Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ መልእኽቲ ንቀለታ ኪዳነን ደቂ-መዛምርቱን – ዕድሜስ አይምህርንዶ? ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት!!!

  ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ  ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ

 

ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ነዚ እዩ  ኣቦታትና ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤ ከምዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ዝነክስ ኣማንን ፈታዉን ዘይብሉ፣360 ዲግሪ ምስ ዝጎራበቱና ሃገራት ብሓዊ ክጻወት ዘይሓንኽ፣ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ፍሬ ጻማ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ ብሰላምን ቅሳነትን ከይነብር፤ ንንቡር መርድእን ናይ ዉላዱ ሞት ቅባጸት ዘይረኽበሉ ኣደራዕ ንኽስከምን ወግሐ ጸብሐ ንሓዘን ንኽቃላዕ ዝገበረ፤ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘለዎ ጭካኔ መዋዳድርቲ ዘይርከቦ፣ ኤርትራዊት ማህጸን ጀጋኑን ሰራሕቲ ታሪኽን ከምዘይወለደት ወላድ መኻን ዝገበረ፣ ኣፍራይ ሓይሊ ወዲ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ሃገር ዘይትርገጽ ርስንቲ ሞቅሎ ኮይናቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሰሃራ ቀለብ ኣሞራ፡ ኣብ ቐላያት ማእከላይ ባሕሪ ንቀለብ ዓሳ ክሳጥሑ ዝገበረ፣ ብሓፈሸኡ ጠንቂ ብርሰትን ህልቂትን ብምኻን ዝልለ፣ ሰብአውነት ዘይብሉ ዓማጽን ደረቐኛ ስርዓት ምኻኑ ብትካል ሰብአዊ መሰል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ገበን ብምፍጻም ዝሕተተሉ እዋን፣ ጥዑይ ሕልናን ፍትወት ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክስሕቶ ወይ ክፈላለየሉ ክትርኢ እትጽበዮ አይኮነን።

ከም በዓል መስከረም ኔትን ዝአጎድዎ መጋርያ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎም ኮብለልትን፤ ነዚ ዘሎ ጸገም፡ ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ብፍቃድን ሰናይ ድልየትን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዛብእ ሰበስልጣናቱን ጥራሕ ክመጽእን ክትኮበልናን ክልምኑን ክምሕጸኑን ክንሰምዕን ክንዕዘብን ምጽናሕና ድማ ፤ ምሕጽንተኦምን ልመናኦምን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ክትብል ዘሕፍር እዩ። እወ ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ክቀያየሩ ዘይሓንኩ ብዘረባ ወራዙት ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን ። ኣቶ ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፤ ሎሚ ኣብ ስልጡን መዋእልን ኣብ ዉሽጢ ስልጡን ህዝቢን እንዳነበሩ ዝንቡዕ ሓሶት፣ ሕሱርን ግዕዘን ዝተኻሕለ ቃላቶም ክትሰምዕን፡ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ ንዕድሜ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስልጣን ህግድፍ ንምንዋሕ ዓዘር ቀዘር ክብሉ ክትርኢ ግን ኣበይ እዮም ዝነብሩ? እንታይ እዩ መኽሰቦም? ንመን እዮም ተዓሲቦም? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ካብ ሕልና እቶም ሓቐኛ ተቃለስቲ ስዉር እካ እንተዘይኮነ መስተንክርን መሰደመምን መኣዝን ዝሰሓተ ምስሉይነት ኢልካ ክግለጽ ግን ምግናን ኣይመስለንን።

እዞም ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ፣ በዓል ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፣ ሎሚ ኣብ ባዓቲ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ማዕከናት ዉልቐ መላኺ ስርዓትን ኮይኖም ዝመጻደቁ ዘለዉ፣ ወዮደአ ነውሪ ዘይፈልጡን ክገማጠሉ ዘየሕንኾምን እዩምእምበር፡ ትማሊ ንመስከረም ኔት ወናኒ ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም ብዕሱብነት ህግደፍን ስዉር መሳርሒን ዝኸሱ ንኢሳያስ ከም ገበነኛ ክገልጽዎ ዝጸንሑን፤ ሓንሳብ እዉን ኣፍቀርቲ ናይዞም ሎሚ ዝኸስዎም ዘለዉ ወያኔ ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ምንባሮም ስኑድን ቀለሙ ዘይነቀጽ ጽሑፋቶም ዘረጋግጾ ኣሎ ዘይበሃል ሓቂ እዩ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኢዮብልዩ ብሩራዊ በዓል ነጻነት ንህዝቢ ንምድንጋር ብዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ተደናጊሮም ከደናግሩ፡ ያኢ ተነበይቲ ክበሃሉ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ዉሳኔ ክዉሰድ፣ ንጠንቂ ስደት ዝኾኑ ሕጽረታት ከወግድ፣ ሃገራዊ ልዝብ ክእዉጅ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንስኒት ክእምም፣ ንህዝብን ሃገርን ራሕዋን እፎይታን ዘለዎ ኩነት ክፈጠር፣ ናይ ህዝቢ ተራ ዘይተሓዎሶ ቅዋም ክእዉጅ … ወዘተ ዘርዚርካ ክትገልጾ ዘድክም ጡሩንባ ብምንፋሕ ክጽበዩ ምጽነሖምን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ ከም ኣብ ማይ ዝእተወ ጨው ሓቂቁ ብብደዐ ዝሰኸረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ጡሩንባ ዝተነፍሓሎም ምሕጽንታን ልመናን ሓንቲ ቃል እካ ንማለቱ ከይዘከረ ንሰብ ገረሞ ኣብ ወርቓዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ኢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ ሕልንኦም ክምርምሩ ኢኻ እትጽበ።

እዞም ብጭዋን ዉርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድሩ፡ ግን ሓኮን ኒሕን ዘይዉንኑ ኮብለልትን ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን ሕጂ እዉን ኣይተማህሩን። እቲ ንኮንቱን መኻንን ልመነኦምን ምሕጽንትኦምን ዕሽሽ ተባሂሉ ምስተሓልፈን ምስትደርበየን ድማ ካልእ ሕብሪ ክለብሱ ሰማዒ እዝኒ ያኢ ክረኽቡ፣ ብአፍ ቀለታ ኪዳነ፣ ብዙሓት ተጋጊኻን ንኢሳያስን ኮርሻ ስልጣን ዝተወጡሑ መሳርሕቱን ኣይትፈልጦምን ኢኻ ክብሉ ዝመዓዱኒ ሓቆም ነይሮም ብማለት ከምስሉ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ዘሕፍር፤ ልዕሊ ዓቅሙ ዝዳፈር ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ግን ንይምሰል ምንባሩ እነሆ ሎሚ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘስደመመ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብጭካኔ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብጭብጢ ተሰንዩ ብናይ ዓለም ሰብአዊ መሰል ትካል ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚቴ ብዝፈጸሞ ገበን ንዝቀረበሉ ክሲ ክከላኸሉ ድግድጊት ተዓጢቆም ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብተግባራት ስርዓት ህግድፍ ግዳይ ዝኾነ፡ ካብ መሸጣ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንመቓያየሪ ናውቲ አካላትን ካብ ቀለብ ዓሳ ማእከላይ ባሕርን ዝተረፉ ብአሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት፤ ገዳይም ተቃለስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን ናይ ሕልና ምስክርነት ብምሃብ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ብወያኔ ዝተመወለ ክብሉ ኣይምተሰምዑን። ብአንጻሩ ነቲ ብዕለት 21 ሰኔ 2016 ብሽም ኤርትራውያን ዕማኾ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቐ መላኺን መአዝኖም ዘይፍለጥ ብግንቦት ሸውዓተ፤ ኦሮሞን ሶማልን ዝግለጹ ብአፍ ኤርትራዊ ዝመደሩ ንልዑላውነት ሃገር ዝሕለቁ ዝብል ስያሜ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ነቶም ፍትሒ ዝተሓረሞም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንገበነኛ ናብ ፍትሒ ይቅረብ ምባሎምን ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም ንገበናቱ ክቓላሕ ምኽአሉ ምድጋፍን ድማ ጸረ ልዑላውነት ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ እዩ። ክንከዓብ ኢናኸ ክብሉዶ ኣይግባእን?

ፍትወት ሃገርን ህዝብን፡ ብእንቐዓ ጃህራን ንባዕልኻ ልዕሊ ኹሉ ብምቅማጥ ፈላጥ እየ፡ ምኩር እየ ብማለት ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኮንካ ንመለኽትን ገበነኛታት እንዳወደስካ ብዝግበር መደረ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር፡ ኣብ ሓቅን ኣብ መትከልን ደው ብዝብሉ፡ ሃንደበቶም መደረኦምን ቃላቶምን ዘኽብሩ፡ ካብ ድሑርን ፈላላይን መሳርሒ ምልኪ ሕጹባት፡ ትሑታት ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ዉጹዓት፡ ብአፍ ዘይኮነ ተግባሮም ምስክር ኮይኑ ብዝዛረበሎም እዩ ዝግለጽ። ብዝተረፈ ናይ ስፖርት ጸወታ ኣክሮባት ኮይኑ፡ ሓንሳብ ሃገራዊ፡ ጽንሕ ኣኢልካ ተሓላቂ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ፡ ተመሊስካ ጠበቓ ብሄራት፡ ሕፍር ከይበልካ ድማ ባዕልኻ ወኪል ህዝቢ ዝብል ንነብስኻ ብምጥማቅ ኣብዞም ሎሚ መኽፈት ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ወያኔን ተጋሩን ብምስጋድን ብምምጛስን ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም እንዳበልካ ብዝቀያየር ናይ ነፋሒቶ ሕብሪ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ቓሉን ሓንደበቱን ዘየኽብር፣ ምስ መዘናታቱ፡ መቓልስቱ፡ ኣብ ክንዲ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ቖይቅን ምዝንጣላትን ዘቐድም፡ ብጽንዓትን ተአማምንነትን ዘይልለ አማኒ ዘይብሉ፣ ፍትወት ሃገርን ህዝብን ክህልዎ ክትጽበ ዝከአል ኣይኮነን።

ከም ደቒ ሃገር፣ ዘዛርብን ዝስራሕን ኤርትራዊ ገዛ ዕዮ ኣይተሳእነን። ኣብ እንግድዓኻ ዘሎ መስገደል ከተውርድ ስለሓቒ ክትሙግት እዩ ዝግባእ። ብዝተረፈ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ዝዓይነቱ፣ ዋናታቱ ዘለዉዎ ወያኔዶ! ትግራዎትዶ! ሱዳንዶ! ጁባዶ!ዉቅያኖስ ሰጊርካ ኸእ ፍሹላት መንግስታት ጁቡቲዶ! ሶማልዶ! ምምሕዳር ዋሽንግቶንዶ! ሕቡራት መንግስታት ዓለምዶ! እንዳበልካ ብናይ ጎራባብቲ ኣህዛብን ዓለምን ብምዉርዛይ ጸፍ ምባል መልክዕ የብሉን።ስለምንታይ እዩኸ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸዉን? እንታይ ስለዝወሰደሎም? ወይስ ከምቲ መላኺ ስርዓት ንነብሱ ከደዓዕስን ህዝቢ ከደናግርን ብቅንእን ምሕሳድን ንህዝቢ ኤርትራን ነጻነቱን ከምኡዉን ሐደ ስርዓት ህግድፍ ጥራሕ ብናቱ ርእይቶን ራእን ዝምራሕ እቶም ኻልኦት ግን ኩሎም ዘወርትን ኣማሓደርትን አለዉዎም እዮም ክብሉና እዞም ናይ ተባህለ ፈላስፋታት? ገለ ኣብነት ካብቲ ዘህተፍትፍዎ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓቱን ተመልከቱ << ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብበትርን ብጥይትን ከመሓድሩዎ ክቃለሱ እውን ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ብበትርን ብጠበንጃን ጥራሕ ከም ዘይግዛእ ትማሊ ባዕሎም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን ጕዳይ ክነሱ ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ሓጺር እዋን ክርስዕዎ ግን እቲ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። >> ይብሉ። ሓሶትን ሓቅን ንኽብል ደልየ አይኮንኩን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝሕለቁሉ ስርዓት ህግድፍከ? እዚ ብሂል እዝስ ኣይምልከቶን ድዩ ክብሉና? ናታ አቐሚጣስ ናይ ሓማታ ዝበሃል ክምዚ እዩ። ንምኻኑ እዞም ናይ ዘረባ ፈላስፋታት ወራዙት ነጸላ ጻዕዶ ክንድቲ ዘባኽንዎ ግዜ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽቡዶኾን ይስምዖም? ኪዒቡ ዝነዓቅዎምን ክብሪ ስለዘይብሎም ንጎኒ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝበዝሕስ ይርድኡዶኾን ይኾኑ? ዉሑዳት ብረብሓን ብዝተፈላለየ ድሑር ሕማማትን፤ ግሩሃትን ኣይክህልዉን ማለተይ አይኮነን።

 

ተቓዋማይ ኢየ እንድበልካ፡ ንኹሉ ተቓዋማይን ደላይ ፍትሕን ብዑስብነት ወያኔ፣ ክሕደት፣ ጥልመት፤ ልምሰት እንዳኸሰስካ ንህዝቢ ከይስዕቦም ጡሩምባ እንዳነፋሕካንከ እንታይ እዩ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ?? ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ዝቀየረ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሕ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበንን በደልን ዝፈጸመን ንብርሰት ዘሳጠሐን መላኺ ዘይግበኦ ክብሪ ሂብካን ለሚንካን ተማሕጺንካን ለውጢ ካብኡ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብማለት ንብዓት ሓርማዝ ምንባዕስ ሃየንታ ህዝቢዶ ኣይከውንን??? ኣይፋልኩምን በዓል ቀለታ ጽባሕ ክወግሕዩ! ዳግማይ ሕሰቡ ! ህዝብኹም ኣይተጉህዩ።

ኤርትራዊ ዜጋ ኣካላቱ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት መደለብ ሃብቲ ኮይኑ፤ መቐያየሪ ዝተበላሸወ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ናውቲ ኣካላት ዕዳጋ ክወርድ ሕልንኡ ዘይወቅሶ ስርዓት ምኻኑ ድማ ሎምስ ዓለም ብምልኡ ዝፈለጦ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ሽያጥ ገንዘብ ኤርትራዊ ዜጋ ማእከሉ ከተማታት ኤርትራ ምኻነን ድማ ክሳብ ክንደየናይ ኢድ እዚ ኣረሜን ስርዓት ከምዘለዎ መርአይኡ እዩ።በዚ ክትልብሙን ክትመሃሩን ድማ ይግባእ። ዕሸል ሕጻናት ብአዛብእ ሰበስልጣናት ህግድፍ ካብ ከተማታት ኤርትራ ተሰዊሮም ንራሻይዳ ንመሸጣ ከምዝጛረቱ እዉን ናይ ምስጢር አደባባይ ምኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ። ጽባሕ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ካብ ዓራረብ መቓልሖም ክትሰምዑ ምኻንኩም ኣይትጠራጠሩ።

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደገፍ ህዝቢ እንዳረሓቆ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝወስዶ ኣረመንያዊ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ፈሪሑ ኣፉ ዝተለግመ ህዝቢን ብረብሓ ንህዝብን ሃገርን ኣይግዳዶም ተደጊፉ ዝተሓልፈ ዓመታት ሎሚ የኸትም ኣሎ እንተተባህላ ምግናን ኣይኮነን። መርአያኡ ድማ እዚ ናይ ትማሊ ብብዙሕ ጻዕርን ድፊኢትን ምፍርራህን ነዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዲሞም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ እዩ ብዝብል ንምድንጋር ዝተፈተነ እሞ ካብ ብአማኢት አሸሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ብዕማኾ ተበለጽቲ ንሶምዉን ርእሶም ኣድኒኖም ትእዛዝ ክፍጽሙ ዝመጽኡን መአዝኖም ዝሰሓቱ ኮብለልትን ክትርኢ ኮለኻስ ንጹር ብርሃን ዉድቆቱዶ ኣይኮነን። እዝስ ከመይ ኣቢልኩም ክትክሕድዎ? ዶስ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ከምዝበሃል ሕጂ እዉን ትንፈር እምበር ጤል እያ ከምዝበሃል ነዚ እከይን ግዕዘይን ስርዓት ብምድጋፍ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ጡሩንባ ክትነፍሑ ክትቅጽሉ ኢኹም። መርገም ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ ከምዝበሃል ሃየንታ ህዝቢ ዕድኡ ከቢድ ምኻኑ ተገንዚብኩም ካብዚ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ መላኺ ስርዓት ርሒቁም ንህዝብኹም ክትናስሑ ዝምረጽ እዩ። መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ርሑቅ ኣይኮነን። ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም! ከምዝበሃል ነቲ ፍትሒ ተሓሪምዎ ብቐጻሊ ዘእዊ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ደበስቲ ኮንኩም ምስኡ ደው ክትብሉን አውያቱ ክትሰምዑን ናይ ሓው ምኽረይ ይልግሰልኩም።

ብርሃነ ተስፋጋብር

ደንማርክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Jgna July 19, 2016

    Keleta kidane wedishermuta b hzbna ayttawet

  • realistic eritrean July 19, 2016

    እቲ ሽግር ከሎ________ ካብታ ላም ከብቲ
    ካብቲ ጸባ እዩ ኢሎምና___ ቀልብና መሀውተቲ
    ዓመጽትን ቀተልትን ከለዉ___ ሸፋቱ ተጋደልቲ
    ቅጫ ሓረስታይ_____ ካብ ኣፍ ደቁ መንጠልቲ
    ውላዱ ዝምንዝዑ ክገብርዎ ናይ ኣዕራብ ሙታንቲ
    ክሽፍኑ ነቦይ ቀለታ ዝደልይዎ ብላምባዲና መብራህቲ
    ዘይናቶምዶ ኮይኑ ይኸውን እዞም ወኻሩ መምሰልቲ ?
    ወገን መርሚሮም ____ዘይወዲ ግራቶም መጸለምቲ
    ወዲ ዓዶም ክሳዕ ዝእሰር_____ ንሙዳዳ ሰገድቲ
    ከም ኣንጭዋ ዘጥቡቡ_______ ከም ዑፍ ነፈርቲ
    ተረፍ ናይ ሰብዓታት ኣብ ሓዳርን ፖለቲካን ፈላለይቲ
    ኢሳያስ ኣይንፈትዎ ነቦይ ቀለታ ኣይንገብሮን መማጐቲ
    ግን ኣይንዕሾን በውራጃውያን _aparatheid ፈለስቲ
    ሓቢርና ጥራይ ንጥሓል ኣብዛ ነዃል መርከብ ተገንጸልቲ !

  • rezen July 20, 2016

    ASSENNA

    Dear Readers,
    Please forgive me for responding in a foreign language to a Tigrigna Article – a legacy of ‘modern’ Western education. So, here I go indulging myself into the fray with respect to commentary from well known professor and other personalities on the Eritrean situation. Many readers are upset (and rightly so) by the lobe sided argument of the personalities in favour of the Government of Eritrea! They are not different than those who calculated to take the risk of choosing the buttered-side of the bread of TODAY. Tomorrow may very well be a different story with such people, as they are always in tune with circumstance of the day for their own exclusive happiness. From history we are familiar with such treachery from educated elites and others. It is Life. So, we should concentrate on the source of the real problem

    1. The problem
    After 30-years of horrendous sacrifice for “Independence”, Eritreans find themselves without Liberty, Freedom, Justice and Civil Government. The exodus of some five thousand young Eritreans per month out of the country is a glaring testimony for the world to witness with a shock. It is the greatest shock of shocks, generated and perpetuated by their Idol of yesterday >>> Issayas Afewerki Abraha Kahsai Miche. HE IS THE PROBLEM – not the self-loving academicians of all strata and the regular charlatans who go with the wind for their own benefits. What is the solution?
    2. The Solution
    In view of the absolute dictatorial nature of Issayas there is only one, and only one, solution >>> get rid of the originator by any means necessary. Issayas has astonishingly accomplished what he set out to do – i.e. bringing down Eritrea flat on its face under his boots. It is an accomplishment of raw psychotic hatred and revenge upon the Eritrean people. It is therefore logical that the Eritrean people would exercise their inherent right of dislodging him from the post by any means available. How?

    3. Establishment of effective “opposition” party.
    At this moment in time, there are over 80 opposition entities, amusingly ALL working for the SAME goal!!! The Tigrigna proverb is glaringly apt and incisive: ፈራሕ፡ ዓሰርተ በትሩ። What is needed is Action Group not more than eight to ten (yes, 8 to 10) who would be willing to draft a plan of course of action to free Eritrea from the clutches of the Dictator. It is not an easy Task. In any case, once the plan of action is ready it could be presented to an Assembly of Eritreans to debate and approve the plan >>> for its execution
    .
    4. Formation of an Assembly
    This is a Body formed by representatives of Eritrean communities around the Globe. A Circular should be published on the Internet, requesting Eritreans wishing to delegate ONE representative from their region to an Assembly that would be held in a central location recommended by the working group. Essential Point: The course of action (as roughly described here) is based on FREE VOLUNTARY BASIS,DEDICATED TO A CAUSE for the benefit of the Eritrean people. As such it is OPEN and works in harmony with the political interdependent world of International Communities around the Globe. Are Eritreans up to it? Do Eritreans have what it takes to RISE above their legendary debilitating sociological cancer of Religion, Regionalism, Tribalism, Racism, and other ‘isims’??? Eritrea must look at ITSELF on the mirror. WE Eritreans are our own enemy! መርገም ?!?

    5.FinalRemarks 5.1 Needless to say, the above suggestion (as a course of action) is only one possibility among many others. But regardless of the number of possibilities, the key to success is working in harmony, firmly keeping in mind the common objective, and above all to be acutely aware that this is NOT a competition searching for individual fame (or personality cult)
    .
    5.2 In my opinion, it is absolutely essential that YOUNG ERITREANS of TODAY take over immediately the responsibility for the formation of future Eritrea. Eritrea must be FREE from its own self inflicted stagnation i.e. latching to the OLD generation. After all, there is natural phenomenon called “RETIREMENT” and in Eritrea it is way – way – way overdue for such cleansing. In any case, let it not be forgotten that Issyas Afewerki was only 21-year old (first year college drop-out) when he hatched the deliberate transformation of Eritrea to what it is today i.e pathetic nation of refugees. He manipulated the entire country, with its hundreds of refined intellectuals from Western Universities around the Globe, to become their Idol. If I may confess, I admire the ‘son-of-a- gun’ (without an iota of liking) for his intense focus , decisiveness, boldness, and tenacity to achieve his goal, at any cost.

    5.3 As to any historical record of initiative and/or achievement by the old academicians of the highest order let True History be the judge.
    THE END

  • Qantisha July 20, 2016

    Keleta Kidane is a typical cheap political whore. You can not find cheaper person than Keleta Kidane

  • Bahta Hagos July 21, 2016

    Keleta Kidane hails from a village in Hamassien not far from Asmara.

  • GDAY HGDEF July 22, 2016

    perfect!
    I was expecting someone to say something to Ato keleta and i found it this article to response to Ato keleta. I was respecting Ato keleta for his good sense of his article. But his articles are changing. May be the pressure where he posted pressure him indirectly,(that what can I say)…I was one of the soldiers of Eritrea and I saw and taste of HGDEF’s situation, we torture so many people and tortured by HGDEF too.
    But Ato Keleta felt Hgdefs problem through eritren immmigrants who arrived in England. And At first he was understandable of the situations of all who taste the problems of Eritrea, mesekerem and NAZ too.

    But now they are almost turn over to bow down to HGDEF in exspenses of Ethiopia.(bWEYANE SEBEB)
    I know Ethiopia have their own problem and their are faced it. But don’t forget the problem of eritrean people is facing with HGDEF. And now they almost telling as to SAY “”AGAME””..and their are focusing on “”TEGARU”” people…what a shame! second Ato keleta views about TEKAWEMTI ERITREA..almost as they are not exit…indirectly HE Ato Keleta are TEKAWAMAY, the difference is he will no be jailed , because he is not in eritrea, but Ato Keleta don’t exclude from TEKAWEMTI. And don’t say I see HGDEF and TEKAWEMTI equal, as the power is with HGDEF and GEBARN HADAGN KOYNU ZELO.
    Please firm with the ERitrean people,

  • habtom July 22, 2016

    Ato keleta kidane ms Alem goitom esubat nay hgdef mukanom ezi manm seb zfelto eyu . Kem beal Alenalki Dehai zamesela website nay hgdef kemzi Meskerem. Net zzrgho hadegena felalay tsihufat ayer ghana eyen . Ato keleta abzi edme ezi n eritrawian hade zgebr tsihufat kndi mbrkat merzam felalayn tsihufatkum gedeb gberulu . Entezykoynu kab halafikum Manki zones gheben ekum tftsmu zelekum .

  • semerrr neber July 24, 2016

    wey gude

  • Berhane July 26, 2016

    Thank you, Berhane. Keleta kidane is of the Renegade, Reneged. He knows Isaias and his system are criminals for his people and the land itself. But Keleta has made himself blind for all and wants to get pieces from Isaias at the expense of his people. Keleta is educated, at least has got knowledge with all resources of his people, but becomes a unique enemy of his people and has sell out the spirit and mottos of the people’s Martyrs. Now, his daily job has become insulting his people, etc. I am glad if anyone could tell me if there was Keleta type in Eritrea in the Era of colonization or in the war of independence?

Post a Reply to GDAY HGDEF Cancel Reply