Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቁሊሕታ 2014 ጠመተ 2015

2014 ዓመተ ምህረት'ውን ልክዕ ከም ካልኦት ዓመታት ናታ መዝገብ ታሪኽ ሒዛ ኢያ ትሓልፍ ዘላ። ኣረጊት ዓመት ኣፋኒና ሓዳሽ ዓመት  ኣብ ንቕበለሉ ዘለና እዋን መዛግብ ገናጺልና ከመይ ነበረት ምባል ኣድላዪ ኢዩ። ሰነዳት ዜናን ሓበሬታን ኣብ ግዚኡ

2014 ዓመተ ምህረት’ውን ልክዕ ከም ካልኦት ዓመታት ናታ መዝገብ ታሪኽ ሒዛ ኢያ ትሓልፍ ዘላ። ኣረጊት ዓመት ኣፋኒና ሓዳሽ ዓመት  ኣብ ንቕበለሉ ዘለና እዋን መዛግብ ገናጺልና ከመይ ነበረት ምባል ኣድላዪ ኢዩ። ሰነዳት ዜናን ሓበሬታን ኣብ ግዚኡ ዜናን ሓበሬታን ይኹን’ምበር፣ ምስ ህላወን ድሕነትን ሓደ ህዝብን ሃገርን ዝትኣሳሰር እንተኾይኑ ብፍላይ፣ ንሓዋሩ ታሪኽ ኮይኑ ከም መወከሲ ክገልግል ኣብ ክብሕታት ክሳብ ዝኽዘን፣ ሓያልን ድኹምን ወሰንቲ ባእታታት ኣጉሊሑ ብምርኣይ፣ ድኻማትካ ኣዐሪኻ ተርኒዕካ ክትወጽእ ዘኽእል ትምህርቲ ክርከበሉ ስለዝኽእል ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ወሳኒ ኮይኑ ይርከብ። 2014 እምበኣር ብጽሙቕ ዝበለ መልክዕ ከምዚ ዝስዕብ ትመስል ነይራ፣

ድሃይ ካብ ኤርትራ

ብሓፈሽኡ ህይወት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ካብኡ ንታሕቲ ክወርደሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወሪዱ፣ ብሰራዊት ደምሒት ክከላበት፣ ሽማግለን ኣደ ቆልዓን ናብ ታዕሊም ውረድ ክብሃሉ፣ ህዝቢ ብሕጽረት ኩሉ ቀረባት፣ ግዕዙይ ምሕደራን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ውጹእ ባርነት ይነብር ኣሎ።

ኣብ’ዛ ኣረጊት ዓመት፣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት መኻእ 70 ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝነበረ ኣባይቲ ብቡልዶዘራት ስርዓት ኢሰያስ ከምዝዓነወ ከምኡ’ውን ብርጌደር ጀነራል ፍጹም (ወዲ መምህር) ምትሕንፋጽ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ደምሒት ስለዝተቓወመ ከምዝተኣስረ ተሓቢሩ  ነይሩ። ድሒሩ ኣብታ ዓመት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ናብ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ዝቐንዐ፣ ኣብቲ ቅንያት እታ ርእሲ ከተማ ብክሳብ 10ሽሕ ዝበጽሑ ጸልማት ከደኖ ህዝቢ ኣዘንጊዖም ጽዑቕን ሰፊሕን ግፋ ከካይዱ ዝሻባሸቡ ዝነብሩ ሰራዊት ደምሒት ተኸቢባ ምንባራ ዝሕብር፣ ህዝቢ ነዚ ፈሊጡ ነቒሑሎም ክጸንሕ ዘጠንቅቕ መታሓሳሰቢ ተቓሊዑ ምንባሩ’ውን ከምኡ።

