Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቁራዕኪ እናሓረረ ቁራዕ እንዳማትኪ ምክዋስ መዓስ ኢኺ ትገድፍዮ

ጋዜጣ ጉጅለ ህግዲፍ(ሓዳስ ኤርትራ) ኣብ ናይ 28 መጋቢት ዜና ወጻኢ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዝነበሩ ሓንቲ ኖርወጅያዊትን ሓደ እስራኤላውን ሓንጢጣ።ኣብቲ ዜና ተባሂሉ ዝሰፈረ ብስእሊ እቶም ክልተ ወጻእተኛታት ዝደመቐ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ። ኣብ ምስሪ፡ምድረበዳ

ጋዜጣ ጉጅለ ህግዲፍ(ሓዳስ ኤርትራ) ኣብ ናይ 28 መጋቢት ዜና ወጻኢ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዝነበሩ ሓንቲ ኖርወጅያዊትን ሓደ እስራኤላውን ሓንጢጣ።ኣብቲ ዜና ተባሂሉ ዝሰፈረ ብስእሊ እቶም ክልተ ወጻእተኛታት ዝደመቐ ጽሑፍ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ኣብ ምስሪ፡ምድረበዳ ሲናይ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝጸንሑ ሓደ እስራኤላውን ሓንቲ ኖርወጅያዊትን ተለቒቖም።እቶም እስራኤላውያን በጻሕቲ ሃገር ብኸመይ ከምእተፈትሑ ዝተፈልጠ ነገር እካ እንተዘየለ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከይተኸፍለሎም ክልቀቑ ከምዘይክእሉዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ።ኣብቲ ቦታ ካብ ቀደሙ ዝጸንሐ ዘይርጉእ ኩነታት ጸጥታ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሙባረክ እናገደደ ምምጽኡ ይፍለጥ።ኣብቲ ንምስሪ ምስ እስራኤል ዘዳውባ ምድረበዳ መጭወይቲ በጻሕቲ ሃገርን መሸጣ ሰብ ንሰብን ቅትለትን ኣዝዩ ገኒኑ ምህላው ው.ሕ.ሃ. ጸብጻብ የመልክት።

ነዚ ዜና ዘንብብ ኤርትራዊ ንምትንታን ርቀት ዘድልዮ ኣይመስለንን።

1.ዝተጨውዩ ክልተ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታት ከምዝኾኑ ተጠቒሱ፡ቀጺሉ ድማ እቶም እስራኤላውያን በጻሕቲ ሃገር ተባሂሉ ንምንታይ ዕላማ?

2. ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከይተኸፍለሎም ክልቀቑ ከምዘይክእሉዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ ተባሂሉ።መንዮም ተዓዘብቲ?ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክንደይ ኢዩ?ሚሊዮን?ቢልዮን?

3.ኣብቲ ንምስሪ ምስ እስራኤል ዘዳውባ መጭወይቲ በጻሕቲ ሃገርን፡መሸጣ ሰብ ንሰብን ቅትለትን ገኒኑ ከምዘሎ ው.ሕ.ሃ. የመልክት።መንዮም ዝተጨውዩ፡ዝተሸጡ፡ዝተቐትሉ?

ኣብታ ቀዳመይቲ ነጥቢ እስራኤላውያን ምባሉ፡ዜጋታት እታ ዓባይ ሃገር ካብ መጭወይቲ ኣይድሕኑን ኢዮም ንምባል ኢዩ።

ካልኣይትን ሳልሰይቲን ነጥቢ ድማ ዝተጨውዩ ሰባት ገንዘብ ከፊሎም ኢዮም ዝልቀቑ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ኤርትራውያን ገንዘብ ከፊሎም እንተወጽኡ ንቡርዩ ንምባልዩ። ድሕሪ ውድቀት ሙባረክ መጭወይቲ ከምዘገነነ ምግላጽ ድማ፡ኢሳያስ ኣፈውርቂ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ናብ ው.ሕ.ሃ. ብዛዕባኡ ተዛሪቡስ ተሰማዕነት ረኺቡ ንምባል ኢዩ።ሽግር ኤርትራውያን ግን ቅድሚ ምውዳቕ ሙባረክ ዝጀመረን ብዝኸፍአ ደረጃ ዝቕጽል ዘሎንዩ።

ዘይከም እተን ሎኹመኛታት ኣፍ ህግዲፍ፡ እቲ ሓቀኛ ኩነታት ናይቲ መጭወይቲ ማዕከናት ዜና ኖርወይ ሞያውን ሰብኣውን ሓላፍነት ደሪኽወን ተኸታቲለን የቕርባኦ ኔረን።

