Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀታሊ ሰብ ሓርበኛ ካብ ተሰምየ መድሓኒ ሰብ’ከ እንታይ ክበሃል’ዩ?

ኣብ እዋን ቁልዕነተይ፡ “መዋቲ ብህይውቱ እንከሉ ሓጥያት እንተድኣ ገይሩ መቃብሩ ይተፍኦ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ መቃብሩ ኣውያት ይስማዕ” ዝብሉ ኣዝዮም ዘገርሙን ዘርዕዱን ቃላት እሰምዕ ነይረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሓጥያትን ጽድቅን ንመን ከምዝምልከታን ትርጉመንን ከምዚ ሕጂ ዘለኒ

ኣብ እዋን ቁልዕነተይ፡ “መዋቲ ብህይውቱ እንከሉ ሓጥያት እንተድኣ ገይሩ መቃብሩ ይተፍኦ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ መቃብሩ ኣውያት ይስማዕ” ዝብሉ ኣዝዮም ዘገርሙን ዘርዕዱን ቃላት እሰምዕ ነይረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሓጥያትን ጽድቅን ንመን ከምዝምልከታን ትርጉመንን ከምዚ ሕጂ ዘለኒ ኣይኹን እምበር ምስ መትኩ ሓጥያተኛ ከይከውን ግን ይጥንቀቅ ነይረ።  ሕብረተሰብና ጽቡቅ ንኽትገብር ብዝተፈላለየ መልክዕ’ዩ ዝምህረና። ብዝኾነ ሓጥያት ዝገበረ ሰብ ናብ ገሃነብ እሳት ጽቡቅ ዝገበረ ሰብ ድማ ናብ ገነት ይኣቱ ዝብል እምነት፡ ህላወ ገሃነብ እሳትን ገነትን እመን ኣይትእመን፡ ዋና ኣገዳሲ መልእኽቱ፡ ብህይወትካ እንከለኻ ቅዱስ ተግባራት ፈጽም ማለት’ዩ። መንቀሊ ጽሑፈይ ብቀጥታ ብዛዕባ ሓጥያትን ጽድቅን ንምዝራብ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ንዝሓሙን ካብዛ ዓለም ንሓዋሩ ንዝፍለዩን ዘለዉ ተጋደልቲ ዝፍጽሞ ሌላን ጉሌላን ዘተኮረ’ዩ። ቅድሚ ናጽነት ተጋዳላይ ኣብ ዝተሰውኣሉ ቦታ ብዘይ ሳንዱቅ፡ ጸሎተ ፍትሓትን ካልእ ልሙድ ስነ-ስርዓትን፡ በታ ኣብ ዕጥቁ ዘላ ነጸላ ወይ ክሹኽ፡ ንሱ ኣብ ዝሰኣነሉ’ውን ከምዘለዎ ብዕምቆት ኣብ ዘይተዃዕተ ጉድጓድ ብጭርሖ፡ ዓወት ንሓፋሽ! ሓመድን ደንጎላን ይድፈን። ንምቅባር ወይ ስውእ ንምውሳድ ኣብ ዘይክኣለሉ ጽንኩር ኩነታት’ውን፡ ዕረ እናጠዓመካ ብጻይካ ከይቀበርካ ትኸደሉ እዋን ኣሎ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድማ፡ ዘይንቡር ኩነታት ስለዝነበረ፡ ተጋደልቲ ይገነዙ ኣይገነዙ፡ ሬሳኦም ትጥቅለለላ ሜትሮ ዓለባ ወይ ተንኮበት ይርከብ ኣይርከብ፡ ሕቶ ሞትን ሕየትን እምበር እቲ ኣብ ሰላምን ኣብ ሕብረተሰብናን ዝግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከም ዓቢ ኣርእስቲ ዝለዓል ኣይነበረን።

ድሕሪ ናጽነት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ዝቅበረሉ ቦታ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ዝርከብ መቃብር ሓርበኛታት’ዮም ሓመድ ዝለብሱ። ብርግጽ ነቶም ምእንቲ ሃገሮም ዝተበጀው ኤርትራውያን ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ስነ ስርዓት ቀብሪ ምክያድን ምዕራፎምን ዓቢ ሓለፋ ኣይኮነን፡ ንዓስቢ ጅግንነቶም’ውን ኣይዳረግን። እቲ ዘሕዝን ግን ብስም ተጋደልቲ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዓንዲ ሕቆ፡ ኢድን እግርን ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ዘንብዑን ዘሳቅዩን ገበነኛታትን ሓጥያተኛታትን፡ ኣብቲ ብመቃብር ሓርበኛታት ዝጽዋዕ መኻነ-መቃብር ምስቶም ናይ ብሓቂ ሓርበኛታን ጻድቃናትን ምቅባሮም’ዩ። ብኣንጻሩ ተጋደልትን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ንህዝቦምን ሃገሮምን እጃሞም ዘበርከቱን ክንሶም፡ ንገስረጥ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ስለዝተቃወሙን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተሓለቁን፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ንኸይቅበሩ ምኽልካል ጥራይ ከይኣክል፡ ሬሳኦም ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ንኸይኣቱን ሓመድ ዓዶም ንኸይረኽቡን ምሕራም’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ብገንዘብ ስለዝዓወረን ሕልና ስለዘይብሉን፡ ንሕዙናት ኣብ ክንዲ ጽንዓት ይሃብኩም ኢልካ ምጽንናዕን ምሕጋዝን፡ ካብ ሓመድ ዝበልዖ ሬሳ ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋልን መወዳእታ ዘይብሉ ዕንቅፋታት ምፍጣርን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ብዙሓት ብመውጋእትን ሕዱር ሕማምን ዝተደነሱ ዜጋታት፡ ብህይወቶም እንከለዉ ኣብ ዓዶም ሓመድ ኣዳም ክለብሶ ንቤተሰቦም ይመባጽዑ’ኳ እንተኾነ፡ ብስርዓት ህግደፍ “ተቃወምቲ መንግስቲ” ዝብል ስም ብምጥማቅ ከይሞቱን ምስሞቱን ገጽ ኤርትራ ንኸይርእዩ ተኸልኪሎም። እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ብስቃይ ህይወቶም ትሓልፍ ዘላ ኤርትራውያን፡ ከምቶም ንየማናይ ኢድ መላኺ ኢሳያስ ዝግበረሎም ሸፈነ መራኸቢ ብዙሓንን ምዝርዛር ታሪኽ ህይወትን ከይተገብረሎም፡ ከይውዓሉን ሰብ ከይፈለጠን’ዮም ብተብተብ ዝቅበሩ።

ዝሞተት ነብሲ፡ እኩብ ሰብ ይቅበራ ኣይቅበራ፡ ብተንኮበት ትጠቅለል ኣብ ሳንዱቕ ትእቶ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ይዓጅብዋ ኣይዓጅብዋ ሓርበኛ ትበሃል ገበነኛ፡ ባህልን እምነትን ንምምላእ እንተዘይኮይኑ ዘምጽኣላ ለውጢ የለን። መዋቲ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ብእምነ-ሓመድ ተደፊኑ’ዩ። እንተቶም ሎሚ ሰብ ግዜ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቅረ ዘይብሃሎ ሕሰም ዝብጽሑ ዘለዉ የማናይ ኢድ መላኺ ኢሳያስ ሓደ መዓልቲ እንተ ብሕማም ወይ ብኢድ ሰብ ካብዛ ዓለም ምስተሰናበቱ ምስ ገበታ ሓጥያቶም ብኽብሪ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ክቅበሩን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ጸጽቡቅ ታሪኾም ክንገረሎም’ዩ። እቶም ዝኾነ ኣበሳ ዘይብሎም ድማ ኣብ ጎድኖም ርኹሳት ዓሌት ጽግዕ ምስበልዎም ግንብንብ ክብሎም’ዩ። ቤተሰብ ስዉኣት ረሲዕካ፡ ደቂ ስውኣት እናሃደንካ፡ ብህይወት ንዝተረፉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናኣብለኻን ንመቃብር ሓርበኛታት ደጋፊ ህግደፍ ዝቅበረሉ ዝቃወም ዝኽልኣሉ ኩነታት እናሃለወ፡ ሰብ ምስሞተ ብኣዝዩ ዝምስጥን ዘስቆርቁርን ብዛዕባ ስውኣት መግለጺታት ምቅራብን ኣብ ዕስራ ሰነ ሽምዓ ምውላዕን ትርጉም የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክብሪ ስውኣትና ምጉዳል’ዩ። እቲ መቃብር ሓርበኛታት፡ ቀተልቲ ሰብን ንጹሃትን ሓቢሮም ዝቅበርሉ፡ ካልኦት ተጋደልቲ ድማ ብጽምዋ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ክቅበሩ ትእዛዝ ዝወሃቡ እንተኾይኖም፡ እቲ መቃብር ሓርበኛታት ክብሩ ይጉድልን ይራኸስን ኣሎ። ኤርትራውያን ደቂ ሓንቲ መሬት እንከለናን ብሓባር መስዋእቲ ከፊልናን ክንስና፡ ብሰንኪ ህግደፍን ሒደት ስዓብቱን፡ ሃብታምን ድኻን እሙንን ጠላምን ተባሂሉ ዘሎ ተፈላልዩ ዝነብረላ ንዝሞተ ዘይእዉጅ ዓሌትነትን ጽዩፍን ተግባራት ከተእንግድ ከነፍቅድ የብልናን። 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 29 ጥቅምቲ 2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Danilo October 29, 2017

