ቃል ሓዘን
ደሓን ኩን ጽኑዕ ! ብጻይ ብርሃነ መንነት ሰብ መርገጽ`ዩ ፤ንመርገጽ ዝኽፈል ዋጋ ኸኣ ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ መርገጽ ከኣ ንናይ ሓባር ረብሓ ትወስዶ መርገጽ`ዩ፤ መኻይዱ ኸኣ ዓበይቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣሎ ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዋጋ። ሓደ ካብኦም
ደሓን ኩን ጽኑዕ !
ብጻይ ብርሃነ መንነት ሰብ መርገጽ`ዩ ፤ንመርገጽ ዝኽፈል ዋጋ ኸኣ ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ መርገጽ ከኣ ንናይ ሓባር ረብሓ ትወስዶ መርገጽ`ዩ፤ መኻይዱ ኸኣ ዓበይቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣሎ ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዋጋ። ሓደ ካብኦም ነርካ። ዓቢ ሰብ ።
ካብቲ ኣጸቢቁ ዘዕብየካ ኸኣ ንኤርትራዊ ጂኦ ፖለትካ ዝጾሮ ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ሰቲኻ ኣብ ነፍስኻ ነቲ ብዙሕ ከም ሓደ ከተርእዮ ዝኸኣልካ ምንባርካ`ዩ።
ተጋዳላይ ብርሃነ ገሹ ፡ ኩሉ`ዩ ዝመውት፤ እቲ ዘሕዘነኒ ግና ኣብ ዕብየትካ ሃገርካ ክትሓቅፎካ ዘይምኽኣላን፤ ብደገ ደገኻ ክትሰናበተና እንኮለኻን`ዩ።
እዚ እቲ ንዓይ ዝስማዓኒ`ዩ፤ እንተ ንስኻ ንቃልሲ ሓርነት ዝተቀየሰ ግዜን ዕድመን ከምዘየለ ካብ ሰብካ ንላዕሊ ትፈልጦ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ክምህ ከይበልካ ኢኻ ኸድካ። እዚ ኣከያይዳኻ`ዚ`ዩ ኸኣ ከጸናናዓና።
ብሰላም ዕረፍ
ጽንዓት ንቤተ ሰብ ፈተውትን ኣቶ ብርሃነ ገሹ
ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ
AHMED SALEH !!! February 25, 2018
Selamat Awelkaheir
It was nice if you wrote some information about BERHANE GHESHU to introduce with readers .
AWEL February 25, 2018
ክጋደል ንብረቱ ራሕሪሑ ንሜዳ ዝወረደ ጅጋና ወዲ ገሹ: ነታ ናጽነታ ዝባሃገላ ሃገሩ ከይተመልሳ ብመስዋእቲ አብ ሱዳን (ካርቶም) ካብዛ ዓለም ተፈልዩ::
ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ገሹ) ቅድሚ ሜዳ ምውራዱ አብ አስመራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ተሰሪዑ ይቃለስ ነይሩ: ማዕረ እቲ ሃገራዊ ገብኡ: መንእሰያት አብ ምኩስኳስ አብ ስፖርት ይነጥፍ ከምዝነበረን: እሱ ዝምውላን ዝአልያን ካላአይ ድቪዥን ዘብጽሓ ጋንታ ከባቢ ትባሃል ከምዝነበረት ማህደረ ታሪኩ ይገልጽ::
ሰውእ ወዲ ገሹ ወናኒ ትካል ፈለኛሞ ከምዝነበረ: አብ 1974 ትካሉ ራሕሪሑ ንሜዳ ከምዝወረደን: አብ ሜዳ አሰልጣኒ ሕርይቲ ጋንታ ኤረትርያ ብምካን ይሰርሕ ከምዝነበረን: ንሕርይቲ ጋንታ ሒዙ ንዒራቕ ከይዱ ግጥም ከምዝገበረን ዝኩርዕ ታሪኽ ከምዘመዝገበን ይፍለጥ::
ተጋድሎ ሓርነት ኤረትርያ ካብ ሜዳ ቅድሚ ምውጽአ: ንሱዑዲ ዓረብ ከምዝተላእከን: አብ ጨንፈር ርያድ አብ ዝተፈላለየ ጸፍሒ ይነጥፍ ከምዝነበረ: ብሰንኪ ንጥፈታቱ ማዕረ ማዕረ ቃልሲ ሂወቱ ዝመርሐሉ ስራሕ እንዳሰረሐ ዘጥረያ ዓባይ መኪና (ቦጥ) ብዋህዮታት ህግሓኤ ከምዝተሰርቀቶ ይፍለጥ: ወዲ ገሹ ብቐደሙ`ውን ንብረቱ ገዲፉ ንቃልሲ ዝተጸምበረ ተባዕን ውፎይን ተቓላሳይ ስለዝነበረ: እቲ ብህግሓኤ ዳሓር ብህግደፍ ዝመጾ ዝነበረ ተጻብኦን ታህዲድን ንቃልሱ ክዕንቅፎ አይካአለን: ወዲ ገሹ ኩሉ ግዜ ዕላሉን ጎስጓሱን ሓድነት ምንባሩ ብጾቱን ነበርቲ ርያድን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ: ትማሊ 23 /02/2018 አብ ርያድ ዝተገበረ ንዝክሩ (ዓዛ) ካብ ዝተነግረ ታሪኹ ዝወሰድከዎ ጽሑፍ እዩ::
በዚ አጋጣሚ ንሙሉአት ስድራቤት ጽንዓይ ይሃብኩም እንዳበልኩ: ናይ ሓዘንኩም ተካፋሊ ምዃነይ ክገልጸሎም ይፈቱ: ከምኡ`ውን ንብጾቱ አባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ንፈተውቱን ጽንዓት ይሃብ ይብል::
ሓርነኛ አይነብርን እዩ ነባሪ ታሪኽ ገዲፎ እዩ ዝሓልፍ!
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤረትርያ!
ውድቀት ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ!
አሕመድ ዓብደላ: አባል ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር: 24/02/2018 ርያድ ሱዕድ ዓረብ
AHMED SALEH !!! February 28, 2018
Thank you brother Ahmed Abdella to input more information about a forgotten
victim of Eritrean politics . It is sad nothing has changed under one man rule to
observe our young generation go through the same effect of injustices .
For many years we screamed loud to warn our people but our efforts received
negative reaction that helped corrupted officials take full control .
Principled person lead his life with integrity until final days of DEATH .
k.tewolde February 26, 2018
A new dawn will come to this land of heroes and heroins and the impostors will dissipate like the morning mist. This is not a revelation, it is a fact.So long dear comrade,you gave it all you got.