Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቃል ኣሰና – ምስረታን ቀጻልነትን ኣሰና ሳተላይት ቴለቪዥን

ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ተኸታተልቲ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና፡ እቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ክንዳለወሉ ዝጸናሕና ምስረታ ቴለቪዥን ኣሰና፡ ብወግዒ ብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት፡ ፈነወ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ናብቲ ዝመደብናዮ ቦታታት ኣብ ምብጻሕ ኣተኲርና

ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ተኸታተልቲ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና፡

እቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ክንዳለወሉ ዝጸናሕና ምስረታ ቴለቪዥን ኣሰና፡ ብወግዒ ብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት፡ ፈነወ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ናብቲ ዝመደብናዮ ቦታታት ኣብ ምብጻሕ ኣተኲርና ክንንቀሳቀስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብቲ ከም ቀንዲ ዒላማ ሰማዕቲ (Target Audience) ዝወጠናዮ ኤርትራን ከባቢኣን በጺሑ፡ ህዝቢ ኪከታተሎ ጀሚሩ ከምዘሎ፡ ካብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ኣብዚ መባእታዊ ዓወት `ዚ ቅድሚ ኹሉ ክምስገኑ ዝግብኦም፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ፡ ጻውዒት ኣሰና ንምስረታ ቴለቪዥን ብኣውንታ ተቐቢሎም ህርኩት ገንዘባዊ ወፈያ ዝገበሩ ግዱሳት ኣዕሩኽን ደገፍትን ኣሰና እዮም። ዕዉት ምስረታ ነጻ ሳተላይት ቴለቪዥን ናብ ኤርትራ ኣብ ህዝብና ዝፈጠሮ ሓጎስ፡ ቀዲሙ ኣበሲሩዎም ኳ እንተሎ፡ ደጊምና፡ ዮሃና! እንቋዕ ፍረ ጻዕርኹም ኣርኣየኩም ንብሎም።

ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣብ ውጥን ስራሕ ቴለቪዥን ኣሰና ዝገለጽናዮ፡ ብሓጺሩ ክርአ ኸሎ፡ መሰረታዊ ዕላማ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና፡

  • ኣምሳያ ናይቲ ብስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝውነን፡ ንምልካዊ ስርዓቱን ዓማጺ ፖሊሲታቱን ዘገልግል ኣብ ሃገርና ዝርከብ እንኮ መደበር ቴለቪዥን፡ ኣማራጺ ብምዃን፡ ነቲ ተዓቢሱ ዘሎ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምቅላሕ፡
  • ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጢ ምቅልጣፍ
  • ሃገራዊ መንነትን ባህላዊ ውርሻን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብን ምስሳንን
  • ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ርእይቶን ኤርትራውን ብምጽብራቕ፡ ከም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ከምዝጸዋወሩን ከምዝሳነዩን ከም ዝሰምሩን ምግባር፡
  • ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበበኛታትን ሰብ ሞያን ንህዝቢ ኤርትራ ሞያዊ ኣበርክቶን ኣገልግሎትን ዝህቡሉ መድረኽ ምፍጣር፡ ከምኡ ድማ፡
  • ኣብ ኤርትራ ክህነጽ ንዝድለ ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ዜና (Media Culture) መሰረት ምንጻፍን ምዂስኳስን እዩ።

ነዞም ዓበይቲ ዕላማታት እዚኣቶም ብኣድማዕነት ንምትግባር ግን፡ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝብን ሞያውያንን ከም ዘድሊ ክሰሓት ኣይግባእን።

እዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣየር ዝርከቡ ከም ብዓል BBC CNN ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ኣህጉራውያን ማዕከናት ቴለቭዥን፡ ካብ ናይ ኤርትራ ሃገርና ባጀት ዝዓቢ ብቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ዓመታዊ ባጀት፡ ብዓቕሚ ሰብ ድማ፡ ከም ሰራዊት ክግለጽ ዝከኣል ካብ 15 ክሳብ 30 ሽሕ ዝበጽሕ ብዝሒ ሞያውያን ጋዜጠኛታትን ተደጋገፍቶምን ከምዘለዉዎም ምዝካር፡ ብደረጃ ኣሰና፡ ሰራዊትና ህዝብና ኮይኑ፡ ኣድማዕነት ናይታ ጀማሪት መደበር ቴለቭዥን ንምዕባይ ከመይ ዝኣመሰለ ተሳታፍነት ክገብር ከምዝግብኦ ኣመት ክህበና ይኽእል እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ፡ ኣብዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሃገራዊ ዕላማታት ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓደ ክልተ ኢልና ብንጹር እነቐምጦም መዳያት ጭቡጥ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል፡

1ይ – ተሳታፍነት ሞያውያን ጋዜጠኛታትን ስነጥበበኛታትን ግዱሳትን

ኣቐዲምና ብድምጺ ኣሰና ብተደጋጋሚ ከምዝጸዋዕናዮ፡ ዜና ቴለቪዥን ኣብ ምንባብ፡ ዘተ ኣብ ምምራሕ፡ ብቪድዮ ካሜራ ኣብ ምቕዳሕ፡ ሓጸርቲ ድራማታት ኣብ ምድላውን ምቕራብን፡ ኣብ ኢዲቲንግ ይኹን ንቴለቭዥን ዝኸውን ሓሳብ ኣብ ምምንጫውን ኣብ ምጽናዕን ተመክሮን ተገዳስነትን ዘለዎም ኤርትራውያውያን በብዓቕሞም ክዋስኡ ተበግሶ ክወስዱ ደጊምና ነዘኻኽር።

2ይ – ትሕዝቶ መደባት ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ምዕባይ

እቲ ዝፍልም ዘሎ፡ ን 24 ሰዓታት ዝፍኖ ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና፡ ብቐዳመነት ዘተኩረሉ መደባት፡ ዜናን እዋናዊ ጉዳያትን፡ ቃለመጠየቓትን ህዝባዊ ዘተን፡ ዳህሳስ ሰነዳትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ሲቪካዊ ኣስተምህሮን ምኽሪ ሞያውያንን፡ ከምኡ `ውን፡ ብዜማን ሙዚቃን፡ ባህልን ያታን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ መደባት ምዝርጋሕ ክኸውን እዩ።

ንግዚኡ፡ ብሕልፊ ኣብቲ ብሳተላይት ቴለቪዥን ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝፍኖ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ትሕዝቶ ዝሓቖፈ መደብ፡ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ትሕዝቶ ንመዓልቲ ዘአንግድ ኮይኑ፡ እቲ ሓድሽ መደብ፡ ብናይ ኤርትራ ኣቆጻጽራ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ፡ ን 24 ሰዓታት ኪደጋገም እዩ።

እቲ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት መደብ፡ ተኸታተልቲ ነቲ መስመር ቴለቭዥን ክሳብ ዝላለዩዎ፡ ነቶም ሓደስቲ ሰዓብቲ መታን ከይሓልፎም፡ ነዚ ወርሒ`ዚ፡ ምድግጋም መደባት ክህሉ እዩ። ካብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት 2019 ግን፡ እዚ ኣተሓሕዛ`ዚ ስሩዕ ክኸውን እዩ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ከኣ፡ እቲ ትሕዝቶ ካብ 4 ሰዓታት ንመዓልቲ ናብ 8 ሰዓታት ንመዓልቲ ክብ ንኽብል ጻዕሪ ከነካይድ ኢና።

ብመሰረት ውጥን ኣሰና፡ ትሕዝቶ መደባት ቴለቭዥን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምንጽብራቕ፡ ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከቡለን ከተማታት መሪጽካ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ሕቡራትን መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፡ ኣውስትራልያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ስቱድዮታት ብምኽፋት ኣድማዒ ትሕዝቶ ቴለቭዥን ምፍራይ `ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ብስሩዕ ንምዕማም ዝሕግዝ ትሕዝቶ ገንዘብ ክሳብ ዝድለብ፡ ኣብ citizen journalism ማለት ዜጋዊ ጋዜጠኛነት ኣተኲርና ክንሰርሕ ኢና።

ስለዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ብዓል ሞያ ይኹን ግዱስ ኤርትራዊ፡ በብኸባቢኡ፡ ነዞም ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮም ዕላማታት ዝወቅዕ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ህዝብና ክረብሓሉ ይኽእል እዩ ዝብሃል ትሕዝቶ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብፕሮፌሽናል ቪድዮ ዝተቐድሐ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ብዌብካም ዝተሳእለ እዋናዊ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝካየድ ንጥፈታት ኤርትራውያን፡ ቃለመጠየቓትን ዘተታትን፡ ታሪኻውን እዋናውን ሰነዳት፡ ሙዚቃን ድራማን ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ብምልኣኽ ንመደባት ኣሰና ቴለቭዥን ኣብ ምህብታም ክዋሳእ ንጽውዕ።

3ይ – ቀጻልነት ሳተላይት ቴለቪዥን ኣሰና ምርግጋጽ፡

ኣቐዲምና ኣብ ውጥን ስራሕ ተሌቭዥን ኣሰና ብወግዒ ከምዝገለጽናዮ፡ ፈነወ ቴሌቪዥን ንምጅማርን ንሓደ ዓመት ንምቕጻሉን ዘድሊ ባጀት ኣስታት $450 ሽሕ ዶላር እዩ። ይኹን`ምበር፡ ናይ ዓመት ባጀት ክሳብ ዝውህለል ከይተጸበና፡ በቲ ኣሰና ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዘማዕበለቶ ብስራሕ ምጅማር ዝብል ያታ፡ ብሓደ ዕስሪት ናይቲ ዝድለ ባጀት ኢና ጀሚርናዮ ዘለና።

ስለዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ኮነ ግዱሳት፡ በብዓቕምኹም፡ ኣሰር ናይቶም ምስረታ ቴለቭዥን ኣሰና ኣብ ምዕዋት እጃሞም ዘበርከቱ ደገፍቲ ተኸቲልኩም ምትሕብባርን ደገፍን ብምግባር፡ ኣድማዕነትን ቀጻልነትን ናይዛ ድሮ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ብዓወት ጀሚራ ዘላ ነጻ መደበር ቴለቭዥን ኤርትራ ኣብ ምሕያል ኣበርክቶ ክትገብሩ ደጊምና ንጽውዕ።

እዚ እዋን`ዚ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ መሰረታዊ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ህዝቢ ኤርትራ ኣጊዱ፡ ተጠቃምነት ኢንተርነት ኮኒኑ፡ ኣእምሮኡ ብነጻ ከይሓስብ ኣደንቊሩ ንዓመታት ዝፈጸሞ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውልቀመላኽነት፡ ሕገ-ኣልቦነትን ዕንደራን ከይኣክል፡ ግልጽናን ተሓታትነትን ብዘይብሉ መንገዲ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ዙርያ ደማዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ  ናጽነትን ዝዓቀቦ ልኡላውነትን ብውዲት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ከምዘሎ ዝተጋህደሉ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጣልቃታት ዝሓላለኾ በዳሂ እዋን ብምዃኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንኣሰናን ድርብ ቃልስን ሓላፍነትን ዝሓትት መድረኽ እዩ። ብቐንዱ፡ ፈነወ ሳተላይት ቴለቭዥን ብህጹጽ ክንጅምር ዝደረኸና `ውን እዚ ክዉንነት እዚ እዩ።

ስለዚ፡ ብሞያን ገንዘብን ኢደይ ኢድካ ኢልና፡ ነዚ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ሃገርና ኤርትራ ብናይ ሓባር ጻዕሪ ብዓወት ከፊትናዮ ዘለና ማዕከን ቴለቪዥን፡ ብኣድማዕነት ኣብ ስራሕ እንተደኣ ኣውዒልናዮ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ብስቱር ውዲትን ግሁድ ዓመጽን ዝገጥሞ ዘሎ ፈተነን ተጻብኦን ብንቕሓትን ልቦናን ንምብዳህ ዘኽእሎ ሓያል መሳርሒ ወኒኑ፡ ታሪኻዊ ሓድጊ መጻኢ ወለዶ ዝተኽለሉ ሃገራዊ ጸጋ ክኸውን እዩ።

ኣሰና ሳተላይት ቴለቪዥን ብወገና፡ ኣብዚ ዓሞቚቲ መራሕቲ ሓሳባት ናይ ምፍልፋል ጽምኢ ኣጋጢሙሉ ዘሎ ጽንኩር እዋን፡ ኪኖ `ቲ ንነዊሕ እዋን ከተካይዶ ዝጸንሐት ምንጽብራቕን ምቅላዕን ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዛ መስኮት ቴሌቪዥን እዋናዊ ሓበሬታ እናተለዋወጠ፡ ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣብ ሃገርና ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምምጻእ፡ ነቲ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ውድቀት፡ ዞባዊ ምድንዳንን ኣህጉራዊ ውዲትን ብዝፈጠሩዎ ሽርክነት ንሃገርና ኤርትራ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ኣምኪኑ፡ ኣእምሮኡ ንቕሓት ዓጢቑ፡ ትንሳኤኡ ብምርግጋጽ፡ ሕጋዊ ስርዓት ተኺሉ፡ ብፍትሒ ዝመሓደረሉ ሃዋህው ንምፍጣር ዘኽእል ንኹሎም ኤርትራውያን መስሕብ ኮይና እተገልግል ማዕከን ፈነወ ሳትላይት ቴለቭዥን ከምእትኸውን ደጊማ ተረጋግጸልኩም።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣሰና ሳተላይት ቴለቪዥን

11 ጥሪ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo January 12, 2019

    ብርግጽ፡ቃልሲ ሓርነት ካብዚ ኣሰና እተቅርቦ ዝብገስ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ብውሑዳት ኣቡ-ዓሸራ ዝዓጠቁ ከም ዝተጀመረ መጠን፡ብዋሕድ/ዕሽር ብድፍረት ትብገስ ዘላ ሽሕን-ዋልታን’ድኣ ንኹና።እቲ ድኻ ቀባጽ እዩ።እቲ ግዳይ ነይ ይጻወር።እቲ ለባም’ውን ነይ-ዓውር፡ነይ-ጸምም።ስለዚ፡እዛ ዓመት ዓመት ምጅማርን ምቅጻልን ክትኮነልና ይምነ።

Post a Reply to Danilo Cancel Reply