Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ መልእኽቲ ንቀለታ ኪዳነን ደቂ-መዛምርቱን – ዕድሜስ አይምህርንዶ? ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት!!!

  ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ  ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ

 

ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ነዚ እዩ  ኣቦታትና ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤ ከምዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ዝነክስ ኣማንን ፈታዉን ዘይብሉ፣360 ዲግሪ ምስ ዝጎራበቱና ሃገራት ብሓዊ ክጻወት ዘይሓንኽ፣ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ፍሬ ጻማ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ ብሰላምን ቅሳነትን ከይነብር፤ ንንቡር መርድእን ናይ ዉላዱ ሞት ቅባጸት ዘይረኽበሉ ኣደራዕ ንኽስከምን ወግሐ ጸብሐ ንሓዘን ንኽቃላዕ ዝገበረ፤ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘለዎ ጭካኔ መዋዳድርቲ ዘይርከቦ፣ ኤርትራዊት ማህጸን ጀጋኑን ሰራሕቲ ታሪኽን ከምዘይወለደት ወላድ መኻን ዝገበረ፣ ኣፍራይ ሓይሊ ወዲ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ሃገር ዘይትርገጽ ርስንቲ ሞቅሎ ኮይናቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሰሃራ ቀለብ ኣሞራ፡ ኣብ ቐላያት ማእከላይ ባሕሪ ንቀለብ ዓሳ ክሳጥሑ ዝገበረ፣ ብሓፈሸኡ ጠንቂ ብርሰትን ህልቂትን ብምኻን ዝልለ፣ ሰብአውነት ዘይብሉ ዓማጽን ደረቐኛ ስርዓት ምኻኑ ብትካል ሰብአዊ መሰል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ገበን ብምፍጻም ዝሕተተሉ እዋን፣ ጥዑይ ሕልናን ፍትወት ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክስሕቶ ወይ ክፈላለየሉ ክትርኢ እትጽበዮ አይኮነን።

ከም በዓል መስከረም ኔትን ዝአጎድዎ መጋርያ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎም ኮብለልትን፤ ነዚ ዘሎ ጸገም፡ ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ብፍቃድን ሰናይ ድልየትን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዛብእ ሰበስልጣናቱን ጥራሕ ክመጽእን ክትኮበልናን ክልምኑን ክምሕጸኑን ክንሰምዕን ክንዕዘብን ምጽናሕና ድማ ፤ ምሕጽንተኦምን ልመናኦምን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ክትብል ዘሕፍር እዩ። እወ ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ክቀያየሩ ዘይሓንኩ ብዘረባ ወራዙት ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን ። ኣቶ ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፤ ሎሚ ኣብ ስልጡን መዋእልን ኣብ ዉሽጢ ስልጡን ህዝቢን እንዳነበሩ ዝንቡዕ ሓሶት፣ ሕሱርን ግዕዘን ዝተኻሕለ ቃላቶም ክትሰምዕን፡ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ ንዕድሜ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስልጣን ህግድፍ ንምንዋሕ ዓዘር ቀዘር ክብሉ ክትርኢ ግን ኣበይ እዮም ዝነብሩ? እንታይ እዩ መኽሰቦም? ንመን እዮም ተዓሲቦም? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ካብ ሕልና እቶም ሓቐኛ ተቃለስቲ ስዉር እካ እንተዘይኮነ መስተንክርን መሰደመምን መኣዝን ዝሰሓተ ምስሉይነት ኢልካ ክግለጽ ግን ምግናን ኣይመስለንን።

