Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ኣሰና፡ ሓደ ብስራት -ማንታ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ!

መግለጺ ኢትዮጵያ ንትግባረ ስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ሓደ ብስራት ማንታ  ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደማዊ ኲናት ምዃኑ ዝፍለጥ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ 1998 ዝተባርዐ ኲናት፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደም ኣዕለቕሊቑ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ምስ

መግለጺ ኢትዮጵያ ንትግባረ ስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን

ሓደ ብስራት ማንታ  ዓወት

ንህዝቢ ኤርትራ

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደማዊ ኲናት ምዃኑ ዝፍለጥ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ 1998 ዝተባርዐ ኲናት፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደም ኣዕለቕሊቑ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ምስ ኣብቅዐ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ጸገም ብስምምዕ  ክፈትሑዎ ኣብ ኣልጀሪስ ተፈራሪሞም፡ ኮምሽን ዶባት ቀያድን ናይ መወዳእታን ዝበሎ ውሳኔ ዶባት `ኳ እንተሃበ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ መንግስታት ኣብ ዝፈጠሩዎ ናይ ‘ኣይሰላም ኣይኲናት` ኩነታት ተጸሚዶም ብድምር ን20 ዓመታት ተፈላልዮም ምጽንሖም ብዘይካ ትዕቢትን ብድዐን ሕነን መራሕቶም፡ ካልእ ርትዓዊ መመኽኔታ ዘይርከቦ፡ ንኽልቲኦም ህዝብታት ኣኽቢዱ ዝወጸዐ ታሪኻዊ ዕዳ እዩ።

ክልቲኦም መንግስታት ምስ ሃንቀውታን ባህግን ህዝቦም ዝዳረግ ብስለትን መሪሕነትን ከርእዩ ስለዘይበቕዑ፡ ድሕሪ `ቲ ቃልቃልታ ኲናት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ን 18 ዓመታት ዝሑል ኲናት ስለዝቐጸለ ህይወት ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘይከኣል ናይ ሓደ ወለዶ ዕድል `ውን ሓሊፉ እዩ። ብሕልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሓራምዝ ከም ሳንድዊች ተቐርቂሩ ዘሕለፎ ውጽዓ መዳርግቲ የብሉን። ይኹን`ምበር፡ ነቲ ዝተኻዕወ ምሕፋሱ ስለዘይከኣል፡ ንቕድሚት ጠሚትካ፡ ኣብ ክንዲ ነንሕድሕድካ ኣንጻር ድሕረትን ድኽነትን ምግጣም የድሊ።

ትማሊ ሰሉስ 5 ሰነ 2018 ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ብስምምዕ ኣልጀሪስ ከምዝቕየድን ነቲ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበየኖ ውሳኔ ዶባት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምዃኑን ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ ኸኣ፡ በዚ መንጽር ክርአ ከሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ክልቲኦም ህዝብታት ዝሰምዑዎ ዝዓበየ ብስራት እዩ።

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ኣተኲርና ምስ እንዛረብ፡ እቲ ብስራት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ማንታ ዓወት ዝሓዘለ ድርብ ብስራት `ዩ ዝኸውን።

እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ ከፊሉ ናጽነት ዝተጎናጸፈ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ሕጽኖት ናጽነቱ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ተኺሉ፡ ብሕጊ እትምሓደር ንብርቲ ሃገር መስሪቱ፡  ብሰላምን ቅሳነትን ክነበር ሃረር እናበለ ኸሎ፡ ኣብቲ ሓራ ዘገበሮ ሃገር ናብ ምዕባለን ስልጣኔን ኣብ ክንዲ ዝምርሽ ፡ በቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ግጭት ኣብ 1998 ሓንሳብ ኣብ ዓዘቕቲ ኲናት ምስ ኣተወ፡ እቲ ኲናትን ሳዕቤኑን ንባዕሉ ምንጪ ካልኦት መመኽኔታት ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህንጸትን ቁጠባዊ ምዕባለን ሃገሩ ወሰንቲ ዝኾኑ ከም ትግባረ ሃገራዊ ቅዋምን ምትካል ሕጋዊ መንግስትን ዝኣመሰሉ ስትራተጂካውያን ውጥናቱ ብስርዓት ህግደፍ ጅሆ ስለዝተታሕዙዎ ፡ ግዳይ ጸብጽቢካ ዘይውዳእ ኣደራዕን ስቓይን ክኸውን ተቐሲቡ እዩ።

