Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃላት ሸፈጥ ንሕፍረት ህግደፍ ክዳን ኣይኮንዎን ‘ዮም! – ቃል ኣሰና

እዚ ዝሓለፈ መሪር ሰሙን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክሳብ ክንደይ ሕቖን ከብድን ኮይኖም ምህላዎም ዳግም ዝተረጋገጸሉ እዋን እዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ዓዲ ጥልያን፣ ኣብ

እዚ ዝሓለፈ መሪር ሰሙን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክሳብ ክንደይ ሕቖን ከብድን ኮይኖም ምህላዎም ዳግም ዝተረጋገጸሉ እዋን እዩ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ዓዲ ጥልያን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ (300) ኤርትራውያን ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዘኸተለ ከቢድ ሓደጋ ድቃስ ስኢኑ፣ እኽለማይ ኣብዩዎ፣ ቅልውልው ክብል ቀንዩ። ገና ‘ውን ቃንዝኡ ኣይዓረፈን።

ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ግን፣ ነቶም ኣብ መንጎ ሞትን ድሕነትን ተጎዛዝዮም ክሳብ ሕጂ ኣቓልቦ ዓለም ጸሚዶም ዝቐነዩ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ‘ታ ናይ ጥፍኣት ጃልባ፣ ንሓደ ሰሙን መመላእታ “ኣፍሪቃውያን” ኢሎም ብምኽሓድ ኤርትራዊ ትራጀዲ ከምዘይኮነ ከምስሉ ንሰሙን ተኸራኺሮም። በቲ ቁሩብ-ቁራቦ ‘ኳ ሕንከትን እስትሕያን ዘይነበሮ ኣቀራርባ  ክምዘን ከሎ፣ ንህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሕቖን ከብድን መሲልካ ጥራይ ምሕላፉ እኹል ኣይኮነን። ካብ ንብዓትን ቃንዛን ህዝቢ ኤርትራ ዝኽውሎ ናይ ጭካኔ መንደቕ ተኺሉ ከምዝቐነየ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓዘቦ ሓቂ እዩ።

እቲ ናይ ሓሶት ዛና ግን ቀጻልነት ኣይነበሮን። መልሓስ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ብነድርን ቁጥዐን ህዝቢ ኤርትራ በብቑሩብ እናተዓጽፈት፣ ካብ “ኣፍሪቃውያን” ናብ “ቀርኒ ኣፍሪቃውያን” ክትሳለ ድሕሪ ምቕናይ፣ ትማሊ 9 ጥቅምቲ “ኤርትራውያንን ካልኦትን” ምብባል ናብ ጥቓ ሓቂ ቀሪባ ክትደንን ተገዲዳ። ሽሕ ‘ኳ ራዕዲ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ማዕጸፍቲ መልሓስ እንተኣኸተለ፣ ልቦም ቀኒዑ፣ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ጥፍኣቶም ገይሮም ሓዚኖምሉ ማለት ግን ኣይኮነን። እቲ ዘውጽኡዎ መግለጺ ንቑጥዐ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝሕሓል ዝተኣልመ ናይ ሸፈጥ መግለጺ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ቁጥዐ ህዝቢ ዘስዓቦ ራዕዲ እዩ።

ከምቲ ኩሉ ዘስተብሃለሉ፣ ኣብ ቅድሚ ‘ዚ ረዚን ሃገራዊ ትራጀዲ፣ ገለ ኤምባሲታቱ  ዘገም ኢሎም ባንዴራ ለጠቕ ከብሉ ከለዉ ገሊኦም ከም ንቡር ምውልብላቡ ዝቐጸሉ፣ ገለ ደገፍቲ ‘ቲ ስርዓት ተኣኪቦም ክሓዝኑ ከለዉ፣ ገሊኦም ከኣ ከይሓፈሩ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ዝተሓሓዙዎ፣ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ቴለቪዥን ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ( የማነ ማንኪ) ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ዝሃቦ ቃል ከምኡ ‘ውን ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ሮማ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተፈላለዩ እዮም ነይሮም።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ ዝተኸታተሎ ናይ 9 ጥቅምቲ ወግዓዊ መግለጺ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ፈጺሙ ኣይጠቐሰን። የማነ ማንኪ ‘ውን ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ እናተሓተ፣ ነቲ ጉዳይ ሰጊሩ ነቲ ወግዓዊ መግለጺ ምድጋም እዩ መሪጹ። ካልኣይ ግዜ ምስተሓተ እዩ ጥራይ ‘ዩ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ክዛረብ ተገዲዱ። እቲ ኣብ ሓደ ዕለት፣ ማለት 9 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ሮማ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ክዛረብ ዕዮ ገዛ ተዋሂቡዎ። ኩሎም ‘ቶም መግለጺታት ዝተሰማምዑሉ ነገር እንተነይሩ ኸኣ፣ ንመጠን ናይቲ ትራጀዲ ንምሕባእ፣ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ምዕባጥ እዩ።

እምብኣር ስርዓት ህግደፍ፣ ኮነ ኢሉ፣ ህዝቢ ንምድንጋርን ንምርስሳዕን እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ምሂዙ።

ገለ “ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሬሳታተይ ክቕበል እየ ኢሉ” መግለጺ ዝሃበ መሲሉዎም ዝተደናገሩ ‘ውን ኣይተሳእኑን። እንተኾነ፣ ከምቲ ዝተጠቕሰ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወግዓዊ መግለጺኡ፣ ነዚ ንቤተሰብን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን ኣሻቒሉዎን ኣገዲሱዎን ዘሎ ምልላይ ጉዱኣት ደቁን፣ ብግቡእ ስነስርዓት ቀብሪ ናይ ምፍናዎም መሰልን ኣየልዓሎን።

