Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደምበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ Ø መንግስቲ ኢራን ጽልዋታቱ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሃገራት ዓረብ ብሓፈሻ ምስ ስዑዲ ዓረብ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ዝምድናታት ክበትኽ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ብዋጋ ናይዚ ድማ፡

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

  • Ø መንግስቲ ኢራን ጽልዋታቱ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሃገራት ዓረብ ብሓፈሻ ምስ ስዑዲ ዓረብ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ዝምድናታት ክበትኽ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ብዋጋ ናይዚ ድማ፡ መንግስቲ ኢራን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎጀስቲክ፡ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ነዳድን ሓገዝ ክገብር ዘይተኣደነ መብጽዓታት ይኣቱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

 

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ብምሃብ ስለያዊ መሓውር መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍር፡ ካብ ዝፍቕድ ነዊሕ እዋን ምግባሩ ዝፍለጥ ጉዳይ ኮይኑ፡ እዚ መሓወር’ዚ ሑቱይን ንዝተባህሉ ተቓወምቲ የመን፡ ኣብ ሶማል ንዝርከብ ብግብረ-ሽበራ ዝልለ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ንሓማስ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ክገብር ምጽንሑን ምህላዉን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

 

ገለ ተንተኒ ፖሎቲካ፡-

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ወትሩ ካብ ዘላቒ ዝኾነ ስተራተጂካዊ ረብሓታት ግዝያዊ ጥቕምታቱ ስለ ዘቐድም፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝቐርብ ዘሎ መብጽዓታት ተቐቢሉ፡ ዝምድናታቱ ምስ ሃገራት ዓረብ ክበትኽ ዘይማታእ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ነቲ ኤርትራ ኣጋጢምዋ ዘሎ ከባብያውን ኣህጉራውን ከበባ ወይ ተነጽሎ ዘጋድድ ተርእዮ ምዃኑ’ውን የመልክቱ። ህላወ መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዙሕ ከባብያውን ኣህጉራውን ሕቶታት ዝልዕል፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ኣልሸባብ ዝህቦ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት፡ ጸጥታን ርግኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ፡ ዓቢ ተራ ዝጻወትን ሓደገኛን ምዃኑ ይትንትኑ።

 

  • Ø ኣብ መንጎ ሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ራሻይዳን ግርጭታት እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶክሲ ይርአ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ብ10/02/2014 ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተፈጥረ ንልዕሊ ርብዒ ሰዓት ዝወሰደ ምልውዋጥ ቶክሲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ሂወት ሰብ ዘጋጠመ ክሳራ’ኳ እንተዘየሎ፡ ሓደ ካብ ራሻይዳ ብሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምትሓዙ ተረጋጊጹ። ዳግማይ ብ14/02/2014 ኣብ ገርገፍ ዝተባህለ ቦታ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶክሲ ክልተ ካብ ራሻይዳ ከም ዝሞቱ፡ እቶም ካልኦት ሃዲሞም ምውጽኦም ተሓቢሩ።

 

  • Ø መንግስቲ ግብጺ ነቶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣዕሩኽ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ዕላማ ናይዚ ሓገዛት’ዚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብምጥንካር፡ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ብመንግስቲ ግብጺ፡ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝምወል ምዃኑ ይሕበር።

 

በዚ መሰረት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት፡ ኣብ ሰለስተ መደበራት ሓስበትን ማይ ኢሎን ዝተባህለ ፍሉይ ቦታታት ብክኢላታት ግብጺ ዝተሓገዘ ሓድሽ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከካይዱ፡ ምስቲ ኣጽዋር ንምልላይ ድማ ብርቱዕ ሰልጠና ንምውሳድ፡ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ   ተገሊጹ። ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ኮይኑ፡ ንሰለስተ መደበራት ታዕሊም ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ንምውህሃድ፡ ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሳልሕ ከም ዝበሃል ድማ ተሓቢሩ።

 

  • Ø ምስዚ ብምዝማድ ድማ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ሱዳን ብምሕላፍ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምዕናው፡ ምስ ተቓውምቲ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ። ነዚ ንምትእስሳር መንግስቲ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከብ ብሪክ ማሻር ዝምራሕ ተቓወምቲ ክሕግዝ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ምንጭታት ይሕብሩ። ኩሉ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ጸጥታዊ ስምምዓት’ዚ ግብራዊ ንምግባር፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወይ ኣብ ማርሳ በርጠ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ስምምዕ ኣብ ዝቐረበ እዋን ኣኼባ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ።
  • Ø ገባቲ ኢሳይያስ ብ09/02/2014 ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ብርቱዕ ቁጥዐ ምፍጣሩ ተሓቢሩ። ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ቃለ-መሕትት ከካይድ ከሎ፡ ሓንሳብ ዝስደድ መንእሰይ ኤርትራ የለን ክብል ጸኒሑ፡ መልሓሱ ሓጺፉ ከኣ እዚኦም ሓተላ፡ ግለት፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ፡ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝተዓሰቡ……………ወዘተ ብምባል ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታት ባጫን ዘለፋን ክህብ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን። ብ09/02/2014 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እዚኦም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ካሕሳ ከይኸፍሉ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰረቕቲ’ዮም፡ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ቅንጣብ ዝጎድል የለን ምባሉ ይፍለጥ። በዚ ዘይውርዙይ ቃለ መሕትት’ዚ ዝተቆጥዑ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኤርትራ እዚ ይትረፍ ብኣንደበት ሓደ ንነብሱ ከም መራሒ ህዝብን ሃገርን ዝፈልጣ ኣካል፡ ካብ ጎደና ዝሓድሩ ዓዋሉ ክወጽእ ትጽቢት ዘይግበረሉ፡ ተመሊሱ ንበሃሊኡ ዘሕፍር’ዩ ክብሉ ይገልጹ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከኣ ንምቕልጣፍ ውድቀት ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝዕድም፡ ንምህናጽ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ሕራነ ዝፈጥር ምዃኑ የረጋግጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

21 የካቲት 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Teclay February 21, 2014


    Ø መንግስቲ ግብጺ ነቶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣዕሩኽ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ዕላማ ናይዚ ሓገዛት’ዚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብምጥንካር፡ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ብመንግስቲ ግብጺ፡ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝምወል ምዃኑ ይሕበር። ” If we are fair and genuine , the so called Eritrean case have been Egyptian case for the last 50 years ,and will remain so unfortunately,it is bitter but that is reality.What about we ? we were simply useful Idiots. and know it is to late to change any thing.Belive me all this Medrik ,EpDP ,Baito etc sums up =0

    • Kabire February 21, 2014

      About Saudi Arabia: I don’t see any use of having relations with the retarded idiots of Saudi Arabia, they are worse than any force of destruction in the region. They are the most evil and savage kingdom in the Arab world.

      This good summarized article only proves how evil and opportunist Arab regimes are. They will never rest to use Africans against others such as Ethiopia or for organ harvest, sex slave or as slave labourers as Egypt’s Sinai shows.

      Though a bit late, Issaias should not be criticized for killing any Rashayda. By the way, where are the so called Hagerawi Bayto hiding in Sudan and not caring about the enslaved Eritreans under their own stinking noses. I hope he burns the evil Arab Rashaydas alive who are active in the slave trade: “ሓደ ካብ ራሻይዳ ብሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምትሓዙ ተረጋጊጹ። ዳግማይ ብ14/02/2014 ኣብ ገርገፍ ዝተባህለ ቦታ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶክሲ ክልተ ካብ ራሻይዳ ከም ዝሞቱ፡”

      “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ”
      Any direct or indirect attack by Egypt to Ethiopia though Eritrea will prove Eritrea or Hgdef as a true Arab condom. Ethiopia will have every right to retaliate in kind. That will end Eritrea as a nation. If Issaias wants to commit suicide, Ethiopia is capable of delivering that fast. No coward Arab regime will save Eritrea.

      Only people who suffer from deep inferiority and arrested development will trust an Arab to be hired as his mercenary army.

      • Hagherawi February 22, 2014

        “Ethiopia will have every right to retaliate in kind. That will end Eritrea as a nation. ”

        Kabire

        Iseyas is a dictator but you worse than him … you are a stupid agame … nothing more.

  • tesfaldet February 21, 2014

    the mistek ASSENA did is the releshinship with IRAN he say to get some GAS 7 LOGESTIKS WELL ASSENA THIS is not going to make you achive your goal if you want your propoganda to work you shulde report ERITREA & IRAN agree to make NUKCLER BOMB then the world will help you

  • tesfaldet February 21, 2014

    one more bad news to the opposition if you remeber whe MELES keep to say regime change in ERITREA when he was alive some opposition party was happy WEYANE to inveid ERITREA SOME OF THEM EVEN say if WEYANE inveid ERITREA it is going to be esey because the ONLY one who help ERITREA in the 1998 2000 war with WEYANE was ESAYAS FIRND GADAFFI well they say now no body is goin to help ESAYAS that when IRAN comes in so thats whay the WEYANE CHANGE THEIR TOON of regime change & now more bad news evry lie or propoganda AGAINST ERITREA TO UN is going to fail whay the new releshinship ERITREA & RUSIA remember RUSIA IS one of the high rank UN MEMBER it has the same veto power like the athers

  • Kalighe February 21, 2014

    I hate the regime of Iseyas, but there is no much truth in what is written here as news.

  • romay February 21, 2014

    እምበር’ዶ ንስኽስትኩስ ቁሩብ ኤርትራዊ
    ደም ኣለኩም? ደመኛ ጸላኢ ኤርትራ ከምን
    ከምዚ ምህዞ ወይ ድማ ውጹእ ሓሶት ኣይሕሱን።
    ጽባሕ ንግሆ ዘይድገም ጭብጢ ዘይብሉ
    ዘረባ እንዳሓደረ’ዩ ዘፍኩሰካ፡፡ ካብዚ ሓሶት እዚስ
    ሽሕን ሚእትን ጉድለታት ህግደፍ እንዶ ኣየሎን፡
    በጃኻትኩም ፖለቲካ ተዛረቡ ክብ ዘይጭበጥ ሓሶት።
    ሮማይ

  • Kabire February 21, 2014

    About Saudi Arabia: I don’t see any use of having relations with the retarded idiots of Saudi Arabia, they are worse than any force of destruction in the region. They are the most evil and savage kingdom in the Arab world.

    This good summarized article only proves how evil and opportunist Arab regimes are. They will never rest to use Africans against others such as Ethiopia or for organ harvest, sex slave or as slave labourers as Egypt’s Sinai shows.

    Though a bit late, Issaias should not be criticized for killing any Rashayda. By the way, where are the so called Hagerawi Bayto hiding in Sudan and not caring about the enslaved Eritreans under their own stinking noses. I hope he burns the evil Arab Rashaydas alive who are active in the slave trade: “ሓደ ካብ ራሻይዳ ብሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምትሓዙ ተረጋጊጹ። ዳግማይ ብ14/02/2014 ኣብ ገርገፍ ዝተባህለ ቦታ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶክሲ ክልተ ካብ ራሻይዳ ከም ዝሞቱ፡”

    “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ”
    Any direct or indirect attack by Egypt to Ethiopia though Eritrea will prove Eritrea or Hgdef as a true Arab condom. Ethiopia will have every right to retaliate in kind. That will end Eritrea as a nation. If Issaias wants to commit suicide, Ethiopia is capable of delivering that fast. No coward Arab regime will save Eritrea.

    Only people who suffer from deep inferiority and arrested development will trust an Arab to be hired as his mercenary army.

    • Suleiman Salim February 22, 2014

      Kabire,

      You are from Tigray. It is clear from your paranoia. There is nothing that Eritrea can do if the Egyptians want to use you as their condom.

  • Suleiman Salim February 22, 2014

    እዚ ብስም ‘ስምረት ሕስረት ‘ ዝወጸ ናይ ሓሶት ጽሑፍ ምስ ናይ ጀዋሲስ ስራሕ ዝተኣሳሰረ እዩ። ዕላማኡ ድማ ሓሶት ነዚሕካ ንየዋሃት ንምትላልን ንናይ ወያነ ጥቕሚ ንምስራሕን እዩ።

  • Tezareb February 22, 2014

    Arabs have no shame. They are bloody suckers like ticks ቁርዲድ፣ መዥገር. They are selling Eritreans into the most abhorrent Arab slave trade using Eritreans as the rich Arab’s organ spare parts, sex slaves and source of cash by torturing them for ransom, and now they want to use Eritrea on their dispute against Ethiopia? They have no shame!

    There is no good Arab, they are all blood suckers. Where have the barbaric Arabs were while Eritreans were crying not to be enslaved in Arab lands and not to be deported to Eritrea?
    What is the point of having any relations with the stinky Arab states while the vile Arab does not give a shit to Eritreans in Arab jails and in Arab slavery?
    The worst two racist Arab states are Egypt and Saudi Arabia who have no respect to a black person.

POST A COMMENT