Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅሉዕ እዋናዊ አገዳሲ መልእኽቲ ንመላእ ዜጋታት ሃገረይ – ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/ አሜሪካ ሳን ድየጎ

ቅሉዕ እዋናዊ አገዳሲ መልእኽቲ ንመላእ ዜጋታት ሃገረይ ብተስፋይ ተኽለ  ሕ/መ/ አሜሪካ ሳን ድየጎ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ነቶም ኩሎም አብ መስርሕ ጉዕዞታት ቃልስና ዝሐለፍናዮም ተመኩሮታታትን ነዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕን ብምትእስሳር፣ አበየናይ ኢና ተዓንቂፍና ደኺምና አበይ’ከ ኔሩ

ቅሉዕ እዋናዊ አገዳሲ መልእኽቲ ንመላእ ዜጋታት ሃገረይ

ብተስፋይ ተኽለ  ሕ/መ/ አሜሪካ ሳን ድየጎ

ነዚ መልእኽቲ’ዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ነቶም ኩሎም አብ መስርሕ ጉዕዞታት ቃልስና ዝሐለፍናዮም ተመኩሮታታትን ነዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕን ብምትእስሳር፣ አበየናይ ኢና ተዓንቂፍና ደኺምና አበይ’ከ ኔሩ ሐያል ጐድንና ብሕጽር ዝበለ ድሕሪ ምትንካፍ ናብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ሃዋሁው ዘለኒ ውልቃዊ ርእይቶ ከም ኤርትራዊ  ዜጋ መጠን ንምቕራብ ኢዩ። እዚ ግን ንምእማት ዝአክል’ምበር ካበይ ንላዕሊ ምሁራትን፣ ምኩራትን፣ ለባማትን፣ ከምዘለዉ አጸቢቐ ከምዝፈልጥ ከይጠቐስኩዎ ክሐልፍ አይደልን።

ከም ኤርትራያን ጉዳይና ሎሚ አይኮነን ቀኒኑን ተባላሽዩን። ከምቲ “ቆርበት አይ ካብ ምንፍሑን እንታይድአ አብ ምጥባሑ” ተባሂሉ ብለባማት አቦታትና ዝተመሰለ፣ ጌና ብአግኡ ከሎ እንተስ ሰአን ዓቕሚታት ክእለትና ድዩ፣ እንተስ ብሰንኪ ድሕረት አፍልጦና አንዊሕናን አቶኲርናን  ክንጥምቶ ዝግብአና  ከሎ ጌና ሰአን ምልላይና ኢዩ።

ሎሚ ቅነ ክንርእዮን ክንሰምዖን ክንከታተሎን ዝቐነና ሐዲሽ ህዝባዊ ተርእዮ፣ እቲ ካብ ቀዳሞት አቦታትና ዝወረስናዮ  ትብዓትን ጅግንነትን ጌና ተጸንቂቑ ከምዘይተወድኤ  ዘነጽር፣ ህሉው መንእሰይ ወለዶና ከአ ከም አብነት ክወርሶን ክመሃረሉን ዝግብኦ  ተስፋ ዝህብ ተመኩሮ ኢዩ እብል።

ብድሕሪ 26 ዓመታት ናይ ርእስኻ ምድናን ዘመን፣ ብትብዓትን ድፍረትን መሰሎም ዝሐትቱ፣ርእሶም ክር እቢሎም ንመላኺ ስርዓት ትኽ ንትኽ ብቕሉዕ ዝዛረቡ፣አብነታውያን  ተረፍ እቶም ቀዳሞት ዝኾኑ ኤርትራውያን አቦታትና ምርአይና ከአ፣ ጌና እቲ አንጻር ሐያላት ቅያ ዝመልኦ ታሪኽ ዝፈጸመ ኤርትራዊ ኒሕን ሐቦ ከምዘይሞተን፣  ዳግም አብ ልዕሊ ምልኪ  ዘንቀጥቅጥ ታሪኽ ከምዝፍጽም ድሙቕ ምስክር ኢዩ።

እዚ ህዝባዊ ተርእዮ’ዚ ነቲ ርእስኻ አድኒንካ እሺ አሜን ጥራሕ ዝለመደ ሕንቁቕ ገባቲ ዝኾነ ስርዓት አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህዝቢ ኤርትራ አበይ በጺሑ ከምዘሎ ዝእምተሎምን፣ ንውሽጦም ራዕዲን ሽበራን ዝፈጥረሎምን፣ ብቐሊሉ ዘይሐድጎም ሕማም መርዘን  ምዃኑ ከአ ብርግጽ ዘገንዝቦም ኢዩ።  ራዕዲ ፈጢሩሎም ክነሱ ደፋራት ክመስሉ አናኢሶም ብምቁንጻብ ከቕርብዎ ከምዝፍትኑ ከአ ጌና ከይተሐልመ ዝተፈትሔ ኢዩ።

አቶ ኢሳያስ ኮነ እቶም ጸወርቲ መንዲሉ ዝኾኑ ለቕለቕቲ ዕሱባት ዜጋታትና ከአ፣ንስምባዴኦም መደዓዓሲ ዝኾኖም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከአ መታን ብሐባር ተወሃሂዱ ትንፋሶም ከየሕጽር፣ አሎ ዝብሃል መታለሊ ናይ ፕሮፓጋንዳ  ምድንጋር ሐሶት አላሊሞም፣ ከም አመሎም ራዕዲ ዝፈጥሩ ጉጅለታት አብ ውሽጢን ወጻኢን  ሃገር ከዋፍሩ ምዃኖም ንጹር ኢዩ። ድሮ’ውን ብኹሉ ሸነኻት ጀሚሮሞ አለዉ።

ኢሳያስ ናብታ ፈለማ ናብ ሰውራና ምስ ተጸንበረ ንምሕንካር ዝተጠቕመላ “አስላም … ክርስትያን” ትብል  ጒሒላ ብዓቲ ሃሊሉ ክድቕደቕን፣ ካብአ ተቐሊቡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ አሎ ዝብሃል ተንኮላት ክአላልምን  ከይደቀሰ ከም ዝሐድር ከአ ግሁድ ጉዳይ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ነቒሑሉ ኢዩ ኢልና ክንዛረብ እኳ እንተደለና፣ ካብ ሰብዓታት አትሒዙ በዚ ጠንቃም መርዚ’ዚ ተለኺፎም፣ አእምሮኦም ዝደስከለ ክሳብ ሕጂ ከአ ሐንጎሎም ዘይተበራበረ፣ ዜጋታት ከምዘለዉና ከአ ክንዝንግዕ አይግብአናን።

ህዝቢ ኤርትራ ንእምነት ክርስትና ኮነ ምስልምና ካብቶም ፈለማ  ጥንቲ ዝተቐበሉ አህዛብ ሐደ ኢዩ። እዚ ክልተ ቅዱስ ሃይማኖታት’ዚ ከአ ወላ ንሐንቲ መዓልቲ አብ ውሽጡ ጸገም ፈጢሩሉ አይፈልጥን ኢዩ። ታሪኽ ሕውነት ምክእአል፣ ታሪኽ ምጽውዋር ምክብባር እንተዘይኮይኑ ንሐንቲ ለይቲ ዝተራጸመሉ እዋን”ውን አይተራእየን። ምምሕዳር እንግሊዝ ከምቲ አብ ኩሉ ዝገዝኦ ሃገራ ዝገብሮ ዝነበረ፣ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ግዳይ ንኽገብሮ አብ ከተማ አስመራ አብ 50ታት ዝወልዖ ጐነጽ’ውን እንተኾነ፣  ሽዑ ንሽዑ ነቒሑ ኢዩ አቕሂምዎን አፍሺልዎን። አመንቲ ክልቲኡ እምነታት ዝኾኑ ናይ ሽዑ ለባማት መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ  ከአ፣ አብ መስጊድን ቤተክርስትያንን ብምኻድ አስላምን ክርስትያን ዝሐረድዎ ኢዮም ብሐባር ተቛዲሶም። አቤት!! ልቢ አቦታትና ክሳብ ክንደይ ሪሒብ ምንባሩስ አንታ አየገርምን’ዶ? እዚ’ስ ሎሚ ናበይ ተሰወረ? ከመይ ጌርና’ኸ ንመልሶ?

ተመኩሮ ሰውራና ብግልጺ ከምዘረጋገጾ ገለገለ ተዋሳእቲ መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ ክደኽሙ ከለዉ ሐይሎም መታን ከደልድሉ፣ ሰዓብን ተኸታሊን ንኽረኽቡ፣ ነቲ ድሑር ሕብረተሰብአዊ ሕማማት ህዝቢ ኤርትራ ንኽጥቀምሉ አይፈተኑን ክንብል አይንደፍርን። ይኹን’ምበር ማሕበራዊ ሰረታት ህዝቢ ኤርትራ በዚታት  ከነቓንቕዎ አይከአሉን። ለባም ህዝብና ተዓረቑ ስመሩ እንተዘይኮይኑ  ተፈላልዩ  አይፈልጥን  ኢዩ።

ብአንጻሩ  ታሪኽ ብንጹር ከምዘግሃዶ አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ ፍጥር ብቑል ክብል፣ ካብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ አትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞታት ስጉምቱ ብዕምቆት ምስ ዝምርመር ፣ ብሐደ ወገን ናቱ ተወካሊ መሲልካ፣ ደቂ ከበሳ ተበዲልና አስላም ሐሪዶምና ዝብል ናይ” አስላም … ክርስትያን” መጣልዒ ፖለቲካዊ ካርታ ሒዝካ ንስኻ እትብሕቶን እትዝውሮን ውድብ ምፍጣር፣ ንዕኡ ንምትግባር ዝሕግዘካ  ረቂቕ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ምስራሕ፣ ፍቱን መሳርሒን እሙን ምንጪ መደበር ሐይሊን ንኽትጥቀመሉ ዘገልግለካ  ሕብረተሰብ ስሚዒቱ እንዳጻሕተርካ ምጉስጓስ ዝብል ኮይኑ፣ ብኻልአይ ሸነኹ  ከአ ንመደብካ ዘፍሽሉ ተወዳደርቲ ዝኾኑካ ንቑሐት ባእታት ደቂ ከበሳ ንኸይቦቝሉን ንኸይስስኑን ናይ ብቓጻ ዝካየድ ናይ ቅንጸላ ስትራተጂ ብምስአል ለላህመቶም ዝቐዝፍ   ድርብ ብልሒ ዘለዎ ሴፍ  አዋዲድካ ምብጋስ ዝብል ስትራተጂ ሒዙ ኢዩ  ሀ …. ሁ .. ኢሉ ጉዕዞኡ ፈሊምዎ።

ጐራሕን ተንኮለኛን ኢሳያስ ንግሩህ ልቢ ደቂ ከበሳ ሰሪቑ፣ሐላይ ክርስትያን ወዲ ከበሳ መሲሉ ተረቂቑ ዘዋደዶ ናይ አምሰሉ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ሰሪሑሉ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብድፍረት’ውን  አዓዊትዎ  ኢዩ ክንብል ንኽእል። ድርብ ብልሒ ዝሐዘት  ሴፍ  አቶ ኢሳያስ አማስያኡ’ውን እንተኾነ፣ ስራሐ አስሊጣ ምስ ተአማመነት፣   ነቶም ካብ ተራ ሰብ አልዒሎም ንሃገርን መላእ ሕብረተሰብን ገቢቱ ዝጭፍልቕ  ስልጣን  ዘውዲ ንኽደፍእ ዘብቅዕዎ ተቓለስቲ ብጾቱ፣ ደቂ ከበሳ ክርስትያን ኮነ አስላም ኤርትራውያን  ከተኽብሮም’ስ ይትረፍ፣  ምሕረት አልቦ ክትቀዝፎምን፣ ብሂወቶም ከለዉ ትሕቲ ጉድጓድ ክትሸርቦምን፣ ንብዙሐት ተቓለስቲ  ገበላ ዓዲ ጓና ከተስፍሮምን ኢና መስኪርና። እንታ ኤርትራዊ ካብዚ ዝኸፍእ ቅብረት’ከ  እንታ አሎ?

ህዝበይ ሎሚ’ውን ይአኽለካ ካብ ጭቡጥ ተመኩሮኻ ለብም ተመሃር። “ሳእንኻን ይመስል አብ እግርኻን ዘይትወድዮ” ከም ዝብሃል ብምንም ተአምር ህዝቢ ኤርትራ ክርስትያኑ ይኹን አስላሙ ኢሳያስ ካብ ተግባሩ ኮነ ባህርያቱ ቀዳማይ ደመኛ ጸላኢኡ’ምበር ፈታዊኡ ወይ ከአ ናቱ ክኸውን ፈጺሙ ከቶ አይኽእልን ኢዩ።

ስለዚ እዚ ሎሚ ተቐጻጺሉ ዘሎ ተባዕ ህዝባዊ ተርእዮ፣ ሕቶ መሰልን ሕቶ ሰብአዊ ክብሪ ክነሱ፣   ኢሳያስን ኮራኹሩን ግን  ከምቲ ዘዕበዮም ነውራም አመሎም ናይ “አስላም’ዶ … ክርስትያን” ዝብል መታለሊ ቦያ ብምቕባእ፣ አብ መንጎ   ክልተ ፍንጫሕ መሰንገለ ናይ ሐደ አካል ዝኾነ  ሕዝቢ፣ ምጥርጣራት ንኽዘርኡ ክፍትኑ ኢዮም።አስላማይ ኤርትራዊ ይኹን ክርስትያናይ  ኤርትራዊ ክልተ ገጽ ስእሊ ናይ ሐንቲ ቕርሺ ኢዮም። ህዝበይ ነዚ ተንኮል’ዚ ንቕሐሉ። ናይ “ጀሃድ .. ጥሩፍ እስላምነት … ሸሪዓ .. አሸባሪነት .. 5ይ ዶ 7ይ መስርዕ ” ወዘተ ዝብል ትያትሮ መሪቱ አኺልዎ ዝአረገን ዝተፈንፈነን  ኢዩ። ናይ ሐሶት ጎስጓስ ብምክያድ፣ ነቲ ብተባዓት ደቂ ሃገር ተጀሚሩ ዘሎ ንስልጣኑ ብጋህዲ ዝደፈረ ምንቅስቓስ ብምቁንጻብ ክቖጽዮን ከልምሶን ኩሉ ዓይነት ዓቕሙ ክጥቀም ኢዩ። እቲ ዝተኻየደ ሕቶ ኮነ ምንቅስቓስ ብኻልኦት አማዕዲኻ ጥራሕ ዝጥመት ናይ አስላም  ጥራሕ አይኮነን። የግዳስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ አጠቓሊሉ ዝውክል፣  ኩሉ ዓቕሚታቱን  ሐይሉን አወሃሂዱ  ክዕጠቐሉን ክስለፍሉን ዝግብኦ ታሪኻዊ ሃገራዊ  ናይ ሐርነት ሕቶ ኢዩ።

ኩሉ አብ ውሽጢን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና ከአ አገዳስነትን ጽንኩርነትን ናይዚ መድረኽ’ዚ ብግቡእ ተገንዚቡ፣ ምልኪ አወጊዳ ናብ ምሉእ ሐርነት ዝተሰጋገረት ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር፣  ናይ ተወሃሂድካ ተለዓል ደወል ከቃልሕ ይግብኦ።

“ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከም ዝተባህለ፣ ሎሚ ከምቲ ናይ ቀደም “አስላምዶ .. ክርስትያንዶ”  እንዳበልካ ህዝቢ ከፋፊልካ ምግዛእን ምድሃኽን መድረኹን ግዜኡን  አብቂዑ ኢዩ። እግዚአብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ጸሎቱ ሰሚዑ፣   ከምቲ ንሐይልታት መግዛእቲ ቦርቂቑ ነጻነቱ ዘረጋገጸ፣ ነቶም ዘይናቱ ናትካ ኢና እንዳበሉ ካብ ውሽጡ ዝቦቖሉ መድመይቱን መንባዕቱን  ቦርቂቑ ንሐንሳብን ንሐዋሩን ሐርነቱ ብዘይጥርጥር ከልብሶ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከአ ንብዓቱ ደሪዙ ሐዲሽ ራህዋን ቅሳነትን ምውህሃድን ዘለዎ መቐረት ዝመልኦ ሂወት ከስተማቕር ኢዩ።

በዚ አጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ መከላኸሊ ሐይሊታት  ሰራዊት ኤርትራን፣ ሐይሊ ፖሊስን ኤርትራ ምስቲ ምስዓሩ ዘይተርፎ ንእስነቶም ከአ ብከንቱ አብልዩ  ከርተት  ዘበሎም መላኺ ስርዓት ዘይኮነስ፣ አብ ጐኒ ህዝቦም ተሰሊፎም ምረትን ሞትን ስደትን ህዝቦም  ሐንሳብን ንሐዋሩን ንምኽታም ምስ ህዝቦም ንኽስለፉ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ናይቲ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቦም ምዃኑ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

እግዚአብሄር ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

ልዑላውነት ሕጊ ይንገስ፣ ምልኪ ከአ ፈጺሙ ይፍረስ!!

ነጻን ሐራን ዝኾነት ፍትሐዊት ኤርትራ ትንበር!!

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • hara November 4, 2017

    Bhaqi lebam zereba!!hizbi eritra aentika kifet…bhade tekalisom tesewiom zemtsuwa eritra HADNETA kikutse aynefkid!!!

  • Sara November 4, 2017

    We all need to call for demonstration around the world and reach our People inside Eritrea. We need to be one as we are heading to change so all our difference s need to be narrowed, we have only one enemy that is issais. We need to remove him …let’s push…. together.

    • geladios November 4, 2017

      እወ ተባዕ ተቃላሳይ ንፍትሒ ሐው ተስፋይ ተኽለ ብመጀመርያ ንዓኻን ንኹሎም ተኸታተልትን ሰላም፡ ደሃይካ ክንስምዕ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ደስ ዝበል እዩ። መርሓባ ከኣ እብለካ፡ ከምቲ እተባህለ ‘በጊዔይ -በጊዔየ ባዕለይ ተዘንጊዔየ’ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ ጉዳይ ኤርትራና፡ ስርናይ ስርናይ ዘሪኣ ክርዳድ ኢያ ሓፊሳ። ኣታ እዚ ዘመን አንታይ አዩ ዘመኑ ዝዕበኹዋ ድሙዶ ተምጻለይ ተመንየ እዩ ኮይኑ። ከይብሉና ዓዲ ነየጋበር ከምዝብልዎ ኣቦታትና ነቶም ክርዳድ ዝዘርኡልና ጸላእትና ኣብ ሞንጎናውን ሓዊ ዝእተውልና ድሓን ቀስ ኢልና ከንርክበሎም ኢና እንድተባህለ ኢና ኣዒምና ኣብ ጽላል ዘይብሉ ገረብ ሃሩር ተለብሊብና ጸኒሕና። ከምቲ ሉሙድ ተንኮል ጸልእትና ኦም ብሓኽላ ኢና ከምታ ናይ ጎይተቶም ተንኮል አዩ ከጋጭውና ጸኒሖም። ብሰንኪ እቶም ባዕዳውያን ጸላእትና ንሕና ኣንጻሮም ከንቃለስ ኩቡር ዋጋ ክንከፍል፡ ኣብ ውሽጥና ተጽፍዮም ዝጸንሑ ኣንበጣ ጎደቦ ማልያ ቀይሮም ስልጣን ብምጭባጥ ሕዝባዊ ባይቶ ፡ ሕዝባዊ መንግስቲ ከይንተክል መፍትሕ ኣብ ኢዶም ሒዞም ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ክብሎ ከም ደላዮም ክዕንድሩ ንርእዮም ኣለና። ነቲ ኩውን ሓቅታት ከነለልዮ ነዊሕ ጊዜ ወሲድልና፡ ዘሕዝን ጉዳይ አዩ። ከይሓፈሩ ሕጂውን ነቲ ናይ ሰብዓታት ሜላ ኪጥቀመሉ ክፍትኑ እዩም፡ ወዲ ዓሻስ ኪልተሳዕ ይህረም ከም ዝባሃል ሕጂውን የድሕነና እግዚእዮ እዩ ዘብል። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ናይ ኣነነትን ምልክን ደኣምበር ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ዘርኢ፡ ዓሌት፡ ጸገም ይብልናን። ህግድፍ ብፍላይ መስመር ምልኪ ኢሳያስ ሃገርና ግደፍ!!! እምብቢ እንተልካ ብምጽዳፍ ኣክላባት ጽደፍ!!! ኩሉ ናብ ስልጣን ዝድይብ፡ ናይ ባይታ ከኣ ይወረድ አዩ’ሞ ሃገርና ኪትገደፍ ብኽብሪ ትዕደም።ሕዝባዊ ሰራዊትውን ሎምስ ልቢ ግበር ብርትካ ናብ መን ከም ትቅንዕ ኣጽቢቕካ ፍለጥ፡ ናይ ሕዝቢ ዲኻ ናይ ውልቀ መላኺ ዕላማኽ ፍለጥ፡ ህዝብና ዓቢ እምነት ኣለዎ ኣባኻ ከም ሕዝቢ ኣለና ኣብ ጎንኻ፡ ጸበባ ሓላፋይ እዩ ተፃውት ተራኻ ኣንታ ኣንበሳ ናይ ዱር በርኻ ኣጆካ ኣለና ምሳኻ!!!

  • Amba November 4, 2017

    The problem with Eritrean opposition politics, is, not-understanding the exact political problem in Eritrea. This is not new, to say the least, the Jebha-Shaebia conflict and the conflict among several Eritrean opposition camps from the extremist religious fanatics to the nationalists on the opposite side of the prism are few examples. The only person or the first one to identify it correctly and who has so far predicted the direction of the Eritrean politics is Yosief Ghebrehiwet – YG. There are many who say, he is truly prophetic. Read his article:

    “Among the opposition’s doing, the most harmful thing to Eritrea has been having its current predicament identified as a political rather than existential crisis. Once misdiagnosed as a political crisis, all try to find a political solution that invariably bypasses urgent issues of survival that has little to do with politics. The reason why most Eritreans in the opposition put undue focus on the “democracy project” – creating political parties, pushing for “unity” among parties, flirting with government-in-exile, discussing on what type of democratic government is suitable to Eritrea, rallying around the constitution or amending it or condemning it, strengthening democratic institutions in Diaspora, instilling democratic culture among youth organizations, advocating for free media and other democratic rights, conducting conferences and symposiums promoting democracy, writing endless papers on the virtue of democracy, etc – for providing a solution to the current crisis of existence primarily comes from this flawed understanding.”

  • AHMED SALEH !!! November 4, 2017

    Issayas agenda to guarantee his power according his dubious plan step by step :
    – create suitable atmosphere to bring religious and regional conflicts .
    – win the heart of unsuspicious combatants and civilian supporters .
    – succeed on divide and rule plan .
    – send a warning lesson to religious Muslims and Christians who might threaten my authority .
    – no reaction appeared means that people had surrendered .
    – mission accomplished . Now I own everything in Eritrean land including your children .

    Many patriots warned of our negligence result that can cause us dark future .. I wish we opened
    our ears and use our brains .

POST A COMMENT