Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ፡ ሃፀይ አቢይ ኣሕመድ፡ ሥዩመ እግዚኣብሔር 7ይ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትዮጵያ።

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ፡ ሃፀይ አቢይ ኣሕመድ፡  ሥዩመ እግዚኣብሔር 7ይ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትዮጵያ። ክቡር ጠቅላይ ሚንስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቐዲመ በቲ ኣብ ስልጣን ምስ ደየብኩም ዘርኣኹሞ ሥነ ሥርዓት ዝመልኦ ኣቀራርባኹምን መደረታትኩምን ካብ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐርበልኩም ዝነበረ ዘደንቕ ድጋፍን ንኣይ’ውን

ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ፡

ሃፀይ አቢይ ኣሕመድ፡  ሥዩመ እግዚኣብሔር 7ይ ንጉሠ ነገሥት ዘኢትዮጵያ።

ክቡር ጠቅላይ ሚንስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡

ኣቐዲመ በቲ ኣብ ስልጣን ምስ ደየብኩም ዘርኣኹሞ ሥነ ሥርዓት ዝመልኦ ኣቀራርባኹምን መደረታትኩምን ካብ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐርበልኩም ዝነበረ ዘደንቕ ድጋፍን ንኣይ’ውን ከይመሰጠኒ ኣይተረፈን። ሕጂ “ሃፀይ” ዚብል ቅጽል ክልቅበልኩም ከለኹ ክሕጭጭ ወይ ከላግጽ ኢለ ዘይኮንኩስ ነቲ ወላዲተይ ዝተነበየትለይ ሽመት ኢዩ ኢልኩም ባዕልኹም ዝገለጽኩሞ መሰረት ብምግባር፡ ከምኡ’ውን እዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ኣዋርሕ ተርእይዎ ዘሎኹም ከም ሃፀይ ቴድሮስ ንኢትዮጵያ ሓንቲ ክትገብሩ፣ ከም ሃፀይ ኃይለሥላሴ ከኣ ጥር ኢልኩም ነቲ ኣብ ዓድኹም ተርእይዎ ዝነበርኩም ግርማን ክብርን ኣትሕት ኣቢልኩም፡ ንኤርትራ ክትድምሩ፣ ንዓሰብ ክትካፈሉ ምስ ኣይተ ኢሳይያስ፡ እንሓንሳብ “ኢሱ” እንሓንሳብ ወዲ ኣፎም” ጸኒሕኩም ከኣ “ተደምረናል” እናበልኩም ዘርኣኹሞ ፈዀስኰስ ምስ ረኣኹ ግን እቲ ዝነበረኒ እወታዊ ኣረኣእያ ኣዝዩ ኣዝዩ ስለ ዘንቈልቈለ ኢዩ።

እቲ ንቀልቢ ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዞባናን ንዓለምን ዝሰሓበ ሓዲሽ መደብ መሪሕነትኩም ብፍላይ ከኣ፡ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ቅድመ ኵነት ንቕበሎ፣ ምስ መንግሥቲ ኤርትራ ከኣ ጽቡቕ ዝምድና ክንምስርት ኢና” ዚብል ቆራጽ ውሳኔኹም ብሓቂ ዘሓጕስ ኢዩ ኔሩ። ድሒሩ ዝሰዓበ ናይ ጉያ ጉያ ስጉምትታት ግን ኣይግድን። ብሕልፊ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ሃዋሳ ተጠሊዖም ንስኻ ምርሓና፣ ኩሉ ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ” ምስ በሉኹም እሞ፡ እታ ብጐበጣ ሃፀይ ኃይለሥላሴ ዝተቐርጸት ብሰሜን ቀራን መልክዕ ዝነበራ ካርታ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ቅጅል ኢላ ናብ ስሱዕ ሃፀያዊ ሸውሃት ከም ዝሰሓበትኩም ግልጺ እናኾነ ኢዩ መጺኡ። እዚ ሃንደበታዊ፡ ምላቝ ዚመስል፡ ሰራም ዶ ክብሎ ዓሻ ዘረባ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ሽዑ ሽዑ በለቕ ዝበለ ስሕታን ድዩ ወላንደኣ ኣቐዲምኩም ብምስጢር ኣብ ውሻጠ ስዑድያ ዝኣለምኩሞ ውዲት ኢዩ? እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ በዚ ምስ ኣቶ ኢሳይያስን ኰራዅሩን ትገብርዎ ዘሎኹም ዘይእዱብ ወኻዕካዕ፡ ቀይሕ መስመር ትሰግሩ ከም ዘሎኹም ንኹሉ ኤርትራዊ ስዉር ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም ስለ ዝኾነ ዘርኣየኩም ድሙቕ ኣቀባብላ ተታሊልኩም ጊጉይ ስእሊ ሕዝቢ ኤርትራ ቀሪጽኩም እንተ ደኣ ኰንኩም፡ ወይ ድማ ንሕዝቢ ኤርትራ ክቕሽሾ ክኢለ ኢየ ኢልኩም ትሓስቡ እንተደኣ ኣሊኹም ከኣ፡ ርሑቕ ከይከድኩም ክትሓስቡሉ ንመኽረኩም። ከቅርብ ያልመለሰ እረኛ ሲሮጥ ይውላል” ዚብል ምስላ ሃገርኩም ዘክሩ!

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት እናበለየ እንከሎ፡ ንስኹም ሕዝብኹም ክትእክቡ፣ ንተቓወምቲ ውድባትኩም ናብ ጠረጴዛ ዘተ እናኣከብኩም፡ ኤርትራውያን ውድባት ግን ተኣጊደን ኣብ ስደት ኮይነን ኡይ እናበላ ከለዋ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ ከኣ ንመሰሉ ዓው ኢሉ ከይዛረብ  ከምቲ ናይ ዘመነ ደርግን ሃፀይ ኃይለሥላሴን ብጠመንጃ ህግደፍ ተዓፊኑ፡ ጽባሕ እንታይ ኮን ክትወልደልና ኢያ እናበለ ከብዱ ሓቝፉ እናተኻየደ፣ ኣማእት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኰይኖም ኣብ ሃገርኩም እናሃለዉ፡ ሕጂ’ውን ቀጺሎም እናወሓዙ ከለዉ ስምምዕ ወይ ብይን ኣልጀርስ ተጐስዩን ሸለል ተባሂሉን ናብ ውዕል ኣዋሳን ጅዳን ክትጓየዩ ምርኣይ ዘስደምም ኢዩ።  ዓገብ! መግለጺ ዘየድልዮ ባዕሉ ዓው ኢሉ ዚዛረብ ሸፈጣዊ ሽርክነት ኢዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውድብኩም ኣኼባ መኽፈቲ ዝገበርኩሞ ይበል! ዘበለ መደረ ከም ዝገለጽኩሞ ኢትዮጵያ ከም ዓባይን ምዕብልትን ሃገር ንክትቅጽል ናይ ዝኃለፉ መራሕቲ ጌጋታት ኣሪምና ንኣበርክቶኦምን ተመክሮኦምን ክንወርስ ኣሎና ዚብል ሓሳብ ገሊጽኩም ኔርኩም። ስለዚ ኣብ ቃልኩም ትጸንዑ እንተደኣ ኰንኩም ኣቦታትኩምን ኣቦሓጐታትኩምን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዘርኣይዎ ንዕቀትን ዝፈጸምዎ ገበንን ከይትደግሙ እቲ ኣፉ ከይከፍት ተለጒሙ ዘሎ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ የጠንቅቐኩም ኣሎ። ፈንጺጉ ምስ ተላዕለ ግን እቲ ኣብ ሃገርኩም ክተቑምዎ ትደልይዎ ዘሎኹም ሥርዓት ፈርከሽከሽ ከይብለኩም ክትፈርሑ ይግባእ። የቆጡን ኣወርድ ብላ ይብብትዋን ጣለች” ዚብል ምስላ ሃገርኩም ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። እቲ ኤርትራ መሬታን ባሕራን እምበር ሕዝባ ኣየድልየናን ኢዩ” ዚብል ስሱዑን ትምክሕተኛን ኣቕዋም ኣቦታትኩም ክትክተሉ እንተደኣ ደሊኹም ከኣ ኣብኣ ትደኹም። ወይልኣ ዘውድኹም! ወልኹም ከኣ ነኣኹም! ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ነፍስ ሄር ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ንልዑላውነት ኤርትራ ኣመልኪቶም ሕዝቢ ኤርትራ ዘውዲ ናጽነት ደፊኡ ኣሎ፤ ነዛ ዘውዲ እዚኣ ዝተንከፈ ወይልኡ” ዝበልዎ ዘይዕጸፍ ሓቂ ኣባኹምን ሕዝብኹምን ከይፍጸም ተጠንቀቑ። ካብ ኣዘራርባኹምን ደኅረ ባይታኹምን ከም ንርድኦ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘሎኩም ኣማኒ ኢኹም ትመስሉ። ሃፀይ ኃይለሥላሴ እውን ኣማኒ፣ ሓላው ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዮም ዝሳለሙን ዘቐድሱን፡ ክሳብ ብጾምን ጸሎትን ሥጋኦም ዝቐጽዑን ኣማኒ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዚንገረና። ኣብታ መንበሮም ኣቢሉ ዘወጣወጠ ኣካል ግን ከይወዓለ ከይሓደረ ኢዩ ዚሓቅቕ ዝነበረ። ብጉዳይ ኤርትራ ዝመጸ ከኣ፡ ድቃስ ለይቲ ኣይነበሮምን። ምስ ኃያላን መንግሥታት ምምስጣር፣ ንኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ከዳዓት ፖለቲከኛታትን ብገንዘብን ብሽመትን እናጠበሩ፡ ንክርስትያን ምስ ኣስላም እናኣጋጨዉ፣ ብድብያ ዘርዕዱን ዚቕንጽሉን ሸፋቱ እናዋፈሩ፣ እንቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጕርሰው” እናበሉ ዘይፈጸምዎ ናይ ተንኰል ውዲት፡ ዘይኰዓትዎ ጉድጓድ ኣይነበሮምን። ውዒሉ ሓዲሩ ግን እቲ ዝፈሓርዎ ጉድጓድ ውሒጥዎም ዘመነ መንግሥቶም ብዘሕፍር ውርደት ተዛዚሙ። እቶም ብሽመትን ብገንዘብን ተታሊሎም ንሃገሮምን  ንህዝቦምን ኣሕሊፎም ዝሃቡ ኣካላት ዓደቦና ከኣ ዝተጸበይዎ ስኢኖም ብጣዕሳ እህህ ኪብሉ ዕድመኦም ብጓሂ ኣሕሊፎሞ። ገሊኦም፡ ኣብ ጊዜ ደርጊ፡ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ተበራቲዑ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ኪቀላቐል ምስ ጀመረ ናይ ሽዑ ልኡኻት ኣመሓደርቲ ዝነበሩ፡ ኣኪቦም እንታይ ይሓይሽ ኢሎም ምኽሪ ምስ ተወከስዎም፡ ቀደም እንዲና ተታሊልና፡ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ኢልና ባዕልና ኣምጺእናኩም፡ ኢትዮጵያን ሞትን ብሓንሳእ መጺአናና፡ ደቅና ኣብ ጐደናታት ይሕነቑን ይርሸኑን ኣለዉ” እናበሉ ብድፍረት ጣዕሳኦም ገሊጾምሎም። ከም ሳዕቤኑ ከአ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማሲኖም ሓሊፎም።

ሕጂ’ውን ክቡር ጠቕላሊ ሚኒስተር፡ ሃፀይ ኣቢይ “ገ” እናበሉኹም ኣይትጋገዩ። እዚ ዚርአ ዘሎ ድራማ ዘሕዝን፡ ግሉጽ ናይ ታሪኽ ድግማ ኢዩ። ንኤርትራ ኮነ ንኢትዮጵያ ዚደምዕ ኣይኮነን። ሕዝቢ ኤርትራ ንጊዜኡ ኣፉ እንተ ተዓጽወ ዝተዓሸወ ከይመስለኩም። ዝተበደለ ሕዝቢ ኪለዓል ከሎ ከኣ ዓጋቲ ከም ዘብሉ ፍለጡ። ጋሻ ውሕጅ ከይወስደኩም ተጠንቀቑ። ምናልባት ሕዝቢ ኤርትራ ብቝጽሪ ውሑድ ብምዃኑ ከይትድንድንዎ ተጠንቀቑ። ካብ ታሪኽ ተመሃሩ። ታሪኽ ርእሱ ይደግም ከም ዚበሃል፡ ታሪኽ ሃፀይ ኃይለሥላሴን ኰለኔል መንግሥቱን ኣባኹም ርእሱ ከይደግም። ምሁርስ ምሁር ኢኹም ትመስሉ። ካብ ምህሮ ኣእምሮ ዚበሃል ምስላ ኣቦታትና ኣሎ። ብኣእምሮ’ውን ደሓን ኢኹም ይመስለኒ። ግን ገለ ምሁራን ኢና፡ ናይ ታሪኽ ኣፍልጦ ኣሎና ዚብሉ ናይ ኣምሓራ ትምክሕተኛታት ከየታልሉኹም ተጠንቀቑ። ከመይ ናይ እኒ ግንቦት ሰባት ሕልምታት ብዕሊ እኳ እንተዘይ ተቓልዐ ብገለ ርእይቶ ወሃብቲ ወልቀ ሰባት ኣምሲልካ፡ ዚጋዋሕ ዘሎ ሽጣራታት ንሰምዖ ኣሎና። እዚ ከኣ፡ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ፡ ወያኔ ኢዩ ምስ ሻዕብያ ወጊኑ፣ቆሪሱ፣ ባሪኹ ሂብዎም። ሕጂ ወያኔ ተሳዒሩ ኢዩ፤ መራሒ ሻዕብያ ከኣ መሻርኽትና ኰይኑ ኢዩ፤ ስለዚ ንኤርትራ ጥይት ከይተኰስና፡ ብዓሰብ ጀሚርና ሰተት ኢልና ብሰላማዊ መገዲ ክንጥቕልላ እዋኑ በጺሑ ኢዩ” እናበሉ ዳርጋ ናይ ዓወት ዜማ ይዝምሩ ኣለዉ። ገሊኦም ግሩሃት ደቂ ሓንቲ ልባ ኢትዮጵያውያን ከኣ ምስ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ እንኳን ደስ ኣለን፡ ተደምረናል፡ ኣንድ ሆነናል” እናበሉ ኪዛረቡ ይስምዑ ኣለው። ሕዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዚከኣሎ የእውን ይውደብን ኣሎ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ከኣ ሽሕ’ኳ ብሓለንጊ ውልቀ መላኺ ሰኪሑ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ ተቓውሞኡ ኪገልጽ እንተዘይከኣለ፡ ልክዕ ከምቲ ቅድም ብጕርሕን ሽርሕን ከይተጠበረ፡ ስዒቡ ንዝመጾ ብጠያይትን መዳፍዕን ኃይለሥላሴን መንግሥቱን ከይረዓደ ሓደ ኣካልን ሓደ ልብን ኮይኑ ተቓሊሱ፣ ንኩሉ በዲሁ ባንዴራኡ ከንበልብል ዝኸኣለ፡ ብረፈረደም እውን ብሓድነቱ ንዓለም ዘገረመ፣ ሕጂ’ውን ንልዑላውነቱን ንሃገራዊ ክብሩን፡ ንዜግነታዊ መሰሉን ዝኾነ ይኹን መሥዋዕቲ ኪኸፍል ድሕር ዚብል ሕዝቢ ከም ዘይኮነ ክትፈልጡ ይግባእ። ክሳብ ሕጂ እንተ ተዓገሰ፡ መራሕቲ ህግደፍ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ድንገት ስለ ዝኣተወ ተዓገሰና ኢሎም ስለ ዘታለልዎ ኢዩ እምበር ኣጽቂጡ ወይ ሸለል ኢሉ ከይመስለኩም። ኣንበሳ እንተ ደቀሰ ዝሞተ ይመስል ኢዩ ነገሩ።

ስለዚ፡ ምስ ኤርትራ ንጊዜኡ ዘራኽበኩም ምሕንጻጽ ዶብ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ንስኹም ብኣካል ዝተሳተፍኩምዎን ኣሕዋትኩም ዝሰኣንኩምሉን ምኽኑይ ዘይነበረ ዘሕዝን ኵናት ከይድገም ንውዕላት ጅዳ ኣወንዚፍኩም ከምቲ ናይ መጀመርያ ቃልኩም ንውዕል ኣልጀርስ ኣተግብሩ። ብድሕሪኡ ከኣ ምስ ወልቀ ሰባትን ወልቀ መለኽትን ሓሻ ሓሻን  ፈዀስኰስን ኣቋሪጽኩም፡ ክብርኹም ሓሊኹም፡ ከምቲ ሊቅነት ኣቦታትና “ክቡር ያከብረከ መጠነ ክብሩ” = “ክቡር መጠን’ቲ ክብሩ የኽብረካ” እናበለ ዝምስክሮ ሕዝቢ ኤርትራ ክቡር ስለ ዝኾነ ኢዩ ኣኽቢሩኩም። ንስኹም ከኣ ግቡእ ክብሪ ሃብዎ። ንሕዝቢ ኤርትራ ኣኽቢርኩም፡ ምስቲ ባዕሉ ብነጻ ምርጫ  ኬቑሞ ዘለዎ ቅዋማዊ መንግሥቲ ጥራሕ ኢኹም ክልቴኣዊ ሕጋዊ ስምምዓት ክትገብሩ ዘምዕረልኩም። እንተ ዘየሎ ግን ፋሕ ብትን ኪብለኩም ኢዩ። እታ እትብህግዋ ጥምርትን ዝበልጸገትን ኢትዮጵያ ቅልቅል ኢላ ካብ ኢድኩም ሸተት ከይትብለኩም ተጠንቀቑ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ልቢ ይሃብኩም!

እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይባርኽ!

 

ኤርትራዊ ደላይ ፍትሕን ሰላምን

 

ካብ ዓዲ ጣልያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Solomon October 17, 2018

    Well said keep it up. We need to tell them the truth enough is enough .

POST A COMMENT