Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅሉዕ መልእኽቲ ንሃገራዊ ኮሚሽን

ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ  እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!!     ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ

ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ  እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!!

    ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኤርተራውያን ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒትኩም ከም ዘቕረብኩም ኣይረሳዕኩን፡፡ ኮይኑ ግን ብፍሉይ ንስነ-ጥበባወያን ወገናትና ኣድማዒ ተራ ክጻውቱ ዘተገብረ ጻዊዒት ዝነበረ ኣይመስለንን፡፡ስነ- ጥበብ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ክንደዩ ተርኡ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ህያው ምስክር ኢዩ፡፡ሕጂ ውን ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕን፡፡ ኣበዚ ሓጺር ተሪፉ ዘሎ ግዜ ንቲ ሓያል ጻዕሪን መሰናኽልን ተሳጊሩ ኣብ ዋዜማ በጺሑ ዘሎ ጉባኤና ንምምዕራግ ዘደሊ ዘበለ ክግበር ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ቀዲመ ብመገዲ ኢመይል ሃገራዊ ኮሚሽን ግላዊ ኣበርክቶ ክገብር መልእኽቲ ሰዲደ ነይረ፡፡ ዝኾነ ኣተባባዒ መልሲ ግን ኣይረኸብኩን፡፡ሕጂ ውን ዳግማይ ቅሉዕ መልእኽቲ ብመገዲ ኣሰና እልእከልኩም ኣለኹ፡፡

ብመሰረት ጻዊዒት ሃግራዊ ኮሚሽን ሓንቲ ሃገራዊት ግጥሚ ንደረፊ ዝተዳለወት ዜማኣ ውን ከምኡ ዘትወደአ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ከቅርብ ድሉው ኣለኹ፡፡ካልኦት ውን ነዚ ትርግታ ህዘቢ ኤርትራ ክሰምዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ንምምዕራግ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ገለ ካብ ትሕእቶ እታ ዝተዳለውት እዋናዊት ሃገራዊት ግጥሚ፤

ወገነይ…ዕሰል ዕሰል ዕስል

ወገነይ ሕበር ስመር…….

ወገን…ወገን …ወገን ተኣከብ ተሰብሰብ

ፍልልይካ ኣጽብብ ተላዘብ…….

ሰላም ዚ ህዝቢ ተመነ ኣኺሉ ናሎ እቲ ቅነ ኣኺሉ  ናሎ፡፡

ሰላምና ተዘሪጉ ምንባር ስኢና

ሕልፈትና ስደት ኮይኑ ተኸላቢትና

ልዕሊ ዝኾነ ፍጡር ደም ኣዛሪና

ንቦኽርን ሕሳስ ልደን በጃ ኸፊልና

መኣስ ረኺብና….ፍትሒ ሓርነት

መኣስ ረኺብና ሰላም ቅሳነት

ንሳያ እታ ዝነበረት ንሳ መሊሳ ከማን ብኢሳ፡፡

ኣውያት ህዝበይ እስማዕ ኣሎ

ደም ንጹሃት እጠርዕ ኣሎ

ወገን ደልዩ ረዳኢ ኣጆኻ ዝብሎ ኣለኹ ዝብሎ፡፡

ሰዓት ኣኺሉ ባቡር ነቒላ

ወገን ተኣከብ እናበለት ትሕንበብ ኣላ ፡፡

 

ደጊመ ንኹሎም ነዚ መቐይሮ ዝኾነ ምዕራፍ ኩዉን ንምግባር ዝጸዓሩ ሓርበኛታት ከመስገኖም እደሊ፡፡

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት

ሚኪኤል እምባየ

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • paylo November 13, 2011

    ኣራንሺ! ኣታወዲ….ኣንታ መጭነቕ! ኣንታ መሕመም! ጽሑፋትካ ን ህ.ግ.ደ.ፍ. መረዘን ኮይንዎ ኣሎ፡፡ ትብዓትካን ቅዲ ኣጸሓሕፋኻን ንኢደ ኣይጸግቦን እየ፡፡
    ሓደ ቅር ዝበለኒ እንተሃለወ ሃገራዊ ኮምሽን መልሲ ክህብ ብዘይምኽኣሉ እዩ፡፡ባርያስ ሓጋዚኣ እንተረኸበት መዲድ ትሓብእ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡፡
    paylo
    na

POST A COMMENT