Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ! ኢትዮጵያውነት ንህዝቢ ኤርትራ ብምጉዕጻጽ ኣይረጋገጽን! ኣይኮነን ናይ ኤርትራ ህዝቢ ቁማል ‘ን ስረ የፍትሕ!

  ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ!     ኢትዮጵያውነት ንህዝቢ ኤርትራ ብምጉዕጻጽ ኣይረጋገጽን!  ኣይኮነን ናይ ኤርትራ ህዝቢ ቁማል ‘ን ስረ የፍትሕ!  ኢትዮጵያዊ ወትሃድር ኮይነ ኣብ ኤርትራ ዉሽጢ ዝንበርኩሉ ግዜ ትግርኛ እንተ ተማሃርኩ ምጽሓፍ ክሳብ ክንድቲ ኣይኮንኩን፡ኣነ ብወገንኩም ንኣምሓርኛ ጽብቅ

 

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ!

    ኢትዮጵያውነት ንህዝቢ ኤርትራ ብምጉዕጻጽ ኣይረጋገጽን!

 ኣይኮነን ናይ ኤርትራ ህዝቢ ቁማል ‘ን ስረ የፍትሕ! 

ኢትዮጵያዊ ወትሃድር ኮይነ ኣብ ኤርትራ ዉሽጢ ዝንበርኩሉ ግዜ ትግርኛ እንተ ተማሃርኩ ምጽሓፍ ክሳብ ክንድቲ ኣይኮንኩን፡ኣነ ብወገንኩም ንኣምሓርኛ ጽብቅ ዘቃላጥፍ ከም ክኻነይ መጠን ድማ መልእኽተይ ብኣምሓርኛ ምስ ይቅረታይ የማሓላልፍ ።

ብዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን የሕዋት ከም ዉን ሓድንታዊ ኢዩ፡ካብዚ ሓሊፍ ብሓበር ምንባር ባህሊን ልምድን ንሩሑቅ ኣስተዊዒሉ ን50 ዓመታት ሙሉእ ብዘይምስልቻዉ፡ ትዕግስቲ ዝመልኦ ስልጠና ረቂቅ ስልታዊ ምሰጢር መርበብ ብምዝርጋሕ ፡ ናትና ሰብ ኣብ ሳሕል ኮይኑ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ወህደት ዓወቱ ኣብጺሑ።

እዚ መወዳድርቲ ዘይርከቦ መልእኽቲ ወይ ድማ ምሽን ብጉቡእ ብምብጽሑ፡ትኣምርታዊ ዲንቂ ፍጹም ዘይሕሰብ ሚና ከምኻኑ መጠን ብወገነይ “ናትና ሰብ ኣብ ሳሕል፡ ናይ ዘመኑ ዓቢ ኢትዮጰያዊ “ ዝብል ስያመ ሂበዮ ኣለኹ።50 ዓመታት መሉእ ዝተኻየደ ሚስጥራዊ ምሽን፤ ኣብ ዓለም ውሸጢ ኸሳብ ሕጂ ዝተራኣዩ ስለያታት፡ከም ብዓል ጎልድበርግ፡ ክላስውስ ፋኩስ፡ማታ ሃሪ፡ዝኣመሰሉ ‘ን ክዋዳደርዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን።

50 ዓመት መሉእ ዝተጸዓረሉ ናይ ሓድነት ስራሕ ምስ ኣሰላሰሉ ምስ ዶር ኣበይ ዝገበርዎ ሰምምዕነት መሰረት ብምግባር፡ ናይ ኣስመራ መስመር ተኽፊቱ ዝብል ዘሐጉስ ዜና ካብ ዝሰማዕኩ ንድሓር ን 30 ዓመታት ዝኣክል ዘናፍቅዋ ኤርትራ ንምብጻሕ ድማ ብጣዕሚ ተሃንጤ።ኣይክኣልኩን ዝሕዞን ዝገብሮን ጠፍኣኒ።ከም ኩሉ ሕጻን ናይ ኣዲኡ ጡብ ንምጥባያ ዝጻደፍ፡ ዓቅሊ ምግባር ኣይክኣልኩን።ብቅጽበት ትኬት ናይ ነፋሪት ቆሪጸ ድሕሪ ሰሙን ኣስመራ ኤርፖርት ኣትየ።

