Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሸሞንተ መጋቢት!

ሸሞንተ መጋቢት! 'ኣደ መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ወ/ሮ መብራት ሃብቱ ኣብ መወዳእታ፡ 'ሸሞንተ መጋቢት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ፡ ነቲ ምእንቲ መሰለንን ማዕርነተንን ንምርግጋጽ ዘካይደኦ ቃልሲ፡ ዝግምግማላን ተሳታፍነተን ኣብ ሃገራዊ መደባት ዘረጋግጻላን ዕዝዝቲ ዕለት ሙዃና' ገሊጻ። ሃማደኤ ዞባ

ሸሞንተ መጋቢት!
‘ኣደ መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ወ/ሮ መብራት ሃብቱ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ሸሞንተ መጋቢት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣነስትዮ፡ ነቲ ምእንቲ መሰለንን ማዕርነተንን ንምርግጋጽ ዘካይደኦ ቃልሲ፡ ዝግምግማላን ተሳታፍነተን ኣብ ሃገራዊ መደባት ዘረጋግጻላን ዕዝዝቲ ዕለት ሙዃና’ ገሊጻ። ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣስታት 2500 ኣባላት ዘሎዎ ማሕበር’ዩ።’ ቃል እታ ንነብሳ “ዓቃቢት ሓቂ” እትጽውዕ ብግብሪ ግን ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ሓቂ ኣምሊቛ ዘይትፈልጥ ነሳስ ተለቪዢን ህግደፍ።
ኣብቲ መሰልካን ክብርኻን ዝሕለወሉ ሃገር፡ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብምንጽጻር ከኣ ብልምዲ ‘ዓዲ ሰብ!’ ኢልና ንጽውዖ ሃገራት ምዕራብ፡ ብምቾት እናነበርካ፡ ነታ መሰላን ክብረታን ኣብ ሃገራ ስለ ዝተጋህሰ፡ ሃጽ ኢላ ብዘይድሌታ ናብ ስደት ብምውጻኣ፡ ኣብ ጉዕዞኣ መጻወቲ ጓሶት ራሻይዳን በደዊንን ትኸውን ዘላ ኤርትራዊት ጎርዞስ ነቲ ካብ ሃገራ ዘንፈጻ ሰብኣውነቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ጉጅለ ምልኪ፡ ብጓይላን ጣቕዒትን ብምድጋፍ፡ መሰላን ማዕርነታን ኣረጋጊጽና ኣለናድየን ዝብላና ዘለዋ እዘን ውሑዳት ካብ ልዕሊ 50 ሽሕ ተቐማጦ ደቂ ኣነስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ፡ 2500 ዝኾና ቁንጣሮ ንነብሰንውን ዘይውክላ ካድራትን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ደገፍቲ ጉጅለ ጓይላ!? መልሱ ንልቢ ፋህም (መስተውዓሊ) እገድፎ። በዚ ኣጋጣሚ ግን ነታ ኣብ ኤርትራውያን ሓቐኛ ትርጉማ ስኢና ዘላ ሸሞንተ መጋቢት፡ ናይ መን ከም ዝኾነት ክሓታ ምደለኹ።
ሸሞንተ መጋቢት!
 
ናይ መን ኢኺ እስከ ግለጽልና?
ናይተን ውጹዓትዶ ሰላም ዝሰኣና?
ወይ ናይተን ሰብ ግዜ፡ ዓለልቲ ኣብ ጥፍኣትና?
ናይተን ሕዙናትዶ *ከሊ ዝተኸድና?                               *ጸሊም ክዳን ሓዘን
ወይ ናይተን ሳዕሳዕቲ ግልብጭ ዝተቖና?
ናይ መን ከም ዝኾንኪ እስከ ንገርና!
 
እወ ተዛረቢ ሸሞንተ መጋቢት
ፍለይየን ንጭርናዕ ካብ ረጋቢት
ኣብ ስቓይ እንከላ ኤርትራዊት
ናብ ጓይላ ዝጎያ ናብ ሳዕስዒት
ይኣክል በልየን ናይ ጥፍኣት ጣቒዒት!
 
