Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስግንጢርን ቅልውላውን

ነሃሰ 17/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣብ ንቡር ናብራ ወድ-ሰብ፡ ዘይብሉ ክልምን ዘለዎ ክኣ ክህብን ክኸልእን ማለት ክተኩብን እርዳእኩም ክብልን ዘነበረን ዘሎን ኢዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንዂነታት ሃገርና እንተ ርኢናዮ እንታይ ይመስል? ቅጥዕን ኣገባብን ዘይፈልጥ “መራሒ”

ነሃሰ 17/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣብ ንቡር ናብራ ወድ-ሰብ፡ ዘይብሉ ክልምን ዘለዎ ክኣ ክህብን ክኸልእን ማለት ክተኩብን እርዳእኩም ክብልን ዘነበረን ዘሎን ኢዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንዂነታት ሃገርና እንተ ርኢናዮ እንታይ ይመስል? ቅጥዕን ኣገባብን ዘይፈልጥ “መራሒ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኢሳያስ፡ ዝሓዘ ዘይብሉ መንዚዑ ንመንዛዕቲ ዝህብ ክንርኢ ከለና እንታይ ንበሎ? ንብረት እንዳማቱ ካብ ዝዕድል ስግንጢር ስራሕ ይስራሕ ስለ ዘሎ ንዕኡ ዝሰማማዕ ስም ሌባ ደኾን ኣይምሓሸን! እቲ ካብ ሌባ ዝቕበል ዘሎ እርዳእኩም ዘይፈልጥ ዶክተር ኣብይኸ እንታይ ክኸውን ኢዩ ስሙ? ንሱ’ውን ካብ ሌባስ ተቐባል ሌባ እንተበልናዮ ንዕኡ ዝሰማማዕ ስም ከይኮነ ኣይተርፍን።

ዋናታት ብኾፎም፡ ካልኦት ንብረቶም ክመናጠልሉ ከለዉ ብርግጽ ስግንጢር ስራሕ ይስራሕ ስለ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ንንብረቱ ክከላኸል ደው ዝብለሉ መድረኽ በጺሕና ኣለና። ንሱ ክኣ ዘረፍቲ ካብ ሃለዉ፡ ከመቲ ንገዛና ማዕጾ ንገብር ንሃገርና ድማ ዶብ የድልየና ማለት ኢዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ነዚ ዕማም’ዚ ከሰላስሉ ኢዮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ። ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ብዙሕ ኣገጣሚታት ብጽሑፍ ይኹን ብቓል ዘተምባህክዎ፡ ክትቃለስ ከለኻ ጸላእትኻን ባህርያቶምን እንድሕሪ ዘይተፈልጥ ኰንካ ግዜኻ ኣብ ድንግርግር ስለ እተሕልፎ ቀልጢፉ ኣይሰልጠካን ኢዩ። ኤርትራውያን ተመኩሮና ሰፊሕን ዓሚቝን ስለ ዝዀነ ናይ ካልኦት መጻሕፍቲ ብዙሕ ዘድልየና ኣይኰነን፡ ናትና’ውን ኣምቢብና እንተወዲእናዮ ኢዩ። ካብ ገዛእቲ ናብ ገዛእቲ ካብ ጠለምቲ ክኣ ናብ ጠለምቲ ክንሰጋገር ክሳብ ሎሚ ኣየዕረፍናን። ናይ ጥልያንሲ ከም ሃገርና ንበሎ፡ እቶም ብድሕሪኡ ዝተኸተሉኸ ኣብ ምንት-ምንታይ ይበሃል? እዚ ሕጂ መጺኡና ዘሎ ሓዲሽ ጥበብ ናይ ወረራ ክኣ’ሞ ንትኣምራት ዝኾነ ፍልስፍና ዝሓቖፈ ኢዩ። “ሰላም፡ ፍቕሪ”፡ ዶብ ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ተባህለ፡ ምናልባት’ውን ብሕልሚ ናይ ዶክተር ኣብይ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ወተሃደር ዘይብላ ዓለም ክትህሉወና ርሑቕ ኣይመስልን። ብዙሕ ሃሜንነትን ምንቅድዓውነትን ኣሎ’ሞ ከምዝስ ኣጋጢሙ ነይሩ ክብል ኣይደፍርን። ብወገን ኢሳያስ እንተርኢና ክኣ “ሓደ መራሕ ሃገር” ዝበሃል፡ ምምላኽሲ ይምለኽ ከም ዝነበሩን ዘለዉን ንበሎ፡ ሃገር ዝዕድል ግን ኣይረኣናን ኣይሰማዕናን፡ እሞኸድኣ ነዚ ስግንጢር ዝኾነ ተርእዮታት ከመይ ጌርና ንግጠሞ?

ኣብዚ ደምበ ተቓውሞና እንተተዓዚብና፡ ምቅላስሲ ንቃለስ ኣለና፡ ከም ሎሚ እኳ ኣንጸርጺርና ኣይንፈልጥን፡ ግን ኣገባብ ኣቀላልሳና ብመንጽር ጸላእትና እንተመዚንናዮ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ኣለዎ። ጸላእትና ጸንቂቖም ከብርሱናን ክወርሱናን ብዘይ ንሕስያ ዝተዓጥቁ ምኻኖም ከም ጽሓይ ቀትሪ ብሩህ ኰይኑ ኸሎ፡ ኣብ መንጎና ግን ብንሕስያ ዝቃለሱ ኣይተሳእኑን። ገሊኦም ስኣን ምፍላጥ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ናይ ገሊኦም ግን ናይ ኣምሰሉ ተቓለስቲ ስለ ዝዀኑ ኣዳቒቕና ከነለልዮም ከድልየና ኢዩ።

ኣብዚ ግዚ’ዚ ንኢሳያስ ውሃብን ከላእን ክንገብሮን እዚ እንተዝገብር ኢልና ሃንቀው ክንብልን ማለት እሱራት እንተዝፈትሕ፡ ቅዋም እንተዘፍቅድ፡ ዶብና እንተዝሕንጽጽ ኢልና ክንጽበዮ እንተድኣ ኰንና ዳርጋ ጸላኢ’ውን የብልናን ዘስምዕ ኣበሃህላዶ ኣይኮነን? ዶብና እንተ ተሓንጸጸ፡ ቅዋም እንተ ተተግበረ እሱራትና እንተወጹ፡ ውጽኢት ቃልስና’ምበር ውጽኢት ናይቲ ስግንጢር ኢለ ዝገለጽኩዎ ስርዓት’ኮ ኣይኰነን። ተቓወምቲ ንነብስና ከም ከሰስቲ እንተድኣ ነቐምጣ ኰንና፡ ነቲ ተኸሳሲ’ኮ ጸንቂቕና ክንርድኦ ኢዩ ዝግበኣና። ብወገነይ ኢሳያስ ዝዀነ ይኹን ኲነታት ይፈጠር ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ተኸሳሲ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን ብሃላይ እየ። ጠጠበቓና ድኣ ይህልወና’ምበር ንኢሳያስ ከም ሚሎሶቪችን መሰላቱን ቤት ፍርዲ ናይ ዓለም ዝጽበዮ ኣካል ምዃኑ ሰጋእ ዘይንብለሉ ጭብጢ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ክኸውን ኣለዎ። ብዝተረፈ ተመሊስና ለማንን ተለማንን ክንከውን እንተድኣ ኰንና ወዮ ስግንጢር ኣብ ርእሴና’ውን ይደጋገም ኣሎ ማለት’ዩ።

ኢሳያስ ብዛዕባ ሃገርና ብስዉርን ብግህዶን ዘትዩ ወዲኡ ኢዩ። ንሕና ግን ነቲ ዘተ ዝበሃል ኣይጥዓምናሉን ኣብ ቅድሜና ክኣ ተቐሪቡ ኣሎ። ኣብ ቃልሲ ጸላኢኻ ብግቡእ ምስ ኣለለኻ ናይ መጀመርያ መዛትይትኻ ክኣ ክትፈልጥ የድልየካ፡ ምኽንያቱ ነዚ ኪልቲኡ ዝጠቐስኩዎ እንተዘንጊዕካዮ እቲ ውጽኢት ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ስግንጢር ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ተመኲሮ ናይ ቃልስና እንተርኢና ዝገበርናዮም ዘተታት ብምልኦም መዛትይቲ ዝሰሓቱ ስጒምትታት ኢዮም ነይሮም። መራሕቲ ውድባትና ብግሁድ ይኹን ብምስጢር ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሓድሕዶም ምስ ጓኖት ኣብ ምዝታይ እዮም ዝቀዳደሙ ነይሮም፡ እቲ ውጽኢት ክኣ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኰይኑ። ከዳዕ ኢሳያስ ካብቶም ጀመርቲ ኰይኑ ይቕጽሎ ክኣ ኣሎ።

እቲ ካልእ ሓላፍ ዘላፍ ወይ ሃጓፍ ከነመዓራርዮ ዝግብኣና ክኣ ንዶክተር ኣብይ ክቕየረልና’ሞ ንጥቕምና ክሰርሕ ትዕግስቲ ንግበር እንታይ ይፍለጥ ዝብል ትርጒም ዘይብሉ ሃንቀውታ ኢዩ። ዶከቶር ኣብይ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ዝንጊዕካ ተስፋ ትገብረሉ ኤርትራዊ ጌርካ ምርኣይ ትርጒም ዘይብሉ ትምኒት ኢዩ። ዶክተር ኣብይ ብዓል ሓድሽ ብልሓት ይኹን እምበር መቐጸልታ ናይቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንምንታይ ይዝንጋዕ? ክሳብ ሕጂ ከይድዎ ዘሎ መገሻ ውሑድ ኣይመስለንን። ፈተውትን ጸላእትን ዘይብሉ ብኣልማማ ንኹሉ ዝዕድም ማለት ንብዓል ምንግስቱ ከይተረፈ በተ-ሰቡ ዝገብር መራሒ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፍትሒ ክገብር ብትዕግስቲ ክትጽበዮ እንተድኣ ኰንካ፡ ኣታ ዘይፈለጥካ ፍለጥ፡ ኣታ ብፍላጥ ትገብሮ ዘለኻ ክኣ መሰነይታ ካብ ምዃን ሓሊፍካ ካልእ ትርጒም ይብልካን። እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን እዚ ኹሉ ናይ ቃልሲ ሕልኽልኻት ካብ ተመኰርናዮን ኣብ ቅድሜና ክኣ ካብ ሃለወን፡ መጀመርያ መዛትይትና ምፍላጥ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ክዕወት እንተድኣ ኰይኑ ቅድሚ ምስ ባዕዳውያን ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣካላት ክዝቲ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ክኣ’ዩ ባይቶ ክህልወና ኣለዎ ዝበሃል። ምኽንያቱ ባይቶ ማህጸን ናይ ዘተ ስለዝዀነ ነቲ ዘለዎ ቅዋም መሰረት ብምግባር ብመልእኽተኛታት ወይ ብሽማግለታት ኣቢሉ ምስ ነብሱን ምስ ዝቐረቡን ዝረሓቑን ክኣ ይዝቲ።

ዘተ ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን፡ ከቢድ ስለዝዀነ ክኣ ሓያል ክትከውን የድልየካ። ምእንቲ’ዚ’ዩ ክኣ ስምረት ኣገዳሲ ዝኸውን። ድኹም ኰንካ እንድሕሪ ዘቲኻ፡ ትህብ’ምበር ገንዘብካ ክትሕሉን እንካን ሃባን ከጋጥመካ ኣይክእልን ኢዩ።ኣብ ተመኲሮና እዚ ኲነታት እዚ ስለ ዘጋጠመን ሕጂ’ውን ንርእዮ ስለዘለናን ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ ምርዳእ ክኣ ከድልየና ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብ ማንም ግዚ ንላዕሊ ንስምረት ህርድግ ንብል ኣለና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ብዙሕ ማሕለኻታት ከጋጥሙና ኢዮም፡ ግን ኣቐዲምና ከነጽንዖም እንተኽኢልና እቲ ዓቐብ ተሪር ኣይክኸውንን ኢዩ። ሎሚ ካብ ኣረጊት ኣሰራርሓ ናብ ሓድሽ ኣሰራርሓ ምስግጋር ምልክታት ይርአ ኣሎ። እቶም ቀዳሞትን ከማይ ዝኣመሰልኩም ሽማግለታትን ብትሕዞ ጸኒሓዊ ሕማማት ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ዕንቅፋት ክንኰኖ የብልናን። ተመኲሮና ብግቡእ ብምጥቃስ ናይ ምዕባሌ መማህራን ኰንና ነዚ መንእሰይ ወለዶ ብኣፍልጦ ከምዝቃለስን ነቦታቱን ነዴታቱን ከም ዘመስግንን ምእንቲ ክኸውን ንቕድሚት ክኸይድ ላዕልን ታሕትን ክብል ከሎ፡ ብምኽርና ሳእኒ ክንኰኖ ይግባእ። ኣብ ቃልሲ ንስኻ እንድሕሪ ዘይትኸይድ ኰንካ ነቶም ዝኸዱ ምሳይ ኮፍ በሉ ኣይበሃልን ኢዩ። ብትዕዝብተይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅልውላው ናይ ሓድነትን ልደት ናይ ሓድሽ ኣመራርሓን ንርከብ ኣለና ክብል እደፍር። ቅልውላው ግን ኣዚዩ መሪር ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ኲነታት’ውን የጋጥሞ እዩ። ስለዚ ኩላትና ኤርትራውያን ነዚ ቅልውላው’ዚ ኩሉ ዓይነት ሕክምናታት ከነዳልወሉ ክንጓየ ኣለና። መንእሰይና ናብ ጀነቫ ጥርዓኑ ብሕጋዊ መንገዲ ኣቤት ክብል ክለዓዓል ከሎን ብኡ ጌሩ ድማ ናብ ጥርናፈ ንኸደሉ መንገዲ ከናዲ ህርድግ ክብል ከሎን ብኹሉ ክርከብ ዝከኣል መሓውራት ምትብባዕ እምበር ጸረ ናይ ቃልሲ ዝኾነ ሞራል ዘይህብ ቃላት ምፍናው ጎዳኢ’ምበር ሓጋዚ ኣይኰንን። ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ወካይል ጠበቓታት የድልይዋ ኣለዉ።፡ እቲ ካብ ኩልና ዝተሃስየ ወለዶ እዚ ትርእይዎ ዘኹም መንእሰይ እዩ። ንሕና ማለት እቶም ቀዳሞት ዘጒደልናዮ ባዕለይ ኣለኹዎ ክምልኦ እየ ክብል ከሎ፡ ሰይ ’ዞም ደቀይ ምባል ክጠፍኣና የብሉን። ንስርዓት ኢሳያስ ወጊድ ኢልና ምጭውቲ ኤርትራ ክንሰርሕ ናይ ኩላትና ነቕ ዘይብል መደብ ዕዮ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንኽኸውን ክኣ ጥልዕ ጒብስ ዘይብሉ ጭርሖና ኢሳያስን ስርዓቱን ክውገድ ኣለዎ ዝብል ምንቕ ዘይንብለሉ ኣርማ ክንዓትር ይግባእ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጸንቂቖም እዚ ስርዓት’ዚ ድሕሪ ደጊም ይኣክል ክውገድ ኣለዎ ኢሊም ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ዘለዉ ምሁራትና ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ዋላኳ ግቡኦም እንተዀነ፡ ግቡኡ ዝገብር ክምስገን ኣለዎ።

እምብኣር ክቡራት ኤርትራውያን እቲ ስግንጢራዊ ኣሰራርሓ ናትና ኣይኰነን፡ እቲ ቅልውላው ግን ገንዘብና ስለዝዀነስ ናትናን ዘይናትናን ኣለሊና ኣስተውዒልና ብንቕሓት ንቃለስ። ሎሚ መሰረታዊ ጸላኢኡን መሰረታዊ ፈታዊኡን ዘየለለየ፡ እታ ዕድሉ ተገራዚ ምዃን እያ። እሳያስ ኣብ’ዛ ምድረኽ እዚኣ ሓድሽ ብልሓት ተለቂሑ’ውን ከደናግር ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ንገለ እሱራት ክፈትሓልና ንገለ ሰዳዕቲ ክኣ ተቐቢለኩም ኢሉ ክዕድመልና፡ ኮታስ ናይ መማኽርቱ ዶክተር ኣብይ ብልሓት ክጥቀም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ኢና እምብኣር ተገረዝቲ ምእንቲ ከይንኸውን ንኹሉ ምናልባታት ተዓጢቕናሉ ክንጸንሕ ዝግብኣና። ነዚ ኲነታት’ዚ ሃንቀው ዝብሉ ኣብ ውሽጥና’ውን ከም ምናልባት ክርከቡ ስለዝኽእሉ ከምቲ ደጋጊመ ኩሉ ሳዕ ዝብሎ መዂባዕቲ ዘይብሉ ቃልሲ ፈራሲ ስለዝዀነ ኣስተውዒልና ንቃለስ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ጽኑዓትን ጠላማትን ኩሉ ግዜ ኣለዉ።

እምብኣር ኣብዛ ግዜ ቅልውላው

ሕጂ እያ መስመርካ ምሕላው

ነቲ ዝውለድ ህጻን ምድላው

    መላኺ ስርዓት ክንብል ጸኒሕና

    እንተጸዊዑና ሕራይ ኢልና

    ናብ ዝነበርናያ እንደገና

ንመን ኢና እሱር ፍታሕ ንብሎ

ንሕጊ ዘይፈልጥ ዕንኪላሎ

ኩሉ ነገር ጠፊኡዎ ደሎ

    ንኢሳያስሲ ግበረልና ቅዋም

    ነዚ ፋሉል በቕሊ ብዘይ ልጓም

    ክጠፍኣና ናይ መለኽቲ ሕማም!

መን’ዩ ለማኒ መን ከዩ ተዃቢ

ኣንታ ምን’ዩ ንህቢ ምንከ’ዩ ዝንቢ

ወረ መን’ዩ ሰብ መንከ’ዩ ረቢ?

    ንኢሳያስ ቅድም ከነሕልፎ

    ነቲ ንብረት ሃገር ዝገፈፎ

    ኣብ ገዛ ብኾፉ ብዓል ቆፎ

ነዚ እሾዂ መርገም ነዚ ጭዓ

ናብ ከብዱ ኢና ’ታ ሽንቱ ነቕንዓ

ጥንቅልዒት ዝደቀሰ ቆልዓ

    ሎሚ ሕሹዂ ምባል ምስ ኢሳያስ

    ምሕማም’ምበር የብላን ምፍዋስ

    ወጽእ እቱው ከንቱ ምምልላስ

ንኢሳያስ ክንገብሮ ውሃባይ

እዚ ስግንጢር ክኸውን ተዃባይ

ማርቴሎ ዘይብሎ ነዳቓይ

    ኢሳያስ ክምልስ ክንከውን ሓተትቲ

    ካን ውሒዱና ዝሓለፈ ትምህርቲ

    ካብ ብምዓስ! ኣብ ትሕቲ ማይ ዘይቲ

ተረሲዑ ’ቲ ናትና ኣጀንዳ

ሰብ ጸኒቱ ሃገር ተዋሪዳ

መን ይከሓስ መንከ ይኽፈል ዕዳ?

    ንጠንቀቕ ሕጂ ከይንሃድም

    ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ከይንጠልም

    ኣብ ዘይከውን ነገር ከይንፍርም

ነቀይ-ነቀይ ንኽሕደት ትወልዳ

ከይንኸውን ናይ ኤርትራ ማዳ

ከምኣ’ኮያ ነይራ ናይ ይሁዳ

    ሎሚ ጥልዕ ጒብስ ኣብ ምቕራባ

    እንሃሉ ናይ ኢሳያስ ጃልባ

    እስቀል ተበለስ ኣብኣ ’ረኽባ

ኢሳያስ ቄናን ለዃዂቶ

ንዓኻ ዝኣምን ከንቶ-መንቶ

መንገዲ ናይ ቃልሲ ዝጠፍኣቶ

    ንመላኺ ዝገብር መጽዋቲ

    ዝሰዓዓም ብቐትሪ ብለይቲ

    ምዕጒርቲ ኢሳያስ ንሳልሰቲ።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT