Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት” – [ሳታየር]

"ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት" [ሳታየር] መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና? ኢሰያስ፡ እወ

ቃለመጠይቕ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብምኽንያት ጎዶሎ ናጽነት

[ሳታየር]

መሰለይ፡ መጀመርታ ንዝሃብካና ጊዜ ነመስግን፡ ፈለማ ኩነታት ሃገርና ድሕሪ 22 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸልና?

ኢሰያስ፡ እወ … ሕጂ ምሉእ ስእሊ ክህልወና ምእንቲ ድሕሪት … ተመሊስና … ኣብ እዋን ውዑይ ኩናት እቲ ረስኒ ክሳብ ክንደይ ነይሩ? ነቲ ሓዊ መን ኣሳዊርዎ? ድሕሪ’ዚ ዝሑል ኩናት መጺኡ … ንምንታይ ዚሒሉ? ናብ በረድ ተቐይሩዶ.: አንታይ ሳዕቤን’ከ ነይሩዎ እንተ’ልና …. ኣነ ሕጂ እዝን እትን ክብል ኣይደልን’የ … ኣብኡ ዝነበሩ ይፍልጥዎ። እቲ ሕቶ ንዓና’ዚ ብኸመይ ይጸልወና አዩ። ብቐንዱ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ምብራቕ ኣውሮጳ አቲ ዛሕሊ ናብ ብረድ እንተ ተቐይሩ … ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዛሕሊ ይህሉ….መንግስቲ ነዚ ንምብዳህ…..እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና ….

መሰለይ፡ እዞም ዝጠቐስካዮም ምስ ህዝብና አንታይ ምትእስሳር ኣለዎም?

ኢሰያስ፡ ብቐንዱ …. ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ነገር … ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ይነብር ኣሎ ክበሃል ኣይካልን’ዩ። መብዛሕትኡ ኣብ’ዘን ዝጠቐስኩወን ሃገራት አዩ ዘሎ … ስለዚ …. ኣቶኩሮና ኣቡኡ … ከምኡ ክኸውን ኣልዎ … እቲ ዝተረፈውን ምኻዱ ኣይተርፎን’ዩ …. ምቁራጽ ኣገልግሎታት ማይን … መብራህትን’ውን ምስዚ ዝተኣሳስር’ዩ።

መሰለይ፡ ቀይሕ ባሕሪ ከሎናስ ህዝብና ዓሳ ሓሪምዎ ዝብሉ ኣለዉ፡ እንታይ ትብሎም?

ኢሰያስ፡ ኣነ የዋሃት አየ ዝብሎም … ብመጀመርታ ቀጻሊ ተጻብኦ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንዓሳታትና … ብመራኽብ ኮብኪብኪቦም … ንማአላይ ባሕሪን … ከምዝስደዱ ጌሮም … ድሓር ከኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ …. ዝበዝሕ ህዝብና …. ኣብ ስደት እዩ ዘሎ … ዓሳ ሓሪምዎ ዝብል ነቲ ዘዕቆቦም ሃገር ዘጸልም’ዩ … እቲ ዝርካቡ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ከኣ … ሸውሃት ዘለዎ ኣይኮነን …….

መሰለይ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ብረት ክዓጥቕ ንምንታይ ኣድልየ?

ኢሰያስ፡ አወ … ሕጂ ካብ 1993 ጀሚሩ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝመጽአ ተጻብኦት ቀሊል ኣይኮነን …. አዚ ናይ 21 ጥሪ ተርእዮ’ውን … መቔጸልታ ናቱ’ዩ እየ ዝብሎ ኣነ … እዚ እዋን’ዚ ዘተኣማምን ኣይኮነን … ትኣምኖ ኮለኔል የለን … ኣነ ዕድለኛ ኮይነ እምበር እዛ ኩላ ዉልቀ መላኺ ተዓልያ እንድያ…..ስለዚስ ሕማቕ እዋን ኢና ዘሎና ……..ናብ ገጽ 3

መሰለይ፡ ቅዋም መዓስ’ዩ ዝትግበር?

ኢሰያስ፡ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ጊዚኡ ኣብቂዑ እዩ … ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን … ብግብሪ … ኣብ በዓላትን ፌስቲቫላትን … ቅዋማዊ መንግስቲ ከምዘየድሊ ብጣቒዒቶምን ጭርሖኦምን ኣረጋጊጾም’ዮም … ንስኻ ጥራይ ንበረልና … ንገሰልና ይብሉ ኣለዉ …. (ስሓቕ) … ስለዚ ኣነ ቅዋም: ኣነ ህዝባዊ ግንባር: ኣነ ሃገር እየ።.

መሰለይ፡ ናይ ሕልና እሱራትከ ማዓስ’ዮም ዝፍትሑ?

ኢሰያስ፡ ቅድም ቀዳድም … ኣነ ሰብ ኣሲረ: ቀቲለ ኣይፈልጥን’የ … ብግብሪ ዝሰራሕናሉ … ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ክኣስርን ክቃተልን እዩ … ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ ዝኸውን እቲ ዝኣሰረን ዝገፍዐን ዝቐተለን እዩ…።

መሰለይ፡ መብዛሕቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ገንዘብ ህዝቢ ሰሪቖም ንብረት የጥርዩ፡ ንሱ ግን ናቱ ገዛ ከማን የብሉን ይብሉኻ?

ኢሰያስ፡ እዚኣቶም ናይ ኣእምሮ ሃሱሳትን ዕውራትን ክኾኑ ኣለዎም፡ ብመጀመርታ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓንቲ ገዛ ወይ ገንዘብ ኣብ ባንካ ይህልዎም ይኸውን፡ ኣነ ብግብሪ ዝሰራሕኩሉ ግን ኣብዚ ሃገር’ዚ ድልየተይ ክገብር ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር’ዩ። ብጭቡጥ እንተ ሪኢኻውን ኩሉ ኣባይቲ ኣብ’ዚ ሃገር ናተይ’ዩ ክብል እኽእል’የ፡ ገንዘብ ናይዚ ሃገር’ዚ ኣበይ ከምዘእትዎ ሰብ እንታይ ዝፈልጦ ኣለዎ? ንብረትን ሃብትንሲ ይትረፍ ኣነ ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ይውንኖ እየ፡ እንተ ደለኹ እኣስሮ፡ እቐትሎ፡ ዝበልክዎ እንድዩ ዝገብር፡ ስለዚ ክንዲ ናተይ ዝውንን መራሒ ኣሎ ኣይብልን’ይ ኣነ……………

መሰለይ፡ ኣስመራ ጫካ ኮይና ኢልካ ኔርካ…እንታይ ማለትካ’ዩ፡ እንታይ’ዩ ብወገን መንግስቲ ዝሕስብ ዘሎ?

ኢሰያስ፡ ማለትሲ … ካብ ጽባሕ ናጽነት … ብግብሪ ዝስራሕናሉ … መንእሰይ ኣሰመራ ወይ ኣብ ስደት ወይ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ፋሕ ክብል’ዩ … ተዓዊትናሉ ድማ … ሎሚ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን እንስሳታት ዘገዳም ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣምጺእና … ንኣሰመራ ናሽናል ፓርክ ክንገብራ … ይስራሓሉ ኣሎ ….

መሰለይ፡ ክንጅምር ከሎና … ነታ ሻሂ 4 ማንካ ሽኮር ምስ ኣእተካላስ … ሽኮር ዳኣ ኣሎድ’ዩ ኢልና…?

ኢሰያስ፡ ኣነ ናይ ሽኮር ይኹን ናይ ኣስቤዛ ጸገም ዝበሃል የብለይን … “ክሻ” ኣሎኒ ከም’ዞም … ከቢሩና … ሲእንና … ዝብሉ … ብኩፓን ዝዕደሉ፡ ለይቲ ከይዶም እንዳ ባኒ ሪጋ ዝስርዑ … ኣይኮንኩን …

መሰለይ፡ ጥዕናኻ ከመይ ኣሎ? ዝበዝሕ ሰብ፡ ተዋሊኡ፡ ተጸሊሉ፡ ዓቢዱ፡ ኣሪጉ፡ ማዳ ንማዳ ኾይኑ፡ መስጣ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ፡ ኣይቅንን’ዩ፡ ምብህራር ጀሚሩ፡ ጃጅዩ፡.ናይ ኣእምሮ ስንክለና ኣለዎ፡ ኣብቂዑ’ዩ፡ ይብሉ፡ ሓቂ ድ’ዩ?

ኢሰያስ፡ ብዛዐባ’ዚ ክዛረብ ኣይደለን’የ … ኣብ መንጎይን ሓኪመይን ዝተርፍ ጉዳይ እዩ።

መሰለይ፡ ትድቅስዶኸ ኣሎኻ …?

ኢሰያስ፡ እንተዘይድቅስ ደኣ ስለምንታይ እብህርር … መድሃኒት እወስድ … ኣብ ህልም ዝበለ ሕልሚ እኣቱ … ካብ ጎልጅ … ንገርሰት … ካብ ሳዋ … ንበይሉል … ካብኡ ኣፍሂንቦል … ካብኡ ንሄግ ነዘርላንድ … ድሕሪኡ ሳባ ከምዚ ተረኺቡ ኢላ ተተሳኣኒ …

መሰለይ፡ ኣብ መወዳእታ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍትኻ ትብሎ እንተሎካ?

ኢሰያስ፡ ኣጣቕዑ!

መሰለይ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝርካቡ ህዝቢ’ኸ?

ኢሰያስ፡ ወይ ዝበልክኹም ግበሩለይ ወይ ዓድኹም ግደፉለይ

መሰለይ፡ ወይ ጉ…ድ …. ዓዲ ተባላሽይያ!

ፎርቶ

ምንጪ፡ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰባዊ መሰላትን (ኤምዲሰም) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት መሰለይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • barnabas September 17, 2013

    መዓስ ኰን ኢና ካብዚ ንሓድሕድካ ምውንጃል ወጺእና ነዚ ፍትሒ ዝደሊ ዘሎ ህዝቢ ሓቢርና ፍታሕ ከነምጽኣሉ? እቶም ኣብ ውሽጢ ዘሎና ብስርዓት ህግደፍ ዕለት ዕለት ስቅያት ዝወርደና ዘሎ፥ ካባካትኹም ንጽበዮ ንሓድሕድኩም ምንክካስ ዘይኰነ ለውጢ እዩ እሞ፥ በጃኹም ስለቲ ለዋህ ህዝቢ ክንብል ንጸጋጋዕ

POST A COMMENT