Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀቢላዊ ድራኸ (Tribal Urge)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ከባቢ 1962፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ብዙሓት ኣይነበሩን። እቶም ዝነበሩ ግን፡ ካብ ሰቦምን ዓዶምን ባህሎምን ርሒቖም ብምንባሮም፡ ዚእክቦምን መንነቶም ዚሕልወሎምን፡ ስምዒት ውሕስነት ዚህቦምን መፍትሔ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ከባቢ 1962፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ብዙሓት ኣይነበሩን። እቶም ዝነበሩ ግን፡ ካብ ሰቦምን ዓዶምን ባህሎምን ርሒቖም ብምንባሮም፡ ዚእክቦምን መንነቶም ዚሕልወሎምን፡ ስምዒት ውሕስነት ዚህቦምን መፍትሔ ንኺረኽቡ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብቲ እዋንቲ እዩ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሰምዓሰም (ሰራየ) ዚብል ምትእኽኻብ ይካየድ ከም ዝነበረ ብኣዝማደይ ዝሰማዕኩ። ኣብቲ ማሕበር እውን ከም ቤተሰብ ተዓዲመ ከይደ ነይረ። ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ ድማ ይገርመኒ።

 

ወድሰብ ማሕበረሰብኣዊ እንስሳ (social animal) ብምዃኑ፡ ብዅለንትናኡ ምስቲ ንኣኡ ዚመስል እዩ ኪጫኖ ዚደሊ። ምስቲ ምስ ሕብሪ ቆርበቱን ምስ ቋንቋኡን ባህሉን ሃይማኖቱን ዚቃዶን፡ ተመሳሳሊ ተመክሮ ዘለዎን ሰብ ድማ ሕብረት ኪፈጥር ይደሊ። ነዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ዘይፈልጦ ከባቢ ኪቕመጥ ከሎሞ፡ ስግኣት ኪሓድሮ ኸሎ ብዝያዳ የግህዶ። ከምዚ ኪገብር ከሎ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ስለ ዝደለየን፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ መንነቱ ኪዕቅብ ስለ ዚፍትንን እዩ። በዚ ድማ ንቐጻልነት ህይወቱ ውሕስነት ይረኽበሉ።  ኣብዚ ኩነታትዚ ኢዩ ድማ እቲ ቀቢላ (tribe) ዚብል ስነልቦናውን ማተርያላውን ድራኸ ዚፍጠር።

 

ቀቢላ (tribe)፡ እቲ ንማሕበራዊ ድሕነት ኢሉ ወድሰብ ካብ ጥንቲ ዝፈጠሮ ዝነኣሰ ሰብኣዊ ጉጅለ እዩ። ካብቲ ኣድላዪ መጠኑ ኣዚዩ ምስ ዚንእስ ንድሕነት ኣስጋኢ ይኸውን፡ ካብቲ ኣድላዪነቱ ኣዚዩ ምስ ዚዓቢ ድማ፡ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኣጸጋሚ ይኸውን። ቀቢላነት ኣብ ኩሉ ንጥንፈታት ወድሰብ፡ ብስም ማሕበራትን፡ ትካላትን፡ ከምኡውን ብስም ባህላውን ሃይማኖታውን ውድባት፡ ይገሃድን ይንጸባረቕን። እቲ ዚድለ ተመሳሳልነት ብመሰረቱ ተፈጥሮኣዊ ወይ ባህላዊ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣምታት ግን ሰብ-ሰርሖ ተመሳሳልነት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ፡ ማለት ብሞያን ዝንባሌን ብስነጥበብን ዚፍጠር ተመሳሳልነት።

 

እዚ ኣገዳስን መሰረታውን ድራኸዚ ኣብቲ ውሻጠ ኣነነት ሰብ ስለ ዘሎ፡ ወድሰብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ኩሉ እዋን፡ ካብ ጽልዋኡን ሓይሉን ኪላቐቕ ኣይደልን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይክእልንውን እዩ።

 

