Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ሓዘን ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ፤

ጥሪ 20,2016, ቃል ሓዘን ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ፤ ሞት ግናይ ዘየብላ ዉዕል ቃሕ ኣብ ዝበላ መጺኣ ትምንጥል ኣድማሳዊ ሕጊ ኩሉ ተደላድል መጨረሽታ ሂወት ፍጹም ዘይትስገር፣ ዘይትተርፍ ዕጫ ዕድሎት ፈጣሪ ውዒላ ሓዲራ ምምጽኣ ዘይቀሪ መልክዓ ዘይፍለጥ ዘየብላ ሕብሪ ኣየ’ዛ ሞት ግናይ ዘይትፈልጥ ነውሪ ሃንደበት

ጥሪ 20,2016,

ቃል ሓዘን

ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ፤

ሞት ግናይ ዘየብላ ዉዕል

ቃሕ ኣብ ዝበላ መጺኣ ትምንጥል

ኣድማሳዊ ሕጊ ኩሉ ተደላድል

መጨረሽታ ሂወት ፍጹም ዘይትስገር፣

ዘይትተርፍ ዕጫ ዕድሎት ፈጣሪ

ውዒላ ሓዲራ ምምጽኣ ዘይቀሪ

መልክዓ ዘይፍለጥ ዘየብላ ሕብሪ

ኣየ’ዛ ሞት ግናይ ዘይትፈልጥ ነውሪ

ሃንደበት መጺኣ ኣእቲያትልና ቍሪ

ኣሕጽር ኣቢላቶ ናይ ኣቦና ዕምሪ፣

ሕማም ከይፈለጥና ሞትኩም ተረዲእና

ምርዳእ ኣብዩና ሃንደበት ኰይኑና

ሃንቀው እናበልና ዳግማይ ክትመጹና

ነዚ ቁሩር ህዝቢ ምቖት ክትህቡና

መንፈሳዊ ሃብትኹም ከተካፍሉና

ሓቢርና ክንምርሽ ጐደና ኣምላኽና፣

ኣቱም ዓቢ መምህር እምበኣር ነቒልኩም

ገና ‘ድዩ ቲ’መዋእል እንታይ ሃወኸኩም

መን ድኣ ተዳህየ መን ጉጁም በለኩም

ናይ ዓለምና ዕማም ገና ዘይወዳእኩም

መንፈሳዊ ተልእኾ ቲ’ሃብታም ምህሮኹም

ናፍቖት ወላዲ ምስኦም መሪጽኩም፣

ኣቦና ቀሺ ሓይልኣብ ጽኑዕ ኣብ እምነቶም

ንፍትሒ ደው ዘሉ ሓቂ ተሓንጊጦም

ሃይማኖታዊ ግህሰት ብትሪ መኪቶም

ህዝብና ክርህዎ ለጊሶም ጸሎቶም

ፍቕሪ ስኒት’ዩ ኔሩ ወትሩ ቲ’ስብከቶም፣

ተጣቢቖም ንክብሪ ሃይማኖት

መኪቶሞ መንፈሳዊ ጥልመት

በዲሆሞ ኣረሜነ ስርዓት

በቲኸሞ መጻወድያ ክፍኣት

ተፈቲንኩም ብዱኹማት ሰባት

ገጢምክሞ ብጽንዓት ብጸሎት፣

ክትምለሱ መገሻ ነቒልኩም

ሃንደበታዊ ሞት ከቲርኩም

ሕማም ናይ ሳልስቲ ሓሪምኩም

ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ጸዊዕኩም

ብርሃን ጽድቂ ባና የብርሃልኩም

ኣብ ዝፋኑ ባዕሉ ይቀበልኩም

ሕሩይ ኢኹም ኣምላኽ መሪጽኩም

መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም

እቶም ስድራ-ቤት ጽንዓት ይዓድልኩም

ጠሊ ይሕደጉልኩም ኣምላኽ ይሓልኹም፤

 

ተስፋይ ክፍለ(ደላይ ፍትሒ)

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Beraki Yohannes January 20, 2016

    Abba Haileab,
    I have short of word to express all what I know about you. But you are a nobble and model to all Christian believer specially to young generation and also to any who are worshipping the God Almighty. However, as the Tigrigna proverb, ” tseyaqi mai kelos tsruy mai asten iyu kem zbhal” you have passed a difficult time here in Ottawa by who are worshipping the PFDJ instead of God and as you begin with a new life where you can serve God as you were dreamed in peace and love, you have been called home. I don’t know how the Orthodox follower in Ottawa would feel and remember you, specially those of whom betrayed you and defamed you, may God give them a wisdom to reflect with themselves for their evil intention they have done to humiliated you. History will judge them because of this incident and they will be responsible for the cause for which they instigated and spread rumours and accused you with the baseless accusation to pleased the PFDJ.

    Thank you Brother Tesfay for contributing this nice poem for Abba Haileab
    He shall be remembered for evere and live in our heart his nobel wisdom.

    Reply ↓

  • Haile Ocbamicael Kocobu January 21, 2016

    Hi! to all whom it may concerns,
    i did not understand who is keshi Haileab?,and how or what is the cause of death?
    where and when?so! would you please clarify those quations to know and any one can give
    his comments.
    thans.

    • Tesfai January 21, 2016

      Selamta Mr. Haile,
      Father Haileab was a dedicated Christian Orthodox priest who fled his country like every citizen because of his firm opposition to the unlawful removal and detention of the Holy Patriarch Antonios .He used to live in Ottawa city(Canada), but moved to Fort McMurray, Alberta Canada). He died suddenly of car accident.

  • ጸሃየ/Tsehaye January 21, 2016

    ሞት ኣቦና ዘሰንብድን ሃንደበትን ኢዩ፡ ኮይኑ ግን…”ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር ኢዩ።” መዝ 116፡15

    ሞት ኣብ ተመክሮ ደቂ ኣዳም(ሰብ) እቲ ከቢድ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ንኡስ ዕድመ ይኹን፡ሽምግልና፡ ብሃንደበት ይኹን፡ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ሕማም ብዘየገድስ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ብስጋ ዝገድፈልና። ንነብዕ ንሓዝን፡ንምንታይ ከምዚዶ ኮምቲ ኮይኑ ንብል…ክንምልሶ ዘይንኽእል ሕቶ ንሓትት። ግንከ ከም ክርስቲያን ሰብ ተስፋ ኢና! “ንኣምን ትንሳኤ ሙታን” ጎይታ ሞት ብሞቱ ሲዒርዎ ኢዩ! ብድሕሪ መስቀል ትንሳኤ ኣብ ሳልስቲ ኣበሰረና!
    ቅዱስ ጹሑፍ ከምዚ ይብል፡
    “ ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።….ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዓር ጸላኢውን ሞት እዩ።”1ይ ቆሮ 15:22,24-25
    ስለዚ ብኽርስቶስን ንኽርስቶስን እንተነበርና፡ ካብ’ዛ ግዝያዊ ቤትና ተፋኒና ኣብ መንግስቱ ምስኡ ወረስቱን መዋርስቱን ኢና።

    “ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።” ዳዊት 73:24

    “ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና።”2ይ ቆሮ 5፡8

    ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ! ነቦና ኣብ ቤቱ ይቀበሎም!

Post a Reply to Tesfai Cancel Reply