እዞም ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ፣ በዓል ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፣ ሎሚ ኣብ ባዓቲ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ማዕከናት ዉልቐ መላኺ ስርዓትን ኮይኖም ዝመጻደቁ ዘለዉ፣ ወዮደአ ነውሪ ዘይፈልጡን ክገማጠሉ ዘየሕንኾምን እዩምእምበር፡ ትማሊ ንመስከረም ኔት ወናኒ ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም ብዕሱብነት ህግደፍን ስዉር መሳርሒን ዝኸሱ ንኢሳያስ ከም ገበነኛ ክገልጽዎ ዝጸንሑን፤ ሓንሳብ እዉን ኣፍቀርቲ ናይዞም ሎሚ ዝኸስዎም ዘለዉ ወያኔ ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ምንባሮም ስኑድን ቀለሙ ዘይነቀጽ ጽሑፋቶም ዘረጋግጾ ኣሎ ዘይበሃል ሓቂ እዩ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኢዮብልዩ ብሩራዊ በዓል ነጻነት ንህዝቢ ንምድንጋር ብዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ተደናጊሮም ከደናግሩ፡ ያኢ ተነበይቲ ክበሃሉ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ዉሳኔ ክዉሰድ፣ ንጠንቂ ስደት ዝኾኑ ሕጽረታት ከወግድ፣ ሃገራዊ ልዝብ ክእዉጅ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንስኒት ክእምም፣ ንህዝብን ሃገርን ራሕዋን እፎይታን ዘለዎ ኩነት ክፈጠር፣ ናይ ህዝቢ ተራ ዘይተሓዎሶ ቅዋም ክእዉጅ … ወዘተ ዘርዚርካ ክትገልጾ ዘድክም ጡሩንባ ብምንፋሕ ክጽበዩ ምጽነሖምን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ ከም ኣብ ማይ ዝእተወ ጨው ሓቂቁ ብብደዐ ዝሰኸረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ጡሩንባ ዝተነፍሓሎም ምሕጽንታን ልመናን ሓንቲ ቃል እካ ንማለቱ ከይዘከረ ንሰብ ገረሞ ኣብ ወርቓዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ኢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ ሕልንኦም ክምርምሩ ኢኻ እትጽበ።

እዞም ብጭዋን ዉርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድሩ፡ ግን ሓኮን ኒሕን ዘይዉንኑ ኮብለልትን ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን ሕጂ እዉን ኣይተማህሩን። እቲ ንኮንቱን መኻንን ልመነኦምን ምሕጽንትኦምን ዕሽሽ ተባሂሉ ምስተሓልፈን ምስትደርበየን ድማ ካልእ ሕብሪ ክለብሱ ሰማዒ እዝኒ ያኢ ክረኽቡ፣ ብአፍ ቀለታ ኪዳነ፣ ብዙሓት ተጋጊኻን ንኢሳያስን ኮርሻ ስልጣን ዝተወጡሑ መሳርሕቱን ኣይትፈልጦምን ኢኻ ክብሉ ዝመዓዱኒ ሓቆም ነይሮም ብማለት ከምስሉ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ዘሕፍር፤ ልዕሊ ዓቅሙ ዝዳፈር ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ግን ንይምሰል ምንባሩ እነሆ ሎሚ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘስደመመ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብጭካኔ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብጭብጢ ተሰንዩ ብናይ ዓለም ሰብአዊ መሰል ትካል ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚቴ ብዝፈጸሞ ገበን ንዝቀረበሉ ክሲ ክከላኸሉ ድግድጊት ተዓጢቆም ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብተግባራት ስርዓት ህግድፍ ግዳይ ዝኾነ፡ ካብ መሸጣ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንመቓያየሪ ናውቲ አካላትን ካብ ቀለብ ዓሳ ማእከላይ ባሕርን ዝተረፉ ብአሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት፤ ገዳይም ተቃለስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን ናይ ሕልና ምስክርነት ብምሃብ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ብወያኔ ዝተመወለ ክብሉ ኣይምተሰምዑን። ብአንጻሩ ነቲ ብዕለት 21 ሰኔ 2016 ብሽም ኤርትራውያን ዕማኾ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቐ መላኺን መአዝኖም ዘይፍለጥ ብግንቦት ሸውዓተ፤ ኦሮሞን ሶማልን ዝግለጹ ብአፍ ኤርትራዊ ዝመደሩ ንልዑላውነት ሃገር ዝሕለቁ ዝብል ስያሜ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ነቶም ፍትሒ ዝተሓረሞም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንገበነኛ ናብ ፍትሒ ይቅረብ ምባሎምን ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም ንገበናቱ ክቓላሕ ምኽአሉ ምድጋፍን ድማ ጸረ ልዑላውነት ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ እዩ። ክንከዓብ ኢናኸ ክብሉዶ ኣይግባእን?

ፍትወት ሃገርን ህዝብን፡ ብእንቐዓ ጃህራን ንባዕልኻ ልዕሊ ኹሉ ብምቅማጥ ፈላጥ እየ፡ ምኩር እየ ብማለት ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኮንካ ንመለኽትን ገበነኛታት እንዳወደስካ ብዝግበር መደረ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር፡ ኣብ ሓቅን ኣብ መትከልን ደው ብዝብሉ፡ ሃንደበቶም መደረኦምን ቃላቶምን ዘኽብሩ፡ ካብ ድሑርን ፈላላይን መሳርሒ ምልኪ ሕጹባት፡ ትሑታት ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ዉጹዓት፡ ብአፍ ዘይኮነ ተግባሮም ምስክር ኮይኑ ብዝዛረበሎም እዩ ዝግለጽ። ብዝተረፈ ናይ ስፖርት ጸወታ ኣክሮባት ኮይኑ፡ ሓንሳብ ሃገራዊ፡ ጽንሕ ኣኢልካ ተሓላቂ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ፡ ተመሊስካ ጠበቓ ብሄራት፡ ሕፍር ከይበልካ ድማ ባዕልኻ ወኪል ህዝቢ ዝብል ንነብስኻ ብምጥማቅ ኣብዞም ሎሚ መኽፈት ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ወያኔን ተጋሩን ብምስጋድን ብምምጛስን ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም እንዳበልካ ብዝቀያየር ናይ ነፋሒቶ ሕብሪ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ቓሉን ሓንደበቱን ዘየኽብር፣ ምስ መዘናታቱ፡ መቓልስቱ፡ ኣብ ክንዲ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ቖይቅን ምዝንጣላትን ዘቐድም፡ ብጽንዓትን ተአማምንነትን ዘይልለ አማኒ ዘይብሉ፣ ፍትወት ሃገርን ህዝብን ክህልዎ ክትጽበ ዝከአል ኣይኮነን።

ከም ደቒ ሃገር፣ ዘዛርብን ዝስራሕን ኤርትራዊ ገዛ ዕዮ ኣይተሳእነን። ኣብ እንግድዓኻ ዘሎ መስገደል ከተውርድ ስለሓቒ ክትሙግት እዩ ዝግባእ። ብዝተረፈ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ዝዓይነቱ፣ ዋናታቱ ዘለዉዎ ወያኔዶ! ትግራዎትዶ! ሱዳንዶ! ጁባዶ!ዉቅያኖስ ሰጊርካ ኸእ ፍሹላት መንግስታት ጁቡቲዶ! ሶማልዶ! ምምሕዳር ዋሽንግቶንዶ! ሕቡራት መንግስታት ዓለምዶ! እንዳበልካ ብናይ ጎራባብቲ ኣህዛብን ዓለምን ብምዉርዛይ ጸፍ ምባል መልክዕ የብሉን።ስለምንታይ እዩኸ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸዉን? እንታይ ስለዝወሰደሎም? ወይስ ከምቲ መላኺ ስርዓት ንነብሱ ከደዓዕስን ህዝቢ ከደናግርን ብቅንእን ምሕሳድን ንህዝቢ ኤርትራን ነጻነቱን ከምኡዉን ሐደ ስርዓት ህግድፍ ጥራሕ ብናቱ ርእይቶን ራእን ዝምራሕ እቶም ኻልኦት ግን ኩሎም ዘወርትን ኣማሓደርትን አለዉዎም እዮም ክብሉና እዞም ናይ ተባህለ ፈላስፋታት? ገለ ኣብነት ካብቲ ዘህተፍትፍዎ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓቱን ተመልከቱ << ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብበትርን ብጥይትን ከመሓድሩዎ ክቃለሱ እውን ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ብበትርን ብጠበንጃን ጥራሕ ከም ዘይግዛእ ትማሊ ባዕሎም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን ጕዳይ ክነሱ ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ሓጺር እዋን ክርስዕዎ ግን እቲ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። >> ይብሉ። ሓሶትን ሓቅን ንኽብል ደልየ አይኮንኩን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝሕለቁሉ ስርዓት ህግድፍከ? እዚ ብሂል እዝስ ኣይምልከቶን ድዩ ክብሉና? ናታ አቐሚጣስ ናይ ሓማታ ዝበሃል ክምዚ እዩ። ንምኻኑ እዞም ናይ ዘረባ ፈላስፋታት ወራዙት ነጸላ ጻዕዶ ክንድቲ ዘባኽንዎ ግዜ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽቡዶኾን ይስምዖም? ኪዒቡ ዝነዓቅዎምን ክብሪ ስለዘይብሎም ንጎኒ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝበዝሕስ ይርድኡዶኾን ይኾኑ? ዉሑዳት ብረብሓን ብዝተፈላለየ ድሑር ሕማማትን፤ ግሩሃትን ኣይክህልዉን ማለተይ አይኮነን።

 

