኮይና ኢያ ጸኒሓ። ኣመሓደርትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን ትግራይ፡ ካብ ውሽጢ’ቲ ናይ ስደተኛታት መዓስከር፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ሰባት እናለኣኹ፡ ኤርትራዊ ንኽስደድ ክስርሑ ጸኒሖም ኢዮም። ተጋሩ ነዚ ኩነታት’ዚ ከም ዓቢ ሚስጢር ክሕዝዎ ወይ ክኽሕድዎ ይደልዩ ይኾኑ። እቶም ዝለኣኹ ዝነበሩ መንእሰያት ደቅና ምንባሮም ግን ዝስሕትዎ ኣይመስለንን። ብኣጠቓላሊ ክረአ ከሎ እምበኣር፡ ሽግር ኮነ ስደት ኤርትራውያን፡ ከም ምንጪ ገንዘብን ሃብትን ንተጋሩ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ።

ብዘይካ”ዚ ተጋሩ ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም ተራ፡ ኣሎታዊ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ንኹሎም’ቶም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሪኖም ናብ ትግራይ ዝሰገሩ’ሞ “ንኢሰያስን ስርዓቱን ኣሊና፡ ህዝብና ከነድሕን ሓግዙና” ንዝበሉዎም ተጋደልትን መንእሰያትን ኤርትራ “ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፡ ካብ ሃገርና ውጻልና” ክብልዎም ኢዮም ጸኒሖም። ብኣንጻሩ ነቶም ኣስናን ዘይብሎም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ሰባት ጠርኒፎም ሓንሳብ ከባእስዎም፡ ጸኒሖም ክዓርቁዎም ኢና ተዓዚብና። በዚ ከኣ ኢዩ ብዙሕ ኤርትራዊ “ተጋሩ ኣብ ምጽናት ኤርትራውያን ማዕረ ኢሰያስን ህግደፍን ተሓተትቲ ኢዮም” ዝብል ርእይቶ ሒዙ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ሓዉ ህዝቢ ትግራይ፡ ንስለ ሓርነቱን ክብሩን ዝውዕል፡ ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ደገፍ ተሓሪሙዎ ኢዩ ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ኤርትራዊ ካብ ተጋሩ ዝጽበዮ ሓገዝ፡ ኣሽሓት ከፊልካ ንደርፍታት ሀለን መለስን ካሕሳይ በርሀን፡ ኣብ ኣዳራሻት መቐለ ምድጋም ዘይኮነ፡ ኣብ ምእላይ ናይቲ ንዕኦም’ውን ሰናዮም ዘይሓስብ ውልቀ-መላኪ ኢሰያስ ፡ ዝጭበጥ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዝ ምግባር ኢዩ። በዚ ከኣ ኢየ “ኢሰያስ ክበጽሓኩምን ክነግደኩምን ካብ ምጽባይ ሰጊርኩም፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ወግኑ” ክብሎም ዝደሊ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኢሰያስ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ከሳውሮ ዝደሊ ዘሎ ሓዊ ክሰልጦ ዕድል ክወሃቦ የብሉን። ኤርትራውያን ኣብ ምዝራግ ሰላም ኢትዮጵያ ረብሓ የብልናን። ረብሓና ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢዩ። ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ፡ ረብሓ ኩሎም ህዝብታት ዓለም’ውን ካብ ሰላምን ምርግጋእን፡ ካብ ጽቡቕ ጉርብትናን ምክብባርን ኢዩ። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ከኣ፡ ናይ ደምን ኲናትን ጽምኢ ዘለዎም ፖለቲኬኛታት ኣብ ምእላይ ክተሓባበሩን ንሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክሰርሑን ይግባእ።

ታደሰ  ኪዳነ

በርሚንግሃም

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Eri=thiopia is our new country November 11, 2018

    The solution is to make Eri=thiopia great again , without losing the Eritrean identity

  • Danilo November 11, 2018

    Thank you ታደሰ,
    It is clear what is going on. We can also leave aside EPLF / TPLF agenda which is dead. But, new game is starting that concerns about the future whether to integrate or disintegrate the whole region. Most of us probably don’t understand what is about the three leaders repeated meeting / arguments i. e due to happen CONFEDERATION as the famous conference held months ago ( ref. Dr. Tsehaye and Habteslasie ) proposed. Thus is the point how to deal with ignoring the honeymoon. Dr Abie is doing homework, wedi medhin berad is also accomplishing his mission. .
    End. Let’s do ours!