ዓርቢ 22 መጋቢት ሓንቲ 31ዓመት ዝዕድሚኣ ኖርወጅያዊት ኢንግቪልድን 34 ዝዕድሚኡ እስራኤላዊ ኣሕመድን ብታክሲ እናተጋዕዙ ኣብ ሲናይ ኣብ መንጎ ታባን ዳሃብን ዝተባህለ ቦታ ተጨውዮም።

ኣምባሳደር ኖርወይ ኣብ ምስሪ ብዛዕባቲ ኩነታት ምስ ተነግሮ ምስ መንግስቲ ምስሪ ተራኺቡ ምሉእ ለይቲ ዘትዩ።

ዮሩሳለም ፖስት ድማ ሰበስልጣን ጸጥታ እስራኤል ምስ መዘናታቶም ምስራውያን ንምፍታሕ ዝተጨውየ ዜጋኦም ርክብ ከም ዝጀመሩ ገሊጻ።

እቶም ገጾም ብማስኬራ ሸፊኖም ዝጨወዩ ሹዱሽተ በደዊን ብመንገዲ መራኸብቲ ኣቢሎም ኣብ ካይሮ ብመሸጣ ሓሽሽ ተኸሲሶም ንዝተኣስሩ ክልተ ኣሕዋቶም ክፍትሑ ጠሊቦም።

ኣሕመድ ጢቢ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ እስራኤል(ክነሰት)፡እቲ ምይይጥ ይካየድ ከምዘሎ ንተለቪጅን ኖርወይ ሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ ሞባይል ተለፎን እታ ኖርወጅያዊት ተጠቒሞም ንኣምባሳደር ኖርወይ ኣብ ካይሮ ከምዝሓበሩ ገሊጾም።

ናጻ ጋዜጠኛ(ፍሪ ላንሰር)ፋድል ፋህሚን ስድራቤት እቲ እስራኤላውን እቶም ጂሆታት ጽቡቕ ተታሒዞም ከምዘለው ገሊጾም።እቲ እስራኤላዊ ንቤተሰቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጥዕናኡ ጽቡቕ ከምዘሎን ክቐስኑን ሓቢርዎም።

መንግስቲ እስራኤልን ኖርወይን በብወገኖም ብዝገበርዎ ጽዑቕ ምክትታል ድማ እቶም ክልተ ሰባት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ነናብ ሃገሮም ብሰላምን ብዓጀባን ተመሊሶም።ኖርወጅያዊት ኢንግቪልድ ሓኪም ህጻናት ኢያ።ንሳ ናጻ ምስተለቀት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ሓዲሽ ስረን ሳእንን ከምዝተዋህባን መግቢን መስተን እውን ብዝግባኣ ይቐርበላ ከምዝነበረ ሓቢራ።ወለዳ ድማ ኣብ መጀመርያ ተሻቒሎም ከምዝነበሩን እንተኾነ ኣብ መንግስቶም ብዘለዎም ምሉእ እምነት ጋሎም ብሰላም ከምእትመጾም ትጽቢት ከምዝነበሮም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ነዞም ጂሆታት ንምፍታሕ ዝተኸፍለ ገንዘብ ከምዘየልቦን እቶም ጨወይቲ ድማ ከምዘይተኣስሩን ጋዜጣታት ኖርወይ ነቲ ንህዝቢ ኣሻቒሉ ዝቐነየ ፍጻሜ መደምደምታ ገይረናሉ።

ኖርወጅያዊት ኢንግቪልድን እስራኤላዊ ኣሕመድን ክዛወሩ ኢዮም ተጨውዮም።ኤርትራውያን ግን ከም ጠለበጊዕ ተሸይጦም ከምዝመጽኡን ኣገዳሲ ክፋል ውሽጣዊ ኣካሊቶም ከም መቀያየሪ ማኪና ይጥባሕ ኣሎ።ኢንግቪልድ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በደዊን መልሓሳ ኣሕሪሮም ኣማሲኖም ዝቐተልዋ ቆራጽ እግራ ሕርይቲ እንተትርእይስ እንታይ ምበለት?ኣብ ሲናይ ዕሸላት፡ጎራዙ፡መንእሰያት፡ኣረጋውያን ብኻራ ክዝልዘሉ ብዝረሰነ ሓዊ ክትኮሱ ዘይሰምዐ ኤርትራዊ የልቦን።ማዕከናት ዜና ዓለም ቢቢሲ፡ሲ.ኤን.ኤን. ፡ኣልጀዚራን ካልኦትን ሞትን ሕልፈትን ኤርትራውያን ጽሒፈናሉ።ሳላ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ኣሰና፡ኢሪናን ድማ ኣውያት ግዳያት የስምዓና ኣለዋ።ኣፍ ህግዲፍ ግን ብጸበባ ኤርትራውያን ይዋራዘ ኣሎ።ስእሊ እስራኤላዊን ኖርወጅያዊትን ጸቢቑሉ ኣብ ጋዜጣኡ ጠቒዕዎ።ስእሊ ዝተባላሸወ ሬሳ ኤርትራውያን ግን ኣብ ሲ.ኤን.ኤን ሪእናዮ ። ጉጅለ ህግዲፍ ብንጹሃት ኤርትራውያን ክሳብ መዓስዩ እናሽካዕለለ ክነብር።