እዚ ቀቢላዊ ባህርይዚ፡ በቲ ጥንታውን መሰረታውን ኣገባቡ ኣይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ማሕበረሰብን ህዝብን ሃገርን ግዝኣትን ይረአ እዩ ። ቀቢላነት ከም ናይ ምጭንናው ባህርይ ጌርና እንተ ወሲድናዮ፡ ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ  ቻይና ታውን ዚብሃል ሓምሻይ ወይ ሻድሻይ ወለዶ ስደተኛታት ቻይና ዚቕመጡሉ ክፍለ-ከተማ ኒውዮርክ፡ ወይ ኣብቲ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ስደተኛታት ኢጣልያውያን ዚቕመጡሉ ሊትል ኢታሊ ዚብሃል ናይ ኒውዮርክ ክፍለ-ከተማ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ዚርከብ መብዛሕትኦም ደቂ-ሶማልያ ዚቕመጡሉ ሊትል መቓድሾ ዚብሃል ቦታ ኣንጸባሪቑ ክንርእዮ ንኽእል።

 

ኣብ ገሊኡ ከተማታት ኣመሪካ፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ስለ ዚበዝሑዎ፡ ቛንቋ እንግሊዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ብልምዲ ኣመሪካዊ ዘብለካ ገለ ባህርያትን ባህልታትን ልማዳትን እውን ከይተረፈ ፈጺሙ ተረሲዑን ብናይቶም ስደተኛታት ልምድን ባህልን ድማ ተተኪኡን ይረአ እዩ። እዚ ኩነትዚ ነቲ ሰብኣዊ ናይ ተመሳሳልነት ምቅርራብን ምትሕልላይን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንስምዒት ውሕስነትን (sense of security) ርግኣትን ንምድልዳልን ንምዕቃብን ኢሉ ስለ ዚፍጠር፡ ብተዛማዲ መገዲ ቀቢላነት እዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና።

 

ይኹንምበር፡ ንቐቢላነት ዘበግሱዎ ብዙሓት ረቛሒታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ናይ ኒውዮርክ ገቶ ዚቕመጡ ዝነበሩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ኣብቲ ቦታቲ ኪቕመጡ ዝገበሮም ምኽንያት እንተሎ ዓሌታውነት እምበር ካልእ ኣይኮነን። ዝኾነኾይኑ፡ ዜርካ ዜርካስ ንሳቶምውን ብሓደ ወገንሲ ንድሕነቶም ኢሎም እዮም ኣብቲ ቦታቲ እተኣኻኸቡ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓቀኛን ኣብቲ ኣመሪካዊ ባህሊ ዝሰረጸን ደሞክራሲ እንተ ዚህሉዎ ነይሩ፡ እዞም ጭቁናት ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ዘሕዝን ቦታቲ ኪቕመጡ ኣይምተገደዱን።

 

መበገሲ ቀቢላነት፡ ድልየት ውሕስነትን ምዕቃብ ጉጅላዊ ሓድነትን ስለ ዝኾነ፡ ዚድልድለሉን ዚደኽመሉን ኩነታት ኪህሉ ባህርያዊ እዩ። ቀቢላነት፡ ብጕድለት ውሕስነትን ብምሒር ስግኣትን ኪድልድል ከሎ፡ ብናይቲ ግዳይ ርእሰ-ተኣማንነትን ብናይ ከባቢ ሰላምን ርግኣትን፡ ብኹለንትናዊ ምዕባለን ፍትሕን ድማ ኪልሕልሕ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምእታውና ግን፡ ገለ ካብቶም ናይ  ወድሰብ ኣገደስትን መሰረታውያንን ድሌታት፡ ምግብን መጽለልን ውሕስነትን ከም ዚርከቡዎም ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ እቲ ናጽነተን ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተጠፍጢፉ ስለ እተዋህበን፡ ኣማኢት ብሄራት ሒዘን እየን ሃገራዊ ህይወተን ኪቕጽላ እተፈርደን። እቲ እተረኽበ ወይ እተዋህበ ናጽነት ግን ብሱሩ ነታ ሃገር ብዓባያ ደኣምበር ነቶም ውሁዳን ወይ ህዳጣን (minorities)  እተዋህበ ከም ዘይኮነ፡ እቶም ሰብ-ጉዳይ ወይ እቶም ግዳያት ነዊሕ ከይከዱ ይስቆሮም እዩ።

 

