Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን – ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ ነቲ ሽግር ኤርትራ: ዝብል ክፋል ክገልጽ ፈቲነ ነይረ:: እቲ ሕመረት መልእኽተይ: ነቲ ሽግር ብስሙ ከይጸዋዕካዮ ክትፈትሖ ከምዘይክኣል ዝብል'ዩ ነይሩ:: ምኽንያቱ: እቲ ቅድሚ ኩሉ ክንኣምነሉ ዘለና ኣካይዳ: ሓደ ሽግሩ ዘይፈለጠ: ሕማሙ

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ ነቲ ሽግር ኤርትራ: ዝብል ክፋል ክገልጽ ፈቲነ ነይረ:: እቲ ሕመረት መልእኽተይ: ነቲ ሽግር ብስሙ ከይጸዋዕካዮ ክትፈትሖ ከምዘይክኣል ዝብል’ዩ ነይሩ:: ምኽንያቱ: እቲ ቅድሚ ኩሉ ክንኣምነሉ ዘለና ኣካይዳ: ሓደ ሽግሩ ዘይፈለጠ: ሕማሙ ዘይፈለጠ: ፈዉሱ ክረክብ ይኽእል ዝብል እምነት የብለይን:: ሰለዚ እቲ ፍታሕ ኣብ ምስማይ: ምፍላይን: ምልላይን እቲ ሽግር እዩ ዝጅመር:: ኣብዚ ድማ ዩ እቲ: “ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ኣበሃህላ: ኣብ ምስማይ ስለ ዝሰሓተ ሱር መሰረቱ ስሒቱ ዘሎ:: ቅድሚ ነቲ ፍታሕ ምትንታንና ግን: እቲ ቴማ ታሪኻዊ መሰረት ዘለዎ ስለዝመስል: ታሪኽ ድማ መምህር ስለዝኾነ: እቲ ኪኖ ዚ ቴማ ዘሎ ታሪኽ እስከ ንገንጽል::

1. ሽግርኤርትራ: ፍታሕ ኤርትራውያንምስ ናይ ኣርብዓታትኤርትራ ብ ኤርትራውያንሓደድዩ?

1.1 ምስታ 1947 ዝተመስረተት ውድብ ኤርትራ ብኤርትራውያን

ኣብ ኣርብዓታት: ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝብሃል: ቴማ ቃልሲ: ወይ ድማ ጭርሖ ነይሩ ዩ:: ጭርሖ ጥራሕ አይነበረን: ስም ናይታ ብራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ትምራሕ ዝነበረት ናብ ሊበራላዊት ገስጋሲ ሰልፊ ዝማዕበለት ፓለቲካዊ ውድብ’ውን ዩ ነይሩ:: ቀንዲ ዕላምኣ: ንናጽነት ኤርትራ’ኳ እንተነበረ እዚ ግን ንሳ ጥራይ ትኽተሎ ዕላማ ኣይነበረን:: ነታ ውድብ ፍልይ ዘብላ: ከም መቐጸልታ ናይቲ 1943 ብገለ ኣባላታ ተወሲዱ ዝነበረ: “ትግራይ ትግርኚ” ዝብል ሓሳባት ከምዝነበረ’ውን: መጻሕፍቲን ብህይወቶም ዘለው ዝምስክሩዎን: እሙን ሰነዳት ዘለዎን’ዩ:: ኣብዚ ድማ ምስ ገለ ኣባላት “ኣራቢጣ አል ኢስላምያ ኤረትረያ” ኣብ ናይ ሽዑ ጋዜጣታት ሓደን ክልተን ዝተበሃሉሉ ፍልልያት ከምዝነበረ ስኑድ ታሪኽ ዩ:: ንታሪኽ ክንኮሓሕሎ እንተዘይደሊና: ኣብ ምምስራት እታ ውድብ: 1947ን ብድሕሪኡ ዝነበረ ኣጋጣምታት: ብወዶም ንራእሲ ተሰማ: ደጀዝማች ኣብራሃ ተስማ: ዝቐረበ መደረታት በጨቕታ እዚ: ኣተሓሳባ ‘ትግራይ ትግርኝ’ ብርኡይ ነይሩዎ እዩ:: ሓደ ካብቶም ንቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝዓበየ እጃም ኣበርኪቶም ዝበሃሉ (አነ’ውን ዝኣምነሉ) ሓርበኛ ወልወል ውን: ኣባል ውድብ ኤርትራ ብኤርትራውያን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ብፍላይ ኣብቲ “ኤርትራ ንመን?” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፎም: እንተስ ከም ስልቲ እንተስ ብእምነት “ሕራይ ንሕብረት: ግን ብውዕል” ዝብል ምስ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ እናዋሰቡ መጕቶምሉ እዮም:: ብርግጽ ነዚ ሓሳብዚ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማሕበር ኮይኖም ዝቃወሙዎ’ውን ነይሮም እዮም:: ብምሉእ ናብ ሓደ ወገን ዝኸደ’ዩ ክበሃል ግን ኣይከኣልን:: እታ ውድብ ኣብ ብሎክ ናጽነት ኣትያ ክሳብት እተብቅዕ : እዚ ሓሳብዚ ኣብ ክትዕ ድኣ ነይሩ እምበር ሓደ ወገን ዝረትዓሉ አይነበረን:: በዚ ኮይኑ በቲ ግን: ኣብቲ ግዚኦምን ኩነታቶም ስለዘይነበርና: ነዞም ናይ ኣርባዓታት ሓርበኛታት ኣቦታት ንምውቃሶም ዘይኮነ: እቲ ንሶም ዝኽተሉዎ ዝነበሩ: ኤርትራ ንኤርትራውያን: ካብዚ ናይ ሎም ሽግር ኤርትራ: ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል ዝተፈልየ ምንባሩ ንምግላጽ ጥራሕ እዩ:: እቲ ሓደ ዩ ዝብል: ሓድነቱ ናይ ምስ ምሉእ ትሕዝቶ ናይታ ውድብ እንተላይ እቲ ሕጂ ዘይቅቡል ምዃኑ ግሉጽ ዝኾነ: ሕቶ ትግራይ-ትግርኚ ዩ:: እዚ ዘልዕል እንተዘይኮኑ ግን (ኣነ የልዕል ኣይብሎን): ምስቲ መበቆላዊ ውድብ ውን ርክብ የብሉን::