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • abebahagos17 March 31, 2013

    ASHA SEBEYTS WEDI HAMUTA ZEY WEDA YMESLA

  • kemal March 31, 2013

    Yes,it is a noble idea Assenna to unfold some of the 03 tactics and tricks like you mentioned here, the system is dead and they knows it more than any one else but they desperately trying to buy time by just playing around some innocent and less unconscious part of our society. This was partly due to the luck of exposure, hijacking the free media and suffocate our people in side/ public by just feeding meagerly from your old tricks…Enough is enough , this time let alone what they did, and what they are doing we manage to sniff what they are trying to saw before hand. Great job assenna.

  • Michael March 31, 2013

    Good anaysis, well done Assenna. SHABIA government are trying their best to deceive the people however nobody is buying it nomore otherthan their supporters who are not alot compared to the whole population. This story they published on their newspaper goes to show what kind of animals they are. In addition they are holding a conference in the name of YPFDJ in the UK so they can divide and polarise Eri communities in diaspora. This is being done so they could stay in power. This is another opportunity for their supporters to figure out what kind of governemnt they are giving support to and hopefully realise that before it is too late. HGDEF supporters please bear in mind the huge number of youngsters who payed their life so we can have a country which upholds the rule of low and based on democracy. This governemnet on the other hand is killing its people and only cares about its power. Hope God get us out of this misery sooner, God bless you all

  • semere March 31, 2013

    wey gud derhos b amut deka tsawet

  • OROMAI ERITRA March 31, 2013

    እታ ጋዜጣ ህግደፍ ብምልእታ ኣየንበብኩማን እምበር እቲ እስራኤላውን እታ ጓል ኖርወይን ብሲናይ ጌሮም ኣብ ኤርትራ ዑቕባ ክሓቱ እዩ ኔሩ መደቦም።እቲ ጋዜጣ ቀጺሉ ከም ዝገለጾ በቲ ኣብ ኖርዌይን እስራኤልን ዘሎ ናይ ደቂ ሰባት ምህሳይ መሰል ሃዲሞም ናብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኢዶም ክህቡ እዩ ኔሩ መደቦም____ብድንገት ግን ሲ ኣይ ኤን ወያነን ብዝልኣኽዎም በደዊን ከም ዝተጨውዩ እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣ ኣብ ሓተትኡ ኣቕሪብዎ ኣሎ።____ምንጪ ሓትነይ ጀዊዓ ካብ ኣባሻውል

    • Keren March 31, 2013

      Ormai you are so funny, be serious though, it is sad that PFDJ are always in the cover up mode.

      • OROMAI ERITRA April 1, 2013

        Keren ,

        Plight is expressed in a different way ..one of the main & effective tool is Satire & may I add I do it in a brilliant manner.

        when ypfdj read it,you would be surprised it could touch one or two.

  • Kifle Gebre April 1, 2013

    It is incredible that people from Nerway and other European countries will go to Eritrea to ask refugee. joking is becoming easy for Shabians. Shabians took already the Arabic name with an African faces. It will be good to annihilate shabians out of the surfaces of the earth. The bastards of African continent.

  • fthawi April 1, 2013

    OROMAI i LOVE U

    • OROMAI ERITRA April 1, 2013

      Fithawi ,

      You are brilliant for admiring my brilliant satire. I have commented another about “auntie JewiAAA…please do not misunderstand it to be cruel ..it was meant to bring the Eritrean hunger on the surface.

      hawka

  • ahmed saleh April 1, 2013

    They have a working government who represent its people . period . But poor Eritreans ……..

  • eru April 1, 2013

    dogol derar tedoqilka mut emo ezi endasmu kof zyblu ab hagrom men gididu awtsewom kab ab eritrea zelo serah zekfe seb zysrho endyom desrhu zelow kab adom mes wetsu kebrom ab dadom kof yehshom kab be bedwen mekrom zeru meknyatu yetsemti seweat regitsom eyom zewetsu zelowo ezi eqa keklomm

  • Harnetna 2013 April 2, 2013

    my name is Harnetna 2013, As you can see HGDF has remain with its top false propoganda. Change should come from anywhere, HGDF has no power and will stay with its false hope and false propaganda,
    the solution is to finish the mad dog Isaias wedi medhn berad and his puppet Yemane Monkey

Post a Reply to eru Cancel Reply