ኣስመራ ምስ በጻሕኩ ናይቀደም የዕሩኹተይ ኣቀዲመ ነጊረዮም ስለዝጸናሕኩ፡ ኣብ ኤርፖርት ተቀቢሎምኒ ኩላትና ተሓቋቂፈና እናብዓትና ናፍቆትና ምስ ኣውጽእና ድማ ኣብ ጥቃ ኤርፖርት ዝርከብ ኣስማራ ፓላስ ሆቴል ወሰዱኒ። ኣብ ውሸጢ ሆቴል ኮፍ ኢልና፡ናይ ቀደም ኣልዒልና ተጻዊትና ቅድሚ ጽልምትምት ምባሉ እስኪ ከተማ ንርኣያ!! ከም መርዓት እኮ ኣብዚ ወቲፍኩምኒ ብምባል ከተማ ንምርኣይ ተሃንጠኹ።

ዝተወሃበኒ መልሲ ግን ፍጹም ዘይተጸበኹዎ ኢዩ ነበረ።ሓደ ካብ  ዕርኹተይ ርእሱ እንዳ ሓኸኸ ክሳዱ ቀርቂሩ “ምኻድ ‘ሞ ክንከየድ” ኢና ኢሉ ስቅ በለ። ኩሎም ድማ ሱቅ በሉ።ኣነ እንታይ ዝተሓብእ ነገር ኣሎ ድዩ በልኹ። ፈሪሐ። ሓዲሽ ሓሳብ ርእሰይ ኣናወጾ።ከም ቀደም ሎሚ ኸ ህዝቡ ኪድ ኣድጊ ኢንዳበለ ይጸርፈኒ ዶ ይኸውን፧ጽልኢ ኣይገደፎምን ድዩ፧እንድዒ ኽ ምባል ጀመርኩ።

ድሕሪ ሓጺር ስቅታ ሓደ ዓርከይ “ከተማ እንታይ ዝርአ ኣለዎ! ኣስመራ ከም ቀደም ከይመስለኻ! ምኻድ እሞ ክንከይድ ኢና! ንዝኾነ ግን ኣይትሰንበድ! ናይ ልቢ ሕማም ከይሕዘኻ!” በለኒ። “ኣይ ግዲ የሎን “ ኢለ ተታሒዝና ኣብ መኪና ከድና።

ካብ ፍርቂ ስዓት ዘይሓልፍ ግዜ እንባሶይራ ሆቴል ኣከባቢ በጽሕና ኣብኡ ኣከባቢ ድማ መኪናና ደው ኣበልና።ካብ ብእግርና መንገድና ተታሓህዝናዮ፡ ባር ቶሪኖ ሓሊፍና ናብ ሞኖፖሊ ገጽ ብምውራድ ኣባ ሓበሽ ፓላሶ በጻሕና፤ቀጺልና ብእንዳ ማርያም ገጽ ሽቕ ብምዉጻእ ንጸጋም ተዓጺፍና ኢትዮጵያ ኣደባባይ (ናይ ሕጂ ሜዳ ኤርትራ) ድሕሪ ምብጻሕና እንዳ ኻንዘን ሓሊፍና ካተድራል በጻሕና።ኣብ መጨረሽታ ንእሽቶይ ገለ ንምልካፍን ዕረፍትን ኣብ ካምቦሽታቶ ዝርከብ ሓደ ካፈተርያ ኣቲና ኮፍ በልና።

ዝርኣኹዎ ኩሉ ዘሕዝን ጉድ ኢዩ።ገና ካብ መኪና ምስ ወረድኩ 10 ሜትሮ ዘይርሕቅ መንገዱ ተዃዓዒቱ፡ዓንቂፉኒ ወዲቄ ስነይ ተሰይረ ነይረ።ማርቻቴዲ ተቀላሊጡ ሓመድን ሑጻን ሓባጥ ጎባጥን ከም እዉን ምስ ናይ ካሮሳ ፋንድያ ተሓዋዊሱ።ገዛውቲ መንደቆም ተቀላሊጡ፡ተኖኮን እምንን ኣብ ልዕለኻ ከይወድቅ ካብ መንደቅ ርሕቅ ኢልካ ምጉዓዝ ኢዩ።ኣብ ፍቀድኡ መንገዲ ዝተተኽሉ ሽባኻታት ቁሉሕ ኢሉ ዝርኦ ሰለ ዘየለ ጨናፍሮም ንታሕቲ ተንጠልጢሎም ገጽካን ጸጉርኻን ከም ማሕረሻ ይጨሕግረካ።ናይ ጋዛውቲ ሜስታት ሓሓሊፎም ሓሓሊፎም ተሰባቢሮምን ዝነፋስ ንፋስ ከፋጺ ይስምዑ።ናይ ለማኒ ብዝሒ ኣይረድ ኢዩ።ለመንቲ ከም ዝብኢ የማንን ጸጋምን ይኸቡኻ።ጠሜ ! ኣቦይ ግባር ይሑሉ ኣሎ !ሰልዲ ሃበኒ! ዝብሉ ህጻናትን ኣዴታትን መንገድ ኣየሕልፉን።ነብሰይ ምእማን ስኢነ።ንምኻኑስ ኣስመራ ድየ ዘለኹ ኢየ ዝበልኩ።ከተማ መቀለ በሃይለስላሴ ግዜ ኣዘኻኺሩኒ።

ድሓን ኽዳን ለቢሱ ዝስሕቅን ሕጉስን ሰብ ኣብ ከተማ ዉሽጢ ኣይትርኢን። ኩሉ ርእሱ ኣድኒኑ ዝኸይድ ሓዘንተኛ ኢዩ።ናይ ቅድም ጣልያኘኛ እንዳ ሓዋወሱ…ቻው ፒኮሎ እንዳበለ ካብ ርሑቅ እንዳ ተጸዋውዕ ዝኸይድ እናስሓቀ ሙቀትን ደስታን ዝህብ ተናፋቂ ድምጺ ሎሚ የሎን።ኣስመራ ናይ መታሕት ከተማ ኢያ ትመስል።ከተማ ኣስመራ ካብ 15 ክሳብ 50ታት ማእከል ዕድመ ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ አይርኣያን ኢዩ።ህጻን ወይ ሰበይቲ ወይ ‘ን ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ዘንቀሳቀሱላ።ኣብ ፍቆዶ ቦታ ዝተደርበየ ኣዕጽምትን ኣረጊት ቆርበትን ድማ ጨናዊ ሽትኡ ዓዲ ኢዩ ዘሕድግ።ናይ ቅድም ቄራ ይመስላል።ኮፍ ዝበልናዮ ቡና ቤት እውን እንተ ኾነ፡ ናይ ቡን ቡሻት (ብርጭቆ) ብሳንኬሎ ማይ ኢዩ ዝሕጸብ።ቡንቧ ማይ ኣይ ሰርሕን ኢዩ።ይቀፈካን የሕዝነኻን ኢዩ።ምኽኣል ሲኢነ ኣብ ሽቃቅ ኣትየ ንብዓተይ ፈንየ ተመሊሰ ምስ ኣዕሩኹተይ ተመሊሰ ኮፍ በልኩ። ናተይ ኩነታት ብምርኣይ መስለኒ ኣዕሩኹተይ፡ “ሓጂኸ ርኢኻዮዶ” በሉኒ።ምንም ከይተዛረብኩ ብርእሴይ ብምንቅስቃስ እወ ካብ ምባል ሓሊፈ።እዚ ኩሉ ትዕዘብቲ ምስ ኣስተውዓልኩ ድሓር ሓደ ነገር ትዝ በለኒ።ርእሰይ ሃረመኒ። ናይ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ድርፊ ፡ድሓን ኪኒ ዓባይ ኣባሻውል!!! ዓባይ ኣባሻውል ከይፈረሰት ከላ …!!!! ዝብል።ብሓጺሩ ሎሚ ግዜ እታ ናይ ቀደም ኣስመራ።”ካብ ኣስመራ ጻዕዳ ናብ ኣስመራ ገሃነም”” ኢያ ተቀይራ ዘላ።

ክቡር ፕረሲደንት

ኢትዮጵያውነት ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጸላእቲ ወሲድካ መብምስቃይን ኣብ ድኽነት ውሽጢ ብኽታት ኣይረጋገጽን ኢዩ።ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሓቢሮም ንምዕባይን ምድማር ዘይኮነ፡ንሓደ ሕብረተ ሰብ ካብ ካልእ ሕብረተ ሰብ ብምጉዳል ማዕርት ኣየምጽን ኢዩ።ከም ዘይሳኻዕ ዝተፈልጠ ኢዩ።ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ተማሂሩ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ብምድካይ ስትራተጂ ንጃንሆይ ውን ኣይጠቀሞምን።ከምኡ ድኣ ሓደ ውሕጂ ጸራሪጉዎም ድኣንበር።