ብተወሳኺ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ መመረቕታ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፍዎ ዕጹው ኣኼባ ብምክያድ፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ብዝሒ ምኹብላልን ብፍላይ ብወገን መንእሰያት ዝርአ ዘሎ ዕጥቅኻ ገዲፍካ ህድማን ሞራል ሰራዊት ካብ ምስባር ሓሊፉ፣ ተኽእሎ ምክልኻል ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትዩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ነቶም ሰበስልጣን ከጉባዕብዓሎም ከምዘይተሰምዐ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ንብዙሓት ካብኣቶም ናይ “ኣማውቱኒ” ስልጣን ወሰኽ ክገብረሎም ዝተራእየሉ ምስ ተጋራጫዊ ባህርያቱ ዝሳነ ሓደ ተወሳኺ ዝተሰነደ ዜና’ውን ኣሎ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቅንያት መመረቕታ መበል 27 ዙርያ ኣብ መዓስከር ሳዋ “ደቅኹም ኣበይ ኣለዉ?” ዝብል ጽሑፍ፣ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ህዝቢ ኣንጻር ምልኪ ሓቢሩ ክልዓል ዝጽውዕ ጭርሖ ዝተጻሕፎ 5ሽሕ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ምርግሖም ተሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብቲ ዙርያ ዝተመረቑ መንእሰያት ውጽኢት መልቀቒ ፈተና (ማትሪክ) ንምፍላጥ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንሳዋ ክምለሱ ከምዝተነግሮምን’ውን  ተቓሊሑ ነይሩ። እቲ ስርዓት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ነቶም መሕለፊ ውጽኢት ዘይረኸቡ ከይጠፍኡዎ ኣብኣ ኸለዉ ኣትሪፉ ናብ ዝደለዮ ብምውፋር መተካእታ ናይቶም ዝጎደሉዎ ክገብሮም ስለዝመደበ ምንባሩ’ውን ከምዝተሓበረ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ስርቅን ክትራንን ኣዝዩ ገኒኑ ምህላዉ፣ ኢሰያስ ኣደስኪሉዎም ዝጸንሐ ተጋደልቲ መሓሪ ሰለሙን፣ ወዲ ርእሶም ከምኡ’ውን ተስፋንኪኤል “ሸሪፎ” ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምዘእተዎም፣ እቲ ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ተኣሚኑ፣ ኣብ መገሻታት ኢሰያስ ንሚኒስተራት ከይተረፈ ዝእዝዝ ዝነበረ ሓላፊ ሓለዋ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኮለኔል ተስፋልደት ኣብ ልሙድ ስርሑ ይነጥፍ ከምዘየለን ፍሊጶስ ዋርድያታት የብዝሕ ከምዘሎን ተቓሊሑ ነይሩ። ስርዓት ኢሰያስ ኣብ 2014 ዓ/ም ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ኤርትራውያን ጣልቓ እናኣተወ ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻሩ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ተዋህዶ ሃይማኖት ተወሳኺ ጽልእን ቅርሕንትን ንምስዋር ተንኮላት ምፍሓስ ኣየቋረጸን።

ዋሕዚ ስደትን ህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናብ ሓድሽ ጥርዚ ይድይብ።

እታ ዓመት ከም’ተን ዝሓለፋ ካልኦት ብወረ ስደትን ሓገዝ ዘድልዮም ግዳያት ስደትን’ያ ጀሚራ። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ በሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝተዳጎኑ ኣሕዋቶም ነጻ ክልቀቑ ክጽውዑን ነቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ’ታ ሃገር ዘማሓላለፎ ንሓተቲ ዑቕባ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ምድረበዳ ኣብ ዝርከብ ማእሰርቲ ክኣትዉ ዝእዝዝ ውሳነ ንምቅዋምን ውዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ እንከለዉ፣ ላዕለዋይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ውሳነ ‘ምኽዛን ስደተኛታት ምግሃስ መሰል’ ምዃኑ ብምጥቃስ ክኹንኖ ተሰሚዑ። ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፣ ኣብ ሃገረ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኣሰቃቒ ኩነታት ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን’ውን ከምኡ ኩነታቶም ክመሓየሸሎም ኣውያቶም ዘስምዑሉ ዝነበሩ ወርሓት ነይሩ።

ኣብ ካልእ ዛዕባ ኣብዛ ስደትን ወረ ስደትን ኣብ ሓድሽ ጥርዚ ዝበጽሓላ 2014 ዓ/ም፣ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ናይ ዘፈተኑ ክልተ ቆልዑን መንእሰይ ኣሞኦምን ሬሳ ወላኹ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተረኽበ ክጽብጸብ ከሎ፣ ድሃይ ኣሕዋትን ኣሓትን ይኹን መቕርብ ዝጠፍኦም ሰባት ዝዝርግሑዎ ዝነበሩ መልእኽትታት ኣዳልዩና’ውን ገኒኑ ዝተራእየላ ዓመት ኢያ። ብተወሳኺ ኣብዛ ዓመት ብሰንኪ ፖለቲካውን ጸጥታውን ውዲታት ስርዓት ኢሰያስን መንግስቲ ሱዳንን፣ 577 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ምምላሶም ይዝከር።

ከም መቐጸልታ ስደትን ህልቂትን ስደተኛታት ኤርትራውያን፣ ሓንቲ ናብ ሃገረ ጥልያን ገጻ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምጥሓላ፣ ሬሳታት ናይ 300 ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ክርከብ ከሎ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ማእሰርቲ ብዙሓት ህጻናት፣ ነብሰጾራትን ደቀንስትዮን ዝርከቡዎም 2000 ኤርትራውያን ይሳቐዩ ምንባሮም፣ ካልኦት 60 ስደተኛታት ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱዛ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተቐቲሎም ናብ ማእከል ባሕሪ ከምዝተደርበዩ ሰበስልጣን ሃገረ ጥልያን ምግላጾም  ተሓቢሩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ 200 ዝኾኑ ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ተለቁ ኣብ ጎደናታት ሰንዓ (የመን) ኣሰቃቒ ህይወት የሕልፉ ምንባሮም ይዝከር። ብኻልእ ሸነኽ ሓሎት ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብእግሮም ናብ ዶብ ሲናይ ብምጓዓዝ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ከለዉ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይኹን ኤርትራ ከይገሹ ዝተኣገዱሉ ኩነታት ነይሩ። ሓደ ወዲ 15 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ዝርከቦም 15 ኤርትራውያንን ደቂ ካሽሚርን ሒዛ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ  ዝኣተወት ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ናይ’ታ ሃገር ድሕሪ ምእታዋ መርመራታት ይግበረላ ምንባሩ፣ ካልኦት ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ትርከበን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምዃነን ዝተነግረለን ሰለስተ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ኣብ ናይ መካይን መንገዲ እናተሳእላ ተታሒዘን ምንባረን ተቓሊሑ ነይሩ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድማ ሓንቲ 200 ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ትጓዓዝ ከምዝነበረት ዝተነግረላ ጃልባ ጥሒላ ክትርከብ ከላ፣ ሓንቲ ካልእ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዛ ናብ ኤውሮጳ ምስ ተበገሰት ብዘይድሃይ ተሪፋ ነይራ። ሓለዋ ዶብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገጾም ይሃድሙ ካብ ዝነበሩ 18 ነቶም 10 ከምዝቐተሉዎም፣ እቶም ሰለስተ ክድሕኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 5 ካልኦት ግን ድሃዮም ከምዝጠፍአ’ውን ይዝከር። ብተወሳኺ 170 ሬሳታት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተረኺቡ ምንባሩ፣ መርመራ ፖሊስ ሃገረ ጥልያን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንስደተኛታት በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳ ንኸብጽሑዎም መለሳ ገንዘብ ውሽጣዊ ኣካላት ከምዝቕበሉዎም ምሕባሮም’ውን ገለ ካብቲ ዝተሰነደ ዜናታት ኢዩ። ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ነበር ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ መዋእል መሃንሾ ምስ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ንብልሽው ኣሰራርሓ ኮምሽን ስፖርት ዘቃላዓሉ ዕላል፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ብዘስደምም ናህሪ ዓብዩ ከምዘሎ ኣረገጊጹ ምንባሩ’ውን  ከምኡ።

ኣብ’ተን ናይ መወዳእታ መዓልታት ወርሒ ታሕሳስ 2014’ውን ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ብዝተኸስተ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ህይወት  ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። እቲ ኣብቲ መዓስከር 17 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ድሕሪ ምማቶም ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት፣ ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ድሕሪ ምስምዖም፣ “እንታይ ረኺቡዎም” ዝብል ሕቶ ስለዘልዓሉ ኢዩ ተኸሲቱ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ንገዛእርእሶም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዮም፣ ኩነታቶም ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ወሪዱ፣ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክምለሱሉ ዝኽእሉ ዕጫ ኣብ ርእሶም ተጻዒኑ፣ መጻኢኦም ብቤት ፍርዲ ክውሰን ምዃኑ ተሓቢሩዎም ሰንፈላል ኮይኖም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ ሰለስተ ኣሕዋት ዝርከቦኦም 15 ንስግረ ዶብ ክወጽኡ ከለዉ ናይ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን መርድእ’ውን ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ዘሰንበደ ተወሳኺ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ።

ብዝሒ ብዘይመሰነይታ ኣብ ቃፍላያት ስደት ተሳፊሮም ዝጓዓዙ ኤርትራውያን ቆልዑ ዘታሓሳሰባ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሸይላ ቢ. ኪታሩስ፣ “ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክንደይ ምዃኖም’ምበር ክሰግሩ ናይ ዝፈተኑ ብዝሒ ክንደይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” ክትብል ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ክትስሕብ ከላ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሃገረ ጥልያን ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ክስንጥቑ ብናይ ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሒ ከምዝደንጸዎ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ብመሰረት መግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ መብዛሕትኦም ዜጋታት’ታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሶርያን ኤርትራን ዝኾኑ 167,462 ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ። ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዛ ዓመት 37,000 ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ድምጺ ተቓውሞ ኣንጻር ውልቀ ምልክን ደለይቲ ፍትሕን

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት፣ እቲ ኣቦ ሓድነት ብዝብል ቅጽል ስም ክፍለጥ ዝጀመረ ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ነቲ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘበራበረ ዑደት ሓድነት ብምቕጻል፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ከተማ ሚላኖ፣ ሮተርዳም ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕ.መ.ኣ.፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ መስራትን ኣሳናዳእን ኣሰና ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ ድማ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ’ተን ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ዘይበጽሐን ገለ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ከተማታት ህዩስተን፣ ቺካጎ፣ ኢንድያናፖሊስ፣ ስያትል…) ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ቶሮንቶን ምዕራባዊ ካንዳ ኣውራጃ ኣልበርታን ንምምስራት ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ምጥርናፍ ንለውጥን ምትርናዕ ተራ ማዕከናት ዜናን ኣመልኪቱ፣ ክልቲኦም ኣብ ሓድነት ዘተኮረ ተማላልእን ደራኽን  ሰሚናራት ኣካይዶም።

ሓደ ካብ’ቶም ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ኹሉ ኣዛረብትን ኣደነቕትን ኮይኖም ኣብ ኣሰና ዝተመዝገቡ ፍጻመታት ጉዳይ ደጀን ዓንደ ሕሸል ኢዩ ነይሩ። እቲ ን15 ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ተመቑሑ ዝነበረ ዕባይ ሳሕል ምኩር ፓይሎት መንእሰይ ደጀን ዓንደ ሕሸል (ሰባር ካርሸሊ) ምቑሕ ምልኪ ሰይሩ ነብሱ ነጻ ብምውጻእ ምስ ድምጺ ኣሰና ዘዕለለላ ዓመት’ያ ነይራ 2014 ዓ/ም። ደጀን ንብዙሓት ፍናን ዘስነቐ፣ ሕጊ ኣልቦነት ስርዓት ኢሰያስ ዘቃለዐ፣ ኣዝዩ መሃርን መሳጥን ዕላል ኣካይዱ ምንባሩ’ውን ይዝከር። ወ/ሮ በኺታ እድሪስ ዑመር (በዓልቲ ቤት ስዉእ ሓርበኛ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ) ብወገና ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበረቶ መሳጥን ንልቢ ኹሉ ደላይ ጽቡቕ ዝተንከፈን ዕላል ንሓድነትን ግብራውነትን ዝጽውዕ ረዚን መልእኽቲ ኣማሓላሊፋ ነይራ።

ኣብ ግንቦት 25፣ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሃዋርያዊ መልእኽቲ  ኣመሓላሊፎም። እቲ መልእኽቲ ድማ ሓደ ካልእ ልቢ ኤርትራውያን ዘነቓነቐን ሓበን ዝኸደኖምን፣ ንሓያለ ኣዋርሕ ብዙሕ ዘዛረበ ጉዳይ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመልክዕ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተጠርኒፎም ብመምርሒታቶም ተቐይዶም ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከካይዱ’ውን ተራእዮም’ዮም። እቲ ዝፈጠሩዎ ባይታ ፍልጠት ሓድሕዶም ኣዕብዩ፣ እምነት ሓድሕዶም ክድልድል ርሒብ ዕድል ስለዝፈጠረሎም ከኣ ክስውዱን ንኻልኦት ብዙሓት ኣርኣያ ክኾኑን ይርኣዩ ኣለዉ። ‘ስቶፕ ናሽናል ሰርቪስ ስለቨሪ’ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ጉጅለ ኤርትራውያን ተናጣጠፍቲ፣ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. (ውድብ ሕቡራት ሃገራት) ተረኺቦም ስርዓት ህግደፍ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከቃልዑ ከለዉ፣ በቲ ስርዓት ንዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ ሓደ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝተዳለዉሉን ዘጓሳጎሱሉን መደብ ብዝግባእ ዝተፈጸመ ዕዉት ዕማም ምንባሩ ድማ ኣብ ባይታ ዝተመስከረ ሓቂ ኢዩ። ኤርትራውያን ንካናዳዊት ኩባንያ ዕደና ኔቭሱን ጉልበት ኤርትራውያን ብምምዝማዛን ብዝፈጸመቶ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ክሲ መስሪቶምላ። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተፍላለየ ኩርናዓት ዓለም ብመንገዲ ሰላማዊ ሰልፍታት ንስርዓት ኢሰያስ ምቅዋም ምቕጻሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ፌስቲቫል ቦሎጃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፔዱዛ ዝተገብረ ዳንኬራ፣ ኣብ ጒፒንገን (ጀርመን) ድማ ኣብታ ከተማ ንዝተኻየደ ጽምብል ሃማደኤ፣ ኣብ ዴንማርክ ድማ ነቲ ብኣገልግሎት ኢምግረሽን ዴንማርክ ዝወጽአ ጸብጻብ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣንጻር ምልኪ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም።

ዜና ዕረፍቲ ሓርበኛታት ተቓለስቲ

ኣብዛ ዓመት ንኽሳብ 40 ዓመት መሬት ዓዶም ዘይረገጹ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ዘፋነናላ ዓመት ኢያ ነይራ። ፍሉጣትን ህቡባትን ሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣሕመድ ናስር፣ መዋእል መብራህቱ፣ ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ዑመር ጃብር ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ድስኩል ውሽጣውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ስርዓት ኢሰያስ፣ ንምንጣፉ ዝተገብረ ጻዕርን ማሕበረሰብ ዓለምን

2014 ዓመተ-ምህረት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ካብ ድስኩል ናብ ንጡፍ ንምስግጋር ዝክኣሎ ዝፈተነላ ዓመት ኢያ። እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገጽ ምስ ከልኣቶ ምድንጋጽ ጸላእታ ክኸስብ ካብ ከም በዓል ኣሕመዲነጃድ ናይ ኢራንን ፑቲን ናይ ራሻን እናቐድሐ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ መጋባእያታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ካብኡ ኣይትሕለፉ መደረታት እናሃበ ፍሉይ መሲልካ ምርኣይ ከም ሜላ ዲፕሎማሲ ዝተጠቕመሉ ኢሰያስ፣ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ፈጺሙ ተነጺሉ  ኣብ ውጹእ ድስካለ ምስ ጥሓለ፣ ልኡኻቱ ናብ ራሻ ብምስዳድ፣ “ራሻ ከም ዓባይን ጸላዊትን ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ተራ ክትጻወት ባህጊ ኣለና” ብምባል’ዩ በቲ ሓደ ንፑቲን ክሓባብል በቲ ካልእ ከኣ እንተኾነሉ ንኦባማን ኣዕሩኽቱን ብምቑጣዕ ሓያል መሲሉ ክርአ ክፍትን ተራእዩ። ሄርማን ኮሀን ዝርከቦም ኣመሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ንኤርትራ ካብ ቀዝሒ ዲፕሎማሲ ከውጽኡዋ ምብጋሶም ምስ ገለጹ ግን ኢሰያስ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፣ ዲፕሎማሲና መዓስ ዶ ኸ ደስኪሉ ነይሩ’ዩ ዝሕመረቱ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ምስቲ ኣቐዲሙ ብመንገዲ ልኡኻቱን ኣጫፈርቱን ዝወሰዶ ስጉምቲ ክጋራጮ ተሰሚዑ።

በቲ ኮይኑ በቲ እታ ዓመት ዲፕሎማሲ ስርዓት ኢሰያስ መሊሱ ክድስክል’ምበር ካብ ድስኩል ናብ ንጡፍ ክሰጋገር ኣይርኣየትን። ኣብቲ ድሒሩ ኣብታ ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ክካየድ ዝተወጠነ መራሕቲ’ታ ሃገርን ኣፍሪቃውያን መራሕትን ክሳተፉዎ ምዃኖም ዝተነግረሉ ፈላሚ ኣኼባ ከይተዓደሙ ዝተረፉ ድማ መራሕቲ ኤርትራ፣ ሱዳንን ዚምባብወን ነይሮም።

ልኡኻት ስርዓት ኢሰያስ ኣብታ ሃገር ኣብ መደበር ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብቲ ኣብ ቦሎኛ ከካይዱዎ ዝሻባሸቡ ዝነበሩ ፌስቲቫል 40 ዓመት ክሳተፉ የጓሳጉሱዎም ምንባሮም ኣብ ግዚኡ ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ’ቲ እዋን ኣሰና ንወሃብቲ ድምጺ፣ “ኣብ መደብ ጽምብል መበል 40 ዓመት ፌስቲቫል ቦሎኛ ስርዓት ኢሰያስ መርገጺኻ እንታይ’ዩ?”  ዝብል ሕቶ ኣቕሪባትሎም ምንባራ ይዝከር። ካብ’ቶም ድምጺ ዝሃቡ፣ 83% ይኹንኖ ክብሉ እንከለዉ፣ 13% ይድግፎ፣ እቶም ዝተረፉ 4% ድማ ሓሳብ የብለይን ክብሉ ርእይቶኦም ከምዝሃቡ ይፍለጥ።

ስርዓት ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከምዝኽዓቦ ዝጠፍኦ ኣይኮነን። ብምኽንያት ፌስቲቫል 40 ዓመት ኣሳቢቡ ኣብ ቦሎኛ  ዳንኬራ ዝገበረ ከኣ ተረፍ መረፍ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ክምኣርር፣ ብናፍቖት ሃገሮም ተዳፋፊኦም ዝጽምበሩዎ ዜጋታት ሃሰው ክብል ስለዝሃቀነ ኢዩ። ነቲ ሕዱር ናይ ቃልስን ሓበንን ደርፍታት እናስማዕካ ታሪኻዊ ርእሰማል ህዝቢ ኤርትራ ናብ ረብሓኻ ናይ ምውዓል ሜላ’ዩ ሽዑ’ውን ክጥቀመሉ ፈቲኑ።

እዚ ከምኡ ኢሉ ከሎ፣ ማዕከናት ዜና ዓዲ ጥልያን ህልቂት ላምፔዱዛ ብምዝካር፣ “ህልቂት 3-ጥቅምቲ ደጊም ተረሲዑ ቦሎኛ ግብዣ ውልቀ ምልኪ ኤርትራ ተአንግድ” እናበላ ነቲ ዛዕባ ሰፊሕ ሸፈነ ሂበኖኦ ቀንየን ነይረን።

መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ስርሑ ከምዝጀመረ ክግለጽ እንከሎ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘንፍጽ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ብግዲኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናብ ላዕለዋይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዱ ዊጥ ብምባል፣ “ላዕለዋይ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ሽግር ዘይሕጋዊ ስደት” ክብል   ስግንጢራዊ ወቐሳ ከቕርብ ተሰሚዑ።

Charge d’ Affaires ኤምባሲ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ኣስመራ ጆን ሁቨር ብምኽንያት መበል 238 ጽምብል ምእዋጅ  ናጽነት ሃገሩ ሚኒስተራትን ሰበስልጣንን ስርዓት ህግደፍ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፣

“ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ጸብጻባት ከምዘምልክቱዎ፣  ኣብ ታሪኽ ቀረባ እዋን እተን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባተን ይኹን ምስ ጎረባብተን ኣብ ዘለወን ዝምድናታት ብቐጻሊ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ምምንጫው ብዝበለጸ ዝተዓወታ፣ እተን መሰል ውልቀ ሰባትን ህዝብታተን መንግስታቶም ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ናይ ምልዋጥ መሰልን ንምምዕባልን ንምውሓስን ዝጽዕራ ሃገራት ኢየን” ክብል ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ግን ከኣ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ኮኒኑ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ እታ ዓሚ ንቆንስል ስርዓት ህግደፍ ዘባረረት ሃገረ ካናዳ ኣብ 2014 ሳላ ዘይሕለል ጻዕርን ተወፋይነትን ኤርትራውያን ካናዳውያን ተጠበቕቲ መሰላት፣ እቲ ስርዓት ንኤርትራውያን ካናዳውያን ኣስገዲዱ ዘኽፍሎም ግብሪ ምእካብ እንተቐጺሉ ግብራዊ ስጉምቲ  ክትወስድ ምዃና ከምዘጠንቀቐት ይዝከር።

ዩኤንዲፒ (UNDP) ኣብ ዘቐረቦ ናይቲ ዓመት ሰብኣዊ ምዕባለ ዘርኢ ጸብጻብ ምስ እንምልከት፣ ኤርትራ 0.381 ብምምዝጋብ ካብ 187 ሃገራት ኣብ መበል 182 ተሰሪዓ ንረኽባ።

ህዩማን ራይትስ ዋች መርመራ ኣገልግሎት ኢሚግረሽን ዴንማርክ ዘቕረቦ እታ ሃገር ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ነቲ ዝጸንሐ ፖሊሲ ምቅይያራት ክትገብረሉ ዝጠልብ ርእይቶ ዝንቡዕ ምዃኑ ብምውቃስ፣ “ስደት ንምጉዳል ዝተወስደ ፖለቲካዊ ፈተነ’ምበር፣ ከነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘርኢ ቅኑዕ ገምጋም ኣይኮነን” ክብል ኮኒኑዎ።

ብኻልእ ወገን ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ምዕራባውያን ኩባንያታት ዕደና ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ዕደና ኣብ ዘስካሕክሕ ጊላነት ብምጽማድ፣ ወርሓዊ 5000 ሰባት ካብ ሃገሮም ዘንፍጽ ዘሎ ዋሕዚ ስደት የጋድዱዎ ብምህላዎም ክወቕሱዎም ከለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሸይላ ቢ. ኪታሩስ ነቲ ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትግምግም ከፍቅደላ ጸዊዖም።

ኣብ ጉዳይ ስፖርት ሓደ ኣብ እዋኑ ኣዛራቢ ዝነበረ ዛዕባ፣ ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስሓባ ክኸውን እንከሎ፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ኤርትራውያን ካብ’ታ ኣብ ሃገረ እስራኤል ትነብር ስደተኛ ብምዃና ተዓዋቲት ኮይና ከተብቅዕ ሽልማት ዝተነፍጋ ትሕቲ ዕድመ ጎያዪት ራሄል ገብረጻድቕ ኣትሒዝካ፣ ክሳብ’ቶም ኣብ 2014 ኣይ.አይ.አይ.ኤፍ፣ ካልኣይ፣ ራብዓይን ሓሙሻይን ብምእታው ብዘዋህለሉዎ ድምር ግዜ ንጋንታ ኤርትራ ተሸላሚት ወርቂ ብምግባር፣ ሳሚኤል ጸጋይ፣ ዘርእሰናይ ታደሰን ንጉሰ ኣምለሶምን ንኤርትራውያን ጸባ ኣስትዮሞም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣትሌት ንጉሰ ኣምለሶም ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10ሽሕ ሜትሮ ናይ ሻምፕዮናት  ቅድድም ኣፍሪቃ ወርቂ መዳልያ ብምሽላም ታሪኽ ሰሪሑ ኢዩ።

 

እምብኣር ኣብ መወዳእታ ሓደ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ክንሰናበት። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፣ ብሰንኪ ዘለዎም ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ተኽእሎታቶም ድሩት ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ። ነቲ ከድምዑሉ ዝኽእሉ ኣድላዪ ምድላዋት ገይሮም፣ ክፉት ልብን ኣእምሮን ሒዞም፣ ክሳተፍ ንዘድልዮ ኣካል ካብ ምልላይ ሽግራት ኣትሒዙ ዘሳትፍ ኣታባባዒ ባይታ ብምፍጣር እንተተበጊሶምሉ ዕዉት ስራሕ ክስራሕ ይኽእል ኢዩ። ናይ ሓበሬታ ኣህላኽነት ካልእ ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ዝያዳ ምስ ዉዑያት ዛዕባታት ዝኽሰት ተርእዮ፣ ሓደ ሓበሬታ ኣኳማሲዕካ ካልእ ዝኳማሳዕ ሓድሽ ምድላይ ከም ኣመል ስለዝሓዝናዮ፣ ሓበሬታ ንስለ ምርካቡ ንደልዮ ኢና ንመስል ዘለና። ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ እምነኹርናዕ ክኾኑ ዝግብኦም ብሉጻት ዕድላት ከምልጡና ዝነብሩ ዘለዉ ከኣ ንወሳኒ ሓበሬታ ወይ ዝተረኽበ ናህሪ (ሞመንቱም) ዓቒብና ካብኡ ሓሊፍና ስጋ ኣልቢስና ናብ ትግባረ ኣብ ክንዲ ምጉያይ፣ ከም ብዕሪር ሽኮሩ ምስ ወደአ ክንተፍኦ ክንጽበ ንነብር ስለዘለና ከይኮነ ኣይተርፍን። ንቕሓት ዜጋታት ብምዕባይ፣ ምትእምማን ሓድሕድ ብምሕዳስ፣ ዉሁድ ናይ ሎቢ ስርሓት ብምስልሳል ነታ ድሮ ጸቢባ ዘላ መሸንቆቛ ዕሉል ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኣብ ምጽባብ ነቲ ተዓሚሙ ዘሎ ምድራዕ ወሳኒ ይኸውን። ዉሱንን ንጹርን ዕላማ ዘለዎ፣ ዝተዋሃሃደን ሰፊሕን ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዘሎ ህዝቢ ሞራል ምስናቕን ድርኺት ምፍጣርን’ውን ከምኡ። ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ራኢኦም ኣነጺሮም፣ ቀዳምነታቶም ኣስተኻኺሎም ንሓድነት ቅድሚ ኩሉ ሰሪዖም ንናይ ሓባር ዕዮ እንተተበጊሶም ንቕድሚት ክምርሹ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ድልዱል ምትእስሳር ብምፍጣር ንኣድላዪ ሓበሬታን ሓገዝን ካብን ናብን መንገዲ ክኸፍቱ እንተኽኢሎም ንተኽእሎ ለውጢ ከዕብዮ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኢዩ።

ብቐንዱ ንሕና ኤርትራውያን ሰነፋት ኢና ኢልና ማሕበረ ሰብ ዓለም ከድሕነና ንጽበ እንተኾይና፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንረኽቦ ምጽወታ ድንጋጸ ጥራይ ምዃኑ ክንግንዘብ የድልየና። ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ብተዳጋጋሚ ግዜ ከምዝርኣናዮ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንሓያል ሓይሊ ክትውስኸሉ ከላ፣ ኣስሊጣ እንተተባሂሉ ንድኹም ንኽሰርር ዘድልዮ ኢያ ትተዂበሉ። ንናጽነት ሓደ ህዝቢ ደው ዝብል ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘይኮነ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ኢዩ።

ኣሰና

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT