Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፦

ሰላምታይ ድሕሪ ምቕራብ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። ኤርትራ ሃገርና ከም ሃገር ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ካርታ ዓለም ጉቡእ ቦትኣ ንኽትውንን፡ ካብ ንእስነቶም  ኣትሒዞም  ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ካብ ዝበሉ ናይ ሎሚ መራሕቲ ሃገረ ኤርትራ ኢኹም።  ስለዚ

ሰላምታይ ድሕሪ ምቕራብ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። ኤርትራ ሃገርና ከም ሃገር ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ካርታ ዓለም ጉቡእ ቦትኣ ንኽትውንን፡ ካብ ንእስነቶም  ኣትሒዞም  ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ካብ ዝበሉ ናይ ሎሚ መራሕቲ ሃገረ ኤርትራ ኢኹም።  ስለዚ ከኣ ከም ኩሉ ብሃገሩ ዝሕበንን ዝግደስን ሃገራዊ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምጉንጻፍ ዘበርከትክሞ መዳርግቲ ኣልቦ ኣበርክቶን፡ ድሓር ‘ውን  ዶባት  ናጻ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ  ከም ላዕሎዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት  ዝተጻወትኩሞ ተራ ብልቢ ከምዘኽብሮን ዘድንቖን ክገልጸልኩም እፈቱ።

ፍቓድኩም እንተ ድኣ ኮይኑ ሕጂ ናብቲ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ከመሓላልፎ ናይ ዝደለኹ መልእኽቲ  ዝርዝራት ክኣቱ ፦ እቲ ብመስዋትን ቃልስን ኤርትራውያን መንእሰያት  ዘረጋገጽናዮ ናጽነት እቲ ቀንዲ ሰረተ-እምነቱ ኣጥፊኡ፡ ሰብ ብፍርሕን ራዕድን ተዋሒጡ ምንባር ካብ ዝጅምር ብርክት ዝበለ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ፍጻሜታት ተኸሲቶምን ይኽሰቱ ኣለውን፦

  1. ገለ ካብ ‘ቶም ቀደም “መንከም ወዲ ኣፎምን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን” ብምባል  ንዝተዋህቦም ትእዛዝን ሃገራዊ ዕማምን ብዘይ ምልክት ሕቶን ቶጕላባነት ዘተግብሩ ዝነበሩ ናይ ቀደም ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ’ታ ውጽኢት ቃልሶምን መስዋእቲ ብጾቶምን  ዝኾነት ናጻ ኤርትራ፡ ህዝቢ ደግማይ ፍርሕን ራዕድን  ዝመለለዪኡ ናብራ ክነብር ስለዘይተዋሕጠሎም ፡ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ኣፎሙዝ ብረቶም ናብቶም ብምሉእ እምነት ዝተኣዘዝዎም  መራሕቶም ብምቕናዕ ኣብ ፎርቶ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ  ብምድያብ ፍርሒ ኣልጊሱ ፍትሒ ንኽነግስ ጸዊዖም።
  1. እቶም ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ሓደ ናይ ዘልኣለም ጸላኢኦም ዝርእይዎ ዝነበሩ ወትሃደራት ኤርትራ ፡ ሎሚ ከም ናይ ሂወት ዋሕሶም ብምርኣይ ካብታ ናጽነታ ንምርግጋጽን ቀጻልነታ ንምውሓስን ከርታት ዝበሉላ ሃገር ብዘይፍትዎቶም ሃጽ ኢሎም ብምኻድ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት  ኢትዮጵያን  ተዓቑቦም ይነብሩ ኣለው።

 

  1. እቲ ቀያሲ ህልዉን መጻእን  ሃገርና ዝኾነ መንእሰይ ካብታ ሃገራዊ ጉቡኡ ብምፍጻም ቀጻልነታ ዘውሓሰላ ሃገሩ፡ ይትረፍ ንቡር ሂወት ክመርሕስ ካብ ናብ ጫፋት ኤርትራ እኳ  ረጊኡ ክንቀሳቐስ ስለዘይከኣለ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ኣሎ።  ተሰዲዱ እውን እቲ ንቡር መከራ ናይ ስደት ጥራይ ከይኣኽሎ   ኣብ ኢድ እቶም ብምሻጥ ህዋሳት ወዲ-ሰብ ዘይታኣደነ ገንዘብ ዘኻዕብቱ ዘለዉ ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ሸየጥቲ ሰብ (human traffickers)  ተባሂሎም ዝጽዉዑ ኣረሜናውያን ፍጥረት ሰብ ይወድቕ ኣሎ።  ኣብ እርሲ’ዚ እተን ንመሰለንን መሰል ህዝበንን ቅድም ኮነ ሎሚ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ዝተሰለፋን ዝተበጀዋን ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ብዘይ ንቡር ክብረን ይድፈራን ይጋፋዓ ኣለዋን።

 

  1. ብዙሓት ካብቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዘበርከቱ ተራ ዜጋታትን ሰበስልጣን መንግስትን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶምን ፖለቲካዊ ርእይቲኦምን  ኣብታ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንግስ ዝተቃለሱላ ሃገሮም ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን መሰረታዊ ሰባዊ መሰላትን ኣብ መዳርግቲ ኣልቦ ጎዳጉዲ ተደርብዮም ይማስኑን ይሞቱን ኣለዉ።

 

  1. እቲ ኣብ’ቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ሃገርና ሓጊሕግካ ንምውጻእ ዝትኻየደ ሃገራዊ ቃልሲ “ ኩቡራትን ፍትዋትን ደቀይ ደኣ ይተዓወቱ  እንበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ፡ ፍርሕን ሽቁረራን ዝመልኦ ሂወት ከብቅዕ እዩ” ኢሉ ንሃገሩ ኩሉንትንኡ ዝወፈየ ኤርትራዊ ወላዲ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣስደሚምዎ “ካብ ናይ ደርጊ እንተዘይገድዲዱስ ፡ኣይሓይሽን ”  እናበለ  ብመስዋኢቲ ደቁ የስተንትን አሎ።

 

መዓርግኩም ከም ዝሕብሮ ንስኻትኩም ዝላዓልኩም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢኹም፡፡  ስለዚ ከኣ ካብቲ ብውሽጢ ወይስ  ብደገ ክመጽእ ዝኽእል ንህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓይሊ  ወጊድ ኣብ ምባል መዘና ኣልቦ ሓላፍነት  ዘለኩም ዓንዲ ሃገር ኢኹም፡፡ ስለዚ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለው ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ሃገርና ኣብ ረብሓኣ ክትሕልወሉ ዘይትኺለሉ ደረጃ ኣውዲቁዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ኣካይዳ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንምባል  ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብዓይኒ ሃገራዊ ረብሓ ርኢኹም ክትጽንበርዎ ሃገራውን ታሪኻውን ግደታ ኣለኩም። ህዝብን ሰራዊትን  ኤርትራ፡ ንፍርሒ ሲዒሩ ናብ ጎደናታት ዝወጽኣሉ  ሰዓት ርሑቕ ኣይኮነን። ከምቲ ገድሊ ኤርትራ ዘመስከሮ ከኣ ኣብቲ ድሒሩ ዝካየድ  ፍትሒዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ከምዝዕወት ዘየማትእ ሓቂ  እዩ። ስለዚ ከምቲ ነባሪ ተሪኽ እንብር፡ ነባሪ ሂወት ዘየለ።  ሎሚ እውን ንሃገርን ህዝብን ዘሕብን ስራሕ ብምስራሕ ዳግማይ ሽምኩም ኣብ ናይ ታሪኽ መጸሕፍቲ ከተቀምጡ  ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ይጽዋዓኩም እንናበልኩ በዛ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ነጻነት ኣዝያ ዝውትርቲ ዝነብረት ጭርሖ ክፍለየኩም ።

ናጻ ኤርትራ ህያብ ስዋትና እያ! ስልጥንትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ከኣ ናትና ህያብ ንሰውኣትና እዩ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ገዛኢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • ghezai May 18, 2013

    moksi
    it is good a good massage but thay all are guilty I don`t they will bay it .nebsom I hakun eyom

  • ghezai May 18, 2013

    sorry read as I don`t think …

  • misael May 19, 2013

    ata hasawy lokmegna kemey gerka hje jeganu tblom aleka aitgelabet kem aboka wode geba eska wodogeba long laife eritrea !!!

POST A COMMENT