ሓቂ ከውጽ ይፈቀደለይ።ብፈረንጂ 1970 መጀመርታ ኣቢሉ ንሶም ከምዝዝኽርዎ ምስ ኣመሪካዊ ኮኔሬል ሮላንድ ካፕላንና ከም ‘ን ምስ እስራኤላዊ ኣብ ደቀምሓረ ናይ ኮማንዶ ኣሰልጣኒ ምስ ዝነበረ ለቪ ዝተባህለን ንዓኹምን እተወሃበኩም ተልእኾ ወይ (ሚሽን) “ንሃገራት ዓረባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለወን ሓደጋ ምስፍሕፋሕ ንምዕጋትን በቲ ግዜ ዝነበረ መደብ ማሕበርነታዊ ምስፍሕፋሕ በነዊሑ ንምቁጻይ” እንበር ንብዝቢ ኤርትራ ከም ጸላኢ ርኢኻ ብድኽነትን ስደትን ከም ‘ን ብድንቁርና ንምስቃይ ኣይነበረን።ንስኹም ዝተወሃበኩም ሓላፍነት (mandate) ጥሒስኽሞ ኣለኹም።ናትኩም ምሕረት ኣልቦ ኣሰራርሓ ካልእ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዘለኩም ውዕለት እንተ ዝርአ ኣዝዩ ዘሰቅቀካ።ህዝቢ ኤርትራ ንዓዅም ካብ ማእከል ሃገር ናብ ኤርትራ ዝመጹ ወለድኹም፡”ወዲ ላምና” እናበለ ሓቂፉን ተኸናኺኑን ክሳብ መሪሕነት ዘበጽሑ ሰመጥሩ ብዝቢ (ህዝቢ ኤርትራ) ኢዩ።ብዓይኒ ጽልኢ ትርእይዎም ዘይ ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ልዕሊኡ ትፍጽምሉ ምኽንያት የሎን።ካብ ሓደ ሓደ ዓያሹ ኢትዮጵያዊያን በሎው!!! “ኣለኹኻ!” ዝብሎ ቃል እንተ ዘይሰምዑ ጽብቅ ነይሩ።ኣብዚ ስዓት ዶላር ተኸፊሎም ኣብ እንዳ ሜስ “ ንስኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ፤ ኡሙን ወትሃድር! ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ኣዋሳ ዝሓድር!!ንኹሉ ተነጸልቲ ዘጨነቅካ እናበሉ ዘንበድቡድ መደናጋሪ ኣዝማሪ ሰሚዖም እንተ ዘይደቀሱ ጽብቅ ኢዩ።

ክቡር ፕረሲደንት

ዝዘንግዕዎ ሓደ ጉዳይ ኣሎ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግሰተኛ እንበር ፈራህ ኣይኮነን።ኩሉ ዝተነግሮ ሓቂ ወሲዱ ዝኣምን፡ ኣማኒ፡መንፈሳዊ፡ህዝቢ እንበር ደንቆሮ ኣይኮነን።ርግጽ ናይ ፖለቲካ ሽጣራ ታሪኽ ዝጎድሎ፡ “ናተይ መሰል እንታይ ኢዩ” ዝብል ሐቶ ዘይምልዓል የዋህነት እንበር፡ቦንባን ታንክን ዝፈርሕ ህዝቢ ኣይኮነን።ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕለኹም ዘርኣዮ ትዕግሰቲ ንስኹም ናትና ሰብ ኣብ ሳሕል ምንባርኩም ብዘይምፍላጠም ጥራይ ኢዩ።ናይ ዱባለ ዓቢ ሓዉ ምኻኑ ኢዩ።ሕጂ ኢዩ ቀስብቀስ ዝበርሃሎም።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘርኣዮ ትዕግስቲ “ ደቅና ናጽነት አምጺኦምልና” ግዜ ንሃቦም!! ኣሕሊፍና ኣይንህብን!! “ዝብል ካብ መስተውዓሊ ስነ ልቦና ዝተበገሰ ኣተሃሳስባ ኢዩ።ሕጂ ግን ኩሉ ነገር ግልጺ ኮይኑ በሪሁ ኣሎ።ንስኹም ብኣሜርካዊ ሮናልድ ካፕላንና ብእስራኤላዊ ለቪ ኣብ ውሽጢ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ እተጸፈየ ኤጀንሲ ምንባሩ ምስጢሩ ኣቃሊዑ።ግልጺ ድማ ከይኑ።ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ኣቶ ተሰፋሚካኤል ጆርጆ፡ ኣቶ የማነ ዓንደጀርግሽ ዝሃብዎ መብርሂ ባዕሉ እኹሉ መረጋጋጺ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ እንተ ቆሪጹ ኣይምለስን ኢዩ።ከምንፈልጦ እዚ ብዝቢ ኣብ ዝሓለፈ 500 ዓመታት ሙሉእ ዝኣተዎ ውግእ ተሰኒፉ ኣይፈልጥን ኢዩ።ኣብ ጎኒ ቱርኪ ተሰሊፉ ተዓዊቱ።ኣብ ጎኒ ጣልያን ተሰሊፉ ተዓዊቱ። ኣብ ጎኒ እንግሊዝ ተሰሊፉ ተዓዊቱ።ንናጽነት ተሰሊፉ ኣብ ኣፍዓበት ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ናይ ደርጊ ሰራዊት ዝደምሰሰ።ካልእ ይትረፍ 1976 ዓ.ፈረንጂ ክሳብ 100፣000 ዝኣኽል “ናይ ደርጊ ዘማቸ ወትሃደር፡ራዛ ፕሮጀኽቲ ዝተባህለ ንኤርትራ ምዉራር ብትግራይ ዶብ ዝትኣኻኸበ ናይ ስመጃና ህዝቢ ጥራይ ብዘይ ደገፍ ናይ ተጋደልቲ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓተ ምዓልቲ ብትንትን ዘእተውሉ።ካልእ ይትረፈ ናይ ሕጂ ኢትዮ-ኤርትራ ውግእ ንዓሰብ ንምሓዝ ዝተገብረ ምትሕንናቅ፡ንስኹም ምስ ሀርሞን ኮሀን ተሰማሚዕኩም  ንሰራዊት ኤርትራ ንዓሰብ ገዲፍኩም ኣብ ምጽዋዓ ንኽስሕብ ዝሃብኽሞ ትእዛዝ ግን “ኣይቅበልን!!” ኢሎም ብጂግንነት ተዋዲቆም ሃገሮም ዘድሓኑ መወዳድርቲ ዘይብሉ ቆራጽ ህዝቢ ኢዩ።ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽኩዎ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኣብ ልዕሎኹም ዘርኣዮ ትዕግስቲ ንስኹም ናትና ሰብ ኣብ ሳሕል ምንባርኩም  ሰለዘይፈለጠ ጥራይ ኢዩ።

ክቡር ፕረሲደንት

ኣብ መጨረሽታ ከም ኢትዮጵያዊ ሓወይ መጠን ዝህበኩም ምኽሪ እንተሎ ዝሓዝዎ ስትራተጂ ጠቅላላ ምቅያር ኢዩ ዝብል።ንህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ካብ ዘይመራሕኩም፡እሱራት ካይፈታሕኩም፡ ቅዋም ከይተግበርኩም፡ ናትኹምን ናይ ደቅኹም ዕድመ ኣብ ሓጺር ከምዝቁጸ ፍለጡ። ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ፡ቁማል ውን ስረኻ የፍትሕ ኢዩ።

ካብ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር

  • ብተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብ ሲ ኣይ አ ማእከል ዝተገብረ ናይቲ ሽዑ ግዜ ምስጥርያዊ ርክባት ቡቅሊ ተኽሊ ብዘብል ኮድ ዝጽዋዕ ብፕሮቶኮል ቁ.21/9/62 1038 /1039/18/31 ሀ1/19/ሰ/2 ተመዝጊብ።seed planting ዝተባህለት ምኽንያት፤በቲ ሽዑ ግዜ ኮረኔል ካፕላንድ ንምስጥራውነቱ ንምጉልባብ ንኽምቺኦ ድማ ኣብ ዉሽጢ ማይ ሓባር ልምዓት

ምግራብ ዝጀመረ።

 

ትርጉም ብሰለሙን የውሃንስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT