Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኹሉ ብሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝግደስ ዜጋ

ንሕና ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ከተማ ሎንዶን እንርከብ: ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከይተሓለልና ክንጽዕት ዝጸናሕናን ዘለናን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ  ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ተቓወምቲ ዜጋታትን ምዃና ኣቐዲምና ክንሕብር ንፈትው። ኣብዚ ቅሉዕ ደብዳቤ ከነልዕሎ ዝደለናዮ ጉዳይ

ንሕና ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ከተማ ሎንዶን እንርከብ: ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከይተሓለልና ክንጽዕት ዝጸናሕናን ዘለናን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ  ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ተቓወምቲ ዜጋታትን ምዃና ኣቐዲምና ክንሕብር ንፈትው።

ኣብዚ ቅሉዕ ደብዳቤ ከነልዕሎ ዝደለናዮ ጉዳይ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ዓሚ ከምዚ እዋን ብዘይሕለል ጻዕሪ ተቓለስቲ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ድሕሪ ምስልሳልና፣ ካብ መንጉኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እተብጽሓና ሃገራዊ ኮሚሽን ከም ዝመዘዝና ዝዝከር’ዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ኣብ ኩሉ ዞባታት ንሃገራዊ ኮሚሽን ዝተሓባበራ ጨናፍራት ብምቛም ብመንገዳ ዝተላእኹ ሰነዳት ንህዝቢ ኣብ ምክታዕን ምብርባርን ዘይንዓቕ ኣስተዋጽኦ ክፍጸማ ጸኒሐን ኢየን። ስለዚ ንሕና’ውን እንተኾነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንርከብ ሃገራውያን ከም ኩሉ ዜጋ ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋቱ ካብ ዘለና ጽኑዕ እምነት ተበጊስና ተሓባባሪት ኮሚቴ ንኮሚሽን ብምቛም ኩሉ ዝተዋሃበና ዕማማት ክንፍጽም እኳ እንተጸናሕና ኣብዚ መወዳእታ እዋን ግን ኣብ ጉዳይ መረጻ ናብ ጉባኤ ብዝምልከት ሓደ ዓቢ ብድሆ ገጢሙና ጸኒሑ’ሎ፣ ንሱ ክኣ ገለ ሸነኻት ነቲ ኩሉ በብዓቕሙ ክዋሳእ ዝጸንሐ ግዱስ ሃገራዊ በዚ መጸ ዘይብሃል ኮሚሽን ዘይፈልጦ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ስልዒት ገንዘብ ሰሊዖም እዚ እንተዘይ ከፈልካ ኣይትመርጽ ኣይትምረጽ ብዝብል ቅድመ ኩነት ነዚ ናይ መረጻ መስርሕ ኣብ ሓደጋ ከውድቕዎ ተራእዮም። እዚ ጉዳይ ቅኑዕ ከምዘይኮነን፣ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዝጥቀማሉ ፍትሓዊ ዝኾነ ኣከፋፍላ ጌርና ካብ ዉሑዳት ሰብ ገንዘብ ጥራሕ ዝሳተፉ፣ መሰል ብዙሓት ዝረጋገጸሉ ሱታፌ ንድለ ብምባል፣ ካብታ 7 ፈጸምቲ ኣካላት ዘለናያ 18 ዝዓቕሚ ሰባ ተሓባባሪት ኮሚሽን 9 ካብኣ 4 ፈጸምቲ ኣካላት ምክትል ኣቦ-መምበርን ሰክረርታሪያ ዘለናያ  ዓገብ እንተበልና ሰማዒ እዝኒ ስኢንና። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ዝወከለና ህዝቢ ሓቢርና ካብቲ 118 ዝተመዝገበ ህዝቢ ናይ 74 ኣባላት ስምን ክታምን ዘለዎ ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ንኮሚሽነር ዳኣኒኤል ወልደትንሳኤ ሂብና ፈለማ ነቲ ብኢደዋኒኖም ኣብ ዕለት 09 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ካብ 118 ኣባላት ብ29 ሰባት ጥራሕ ንይምሰል ክመራረጹ ድኣምበር ኣቐዲሙ ዝሰማዕናዮ ብሕርያ ዝመጹ ንኽምርቑ እናተሸባሸቡ ከለዉ፣ ኮሚሽነር ዳኒኤል <እዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ቁኑዕ ከምዘይኮነ ምኽንያቱ ናይ 74 ኣባላት ጥርዓን (ፒትሽን) እንሆ’ሞ ጠጠው ተብልዎ> እንተበሎም; ኣይዓጠጦምን። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ 118 ኣባላት ብጽሒት ሰሪቖም ምርጫና ብደሞክራስያዊ መስርሕ ኣሰላሲልና እናበሉ በቲ ምስኦም ዝወገነ ኮሚሽነር በረኸት ካሕሳይ ኣቢሎም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባ ዘርጊሖሞ ንዕዘብ ኣለና። ብወገና እዚ ናይ ጥርዓን ደብዳብ እንተላይ ዝርዝር ኣስማት ኣባላትን ክታሞምን ብመንገዲ ኮሚሽነር ዳኒኤል ወልደትንሳኤ ናብ ዝምልከቶ መራሕቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ልኢኽና ዛጊት መልሲ ኣይመጻኣናን። ደጊምና’ውን ካልኣይ ምሕጽንታ ልኢኽና ሓደ ዘይርጡብ ሓጺር መልሲ ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝተጻሕፈ መጺኡና።