1.2 ምስ ኣተሓሳስባኤርትራ ብኤርትራውያን” ኣርብዓታት

ካብዚ ዝሓለፈ: “ኤርትራ ብኤርትራውያን” እዚ ጭርሖን ውድብን ጥራሕ አይኮነን ነይሩ: ፍልስፍና’ውን ክበሃል ይክኣል’ዩ:: ዋላ ውን በሃልቱ ክሳብ ክንድኡ: ናይ ፍልጠት ኣህጉራዊ ሕጊ ነይሩዎም ድዩ ኣይነበሮም የካትዕዩ እንተበልናዮ: ምስቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ዝሳነን: ኣህጉራዊ ሕግን መሰረት ዝገበረ ሕጋዊ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት (ሰልፍ ድተርምነይሽን) ዝብል መትከል ነይሩን ኣሎን:: ካብ ሽዑ ክሳብ 1991 ኤርትራውያን ዘቕረቡዎ ሕቶ መግዛእቲ’ኳ እንተኾነ: እዚ ድማ ካብ መሰል ርእሰ ውሳነ ዝፍለ ሕቶ እንተኾነ: ኣብቲ እዚ “ኤርትራ ብኤርትራውያን” ዝበሃለሉ ዝነበር 40ታት: ኣብ ኣፍሪቃ ሕቶ መግዛእቲ ዘይተመለሰ ሰለዝነበረ (ብዙሓት ሃገራት ገና ኣብ ትሕቲ ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ስለዝነበራ) ኣብ መትከላት ሕቡራት ሃገራት ተመርኵሱ ንኤርትራዊ ሕቶ እዋናዊ መልሲ ክህብ ዝፈተነ ንጹር መግለጺ ዩ:: እዚ ናይ ሎሚ: ጭርሖ እምበኣር: ምስ መግዛእቲ ኣውሮጳን ምስ መሰል ርእሰ ውሳነ ዘተሓሕዝ ስለዘይብሉ: ነቲ ናይ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዝነበረ ሕቶ ዝደግም: ወይ ድማ ምስኡ ዝማሳሰል ወይ ዘዛምድ ዘራኽብ የብሉን::

1.3 ኣብ ዘበን ገድሊ

ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ገድሊ: ንሓርነት ኤርትራ ዝተጋደሉ ኤርትራውያን’ኳ እንተኾኑ: ካብ ከሰላ ክሳብ ስዋኪን: ካብ ገረግር ሱዳን ክሳብ ቶጋን: ዝዝርጋሕ ቦታታት ነይሩዎም ዩ:: ብዘይክኡ: ካብ ኣብ ዓደን: ደማስቆን: ባቕዳድን ዝረኸቡዎ ሓገዝ ምዝጉብ እዩ: ኣብኡ ተዓሊምናን ተማሂርናን ዝብሉ ብህይወቶም ስለዘለው ዝያዳ መግለጺ ኣይድልዮን’ዩ:: እቶም ኣብ ካይሮን በይሩትን ዝተሓከሙ ውጉኣት ገድሊ ውን ብዙሓት እዮም:: ክሳብ ድሮ 1991 ሶማል ድፕሎማሲያዊ ሽፋን ትህብ ስለዝነበረት ብዓቕማ ኣበርኪታ እያ:: ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይፈለጥናዮ እቶም ኣብ ሱሳታት ቻይና ተማሂርና ዝብሉ: ገንዘብና ከፊልና ተማሂርና ይብሉና እንተዘየልዮም: ንሱ’ውን ሓገዝ ምዃኑ አይተርፎን ዩ:: ናይቶም ኣብ ዱፋዓት ምስ ኤርትራውያን ደው ዝበሉ ተጋሩ ሓገዝ ይዕበ ይንኣስ ክርሳዕ አይክ እልን:: እዚ ስመር ወይ ቦሎኛ ዘበልና ንቕይሮ ኣይኮነን:: ክዉን ሓቂ’ዩ:: እዚ ግን ገድሊ ኤርትራ ብኤርትራውያን ኣይተኻየደን ማለት ኣይኮነን:: ብኤርትራው’ዩ ተኻይዱ:  ግን እቶም ኤርትራውያን: ኣብ ዘድለዮም ሓገዝ ካብ ካልኦት ምርካቦም ዘይኤርትራውያን አይገብሮምን:: ብተወሳኺ እቲ ብዳርጋ ኩለን ውድባት ከም ቅቡል ተወሲዱ ዝነበረ ማሕበርነትዊ / ዴሳውን ኣተሓሳስባ ድማ ነዚ ኪኖ ዶብ ዝግበር ምትሕግጋዝ ዴሳውያን ውድባት – ምቕባልን ምሃብን ንቡር ገይሩ ዝርኢ’ዩ ዝነበረ:: መጠኑ ብዘይገድስ ሓገዝ ዝረኸበ ኤርትራዊ: ዜግነቱ ኣብ ሕቶ ዝወደቐሉ እዋን ግን አይሰማዕናን:: እዚ ኢትዮጵያ ሂባቶ ዝበሃል ሓገዝ ግዳ ሓቂ: ካብ ምእንጋድ ኣኼባታት ዝሓልፍ ኣይኮነን: ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እንተተወዳዲሩ: ብፍጹም ጥቕኡ ኣይቀርብን::

1.4 ላቔባታት ሓደስቲ ቃላት – “ሽግርፍታሕ

ብተወሳኺ: እቲ ብቕድሚት ተወሲኸን ዘለዋ “ሽግር” ን “ፍታሕ” ን ዝብላ ቃላት እዞም ናይ ናይ ሎም ብጾት ዝወሰኹዎ እምበር: ኣብቲ ናይ 40ታት ጽሑፋት  አይርከባን’የን:: እዚ ከም መጸባበቒ ዝተወሰኸ ዝመስል ቃላት ግን: ንትሕዝቶ ናይቲ መበቆላዊ ጭርሖ መኣዝን ብኹሉ ጠውዩ: መጓነይን መፈላለይን ክኸውን ክትርእዮ እንከለኻ: እቶም ጸሕፍቱ ነዚ ትርጉም ፈሊጦሞ ድዮም ወይስ ስሒቶሞ የብለካ::

ኣነ ብወገነይ: ባዕሎም ንኻልኦት መኽሰሲ: ደገፍቲ ኢትዮጵያ ገይሮም መቕረቢ ክጥቀሙሉ ክርእይ እንከለኹ: ወይ ድማ ካልኦት ሰባትን መርበባትን ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ከም መኽሰሲ ገይሮም ከቕርብዎ እንከለው “ያዕ: ከምኡ ማለትና አይኮንናን” ዘይምባሎም: ስሒቶሞ ከምዘይኮኑ ዘርእይ እዩ ይብል:: እቲ ታሪኻዊ መሰረቱ ልክዕ እንተዝኸ’ውን ውን: እቲ ሎም ዘበን ዝተለቀበሉ መብርሂታት ሽግርን ፍታሕን ዝብል ግን: መራስሒ ታሪኽ ኮይኑ ይጸንሓካ:: ከመይ ኢሉ: ካብ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ንናጽነትን ርእሰ ውሳነን ዘኽብር መርገጽ – ብ’ሽግር ኤርትራውያን: ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል መዓር ዝተለኽየ ፈላልይ ጭርሖ ወጺኡ ምስ ዘከርካ ድማ: ሳሙኤል ጆንሰን ዝተባህለ: ክኢላ ቋንቋ እንግሊዝኛ: ሓደ ተልመዴን ጽሓፋይ ጽሑፉ ኣምጺኡ ርእይቶኻ ሃበኒ ምስ በሎ: ሳሙኤል ጆንሰን አንቢቡ መሊሱሉ ዝብልዎ ይዝከረካ::

