Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፦

ሰላምታይ ድሕሪ ምቕራብ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። ኤርትራ ሃገርና ከም ሃገር ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ካርታ ዓለም ጉቡእ ቦትኣ ንኽትውንን፡ ካብ ንእስነቶም  ኣትሒዞም  ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ካብ ዝበሉ ናይ ሎሚ መራሕቲ ሃገረ ኤርትራ ኢኹም።  ስለዚ

ሰላምታይ ድሕሪ ምቕራብ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። ኤርትራ ሃገርና ከም ሃገር ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ካርታ ዓለም ጉቡእ ቦትኣ ንኽትውንን፡ ካብ ንእስነቶም  ኣትሒዞም  ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ካብ ዝበሉ ናይ ሎሚ መራሕቲ ሃገረ ኤርትራ ኢኹም።  ስለዚ ከኣ ከም ኩሉ ብሃገሩ ዝሕበንን ዝግደስን ሃገራዊ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምጉንጻፍ ዘበርከትክሞ መዳርግቲ ኣልቦ ኣበርክቶን፡ ድሓር ‘ውን  ዶባት  ናጻ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ  ከም ላዕሎዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት  ዝተጻወትኩሞ ተራ ብልቢ ከምዘኽብሮን ዘድንቖን ክገልጸልኩም እፈቱ።

ፍቓድኩም እንተ ድኣ ኮይኑ ሕጂ ናብቲ ብምኽንያት መበል 22 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ከመሓላልፎ ናይ ዝደለኹ መልእኽቲ  ዝርዝራት ክኣቱ ፦ እቲ ብመስዋትን ቃልስን ኤርትራውያን መንእሰያት  ዘረጋገጽናዮ ናጽነት እቲ ቀንዲ ሰረተ-እምነቱ ኣጥፊኡ፡ ሰብ ብፍርሕን ራዕድን ተዋሒጡ ምንባር ካብ ዝጅምር ብርክት ዝበለ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ፍጻሜታት ተኸሲቶምን ይኽሰቱ ኣለውን፦

  1. ገለ ካብ ‘ቶም ቀደም “መንከም ወዲ ኣፎምን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን” ብምባል  ንዝተዋህቦም ትእዛዝን ሃገራዊ ዕማምን ብዘይ ምልክት ሕቶን ቶጕላባነት ዘተግብሩ ዝነበሩ ናይ ቀደም ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ’ታ ውጽኢት ቃልሶምን መስዋእቲ ብጾቶምን  ዝኾነት ናጻ ኤርትራ፡ ህዝቢ ደግማይ ፍርሕን ራዕድን  ዝመለለዪኡ ናብራ ክነብር ስለዘይተዋሕጠሎም ፡ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ኣፎሙዝ ብረቶም ናብቶም ብምሉእ እምነት ዝተኣዘዝዎም  መራሕቶም ብምቕናዕ ኣብ ፎርቶ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ  ብምድያብ ፍርሒ ኣልጊሱ ፍትሒ ንኽነግስ ጸዊዖም።
  1. እቶም ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ሓደ ናይ ዘልኣለም ጸላኢኦም ዝርእይዎ ዝነበሩ ወትሃደራት ኤርትራ ፡ ሎሚ ከም ናይ ሂወት ዋሕሶም ብምርኣይ ካብታ ናጽነታ ንምርግጋጽን ቀጻልነታ ንምውሓስን ከርታት ዝበሉላ ሃገር ብዘይፍትዎቶም ሃጽ ኢሎም ብምኻድ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት  ኢትዮጵያን  ተዓቑቦም ይነብሩ ኣለው።

 

  1. እቲ ቀያሲ ህልዉን መጻእን  ሃገርና ዝኾነ መንእሰይ ካብታ ሃገራዊ ጉቡኡ ብምፍጻም ቀጻልነታ ዘውሓሰላ ሃገሩ፡ ይትረፍ ንቡር ሂወት ክመርሕስ ካብ ናብ ጫፋት ኤርትራ እኳ  ረጊኡ ክንቀሳቐስ ስለዘይከኣለ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ኣሎ።  ተሰዲዱ እውን እቲ ንቡር መከራ ናይ ስደት ጥራይ ከይኣኽሎ   ኣብ ኢድ እቶም ብምሻጥ ህዋሳት ወዲ-ሰብ ዘይታኣደነ ገንዘብ ዘኻዕብቱ ዘለዉ ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ሸየጥቲ ሰብ (human traffickers)  ተባሂሎም ዝጽዉዑ ኣረሜናውያን ፍጥረት ሰብ ይወድቕ ኣሎ።  ኣብ እርሲ’ዚ እተን ንመሰለንን መሰል ህዝበንን ቅድም ኮነ ሎሚ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ዝተሰለፋን ዝተበጀዋን ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ብዘይ ንቡር ክብረን ይድፈራን ይጋፋዓ ኣለዋን።

 

  1. ብዙሓት ካብቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዘበርከቱ ተራ ዜጋታትን ሰበስልጣን መንግስትን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶምን ፖለቲካዊ ርእይቲኦምን  ኣብታ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንግስ ዝተቃለሱላ ሃገሮም ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን መሰረታዊ ሰባዊ መሰላትን ኣብ መዳርግቲ ኣልቦ ጎዳጉዲ ተደርብዮም ይማስኑን ይሞቱን ኣለዉ።

 

  1. እቲ ኣብ’ቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ሃገርና ሓጊሕግካ ንምውጻእ ዝትኻየደ ሃገራዊ ቃልሲ “ ኩቡራትን ፍትዋትን ደቀይ ደኣ ይተዓወቱ  እንበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ፡ ፍርሕን ሽቁረራን ዝመልኦ ሂወት ከብቅዕ እዩ” ኢሉ ንሃገሩ ኩሉንትንኡ ዝወፈየ ኤርትራዊ ወላዲ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣስደሚምዎ “ካብ ናይ ደርጊ እንተዘይገድዲዱስ ፡ኣይሓይሽን ”  እናበለ  ብመስዋኢቲ ደቁ የስተንትን አሎ።

 

መዓርግኩም ከም ዝሕብሮ ንስኻትኩም ዝላዓልኩም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢኹም፡፡  ስለዚ ከኣ ካብቲ ብውሽጢ ወይስ  ብደገ ክመጽእ ዝኽእል ንህላዌ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓይሊ  ወጊድ ኣብ ምባል መዘና ኣልቦ ሓላፍነት  ዘለኩም ዓንዲ ሃገር ኢኹም፡፡ ስለዚ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለው ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ሃገርና ኣብ ረብሓኣ ክትሕልወሉ ዘይትኺለሉ ደረጃ ኣውዲቁዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ኣካይዳ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንምባል  ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብዓይኒ ሃገራዊ ረብሓ ርኢኹም ክትጽንበርዎ ሃገራውን ታሪኻውን ግደታ ኣለኩም። ህዝብን ሰራዊትን  ኤርትራ፡ ንፍርሒ ሲዒሩ ናብ ጎደናታት ዝወጽኣሉ  ሰዓት ርሑቕ ኣይኮነን። ከምቲ ገድሊ ኤርትራ ዘመስከሮ ከኣ ኣብቲ ድሒሩ ዝካየድ  ፍትሒዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ከምዝዕወት ዘየማትእ ሓቂ  እዩ። ስለዚ ከምቲ ነባሪ ተሪኽ እንብር፡ ነባሪ ሂወት ዘየለ።  ሎሚ እውን ንሃገርን ህዝብን ዘሕብን ስራሕ ብምስራሕ ዳግማይ ሽምኩም ኣብ ናይ ታሪኽ መጸሕፍቲ ከተቀምጡ  ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ይጽዋዓኩም እንናበልኩ በዛ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ነጻነት ኣዝያ ዝውትርቲ ዝነብረት ጭርሖ ክፍለየኩም ።

ናጻ ኤርትራ ህያብ ስዋትና እያ! ስልጥንትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ከኣ ናትና ህያብ ንሰውኣትና እዩ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ገዛኢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Salim May 17, 2013

    propoganda nay WOYANE ayserHn ‘yu::

    “እቶም ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ሓደ ናይ ዘልኣለም ጸላኢኦም ዝርእይዎ ዝነበሩ”

    kem ‘zi z’amesele qalat kab wedi Eritrea kweS’ ayk’ln ‘yu::

    • Beleza May 18, 2013

      Dear Genuine and concerned Reader
      please we have to forget the rubbish statement of insulting or considering strategic enemy of Eritrea as an Ethiopian, Amharu, Tigray and dergue. It is very backward the absolute enemy of Eritrean is identity crises, Poverty and the dogma dictator leadership in every corner of the country and abroad. We have to learn from our neighbors in the best mood unless it is nothing to come up and agitating the youth as enemy of amhara or tegaru in any discution and medeb taewet or ERITVs must avoid from our mind forever. they were not our enemy even nowadays.
      God bless Eritrea.

      • Hagherawi May 18, 2013

        “the absolute enemy of Eritrean is identity crises”

        Beleza

        Are saying that Eritreans are suffering for identity crisis ?
        Shame on you !.

      • Ahmed May 19, 2013

        Beleza

        I like the name but why did you choose to be called beleza , it seems to me you have some political message you want to pass using the name but I don’t think this kind game works anymore . I am sure you know what I mean but you know what eritrean people knows who their enemies are and they are dealing with them every single day. But to just make you feel better our worest enemy is agame that’s is but I don’t mean because we hate agame we should support our government but we fighting them both but number one is agame.

        Peace out

  • wedi aman May 17, 2013

    aseyas afewerki in 48 month not any more any longer in charge of eritrean ppl or the country. all ppl will be united together in pice of ertrea and also horn of africa country. pice at last…….for… sure…………………

    • hanetay May 18, 2013

      Better you go and learn how to write proper English before you post rubbish message. I see the ignorance in the corridors of the opposition parties.

  • NEW HOPE ERITREA May 18, 2013

    ከም ናተይ ኣረኣእያ__ንኢሳያስ ኣውድቝዎ እሞ ጽባሕ ንጉሆ መዝገብ ተገንጺሉ ድማ ሰብ ከከም ተግባሩ ክፍረድ እዩ ምባል___ጉድጓድኩም ባዕልኹም ኩዓትዎ ማለት እዩ።ሰብ ስልጣን ይኹኑ ተራ ¨ተጋደልቲ¨ነበር ኣብ ገበን ዝተጫማለቑ እዮም።እቶም ሰብ ዘይቀተሉ´ውን ሓለውቲ እሱራት ኮይኖም ክሃድም ዝፈተነ ዝረሸኑን__ወይ ተኣዚዞም ዝገረፉ እዮም ።
    መፍትሒ ነዞም ብግፍዒ ዝተጫማለቑ ፣ዳርጋ ኩሎም __ከምቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ__ኮሚሽን ዕርቂ ተመዚዙ ኢምዩኒቲ ኵሃቦም ክብሃል ኣለዎ።ከምዚ ዓይነት ኣረ ኣእያ ካብ ሰብ ንኽንፈርድ ንወህኽ ነቲ ንጹህ ሰብ ንምድሓን ቀዳምነትና ንገብሮ__።ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ እቶም ግፍዒ ዝፈጸሙ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተናዚዞም ይቕረ ይብሃለሎም።መከራ ኣደ ጠጠው ይብል፣ ልባ ኣዕሪፋ ንዓመታት ትበኪ__ድሓር ተሃድሶ ይመጽእ__እምበር በተን ጽባሕ ንጉሆ ክትፍረዱ ኢልና እናፋራራህናዮም __በቲ ሓደ ክኣ ህዝቢ ኣድሕኑ ክንብሎም__ምስ ኢሳያሶም እናሃብተሙ ይነብሩ__ነታ ሃገር ድማ ፋሕ ፋሕ ዘብላ ኩነታት እናፈጠሩላ ስ ለ ዘለዉ__ንሶም ተገልቢጦም ማለት ፋሉል ዝኾነ ሕብረተ ሰብን ብዝሓዞ ጠበንጃ ዝዋዳእን ህዝቢ ምፍጣር እዩ።
    እታ ዝሓሸት መፍትሒ ዝብላ ኣነ__እቶም ፈትዮም በረኻ ወጺኦም፣ ድሓር ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣበየሃገሩን ቦትኡን ዘለዉ ተጋደልቲ ነበር__ከምታ ወይ ምስ ኢትዮጵያን ኣሕዋትና ተሳማሚዕና ክንነብር ከይገድፉና__ወይ እቲ ዝተማባጽዑልና ጦብያዊ(ናይ ሕልሚ እንጀራ)ሂወት ክሳዕ ዘምጽኡልና ከይዶም ክቃለሱ__ኣብዚ ኮይኖም __ኪዳን__ለተማርያም ኢሎም ኣኼባታት ዘብዝሑ ይኺዱ።ሓላፍነት ኣለዎም።ጸጊሙናን ከፊኡናን ከይበልናዮም__ከፊኡኩምዩ__ተጨቍንኩም ኢኹም ኢሎም ሂወትና ዘባላሸውዎ ህንዱዳት ይኺዱ። ቃልሲ ደቅኻን ሓዳርካን ገዲፍካ እዩ፤ኣሜሪካን ጀርመንን ምስ ኣተኻ ቃልሲ ኣይቋረጽን´ዩ።ደቂ ሰብዓ እውን እንተበጽሑ፣ኣባት ጦር ዝብሃሉ ኔሮም እዮም ብጊዜ ደርጊ።
    ይኺዱ፣ናይ ነፋሪት ንሕና ነዋጽኣሎም።ናይ ብሓቂ መስዋእቲ ከምዚ እዩ።እቶም ሸፋቱ ኣገዲዶም ዝወሰድዎም ኣይምልከቶምን እዩ።

    • ahmed saleh May 18, 2013

      New hope
      You said ” Seb seltan yikhunu tegadelti neber are guilty of the crimes . My question to you , directly
      speaking are you pro Eritrean independence or not ? make it clear and I respect it .

      • belay nega May 18, 2013

        All Ethiopians look at Eritrean freedom from “TEMKEHTI” point of view.

      • NEW HOPE ERITREA May 18, 2013

        Brother Ahmed ,

        I am waiting for the independence to come & if our people accept it as good I am for what people want..personnaly to me I want the freedom to go to cafe with my friend Ahmed Saleh..without being imprisoned…to be able visit my relatives in the village..live as I want & leave the country when I want..I have no problem if our country stays her map integrity being respected or as co’country with Sudan,Djibouti or as USA territory.
        bUT ,I WANT TO SEE THE INDEPENDENCE FIRST..I HAVE NOT SEEN IT YET.
        Maybe we differ in our interpretation of independence.

        • belay nega May 19, 2013

          “bUT ,I WANT TO SEE THE INDEPENDENCE FIRST..I HAVE NOT SEEN IT YET”

          If you do not see it now.you will never see it.

  • Kalighe May 18, 2013

    “” እቶም ሸፋቱ ኣገዲዶም ዝወሰድዎም ኣይምልከቶምን እዩ።””

    NEW HOPE

    You are calling freedom fighters bandits. This shows who you are .. an enemy posing as Eritrean.

  • Kalighe May 18, 2013

    Dear Ghezai

    Thank you for this important message, however, it would be better if you could send it via mail to each of them.

  • Biniyam May 18, 2013

    New hope I told you before you are using non eritrean tigrigna language would you please stopt to comment about eritrea.

  • Seb May 18, 2013

    We all know by far Eritrea was a better place for it’s people during the dergu days. The question is, by becoming an independent nation what have Eritrea gained?

  • The candid true May 18, 2013

    To the author of the article.
    Forgive me sir, but you’re barking on the wrong tree. The military leaders you’re appealing to are busy selling Eritrean organs, enslaving countless youth, raping their sisters (well they don’t really believe on blood relations, instead they are rooted on cannibalistic Sahel culture). They have silch morale, they’re worse than wild beasts. Didn’t you hear a general who smuggled his son to Ethiopia? The only hope for Eritrea is the new generation; but unfortunately they are faced with stiff obstacles from the old shifta generation who do everything to derail and frustrate them. Remember Hare-stay who accused Ethiopia of interfering because according to him they pushed for Huruy to be the leader of the alliance – it was simply a case of who should be in power. Harestay thought he should be the leader if not let the struggle for democracy go to the gutter. That’s exactly what he did. Sudan then was open to the opposition, Ethiopia, Yemen were ready and willing to support, and if it wasn’t for the selfish power struggle, Eritrean would have been free from the mafia PFDJ. So for you sir to think that the generals would miraculously grow few brain cells and save their people is a pie in the sky. To New Hope Eritrea – I don’t think Truth Reconciliation seen in South Africa would work in Eritrea. The whites did have brains and courage to say we have committed crimes, do you think the PFDJ shifta would admit to any crimes? I don’t think so.
    May God/Allah save Eritrea from eating it’s children.

    • NEW HOPE ERITREA May 18, 2013

      The Candid True,

      What you said about truth reconcilation is true..but if the organized opposition lead us in developing the idea of reconcilation….if we put people´s salvation ahead of castigating the guilty..it may help.
      The candid true..I truly am pained as much as you are..about the suffering of the people…and I do not see the violently ejecting of the bandits in Asmara.
      I truly look for solution..but,..I like to teach our people to stop worshipping the murder of our children by the tegadelti /shiftas as a hioly & noble thing.
      YOU SHALL KNOW THEM BY THEIR FRUIT.

  • Haben May 18, 2013

    Dear Ghezai,
    I am sorry to say that the you letter will be received with deaf ears, becuase they are all killers and criminals. They should be eleminated not to be praized. Dont expect any solution from them .