ማእከላዊ መንግስቲ፡ ነቲ ናይ ውሁዳን ጉዳይ ኣነኣኢሱን ኣቃሊሉን ብምርኣይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ርትዓዊ ሕቶኦም ጓስዩዎ እዩ ዚሓልፍ። መንግስቲ ብባህርያቱ ጨቋኒ ብምዃኑ ድማ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ምዕራዩ፡ ምድቋሱ እዩ ዚቐሎን ዚመርጾን።

 

ከምዚ ምስ ኮነ፡ እቲ ናይ ቀቢላነት መንፈስ ኣብቶም ውሁዳን ኪጕህር ይጅምር። ሰባት፡ ድሕንነትን ውሕስነትን ምስ ዚጎድሎም፡ እታ ነዚ ጉድለትዚ ክትመልኣሎም እትኽእል ሓንቲ መገዲ፡ ቀቢላዊ ስምዒት ምፍጣር እያ። ካልእ ኣማራጺ ኪህሉዎም ኣይክእልን።

 

በዚ ምኽንያትዚ፡ ናይ መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሃገራዊ ጉዕዞ፡ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦን ንምዕባለ ዝጎትትን ኮይኑ፡ ናብቲ ዝደለያኦ ቁጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ንኺበጽሓ ጸገም ኮይኑወን ይነብር ኣሎ። ቀጻሊ ኪፈትሕኦ ዚግባአን ጸገም፡ ቀጻሊ ሻላ ስለ ዝብላኦ፡ ቀጻሊ ድማ የሳቕየን ኣሎ።

 

ሓደ ካብቶም ነዚ ጽሑፍዚ ከቕርብ ዝደረኹኒ ምኽንያታት፡ እቲ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ንውሁዳን ወይ ህዳጣን ብሄራት ዚምልከት ሕቶ ክለዓል ከሎ ዚፍጠር ዘይምርድዳእን ቆየቓን ባእስን እዩ። ገለ ሰባት፡ ኣብቲ ነዚ ኣርእስትዚ ዚምልከት ክትዕ ኪሳተፉ ኸለዉ፡ ዓቕሎም የጽብቡ፡ ጸርጸር ይብሉ፡ ናብ መረዳእታ ኪበጽሑ ድማ ኣይደልዩን። ይኹንምበር፡ ሽሕኳ ብዓቢኡ ሕቶ ሃገር ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ጉዳይ እንተ ኾነ፡ እቲ ቆየቓን ባእስን ግን ኣብቶም ግዳያት ጥርጠራ ስለ ዘልዕል፡ ነቲ ቀቢላዊ ስምዒቶም የደልድሎ እምበር ኣየድክሞን። ዝያዳ ክትቃወም ከሎኻ፡ እቲ ቀቢላዊ ድራኸ ድማ ኣብቲ ተኸራኻሪኻ ብኡ መጠን ከም ዚሕይል ክትፈልጥ ይግበኣካ።

 

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚርከብ ብመሰላቱ ዘይተሓጎሰ ወይ ዘይዓገበ ብሄር፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ውድዓዊ ሕቶ ከልዕል መሰል ኣለዎ። ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ድማ ብመጻኢ ዕድላቱ ስለ ዚሰግእ እዩ። ነቲ ግዜኡ ኣይኮነን ዚብል ናይቲ መብዛሕትኡ ሰብ ርእይቶ ዘይቅበለሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ መልሲ ከም ብድሆ ገይሩ ስለ ዚርእዮ እዩ። ነቲ ኣብ ገለ ኣኼባታት ዚርእዮ ደሞክራሲ ዝጎደሎ ኣካይዳ ኣብ ግምት ስለ ዘእትዎ፡ ስግኣታቱ እናዓበየ ይኸይድ። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ።

 

ቀቢላዊ ድራኸ ኣብ ደሞክራስያዊ ሃዋህው፡ ኣብቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሓውነትን ምዕሩይ ምክፍፋል ሃገራዊ ሃብትን ዝጥቀም መንግስትን ህዝብን ኪልሕልሕ ይኽእል እዩ። ብሃገራዊ ወይ ጽምበራዊ ድራኸ ድማ ይትካእ። ከምዚ እናኾነ ኸሎ፡ እቲ ኣባል ብሄር ዝጠራጠር እንተ ኾይኑ፡ ንተመክሮ ከም ምስክር ገይሩ ስለ ዝወስዶ እዩ።

 

ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብቲ ቅዋመን፡ ንሓደ ብሄር ክሳዕ ምንጻል መሰል ኣለዎ ዚብል ዓንቀጻት የቐምጣ እየን። እዚ ግን ናይ ምትላል ሜላ እዩ። ካብ ከምኡ ኢልካ ምጽሓፍ፡ ነቲ ግቡኡ ኣይረኸበን እትብሎ ብሄር፡ ብኣጋኡ ስግኣቱ ዘልግሰሉ መደባትን ፖሊሲታትን ክትሕንጽጽ ይግባኣካ፡ ነዚ ድማ ብቕልጡፍ ኣብ ተግባር ከተርእዮ ይግበኣካ። ኣብ ቅዋም ኣስፊርካ፡ ብድሕሪኡ ቃሕ ዝበለካ ምግባር ግን ንነዊሕ ከኺደካ ኣይክእልን።

 

ብሓጺሩ፡ ቀቢላነት፡ ቅቡል ምኽንያት ኣለዎ። መሰረቱ ድማ ስግኣትን ጥርጠራን እዩ። እዚ ስግኣትዚ ክሳዕ ዘሎ፡ እቲ ግዳይ መሰሉ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውሕስነት ዝህቦ ኣብ ቅኑዕ መንፈስ እተሞርከሰ ተግባራትን ስጉምትታትን ብኣጋኡ ኪርኢ ይደሊ እዩ። ንመንግስቲ ዘይምእማኑ ዘገርም ኣይኮነን፡ ተመክሮ ስለ ዘለዎ። ክፈርህን ክሰግእን ምኽንያታዊ እዩ። ከምቲ እታ ሃገር ብዓባያ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት እትሰግእን እትጥንቀቕን፡ ንሱውን ካብቲ ዘይሓቘፎን ዘጠራጥሮን ከባቢኡ ይሰግእ እዩ።

 

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎም ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ፡ ምናልባት እቲ ኩነታት ኣብቲ ከባቢኦም ቀጻሊ ንኺነብሩ፡ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ስለ ዘይፈጠረሎም ይኸውን ንመዓልታውን መጻእን ህይወቶም ካብቲ ማሕበሮም ንላዕሊ ኣብሊጾም ኪርእይዎ ዝጀመሩ። ከምዚ ብምግባር ድማ ምስቲ ናይ ከባቢኦም ማሕበረሰብ ተጸምቢሮም፡ ንእተወሰነ ግዜ ማለት ክሳዕ እቲ ምጽምባር ከም ብሓድሽ ኣብ ምልክት ሕቶ ዚኣቱ፡ ብሰላም ኪነብሩ ክኢሎም።

 

ሕጂውን ገለ ሰባት፡ ናይ ቀቢላነት ወይ ብሄርነት ሕቶ ብፍጹም ኪለዓል ከም ዘይብሉን፡ ብቐዳምነት ናይ ሃገር ሕቶ ኪፍታሕ ከም ዘለዎን ዚብል ርእይቶ ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም። ቀዳምነት ነየን ይወሃቦ ንዚብል ሕቶ ንምምላሽ እንተ ኾይኑ፡ ሓቃቶም እዮም። ይኹንምበር፡ ነቲ ጉዳይ ቀዳምነት ብዘይምሃቡ፡ ኣገዳስነቱ ብኣኡ መጠን ኪጎድል ኣይግባእን።

 

ቀቢላነት፡ ኣብ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ስነልቦናውን ስግኣትን ምጥርጣርን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ክትዓት ቀዳምነት እኳ እንተ ዘይተዋህቦ፡ ዓቢ ትዅረትን ኣገዳስነትን ከምኡውን ምርምርን ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ግን ከጠራጥረና ኣይግባእን።

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Tsehaye April 25, 2018

    Ato Amanuel Sahle, are you from {langa langa} Seraye then? I always thought you were from the regionalist {felaleyiti dihurat} Akeleguzay. Too bad you are all hopeless so called opportunist oppositions. How is life in Mekelle anyway??

    • Abel April 26, 2018

      Dehan zahawey,
      Akeleguzaysi seb sire eyom. Welkum dea “ kebtis keyden eyen, tserfis zigedefna yeblnan” hizbi.

      • Tsehaye April 26, 2018

        Abel zehawey,
        Where is your sere then? You must have been wearing it upside down while wedi Afom have been punishing you for years! Or have you been hiding in women’s komishiTi?

      • sami April 26, 2018

        Brother Abel, have you left your stinky HatellaGuzay sire in HatellaGuzay then????
        Your HatellaGuzay kebti are probably far more intelligent and braves, don’t you think?

  • Aman April 25, 2018

    Thanks Mr Amanuel Sahle, however, I wish if your writing were more specific and heat the nail in the head. I do not appreciate around the bush kind of statements. I love talking about the Elephant in the room rather than an ant in the floor but this is my personal opinion. I am sure there are people who enjoy and learn from this. I admire your continuous contribution though.

  • AWEL April 25, 2018

    ብጣዕሚ ዓሚቅን ስነ ፍልጠታውን ትንተና። ንጽሑፋትካ ብሓፈሻ ምንባብ ጥራሕ ዘይኮነ ክስማዕ`ውን ምግባሩ ኣገዳሲ እመስለኒ።

  • Gedamu April 25, 2018

    Ayte Amanuel, please make sure you do not drink too much Mekele’s Teg or chew too much Ethiopian chat/grass.
    We could also understand you will be very near to your Mendefera or Adi Kula from your Mekele hiding base/place.
    Have you by any chance met ayte Gebru Asrat in Mekele who still claims in his book Assab as being part of Ethiopia.
    It is so amazing and unbelievable that you have so many gullible zombies followers who follow you to darkness.

  • k.tewolde April 25, 2018

    I think it is one of the most perfectly written masterpiece from Mr.Sahle which narrates the pros and cons of tribalism and its psychic rudiments.Example, a Syrian father who doesn’t speak English recently resettled in the US comes to my facility with 2 of his little children with flu like symptoms,looked bewildered unable to express himself,a member of our team who knows I speak Arabic summons me to the room,as soon as I greeted the family in their own language,it was fireworks.The father even addressed me by”AKUYA!”This is pure and benign tribalism in times of need,however if you gonna take this and use it to advance your wicked political agenda like HGDEF does with the new refugee arrivals in diaspora,tribalism takes an ugly twist.Another perfect example is the Cubans who speak Spanish only lived over 4 decades in Little Havana,Miami,USA and refuse to integrate to the main stream(safe in their own world).Regardless some of the comments above,you hit this one out of the ball park.Thanks a million.

    • Beraki T. April 25, 2018

      Mr pigheaded show off creep, who gives a damn shit what languages you speak or how many times you f*cking wash their/Arabs volatile/explosive backsides. Just get lost LEKHIBAT ESUB wahid.

      • k.tewolde April 26, 2018

        Truth hurts doesn’t it B.T. You purge them from one end and wait and ambush them at the other and use them as income generating commodity when they are most vulnerable over and over again.You are a child eating carnivore like your boss.Learn from the maestro,he is delivering deep and profound messages for free in a language you can understand.Don’t miss the opportunity.

        • Ghirmay April 26, 2018

          Hateftef aytebzih hataf leflafi hisur seb. Beraki is right about you, Gezae and that Rezen all being empty showing off imposters.
          Don’t you get tired to write so much crap and constantly?
          Give it a break and find something more meaningful and exciting of life.

          • sami April 27, 2018

            Mr Ghirmay, I absolutely agree with you about those two (Gezae and k.tewolde aka Khaliffa bin TeKebre) barbaric evil Islamic ELF mendef foot soldiers being very boring and damaged barbarian Arab’s condoms. But the brilliant gifted gentleman Mr Rezen is a great writer, lecturer and diplomatic down to earth/level headed Assenna’s contributor. I just wish his treats us with a brilliant article of his own like Mr Amanuel Sahle’s. He would educate/entertain us far better than that ghetto brat taliban Fetsum A mujahadeen. I hear the brave monks in Burma have chopped up the taliban Fetsum into small pieces. Well, the evil-ghedli shefatu/bandits should have chopped him into pieces in Sahel before he run away back to his USA ghetto scum. Brother Ghirmay, read and enjoy/learn Mr Rezen’s brilliant comments.

  • Haqu April 25, 2018

    Only nations and people who have a tremendous respect to their own languages, identity, heritage and their ancestors can create a worthy and feasible nations. Anybody else is thrown in the dustbins of history as would-be-nation camp as slaves or abeeds of others.
    To be counted as a worthy nation, respect your own centuries old history, identity and languages, and avoid bending for others living in a stone-age cultures and tradition across the sea.
    Don’t worry if the some Abeeds bark back because they were trained to hate themselves and to honour their masters but not their own.
    Show me a nation that created a worthy and state political system by burning its own languages, identity and history. Show me a single one!

    • k.tewolde April 26, 2018

      Yours Haqu! Did I win the final jeopardy question!?

      • Ghirmay April 26, 2018

        What are on again, I mean what credit or winning are claiming or congratulating yourself? Beyinu zigoyi kedami yeblu, you seem to be running or dancing on your own and yet you strangely claim to have won all the races or the dancing competition. Please come down to our real and practical earth. Don’t inflate yourself too much!

        • Ghirmay April 26, 2018

          sorry two missing words – what are ‘you’ on again,
          and what credit or winning are ‘you’ claiming for yourself or congratulating…
          Sorry but you are too small and inconsequential man but with too
          inflated ego and empty/deceiving personality.

          • Ghirmay April 26, 2018

            another missing word of description for that k.tewolde,
            too small and inconsequential man but with too ‘much’ inflated…

  • Ghirmay April 26, 2018

    Mr Amanuel Sahle, I admire your tremendous knowledge and wisdom indeed.
    You are truly a great teacher {lecturer} of the highest level and please continue educating us.
    I have only been reading/following your fantastic articles on Assenna recently but already can’t
    wait to read more of your educational and entertaining next articles. God bless you dear sir.

    • k.tewolde April 26, 2018

      I concur 100% if you mean it and act upon it. Ignore the comments of “empty/deceiving personality.”like me and other frequenters here,we are just exercising our basic right-freedom of expression,can you tolerate that?

      • Ghirmay April 26, 2018

        Exercising your basic right-freedom of expression is fine but you seem to over do it
        all the time and it is so irritating, to say the least. Unless Assenna has nominated you
        as their moderator {which I doubt it very much as they won’t be that desperate} just
        mind your own business – don’t {over} abuse the basic right-freedom of expression to your convenience and pleasure by responding to every comment and challenging every commentator as to mark their comments or writings. Get a real life outside Assenna.

        • Ghirmay April 26, 2018

          In other word, DON’T play a silly irritating game of {out of your boredeness – having nothing to do} overstretching statements of innocent commentators.

        • k.tewolde April 26, 2018

          “….you seem to over do it
          all the time and it is so irritating,” you seem to be an avid follower of this website,am I going to be irritated by that? brother,you come from an intolerant culture,freedom of expression is limitless,you can’t quantify it,and it comes in all forms and shapes. “……who gives a damn shit what languages you speak or how many times you f*cking wash their/Arabs volatile/explosive backsides.” If I can tolerate that,you can definitely tolerate my redundancy,however you don’t come from that school.

          • sami April 26, 2018

            Wedi Hirkam scum bag, simply ROT in your diQala Islam shit HELL.

  • Tsehaye April 26, 2018

    Brother Ghirmay,
    This sad k.tewolde creature is may be a new PFDJ graduate in gangsters illegal activities and false propagandas.
    We have learned to ignore him as a repulsive loner, as you pointed out he has no normal social life outside assenna.
    Indeed, little education or knowledge is too dangerous and damaging to little parrots like k.tewolde weirdo.

    • k.tewolde April 26, 2018

      “This sad k.tewolde creature is may be a new PFDJ graduate in gangsters illegal activities and false propagandas.”……either you have to be dyslexic or suffer from TBI. As far as social life is concerned with company like you,there is never a dull moment.Holly molly!!!!!

      • sami April 26, 2018

        Wedi Amate Komarit – wedi Hirkam, ELF’s whore mouth and savage diQala scum bag, your riffraffat criminal barbaric ELF mendef beasts company have deserted you for being too boring and for being a sufferer of bipolar. Haven’t you found your savage evil terrorist nomad Yemeni father that your Komarit Amate hooker mother sent you to find?

  • Degoli April 26, 2018

    k.tewolde, Here are your slavish Abeed cousins that you defined as:
    “……either you have to be dyslexic or suffer from TBI. As far as social life is concerned with company like you,”
    ” Eritrean Islamic Salvation Movement, EIJM, EIJ, ERIJ, EISM, Eritrean Islamic Jihad Movement, and/or Harakat al Jihad al Islami al Eritrea. The Eritrean Islamic Jihad Movement (ERIJ), is one of several opposition groups that operates in Eritrea and from surrounding countries.”
    “… The primary goal of the ERIJ is to spread the Islamic ideology and the rule by Islamic law -Sharia …… ERIJ also seeks the establishment of an Islamic Government in Eritrea with an eye toward establishing a caliphate in the Horn of Africa.[3][4] In September 1998, an opposition congress was held in Khartoum, Sudan. At that time, the Eritrean opposition group Harakat al Jihad al Islami (Eritrean Islamic Jihad Movement-ERIJ) reportedly changed its name to Harakat al Khalas al Islami al Eritrea (Eritrean Islamic Salvation Movement).

  • Degoli April 26, 2018

    k.tewolde, more on slavish cousins of ” … dyslexic or suffer from TBI …”who hated themselves so much that they burned their own Tigre books to Arabize Eritrea and committed linguistic suicide to reach heaven .
    ruth is so hard to swallow for the hypocrites, the Awyate website and its two resident Salihs did everything to cover it up as they often do to many matters, including crimes committed by the Jebha ELF leadership or anything that involves their “masters”.
    The open source in the net confirmed that the Jebha ELF leaders who decided to burn Tigre textbooks that was prepared and printed by its own Department of Education are the following:

    1. Abdela Idris
    2. Hamid Adem Sulieman
    3. Ibrahim Mohamed Ali
    4. Azien Yasin, and few minions

    People like Ahmad Naser and Melake Tekle were not involved.

    Here you have the historical truth and the shameless idiots of Jebha who committed “linguistic suicide”.
    Thank you to the documentation center at – Eritrean Human Rights Electronic Archive – EHREA . ehrea org

    • k.tewolde April 26, 2018

      Degoli,at least make an effort to type a fresh up to date info. This is old rhetoric and the characters long gone, God bless their souls,you keep visiting their serene quite graves and disturbing the eerie silence,are you necrophiliac? just saying. How do you create characters like these,if it is not one it is the other,I think only the tyrant have the formula to put together the molecular structure of the species.

      • sami April 26, 2018

        Wedi Hirkam scum bag – HaKhli dimu meshete – diQala barbaric ELF’s whore mouth, you are freaking rotten and approaching fast to your bloody decomposition stage, A diQala moron and savage Arab slave dog Abeed like yourself doesn’t get to tell an authentic proud Habesha man Degoli what to bloody write/type or not to write/type. Savage evil barbarian Arab slave dogs/abeeds can cheat for themselves as others can delude them easily. Are you still begging from your crippled evil ELF’s wheel chairs???

        • k.tewolde April 27, 2018

          . “Are you still begging from your crippled evil ELF’s wheel chairs???”…apparently you have a static picture framed in your mind that the combatants of the fateful organization all ended up in wheelchairs,makes me wonder who framed that picture? If that’s the case,they are our brave veterans,disabled warriors,symbols of our struggle.it is a shame they are being desecrated and disrespected by someone who is not worthy enough to wash their feet.Keep regurgitating the filth,you will end up slurping it dry.Pheeeew!

          • sami April 27, 2018

            Wedi stinky Amete Komarit – Wedi Hirkam k.tewolde scum bag, barbaric evil Islamic ELF mendef whore mouth, what the freaking struggle you on about?? Are you by any chance referring to the savage evil all alien-loving shefatu/bandits adventure brewed up in evil Cairo and sponsored by the barbarian savage Arabs your fucking slave masters? Simply, Wedi Hirkam scum bag, just stick to what you are good at and that is keep bloody washing your savage evil muslim Arab slave master’s feet, backside 5 times a day, also wash their stinky Camels 5 – 10 times a week, keep bloody bending and begging for your left overs with their savage wild dogs. Wedi Amete Komarit, just ROT in your vicious diQala Islam HELL.

Post a Reply to Beraki T. Cancel Reply