መደምደታ።-
ስለዚ እምባኣር ንሕና ሕጂ’ውን እዚ ሃገራዊ ጉባኤ ክዕወት ከይሰልከና ክንሰርሕ እኳ እንተኾንና፣ ሃገራዊ ጉባኤ ክዕወት ግን ካብ መሰረቱ ካብ ታሕቲ ክቐንዕ ኢዩ ዘለዎ። ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ ብትምኒት ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን። ስለዚ መሪሕነት ሃገራዊ ኮሚሽን ዛጊት ንሕቶና ብዘይምምላስኩም ተሓተቲ ምዃንኩም ከነስምረሉ ንደሊ። ኪንኡ ክኣ እዞም ኣብ ሎንዶን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኢዮም ተመሪጾም ተባሂሎም ጸብጻቦም መጺእኩም ዘሎን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባ ብዘቑጸልጽል ቃላት ተገሊጾም ዘለዉ ብዉሑዱ ካብቶም 118 ዝተመዝገቡ ኣባላት ምክትል ኣቦ-መምበርን ሰክረተርን ዝርከብዎም 9 ተሓባባሪት ኮሚቴ ወሲኽካ ናይ 74 ኣባላት ወከልቲ ከም ዘይምኻኖም ብንጹር ክንገልጽ ንፈትዉ። ንምጥቕላል እዚ ጹሑፍ እዚ ክንዝርግሕ ዘገደደና እዞም ዝጠቐስናዮም ሸነኻት ብምትሕብባር ኮሚሽነር በረኸት ካሕሳይ ብጽሒትና ሰሪቖም ክንሶም እሞ ኽኣ ናብ ኮሚሽን ዘቕረብናዮ ጥርዓን ጉቡእ መልሲ ብዘይ ምርካብና ብግሉጽ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክፈልጦ’ሞ ብኡ ኣቢሉ ክኣ ጉዳዩ’ውን ስለዝኾነ ዓገብ ንኽብል ብምባል ኢና።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!
ተሓባባሪት ኮሚቴ ንኮሚሽን ሃገራዊ ጉባኤ
ሎንዶን ዓባይ ብርጣንያ 16ጥቅምቲ 2011።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • zhazene October 16, 2011

    The only thing we can do now is to make understand the Ethiopian government, so that those inside oppostion making distruction would be liable for their stupid action. The Ethiopian goverbment worked haard to help Eritrean people and Eritrean ooppostion but these are inside that workin for HGDF dividing the people and making distruction for the big expectation.
    we Eritreans are now very sad and did not feel that the nnext would be successful unless these distruction makers are coming to justice.
    we expected justice to be done by the Ethiopian government.

  • J AbHarish October 16, 2011

    congress project in crisis

    It appears the congress project has not secured sufficient fund to meet congress objectives. If that is the case why doesn’t the commission be transparent about it and announce the congress can not be conducted due to luck of funds.

    Yet again isn’t it too late to ask people for financial contribution when the congress was due in few weeks time, where were they the whole year? I feel the project was not properly planned and that is the main reason why Mr Nayer is seeking postponement for another year.

    This is a mess, I expected the commission to be better organized than the preparatory committee of the Waela last year.

    by the way who are those “gele shenekhat” who posses power above the commission?
    “ገለ ሸነኻት ነቲ ኩሉ በብዓቕሙ ክዋሳእ ዝጸንሐ ግዱስ ሃገራዊ በዚ መጸ ዘይብሃል ኮሚሽን ዘይፈልጦ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ስልዒት ገንዘብ ሰሊዖም እዚ እንተዘይ ከፈልካ ኣይትመርጽ ኣይትምረጽ ብዝብል ቅድመ ኩነት ነዚ ናይ መረጻ መስርሕ ኣብ ሓደጋ ከውድቕዎ ተራእዮም።”

  • yafet October 16, 2011

    we are eritrean.we cann’t discus with ethiopian.again we can fite with them

  • ayhlelo October 16, 2011

    ab haser geza kelo ezi neger kebes alewo kemzi elka wein kezrgeh ayneberon

  • LONGDREAM October 16, 2011

    The most respected people of Eritrea
    First of all i would like to appriciate for the free press we are using on the name of demo.archive.assenna.com. But i have one question as we are on a very complicated situation we need to be take care of our sources of information, Who sent this latter? who is he? are you sure he/ they are supporters of the Waela? second we have to recongnize thoes who are trying to brain wash the people of eritrea to think negativly about the waela and the democratic change we are expecting. Also i would like to remind you guys the HIGDEF regim is not that much simple, he can able to make as fight even with our mother and sisters, am sure this obstacles are made by the thief spies of this regim, so guys let us resist a little bit, lets not surrender by simle words and letters. every one must be ready defend the democratic change.
    this is one part of the change to fight and agree but please dont stop your way to democratic change.

  • Teazeb October 17, 2011

    I agree with you Longdream!
    We see two posts on the name of the commission, one from London and the other from Britain. The london one claims that they are from opposition groups but label themselves as the London part of the Commission. Are these the one who fought to postpone the congressional meeting? I think Assenna has to make clear the sources of the posts. It is purposely done to confuse the ppl who are not aware of what is going on in Britian!

    Assenna please make sure we get the right message from the right source and leave the rest for the reader to analyse the content. Thanks!

  • Taddesse T Gebremussie October 17, 2011

    I have aquestion to all Eritreans are you fighting for peace or forself interest? have you ever think abuat our patriots who gave their only body wich have no repleacement.have you ever think you are born necked you die necked.why are you so selfish.?you don’t know when you die.

  • Hagos Bahta (ሓ.ባ) October 17, 2011

    መሰናኽል ከጋጥም ናይ ግድን’ዩ ,በዝን ወዲኸምዝን ድማ እቲ ጀሚሩ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ደው ኣይክብልን’ዩ :: እታሓንቲ ክላበዋ ዝኽእል, እዞም ሕጂ ኣብ ፍቐዶ ሰላማዊ ሰልፍታት ትቃለሱ ዘለኹም መንእሰያት እንታይ መራሕቲ ዘጸብይ ኣሎኩም ?ከምታ እዛ ቃልሲ ግምባርኩም ሂብኩም ትገጥምዋ ዘሎኹም 74 ሰባት እኮ እኹላት ኢኹም …. ዘድልዩኹም መራሕቲ መሪጽኩም እቲ ጀሚርኩሞ ዘሎኹም ጉዕዞ እሳተጎሞራ ንለውጢ ቀጽልዎ :: ሳዓቢኹም ድማ ኣመና በዚሑ ኢዩ ዘሎ ሕጂ :: ኣጆኹም

    ፍትሓዊን ሓቀኛን ቃልሲ ኩሉ ግዜ ተዓዋቲ’ዩ !!!!!!!!!

Post a Reply to J AbHarish Cancel Reply