  • ማሊሻ May 18, 2013

    ዋእ ሓቁ ደኣ ፦

    ኣብዚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ክም ድላዩ ይብጽሖ የለን።
    እዛ ራድዮ ወጋሕታ ካን ኣኺልዎ፣ ተዓጽያ ድያ ፧
    እዚኣ ናይቲ ቀጠር ንኢትዮጵያን ኤርትራን ፣ ንምቅርራብን ወደብ ዓሰብ ንምክራይን ካብ ዘቕረበቶ እማመ ፣ እታ ቐዳመይቲ ቅድመ ኩነት ደኣ ከይትኸውን።
    ቀጠር ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሽንጋል ፣ ንሓንቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበራ ናይ ሕግን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዋኒን ፣ ብኣማኽርነት ደረጃ ውዕል ከም ዝኣሰረትላ ይፍለጥ ።
    ኣብዚ ናይ ዓሰብ ናይ ምክራይ ልዝብ ፣ ባድመ ከም ኣርእስቲ ከምዘይትለዓል እትዮጵያ ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ይበሃል። ክልቲኤን ሃገራት ግና ነቲ ናይ ተጻባእቲ ፈነወ ራድዮ ከም ዝዓጽወኦ ክሳማማዓ ይኽላ እየን።
    በዚ መሰረት ድማ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ፣ ካብ ኣስመራ ዝፍኖ መደብ ራድዮ ደምሒት ኦርሞ ግምቦት ሰባት ኦጋዴን ፣ ከምኡ ውን ካብ መቐለ ዝፍኖ ራድዮ ወጋሕታ ኩናማን ዓፋርን ብቕጽበት ደው ክብል ፣ ይርከቦ።
    እዚ ሓድሽ ኩነታት ስጋብ ክንደይ ወይ መዓስ ይቕጽል ዝብል ብኽልቲኦም ጥራይ እዩ ዝምለስ።
    ንኩነታት ፈነወ ራድዮ ካብ ኣስመራ ዝፍኖ መደብ ራድዮ ደምሒት ኦርሞ ግምቦት ሰባት ኦጋዴን ግና ዝፈልጦ የብለይን ። ንምንጭታት ኣብ ኣስመራ ደዊልካ ምፍላጥ ከቢድ ኣይመስለንን።
    ዝኾነ ኾይኑ ብኹነታት ራድዮ ወጋሕታ ኣብ ብዙሓት ሰባት ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ዝሕባእ ኣይኮነን ፤ ንምንታይሲ ራድዮ ወጋሓታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ሰራዊታን ዘለዋ ጽልዋ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

    እዚ ኾይኑ እቲ ፤ እዛ ዕላል ሱሳስ ኣላታ ።

    • ማሊሻ May 18, 2013

      Posted again for Ghedli romantics to enjoy it:

      It is easy to see, state-to-state, the government of Ethiopia as more beneficiary. Though Ethiopia has nothing to fear about Eritrea and the Eritrean regime, it may need to use the port of Assab because Qatar has promised to invest in the port and provide better services at a lower cost to Ethiopia. Qatar is the government that signs the legal document but it is Australian and British multinationals that will run all the port services. Ethiopia’s economy of 90 million is growing very fast and the port of Djibouti is very small to accommodate Ethiopia’s needs. So, strictly, Ethiopia’s interest is economic while Issaias Afewrki’s motive is strictly survival. In this case, Eritrea has little to gain except some financial that is after Qatar and the multinationals take their part.
      If this is the case, the biggest winner will be Issaias, because unless he gets sick or an accident, he is assured that he will be the leader for the next 30 years.
      Issaias is not a good strategic thinker as Meles and Haile selassie were but he has the best survival instinct. Issaias will survive at the cost of the Eritrean people. Even if a quarter of a million people are left in Eritrea and the people who hate him leave, he has nothing to worry. In fact it is good for Issaias if the young people who hate him leave. It is what YG called a system of easing by “letting the pressure off”.
      If this is the case, the Eritrean opposition will be the biggest loser. They have lost every opportunity Meles had given them. Instead of ceasing the moment, they spent most of their time living in the old and outdated Ghedli dreams and multiplying like amoeba.

      • Hailu May 18, 2013

        “It is what YG called a system of easing by “letting the pressure off”.

        ማሊሻ

        YG is a useless trouble monger. Who is asking to talk so much about Eritrea while his village in Tigray has no water or electricity ?. If his father was selling ‘beles’ in Mendefera it doesn’t mean he is allowed to insult Ghedli. He is just like Issu another Tigrayan suffering from identity crisis. Let him mind his business.

        • NEW HOPE ERITREA May 19, 2013

          I hated maths in high school..It was very complicated for me to undrstand it…I always thought maths was useless..I hated it.

          hmmm..

          • Salim May 19, 2013

            Your main problem is with reasoning.

      • Salim May 19, 2013

        “Issaias is not a good strategic thinker. ”

        ISSAIAS liberated Eritrea. That is a perfect example of strategic thinking. On the other hand Meles with his killilization project clearly demonstrated that he was ” bdHrey saEri aytbqola ” kind of guy.

POST A COMMENT