“እዚ ጽሑፍካ: ጽቡቕን መቦቆላውን ዩ:: ግናኸ: እቲ ጽቡቕ ሸነኹ መቦቆላዊ ኣይኮነን: እቲ መበቆላዊ ሸነኹ ድማ ጽቡቕ አይኮነን::” (Your manuscript is both good and original, but the part that is good is not original,and the part that is original is not good ”

በዚ ድማ እየ: “እዚ ጭርሖ: ጽቡቕን መቦቆላውን’ዩ : … ” ኢለ ዝሓልፎ::

2. ኪኖ ጭርሖ

እዚ ጭርሖ: ምስ ታሪኽ ዘለዎ ዝምድና እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ ክልተ ካብ ኣርባዕተ ቃላት ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ:: ናይ ትሕዝቶ ተቐራራብነት ይኹን ተዛማድነት የብሉን:: ንሕና እዞም ነዚ ቴማ’ዚ ከም መፈላለዪ ዝረኣናዮ: ኣብ ቴማታትን ቃላትን ጥራሕ ከይነተኩር ግን: ስሙ ንኩነታቱ ይገልጾ ድዩ ኣይገልጾን ብዘየገድስ: ዝምድና እዚ ተበግሶ ምስ ውዱዕን ህሉውን ፓለቲካዊ ኩነታት’ ከ እንታይ እዩ ኢልና ንርአ::

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ: ንምፍታሕ ሽግራት እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ምስማይን ምልላይን ዩ:: ሓንሳብ ነቶም ሽግራት ምሰለለኻዮም: ንኽትፈትሖም ክህሉዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት (ሰነርዮታት) ትግምግም እሞ ዝዓቕምኻ እማመታት ተቕርብ:: ሓሳብ ኣለና ንዝብሉ ብተመሳሳሊ ሽግር ዝተሸገሩ ድማ ቦታ ትህብ ሓሳቦም ውን ይግምገም: ዝወድቕ ይወድቕ: ዝፍተን ይፍተን: ዝሰዓብ ይሰዓብ:: ሓንቲ ሰናርዮን ሓንቲ እማመን ምስ ተረፈ: መግለጺ እምበር ዘተ ኣይድልይን ዩ:: ሓደ ወገን: ሓንቲ እማመ ጥራሕ ክትቀርብ ዕድል ሂቡ: ንዛተ እንተ ኢሉካ ግን: መግለጺየይ ስማዕ’ዩ ዝብል ዘሎ:: ባህ እንተበለካ ትሰምዖ ባህ እንተበለካ ትገድፎ:: ንሱ ግን ዘተ ዘይኮነ ጣቕዒት’ዩ ዝደሊ ዘሎ:: ኣየጣቕዕን እንተበልካ ጌጋ ኣይኮነን:: ምናዳ ምናዳ: ካብ ውዱዕ ፓለቲካዊ ትንተና: ናብ ሕልሚ ምፍታሕ ዘድሃበ መግለጺ እንተኾይኑ እሞ … ይፍትሓላ:: ብፍላይ ግን: እቲ ዘተ ከይተጀመረ ዝተበጽሐ መደምደምታ: ንዓኻ ን ብተመሳሳሊ ሽግር ዝተሸገርካ ዘጸልምን ዝኹንንን እንተኾይኑ: ከመይ ኢልካ “የሳልጠልኩም” ትብል?

በዚ መምዘኒታት እምበኣር: ኣብዚ “ዘተ” (ኣኼባ) ጥልያን: ዝቐረብ እማመ ዝርዝራቱ እኳ ተዘይፈለጥና: ነቲ ሓፈሻዊ ስም ዝሃቦ: “ሽግር ኤርትራ” ብሓፈሻዊ “ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል: ፍታሕ ሂብዎ ጥራሕ’ዩ ሓሊፉ:: እዚ: “ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ቃል ንቓሉ ነእዛንካ ባህ ዘብል’ኳ እንተኾነ: እቲ ኤርትራውያን ክህቡዎ ዘለዎም ፍታሕ ክዝርዝር ኣይፈተንን:: ኣብቲ ኣኼባ ዝወጸ ጽሑፍ እንተሎ ኣይረኣናዮን:: ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ካብዚ ጉጅለ ዝወጸ ጽሑፋትን ርኢኻ ግን እዚ ጉጅለ ዝኸዶ ኣካይዳ እንድሕር ኣሎ: ብዝኸምዚ ዝኽእል ይግለጽ:

2.1.  ተራ ናይ ‘ዞም ኣብ ደገ ዘለና: “መሽረፈትእዩ:: ነምበድብድ እምበር ኣይንኣጉድን

እዚ ካብ ክገብር ዓቕሚ የብለይን ዝብል ርእሰ-ምትሓት ዝብገስ ስለዝኾነ ናይ በሃልቱ እምበር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣይኮነን:: ግን እቲ ‘ምንብድባድ” ዝበሃል ዘሎ እንታይ ዩ:: ብራድዮ ጌርካ ምንቕቓሕ: ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍታን ምግባር: ብተለፎን ጌርካ ኣጆኹም ምባል: እንተኾይኑ: ነዚ ብመትከል ዝተቓወሞ ደላይ ፍትሒ የለን:: ንውጽኢታውነቱ ክግምገም ዝሓተቱ:  ኣብቲ ገለ ኣጋጣምታት ኣገባብ: ናብ ምብሓት ገጹ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝተዓቀቡ ከምዘለው ይፈልጥ: ብመትከል ዝተቓወሙዎ ግን አየጋጠሙንን:: እቲ ስራሕና: ኣብዚ ጥራሕ ክድረት ኣለዎ እንተኾይኑ ግን: ፍርቂ ስራሕ ምስራሕ ንኹሉ ኣይጽቡቕን ስለዝኾነ ኪኖ ክኸዱ ዝደልዩ ከምዝህልዉ ዘይምፍላጥ ዩ:: ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን እቲ ጸገም: ነቶም ኪኖ’ዚ ክኸዱ ዝደልዩ: “በቃ: ኣብዚኣ ያ መዕረፊትና:” ካብዚኣ ዝሓለፈ: “ኤርትራዊ አይኮነን” ኢልካ ቀይሕ መስመር ምንባር’ዩ እቲ ዝገደደ:: ዝተፈላለዩ: ካብ ምንብድባድ ዘይሓልፉ ሜላታት: ንምብርባር ጠቐምቲ’ኳ እንተኾኑ “ሕጂ’ኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ዘይምልሱን ኣብ ምንብድባድ “ስጉምቲ ኣመልክት ” ተታሒዞም ጋ-ማን እናበሉ ካብኡ ምሕላፍ እንተኣብዮም: ወይ ከይሓልፉ እንተ ተሓሊኾም: ናብ ምርብራብን ምድኻም ዓቕምታት ጥራይዮም ዝኸዱ:: እዚ ቀንዲ መዳኸሚ ደለይቲ ፍትሒ’ዩ:: ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ኢድ ናይ ኣማራጺታትን ዓቕሚታትን ዘለዎ ጸላኢ ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ ሜላታት ምርብራብ (አትሪሽን) ዓቕሚ’ቶም ኣንጻሩ ተሰሊፎም ዘለው እዩ:: ህግደፍ: ከም ኣብ ውትህድርና ልምዲ ዘለዎ ትካል መጠን: ነዚ ሜላዚ ኣይጥቀመሉን ክንብል ኣይንኽእልን: ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ግን ኣብ ከምኡ ዘረብርበና መጻወድያ ዘእትወና ክንጥንቀቕ የድሊ:: ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብኡ ክንኣቱ ዝደልዩና ድማ ክንእለየሎም ጥራዩ ምርጫና::

2.2 – እዚ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ወጻኢ ምስ ቃልሲ ውሽጢ ሃገር ክነተኣሳስሮ ኣለና:

እዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ይጥቀስዩ:: ግርም ሓሳብ ዩ: ግን እዚ ጉጅለዚ ስም ዝህቦ ፍቓድ (ወይ ዝውንኖ ) ኣገባብ ኣይኮነን – ቅድሚ ልደት’ዚ ጉጅለ ዝተጀመረ ስለዝኾነ:: እቲ ኣገባብ ግድን ስቱር ክኸውን ስለዘለዎ: እቶም ዝገበሩዎ በዓል ክስቶ ነይሮም ኢሎም ዓው ኢሎም ክዛረቡሉ ኣይክእሉን ይኾኑ:: ሓደ ሓደ ዜናታት ምስናይ ደቂቕ ዝርዝራቱ ብልክዕ ክበጽሕ እንከሎ: ምትእስሳር እንተዘይህሉ ከመይ ኢሉ ምበጽሐ:: እዚ ጌጋ ዜናታት’ውን ኣይተጸብጸቡን ማለት አይኮነን: ግናስ እቲ ጌጋ ዜናታት ውን እቲ ምንጪ ርጡብን እሙንን ዘይምንባሩ ዝገልጽ እምበር: ርክብ ከምዘይነበረ ኣይገልጽን ዩ:: መዝገብ ስዉኣት ዝኣክል ካብ ሰናዱቕ ህግደፍ እንተወጺኡ: ብዘይ ርክብ ክኸውን ኣይክእልን:: ስለዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን:: ነዚ ውን ብዘይካ ዝድግፎ ዝቃወሞ ሰብ ውን: ዛጊት ኣይረኣናን:: ነዚ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ይድግፍዎ እዮም ጥራሕ ዘይኮነ በብዝመሰለሎም እጃሞም ዘበርከቱሉ ውን’ዩ::

ብኸመይ ነተኣሳስሮ ኣብ ዝብል ዝርዝራት ግን ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣኼባታት ይኹን ኣብ ካልእ ፍሉይን ካልኦት ዘይፈተኑዎ ዝርዝርን የብሉን:: ንምዃኑ ምትእስሳር ማለት: አብ ግብሪ መጺኻ እንታይ ማለት’ዩ::

2.2.1 ብራድዮ ምስትምሃር

ብራድዮ ምስትምሃር ብርግጽ: ይኸውንን ይሰርሕን ዩ:: ንህዝቢ ዝምህራ ዳርጋ 3 ራድዮታት ኣለዋ:: ዝኾነ ሰብ ራብዐይቲ ምውሳኽ መሰል’ኳ እንተለዎ ሰብ ዘይፈተኖ ፈቲነ ኢሉ ንኻልኦት ዘጓኒ ክኸውን ኣይክእልን:: እምበር’ከ ምወላ እቲ ራድዮ ውን ካብ ኤርትራውያን ክሳብ ዘይኮነ ከመይሉ ፍታሕ ብኤርትራውያን:: ይበሃል:: ኣብዚ ንምወላ ኣይቃወምን’የ ዘለኹ: እቶም ጋዜጠኛታት ናጽነቶም ክሳብ ዝሓለውን ድልየቶም ከየጉደሉ ክሳብ ዝጸሓፉን: ምወልኡ ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን: ግን ነዚ ሓቢእካ: ብጀርመናውያን ዝምወል ራድዮን ተለቭዥንን ቅዱስ: ብኢትዮጵያውያን ዝምወል ግን ርኹስ:: ክትብል የገርም’ዩ:: በዓል ድርብ መለክዒ ይገብረካ: የፍኩሰካ:: ብፍላይ እሞ: ከም ገለ ሰባት ዓመት ምሉእ ዳርጋ 40 ሰዓት ተጠቀሞም: ስሞም ሰብ ሓዞ: ኣብ በሪኽ ደይበ ኢሎም: ነታ ዝደየቡላ ኣስካላ ሕጂ ቅቡል ኣይኮንነ ክብሉና እንከለው:: እዚ ነገርዚ ኪኖ ፍታሕን ሽግርን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኣተሓሳባ ውን ኣለዎ ትብል:: መስደመም ኢልካ ትሓልፎ::

2.2.2 ብቴለፎን / ኢንተርነት

ቴለፎን ጽቡቕ’ኳ እንተመሰለ: እቲ ርክብ ሓደ ወገናዊ ዩ:: እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ: ኣብ ምብርባር ሞራል ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን:: እቶም ዝሰምዑ ክምልሱ ስለዘጸግም: ግን እንተመለሱ ውን ቶም አብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ክኸውን ስለዝኽእል: ኣዝዩ ውሱን ክኸውን ጥራሕ ዩ ዕድል ዘለዎ:: ዝርዝራት ዘይትዛረበሉ: ምትእስሳር’ከ ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ክኸውን ይኽእል:: ብኢንተርነት’ውን መሰረታዊ ሓበሬታታት ክሓልፍ ይኽእልዩ:: ኣብ ኤለክትሪክ ዝወሓዳ ሃገር: እተን ዝርካበን ኮምፑዩተራት ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ዝርከባ ናይ ሓባር ኣብ ዝኾናሉ ቦታ: ጸጥታዊ ውሕስነት ክህልዎ ኣሸጋሪ ዩ::  ስለዚ እቲ ዝመሓላለፍ መልእኽታት ንጹር አይከንውንን: ንጹር እንተኾይንኑ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ይኸውን::

2.2.3 ብኣካል ዝግበር ርክባት:

ካብ ኩሉ እቲ ዝበለጸ ብኣካል ዝግብር ርክብ እዩ:: እዚ ብውሑዳት በብውልቂ ካብ ወጻኢ ሃገር ን’ህግደፍ’ ተመሳሲሎም / ስድርኦም ዝርእዩ ተመሲሎም ዝኣትው እናገበርካ ዝኸውን ክኸውን ይኽእል ይኸውን:: ምስቲ ዘስዕቦ ምስጢራውነት ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣሎ ድዩ የለን: ብዙሕ ክትዛረበሉ ዝደፍእ አይኮነን:: ብሓፈሻ ግን ከም መመላእታ ክከውን ይኽእል እምበር: ንበይኑ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን::

ዝኾነ ምትእስሳር ስሩዕን ትካላዊ ክሳብ ዘይኮነ ምትእስሳር ክትብሎ ውን የጸግም’ዩ:: መርበብ ምስ መርበብ: ስርዓት ምስ ስርዓት (ሲስተም) ኣይኮነን:: እቲ “ምትእስሳር” ዝበሃል ዘሎ ቀረብ (ሎጂስትክ) ዘየሕልፍ እንተኾይኑ: ተራ ምብጻሕ ዩ:: በዚ ድማ እቲ ንሎጅስቲክ መበገስን መንጠሪን ክኾነካ ዝኽእል ባይታ ተሓሲምካ ዝግበር ምትእስሳር ኣዝዩ ድሩት’ዩ:: ምሳኻ ክሰርሑ እትደልዮም: ወይ ምስኦም ክትስርሕ እትደሊ: ክጽገሙ እንከለው ሃዲሞም ዝዕቆቡሉ ቦታታት እንተተሓሲምካዮን እንተኾኒንካዮን ኣብቲ “ምትእስሳር” ናትካ ኣበርክቶ ሃሳይ ዝኾነሉ ኩነታት ውን ክፍጠር ይኽእል’ዩ::

3. ንህግደፍ ክልወጥ ምቕሳብ

ህግደፍ በዚ ኣብ ወጻኢ ዝተገብረ ምንቅስቓሳት: ተደሪኹ: ሓደ ሓደ ለውጢ እንተገይሩ ንሱውን ሓደ ፍታሕ ዩ ዝብል: መጎት ድማ ኣሎ:: እዚ ኣብ መንጎ መጥባሕቲ ልብን: ፈውሲ ቃንዛን ዘሎ ፍልልይ’ዩ:: ነዚ መጻንሒ (ሳርቫይቫሊስት) ሜላ ህግደፍ: ከም ኤርትራዊ ፍታሕ: ዘቕርብ ግን ነቲ ሕማም ብግቡእ ዘይተገንዘበ ጥራሕ’ዩ:: እቲ ሕማም: ፓለቲካው ስልጣን ናይ ህዝቢ ዘይምዃኑ ዩ:: ጥምዓዊ ለውጥታት ድማ ፈውሲ አይኮኑን እዮም:: እቲ መጎት (ዘይመጎት) ግን መስሓቕ’ዩ::

4. ካልኦት ሃገራት ኣካል ፍታሕ ኤርትራ ኣይኮናን

ኤርትራዊ ፍታሕ ክበሃል ከሎ: ቃል ንቓሉ ዝቃወሞ ሰብ የለን:: ሶማልያ ፍታሕ ይሃቡና: ኣሜሪካ ይግበሩልና: ኢትዮጵያ ይፍትሑልና ዝበለ የለን:: ነቲ እጀታና ባዕልና ኣለናዮ::ህግደፍ ግን ንሕና ጥራሕ አይኮንናን ሰብ ነገሩ: ህግደፍ ክእደበሎም ዝደልዩ ኤርትራውያን ጥራይ ኣይኮኑን: እዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ዘምጻናዮ ኣይኮነን:: ሳላ ጠባዩ: ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ዝተገልጸ: ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን: ኣብ ርሑቕ ጸላእቲ ናይ ምጥራይ ዓቕሙ ኣዝዩ ልዑል ዩ:: ቅድሚ ቁሩብ: “ኬንያውያን: ተገፍዑልና ኢሎም ክሓቱ ተሰሚዖም ዮም:: ዩጋንዳውያን’ውን ከምኡ:: እቶም ብህግደፍ ዝምዝመዙ ዘለው መንግስቲ ህዝቢን ደቡብ ሱዳን: ዓቕሎም ክውድኡ ናይ ግዝየ ሕቶ’ዩ:: ምስ የመንን ጅቡቲን ሱዳንን ውልዕ ጥፍእ ዝብል ምቁርቛስ ስራሐይ ኢሉ’ዩ ሒዝዎ:: ምስ ኢትዮጵያ: ብዘይካ እቲ ኣብ 98-2000 ዝተኻየደ ኩናት: ብኢድ ኣዙር ብወገን ቅንጅትን ደምሕትን ሚልዮናት ዝወጾ: ስውር ኩናት ኣሎ::

ኣብ ጎረባብቱ ከይተሓጽረ: እንግሊዛውያን ብዘይ ፍርዲ ብምእሳር: ኣብ ጉዳይ ኣብ ሶማል ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ፈረንሳውያን: ኣብ ዶብ ባዳ ተጨውዩን ዝሞቱን: ብዘይሕጋዊ ምምሕልላፍ ገንዘብ ካብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን: ኣብ ጉዳይ ምምሕልላፍ ኣጽዋር ናብ ቓዛ: ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ኢስራኤልን ኢራንን ኣቲኻ ምውጋይ: ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ናብ ኣናብር ታሚል ስሪላንካ: ኣብ ጉዳይ ማያት ፈለግ ኒል: ኣብ ግዝየ ምውዳቕ ቓዛፊ ሓገዝ ምፍታን: ካልእን ዝብል ብብዙሕ ክኽሰስ ንሰምዕ ኢና:: ገለ ካብዚ ክስታት መሰረት ወይ ጭብጢ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል: ገለ ድማ ዝተጋነነ ክኸውን ይኽእል:: ኩሉ ግን ሓሶት ኣይኮነን:: ስለምንታይ ዳኣ ካል ኦት ሃገራት ብኸምኡ ዘይክሰሳ:: ገሊኡ ባዕልና ዝረኣናዮ ጭብጥታት ኣለዎ:: ሓቂ ይኹን ሓሶት ግን: ዋሕዲ ህግደፍ ጸላእቲ ከምዘይብሉ ርግጸኛታት ኢና:: እዞም ጸላእቱ ድማ ኣብ ዝጠዓሞም ክእድብዎ ክዋሳወሱ እዮም:

ኣብዚ እምበኣር: ነቲ ብህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ሽግር  ክሳብ ዘይከሓድና: እዞም ሃገራት እዚኦም ፍታሕ ኢሎም ዘቕርብዎ: ንሕና ኤርትራውያን: ክንምርምሮን ኤርትራውያን ሰብን ንብረትን ኤርትራውያን ከይልከም ክንምጉት የድሊ: እንተኾይኑ እቲ ዘረባ: ቅቡል ምኾነ:: ክሳራ ህዝቢ ከተውሕድ: ምቅላስ ቅቡል ዩ:: ንህግደፍ: ከም ሓደ ንጹህ ወሲድካ ከይህረም ክትካታዓሉ ግን የሕፍር’ዩ::

5. ፍሉይ ጉዳይ ኢትዮጵያ

እቲ ቀንዲ ዝጥቀስ ግን: ኢትዮጵያ ክትወረና ትደልይ እያ ወይ ድማ: “ሕልምታት ኣለዋ” ዝብል’ ዩ:: ስለዚ: “ኢትዮጵያ ዘላቶ: ጽቡቕ የለን” ይበሃል:: ክንዲ ኢትዮጵያ ተሓሊቐ ክዛረብ መሰል ፍልጠትን ድልየትን የብለይን:: በቲ ዝፈልጦ ግን ንሕና ኤርትራውያን ጸላእቲ ኢትዮጵያ ኣይኮንናን: ንሕና ፈተውቲ ኢትዮጵያ’ውን አይኮንናን:: ንሕና ጎረቤት ኢትዮጵያ ኢና:: ከም ጎረባብቲ መጠን ሰላሞም ሰላምና: ሰላምና ድማ ሰላሞም ዩ:: ብዘይካዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን: ኤርትራውያን ካብ ምረት ሃዲሞም ዝዑቆቡላ ሃገር እያ:: እዚ ኣብ መዓስከራት ሸገራብ ንስምዖ ዘሰክሓና ጭውያ: ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ኣይረኣናን:: እኳ ድኣ ዝጨወዩ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም:: ዘይከምቲ ኣብ ምስርን እስራኤልን ስደተኛ ብምዃኖም ጥራሕ ግዳይ ዝኾኑ: ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ: ዕድላት ትምህርቲ ማዕረ ደቅ ሃገር ከምዝተዋህቦም መሰኻኽር ዘለዎ እዩ::

ኣብዚ ናይ መጨረሻ ብኣባል EYSC ዝተጻሕፈ: ኢትዮጵያ “ክትሽንክራ” ደልያ ዘላ: መታን እቲ ሓድነት ንደሊ ኢና ዝብል ቃላት ካብ ባዕሎም ካብ ኤርትራውያን ክመጽእ ደልያ እያ: ዝብል መጎት ግን ቃንዛ ቶም ስደተኛታት ሸለል ዝበለ እዩ:: እሞ “ስምረት ምስ ኢትዮጵያ ኢና ንደሊ” ከይብሉሲ: ትምህርቲ ይከልከሉ ድዩ? ወይሲ ሃዲሞም ክመጹ እንከለው: ዑቕባ አይወሃቦም: ንኤርትራ’ኳ እንተዘይኮነ: ናብቲ SOS ዝተኣወጆ ሸገራብ ኣሕልፍዎም? ወይሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው መንእሰያት ከምቲ ናይ እስራኤል ገዛውቶም እናተቓጸለ ይንበሩ ድዩ ዝብሃል ዘሎ? ሰደት ብፍላይ አብ ሳልሳይ ዓለም ጥዑም ኣይኮነን: ግን ሓደ ሰብ ካብቲ ምርጫታቱ ኣብታ ዝሓሸት ዝበላ ኮፍ እንተበለስ: ኣይፋልካን ኢሉ መን’ዩ ንመን ሃገር ስደት ዝመርጸሉ ? ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ተሰደዱ: ኣብቲ ዝተሰደድዎ ኮይኖም ጉዳይ ፓለቲካ እንተልዓሉ’ሞ: ውድብ እንተመስረቱ: ኣብ ኣመሪካ ጽቡቕ: ኣብ ኢትዮጵያ ግን ጌጋ ዝበለ’ኸ መን’ዩ? እዞም ኣብ ኢትዮጵያ እተወደቡ ሰባት’ከ ምስ ኣመሪካ ኣውርጳን ዘለው ኣሕዋቶም እሂም ምሂን ምባል ጽቡቕ ዩ እንተበሉ: “አንድነት” ዝብሎም መን ዩ? ብስም ናብ ኢትዮጵያ ኢኹም ትነብሩ: ኣብ ኢትዮጵያ ኢኹም ተሰሪትኩም: ስለዚ እዚ ኤርትራዊ ፍታሕ ኣይኮነን ዝብል’ከ መን ዩ?

እዚ ጉጅለ እዚ: ዝያዳ ወርሒ መመላእታ: ነቲ ብባይቶ ጸጥታ: ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተወሰነ እገዳ ክድገፍ ጎስጓስ ዝገበረ ምዃኑ ምስ ንዝክር ግን: ነቲ ኤርትራዊ ፍታሕ ዝብል: ኣጽሪዩ ከምዘየቕረቦ ንርኢ:: ነቲ እገዳ ክኸውን ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ብወከልቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ከምዝነበረ ምስ ንዝክር ድማ ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ኮይና ትገብሮ ከም ቅቡል ዝወስዶ ኮይኑ: ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራውያን ትገብሮ ግን ዝጠራጠር ዓይነት ኣረኣእያ የቕርብ:: ሽግሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ: ምስ ቶም ኣብኡ ኮይኖም ዝሰርሑ ኤርትራውያን ድዩ?

ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽሑፍ: “ኢትዮጵያ: ህግደፍ ክወድቀላ ኣይትደልን’ያ” ዝብል ትንተና ኣሎ:: ኣህጉራዊ ሕጊን ፓለቲካን ካብ ዘይምርዳእ ዝነቅል ይመስለኒ:: ኣብ ድሕረ-ዘመናዊ ታሪኽ  (ፖስት ሞደርን) ዓለም ሓደ መንግስቲ ካልእ መንግስቲ ክወድቀለይ ይሰርሕ ኣለኹ ዝብል ብዙሕ ኣይስማዕንዩ:: ስለዚ ጸሓፊ ከምኡ ትጽቢት እንተነይሩዎ ሓቁ እዩ:: ካብኡ ዝገደደ ግን: ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነበር: ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣስምራ: ህበይ ኮፍ ኢሉ ንዛረብ እንተኢሉና: ምስኡ ናይ ምዝርራብ’ውን ጸገም የብልና ኢሉ ነይሩ’ዩ:: እዚ ናይ ሕጂ ድማ: ጽባሕ ንግሆ ኣስመራ ክኸይድ ጸገም የብለይን ደጊሙ’ዩ:: ተሓቢኦም ዝበሉዎ ስለዘይኮነ: ክተዓረቑ ድልየት ከምዘለዎም ኣብ ኣደባባይ ዝበሉዎ እዩ:: እቲ ግርምቢጥ እምበኣር: እዞም ክልተ እንተተዓረቑ: ክጽገም እየ ኢሉ ካብ ሕጂ መህደሚ ዝደሊ: እምነቱ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበረ / ወይ ክገብር ተስፋ ነይሩዎ ዝሰኣነ እምበር’ እቲ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ኮፍ ዝበለ ኣይኮነን:: እምነቱ ኣብ መትከሉ ዝገበረ ግን ዕርቂ መንግስታት ኣይፍርሖንዩ:: እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንረኽቦ ጀኦግራፊካዊን ስትራተጂካዊን ብልጫ: ብፍርሒ እሞ ኻኣ ናይ ዘይመስል ዕርቂ ክንገድፎ ዝብል ኣይብልቡን:: ኣብቲ ኤርትራዊ ዘለዎ ክንህሉ: ዕላማና የገድደና፣ዩ

መደምደምታ

እቲ ናብ ስንኩላት ኣብ ዓረብያ እንከለው ጠያይቲ ዘዝነበ ስርዓት ህግደፍ: ንደቂ 16 ዓመትን ደቂ 90 ዓመትን ክኣስር ንሕስያ ዘይብሉ ህግደፍ: ኣብ ዶባት ብተመልከተልይ ለይለያት መንእስያት ክውድቁ ትእዛዝ ዘመሓላልፍ: መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑ ኣብ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ብጥምየትን ግፍዕን ማህሚኖም ብቓንዛ ተፋሒሶም ክሞቱ ዘይስቆሮ: ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዓሊግድር ኣብ ግራሁ ጡጥ ኣውጺኡ ፈውሲ ኣንበጣ ዝነስነሰ: እንተዝህልዎ: ብኬሚካላዊ ኣጽዋር’ውን አይምገደፈን::  ከምዚ ንርእዮ ዘለና: ሓያላት ሃገራት ድማ ኣይምገደፉዎን:: ከምዚኦም ዓይነታት ግዲ ህዝቢ ዘይብሎም ግን ብቆምሽጢ ህዝቢ ክሕብኡ ህግደፍ ናይ መጀመርያ አይኮኑን:: እቲ ዘሕዝን: ኣይ ሓልዮት ኣይ ፍልጠት: ዝመሰረቱ መሕብኢ ካብ ውሑዳት ኣብ ናጻ ቦታን ሃገርን ዝነብሩ ክስንሶም ካብ ናይ ከበባ መንፈስ ዘይወጹ: ግዳይነቶም ዘይተሰወጦም ግዳያት ክወሃቡ እንከለው’ዩ::

ቦሎኛ – “ዝተሰለመ ግን ዘሕለምልም ዳስ”*

ብዛዕባ’ዚ ኣኼባ ብዙሕ ክብል ድልየተይ ኣይነበረን:: መልዓል ነገር ስለዝኾነ ከየልዓልክዎ ክሓልፍ አይደልን::

ግደ ሓቂ: ቅድሚ’ቲ ኣኼባ ዝነበረ ሃፋ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ: “ሕጂ ድማ ብዙሓት ንቦሎኛ ክኸዱ ዮም: ብዙሓት ድማ ክተርፉ እዮም: ስለዚ ክንመቓቕል ኢና::” ዝብል ስግኣት ፈጢሩሉ ነይሩ:: ኣገዳሲ’ኳ እንተዘይኮነ: ብወገነይ: ነቲ ኣካይዳ ስለዘይተቐበልኩዎ: እስክልኩም በይንኹም ከመይ ከምትገብሩ ክንርእየኩም ተባሂሎም ክሕተቱ ከምዘለዎም ገሊጸ እየ:: ክንደይ ሰብ ምሳይ ይሰማማዕ ግን ርግጸኛ ኣይነበርኩን:: እቲ ተዋህሊሉ ዝተባህለ ገንዘብ ብዙሕ ስለዝነበረ: ክንዲ ናብ ህግደፍ ኣብ ምምቃል ደለይቲ ፍትሒ እጃም ከይህልዎ ስክፍታ ነይሩኒ:: ሎም: ኣኼባ ካብ ዝውዳእ: ዳርጋ ሰሙኑ ቀሪቡ’ኳ እንተኾነ: ብዛዕባ እቲ ኣኼባ: ብዘይካ እቲ ዘረብረበና “ብዓወት ተዛዚሙ” ዝብል ካልእ ወግዓዊ መግለጺ የለን: ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ: “እዚ ናተይ እምበር ናይ ማሕበር ኣይኮነን” ዝብል ርእይቶታት ሓሕሊፍና ንርእይ ኣለና:: ኣብ እዋን ኣኼባ: ከምቲ ናይ ካልእ እዋን: ብሞባይል ተለፎናትን ካልእን ተሳኢሉ ናብ ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዝነበረ ስእሊታት ብዙሕ ኣይረኣኹን: ውሑድ ስእሊ ናይ ውሑዳት ጥራሕ:: ምናልባት’ዶ ነቲ ቦታ ኣጋይሽ ስለዝኾኑ ኢንተርነት ተጸጊሞም ይኾኑ ይብልሞ: ምስቲ ኣኼባ ደብረዘይቲ ዝነበሮ ክፉትነት ኣወዳዲረ: እቲ ጉድለት ናይ ኢንተርነት ዋላ ውን እንተነበረ: ረቛሒ ክኸውን ከምዘይክእል ይግምግም:: ርኡይ ዋሕዲ ተሳተፍቲ ነይሩ እዩ:: ሓደ ተሳታፍይ ነቶም ዝተሳተፉ: ስእሎም ኣብ ሓንቲ ገጽ ኮፍ ኣቢሉዎም – 63 (ካብዚኦም ገሊኦም ኣባላት ቲ ጉጅለ አይኮኑን ክኾኑ ኣይክእሉን: ብዕድመ: ብኣባልነት ኣብ ካልእ ማሕበርን: ብዜግነትን (ኣውሮጳውያን ስለዝኾኑ) ካልእን :: ሓንቲ ካልእ ድማ ብሓደ ዝተሳተፈ ከም ዝተጋነነ ዝግመት 90 ዝብል ቁጽሪ ቀሪቡ ኣሎ:: ኣብቲ ጽሑፋ ሲሶ ናይዚኦም ኣዳለውቲ ነይሮም ዝብል ጽሑፍ ኣሎ:: እቶም ዝተረፉ ድማ ኣጋይሽ::

ኣጋይሽ: ገሊኦም ንሓድሕዶም መዓልካ ከምዘይብሎም ናይ ኣደባባይ ምስጢር ዝኾነ:: ገሊኦም ድማ ቅድሚ ሕጂ ዝበሉዎን: ኣብቲ ኣኼባ ዝደገሙዎን ዘይሳነ:: ገሊኦም ዳርጋ ካብ ፓለቲካ ኤርትራ ብጥሮታ ዝተሰናበቱ: ገሊኦም ብመንእሰያት ዝተሰናበቱ:: ገለ ህቡባት ነበር: ገለ ሕጂ’ውን ኣብ ካልእ ዓውዲ ስራሕ ህቡባት:: ኮታስ “እዚኦም ውን ይድግፉና’ዮም” ንኽበሃሉ ዝተጸውዑ እምበር ፍሉይ ዝበሃል ነገር ዘይብሎም እዮም::  እዚ ጉጅለ እዚ: ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንኣስታት ዓመት: ሰሙናዊ ናይዚ “ሰሙን እዚ ተሸላሚ (“ፐርሰን ኦቭ ዘ ዊክ”) እናበለ: ደገፍ ክንዲ ብምትእምማን: ብምቅጣር ክኸስብ ናይ ምፍታንን ልምዲ ከም ዘለዎ ምስ ትዝክር ግን: እዚ’ውን ሓድሽ ነገር ከምዘይብሉ ተስተብህል::

ድሕሪ እዚ ኩሉ: ወግዓዊ መግለጺ ከየውጽዕ ዓቐብ ሰማይ ተታሒዙ: በብሓደ ነድሪ ዝተሓወሶ: “ናይ ውልቀይ ርእይቶ” እናተባህለ: ዝስደድ ዘሎ ጽሑፋት ዓወት ዘይኮነ ሕርቃን ዩ ዘመልክት:: ብወገነይ: ፈሺሉ እዩ: ክብል’ኳ እንተዘይደፈርኩ: ነፊሱ ግን ክብል እደፍር:: የሕዝነኒ ድማ:: እቶም ነዚ ዘዳለው ሰባት ዋላ ይውሓዱን ይጋገዩን: ተስፋ ቆሪጾም ቶባ እንተ ኢሎም: ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ሰብ ይጎድሎ: ህግደፍዩ ይኸስብ:: ሓቦ ረኺቦም “ኣንድነት” እናበሉ ነቶም ዝተረፍና ምስ ጸላእትና ምዃነን ዘግሃድኦ መርበባት ኮይኖም እንተቋናጺቦምናን እንተኾኒኖምናን’ውን: ደለይቲ ፍትሒ ንኸስር: ህግደፍ ይኸስብ:: ብኽልቲኡ ሸነኽ ንህግደፍ ኣብ ዘኽስብ ባይታት ንነብሶም ቀርቂሮም: ጉልበቶም ክህልኹ ክርእይ ግን የጉህየኒ::  ንህግደፍ ንቃለስሉ ግዝየን ጉልበትን ገንዘብን ኣብ ኣንጻር ሕድሕድና ክጠፍእ ከሎ የሕዝነኒ:: ግን ድማ: ኣንጻር ሕድሕድና ከይጠፍእ ኢልና: ኣስማትናን ኣስማት ንፈትዎም ኣሕዋትናን ተጸዊዑ: በለቕ ክልከን ኣብ ጨፈቃ ክልወስን ከሎ: ክነጽቅጥ ግቡእ አይኮነን:: ከይፈተና ንምልስ:: መልስና ንድኻሞም ከብንኖ ክርኢ እነክለኹ የሕዝነኒ:: እዚ ጥራይ እንተዝኸውን፦ ነዚ ቃልሲ ኣይምተሓውስኩዎን:: ትም ምባልና: ትዕግስቲ ዘይኮነ: ንድኻምና ዝቐብር ስሚ እንተኾይኑ ግን: ትም ኣይብልን:: ስለዚ ከይፈተና ንምልስ:: ትም ምባልና: ልቦና ዘይኮነ: ቃንዛ ህዝቢ ዘናውሕ እንተኾይኑ ትም አይንብልን: ንምልስ::

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • hashish September 7, 2013

    Dear brother thank you for explain to us. summit bologna was wrong and absolutely shame what result now?It’s hgdef song no different at the finally rubbish

  • Meretse Asmelash September 7, 2013

    ኩር ሓው ቢኮ ቕድሚ ዝኾነ ሪኢቶ ምሃበይ ሰላምታ ከቀድም ይፈቱ።

    ጽሑፍካ ድሕሪ ምንባበይ ብዙሕ ተማሂረ። ቐዳማይ እቲ ሓቤረታ እዋናውን ሚዛኑ ዝሓለዎን ብምዃኑ፣ ስለኡ ከኣ ይልመድካ። ኩሉ ብኣገባብ ስለ ዝገለጽካዮ ከኣ ብርሃን ኔርዎ። ካብኡ ሓሊፉ ጽሑፍካ ኣብዝሓ ክርድኦ ብዝክእል ፊደል ምጥቓምካ ክሳብ ክንደይ ደስ ዘብል ኢዩ።

    ዘገርም እንተሎ ብዙሓት ናይ ትግርና ተዛረብቲ በቲ ኣዚና ዘይንመልኾ ቛንቛ- “ሓቤረታ” ወይ “ጽሑፍ” ክወጽእ እንከሎ ንእዝን እትን ሰብ ከይቅድመ ዝዓይነቱ ብተሎ ተሎ ዝተጻሕፉ ሓጸርቲ ወይ ነዋሕቲ ጥብቖ ትርኢ።
    ርግጽ’ዩ ትግርኛ ምናልባት ማዕረ እተን ንነዊሕ ዘመናት ቛንቛኤን ንምምዕባል እዚ ዘይብሃል ገንዘብን ጻዕርን ዘፍሰሳ ክስራዕ ኣይክእልን ይከውን ፤ ዓቅሚ ነብሱ ግን ኣይሰኣነን። ስለዚ ቛንቛ’ኮ ዋንኡ እዩ ዘማዕብሎ፣ ስዒቡውን ሳላ ሕማቕ ግዜ ካብ ምሁርና ዘይምሁርና ዝዕብልሉ ዘሎ ዘመን ምዃኑ ኢዩ።

    ኣብ ገለ ወብሲት ክኣቱ ከሎኩ ብሓቂ ይቀንእ። ዋላ’ዃ እቶም ተዋስእቲ ካብኡ ናብኡ እንተኾኑ ብፍላይ ሎምስ ናይ ህንካን ሃባን ባህሊ ኣብ መንጎ ክምዕብል ትርኢ። እዚ ጽቡቅ እዩ። “ሓርማዝ ኣብ ገዛ” ብእትብል ኣርእስቲ ዝወጸት ጽሑፍ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ሓቤረታ ብልጫ ነይርዋ ኣይኮነትን ክሳብ ካብ 200 ንላዕሊ ህንካን ሃባን ዝተባሃለላ።
    ንምንታይ ደኣ እንተ ተባህለ ብናይ ጓና ቛንቛ ስለ ዝተጻሕፈት ጥራሕ እዩ። ብቛንቛ እንግሊዝ ዝጸሓፉ ጽሑፋት ብልዕሎም ምካድ ሕማቕ መኣስ ኮይኑ፡ ግን ናትካ ከኣ ከይነዓቅካ።
    ንኣብነት፡
    ሕልፍ – ሕልፍ ኢልካ ዝተለጠፉ ምላሻት ክትርኢ ከላካ እሞከኣ የገርም እንተተባህለ ኣየገርምን። ምክንያቱ እቲ ዝተለጠፈ ምላሽ ትግርና ኮይኑ ዝጥቀምሎም ፊደል ግን ላቲን ትርኢ። እዚ ክራባታ ምስ ባህላዊ ክዳን ከተመሳስል ምፍታን ኮይኑ የስምዕ።
    ብዙሕ እንተከይደስ ኣማልሶ ከይስእን፡ ብሓጺሩ ምምዕባል ቛንቛ ናይ ኹሉ ጊደ እዩ። ናትካ ኣጽኒዕካ ሒዝካ ናብቲ ካልኣይ ክትሰጋገር ከኣ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ክብል ከሎኩ ግን ብካልእ ቋንቋ ዝጸሓፉ ጽሑፋት ኣይነነበቡ ማለተይ ኣይኮነን። ትግርና’ውን ቋንቛ እዩ፡ ከይንእስ ነማዕብሎ ክብል ስለ ዝደለኩ ጥራሕ ኤየ።

    እንተ ንስካ ግን ክቡር ሓው ቢኮ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ “ምጽሓፍ” ይልመድካ።

  • Semhar September 8, 2013

    ቢረት ኣብ ኢድካ
    ወዲ መድሂን በራድ ዲኣቢሎስ ኢሳያስ ኣብ መረትካ
    ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧
    ማሊሻ ማሊሻ ማሊሻ
    በትሪ ኣብ ኢድካ
    ኢስያስ ተመን ኣብ መረትካ
    ኢንታይ ቲጽበ ኣለካ ፧

  • Tes September 8, 2013

    The best article. You articulated the entire current state of affair of Eritrea and Eritreans. Thank Biko for this deep analysis.

POST A COMMENT