ካብ ማንም ወገን ንላዕሊ፣ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ብቐዳምነት ክፈልጡዎ ዘለዎም እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ወለዲ እዮም። ንዓኣቶም ከኣ ካብ መግለጺ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኤምባስን ድምጺ ኣመሪካን፣ ቴለቭዥን ኤርትራ ትቐርቦም።

ወዮ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ተናዒቑ ጸኒሑ እምበር፣ ኪኖ’ቲ “ሬሳና ስለምንታይ ዘይተረክቡና?” ዝብል ዓቢ ሕቶ፣ ሰሙን መመላእታ ብዛዕባ ‘ቲ ህይወት ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ዜጋታት ዝበልዐ ሓደጋ ኣጽቂጡ ምጽንሑ ንገዛእ ርእሱ ‘ውን ከሕትቶ ይግባእ ነይሩ እዩ።

እምብኣርከስ፣ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ከቶ በዚ ናይ ቃላት ሸፈጥ ክኽወሉ ኣይክእሉን እዮም።

ሕጂ ‘ውን፣-

1ይ – ነፍሲ ወከፍ ኤርትራውያን ስድራቤታት ግዳያት፣ ሬሳአን ብወግዒ ተረኪበን ብዝመረጻኦ መንገዲ ስነስርዓት ቀብረን ከካይዳ መሰለን ክኽበረለን ኣለዎ። እዚ እንተዘይተማሊኡ፣ ህዝቢ ብሓባር ክሓተሉን ኣብ ጎኒ ‘ቶም ቤተሰብ ግዳያት ደው ክብለሉን ግዴትኡ እዩ። መዓስ እዩ ሬሳታት ዝኣቱ ዕለቱን ሰዓቱን ብንጹር ክግለጸሉ ክሓትት ኣለዎ።

2ይ – መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ወሪዱዎ ዘሎ ጃምላዊ ሃገራዊ ጥፍኣት ወግዓውን ግሉጽን ሓበሬታ ክወሃቦ ግቡኡ እዩ።

3ይ – እቲ መንእሰያት “ኤርትራ ከመይ ገይሮም ይጠፍኡ ከምዘለው እፈልጥ ‘የ፣ ጭብጥታት ኣለኒ” ኢሉ ዝፍክር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ነቲ “ዝፈልጦ” ሓበሬታ ኣብ ክንዲ መከላኸሊ ጥፍኣት ኤርትራውያን ዝጥቀመሉ፣ ጃምላዊ ቅዝፈታት ኤርትራውያን እናተደጋገመ ከም ምስጢር ሒዙዎ ኣጽቂጡ እንተልዩ፣ ተመሊሱ ብሓላፍነት ዘሕትቶ ገበን ምዃኑ ተገንዚቡ ‘ውን፣ ብህጹጽ ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጸሉ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ግን ብናይ ህግደፍ ምርጫ ዝፍጸም ኣይኮነን። ህዝቢ ከገደዶ ‘ለዎ። ካብዚ ዝኸፍእ ‘ሞ እንታይ ክመጾ እዩ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዙ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከለልዮ ዘለዎ ውርደት ህግደፍ፣ እቲ “ኣብ ኤርትራ ስልጣን ኣለኒ” ዝብል ስርዓት “ኣመሪካ እያ ንመንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ጥፍኦም ዘላ” እናበለ ብተደጋጋሚ ግዜ ክኸስስ ከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ህላወ ከምዘይብሉ ጥራይ እዩ ዝእመን ዘሎ። ኣመሪካ ካብ ዋሺንግተን ኢዳ ወርዊራ ዜጋታቱ ክትለቕሞም ከላ፣ ዘይከላኸለሎም እንተኾይኑ፣ ኣሎ ክብሃል ኣይክኣልን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፣ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎ ፈጣጥ ሓቂ እንተልዩ፣ ናይዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብውሑዱ ንራብዓይ ግዜ ብጅምላ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ህልቂት ኮነ እቲ ንዝሓለፉ 4-5 ዓመታት ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ዘጋጠመ ሞትን ውርደትን፣ ምንጩ፣ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ እዩ። ቀንዲ ሱር ሕሰምን ሽግርን ስደትን  ሞትን ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስን ምስ ጉጅሊኡ እዩ።  ምስናይ ‘ቲ ዝጠስጠሰ ስርዓቱን ብልሹው ምሕደራኡን ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ክሳብ ዘይተኣልየ ኸኣ፣ እዚ መዓት’ዚ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ፣ እቲ ጽንቃቕ ማህጸኑ ሓንሳብ ኣብ ምድረበዳ ሓንሳብ ኣብ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ዝባኽኑዎ ዘለው ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ‘ይኣክል!’ ክብል ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Rus October 11, 2013

    I do not have the right (enough)words which can describe my feeling on the death of my fellow countrymen;neither Ihave enough words to the prevoius ones and all the suffering of the Eritrean under the brutal regime of Issaias. I ask myself how long is to continue; this is enough and it is more than enough. It is terrible what has happened. We have to unite do something to uproot the regime which is the cause of our suffering.
    my condolecence to the family of the victims; and I pray to God to give the victims souls rest in peace.

  • ababua October 14, 2013

    I have lost my faith in Human Beings. We are Animals and not even rational ones.

POST A COMMENT