Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳላኝ – ንጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ዝሓቖፈ ቃለመጠይቕ ንተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ ብስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝምልከት ትርጉም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ኣርእስታ ዝሓቖፈ ቃለመጠይቕ ንጉዳይ ኤርትራን: ህግደፍ ወደብ ዓሰብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን  ኣብ የመን ንዘካይድኦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ምፍቃዱ  ተወሲዱ ተተርጉሙ ዝቐረበ:;; ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ኣርእስታ ዝሓቖፈ ቃለመጠይቕ ንጉዳይ ኤርትራን: ህግደፍ ወደብ ዓሰብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን  ኣብ የመን ንዘካይድኦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ምፍቃዱ  ተወሲዱ ተተርጉሙ ዝቐረበ:;;

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳላኝ:-

ብዛዕብ ዝምድና  ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ከም እንገልጾ: እዚ ርክብ ቀልጢፉ ናብ ቅኑዕ መስመር ክኣቱ: ኢትዮጵያ ብወገና ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ:;ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ደረቕ መርገጺ ስለዘለዎ ለውጢ ኣይመጽአን;;ብወገና ለውጢ ክመጽእ ክንደፍእ ኣሎና ዝብል ውሳነ ወሲድና:: ስርዓት ኣስመራ ኣብ ገለ ጉዳያት ንኢትዮጵያ ንምሕማስ ዘካይዶ መደባት ከምዘሎ ዝተፈልጠ ኢዩ:: ካብዚ ብምብጋስ ንኣልሽባብ ይሕግዝ ነይሩ::እዚ ድማ ናብ ዓለም ጠሪዕና እገዳ ተወሲንዎ::እቲ እገዳ ኣይተላዕለን:: ኣብ ቀረባ እዋን ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተመርኩሱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ እገዳ ክቅጽል ወሲኑ::እዚ ስርዓት ንኢትዮጵያ ክሕምስ ምስ ዝቕጽል ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክንወስድ ከም ዝኾና ገሊጽናን ብተደጋጋሚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ወሲድና ኣአዲብናዮ:: ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና:: ሕጊ ዓለም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ ኢዩ ዘፍቅድ::

ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ንወደብ ዓሰብ ተጠቒማ ኣብ የመን ንዘለዎም ስትራተጂ ንምዕጋስ ;ስርሒት ነፈርቲ ከም እተካይድ ዝተፈልጠ ኢዩ:_ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ተመያይጥና:::ንኤርትራ ደጊፎም ከምዘይኣተው ንፈልጥ፡፡ቀንዲ ዕላማኦም ኣብ የመን ዘሎ ስትራተጅያዊ ጉዳያቶም ነፈርቲ ካብ ዓሰብ ብምልኣኽ ንምስላጥ መታን ክጥዕሞም ኢዩ፡፡ ብቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ጉዕዞ ስምምዕ ቀይሕ ባሕሪ ኣለዎም ፡፡

እቲ ቀንዲ ሕቶ ኣብ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ እንታይ ጽልዋ ከምጽእ ኢዩ ዝብል ኢዩ፡፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ክልቲአን ሃገራት ብጋህዲ ተዘራሪብና፡፡ንሳቶም ንሰላም ;ሓድነት:ዕብየትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዝዕንቅፍ ከምዘይሰርሑ ገሊጾምልና ፡፡እዚ ስልቲ ኣብ የመን ንእነካይዶ ስርሒት እቲ ቦታ ስለ ዝቐርበና ኢዩ ብምባል ሓቢሮምና፡፡ነቲ ስርሒት ቀልጢፎም ዛዚሞም ካብዚ ከባቢ ከም ዝወጽኡ ኣፍሊጦምና፡፡ እንተኾነ ንሕና ኣጠንቂቕናዮም፡፡ኣብዚ ከባቢ ንእትገብርዎ ምንቅስቓስ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምሕማስ ምስ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ምትእስሳር እንተለዎ ልኡላውነትና ንምኽባር ብእንወስዶ ስጉምቲ ምስ እትልከሙ ተሓተትቲ ኣይኮናን፡፡ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲምና ምሳኻትኩም ኣይተላዘብናን ንዓና እውን ኣየማኸርኩምናን፡፡ ድሌትኩም ንግንዘብ ኢና፡፡ እንተኾነ ንሕና ልኡላዊት ሃገር ስለዝኾና; መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ዝገብር እንተደኣኾይኑ ፣ንምንቅስቓሱ ብዕጽፊ ምስ እንመልሶ ድሌትኩም ምስ ዝጉዳእ ናትና ጸገም ከምዘይኮነ ክትርድኡ ኢልናዮም ፡፡ ነዚ ንርድኦ ኢና ክብሉ መሊሶም፡፡

ሪፖርተር;-ነቲ ስርሒት ፈጺሞም ዝወጽኡ እንተኾይኖም ንወደብ ዓሰብ ንምንታይ ን30 ዓመት ምክራይ ኣድለየ?

ኣቶ ኃይለ ማርያም፡– ንሕና ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ የብልናን ኢሎምና፡፡ዝተፈራረምናዮ ግሉጽ 30 ዓመት፣ 40 ዓመት የብልናን ኢሎም፡፡ ንሕና ድማ ብጭቡጥ ንፈልጦ የልቦን፡፡ ኣብ ሓደሓደ ማሕበራዊ ሚድያ ክውረ ንሰምዕ፡፡ ግን ብጭቡጥ ካብ መንግስታት ዝፈለጥናዮ ዝተፈራረምዎ ስምምዕ የልቦን፡፡ብቤላ ቤለው ሃገራት ኣይሕተቱን ኢዮም፡፡ስለዚ ድማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ትም መሪጽና፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
43 COMMENTS
  • girmay December 7, 2015

    Ethiopia don’t care about port of assab b/c everyone knows the case but, in the case of security Ethiopia is not sleeping b/c naw adeys the world becomes war as it is esayyas also does’t stop demons way b/c he is the ambasadar of war & disputes . So hailemariam gives warning United emaraites not to be the supporter esayyas wrong & cheep political satisfactions.

  • Negash December 7, 2015

    Red Sea mean for eritrean, port shipping fishing, the Ethiopian will happily accept but ashebari group of people who live in Asemera, who rented why for what, don’t forget ethiopian have received responsibility for the people of eritrean thanks.

POST A COMMENT