እቲ ብርትዓውን ዘይርትዓውን መንገዲ፡ ሕመረት ናይቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዘሳቐዩዎ ብድሆታት ዝነበረ ኩነታት `ኣይሰላም ኣይኲናት`፡ ንህዝብና መርገም `ኳ እንተነበረ፡ ብሕልፊ ነቲ ስልጣን ብሒቱ ንምንባር ኲናት ዝጻሕተረ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ግን ኣብ መርገም ዝጫለደ ምርቓ እዩ ነይሩ።

እቲ ናይ ኢትዮጵያ ንብይን ኮምሽን ዶብ ናይ ምቕባልን ምትግባርን ውሳኔ ሓደ ዓወት ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ኢሳይያስ ስልጣን ገቢቱ ንህዝቢ ኤርትራ ንምዕምጻጽ ን 20 ዓመት ዝተጣልዓሉ ካርታ ፈጺሙ ስለዝምክኖ እዩ። እቲ ካልኣይ ዓወት ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ዶባዊ ኲናት ብሰሪ ኢሳይያስ ከሲሩዎ ዝጸንሐ ባድመ ዝርከቦ መሬቱ ናይ ምምላስ ተስፋ ምርካቡ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሱ፡ ነዚ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ከተግብር ምዃኑ ዝገለጸሉ ዘሎ ምኽንያት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘቐደመ  ኣይኮነን። ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ  ክስተትን ለውጥን ዝፈጠሮ ምዕባለ እዩ።  ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ እንተዝነብር፡ እዚ ስጉምቲ `ዚ፡ ቀደም ኣብ ሰዓቱ ክውሰድ ዝነበሮ እዩ። ሕጂ `ውን ኣውንታዊ ቃናኡ ኳ ዝንበብ እንተኾነ፡ ምሉእ ዓወት ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ ካብ ወረቐት ሓሊፉ ኣብ ባይታ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣለዎ።

ብዝኾነ፡ ቆልዓ `ውን ብጻዕርን ብዒሕታን ተወሊዱ ከም ዝዕለለሉ መጠን፡ ብድሆታት ኢትዮጵያ፡ ንኽሊቲኡ ህዝብታት ዘርብሕ ዕድል ክፈጥር እንተደኣ ክኢሉ ክጽምበል ዘለዎ ኣጋጣሚ ምዃኑ ምዝካር የድሊ።

እቲ ዘሕዝን፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ 20 ዓመታት ካብ ሰቡ ንላዕሊ ሽሕ ግዜ ተጻዒሩ ክንሱ፡ ሓንሳብ ከይወለደ መኺኑ፡ ዕድል ቦኽሪ ወለዶ ናጽነት ኤርትራ ምብኻኑ እዩ።

እወ፡ ከምዚ ካብ ሲናይ ክሳብ ሊብያ ነዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ብተኸታተሊ ዝተሰምዐ፡ ሃገሮም ሃገር፡ መንግስቶም መንግስቲ ክኾኑዎም ዘይከኣሉ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ፡ ሓውን ሑጻን ምድረበዳ ሰሃራ ሰጊሮም፡ ኢሳይያስ ብዝፈጸሞ ሓጥያት ኣብ ዝኣተዉዎ ገሃነም ሊብያን ሲናይን እናተለብለቡ፡ `ምእንንተ መንእሰያት ርድኡና፡ ኣንታ ርድኡና `ባ ሕዋትኩም እንዲና፡ ደቅኹም እንዲና!` እናበሉ ካብ ዘስምዑዎ ዝነበሩን ዘለዉን ስጋኻ በሲዑ የዕጽምትኻ ዘንቀጥቅጥ ኣውያት ዝኸፍእ ጻዕርን ጸበባን ደኣ `ሞ እንታይ ኣሎ?

ኢሳይያስን ጭፍርኡን ግን፡ ርህራሀን ድንጋጸን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይብሎም ፡ ነቲ ከውሒ ሲናይ `ኳ ዝሰምዖ ፡ `እዚ `ውን ክሓልፍ `ዩ` ኢሉ ኣብ ጻዕረ-ሞት ዝተረኽበ ኒሕ ዝጸሓፎ ምሕጽንታ፡ `ስሕታና ይኣክል` ኢሎም፡ ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣውያት መንሰያት ኢትዮጵያ ሰሚዑ ዝገበሮ፡ ስልጣኖም ንሓድሽ ወለዶ ከረክቡ ኣይከኣሉን። ኩሊት መንእሰያት እናቐየሩ፡ ደኣ ትንፋስ መንእሰይ ኤርትራ ምሕላፍ ይቕጽሉዎ ኣለዉ።

እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ከብዲ ዓዱ ቆልዓ ካብ ዘይተወልደ፡ ብልደት ቆልዓ ጎዶቦ ብዝስማዕ ዘሎ ዕልልታ ቀኒኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥንሲ ዝሕዘሉ  ውራይ ከሰላስል ኣለዎ።

ኣብዚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነታ ኩዕሶ ናብ ቅርዓት ኢሳይያስ ቀሊዖም፡ ንኢሳይያስ ኣብ ኩርናዕ ኣእትዮምሉ ዘለዉ ሰዓት፡ ኢሳይያስ ነታ ኩዕሶ ከንፍሳ ዲዩ ክትኩሳ ንደሊኡ። ብቐደሙ፡ ኲናት ዝወለዐ ባድመ ከምልስ ኢሉ ዘይኮነ፡ ነቲ ደረት ዘይብሉ ናይ ስስዐ ስልጣን ህርፋኑ ንምርዋይ ክሳብ ዝኾነ፡ በንጻር `ቲ ዝሓለሞ ጎብለልነትን ስልጣንን፡ ተሰኪሙዎ ዘሎ ውርደትን ሕስረትን ሽውሃቱ ክሳብ ዘይዓጸዎ፡ እንተ ነዚ ኣብ ሱዳን ሃስስ ዝብሎ ዘሎ ምኽንያት ኣጸባቢቑ እንተካልእ ምስምስ ምሂዙ ነቲ ዝሓለቐ ጥሙሑ ንምቕጻል ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር፡ ግብረ መልሱ ብዘየገድስ፡ እታ ዘባደመቶ ባድመ ተመሊሳ ኢሉ ዳግም ሃለዋቱ ኣብ ዘጥፍእ ሳዕስዒት ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ምዂዳድ ንምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ካብ ሱሩ ዝበታትኽ ዕቱብ ዕዮ-ገዝኡ፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ምቛም ሕጋዊ መንግስቲ ፡ ብዕሊ ክተሓሓዞ ይግባእ።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ `እቲ ን20 ዓመት `ቀያድን ናይ መወዳእታን` እናበልኩም፡ ሃገራዊ ቅዋምና ካብ ምትግባር ዝሓንገድኩሙሉ፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝቐጸልኩሙሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ውርደትን ዝገበርኩሙሉ ምስምስ ዶባት ኣብቂዑ ኣሎ `ሞ፡ እቲ `ቀያድን ናይ መወዳእታን` ኢልና ኣብ 1997 ዘጽደቕናዮ ሃገራዊ ቅዋም ብዘይወዓል ሕደር ይተግበር፡ ስልጣንኩም ንህዝቢ ኣረክቡ፡` ኢሉ ብዓውታ ክጽውዕ፡ ጻውዒቱ እንተዘይተሰምዐ ኸኣ ከምቲ ኢትዮጵያዉያን ተለዓዒሎም ነዚ እንርእዮ ዘለና ለውጢ ዝደረኸ ኩነታት ዝፈጠሩዎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ለውጢ ከምጽእ ብዕቱብነት ክንቀሳቐስ ኣለዎ።

ኤርትራ፡ ካብ ምልካዊ ምሕደራ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ተገላጊላ፡ ሃገራዊ ቅዋማ ተግቢራ ብሓላፍነት ዝሕተት ሕጋዊ መንግስቲ ተኺላ፡ ካልኣይ ናጽነት ተጎናጺፋ፡ ካብዚ ዓትዒቱ ሒዙዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳብ ዘይተናገፈት ከም ሃገር ውሕስነት ኣይክእህልዋን እዩ። ህዝባ `ውን ክቐስን ኣይኮነን።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኢትዮጵያ ውዕላ ከተኽብር ምዃና እትህቦ ዘላ መግለጺ ድርብ ዓወት ዝኾነሉ ምኽንያት እምብኣር፡ ዕማም ተወዲኡ ኢልካ ናብ ዓራት እትወድቀሉ ፍጻሜ ዘይኮነ፡ ካብቲ ወዲቕካሉ ዝጸናሕካ መሬት ተንሲእካ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይካ ከይተተኩር ዓፊኑካ ዝጸንሐ ፕሮፖጋንዳ ጋሊህካ፡ ብስም `ልኡላውነት መሬት` ተሓሪሙካ ንዝጸንሐ ልኡላውነት ህዝቢ ንምርግጋጽ እትወፍረሉ ህሞት ኣጋ ወጋሕታ ብምዃኑ እዩ።

እወ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ይተግበር!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

06 ሰነ 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • zeregabir Teaghes June 7, 2018

    In 1998; While declaring war on Eritrea Ato Meles Zenawi took the executive committee decision to the Ethiopian Parliament. The Parliament accepted and approved it.
    Now the same process must take place; We expect the approval of Parliament of Ethiopia the decision made by Ehiadeg.
    Let the Eritrean and Ethiopian people live in Peace.

  • meretse June 7, 2018

    Dear Amanuel,
    You have said it all. We know we can’t change the past but history matters. No matter how we look at it Badme’s war orchestrated by the dictator. It did work for him while it was a disaster for the nation. Now, when the Ethiopiaian government unexpectedly agrees to the Alger’s agreement he is PLAYING DEAD.
    But the time has arrived. His neck is between to sharp swords.

    • meretse June 7, 2018

      corrections : pls read as his neck is between two sharp swords. tnx

  • meretse June 7, 2018

    መንእስይ ተጠንቀቅ ! ንኡስ ይኩን ዓቢ
    ብዕኾት ከይትግራህ ሂብካ ቆፎ ንህቢ
    27 ዓመት ህግድፍ ዘሪኣ
    ሪእካዮ ኢካ ናይ ቀውዒ ፍረኣ
    እስኪ ሎሚ’ዃ ሕነን እናበልካ ኣነ
    ንሕና ዋጋ የብሉን ርእሲ ኣንዳደነነ
    ርእስካ ኣቅናዓዮ ይግደዶ ንክሳድ
    ንሱ’ዩ ‘ቲ ፈውሲ ናይ “ንሱ’ ምሕሳድ
    እንኮ መዓልቲ’ያ ትኣክል ንፍትሒ
    ቀጥ ይበል መዓንጣ ክውገድ ‘ት ፍርሒ
    ካብ ሎሚ መርምሮ መዓሩ ሰፈፉ
    እንዳ ዕኮት ድቂ ኣብኡ ከይተርፉ

  • k.tewolde June 7, 2018

    “…ወ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ይተግበር!

    ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!”..no more excuse,no more hide and seek,no more using children as human shield,no more lounging around in adi halo resort sipping fine spirit and screening phone calls,27 years is almost what it took for the Eritrean people to achieve their statehood by picking up arms,if your goal is to make it 30 years in power and millions of dollars in foreign banks as a personal compensation,somebody is knocking at your door prematurely and shaking your cage,take the opportunity and get the heck out of there,the alternative,give your old buddy Qaddafi a call,he will gladly tell you what to do.

  • Hagos June 7, 2018

    It was Issaias’ Eritrea that invaded Ethiopia in the name of Badme to begin with ; therefore, the Ethiopians are likely to be always suspicious of the aggressor – Issaias.
    Ethiopians will always demand comprehensive peace as they recognize the Algiers Agreement. If Issaias is too slow to accept the open call for peace, then the UN sanctions will continue and the international community will be happy to listen to Ethiopia. This way or that way, time is on the Ethiopians side. Eritrea is already a failed state, thanks to Issaias.

  • Gezae June 8, 2018

    NO EXCUSE YOU ARE ALL LOSERS INCLUDING YOUR MASTER THE WOYANE X-ETHIOPIAN REGIME!!!!!!!!!!!!!!!!!!!
    Long Live Eritrea and the great people and its leadership.
    WE FIGHT WE WIN

POST A COMMENT