    “ጽሓይ ቀደም ነይሩ ሎሚ’ዲኣ እንታይ ጸሓይ ኣሎ” ይብል መሳላይ።ኣብ ሙጉት ኣቲ ኣበሃህላ ኪኣቱ’ውን ኣይደልን። ግን፡ቀታልን ተቀታልን ጎድኒ-ጎድኒ ክቅበሩ የሰክፈኒ።ብመሰረቱ፡ነቶም ኣብ ውግእ ዝተሰውኡ ዲኣምበር ( ኩሉ ኤርትራዊ ሓርበኛ ስለዝኾነ ) መቃብረ-ኩሉ፡ክኸውን ኣይምተገቤኤን።

    ብዝኾነ፡ ኣብታ ቁሸትና’ውን ምቅባር ጋዶ ኣብ ዝኮነሉ እዋን በዚ ሎሚ መን ይረኽቦ።ንሕሰብ’ሞ ኣሕዋት፡በዚ’ሎሚ” ኣንተሜትካ ኣብታዘለኻያ”ዝብል ጭርሖ ዘልዓልና ኣለና’እኮ። ማእለያ ዘይብሉ ሓርበኛ ኣብ ስደት ነይሩናን ኣሎን።ስለዚ፡እቲ መቃብር ባዕልና’ዲኣ ንምረጾ።

  • AHMED SALEH !!! October 30, 2017

    HGDF and it’s supporters lost their moral obligation to see human death with
    black-white picture vision . Arrogance led them to beat a dead horse for their
    stupid behavior .
    As XILAL explained the burial processes in Ghedli Era , a dead person soul had
    departed from life not to feel nothing except his flesh to be buried before it rot .
    But he/she deeds leave behind either bad or good memory .
    In western societies they have burial arrangements for poor and reach people
    but for the dead it doesn’t make a difference because their senses become
    dormant .
    The whole point is we must follow our culture to respect a dead person dignity
    solely as human beings .
    HGDF appetite for revenge against dead person began from the time they
    dismiss the ex-EPLF leader Saleh Sabe wish to bury in Eritrea land .
    He told us precisely that ERITREA belong to HGDF , case closed .

  • k.tewolde October 30, 2017

    You can’t describe the sinister nature of HGDEF any better Tsilal, their obsession with death and dying.They turned the nation into a big mortuary and they triage the bodies who belongs where,you cannot get any psychologically perverted mind than that bordering necrophilia.

  • Simon G November 1, 2017

    ቀታሊ ሰብ ሓርበኛ ካብ ተሰምየ መድሓኒ ሰብ’ከ እንታይ ክበሃል’ዩ?
    ጽቡቕ ሕቶ: ግን ብዘመን ህግደፍ ኩሉ ብግምጥልሽ እንድዩ” እቲ መልሲ “ከዳዕ” ኢሎም ይሰምይዎ

Post a Reply to Simon G Cancel Reply