ውሑዳት ኣብ ስደት ውላደን ሓቊፈን
ሕሰምን መከራን ፍጹም ዘይተንከፈን
ምስ’ዚ ኣጽናቲ ስርዓት ሎሚ ተሰሊፈን
ህዝቢ ብመላኺ ብራዕዲ ክዕፈን
ገንዘብ ተተኾባ ካብቲ ዝተረፈን
ሃገራውያን ዝመስለን ሓለፋ ኣሕዋተን
ዓገብ’ዩ በልየን ጽዩፍ ተግባራተን!
 
ወረ ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት?
ናይተን ተሰዲደን ብምቾት ዝነብራ
ውሉደን ሓቊፈን ቀሲነን ዘምህራ
ኣብ ሬሳ ዕሸላት ጓይላ እናዓንደራ
ኣብ ውሑስ ሰፊረን ሃገር ዝዝምራ
ንመክት ዝብላና ፍጹም ከይሓፈራ
ዝተዃዕተ ዒላ ወትሩ እናቘጸራ
‘ማዕቢላ!’ ዝብላና ናይ ህግደፍ ኤርትራ!
 
ወይስ ናይተን ብመላኺ ደቀን እንተመንዝዓ
ክንዲ ዘምስልኦም ብሕጸ ብመርዓ
‘ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ሞይቶም’ ዝሰምዓ
ሓዘነን ዘይዓጸዋ ብተስካር ኣርብዓ
ብናፍቖት ደቀን ቀጻሊ ዝነብዓ
ኣብ ጸላም ዝነብራ ብጨለምታ ሽምዓ!
 
ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት? እስከ ንገርና!
ናይተን ሕድሪ ስውእ ዝጠለማ
ኣእዳው ናይ መላኺ እናሰዓማ
ወርቅን ጨርቅን በይነን እተሰለማ
ወይስ ናይተን ጸጒሪ ርእሰን ዝደርመማ
ለይትን ቀትርን ወትሩ እናቘዘማ
ብጓህን ሓዘንን ልበን ዝሓመማ
ራህዋ ዝጽበያ መቐረት ናይ *ጣዝማ!         *መዓር ጽገናይ
 
ሸሞንተ መጋቢት፥
 
ብስም ሃማደኤ ኣምሰልቲ ኣጣይሱ
ምልኪ ንስልጣኑ ብስምኪ ኪሕሱ
ሸሞንተ መጋቢት ትርጉምኪ ሃሲሱ
ኤርትራዊት ኣደ ገጻ ተደምሲሱ
ኣዒንታ ብሓዘን ንብዓት ደም ኣፍሲሱ!
 
ኣትን ወዓራሩ ኣደታት ኤርትራ
ክሳዕ መዓስ ኢኽን ኣብ ሓዘን ክትነብራ
ምጻሩ ስኢንክን ሓሳረ መከራ
ጅግና ካብ ተሳእኖ ናይ ምልኪ ምሕደራ
ንስኻትክን’ንዶ ሓዲኡ ግበራ?
 
ሓቂ ተዛሪብና ክንገልጽ ድኽመትና
ተለጒሙ እንከሎ ብረት ኣብ ቅድሜና
*እልበት ከይንፈትሕ ናብ መላኺ ኣቕኒዕና   *ሓሳረ መከራ
ትብዓት ካብ ተሳእኖ ፈሲሱ ሓሞትና
ስረና ዓጢቕክን ጀጋኑ ኣደታትና
ተኣምር ክትሰርሓ ንምሕጸን ኣለና!
 
ትብዓትክን ኣደታት፡ ዓጋቲ ዘይብሉ
ጸላእቱ ዘርዓደ ኣብ ኲናት ዓሊሉ
ለውሃት ናይ ልብኽን *ደማሒ ኣስተውዒሉ    *መላኺ
*ኣብሊስ ከይሽሕጠክን ከም ወትሩ ኣታሊሉ   *ሰይጣን
ነዚ ምስሉይ *ባልዋ ኣይትዳህለላሉ               *ኣርሓ መፍለስ
ካብ ሃገርና ይጥፋእ ሮዖኡ ጠቕሊሉ          
ንሱ እቲ ሕሰም ጠንቂ ናይዚ ኹሉ!
 
ዓወት ነተን ሓቀኛ ትርጉም ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንምትግባር፡ ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኤርትራውያን!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/03/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Habte K March 8, 2015

    Dear Mesinas,

    Great and excellent expression as always!!!
    Well done!
    SESIN HITER!
    DEMAHI KIKUMTER!!
    SELAM NIKISEFIR!
    KESINNA KINNEBIR!!

POST A COMMENT