ተቓዋማይ ኢየ እንድበልካ፡ ንኹሉ ተቓዋማይን ደላይ ፍትሕን ብዑስብነት ወያኔ፣ ክሕደት፣ ጥልመት፤ ልምሰት እንዳኸሰስካ ንህዝቢ ከይስዕቦም ጡሩምባ እንዳነፋሕካንከ እንታይ እዩ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ?? ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ዝቀየረ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሕ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበንን በደልን ዝፈጸመን ንብርሰት ዘሳጠሐን መላኺ ዘይግበኦ ክብሪ ሂብካን ለሚንካን ተማሕጺንካን ለውጢ ካብኡ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብማለት ንብዓት ሓርማዝ ምንባዕስ ሃየንታ ህዝቢዶ ኣይከውንን??? ኣይፋልኩምን በዓል ቀለታ ጽባሕ ክወግሕዩ! ዳግማይ ሕሰቡ ! ህዝብኹም ኣይተጉህዩ።

ኤርትራዊ ዜጋ ኣካላቱ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት መደለብ ሃብቲ ኮይኑ፤ መቐያየሪ ዝተበላሸወ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ናውቲ ኣካላት ዕዳጋ ክወርድ ሕልንኡ ዘይወቅሶ ስርዓት ምኻኑ ድማ ሎምስ ዓለም ብምልኡ ዝፈለጦ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ሽያጥ ገንዘብ ኤርትራዊ ዜጋ ማእከሉ ከተማታት ኤርትራ ምኻነን ድማ ክሳብ ክንደየናይ ኢድ እዚ ኣረሜን ስርዓት ከምዘለዎ መርአይኡ እዩ።በዚ ክትልብሙን ክትመሃሩን ድማ ይግባእ። ዕሸል ሕጻናት ብአዛብእ ሰበስልጣናት ህግድፍ ካብ ከተማታት ኤርትራ ተሰዊሮም ንራሻይዳ ንመሸጣ ከምዝጛረቱ እዉን ናይ ምስጢር አደባባይ ምኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ። ጽባሕ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ካብ ዓራረብ መቓልሖም ክትሰምዑ ምኻንኩም ኣይትጠራጠሩ።

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደገፍ ህዝቢ እንዳረሓቆ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝወስዶ ኣረመንያዊ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ፈሪሑ ኣፉ ዝተለግመ ህዝቢን ብረብሓ ንህዝብን ሃገርን ኣይግዳዶም ተደጊፉ ዝተሓልፈ ዓመታት ሎሚ የኸትም ኣሎ እንተተባህላ ምግናን ኣይኮነን። መርአያኡ ድማ እዚ ናይ ትማሊ ብብዙሕ ጻዕርን ድፊኢትን ምፍርራህን ነዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዲሞም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ እዩ ብዝብል ንምድንጋር ዝተፈተነ እሞ ካብ ብአማኢት አሸሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ብዕማኾ ተበለጽቲ ንሶምዉን ርእሶም ኣድኒኖም ትእዛዝ ክፍጽሙ ዝመጽኡን መአዝኖም ዝሰሓቱ ኮብለልትን ክትርኢ ኮለኻስ ንጹር ብርሃን ዉድቆቱዶ ኣይኮነን። እዝስ ከመይ ኣቢልኩም ክትክሕድዎ? ዶስ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ከምዝበሃል ሕጂ እዉን ትንፈር እምበር ጤል እያ ከምዝበሃል ነዚ እከይን ግዕዘይን ስርዓት ብምድጋፍ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ጡሩንባ ክትነፍሑ ክትቅጽሉ ኢኹም። መርገም ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ ከምዝበሃል ሃየንታ ህዝቢ ዕድኡ ከቢድ ምኻኑ ተገንዚብኩም ካብዚ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ መላኺ ስርዓት ርሒቁም ንህዝብኹም ክትናስሑ ዝምረጽ እዩ። መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ርሑቅ ኣይኮነን። ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም! ከምዝበሃል ነቲ ፍትሒ ተሓሪምዎ ብቐጻሊ ዘእዊ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ደበስቲ ኮንኩም ምስኡ ደው ክትብሉን አውያቱ ክትሰምዑን ናይ ሓው ምኽረይ ይልግሰልኩም።

ብርሃነ ተስፋጋብር

ደንማርክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Shameless double spy July 18, 2016

    Mr .keleta, you can put a lipstick to a dictator but he still remains a dictator. No amount of verbal diarrhea
    Would convince us otherwise. Why don’t you just stop it. YOU are embarrassing yourself.

  • ዮሃንስ July 18, 2016

    ዝኸበርካ ኣቶ ብርሃነ፥
    ግምታዊ ዘይኮነን ብሱልን ውድዓውን ጽሑፍ ጽሒፍካ። ድልዬትን ዓላማን ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ብብዙሕ ማኣዝናት ክግለጽ ይከኣል እዩ። ከምዝመስለኒ ኣቶ ቀለታ ከምሰብ ብውልቂ ዘይተኣደነ ድልዬትን ሸውሃትን ናይ ህቡብነትዊ ጥሙሕ ኣሎዎ። ብእንግሊዘኛ ፐርሶናል ኣግራንዳይዝመንት ንብሎ። ኣብሳይኮሎጂካዊ ስነፍልጠት እውን እኹል ዝኾነ ቦታ ኣሎዎ ናይ ብዙሓት ሕዱር ሕማም ወይ ብሄቪዮራል ኣትሪቢዩትስ ስልዝኾነ። መስኪናይ ኣቶ ቀለታ ድማ በዚ ሕዱር ሕማም እዚ ክሳቐ ንዕዘቦ ኣሎና።
    በቲ ዝተወሰነ ቀለም ምቑጻሩን ከምኡውን ኣብ ጊዜ ሃይለስላሴ ኣብቲ መሳልል ምሕደራ (ወላ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ይኹን) ተዋስኢ ስለ ዝነበረ፣ ብሰንኪ እዚ ድሕረባይታዚ ድማ ህርፋን ስልጣን ከብዝነበሮ፣ ኣብቲ ጽሑፋቱ ኮን መደርኡ ንምዕዛብ ኣዬሸግርን። ሕጂውን መስኪናይ ኮለል ዝብል ዘሎ እዩ ዝመስል። ብኡ ምኽንያት ይኸውን ሰብኣይ ክልተስ ናብዚን ናብቲን ክብል ሞተ ዝባሃል ምስላ ወራዙት ኣብቲ ተግባራቱን መደረታቱን ብንጹር ዘንጸባርቕ ዘሎ። ኣነ ካብመፈለምታ ጽሑፉ ጀሚረ ስጋብ ሕጂ ኣንቢበሉን ተኸታቲለሉን እዬ። ብናተይ ውድዓውን፣ ዘይሻራዊን ገምጋም፣ ብሓቂ መትከል ዘይብሉ ሰብ እዩ። ካብኡ ሓሊፉውን ኣብቲ ሓርፋፍ ኩነታት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን እታ ‘ኦ ዳሕራይከ ምስ እገሌ ምስ እገሌ ኮይኖም እንትጥቁዕናኽ ትብል ድሕርትን፣ ሕብእትን ስሚዒቱ ንደገ በጨቕ ትብሎ። እነሆ ድማ ካሎኦት ህቡባት መርበባት እቲ ዝይሃናጺ ጽሑፋቱ ስለዘዬውጽእሉ ናብቲ ብሕቡእ ኣጀንድኡን፣ ብዘይብሱል ትሕዝቶኡን፣ ብትሕተ ሃገራዊነቱን ፍሉጥ ዝኾን መሽረፈት ኔት ክጽጋዕ ተቐሲቡ። ዕድመ ዝጸገበ ዓቢ ሰብ ስለዝኾነስ ናቱ እንትዝገብር ምሓሾ። መስኪናይ፣ እንታይ ክገብር። ባህርያት ወዲሰብ ኣሸጋሪ እዩ።

  • Realistic Eritrean July 18, 2016

    ክቡራት መንእሰያት፣

    እቲ ጸገምና እዚ እዩ።ኣቦይ ቀለተ ሓደ ናይ ውሽጢ ሰላዪ፣ኣውራጃዊ፣ኩሓሊ መሳሊ ኣንቋሪ፣ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎ ውልቀ ሰብ ፣ወይ ድማ ዘይርድኦ ኣብዲ ክኸውን ይኽእል።እቲ ጸገምና ነቲ ዕላማ ኣልቦ ዝኾነ ናይ ሽፍትነት ዓላማና ነቲ ሱር ናይቲ ጉዳይ ኣውጺእና ሓቅነት ክንዲ ነንጸባርቕ ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ፣ንሓደ እንተተመሸጠ ሞቕሎቡ ዝጠፍኦ ብዓል በለስ ዝመስል ኣቦይ ቀለታ ከም ቴማ ኣልዒልካ እሞ ከም ዓንቃጺ ቃልሲ ጌርካ ምቕራብ ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ዝዓይነቱ ልሙሽን ርካሽን ፖለቲካን እዩ።ካብ ወነንቲ ሃብቲ ካብ ትግራይ ክሳዕ ሲዳሞ ኔርና ሕጂ ደቅና ነታ ዝውንንዋ ዝነበሩ ሃገሮም ሕጂ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኮይኖም መብልዕ ቁርሲ ሒዞም ምጽወታ ሕቡራት መንግስታትን ርህራሄ ህዝቢ ትግራይን ክጽበዩ፣ ኣቦይ ቀለታ ምሥዚ ዓቢ ጸገምና እንታይ ኣተሓሒዝዎ፣ጣፍ ካብ ሽራሮን ጎጃምን፣ሽኮር ካብ ወንጂ፣ቡን ካብ ካፋ፣መሸላን ሰሊጥን ካብ ሕሞራ እናተሰደሉ ብኽብረት ምስ ወላዲት ሃገሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ሙታንታ ኣዕራብ ዝኾኑ ተገንጸልቲ ሸፋቱ ንጎይቶቶም በደዊን ክጉምባሕ ዝገበርዎ ከለዉ ፣ነዚ ጥራጥ ዘይኣክል ኣቦይ ቀለታ ምምጻእ፣ሕማም ኤይድስ ንዘጥቅዖ ህዝቢ ብዛዕባ ሕማም ርእስን ፈጸጋን ከም ምስባኽ እዩ።ወረ ኢትዮጵያ እውን ሃገርና ኣይትንበር ንበል፣ጀርመንን ካናዳን መዳሕንትና ተቐቢርወን ድየን ከም ሃገርና ደቅና ነውርሰለን ዘለና።ሃብታን ፍቕራን ንውንኖ ዝነበርና ፍቁራት ህዝቢ ፣ተገንጸልቲ ሸፋቱ ናብ ናይ ኣዕራብ ግብረ ሶዶማውያን ክቕይሩና (ክልውጡና)ከለዉ ናይ ኣቦይ ቀለታ ኣንጭዋ ትበትኮ ኣረጊት ሽጣራ ኣምጺእካ ፈላስፋታት ብምምሳል ንመንእሰይ ናይ ሕልሚ ኣጅቦ ምቕላብ ንግደፎ።ተሓተትቲ እዞም ዕድሚኦም ካብ ሓምሳ ንላዕሊ ንርከብ ደለይቲ ሕስረት ኢና።እቲ ጽቡቑ ግን መንእሰያት ኣብ smerr paltalks ዓመጽትን ሰረቕትን መጕሃይቲ ኣደ ተጋደልቲ ተገንጸልቲ ሸፋቱ ምንጪ መከራ መንእሰያት ምዃኖም በዚ ከምዚ ከማይ ናይ ጥረ ብሱል (ትምህርቲ ዝጎደሎ ሕልናን ጥበብን ግን መሊኡ ዝ ሃቦ)ምኽሪ እናተኸተሉ ምዓልታዊ ንዓመጽትን ፈርሓትን ሸፋቱ ከወግዝዎም ክት ሰምዕ ጸባ የስትየካ።ብካርነሽምን ድምበዛንን ቶርዓን ጸንዓድግለን ዝተሓወስናዮ ሓሳዊ ቃልሲ ኣሪጉስ ይመውት ኣሎ።መንእሰያትና ባዕላቶም ምስ ነብሳን ጎረባብታን ብሰላም ትነብር ኤርትራ ክምስርቱ ሓገዝና ከም ዘይረኽቡ ፍሉጥዩ።ግን ክዕወቱ ተስፋ እገብር።

    ርካሽ ዓላማ ሸፋቱ ረጊጽና ሓዳስን ፈቃርን ኤርትራ ክንምስርት ኢና።

    • Eritreawit July 19, 2016

      , Cow Face, anta aytdekimin dikha?

      mister keleta kidane is just like you, and the dictator.

  • mizan July 18, 2016

    bluts miEdo miEdikayom tesfa ygebr lbi kigbru

  • ኣርዓዶም July 18, 2016

    ከም ዝፍለጥ ብዓል ኣቶ ቐለታ፣ ብዓል ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ዑቕባይ ወዘተ እቶም ንስርዓት ህግደፍ ብቅድም ዝተቓወሙ ኢዮም፡ ኢዮም። ጽሑፋቶም ኣብ`ቲ ቕድም ኣብ ኣስማሪኖ ይወጽእ ነይሩ። ብመጠኑ ድማ ኣብ ኣሰና ናይ ገለ ክፋሎም። ኣቶ ቐለታ ኣብ ኣስመራ ደቑ ከም ዘለዉዎን፡ ደቁ ድማ ምስ ህግደፍ መንግስታዊ ስርሓት ከም ዝሰርሑን ይንገር። በዚን ካልእን ይኸውን ኣቶ ቐለታ፡ ምስ ህግደፍ ጽግዕግዕ ዝብል ዘሎ። ብዘይካ ከም`ዚ ገይረ፡ ከም`ዚ ኢለ፡ ወዝተ ምባል መትከል የብሉን። ስርሑ ኣነ ይፈልጥ ኢዩ፡ ህግደፍ ግን ልዕሊ 50000 ተደይ ኣኽፊልዎ፡ በቲ ዝጀመሮ ይምሕሮ ኢዩ ዝብል ግምት የብለይን። ኣቶ ቐለታ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወደቐ ሰነፍ ሰብ ኢዩ፡ እምበር ኣብ`ቲ መጀመርታስ ኩልና ንፈትዎ ኢና ነርና። እዚ ድማ ዝብሎን ዝጽሕፎን ዝነበረ፡ ኣንጻር ዓማጺ ህግደፍ ስለዝነበረን ነቲ ኩነታት ይዝርዝሮ ብምንባሩን ንፈትዎ ነርና። ግን እዚ ሕማቕ ሰብኣይ ታሪኹ ባዕሉ ኣባላሹ፡

  • Tsige July 18, 2016

    Clearly this picture is of a white man probably looking for his pet dog or his savage muslimArab boyfriend.
    Why can’t you show us that ignorant man Keleta Kidane bending and begging his master DIA for mercy?

    • Wedi Keren July 20, 2016

      I absolutely agree with you sister Tsige. Ayte Keleta is also looking for old savage muslim Arab dogs for company and as boyfriends. Ayte Keleta should be deported from UK to his origin Hawzeyen – Tigray. The so-called Eritrean muslims should also behave like normakl humans.
      Munir type savage thugs muslims should be deported from Eritrea to their jihad evil muslim hell. Beautiful Eritrea should be clean, organic of pure habesha Christian nation. Ayte Kidane simply suffers so much identity crisis but is being manipulated by that nasty evil Meskerem’s owner.

  • k.tewolde July 18, 2016

    A great teaching memo for those vaccilators,opportunists,and double dippers.Thanks Berhane.

  • Natnael July 19, 2016

    ኣነ ነዚ ቀለታ ወይ ከኣ ቀታሊ ዝበሃል፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጮማ እንዳመረጸ ክቓናጆ ዝውዕል፣ ’ተጋዳላይ እየ ነይረ በሃላይን’ ብመሽረፈት.net ኣቢሉ ብመዋዳድርቲ ዘይርከቦ ሓሶታትን ምድንጋራትን ዘጽምመና ዘሎ ኣረጊት ሰብኣይ ብቐረባ ኣይፈልጦን እየ።እንተኾነ ግን ነዚ እዚ ክልተ- ጽጉሪ ኣብቒሉ ከም መሸላ ክጉናእ ዝቐረበ ሰብኣይ ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚረ ክዕዘቦ ጸኒሔ ብዘይካ ሃተፍተፍን ሃጠው-ቀጠውን ምስ ዕድሚኡ ዝመዛዘን መልእኽቲ ኣመሓሊፉልና ኣይፈልጥን።

    ስለዚ ኣቶ ቀላቲ ! ንሕና ወራዙት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጎሓፍ ንስኻ ምዕዶ ኢልካ እትኣምነሉ ሃጠው-ቀጠው ብዝቐልጠፈ ጊዜ ብምቁራጽ፣ ሰላም ክትህበና ብትሕትና እላበወካ! ካብኡ ዝተረፈ ነዚ ሃተፍተፍካ ምስ እትቕጽሎ ክሳዕ ክንደይ ነዚ በሊሕ ህዝቢ ኤርትራዊ ንዓቕካዮ ከም ዘለኻን ነዞም ብናይ መንነት ቅልውላው ከም ዕቡድ ከልቢ ናብ ኣረሜን ተቐዪሮም ዘለዉ ኢሳያስ ምስ ስዓብቱ (እንታይ ከም ዝኸፍሉኻ!) ትዋጥየሎም ከም ዘለኻ ተገንዘብ !

    ኣብ ውሽጢ እቶም ኣንበብቲኻ በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ዉልቀ-መላኺ መዓንጣኦም ሕርር ዝበሉ ደቀባት ኤርትራ ከም ዘለዉ እውን ክትግንዘብ ኣለካ! ጽሕፍቶታትካ ገደብ እንተትገብረሉ ወይ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ይኽዕበኒ ኣሎ እንተትብል ኣነ ከም ምዕዶ ኮይኑ እስመኒ ፣ ሕልና ገበር ! ንኤርትራ ካባና ደቀባት ንላዕሊ እትሓልየላ ክትመስልን ካብ ፓፓስ ንላሊ ካቶሊክ ክትከውንን ኣይትፈትን።

    ሓቀኛ እንተኾንካ ወሪዱና ንዘሎ ሽግር ካብ ምሽፍፋን ቁምነገር ዘለዎ ምኽርታት ክትምዕድ ምተገበኣካ !

    ዓገብ ኣቶ ቀለታ: በጃኻ መልሓስካን ኢድካን ቆጥበልና !

    • Asmerom July 19, 2016

      We don’t have dekebat Eritreans by the name of Natnael. You must be a Jew from Israel or Ethiopian Jew. You might also be like Ato Keleta from Tigray – Ethiopia, we know who is who in Eritrea but waiting patiently to eliminate the biggest enemy DIA and his close gangs of EPLF/ELFs first.

  • መሃረነ፡ወቀደሰነ July 19, 2016

    ቀለታ ወደቦይ ኪዳነ፡ ፈትወራሪ መሽረፈት
    ይፍትን ክጽሕፍ ከስርጽ ገለ ኣንፈት።

    ግንከ እንታይ’ሞ ‘ ገበር-
    እንተስ ዓመታት ወሲዱ
    እንተስ ርእሲ ሓንጊዱ
    እንተስ ኮይኑ ትውልዱ
    ኣይግድን’ዩ ዘሎ ኩሉ’ቲ መገዱ።

    ጽልኢ መታን ክጽሕትር
    ከይሓፈረ፡ “ልቢ ትግራይ ጥውይዋይ” እናበለ ‘ግዕር፡
    ንየማነ ማንኪ ያኢ ከቀባጥር።

    ንብርሃን ካብ ደልሃመት፡
    ንናጽነት ካብ ባርነት፡
    ንሓቂ ካብ ስርቂ
    ምፍላይ ጸጊሙዎ፡
    ብፍላይ ሎምቅነስ ዓጀውጀው ኣብዚሑዎ።

    ቦሎቲካ ኣይናትካን ቀለታ ሓሻካ፡
    ሕሩመይ ይኣኽለካ፡ ንማዓሮይ ኣይተሕንካ።
    ኣብ ቤት ጸሎትካ ግዳ ኬድካ፡
    “መሃረነ፡ ወቀደሰነ” እንተበልካ ‘ሕሸካ!

    • realistic eritrean July 19, 2016

      መሃረነ፡ወቀደሰነ

      I like it. speciallyሕሩመይ ይኣኽለካ፡ ንማዓሮይ ኣይተሕንካ።Mr Qeleta is a small fart in a gastric cancer.

      • መሃረነ፡ወቀደሰነ July 20, 2016

        Tnx Realistic (sic),
        Ato Keleta’s frequent oscillations, and, may I please, political prostitution, could rather be misleading especially to a beginner in the practice of political polemics. I just tried to find proper expressions to Ato Keleta’s modus politicus. U can be assured, dear Realistic, that I have no clue whatsoever, from which region Ato Keleta originates, nor do I’ve the slightest interest to know it. That’d would mean absoltely nothing to me. Believe me, read my lips.
        By the way, Realistic , with a plethora of other aliases: I’ve to confess I very much like and enjoy ur postings. Sometimes funny, sometimes provocative and sometimes even vulgar. It’s by no means necessary that we should have monolithic political views and ideas. That would be boring and regessive. It’s better to have different views and ideas, but at the same time have respect to each other for what each individual is. This is called pluralism and tolerance, the cornerstone of a healthy and dynamic civil society. .

        • Realistic Eritrean July 20, 2016

          መሃረነ፡ወቀደሰነ ,

          I believe you ,Aboy Qeleta was born 11 kilometres from where our village,I suspect he is being blackmailed or like many people of my area/awraja ,he could be cheering for higdef ,thinking the murderer ShaIbiya belonged to our area/awraja ,that is idiotic ,
          Dearest መሃረነ፡ወቀደሰነ ,,I have lived for long ,I am sick and tired of people that try to heal regionalism with their version of regionalism..They make me sick..I oppose higdef /shaibiya because it is the enemy of our youth from A to Z…

          stay brilliant
          your’s
          Realisic Eritrean aka brilliant Eritrean

  • Yohannes July 19, 2016

    Yohanne

    We know what Mr. Keleta will say as futile reaction for these constructive feedbacks.. He should know that Eritrea has sufficient knowledgeable justice loving citizens who can evaluate and refute one by one the contents, core message, conclusion and analysis of his diatribe.

    Yohannes:

    • መሃረነ፡ወቀደሰነ July 28, 2016

      Well said, Yohannes.

POST A COMMENT