  • ንሓቀኛ-ሰላም-ብሓቂ November 11, 2018

    ኣቶ ታደሰ፡ ዝድነቕ ጽሑፍ’ዩ፡ ኣጆኻ ቀጽሎ።

    ብተወሳኺ ተጋሩ ኣሕዋትና ብዝያዳ ከኣ መራሕቲ ወያነ ክፈልጥዎ ዘለዎም ነጥብታት ኣሎ። ናይ ዶብ ጉዳይ ብህዝቢ’ዩ ዝውሰን ዝብል መተዓናቐፊ ነጥብታት ክኣልዩዎ ከምዘለዎም እዩ። ብህዝቢ ዝውሰን እንተዝኸውን ኔሩ ስለምንታይ ናብ ኩናት ተኣትዩ፡ ድሕሪ ኲናትከ ስለምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድ ኣድለየ። ሃገር ብመንግስቲ፡ መንግስቲ ከኣ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ወከልቲ ጌሩ ይቐውም። ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕመቕና ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ድኣ ኣይሃልወና እምበር ፈቲና ጸሊእና እቲ ዘሎ መንግስቲ እዩ ንኤርትራ ወኪሉ ዝውድእ። ተጋሩ ከኣ ፍተውዎ ጽልእዎ መንግስቲ ኣለኩም። ወያነ ክሳብ ትማሊ ንኢትዮጵያ ትመርሑ ጸኒሕኩም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪልኩም ብዛዕባ ዶብ ክትዋግኡናን ኣብ ቤት ፍርዲ ክትምጉቱናን ጸኒሕኩም። ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ኣብ ምፍጻም ከኣ ኣብ ስልጣን ዘለው መንግስታት እዮም ዝውዱእዎ። መንግስታት ንህዝቦም ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ዶብ ዝነብር ህዝቦም ይጠቅም ንዝበሉዎ ሓበሬታ ይውከሱ። እዚ ናይ ውሻጠ ስርሖም ይኸውን። ዘዋጽኦም ፈሊጦም ከኣ ምስ መማጉቶም ይከራኸሩ፡ ይላዘቡ፡ ይሙጉቱ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ የፈጽሙ። ዘይምቕናዕ እንተዘይኮይኑ እዚ ስለዝጠፍኣኩም ኣይኮነን። ብሓቂ ሓልዮት ህዝብኹምን ሰላም ናይ ክልቴና ኣህዛብ ትሓስቡ እንተኾንኩም ብዘይ ውዓል ሕደር እዚ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ መፈጸምታ ንኽበጽሕ ብንጹህ ልቢ ስርሑ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ብንጹህ ልብና ንዓኹም ክጎድእ ዝደሊ ዓማጺ ብቓልን ብግብርን ክንኩንኖን ምሳኹም ደው ክንብልን ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን።
    ኣብዚ ናይ ዱብ ውሳኔ ንዓና ዘይምእምእ ሓያሎ ቦታታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ይኹን’ምበር ሕጂ ክንደይ ደም ፈሲሱ ብቤት ፍርዲ ምስተወድአ ብናይ ክልቴና ጽቡቕ ድልየት እንተዘይኮይኑ ሓደ ወገን በይኑ ስለዘይማእምኦ ክቅየር ዝከኣል ኣይኮነን። መጀመርያ ሕራይ ኢልኩም ንምትግባሩ ኣብ ባይታ ቅረቡ፡ እቲ ክመሓየሽ ወይ ክቀያየር ዝኽእል ብኽልቲኡ ወገን ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል ቦታታት እማመ ኣቐሪብኩም ትላዘብሉ፡፡ እቲ ብኽልቲኡ ወገን ተቐባልነት ዘይረክብ ከኣ በቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ይትግበር። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ይምጻእ ካብዚ ወጻኢ ክግበር ዝኽእል ዝህሉ ኣይመስለንን።
    ሕዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ ደም ምፍሳስን በደላትን ይቕረ ኢሉ ኣብ ሕሰምኩም ደው ክብል እንተኾይኑ ብቕንዕና ብሕግን ብርትዕን ዝእመን ተግባራት ክተርእዩ ኣለኩም።
    እታ መንግስቲ ኤርትራ ን16 ዓመት ክጥቀመላ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ካርታ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ቦታኣ’ያ ዘላ። ዋላ ብግሉጽ ኣይኹን፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ጉዳይ ከየተግብር ወያኔ ብውሽጢ ምርግጋእ ይኸልእዎን ይቓወሙዎን ስለዘለው እዩ” ዝብል ዘረባታት ኣሎ። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ዘለኩም መርገጺ ኣመሓይሽኩም ብንጹር ኣፍልጡ።
    ካብ ሓቂ ምህዳም ንግዚኡ ደኣ የመሳምስ እምበር ናይ መወዳእታ መፍትሒ ስለዘይከውን፡ ንሕና ኤርትራውያን ናይ ትግራዎት ኣሕዋትና ሕማቕ ዘይንደሊ ምዃና ፈሊጥኩም ብቕንዕና ክትሰርሑ ክነዘኻኽረኩም ንደሊ።

  • Simon G. November 12, 2018

    ንኹሎም’ቶም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሪኖም ናብ ትግራይ ዝሰገሩ’ሞ “ንኢሰያስን ስርዓቱን ኣሊና፡ ህዝብና ከነድሕን ሓግዙና” ንዝበሉዎም ተጋደልትን መንእሰያትን ኤርትራ “ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት፡ ካብ ሃገርና ውጻልና” ክብልዎም ኢዮም ጸኒሖም። ብኣንጻሩ ነቶም ኣስናን ዘይብሎም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ሰባት ጠርኒፎም ሓንሳብ ከባእስዎም፡ ጸኒሖም ክዓርቁዎም ኢና ተዓዚብና። በዚ ከኣ ኢዩ ብዙሕ ኤርትራዊ “ተጋሩ ኣብ ምጽናት ኤርትራውያን ማዕረ ኢሰያስን ህግደፍን ተሓተትቲ ኢዮም” ዝብል ርእይቶ ሒዙ ዘሎ። Tadesse Kidane

    Agree. We were sandwiched by those 2 leaders (TPLF & HGDF). Both never want to see Isays out of his power. Now, the devil himself turns against them and they start to sing we are bothers and sisters.
    TPLF leaders are as guilty as HGDF.

POST A COMMENT