Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ሓዘን

ደሓን ኩን ጽኑዕ ! ብጻይ ብርሃነ መንነት ሰብ መርገጽ`ዩ ፤ንመርገጽ ዝኽፈል ዋጋ ኸኣ ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ መርገጽ ከኣ  ንናይ ሓባር ረብሓ ትወስዶ መርገጽ`ዩ፤  መኻይዱ ኸኣ ዓበይቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣሎ ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዋጋ። ሓደ ካብኦም

ደሓን ኩን ጽኑዕ !

ብጻይ ብርሃነ መንነት ሰብ መርገጽ`ዩ ፤ንመርገጽ ዝኽፈል ዋጋ ኸኣ ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ መርገጽ ከኣ  ንናይ ሓባር ረብሓ ትወስዶ መርገጽ`ዩ፤  መኻይዱ ኸኣ ዓበይቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣሎ ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዋጋ። ሓደ ካብኦም ነርካ። ዓቢ ሰብ ።

ካብቲ ኣጸቢቁ ዘዕብየካ ኸኣ ንኤርትራዊ ጂኦ ፖለትካ ዝጾሮ ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ሰቲኻ ኣብ ነፍስኻ ነቲ ብዙሕ ከም ሓደ  ከተርእዮ ዝኸኣልካ ምንባርካ`ዩ።

ተጋዳላይ ብርሃነ ገሹ ፡ ኩሉ`ዩ  ዝመውት፤ እቲ ዘሕዘነኒ ግና  ኣብ ዕብየትካ ሃገርካ ክትሓቅፎካ ዘይምኽኣላን፤ ብደገ ደገኻ ክትሰናበተና እንኮለኻን`ዩ።

እዚ እቲ ንዓይ ዝስማዓኒ`ዩ፤ እንተ ንስኻ ንቃልሲ ሓርነት ዝተቀየሰ ግዜን ዕድመን ከምዘየለ ካብ ሰብካ ንላዕሊ ትፈልጦ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ክምህ ከይበልካ ኢኻ ኸድካ። እዚ ኣከያይዳኻ`ዚ`ዩ ኸኣ ከጸናናዓና።

ብሰላም ዕረፍ

ጽንዓት ንቤተ ሰብ ፈተውትን ኣቶ  ብርሃነ ገሹ

ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! February 25, 2018

    Selamat Awelkaheir
    It was nice if you wrote some information about BERHANE GHESHU to introduce with readers .

  • AWEL February 25, 2018

    ክጋደል ንብረቱ ራሕሪሑ ንሜዳ ዝወረደ ጅጋና ወዲ ገሹ: ነታ ናጽነታ ዝባሃገላ ሃገሩ ከይተመልሳ ብመስዋእቲ አብ ሱዳን (ካርቶም) ካብዛ ዓለም ተፈልዩ::

    ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ቅድሚ ሜዳ ምውራዱ አብ አስመራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ተሰሪዑ ይቃለስ ነይሩ: ማዕረ እቲ ሃገራዊ ገብኡ: መንእሰያት አብ ምኩስኳስ አብ ስፖርት ይነጥፍ ከምዝነበረን: እሱ ዝምውላን ዝአልያን ካላአይ ድቪዥን ዘብጽሓ ጋንታ ከባቢ ትባሃል ከምዝነበረት ማህደረ ታሪኩ ይገልጽ::

    ሰውእ ወዲ ገሹ ወናኒ ትካል ፈለኛሞ ከምዝነበረ: አብ 1974 ትካሉ ራሕሪሑ ንሜዳ ከምዝወረደን: አብ ሜዳ አሰልጣኒ ሕርይቲ ጋንታ ኤረትርያ ብምካን ይሰርሕ ከምዝነበረን: ንሕርይቲ ጋንታ ሒዙ ንዒራቕ ከይዱ ግጥም ከምዝገበረን ዝኩርዕ ታሪኽ ከምዘመዝገበን ይፍለጥ::

    ተጋድሎ ሓርነት ኤረትርያ ካብ ሜዳ ቅድሚ ምውጽአ: ንሱዑዲ ዓረብ ከምዝተላእከን: አብ ጨንፈር ርያድ አብ ዝተፈላለየ ጸፍሒ ይነጥፍ ከምዝነበረ: ብሰንኪ ንጥፈታቱ ማዕረ ማዕረ ቃልሲ ሂወቱ ዝመርሐሉ ስራሕ እንዳሰረሐ ዘጥረያ ዓባይ መኪና (ቦጥ) ብዋህዮታት ህግሓኤ ከምዝተሰርቀቶ ይፍለጥ: ወዲ ገሹ ብቐደሙ`ውን ንብረቱ ገዲፉ ንቃልሲ ዝተጸምበረ ተባዕን ውፎይን ተቓላሳይ ስለዝነበረ: እቲ ብህግሓኤ ዳሓር ብህግደፍ ዝመጾ ዝነበረ ተጻብኦን ታህዲድን ንቃልሱ ክዕንቅፎ አይካአለን: ወዲ ገሹ ኩሉ ግዜ ዕላሉን ጎስጓሱን ሓድነት ምንባሩ ብጾቱን ነበርቲ ርያድን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ: ትማሊ 23 /02/2018 አብ ርያድ ዝተገበረ ንዝክሩ (ዓዛ) ካብ ዝተነግረ ታሪኹ ዝወሰድከዎ ጽሑፍ እዩ::

    በዚ አጋጣሚ ንሙሉአት ስድራቤት ጽንዓይ ይሃብኩም እንዳበልኩ: ናይ ሓዘንኩም ተካፋሊ ምዃነይ ክገልጸሎም ይፈቱ: ከምኡ`ውን ንብጾቱ አባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ንፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ ይብል::

    ሓርነኛ አይነብርን እዩ ነባሪ ታሪኽ ገዲፎ እዩ ዝሓልፍ!
    ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤረትርያ!
    ውድቀት ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ!

    አሕመድ ዓብደላ: አባል ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር: 24/02/2018 ርያድ ሱዕድ ዓረብ

    • AHMED SALEH !!! February 28, 2018

      Thank you brother Ahmed Abdella to input more information about a forgotten
      victim of Eritrean politics . It is sad nothing has changed under one man rule to
      observe our young generation go through the same effect of injustices .
      For many years we screamed loud to warn our people but our efforts received
      negative reaction that helped corrupted officials take full control .
      Principled person lead his life with integrity until final days of DEATH .

  • k.tewolde February 26, 2018

    A new dawn will come to this land of heroes and heroins and the impostors will dissipate like the morning mist. This is not a revelation, it is a fact.So long dear comrade,you gave it all you got.

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply